Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ

ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ ብምትራፋ ዓቕሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣዝዩ ተዳኺሙ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት፣ ብዘይካ ‘ቶም ብደረጃ ሓላፍነት ተመዲቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ነበር፣ ሓይልታት ምክልኻል ብመሰረቱ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘቕቢቡ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ፣ ብፊንታ ኢሳይያስ ዝተኣታተወ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ዘቝረጾም መንእሰያት መሳርዖም ጠንጢኖም ብቓፍላያት ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ቀንዲ ጠንቂ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ሰብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

በዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፣ እታ ብ 9 (ትሽዓተ) ጋንታት እትቐውም ቦጦሎኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ጋንታ ‘ኳ ክትመልእ ከምዘይትኽእል ብምምልካት፣ “ክፉእ ኣይምጻእ፣ ሃገር ብሰራዊት ዘይኮነ በባጅጎ እያ ትሕሎ ዘላ” ክብሉ፣ እቲ መዕነዊ ፖሊሲ ኢሳይያስ ንሃገርና ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ኣቃሊዑዋ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እቶም ተራ ኣባላት ይኹኑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል ናብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትንን የመንን በብዝቐረቦም ናብ ስደት ክብተኑ ከለው፣ ነቶም ዝርካቦም ምኩራት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ስልጣኑ ክመጽኦ ንዝኽእል ሓደጋ ንምውሓድን ንምቍጽጻርን ክብል ኢሳይያስ ካብቲ ኣጸቢቖም ዝመልኩዎ ዓውዲ ውትህድርና ናብ ዘይፈልጡዎ ሲቪላዊ ምሕደራ ብምሽካል፣ ንሓይልታት ምክልኻል ብላዕልን ብታሕትን መመሊሱ የዳኽሞ ምህላዉ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • Tezareb April 6, 2014

    እዚ እሞ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣቐዲማ ራድዮ ኣሰና ዝጸብጸበቶ፣ እቶም ምርኻቱ ውግእ ኤርትራውያን ቅድሚ ክልተ ዓመተ ኣብ ከባቢ ሽላሎን ባድመን ዝመስከርዎ እዩ።
    ኤርትራ ናይ ዳግመ መጥቃዕቲ ይትረፍ፣ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ተጸንቂቑ፣ ኣብ ሞትን ህይተን ኮይና ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር እያ።
    ገለ ገለ ወተሃደራዊ ተሞክሮ ዘለዎም ከምዝብልዎ ድማ፤ “ሓደ እግራ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፣ ተእውይ ኣላ።” ይብሉ።

    • Wedi Hagher April 7, 2014

      “ኤርትራ ናይ ዳግመ መጥቃዕቲ ይትረፍ፣ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ተጸንቂቑ፣ ኣብ ሞትን ህይተን ኮይና ትልኽ ትብል ዘላ ሃገር እያ።
      ገለ ገለ ወተሃደራዊ ተሞክሮ ዘለዎም ከምዝብልዎ ድማ፤ “ሓደ እግራ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፣ ተእውይ ኣላ።” ይብሉ።”

      Tezareb aka Cow[ard] Face

      You are hoping it’s immediate demise. Your stupid mind cannot see beyond that current problems.
      Eritrea is there to remain for ever, free and sovereign.

      • ahmed saleh April 7, 2014

        He is happy , good for him dreaming for unrealistic belief of ANDENET . Our dead body to let no one to dishonor
        our vowed promise for those who left behind for the sake of our beloved .country

        • birhane April 7, 2014

          hgdefawian ab sidet zelewu ente zebriyom ezi kulu aymesen …wefri werasI yakilo (wefri warsay yikalo)…change is coming by hook or crook suckers

  • bitew ahferom April 6, 2014

    ኣስኩቱ ኣይትበሉኒ ኣይትሻቐል
    ሃገረይ ብክልል ክትማቓቐል
    ታሊባን ኣብ መታሕት ክቃላቐል
    ህዝበይ ምስ ዴምህትን ቅንጅትን ክዳቐል
    ዓፋርን ኩናማን ምስ ካልእ ከይፋቐር
    መሳርያ ኣትሒዞሞ መሬት ክፋናቐል
    ከብደይ ተረቢጹ ብውጽኣት ቀልቀል
    ክኽትትየ፡ኣለኒ ናይ ኢሳያስን ወያነን ኣሜሪካን እስራኤልን በቀል .
    ወዲ በራድ ጨው እግሩ
    ምስ ኣኮታቱ ስግር መረብ ዝነብሩ
    ሾሞንተ ልቢ ገዛ ገዲፎም ብሓንቲ ዝዞሩ
    ኤርትራና ታሊባን መታሕት ጌሮም ከሕርሩ
    ዓዲ እንግሊዝ ንደቂ ራቢጣ ዘዋፍሩ
    ህዝበ ትግርኛ መታን ናብ ትግራይ ክቕይሩ
    መሲልዎም እምበር ክሳዕ መቐለ ከም ዝባረሩ
    ከቲትና ኣለና ምስ ህግደፍ ኣዝማዶም ክሓብሩ
    ክንድርዕሞም ኢና ውይ ውይ ክሳዕ ዝብሉ.

