Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ነበርታ የማርሩ ኣለዉ።

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ። ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለሉዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም፡ ኣብቲ

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ።

ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለሉዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም፡ ኣብቲ ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎ ብቕሉዕን ፍኑውን ዝካየድ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ሓንቲ ዶላር ድሮ 49 ናቕፋ በጺሓ ‘ላ።

ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝሽየጥ ነዳዲ የለን። ፈቖዶ ጽርግያ ግን ነዳዲ ብጀርካናትን ብራኳታትን ብኮንትሮባንዳ ይሽየጥ ኣሎ።

መብራህቲ ዝበዝሐ ግዜ ስለዝጠፍእ፡ ናይ ኣብያተ ጽሕፈታትን ገለ ሃብታማትን ጀነሬተራት ከም ናይ ሱዳን ኣበየ ቦትኡ ይግዕራ ኣለዋ።

ነቲ ደረቱ ዝሓለፈ ስእነት ኣገልግሎት፡ እዚ ሕጂ ዝገንን ዘሎ ጭውያ ቆልዑን ናይ ከተማ ሽፍትነትን ተወሲኹዎ፡ ነቲ ዝርካቡ ኣገልግሎታታ ብጽፉፍን ስሩዕን መንገዲ ብምቕራባ ትምስገን ዝነበረት ኣስመራ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ክልተ ሳዕ ተራእያ ህዝቢ ነቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ይራገም ከምዘሎ ኸኣ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልእ ዜጋ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ስለዘድሃበ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ከም ሕብረተሰብ ዝሕልዎ ዝነበረ ሓባራዊ ክብርታት ሸለል ተባሂሉ ዘይቅዱስ ሃዋህው የንጸላልዎ ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብምስትንታን ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Tuum Ghebre T April 26, 2013

    Great their days are #ed

  • Genet April 26, 2013

    Let the PFDJ and dictator’s supporter see this, hear this. The PFDJ operatives are telling us how the PFDJ system is working very hared for 20 years to provide clean drinking water for all Eritrean villages. Apparently the none functioning PFDJ for get the City of Asmara. How any one can explain this? My guess is you can’t. I can try that it is a way of controlling people. If people are going to concentrate about not having water to drink, they are not going to ask about any thing else. People need basic needs first to survive; then they start to think as human to improve their lives. The Dictator and the toxic PFDJ system are reducing our bright people to a primitive one. It just break my heart to see smart people treated this way. For what? for money? for power?
    Genet

  • Semhar April 26, 2013

    As long as Isayas, wedi Medhin Berad and HIGDEF are in Eritrea all embassies in Asmara will slowly but surely close. ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ።
    The only solution is to get rid of Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get rid the tyrant Isayas, his son and his blind followers the monkey, HIGDEF.

  • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 26, 2013

    ከምቲ ብዙሓት ተቓወምቲ ዝብልዎ ___ኢሳያስ፣ የማነ ማንኪን፣ክሻን ተጋሩ ናይ ትግራይ ምዃኖም ዶ ይኸውን ነዛ ሃገርና ዘጥፍእዋ ዘለዉ___ወይሲ ከምቶም ህግደፍያውያን ዝብልዎ እቶም ተቓወምቲ ፡__ናይ ወያነ ዓጋመ ስለ ዝኾኑ ይኸውን።በዚ ዓይነት ሎጂክ በዚ ኮነ በቲ ጌጋ ናይ ዓጋመ እዩ።ተቓወምትን ደገፍትን ዝሳማምዑሉ ሓሳብ´ዩ።ዋው ከመይ ዝበለ መስተውዓሊ ህዝቢ ኣለና በጃኹም። !!!

