Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት

  ሚያዝያ 2015 ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት ኣብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ባዕሉ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ወሳንን ኣካል’ዩ። ዋላ’ኳ ስማዊ  ካቢነ ሚነስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ግንባር ህግደፍ፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡

 

ሚያዝያ 2015

ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት

ኣብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ባዕሉ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ወሳንን ኣካል’ዩ። ዋላ’ኳ ስማዊ  ካቢነ ሚነስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ግንባር ህግደፍ፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ወከልቲ ባይቶን ካልኦት ቅርጽታት ይሃሉ፡ ኣይተ ኢሳያስ’ዩ ንኹሉ ዝቆጻጸሮን ዘካይዶን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኢሳያስ፡ ብክኢላታት ዝተቀየሰ ትሕተ ቅርጺ ከም ዲጋታት፡ ጽርግያታት፡ መንበሪ  ኣባይቲ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣጎልግሎትን ክቅይርን ከፍርስን ከምኡ’ውን ፍቃድ ንግዲ ከሕድግን ውቃበኦም ደስ ንዘይበልዎ ሰባት ካብ ስርሖም ከባርርን ክኣስርን ዝኽልክሎን ዓገብ ዝብሎን ሕጊ የለን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ እቶም ክብ ኢሉ ኣብ ዝተተምብሀ መዓርግን ሓላፍነትን ዝተመደቡ ሰባት፡ መሰሎም ክርገጽን መዝነት ስርሖም ክምንጠልን እንከሎ ስለምንታይ’ዮም ንደረት ኣልቦ ጦብሎቕታን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ኢሳያስ ክቃወሙ ዘይክእሉ ዘለዉ? መልሲ ናይዚ፡ ቀሊልን ኣብ ክልተ ከፊልካ ዝርአን’ዩ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ዝስርዑ ሚኒስተራትን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ሰበስልጣንን፡ ፈተውቲ ነብሶምን ተቀበልቲ ማእለያ ዘይብሉ ጉንዖን ኮይኖም፡ ብዋጋ ሕሰምን ርሃብን ህዝቢ ኤርትራ ዝሰወዱን የማናይ ኢድ ስርዓት ኢሳያስ’ዮም። ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽሞ ኣብ ዘሎ፡ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት ድማ ካብ ኢሳያስ ፈሊኻ ዘይርኣዩን ኣእዳዎም ብደም ንጹሃት ዝጠልቀዩን ኢዮም። የማነ ገብረኣብ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣብራሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ስብሓት ኤፍረምን ድማ ገለ ካብቶም ብኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራን ብዶላር ዝጻፍዑ ዘለዉን’ዮም። እዚኣቶም፡ ካብ ኢሳያስ ቀጥታውን ተዘዋዋርን መምርሒታት ተቀቢሎም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝቀትሉ፡ዝኣስሩ፡ ስድራቤታት ዘንብዑን ዝበታትኑን ዘለዉ’ዮም። መጻኢ ዕድሎም  ድማ፡ ለቢሞም ወይ ጥቅሞም ጎዲሉዎም ምስ ኢሳያስ ዘለዎም ኪዳን እንተዘይ ተበቲኹ፡ ወይ’ውን ከም’ቶም ብትእዛዝ ኢሳያስ ተረሺኖም፡ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮምን ደስኪሎን ዘለዉ መዘናታቶም ዝነበሩ፡ ህላወኦም ወይ ሞቶም ምስ ኢሳያስ’ዩ ዘብቅዕ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብገበኖም ጸሊም ምዕራፍ ክሕዝ’ዩ።

እቶም ኣብ ካልኣይ ቦታ ዝስርዑ ድማ፡ መብዛሕቶኦም ሚኒስተራት፡ ታሕተዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብፍርሒ ጃጅዮም ንመምርሒታት ኢሳያስ እሺ ኢሎም ብልኡምነት ዝቅበሉን ኢዮም። ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዘለዉ ሓለፍቲ ድማ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ምፍጻም ገበናት ማዕረቶም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ዝስርዑ ንጡፍ ተራ ኣይሃልዎም፡ ንኣረሜናዊ ተግባራት ኢሳያስ ብስቅታ ምሕላፍን መምርሒታት ኢሳያስ እሺ ኢሎም ተቀቢሎም ስቅቶኦምን ዘለዎም መዝነትን ካብ ተሓታትነት ገበን ነጻ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ ካብኦም ዝጽበዮ ነገር እንተሎ፡ ነብሶም ከይፈትዉን ብፍርሒ ከይተዋሕጡን ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ኢሳያስ ምብዳህን ኣትሪርካ ምቅዋምን ንናጽነትን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ምኽፋልን’ዩ። ጽባሕ ንጉሆ  “ ንሕና ኢድን ኣፍልጦን ኣይነበረናን ኢሳያስ’ዮ ናይ ክሉ ወዳኢ ነይሩ” ምባል’ውን ናይ ድኹማትን በለጽን ኣተሓሳስባ’ዩ። ዘይትምሕር ሴፍ ኢሳያስ ኣብ ክሳዶም ክሳብ ትወድቅ ምጽባይ ግን ሕማቕ ጣዕሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክልተ ሞት’ውን’ዩ።

ጽላል

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • memhr April 3, 2015

    The writer is right to say: “ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት”

    I will add even more: all of us are responsible for this type national tragedy to be created in the name of “liberation”. The elite Eritreans who helped and abetted, and concocted and disseminated lies are all responsible.

