Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ብኡኪ ዝነቐሰ ተለኩቱ ዝነበረ እዝኒ ህግደፍ ነቒዑ” – ሕጂ ነቲ ነቒዑ ዘሎ ምቕራፍ ናይ ህዝቢ ጊደ የድልዮ።

“ብኡኪ ዝነቐሰ ተለኩቱ ዝነበረ እዝኒ ህግደፍ ነቒዑ” ሕጂ ነቲ ነቒዑ ዘሎ ምቕራፍ ናይ ህዝቢ ጊደ የድልዮ።  ብግንቦት 24, 2013 ኣብ ዝተገብረ ዕውት ሰላምዊ ሰልፊ ኣንጻር ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍን ናይ በለጽ ኣጣቓዕቱን ከም ተኻየደ ይፍለጥ። እቲ

“ብኡኪ ዝነቐሰ ተለኩቱ ዝነበረ እዝኒ ህግደፍ ነቒዑ”

ሕጂ ነቲ ነቒዑ ዘሎ ምቕራፍ ናይ ህዝቢ ጊደ የድልዮ። 

ብግንቦት 24, 2013 ኣብ ዝተገብረ ዕውት ሰላምዊ ሰልፊ ኣንጻር ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍን ናይ በለጽ ኣጣቓዕቱን ከም ተኻየደ ይፍለጥ። እቲ ንነዊሕ እዋን ፡ ድምጽን ኣውያትን ህዝቢ ኤርትራ፤ ንሰላምን ፍትሕን ከይሰምዕ ብንዕቀት ተሎኪቱ ዝነበረ እዝኒ ህግደፍ በቲ ባዕሉ ንድምጺ ውጹዓት ወከልቲ ንምዕባስ ብዘዳለዎ ናይ ሙዚቃ መግሊሒ (Loud Speakers) ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዋሽንግተን ዲሲ መቓልሑ ተመሊሱ ነቲ ንዓመታት ተደፊኑ ዝነበረ ላዕሎዎት እዝኒ ህግደፍ መራሕቲ ኣኪኩዎስ ቁሩብ ነቲ ሓቂ ክስቆሮም ዝተቐራረበ ይመስል አሎ። ወለዲ እቶም ነኣሽቱ ቃልዑት ግን እዝኖም ብኣግኡ ኣመርምርዎም እብል። እቲ ዝነበረ ናይ ድምጺ መጉሊሕ ወላ ነቶም ድምጺ ውጹዓት ከቃልሑ ንዝመጹ ሰላማዊ ሰልፈኛታት እንተዘይዓገተ፣ ነቶም ውልዶ መጻእቲ ተስፋ ኤርትራ ናይ ጥዕና ጉድለት ከየምጽኣሎም። ድምጺ ሰብ ብሰብ ይምከት እምበር ብመጉሊሕ ድምጺ ምፍታን’ሲ ናይ ፍሽለት ምልክት’ዩ።

 

ኣብቲ ሳሲዒትን ጋይላን ዝተተኽለሉ ኣፍ ደገ ኤምባሲ ኤርትራ ዝነበሩ ክልተ ደበልቲ ኣስብኡትን፣ ብዘይካ በጻብዕ ዝቑጸሩ ካልኦት ኣስሰይቲ ውሑዳት ኣስቡት፣ እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮን፣ መሻኽን ንኣሽቱ መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ናይ ሙዙቃ ንዋታት ተጻዒና ንዝነበርት ናይ ጽዕነት መኪና ከቢቦም ዝነበሩ እንተዘኮይኑ፣ ካልኦት ፍሉጣት ገጻት ካብቲ ልሙድ መዕገርገሪ ቦታኦም ተኸዊሎም ዊዒሎም። እዚ ኸአ ሐደ ካብቲ ናይ ህግደፍ ውድቀት ዘመልክት ዓብይ ኪሳራን ፍሽለት መዝመዝቲ ምኻኑ ኣረጋጊጹ። ሕጂ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ብስሚዒት ሃገር ተዓሚቱ ምጉዓዝ ስለ ዘይተዋሕጠሉን፣ ዘይዓገበን ምኻኑ እንዳተገንዘበ ዝመጻሉ እዋን፣ ብሓንጎሉ ምሕሳብ ዝጀመረሉ ምዕራፍ ለውጢ ኣረዳድአን ኣተሓሳስባን ሃገራዊነት ብጋህዲ ተራእዩ።

