Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሞት መላኺ ኢሳያስ ስለምንታይ ኢና ንሻቀልን ንግደስን

ብሞት መላኺ ኢሳያስ ስለምንታይ ኢና ንሻቀልን ንግደስን ሞት መራሒ ሓንቲ ሃገር እንተስ ብሓደጋ እንተስ ብሕማም ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣማውታ ይፈላለ ይኸውን፡ ምውላድ እንተሎ ግን ካብ ሞት ዘምልጥ ሰብ ከምዘየለ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብተን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተላ

ብሞት መላኺ ኢሳያስ ስለምንታይ ኢና ንሻቀልን ንግደስን

ሞት መራሒ ሓንቲ ሃገር እንተስ ብሓደጋ እንተስ ብሕማም ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣማውታ ይፈላለ ይኸውን፡ ምውላድ እንተሎ ግን ካብ ሞት ዘምልጥ ሰብ ከምዘየለ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብተን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተላ ሃገራት፡ ሞት መራሕተን ከጋጥም እንከሎ፡ ህዝበን ኣብ ሻቅሎትን ዕግርግርን ኣይኣቱን ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብተን ሃገራት ግዝኣተ ሕጊ ስለዘሎ፡ መራሒ ብሞት ክፍለን ብሕማም ክሰርሓሉ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን እንተበጺሑ፡ ብመሰረት ቅዋመንን ውሽጣዊ ሕግታተንን፡ ብዘይ ስክፍታ ብሰላማዊ ኣገባብ ተካኢ ይግበረሉ። እቲ ብሞት ዝፍለ መራሒ፡ ብሉጽን ብህዝቢ ፍቱውን እንተነይሩ ድማ ሃገር ምሉእ፡ ኣብ ዓቢ ሓዘን ይኣቱን ንመዋቲ ልዑል ክብሪ ይወሃቦን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዕድለኛ ስለዘይኮነ፡ ቀተልቲ ሰብ፡ ገሃስቲ መሰልን መጸይቲ ሃብትን እምበር ዝበሃጉን ብህዝቦም ዝሕለቁን መራሕቲ ኣይተዓደለን።

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ሓቅታትን፡ ካብዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅስ ኩነታት ዝተፈልየ ኢዩ። እቲ ብጽምኣት ስልጣን ዝዓወረን ህዝብና ክሓስሞ ዝምነን መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሞተሉ ወይ ብሕማም ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ ድማ፡ ህዝቢ “እንታይ ኮን ይስዕብ” ኢሉ ከብዱ ሓቁፉ ክጭነቅ ባህርያዊ ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ናዚ ከኣ፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ንቡር ይኹን ኣብ ዘይንቡር ኩነታት፡ ቅኑዕን እዋናውን ሓበሬታ ክርከብ ስለዘይክእልን ኣብ ሕጊ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ሕጊ ኣልቦን ዕግርግርን ከይነግስ ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሞይቱ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሞት ኢሳያስ ሕማም መንሽሮ ካብ ኣካላቱ ምእላይን ሓድሽ ህይወት ምጅማርን ስለዝኾነ፡ ጣዕሳን ድንጋጸን የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሕግን ንቡር ኣሰራርሓን ዘይብሉ ሃገር፡ ሞት ናይ ብሓይሊ ክገዝእ ዝጸንሐ ውልቀመላኺ፡ ለባምን ቅኑዕን ኣተኣላልያ እንተዘይተገይሩሉ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ምትፍናንን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዝኸፈሎ ህይወት፡ ዘጋጠሞ ምምዝባልን፡ ዝኸሰሮ ወርቃዊ ግዜን ኣኺሉ ስለዝተረፎ፡ ዳግማይ ደም ምፍሳስ፡ ህውከትን ቁጠባዊ ዕንወትን ክርኢ ኣይደልን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ለይትን መዓልትን ዝምነዮን ዝሓልሞን፡ እቲ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝተበታተነ ስድራቤታት ክጠራነፍ፡ ኣብ መረበቱ ብሰላም ክነብርን መዓልታዊ ህይወቱ ብገዛእ ርእሱ ከመርሕን’ዩ። ብዘይ ቀልዓለም፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣኺሉ ዝተርፍ ባህርያዊ ጸጋታትን ዝሕረስ መሬትን፡ ምቹእ ኩነታት ኣየርን ገማግም ባሕርን፡ ጻዕራምን ፈቃርን ህዝቢ ስለዘለዎ፡ ናጽነትን ሰላምን ጥራሕ’ዩ ዝደሊ። ድሕሪ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ “ሃገር መን ክመርሓ’ዩ? እንታይ ኩነታት ክስዕብ’ዩ” ዝብሉ ሕቶታት መለስቱ ድማ፡ ንሕና ኤርትራውያን እምበር፡ ካብ ጎረባብትና፡ ካብ ምዕራባውያን፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መራሒ ክለኣኸልና ወይ እንታይ ክንገብር ይግብኣና ዕዮ ገዛን ፍቃድን ክንጽበ ኣይግባእን። ዋናታት ንሕና ኤርትራውያን ስለዝኾናን ነብስና ከነመሓድር ብቅዓት ስለዘለናን፡ ኣብ ጉዳይና መንጎኛ ክኣትወና ኣይንደልን ኢና። እቲ ብባዶ ሰለስተ ዝጋዋሕ፡ ኢሳያስ እንተሞይቱ ወይ ዓዲ ውዕል እንተኾይኑ፡ ወዱ ንኢሳያስ፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ የማነ ህበይ፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ክትክእዎ ኢዮም” ከም ሓቂ ንውሰዶ ወይ ከም ተራ ወረ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ኣብ ክውንነት ነድህብ፡፡ ንነብስና፡  ብክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ ነእምና።