  • MightyEmbasoyra April 26, 2013

    I was listening to this song on Youtube and it is very sad these criminals have forgotten the fallen fighters and the public at large:
    https://www.youtube.com/watch?v=UTI2avRQW2c

  • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 26, 2013

    ¨ብማይ ዘይጠፍኤ ሓዊ ብላምባ ጌርካ ከተጥፍኦ ምፍታን፣ሰውራዊ መፍትሒ ይኹን እምበር ብጥዕና ርእሲ ዘለዎ ሰብ ክድገፍ የብሉን¨

    ኣሕዋተይ ፣ተቓወምቲ ዝተፋላለየ ብግብሪ ዘይተሰነየ ታክቲካትን፣ ሰማይ ይፈርስ ኣሎን ሜላታት ስለ ዝተጠቕሙ ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ መፍትሒ ኣይረኸብናን ጥራይ ዘይኮነስ__ኣኼባ ጌርና መፍትሒ ከነምጽእ ኢና ክብሉ ከለዉ ኣንኳይ ዶ ንሕናስ ንሶም ንባዕሎም እውን ክኣምንዎ ከም ዝጽግሞም ሕቶ ኣየድልዮን ።እዚ ሕጂ ዝትግበር ዘሎ ናይ ህዝቢ ተስፋ ምቝራጽን ኣብ እንታይ ገደሰኒ፣ እንጀራይ ጥራይ ከብስል ዓይነት ፋሉላዊ ኣተሓሳስባ ካብ ኣተወ እቲ ሽግር ገዲዱ ኣሎ፣ናብ ክግምቶ ዘይደሊ ዕንወት´ውን ከእትወና ከም ዝኽእል ፍሉጥእዩ። ህዝብና እዚ ኣይገብርን´ዩ ዝብል ዘይሓቃዊን ስምዒታዊን ጉዳይ ኣሚንና ክንጥሕል ኢና።ብቐሊሉ ዝርኤ ጉዳይ ኣይኮነን።ኢሳያስ ከም ጣልያን ብኤርትራ ጌሩ ንኢትዮጵያ ንምግዛእ እምበር ነዛ ኣምሲሓ ዘይተድርር ፣ግንባር ጤል ዘይትኸውን ናይ ሓሶት ሃገር ስድሪ ከም ዘይተሰጉሞ ይፈልጥ እዩ።ስለዚ ነታ ሃገር ንምድሓን እኳ ኣንኳይ ደምሲ፣ንፋጥ´ውን ክፈስሥ ከም ዘይብሉ ናይ ሮኬት ሳይንስ ገምጋም ዘየድልዮ ሓቂ እኳእንተኾነ እቲ ወርቂ ዝኾነ ህዝብና ፣ሸፋቱ ኣጋግዮሞ ንዝተጋገዮ ይኹን ኣፉ ኣመንጊጎም ንዘውሓጥዎ መርዛዊ ¨ንቕሓት¨ሓሊፉ ህይወቱ ንኽመርሕ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ብድኽነት´ውን ይኹን ብሰላም ክነብር ክንቃለሰሉ ኣለና።
    ግን ዝኾነ ቃልሲ ህዝቢ ንኽድግፎ ሓቀኛ መምርሒ ሒዙ ክኸይድ ኣለዎ።ንብዙሕ ህዝቢ ሸውሃቱ ዝዓጽዎ __እቲ ብተጋደልቲን ሸፋቱ ነበርን ዝምራሕ ተቓውሞ፣ ሮማንቶካዊ ናይ ገድሊ ፎርማት እምበር ናይ ህዝቢ ልቢ ትርግታ ዘዳመጸ ኣይኮነን ።ንሶም ዝዝክሩ ሕድሪ ድሕሪት ዝገደፍዎም ብጾቶም___እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዝደልዮ__ሕድሪ ህሉዋት ምስ ጊዝያዊ ኣተሓሳስባ ኣዳቒልና ኣብ ወድዓዊ ግሎባል ኢኒሸቲቭ ዘድሃበ ምምሕያሽ እዩ።ስለዚ እዚ ይዕድም እዩ ዝብሎ ሓቀኛ ኣቃራርባ ፎርሙላ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።