 

ብሰንኪ ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራውያን ኣብ ፈቖዶ በረኻ ይበልዩ ከምዘለዉ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደድ ዘሎ ህዝብና ሽግር ስለዝመረሮ እምበር ጸጊቡ ወይ ገፈል ናይ ህብረተሰብ ሃገርና ኮይኑ ከምዘይኮነ ብንጹር ክበርሃሎም ስለዝኸአለ’ዩ። ብፍላይ እቲ ንህዝቢ ዓለም ዘስከሕከሐ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብሕልናኦም ክዓብጥዎን ምኽንያት ክፈጥሩሉን ኣብ ዘይክእልሉ ጠረዚ በጺሑ። ኣብዚ ንኹሉ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይመስለንን። ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ህግደፍ ንምዕባጥ ወላ እንተፈተነ፣ ሓቂ ተዓቢጡ ሰጥ ለጥ ኢሉ ዝግዛእ ባህርያት የብሉን። ኤርትራዊ’ውን ንሓቅን ፍትሕን ጠጠው ዝበለ ጽኑዕ ህዝቢ ምኻኑ ካብ ኣእምሮ ህግደፍን መራሒኦም ዝተኸወለ እንተመሰሎም፤ መዘኻኸሪ መጸዋዕታ ፍትሕን ሕግን፣ ብወዲ ዓሊን ብጾቱን ዝተዋህቦም ምስክር ጽንዓት ህዝብና ኢዩ።

 

እንተኾነ ህግደፍ ከም ኣመሉ፣ እቲ መንታ ምልሓሱ ልማዱ ስለ ዘይገድፍ፣ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ናይ ነጻነት ኤርትራ ንምኽባር ብዝተገብረ መግለጺ ክልተ ላዕሎዎት ስርዓት ሸፋቱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንዝርከቡ ዝሃብዎ ሐበሬታ ብቐዳም ዕለት ሰነ 01, 2013 ብዘተሓላለፍዎ ናይ ረድዮ ፈነወ ከምዚ ዘስደምም መልሲ ካብ ዘይሓንኩ ፍሉጣት ኣደናገርቲ ግና ንዝቐረበሎም ሕቶ ተገዳስቲ ተመሲሎም ከምዚ ዝስዕብ ከደናግሩ ፈቲኖም።

 

ናይ ውጻኢ ጉዳይ ምኒስተር አቶ ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ነይሮም ነቲ ኣኼባ መግለጺ ዝሃቡ። አነ ኣብቲ ብረድዮኦም ዝፈነውዎ ሓበሬታ ተመርኩዘ ነቲ ናይ ምድንጋር መላኦም ክትንትን እምበር ኩሉ ዝተዛረብዎ ብኣካል ስለዘይተዓዘብኩ ክገልጾ ኣይኮነን። እንኳን ንዓይ ፍሉጥ ተቓዋሚ ስርዓቶም፡ ነቶም ሰዓብቶምን ተደጋገፍቶም፣ ዘመናዊ ስልኪ (Smart Phone) ሒዞም ንዝነበሩ ተሳተፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ማዕጾ ኣግዲፎሞም ክበሃል ከሎ ክትሰምዕ ከለኻ ዝመጽኣካ ሓሳባት እንተሎ፣ ኣግሂዶም ጽላሎቶም ምእማን ዘሸገሮም ምኻኑ የረድእ። ንሱ ኸአ እቲ ኣመላዊ ሓሶት ካብቲ ናይ ዕዱማት ኣዳራሽ ከይሞልቕ ስለዝፈርሁ እምበር ናይ ጸጥታ ጸገም ኣይኮነን። ብሓሶት ዝተመስረተ ስርዓት ከአ ብሓሶት ይቃበጽ። ብሓሶት ክትክእዎም ዝጋየዩ ተኻሉ ከም ዘለዉ ከአ ዘይምዝንጋዕ።

