Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 14.09.13 አብ ከረን ዝተኻየደ ህዝባዊ አኺባ አዝዩ በዳሂ ኩነታት ገጢምዎ ዊዒሉ።

እቲ ብአማሓዳሪ ከተማ ከረን፣ ተክኤ ትማሊ ቀዳም ዕለት 14.09.13 ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ጀመሩ ዝተኻየደ ኣኺባ ቀንዲ ዕላምኡ ብዛዕባ ምኽፋል ግብርን ምቁጽጽር ኮንትሮባንዳ ዝብል ኢዩ ኒሩ። ድሕሪ አማሓዳሪ ከተማ ከረን ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከረን መደረ ምስ ገበረ ርእይቶ

እቲ ብአማሓዳሪ ከተማ ከረን፣ ተክኤ ትማሊ ቀዳም ዕለት 14.09.13 ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ጀመሩ ዝተኻየደ ኣኺባ ቀንዲ ዕላምኡ ብዛዕባ ምኽፋል ግብርን ምቁጽጽር ኮንትሮባንዳ ዝብል ኢዩ ኒሩ። ድሕሪ አማሓዳሪ ከተማ ከረን ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከረን መደረ ምስ ገበረ ርእይቶ ካብ ህዝቢ ንምቕባል መድርኽ ንተሳተፍቲ እቲ አኺባ ክፉት ኮይኑ። ተሳተፍቲ አኺባ በቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር ዝተዓደሙ ነበርቲ ከተማ ከረን ኢዮም።

አብዚ አኺባ እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ ዘቕረቦ በዳሂ ዝኾኑ ሕቶት ኒሩ። ካብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ቅድሚ ጉዳይ ግብሪ ምዝራብና እንታይ እኹል ዝኸነ ስራሕ ስለ ዘሎ ኢኹም ግብሪ ትሓቱ። እንታይከ መሳለጢ ስርሓት ንህዝቢ ዘቕረብኩሙሉ አሎ። አበይ ንዝፈረየ እትዋት ኢዩ ግብሪ ዝሕተት ዘሎ። ከተማ ከረን አብ ወርሒ 3 መዓልቲ ኤለትሪክ ዘይትረክብ ክንሳ እሞ ቤት ሻህን ቤት መግብን ብሽምዓ እናሰርሓስ አንታይ ግብሪ ኢና ንጽበ ዘለና ኢሎም። ገለ ተሳተፍቲ ድማ እኹል መጉዓዝያ ስለዘለየለ ምእንቲ ርእሱ ሰብ ብናህሪ ዋጋ ምጉዓዝያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይድ አይክአለን ዘሎ። ነዘን ሰብኡተን አብ ሃገራዊ አገልግሎት ንዓመታት ተጸሚዶም ዘለው ደቀን ክዕንግላ ካብ ተሰነይ ቡን ነጸላ በርበር ድሸጣ እንተኾይነኩም ንሱኹም ባዕልኹም ደሞዝ ክትከፍለውን ዝግባእ ዝነበረ ደቀን አብ ጎልጎል ገዲፈን ድራር ደቀን ክምእርራ ላዕልን ታሕትን ዝብላ ዘለዋ ኢኹም ኮንትሮባንድ ትብሉ ዘለኹም ኢሎም፣ ንወደብቲ እቲ አኺባ በድህዎም። እቲ ሕቶ ካብ ቁጽጽር አከብቲ እናወጸ ስለዝኸደ አማሓዳሪ ከረን እዚ ናትና ጥራሕ ሓላፍነት ዘይኮነ ህዝቢውን ሓላፍነት ክስከም አለዎ ኢሉ።

ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ኢዶም እናልዐሉ ብፍላይ ሓንቲ አደ እዚ እኮ ሕቶ ዘድልዮ ዘይኮነስ ባዕልኹምውን አብ ቴለቪጅን ኤርትራ ከይተረፈ ዝተኣመንክሙሉ ብስእነት ኤለትሪክን ሕክምናን መጉዓዝያን ከተማ ከረን ቅድሚ40 ዓመት እኳ አብ ከምዚ ዝአመሰለት ኩነታት አይተሸመመትን። ንሕና ነጻነትና ምስ ረኸብና ይሓልፈልና ድኣ በልና እምበር አብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታኺላ ክንአትው ኢና ኢልና ምሕሳብ አይኮነን፣ ሓሌምና አይንፈልጥን። አነ ጓል 78 ዓመት ኢየ ዝመኽረኩም ነገር እንተሎ ‘ ናይ ካልኦት ጻሕሊ ክኖኽውስ ናትና ንሕርር ከይንህልው ግዜ ይኽይድ አሎ ምስ በላ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብጣቕዒት ተሳተፍቲ ድጋፎም ነተን አደ አሰሚዖም።