    • Akarijwo April 4, 2015

      You are deviating the issue purposely. We are not regretting for fighting for our freedom, we are regretting for not standing all united against tyranny from day one.
      Got it ??, I know you do, but the evil in you is not helping you to see the reality.

  • Alem April 3, 2015

    Thank you “Xilal” for a good article! Those people you listed such as Yemane Monkey, Yemane Charlie, Abraha Kassa, Simon Gebredingil, Filipos, Sibhat Golfo, Tekle negis, Wedi memhir, Teklay Habtesellasie, Col. Tesfalidet, Asmelash Abraha, etc. are responsible for the death, torture, lawlessness, illegal arrests, shoot-to=kill policy, rape, human trafficking of Eritrean people.

    Thank you Gallant and Brave Eritreans for well organized attack on Wedi Berad’s Bisha mining and weapon depot in Tikul/Maiedaga area!!! I hope this continues on daily basis!

    Wedi Berad is on his last breath. He did not say a word about the attack on his own Eri TV where his daughter is an editor. What happen Wedi Berad? Your victims old and young are crying from their graves and demand that you face justice as your idol Geddafi!! I hope our Gallant Eritreans take this fight inside the street of Asmara and remove these brutal people listed above.

    Our freedom is coming very soon!!

  • ታደሰ ኪዳነ April 3, 2015

    ብሓቂ እንገራ ዓለም ብላዕ` እብለካ። ነቶም `ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ ጸላኢና` ኢሎም ዝምህሩና ምሁራት፡ ሎምስ ገለ ግዲ ይስወጦም ይኸውን` እብል። ኢሰያስ ሓደ ሰብ፡ ወዲ ትሽዓተ ወርሒ፡ ኢዩ ከም ሰቡ። ስለዚ ንህግደፍ ከም ስርዓት ርኢና፡ ቃልስና ድማ ኣንጻር ፖሊሲታቱ እምበር፡ ህግደፍ ናይ ኢሰያስ ኢዩ` እናበልካ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ሓደ ውልቀ ሰብ ገይሮም ዘቕርብዎ፡ ወይ ኣንጻሩ ጥራይ ገይሮም ክምህሩና ዝፍትኑ፡ እናፈለጡ ክጥምዝዙ እምበር፡ ጠፊኡዎም ኣይኮነን`ሞ፡ ከማኻ ይብዝሑ፡ ንስኻ ከኣ እንገራ ዓለም ብላዕ እብለካ።

  • AHMED SALEH April 3, 2015

    That is right to say that Issayas enjoyed the reign given by our people to destroy
    the whole country with his corrupted high rank puppets and silent majority
    who surrendered their God given freedom to authority .
    KAB ANBESSA NERKA KEM BEGHI’E HUSUR MOT
    BEGHI’E NERKA KEM AMBESSA KUBUR MOT
    YIHAYISH NIKHBRETKAN NIXIBUK SHIMKAN

  • Stefanos Temolso April 4, 2015

    ነዚኣ ተቓወምቲ ውድባት ምወሰኽኩላ ነይረ ኣነ። ስለምንታይ እንተበልኩምኒ፡ ውድባት ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ሱዳንዶ ኣብ ኢትዮጵያ ንቃለስ ኣለና እናበላ ኣብ ነንሓድሕደን ክወቓቀሳን ክወናጀላን ምንባረን ንስቓይ ህዝብና ኣናዊሑዎ እዩ እብል። ዓበይቲ መንግስታት ውድባት ስለ ዘይሓበራ ድሕሪ ኢሰያስ ሃጓፍ ከይፍጠር ዝብል ምስምስ የቕርባ እየን። ካልእ ይትረፍ ውሽጣዊ ናጽነተን ሓልየን ኣብ ሓደ ግንባር ወይ ጽላል ክጥርነፋን ሓቢረን ክሰርሓን ይኽእላ ነይረን። መራሕቲ ውድባት ልዕሊ ሃገር ስልጣኖም ስለ ዘገድሶም ግን እነሆ ንኢሰያስ ረሲዖም ይነብሩ ኣለዉ። ብኸምዚ ዝርአ ዘሎ ግን ንኤርትራ ይኹን ነታ ስልጣን ከይረኣዩዋ ግዜ ክሓልፎም እዩ። ስለዚ፡ ሃየ ተጓየዩ! ንዓኹም ክጥዕመኩም ሓቢርኩም ስርሑ። እዞም ውድብ ዘይብልና’ኳ ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና። ኣባላትኩምውን ምሳና ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ቅድሚ ሃገር ዝስራዕ ነገር የሎን፡ ጽባሕ ድማ ሕቶ ክመጽእ እዩ ክብሎም እደሊ። ኣብ ፓልቶካት ምልፍላፍ ጥራይ ዋጋ የብሉን።