    ፩)እቲ ገድሊ ኣጀማምርኡ እኳ ቅዱስ ዕላማ እንተነበሮ ድሓር ናብ ሽፍትነት ስለ ዝተቐየረ ብ ዙሕ ንጹህ ደም ንኸንቱ ኣፍሲሱ እዩ።እቲ ብሽፍትነት ዝመጸ ባርነት ምስ ተጋህደ ድማ ወይ ጽኑዕ ኮንፈደሬሽናዊ ዝኾነ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ክሳዕ ናይ ሓባር ባጤራ ዘረጋግጽ ንንእሽተይ ¨ሃገር¨ከም ኤርትራ የርብሓ እምበር ኣይጎድኣን።እቲ ነገር ናይ ሽፍትነት ስለ ዝነበረ ካብ መንቀሊኡ ግን ብስርዓት ክኸይድ ኣይተደልየን።እቲ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ ዝጠፍኤ ደም ሓዘንን ዓመጽን እምበር ራህዋ ኣየውረደልናን።ምዓር ካብ ንህቢ እምበር ካብ ናይ ሽቓቕ ሃመማ ከም ዘይወጽእ ነጻነት ናይ ሸፋቱ ድማ እዚ እዩ ትርፉ።ኢትዮጵያ ካብ ¨ኮሎኒ¨ኢትዮጵያ ምፍትሓ ንኢትዮጵያ ነጻነትን ራህዋን ሂብዋ እምበር ነዛ ሞት ኢሳያስ ብዝገደደ ዘዕንዋ ኤርትራስ ኣይጠቐማን ።ቆልዓ ዘብኩዖ ንድራር ኣይኣክልን ።
    ግን ሕጂ ነዛ ዓባይ ስዓል ዝሓዛ ሃገር ሒዝና ጠጠው ካብ በልና፣ኢትዮጵያ ድማ ሓንሳእ ዝተሸጠ ኣቕሓ ኣይምለስን ካብ በለት ከመይ ጌርና ነቲ ህዝቢ ሓቢርና ናብታ ድኻን ማሙቕን ዝኾነት ሓዳሽ ሃገሩ ነብቅዖ እንተሓበርና__መብዛሕትኡ ህዝቢ ነዚ ሓቀኛ ፎርማት ክኽተሎ ኣይጽግሞን።ነቲ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጸገም ኢልና ዓንገረር ንብለሉ ድማ ብዘቃራርብን ትምህርታውን ኣዎንታውን መድረኽ ሒዙ እንድሕር ቀሪብና ህዝቢ ውን ብዝዓበየ ፣ኩናማ ክትንከፍ ከሎ ዓዲ ቐይሕ ይኹን ከረን ፣ዓደርደ፣ ዓተከሌዛን ከም ዝልክም ምስ ዝርድኦ ብትምህርቲ ተሳንዩ ህዝቢ ይቕበሎ።
    ቅድሚ ኩሉ ግን ነቲ ባርነት ነጻነት ፣ነቶም ሸፋቱ ድማ ተጋደልቲ ኢልና እንድሕር ጸዊዕናዮም፣ ከይተበገስና ሸውሃት ህዝቢ ክንዓጹ ኢና።ተባዓት ሰባት ነቲ ብርቱዕን ዘጽርፍን ነገር ክገብሩ ጸገም የብሎምን።
    እቲ ሃቐነ ናይቶም ዝሸፈቱ ኣሕዋትና ንገድልን ዓወትን፣ሰብ ሰራሕ ዝኾና ናይ ብሕሶት ጭቆና ንምስባር ወይ ድማ ኣፍቃሪቶም ስለ ዝጠለመቶም ተባሳጭዮም ዝተቓለስዎ እምበር ክሽፍት እሞ ህዝበይ ክጎድእ ኢሉ ዝተላዕለ የለን።ግን ብሓቅነት እንተመጺእና መሳርሒ ግብጽን ሽፍትነትን እምበር ገድሊ ምዃን ካብ ዘቋርጽ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ እዩ።ንሓደ ሩካብያዊ ዓመጽ (ሬፕ) ንዝገበረ ሰብ ብልዕቶ ኡ እምበር ምሉእ ሰውነቱ ኣይዓገበን ዝብሃል መርትዖ የለን።ኢሳያስ ጸሪቡን ቀምቂሙን ጽህዩን ዘምጽኦ ባርነት፣ዝተጠቕሞ ግፍዒ ኣንጻር ሃገረሰብ ኣሕዋትናን ደቅናን ብዝኾነ ኣምሓሩን ተጋሩን ወጺ ኦምዮም ስለዚ እቲ ነጻነት ተረኺቡ እዩ ኢልና ነቶም ሸፋቱ ካብቲ መራሕ ሽፍታ ነጺልና ምር ኣይ ኣየዔውተናን እዩ።ሃቐኖም ንምግዳል ይኹን እምበር ሸፋቱ እዮም ኔሩ።
    በዚ ንጹርን ሓቀኛን ፎርማት ተበጊስና ልቢ ህዝብና ሴርና ከነረስርሶ እንተዘይኮንና ቀሊል መገዲ የለን።እንተዘይኮነ ግን ጀነራል ኤግዛሚኔሽን ተሪፉን ማሕረስ ጸሊኡን ዝሸፈተ ኹሉ ንዕኡ ከይነጕሂ ክንብል ዘልኣለም ውሽጥና እናፈለጦ ነብስና እናዔሾና ምንባር እንተመሪጽና ግን ነቲ ዝ ህስ ዘሎ ህዝቢ ከየድሓንና እታ ኣርቲፊሻል ሃገርን እቲ ክቡር ህዝብን ክዓኑ እዩ።