እቲ ናይ ፖሊስ አዛዚ ተሲኡ ንሕና እኮ ህዝቢ ክነሳትፍ ኢልና ኢና አኺባ ጊርና አምበር ንሕና ግብሪ ዘይከፍል አብ ኮንትሮባንድ ዝዋሳእ ምእሳር ጥራሕ ኢዩ ኢሎ። እቲ አኺባ ማእዘኑ ስኢኑ ተሳተፍቲ እቲ ናህና ጸገምን ናትኩም ድልየትን አይገጠመን ዘሎ ንሱኸም ትዛራብሉ ዘለኹም ጉዳይ ደየለ ምናልባትውን ንእሽቶ ጉዳይን ኢዩ፤ ንሕና ግን ናይ ዕለታዊ ጸገምና ንገልጸሉ መደርኽ ስለዘየለ ሕጅ ዕድል ሰለዝረኸብና ንዛረብ አለና። አብ ሕክምና ሓደ ሰብ ንኽርኣይ ከይዱ ካልእ ዘይነበሮ ሕማም ተሰኪሙ ይምለስ አሎ። ብጸልማት ስኣን መብራህቲ ስርቂ ወሰን ስኢኑ አሎ። እዚ ድማ ንስኹምውን ተፈልጥዎ ኢዩ፣ ንምዝራብ እንታይ ደሰክፍ አሎና ኢለን።

አመሓዳሪ ከረን ነዚ ትብለዎ ዘለኹም ጸገም አሎ እንድሕር ኮይኑ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ኮይና ኢና ክንኣልዮ ዘለና ኢሉ። አብ ካልእ ግዜ ካልእ አኺባ ነዚ አመልኪትና ክንጽውዕ ኢና ብምባል ድማ ነቲ አኺባ ወዲእና አለና ኢሉ በቲኑዎ።

ህግደፍ ካብ ናይ ህዝቢ አኺባታት ኩሉ ግዜ ብሜላ ኢዩ ዝሃድም።

እቲ አብ ኤርትራ አጋጢሙ ዘሎ ቁጠባውን ምምሕዳራዊ ጸገም ካብ ዝኸፍኣ ናብ አዝዩ ዝኸፍኣ መደርኽ ይሰግር አሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ  ናይዚ ኩሉ ውደቀት ጠጠዝኸነ ዲክታተርያዊ መራሒ ኢሳያስ ለንቅነ አብ ኣዝገበሮ ቃለ መጠየቕ አብ  ጉዳይ ሓይሊ ኤለትሪክ ዋላ ሓደ ክገብሩ ከምዘይክእሉ ብዕሊ ዘጋጠሞ ውደቀትውን ብዘይቀልዓለም ብዒሊ ገሊጹ ኢዩ። አብ ዝሓለፈ 21 ዓመት ዝተዓወተሉ መደብ ከምዘየለ ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ተማሂርና ክምሓድሽ ክንጅመር ኢና ከምዝበለ ይፍለጥ። ኢሳያስ ንኤርትራ አብ ዘይውጻእ ጸገም ሸሚምዋ ክዓርብ ከይሰልከየ ይሰርሕ አሎ።

ከምዚ ኣብ ‘ዚ ቪድዮ እትርእዩዎ፣ ኣብ 2012 ኣብ ከረን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ተመሳሳሊ ከቢድ ሕቶታትን ርእይቶታትን ህዝቢ ወሪዱ ኳ እንተነበረ፣ እዚ ናይ ሎሚ ዜና እቲ ኩነታት ገና መመሊሱ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዘረጋግጽ።

http://www.youtube.com/watch?v=8w2dJs_X7gw&width=200&height=200

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • habrom September 15, 2013

    I hope the rest of the cities will do the samething. Specially the high populated cities like asmera, mendefera, dekemhare and so on. The freedom ring is ringing now…..go deki ere tsaAda. We will take him out soon this devil and brutal person.

  • open your mind September 15, 2013

    It is time to wake up dont waist your time KUBUR HIZBI ERTIREA.what happen Hizbi Adey .one ediot man cant kill 5 million people with hunger. WAKE UP!!!