    • tesfit April 6, 2015

      ክቡር ሓው ስቲፋኖስ, ተቓወምቲ ውድባት ዘይኮነ አቲ ኣበሳ፡ አቲ ህብረተሰብ ዩ ምበልኩ ኔረ ከም ኣነ። ምክንያቱ፡ ንሶም ዚያዳ ካለኦት ስለ ዝብጽስሆም ኣይኮኑን ክቃለሱ ወሲኒም ፡ አንታይ ደኣ ዙያዳ ካለኦት በደል ህዝቦም ስለ ዚተረዶም ዮም ምበልኩ። ሰብ ኣብክንዲ ነዚ ተበግሶ ከም ብልጫ ተገንዚቡ በቲ ንህዝቢ ዘድልዮ ከዐርዮን ከዕብዮን፡ ኣኣብ ገዛና ኮይና ክነቖናጽቦ ንርአ ኣለና። መሰልቲ ካብ ዚበልዎ አንተሎ ከም ኣብነት ክጫ ክስንከት ከሎ ክትግልብት ዝድይከኣልካስ ክብላዕ ከሎ ሃሪሩ ምባል ‘ዩ ነገሩ። ስለዚ በብዝከኣለና ኣብተን ውድባት ኣቲና ናቱ ህማቅን ጽቡቅን ክንፈላሊ፡ ክነዐሪ ግደታ ኩሉ ዘጋ ምኳኑ ምግንዛብ ከድልየና ዩ፡፡ henceforth, lets stand against lawlessness be the righteous people for the right and withstand the tyrants.

  • Habte April 4, 2015

    ዝኸበርኪ/ካ ጽላል፡
    “ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት” ዝብል ሓጺርን ብጣዕሚ ገላጽን ጽሑፍኪ ዝነኣድ እዩ።
    ዝኾነ ኰይኑ፡ ኣኢዳዎም ብደም ንጹሃት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓጽቡ፡ ብህሉውን ሕሉፍን ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝሕቶቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣነ ብርእይቶይ ካብ መራሕቲ ሓይልታት ክሳብ’ዞም መሬት ኣይትጽርና ዝብሉ ዘለዉ ዝሰወዱ ጀነራላት ኢሰያስ ኩላቶም ካብ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ብገበን ክሕተቱ ኣለዎም። ብዝተፈለለዩ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ዝወሃብ ዘሎ ዘስደምም ንኽትሰምዖ ዘድንጹን ዘሕዝንን እዩ።

    ደም ንጹህ ህዝቢ ምፍሳስ ዝለመዱ ብጣዕሚ ብዙሓት ከምዝኾኑ ተቐቢሩ ዝነበረ ጉድ ብቐጻሊ ይቃላዕ ኣሎ!! ገለ ካብዚኣቶም ድማ ኣብ ብዙሕ መድፈና (ቤት ማእሰቲ) ህግደፍ ዘለዉ ጨካናት መርመርቲ፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዘለዉ ጃሱሳት፡ ገለ መራሕቲ ሓይልታት፡ መራሕቲ ብርጌዳት፡ ኰረኔላት፡ ጀነራላትን ካልኦት መጋበርያ ናይዚኦም ዝተጠቐሱን እዮም።
    ኣብ ኣኼባ ናይ ሰራዊት ከምድልየቶም መናእሰይ ዝህድዱን ዝርሽኑን ከምዘልዉ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኣዩ።
    https://www.youtube.com/watch?v=moIIDMXX9mU

  • Mesinas April 4, 2015

    ዓለቕ፥

    “ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽሞ ኣብ ዘሎ፡ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት ድማ ካብ ኢሳያስ ፈሊኻ ዘይርኣዩን ኣእዳዎም ብደም ንጹሃት ዝጠልቀዩን ኢዮም። የማነ ገብረኣብ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣብራሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ስብሓት ኤፍረምን ድማ ገለ ካብቶም ብኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራን ብዶላር ዝጻፍዑ ዘለዉን’ዮም። እቶም ኣብ ካልኣይ ቦታ ዝስርዑ ድማ፡ መብዛሕቶኦም ሚኒስተራት፡ ታሕተዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብፍርሒ ጃጅዮም ንመምርሒታት ኢሳያስ እሺ ኢሎም ብልኡምነት ዝቅበሉን ኢዮም።” ቃል ክብርቲ ሓብቲ ጽላል እዩ።

    ዝኸብርኪ ጽላል፡ ብመጀምርያ ስለቲ ትኩር ኣጠማምታኽን መግለጺኽን ከምስግነኪ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ንጽሑፍኪ ነቢቦም፡ ግጉይ ርድኢት ዝሓዙ ስለ ዘስተብሃልኩ፡ ንጽሑፍኪ ገለ መብርሂ ክውስኸሉ ፍቐድለይ?