  • bitew ahferom April 6, 2014

    “ብሰንኪ ‘ቲ ግበታን ብሕትውናን ስልጣን እምበር ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር ዘይዓጦ፣ ስሱዕ ኣተሓሕዛን መዕነዊ ፖሊስን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እታ ከም ንቡር ክሳብ 450 ሓይሊ ሰብ ክትሕዝ ዝግብኣ ቦጦሎኒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 20-30 ሰብ ጥራይ ሒዛ ብምትራፋ ዓቕሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣዝዩ ተዳኺሙ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዝርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።”

    ደቂ ሃገር
    ምንም እኳ ከምቶም ደቂ ባልካንስ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሶርያውያንን ንሕና እውን ካብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ተመሊስና ክንዋጋእ ግቡእና እንተኾነ ከምዘይንገብሮ ርጉፅ እዩ።እዛ ሃገር ተጸንቂቑ ሓይሊ ወት ሃደራ ኣብ ዓዋተ እውን ኣንቢበዮ ኔረ እየ።
    እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ንወጻ ኢ ምምጻእ እናደንጎዮም ካብ ሺመልባን ሓአሽን ንሱዳን ይኣትዉ ምህላዎም ሬድዮ ኤረና ትማሊ ገሊጻ።
    ነዞም ካብ ኣፍሪቃ ዘይወጹ ኤርትራውያን ወጻ ኢ ካብ ዝ ኣትዉ ከመይ ጌርና ኣንጻር ኢሳያስን ወያነን እስራኤልን ኣሜሪካን ከም ዝዋደቑ ፕላን ከነውጽእ ከድልየና እዩ፣ወይ ሃገር ዘይብልና ክንተርፍ ኢና።

    ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ኣፍሪቃ ክንዲ ንቓልሲ ዝኸዱ ንወጻ ኢ ዝመጹ መድሓርሓርትን ሃገሮምን ህዝቦምን ዘይፈትዉ እዮም።እኹላት ሰባት ወጻኢ ኣለናያ ኤርትራ ኣብኡ ዘለኹም ተሰውኡላ ንሕና ብገንዘብ ንሕግዘኩም።

  • Hidat April 7, 2014

    BADELAN AFRAZAN ZIHZ SEBSKA MERZEN EYU ZETHZEKUM.

  • semere April 7, 2014

    This is typical of communist regimes. They exhibit majestic military show and attractive economic appearances, but inside they are rotten. Communists live with fake image. Unfortunately they manage to deceive many people. History repeats itself: the same thing happened to Menghistu, Eastern communist block countries, etc. The image they showed and the reality they left behind is like heaven and earth. As our wise culture says ሓቂ ብርእሳ እንተቀበርካያ ብእግራ ትወጽእ. We shall hear more harrowing things. The time is clicking the dying seconds.

  • ahmed saleh April 7, 2014

    ALL THE GENUINE ERITREANS WE FOR DOOM PRINCIPLED PATRIOTISM TO FAIL THE COUNTRY .

  • ERITRAWIT April 7, 2014

    What do except our youth been treated like un human everyone have story to tell what happened to them. One guy I know he came home to see his daughter been ill and he took her to machelot and he was late to go back and he gets 2 years prison after that he left the country for good so who can blame him? HGDEFAWYAN go and help tebelestey!!!!!!!!

  • Merhawit April 7, 2014

    The remnants of the Hgdef army inside the country are mostly over 45-year oldies. These conscripts are not physically in a position to earn a living for themselves and their next of kins as unskilled laborers in other African countries. Their families are dependent on the food rations handed out by Hgdef for their subsistence, and they can receive these handouts only if their “breadwinners” remained in the Army. These “soldiers” spend most of their time in cultivating the agricultural land and tending the cattle herds and other livestock belonging to their commanders. There is hardly any army in today’s Eritrea worth of its

  • Merhawit April 7, 2014

    …con’d.

    There is no army worthy of its name in today’s Eritrea.

    The Hgdef leadership fully realises the dire situation, and rumor has it that it is planning to set up a new army. The new army shall be composed of DEMHIT rebels and the some 800 YPFDJ

  • Merhawit April 7, 2014

    …cont’d.

    The new army shall be composed of DEMHIT rebels and the some 800 YPFDJ members from Europe and the Americas who had convened at Hilton London in the summer of 2012. A commission has already been set up and designated by Monkey and Field Marshall Filippos of the non-existent Hgdef militia army to carry out the huge task. Girma Asmerom has been designated as commissioner, Wedi Gerahtu is the deputy, and Lady Sophie is the spokesperson.

    The YPFDJ Kids have already started excercing in 3 meals a das that consists of the following:
    breakfast: a cup of tea?(sic!) plus 50 g stony bread;
    lunch: very watery ades soup with 3 stony breads for 2 persons;
    supper: same as breakfast.
    Poor Eritrea!

    Even the tyrannies of the master sergeant from Liberia and the emperor from Central Africa were comparatively better. What a shame!

1 2 3 4

POST A COMMENT