Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕድመ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣስመራ ዝመጽኡ 3 ጳጳሳት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳይያስ ን 16 ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅሆ ተታሒዞም ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣቡነ መንግስታኣብ ተስፋማርያም ተዓዲሞም፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝወዓለ፡ ኢዮቤል ህንጸት ርእሰ-ኣድባራት ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ክነግዱ ካብ ኢትዮጵያ ብቐዳም 22 ለካቲት ምሸት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንዝኣተዉ፡  ካርዲናል ካቶሊካዊት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣቡነ መንግስታኣብ ተስፋማርያም ተዓዲሞም፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝወዓለ፡ ኢዮቤል ህንጸት ርእሰ-ኣድባራት ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ክነግዱ ካብ ኢትዮጵያ ብቐዳም 22 ለካቲት ምሸት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንዝኣተዉ፡  ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ `ውን ኣቦ ወምበር ኮምሽን ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን ኢትዮጵያ ንዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፊኤል ደመረው፡ ከምኡ ውን ነቶም ኤርትራዊ ትውልዲ ዘለዎም ናይ ሰበኻ እንድብር (ምዕራብ ሸዋ) ጳጳስ ዝኾኑ ኣቡነ ሙሴ ገብረጊዮርጊስ፡ ከምኡ `ውን ሳልሳዮም ናይ መላእ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዋና ጸሓፊ ዶር ኣባ ተሾመ ፍቅሬ፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ `ብላዕለዋይ ኣካል ክርአ እዩ` ኢሎም ፓስፖርቶም ድሕሪ ምውሳድ፡ ኢንትሪ ቪዛ ተሃሪሙሎም ክንሱ፡ ን 16 ሰዓታት ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ከም ጅሆ ሒዞሞም ብምሕዳር፡ `ብላዕለዋይ ኣካል ምእታው ተኸልኪልኩም ኣለኹም` ኢሎም ንጽብሒቱ ዕለት 23 የካቲት  ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብኡ ንብኡ ብነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመለሱዎም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ነዞም ዓበይቲ ኣጋይሽ ክቕበል ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ህዝቢ ሓበሬታ ስኢኑ ቀንፈዘው ክብል ድሕሪ ምምሳይ ምስ ካህናቱ እናማረረ ገዝኡ ከምእተመልሰ `ውን ተፈሊጡ።

በዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ሰዓብታ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምእትርከብ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ከም ውጽኢት ናይዚ፡ ሎሚ 24 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተጸምበለ ንግደት ኪዳነ ምህረት፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስትኣብ ዝተሰመዖም ጓሂ ንህዝቢ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንህዝቢ ይኹን ንሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብወግዒ ተቓውሞኦም ከፍልጡዎም ምዃኖም ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ጽምብል ንግደት ኪዳነ ምህረት ዝተረኽቡ፡ ናይ ከረን፡ ሰገነይትን ባረንቱን ጳጳሳት `ውን በዚ ዘጋጠመ ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓዘንን ውርደትን ከምእተሰመዓ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብኡንብኡ ዝተመልሱ ካርዲናል ኢትዮጵያ፡ ኣቡነ ብርሃነ እየሱስ ሱራፊኤል ደመረው ብወገኖም፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀበና ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ንግደት ኪዳነ ምህረት ኣብ ዘስምዑዎ ቃል ኣምላኽ፡ `ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ሰላም ሓቀኛ ከምዘይኮነ ሎሚ ተረዲኡና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ስቓይን ብዓይንና ርኢናዮ` ኢሎም ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ግፍዒ ምርኩስ ብምግባር ጓሂኦም ከምዝገለጹ `ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ንሶም ዋላ ኳ ካብቲ ናይ ኣስመራ ንግደት ኪዳነ ምህረት ቦዂሮም እንተወዓሉ፡ ብጽሑፍ ዝሰደዱዎ መልእኽቲ ኣብ ንግደት ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ከምእተነበበ ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT