Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ነበርታ የማርሩ ኣለዉ።

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ። ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለሉዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም፡ ኣብቲ

ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ነገራት ካብ ቁጽጽርን ስርዓትን ወጻኢ ኮይኑ ኣስመራ ሕጊ ኣልቦ እናኾነት ትኸይድ ከምዘላ ተቐማጦ ኣስመራ የማርሩ ኣለዉ።

ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብግቦን ምጥፍፋእን ዘዋህለሉዎ ናቕፋ ናብ ዶላራት ክቕይሩ ይቀዳደሙ ብምህላዎም፡ ኣብቲ ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎ ብቕሉዕን ፍኑውን ዝካየድ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ሓንቲ ዶላር ድሮ 49 ናቕፋ በጺሓ ‘ላ።

ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝሽየጥ ነዳዲ የለን። ፈቖዶ ጽርግያ ግን ነዳዲ ብጀርካናትን ብራኳታትን ብኮንትሮባንዳ ይሽየጥ ኣሎ።

መብራህቲ ዝበዝሐ ግዜ ስለዝጠፍእ፡ ናይ ኣብያተ ጽሕፈታትን ገለ ሃብታማትን ጀነሬተራት ከም ናይ ሱዳን ኣበየ ቦትኡ ይግዕራ ኣለዋ።

ነቲ ደረቱ ዝሓለፈ ስእነት ኣገልግሎት፡ እዚ ሕጂ ዝገንን ዘሎ ጭውያ ቆልዑን ናይ ከተማ ሽፍትነትን ተወሲኹዎ፡ ነቲ ዝርካቡ ኣገልግሎታታ ብጽፉፍን ስሩዕን መንገዲ ብምቕራባ ትምስገን ዝነበረት ኣስመራ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ክልተ ሳዕ ተራእያ ህዝቢ ነቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ይራገም ከምዘሎ ኸኣ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልእ ዜጋ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ስለዘድሃበ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ከም ሕብረተሰብ ዝሕልዎ ዝነበረ ሓባራዊ ክብርታት ሸለል ተባሂሉ ዘይቅዱስ ሃዋህው የንጸላልዎ ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብምስትንታን ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • salt April 29, 2013

    Embasoyra pls, your comment is not matured, is good to read books.Shame on u, how old r u?

Post a Reply to Yohana Cancel Reply