 

እምበአርከስ ቅድሚ ኩሉ ሚንስተር ወጻኢ ንዕዱማት ዝገለጸሎም እንተሎ፣ ነቲ ስርዓት ዘደንገጸ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝሒ ከምዝነበረ ንግንዘብ። ቀዲሙ ዝበሎ፣ እቶም ኣብ ሰላምዊ ሰልፊ ዝነበሩ መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያውያን ኢዮም። ውሕዳት ከደዓት ኤርትራውያን ከአ ብኢትዮጵያ ዝተዋፈሩ ኢዮም ዝብል ነይሩ። ሰሚዑ ብስሚዒት ዘጣቕዕ ኣይነበረን። እቲ ሓቂ ዝተረደኦ ዜጋ ይኣክል ሓሶት ብምባል ብምጽቃጥ መሊሱሉ። ኢትዮጵያ መሬትና ጎቢጣ እተካይዶ ዘላ ዝተፈላለየ መላታት ኢዩ በለ። ሕጂም ክንዲ ጣቂዒት ዝተዋህቦ መልሲ ምጽቃጥ ነይሩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ መሬት ጎበጠት እምበር ህግደፍ መሰል ኤርትራዊያን  ካብ ዝጎብጥን ህዝቢ ካብ ዘሳቕን 22 ዓመታት ብዘይፍትሒን ሕግን ብሽም ሃገር የሽካዕልል አሎ። ሃገር ትጸንት ኣላ። ሃገር ወይ መሬት ብዘይ ህዝቢ፤ ህዝቢ ብዘይ ሕግን ፍትሕን ትርጉም የብሉን። ነዚ ከአ ቀንዲ ተሓታቲ ውልቀ መላኺ ምስ ሰዓብቱ እምበር ኢትዮጵያ ከም ዘይኮነት ኩሉ ዝፈጦ ሓቂ’ዩ።

 

ድሕሪኡ መልስን ሕቶን ምስ ተፈቕደ፣ ሐደ ዜጋ ሽሙ ዘይተገልጸ ዘቕረበን ሰለስተ ንህግደፍ ተኣፈፍቲ ሕቶታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪበን። ቀዲሖም ብረድዮ ፈነዋኦም ምቕራቦም ግና ሓዲስ ተመኩሮ ኮነኒ፣ ደንጹኒ ከይብል ጊዜ ዘርከበሉ ነዊሕ ተዓፊኑ ዝነበረ ናይ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ሕቶ’ዩ። ከም ንፈልጦ ነዘን ሕቶ ዘቕረቡ ላዕሎዎት መራሕቲን ሚንስተራትን ገዳይም ተጋደልቲ ብጂ 15 ዝፍለጡን ብዙሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ዘሕቐቐ ምኻኑ ኣይዝንጋዕን። ሕጂ ግና እንታይ ተረኺቡ እንተበላና እቲ መልሱ ቀሊል’ዩ። ጭቆናን ግፍዕን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ እንከሎ ማዕረ ማዕረ ናይ ጭቆናን ግፍዕን ተቓወምቲ ይዓቢ። ህዝብና ከአ ኣብ ዓንቀሩ ስለዝበጽሖ፤ ኢቲ ተሎኪቱ ዝነበረ እዝኒ ህግደፍ ብኣውያት ውጹዓት ነቒዑ። ጥርዓን ህዝቢ ኣስሉኹ ከስምዕ ከአ ተገዲዱ። ህግደፍ ከአ ነዚ ምዕባለ ንምቅልባስ ንብዓት ሓርገጽ ንግዜ መግዝኢ ምኽንያታት ከውሕዝ ናይ ግድን ኮይንዎ።

 

እተን ሕቶ ክደግመን፤ ወላ ሃገርና ኣብ ወጥርን ሽግርን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ትሃሊ እምበር፣ ማዕረ ማዕረ ምስቲ ካልእ ጉዳይና ነዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ መስርሕ ደሞክራሲ ከነተግብረን ዘይጀመርናሉ ምኽንያት ኣይርድኣንን ኢሉ ንሕቶታቱ ከምዚ ዝስዕብ ሰርዐን፤

 

1)  ቅዋም ክሳብ ሕጂ ኣይትተግበረን። ካብ ህዝቢ ተቐባሊነት ረኺቡ እንከሎ ኣብ ግብሪ ዘይትርጎመሉ ምኽንያትን ስለምንታይ ይደናጎይ አሎ?

2)  ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝእከብ ንኣስታት 13 ዓመታት ኮይንዎ። ንምንታይ ዘይእከብ?

3)  ብዘይካ ብመንግስቲ ዝፍነው ናይ ሓበሬታ መራኸቢ ማዕኸን ክሳብ ሕጂ ካልእ የለን። ሕጊ ፕረስ ክሳብ ሎሚ ዘይተንድፈን ወይ ከአ ዘይጸደቐን ብምኻኑ ብሕታውያን ናይ ሓበሬታ መራኸቢ ማዕከናት ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ህዝቢ ኣይውዕላን አለዋ። ምኽንያት?

 

ዝተዋህበ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ። ቃል ብቃል ከይኮነስ ብዝተረድእኹዎ ጹማቕ ኢዩ። ንሙሉእ ሕቶን መልሲን ካብ ድምጺ ኤርትራ፣ ብዕለት ሰነ 01, 2013 ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተፈነዎ መደብ ክርከብ ስለዝኽል ንምስምዑ ኣይትስነፉ።

 

መልሲ ቀዳማይ ሕቶ፥

ቅዋም ንኻልኦት ኢልና ከይኮነስ ንዓና ክጠቕመና ኢልና እነተግብሮ’ዩ እምበር ንኻልኦት ከነሕጉስ ወይ ከአ ከምተን መብዛሕትኤን ሃገራት ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ወረቐት ክንገብሮ ኣይንደልን። ንሕና ከም’ቲ ኣብ ሜዳ ንሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ማዕርነት መስርሕ ሕጂ’ውን ብግሪ ንሰርሓሉ አለና። ሃገርና ሕጊ የብላን ዝብል ከየስማዕኩም። ብሕጊ ኢና ንመሓደር። ንሕና ንህዝብና ብማዕረ ዘማእኽል እምበር ከምተን ንነዊሕ ዓመታት ቅዋም ሕጊ ዘጽደቓ ከም ሕቡራት ኣመሪካ ዓይነት ማዕርነት ዘይብሉ ኣይንደልን። ንኣብነት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ወላ ድሕሪ እቲ ቅዋም ሕጊ ምጽዳቖም ሊዕሊ ምእቲ ዓመታት ከም ሙሉ ሰብ ኣይቁጸሩን ነይሮም እንዃን ማዕረ ክመርጹ ከም ዜጋ። ደቂ እንስትዮ ክሳብ ዝሓለፈ 50-60 ዓመታት ናይ ምምራጽ መሰል ኣብ ኣመሪካ ኣይነበረንን።

እንግሊዝ (ዓባይ ብርጣንያ) ቅዋም ሕጊ ዝበሃል የብላን። ዘለዋ እቲ ሰለስተ ኣካል ሕጊ (BODY) ዝበሃል ጥራይ’ዩ ዝብል መደናገሪ ጽውጹዋይ መልሲ ሂቡ።

 

ትንተና፤

እሞ ኤርትራውያን ከምቶም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ተገዲዶምን፣ ብሓይሊ ሰብኣዊ መሰሎም ተነጺጎም ብባርነት ዝተሳቐዩ፣ ንሕናም ክሳብ ናቶም ስቓይ ንመዓራረ፣ ኤርትራዊያን ብኤርትራውያን ስቓይናን ቅሉዕ ባርነት ህዝብና ንውሑዳት ኣረሜኔታት ህግድፍ ምስ መራሒኦም ክጥዕሞም ክንሰግድን ክንስደድን ክቕጽል ምኻኑ ካብ ዝሃቦ ኣብነት ንረዳእ። ደቂ ኣንእስትዮ ኤርትራውያን ከአ ንመሰለን ከረጋግጻ ካብኡ ንላዕሊ ክወስደለን ምኻኑ ይሕብረና አሎ። ብግብሪ ከአ ናይ ብዕሉጋት ሓለፍቲ ሰራዊትን፣ ሰኽራማትን፣ መርዊ ስሚዕታቶምን፣ ብነፃ ከደምቶምን ገይሮመን መንእሰያት ኣሓትና ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ህይወተን የበላሽው አለዉ። ካብዚ ዘስከሕክሕ ግፍዒ ንምህዳም ከአ ኣብዘይ ተጽበይይኦ ካልእ ሓደጋ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት የጋጥመን አሎ። ነዚ ከአ ጠንቁ ግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ብምኻኑ ክሕተት ምኻኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣይዝንግዖን።

 

መልሲ ካልኣይ ሕቶ፥

እወ ባይቶ ንነዊሕ ከም ዘይተአከበ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ቀንዲ በቲ ኣብ ውሽጢ ላዕሎዎት ኣካል መንግስቲ ዝነብረ ግርጭት ጂ 15 ምስ ደገፍቲ ጂ 1 ምኽንያት እቲ ባይቶ ሃገር ኣይተኣከበን። አነ’ውን ከም ዝበልካዮ ምእካብ ኣድላዪይ ነይሩ እብል። ግን ኣይተገብረን። ምኽንያቱ ሓዲሽ ናይ ምርጫ ወከልቲ ክግበር ስለዘድሊ ክሳብ ሕጂ ኣይተገብረን። ምስቲ ቅዋም ሕጊ’ውን ዝተሓናፈጸ ጉዳያት ክህልዮ ስለዝኽል። እንተኾነ ዝጎደለ ስራሕ የሎን። ከም ቀደምና ካብ ሜዳ ብዘዋህለልናዮ ተመኩሮ ንዓዪይ አለና።

 

ትንተና፤

ባይቶ ሃልዩ ኣይሃለየ ለውጢ የብሉን። እቲ ቐደም’ውን ንስሙላህ ንህዝቢ መታለሊ ዝቖመ ባይቶ እምበር ብግቡእ ክሰርሕ ዝተጸበዮ ኣይንበረን። ብዘይካ ንዓያሹ ሰዓብትና አለና መበሊን ንካልኦት መዘናግዕን እንተዘይኮይኑ። ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ግን ኢሳያስ ብዋኒኑ ዘማሕድራ ሃገር ብዘይካ ንሱ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝምልከቶ የሎን። ይምልከተናን ይግብኣናን ዝበሉ ኣረምትን ተጣበቕቲ ሕግን ፍትሕን ኩሎም ተማሕዮም ከም ጸሃይ ግራት ኣብ ሰብ ዘይፈልጦ ምድራዊ ሲኦል ተሓይሮም፣ ፍርቆም ኣብኡ ሓቒቖም፣ ዘይፈልጥ ዜጋ የሎን። ግን ንዘረባ መዘናግዒ እምበር ኩነታት ክሳብ ብሕጊ ዝቖመ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዝቖውም ሕልምኹም ኣይትግደፉ ዘስምዕ ለገጻ ነይሩ።

 

 

መልሲ ሳልሳይ ሕቶ፥

ብመሰረቱ እቲ ንህዝቢ ዘድልዮ ክልተ ቀንዲ ግቡኣት እየን ንብለን፤

ሀ) ህዝቢ ሓበሬታ ምርካብን  ለ) መሰል ናይ ምሕታትን ኢየን።

መንግስቲ ነዘን ክልተ ዓበይቲ መሰል ህዝቢ ንብለን ብግቡእ የማልአን አሎ። ንሕና ጥራይ ኣይኮናን ሕጊ ፕረስ ዘይብልና። ንኣብነት ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ሕጊ ፕረስ የብላን። ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት። ንሕና ግን ንህዝብና ብግብሪ እቲ ዘድልዮ ሓበሬታ ብጋዜጣ፡ ብተለቭዥን፡ ብረድዮ፡ ብሰሚናራት ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ህዝብና ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ንገብር አለና። እቲ ካልእ ከአ ብውልቁ ሓበሬታ ካብ ኢንተርኔትን ካልእ ዝተፈላለ ምንጪ ከይረክብ ኣይዓገትናዮን። ስለዚ መሰል ሓበሬታ ምርካብ ህዝብና ናይ ውልቂ ብሕቲ ስለዘየለዋ ዝጎደሎ የለን።

 

መንግስትና እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ኮነ መሰል ናይ ምሕታት ብግቡእ የስተናግዶ ስለዘሎ፣ ሕጊ የሎን ክንብል የሰክፈና። እቲ ቀንዲ ህዝቢ ብናይ መንግስቲ ዝዋሃቦ ሓበሬታን መልስን የኽብረሉ አሎ። ስለዚ ግጉይ መረዳእታ ብዛዕባ ሕጊ ፕረስ ክህልወኩም ኣይግብኣን። ብግብሪ ንሰርሓሉ ዘሎ መስርሕ ንህዝብና ብዝጠቅም እምበር ዝፈላልይ ሓበሬታ ኣይድልዮን።

 

ትንተና፥

ሕጂ’ውን ካብ ሐደን ጽሩይን ምንጪ መንግስትና ዝወሃብ ካልእ ሓበሬታ ኣይክህልን’ዩ። ናይ ምሕታት መሰልኩም ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ፈቲና ኣይፈተና ክንቆጻጸሮኩም ኣይንኽእልን ኢና። ግና ምኽሪ ካብ ተመኩሮና ክህበኩም እንተኾይኑ፣ እቲ ዝሕተት ሕቶ ንይምሰል ንመደናገሪ ብዝመረጽናዮም ወይ ከአ ናይ ሸፈጥ መሳርሕትና ዝተመዙ ኣደናገርቲ እንተዘይኮይኑ፣ ካልኦት ብየዋህነት ትሓቱ፣ ሕቶኹም ናይ ነመጉሰሉን ነደናግረሉን እንተዘይኮይኑ ወየለኹም። ንዓድኹም ግልጽ ከይትብሉ። እቲ እሾኽ ተግባርና ከምዘይገድፈኩም ፍለጡ። ቅኑዕ ናይ ህዝቢ ሕቶ ዝሓተቱ ኣበይ ከምዝዓለቡ ንፈልጥ ኢና። ብሓጺሩ ንሕና መራሕቲ ሕግደፍ ምስ ኢሳያስ ሓለቓና ዝሓተተ ከም ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎን፣ ንስልጣና ከበላሽወልና ስለንሓስቦ፤ ብዘይካ ምጥፍኡ ካልእ ኣማራጺ ኣይንምህዘሉን ኢና።

 

ጠቕላሊ ጽማቕ ስርዓት ህግደፍ፥

 

በቲ ኣብ ፎርቶ ወርሒ 01, ዕለት 21, 2013 ዝተገብረ ምንቅስቃስ ጀጋኑን መስዋእቲ ወዲ ዓሊን ዝፈጠረሉ ስንባደ ኣርዒድዎ ስለዘሎ፣ ሕጂ ናይ ሕቶ ህዝቢ ተገዳሲ መሲሉ እንተቐረበ ንግዚኡ ንምትዕሽሻው ዝወጦኖ መደናገሪ መላ ጥራይ እምበር ብሓቂ በዘን ተኣፈፍቲ ሕቶታት ከይዛረብ ንኣስታት 13 ዓመታት ኣፉ ዝዓበሶ ኣይነበረን። ሕጂ ግን እቲ ጋህሪ እንዳረሰነን፣ ህዝቢ ትዕግስቱ ጸንቂቑ ኣግሂዱ ስለዝተቓወሞ ከም ጊዜ መምጠጢን መቐነዪ ስልጣኑ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈተነ ምኻኑ ርዱእ’ዩ። ሕጂ ግና ነቲ ነቒዑ ዘሎ ጸማም እዝኒ ንጠለብ ህዝቢ ኣምኻንዩ መሊሱ ከይጸገኖን፤ ሞራል ህዝቢ ብተንኮል ደጊሙ ከይሰበሮ ከሎ፣ ኢደይ ኢደይ ኢልካ ነቲ ነቓዕ ምቕራፍ። ነቲ ኡኪ እዝኒ ጸሪግካ ምልጋስ እሞ ሙሉ መቓልሕ ሕቶ ህዝቢ ኣብ ሓንጎል ህግደፍ ክናወጽ ምግባር።

 

ህግደፍ አሊኻ ጽላለቱ ከይትካእ ኩሉ ተገዳሲ ተቓላሳይ ንፍትሕን ሓርነትን ብቕንዕና ክሓብር እዋኑ’ዩ። ናይ ስልጣን ሕቶ ገዲፍካ ናይ ህዝብን ሃገርን ምግዳስ ዝጠልብ ስዓት ስለዝአተ፣ ብሰንኪ ስንፍናን ቅንዕና ዝጎደሎ ሕብረት ህዝቢ ከይህሰ ንሕሰበሉ። ስልጣን ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ዝተቓለስሉ ዋጋ ዝኽፈል ዕዳ ኣይኮነን። ህግደፍ ተቓሊሰ ንህዝቢ ኢሉ ንህዝቢ ጅሆ ሒዙዎ ዘሎ ዕላምኡ ፍሉይ ስለዝነበረ’ዩ።

“ሃንቀውታ ሓርነት”

 

እስኪ ትርጉሙ ንገሩኒ

መስዋእቲ ነጻነት ከቢዱኒ

ሃንቀውታ ሓርነት ደቑሱኒ

ከይዛረብ ከይጽሕፍ ዓፊኑኒ

ዕዉር ስልጣን ረጊጹኒ

ሃገር ህዝቢ ዘዕኒ።

ነጻነት ንእዋኑ ኣሓጉሱ

ብዙሕ ደም ንጹሃን ኣፍሲሱ

ዕጽምቲ ጀጋኑ ከስኪሱ

ህዝቢ ተጸሚሙ ስኑ ነኺሱ

ንሓዘን ብጽንዓት ተደቢሱ

ከየስተማቖሮ ገና ተጣዒሱ

ነውሕ ዝነደቖ ተስፋ ፈሪሱ

ነጻነት ብባርነት ተወሪሱ።

እዚ ከንቱ ጉዕዞ

መን ደለዮ ? መን መሃዞ ?

ዕውር ስልጣን ዘፍዘዞ

ከይርእይ ከይሰምዕ ዘደንዘዞ

መራሕቱን ሰዓብቱን ዝተገንዞ

ሳንዱቕ ድንቁርና ዝሓዞ

ቀባሪ ሲኢኑ የሽካዕልል ይዋዞ።

ትማሊ ዘይተማህረ ብገድሊ

ሎሚ ንዘይስተውዕል መታለሊ

ንጽባሕ ዘይፍሪ ተኽሊ

ዘረባ ሓሶት ዘልዛሊ

ሓቂ ቀጣን ቀታሊ

አነ ጥራይ በሃሊ

ሓርነትና ቀቲልዋ ብዕሊ።

እስኪ ትርጉሙ ንገሩኒ

መስዋእቲ ነጻነት ከቢዱኒ

ሃንቀውታ ሓርነት ደቑሱኒ።

ብሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 06- 04-13”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Haile Belay June 6, 2013

    Selam Aboy Keshi Mehretab,

    When we were in Mendefera, we were always talking about Dr. Berhe Habtegiorghis, Dr Gideon and Dr. Sofia how they could not see our problems. We could not go to school, we could not work to help our families and were not allowed to leave the country. Now I am one of the very few lucky people who managed to scape to Sudan and then after few years to St. Louis. When I came to the US, I am happy to hear that the Doctors were not traveling like what we used to read on Dehai when we were in Mendefera. That is very good news because probably they understood that they were wrong.

    But my problem is with the mothers in this country. They send their kids to schools but when they talk about the youth in Eritrea, they say they have to be in Eritrea to help build the country.

    Last year, I went to Chicago to visit friends and I met adey Azieb and adey Marta. I think they have been in America many years and they brought their whole family to the US. All of their brothers and sisters are here. No body is in Eritrea to help the country to develop. I was mad at this mothers but I know this country has law and could not say any thing.

    My question to Aboy Keshi Mihretab is, what do you say to this mothers? How can you help either send their kids and brothers to Eritrea to help the country develop or make them understand that the kids in Eritrea has the same needs as their family?

    After all, we all are Eritreans.

    Thank you very much
    Reply ↓

    • A.Salim June 7, 2013

      ” All of their brothers and sisters are here. No body is in Eritrea to help the country to develop. I was mad at this mothers but I know this country has law and could not say any thing.”

      An Eritrean family doesn’t consist only of brothers and sisters. Every Eritrean has family members in Eritrea defending and re-building the country.

  • weygud June 7, 2013

    PFDJ thugs cannot answer the basic demands of Eritreans. Implementing the Constitution is against their survival. The world is laughing at them that they reduced their status to childish behavour when they tried to absorb the voices protesters by rising the volume of loud speakers dancing with little kids and old women. The bandits spend ransom money for festivals and dance while the youth are dying.

    • A.Salim June 7, 2013

      Implementing the Constitution is against their survival? Why do you think so. The Eritrean government is already implementing the spirit of the Constitution.

  • Haile Belay June 8, 2013

    Salim,

    Where is the world do you live? I talked to two people in Chicago and asked if what eve is said about Marta and Azieb. The issue this mar wrote is 100%. but there two main things he pointed out.

    1.
    This ma said Marta and Azied do not have any one in Eritrea. According to my sources, this is 100% true. They brought all of their families to Chicago. Marta does not have kids but she brought all of her sisters and brothers and their respective families. Azied has 3 kids and non of them fought or served in sawa. Also she has about 5 – 7 brothers and she brought them one by one to Chicago. These women did not say our country needs people like you and you have to serve the country. Instead they chose to bring them. To certain degree, I could understand that.

    2.

    Why do they think that the youth now should server the country? Is this opportunism at its best. Why is that their brothers and sisters are taken from harms-way but when it comes to someone’s life they are generous? Isn’t eritrea equal to all of us? Eritrea is not destroyed by Isaias and PFDJ. The extended hand of Marta, Azieb and their likes have also blood in their hands. It is not only the writer. Many people are also waiting and hoping change will come soon. Then these opportunist will be faced

    • A.Salim June 8, 2013

      An Eritrean family doesn’t consist only of brothers and sisters. Every Eritrean has family members in Eritrea defending and re-building the country.

      Our army is a people’s army, hzbawi serawit.

  • Haile Belay June 8, 2013

    Salim

    you seem to know something about this two opportunists. Can you name one or two close relatives of these women? And the question you are not addressing is:

    Why do these women brings their close relatives but them when it comes to other kids life, they say they have to develop our country. Can you address this issue?

    • A.Salim June 8, 2013

      There are enough of their family members in Eritrea doing their national duty. It is stupid to say that all Eritreans should be inside Eritrea or you do not have the right to speak about defending and re-building the country unless you, yourself, are in Eritrea. Try to think logically.

POST A COMMENT