  • WiladKeren September 15, 2013

    ’ ናይ ካልኦት ጻሕሊ ክኖኽውስ ናትና ንሕርር ከይንህልው

    • ababua September 16, 2013

      Aye Zereba! Wereja sebeyti!

  • Kalighe September 15, 2013

    “[አመሓዳሪ ከረን] ነዚ ትብለዎ ዘለኹም ጸገም አሎ እንድሕር ኮይኑ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ኮይና ኢና ክንኣልዮ ዘለና ኢሉ።”

    How many times we heard [መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ] from Higdef ?
    The keep saying the same nonsense for two decades, as if Eritreans have no memory.

    • ፋሲል September 16, 2013

      ሓቅካ ኣለኻ ምኣስ እዩ? ብግብሪ መልሲ ዝርከብ።

    • ababua September 16, 2013

      Like they listen to Metsnaiti

  • MightyEmbasoyra September 16, 2013

    ከረን ‘ዛ ታሊኻዊት ከተማና
    ‘ቲ ካልአ ክፋል ኤርትራ ከም ናትኪ ትብዓት የሕድረሉ

  • berhan September 16, 2013

    I like to the people of Keren, they are brave enough to challenge the dictatorial regime. we need to support the keren people. These people should be proud of themselves. Hgdf is killing keren,the hospital was built in 1935 by Italian, hegdf did nothing in Keren. Keren has big river Anseba and has no water.

  • brhan September 16, 2013

    I like all my peaple from east to west,north to south .the problem for all&the justice for us

  • Zemen September 16, 2013

    እናዳሰሓቕኹስ ክቱር ድማ ነቢዐ። ተመሊሰ በቲ ብቕዓትን ድፍረትን ተቓለስቲ ደቒ-ኣንስትዮና ተቢዐ። እንኮላይ ግና’ኾ እዚ ህዉጽ እዋን ንግዚኡስ ሓያል መኸተ ኣንጻር ዕንወትን ጥፍኣት የርእየና እንሆ። በቲ ካልእ እቲ ዝተዓበሰ ዝመሰለና ሓያል ጻውዒት፡ ግደፍ ሰብ ሓደ-ክልተ ኣእዛንሲ፡ ብዘይመስምዒ’ውን ተሰሚዑ። ኤርትራና ተተስፈዊ! ደጊም መስተርሆትኪ ኣኺሉ ኢዩ። ኣጆኩም ኣጆና!! ዘመን።

  • kab hawkum ግርሽ September 16, 2013

    ብዘረባን መርገምን ዝወደቁ መለኸቲ ኣብ ዓለምና የለውን ብቀፃልውን አይክህልውን ።። ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ እንኮ ኣማራፂ ከምቲ ንናፅነት ክም ሓፂን ዓረ ተሪሩ ተቃለሱ ዘምፀኣ ሓርነቱ ብቃልሱ ምርግጋፅ እያ ።። ሻዕቢያ ካብ ምሒር ሕቶ ናፅነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ መርዛም ዃኩቶ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ገና ኣብ በረኻ እናሃለወ መፅሓፍ ክይተረፈ ፅሒፎም ዝመዓዱ ለባት ደቂ ሃገርን ኣሕዋትን ውልቀ ሰባትን ውድባትን ምንባሮ ካብ ማህደር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምርዳእ ይከኣል ። ድሕሪ ነፃነት ብግብሪ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ድማ ንሱ እዩ ። ብጣዕሚ ድማ የሐዝን ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ኣይነበረን ። ሐዚ ውን ካብ ሻዕቢያ ለውጢ ካብ ምፅባይ ንሓርነት ክኸፈል ዝግባእ ዋጋ ከፊልካ ኣብ መቃብር ሻዕቢያ ዲምክራሲያዊት ኤርትራ ክትዕብብ ምግባር እዩ ። እዚ ብልሕን ምስትውዓልን ዝተመልኦ ግብራዊ ውፍይነት ደቂ ሃገር የሓትት ። ካብዚ ወፃኢ መለክቲ ኩሉ ጊዜ ብሽም ሀዝቢ ኣናመሓሉ ህዝቢ እናማሰኑን ዓዲ እናባደሙ ዝነብሩ ብቀሊሉ ዘይንቀሉ ኳኹቶታት እዮም ።

  • Footscray September 16, 2013

    Why Dr. Assefaw Tekeste and B/G Tekeste Haile and others are participating in the Bologna Summit 2013?

    Why are they Supporting this Summit if they are considered on the right track of the opposition side against the dictatorial regime in Eritrea. We are really confused with this Bologna Summit.

POST A COMMENT