    ሓውኩም ነብሰቕትለት ብነጻነት

    • Yohana April 29, 2013

      ናይ ብሓቂ ጽቡቅ ገሊጽካዮ፡፡ የቀኒየልና፡፡

  • hinok April 28, 2013

    dont say they r from tigray.Tigrayan r not our enemy.

  • habsegheu tt April 28, 2013

    no wonder that the dictator decided evry thing alon he was the only eritrean deleget
    in lndodon in 1991 to discus between ethiopia (tplf) AND AMERICAN Adminisration
    and still doing it.

  • Haile Michael April 29, 2013

    ክቡራት ኣቕረብቲ ዜና ካብቲ ኣቕሪብኩሞ ዘለኹም ዜና ከምዚ”ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልእ ዜጋ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ስለዘድሃበ”
    ዝብል ኣለዎ።
    ኣነ ገሪሙኒ ዘሎ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ እንታይ ክገብር ኢኹም ትደልይዎ?ኩሉ ኣንጻር ህግደፍ ድዩ ኮይኑ ዝስማዓኩም? ወይስ ነብሱ መስዋእቲ ገይሩ ኣንጻር ሰብ ብረት ተቓሊሱ መንግስቲ ህግደፍ ክግልብጥ ኢኹም ትደልይዎ? ሕጂ ኩሉ ብዛዕባ ከብዱ ከምዝሓስብ ጥራይ እዮም ጌሮሞ ዘለዉ። መነባብሮ ኣዝዩ ከቢዱ ስለዘሎ ኣብቲ መብዛሕቱ ብሰንኪ ነዊሕ ግዱድ ዕስክርና ብድኽነት ተጠላቕዩ ዘሎ ህዝብና መብዛሕቱ ስድራ ኣብ ምምእራር ድራር ዕለት ተዋፊሩ ነታ ዘላ መራር እዋን ብኸመይ ይሓልፋ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ለውጢ ክመጽእ ኩሉ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ምስ ዝቃለስን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ድማ ሞቲቨይት ምስ ዝገብሮን ኮይኑ ይስማዓኒ። ኣብ ደገ ዘለኹም የሕዋትና ስኒት ዶ ኣለኩም?እቶም ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲ ዘለኹም ውን ኣነ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ እየ፡ እዚ ኩሉ እንዳተገበረ ከምዘይረኣኹም ከምተጽቅጡን፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንብረትኩም ጥራይ ከምትግደሱ ፍሉጥ እዩ። ደቅኻ ኣብ ወጻኢ ኣስፊርካ ክንደይ ጊዜ ንህግደፍ “ኣብ ጎንኹም ኣለና ንኺድ ጥራይ!” ክንደይ ጊዜ ዘይበልኩም!? እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ድማ ንሂወቱ ከምዝፈርህ ኣይዘንግዑ ንስኹም ግዳ ንንብረትኩም!

    • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 29, 2013

      Bravo Haile ,

      You are realistic.We may not see I to eye on the definition of Tegadalay & Shifta..but, you hit bull´s eye. everybody blames Isaias & his followers while watching American Idol & doing nothing.

  • Embasorya The Mighty April 29, 2013

    “መነባብሮ ኣዝዩ ከቢዱ ስለዘሎ ”

    ab hagere iTalya TQa biete-mengsti ztegebre toKsi ayre’aKayon diKa? sraH zeyblu seb’ay seb Atfi’u nebsu keTf’ delyu neyru:: Alem SaEri, dqas kem zeybla ktfelT aloka:: dKnet newri aykonen::

Post a Reply to salt Cancel Reply