    ኣብ ኤርትራ ‘ህግደፍ’ ዚብሃል ውድብ ወይውን ስርዓት ኣሎ። እዚ ኹሉ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዚወርድ ዘሎ እልበት (ሓሳረ መከራ)ከኣ ብኣኡ’ዩ ዚፍጸም ዘሎ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት እንተልዮም፡ ብዛዕባ ህግደፍን መራሒኡን ምንም ኣፍልጦን ኣምርን ዘይብሎም፡ በቲ ኪኸውን ዘለዎን ግቡእን ነገር ጥራይ እናሓሰቡ፡ ጃንዳ ህግደፍውን ብውሳነን መምርሒታትን ኣባላቱ’ዩ ዝምራሕን ዝኸይድን ዘሎ ኢሎም ዝኣምኑ የዋሃት ጥራይ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ገበል ጥራይ እዩ ንሓሙሽት ሚልዮን ህዝቢ ዝነድፍ ዘሎ!

    እቶም ክብርቲ ሓብቲ ምጽላል ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብተሓታትነት ዝሰርዓቶም ሰባት፡ ገባብል ዘይኮኑስ መርዚ ናይቲ ገበል’ዮም። በዚ መሰረት ከኣ ርእሲ’ቲ ከምቲ ኣምበሳጅር ንሓደ ንዓዲ ምሉእ ዘሸገረ ገበል፡ ብሴፉ ቀቲሉ ምስ ደርበዮ፡ ዓዲ ሰላም ዝረኸበት፡ ድሕሪ ኢሳያስውን ህዝብና ቀሲኑ ሰላሙ ከስተማቕር ከም ዝኽእል ጥርጥር የብለይን። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ጢላና (ገዚፍ በትርና) ናብ ርእሲ’ቲ ገበል ነቕንዕ! ርእሲ ገበል እንተ ተጨፍሊቑ መርዙ ናብ ሓመድ ከም ዚሕወስ ርጉጽ’ዩ!

    ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ኣይኮነንዶ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍስ ተራ ወተሃደራትን ተሓባበርቶም በርጌሳትውን ነፍሲ ወከፎም ብዝገበሩዎ በደል ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝኾኑሉ መገዲ የለን። ምኽንያቱ፡ ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ስለ ዘየናሕሲ! ደገፍቲ ህግደፍ ‘እዚ ኹሉ በደል’ኮ እቶም ታሕተዎት ሓለፍቲ’ዮም ዝፍጽሙዎ ዘለዉ’ምበር ፕረዚደንትስ ሓላይ ህዝብን ሃገርን’ዩ!’ ኢሎም ንየዋህ ንምትላል ዘመኽንዩዎ ፋልሶ ዘረባ፡ መንቲ (ቁውም ነገር) የብሉን።

    እዚ ዘረባ’ዚ ኣይኮነንዶ ነቲ ሓሲቡ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ንኽፈሊ ልቦና ዝተዓደለ ወዲ ሰብስ ይትረፍ ንእንስሳውን ከእምኖ ዘይክእል ዓዘራ’ዩ! ምኽንያቱ፡ ውልቀ መላኺ ዘይፈልጦን ዘይባረኸሉን ሰብ ሃመማውን ክቐትል ኣይደፍርን’ዩ! ድሌቶም ሰብ ክመቚሑን ክርሽኑን ቀጠልያ ስለ ዝወላዓሎምን ህዝቢ ንበደሉ ኣቤት! ዝብለሉ ኣካል ስለ ዘየለን ግን ኩላቶም ድሌቶም ይገብሩ ኣለዉ! ነዚ ዕንደራ’ዚ ከኣ ቀዳማይ ተሓታቲ እቲ ሕጊ ህግደፍ ዚኾነ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈጨርቂ’ዩ! ካላይ ሳልሳይ ወዘተ. ከኣ ኩልና ኣብቲ ደም ንጹህ ኣብ ምፍሳስ ኢድና ዝሓወስና ሰባት!

  • Simon G. April 4, 2015

    Amen to that! You should also add diaspora people who are servant to HGDF to the list. Probably these people are worst and more dangerous than those listed above. Why? They live in a free world and they are doing it on their own will. You know who they are. Yo ucan name few people who live in your city or surrounds.

POST A COMMENT