ኤርትራውያን ሎሚ ይኹን ጽባሕ ካብ ስምዒት ርሒቅናን ኣብ ክውንነት ረጊጽናን ከነስተውዕለሉን ክንዳለወሉን ዝግብኣና ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ኢሳያስ ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ይውረድ፡ ብሽጣራ “ካብ መዝነተይይ ኣልጊሰ” ይበል፡ ብሕማም ናብ ዓዲ እዝግሄሩ ይተዓዘር፡ ካብ ኤርትራ ይህደም፡ ብኢደ ዋኒኑ ንኤርትራ ይሽጣ፡ ዝትክኦ ሰብ ይምዘዝ፡ ኣብ ኤርትራውያን እምነት ስለዘይብሉ ዕሱባት ካብ ግዳም የምጽእ ብዘየገድስ፡ ብኣና ክትውሰድ ዘለዋ ቀዳመይቲ ስጉምቲ፡ ሃጓፍ ስልጣንን ምሽማውን ከየጋጥም ብዘይ ውዓል ሕደርን ገደብ ግዜ ዘለዎን፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ኢዩ። ወሰንቲ ዕድልና ንሕና ስለዝኾናን ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቂ ይምችእ ከይከውንን፡ ንጉዳይና ዝሓላልኽን ናብ ሕማቅ ኣንፈት ዝወስድን ግዳማዊ ምትእትታው ፈጺምና ከነፍቅድ የብልናን። ኣብ መሰጋገሪ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ንሓድነት ህዝቢ ዘላሕልሕን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኣዕናዊ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቁጠባ ይግባእ። ብውልቀ ሰባት፡ ማሕበራትን ውድባትን መሰል ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ምስ ሓላፍነትን ንክብሪ፡ ንእምነትን ንመንነትን ካልኦት ዝሕሉን ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ብኽቡር መስዋእቲ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝሰዓረ ውላድ ህዝቢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ትካላት ጸጥታን ፖሊስን፡ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነትናን ካብ ዘረግትን ግዳማዊ ተጻብኦን ንምድሓን ንምሕላውን እምበር፡ ንትእዛዛት ወልቀ መላኺ ህግደፍ ተቀቢሎም፡ ኣፎሙዝ ብረት ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ከየቅንዑን ወገኖም ከይቀትሉን ክየጋፍዑን ክጥንቀቁ ኣለዎም። “ማይን ሓመድን መታርፍቲ” ከምዝብሃል፡ ሎሚ ተገዲዱን ፈሪሑን ዕምሪ ጉጅለ ህግደፍ ንኽናዋሕ ብረት ዓጢቁ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዕርበት ኢሳያስ ለባም ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። ብረቱን መእሰሪ ሰንሰለትን፡ ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስን ቀንዲ ስዓብቱን ክቀንዕ እምበር ናብ ወለዱንን ሓብሒቡ ዘዕበዮን ህዝቡ ክኸውን የብሉን። ንመሰሉ እምቢ ዝበለን ኣብ ጎደና ወጺኡ ምረቱ ዝገለጸን ወገኑ ንምጽናት፡ ትእዛዛት ጉጅለ ህግደፍ ክቅበል የብሉን። ነቲ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ዝብል ኤርትራዊ፡ ብጉልባብ “ከድዓት፡ ጠላማት፡ ናይ ግዳም ዕሱባት” ሓሶታትን ጸለመን መደናገሪ ጎስጓስ ጉጅለ ህግደፍ ከስተውዕል ኣለዎ። ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉን ከምቲ ኩሎም ገዛእቲ ኣብ ዕርበቶም ዝጥቀሙሉ መናውራን፡ ንተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ካብ ግዳም ዝመጸ ወራርን ምትእትታውን ኣምሲሉ ከደናግር ክፍትን ኢዩ። ነዚ ግን ኣቀዲምና ክንነቅሓሉን ሕሉፍ ባህርያትን ጥልመታትን ጉጅለ ህግደፍ ክንዝክርን ኣለና።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ እናተቀተልናን እናተኣሰርናን ንዓመታት ስለዘጠቃዕናሉን መን ከማኻ ስለዝበልናዮን፡ ሓውና እናተሳቀየ ስለዘስቀጥናን ኢዩ፡ ብብድዐ ዝገዝኣናን ኣብ ውሻጠና ኣትዩ ዝዘርገና ዘሎን። እከይ ትግባራት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራቤ ስለዝኣተወ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ይገብር ኣሎ ዘይኮነ ዝያዳ ክገድሰና ዘለዎ፡ ንህላወ ሃገርና፡ ክብርናን መንነትናን ድሉዋት ዲና ክንምልሶን ንነብስና ክንሓታን ኣለና። ብመርዛም ፖለቲካ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ መኣስ ኢና ክንዕሾን ብዕድልና ከነስቆርቁር ክንነብርን ጸገምና ንፍለጦን ፍታሕ ንርከበሉን። ህግደፍ፡ ከም ጨፍላቂ ወይ ከም መደናገሪ ስርዓት ምእራጉ ስለዘይተርፎ ሎሚ ወይ ጽባሕ ኣካላዊ ህላወኡ ከብቅዕ ኢዩ። እቲ ብድሕሪኡ ኣብ ሕብረተሰብና ቀቢርዎ ዝኸይድ ዘሎ ነዊሕ ሰራውር ሽርሒ (Conspiracy)፡ ቅርሕንቲ፡ ፍርሒ፡ ምጥርጣርን ሕነ ምፍዳይ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ሃገርናን ህዝብናን ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንዕዘቦ ዘለና ብሃይማኖትን ብቀቢላን ሓድሕድ ምቅትታል ቦታ ከይረክብ፡ ኣርሒቁ ዝሓስብ ህዱእ ኣፈታትሓ የድልዮ። ናትና ምፍልላይ ዝምነዩን ኣብ ኤርትራ ጽልዋታቶም ከስፍሑ ዝጽዕሩን መንግስታት ወይ ጉጅለታት ከምዘለዉ ብምግንዛብ፡ ጓኖት ዝዕንድሩሉን ዝሰልኩሉን ዝኾነ ነቃዕ ክንፈጥር የብልናን። ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕብረተሰብና ዘስርጾን ዝቀብሮን ግዕዘይ ንምጽሃይን ንምጽራይን፡ ብሕጊ “ተፋቀር ከም ኣሕዋት ተጸባጸብ ከም ጓና” ብልሓት ክንክተል ኣለና።

ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ራስያ ንብረትን ገንዘብን ምግሃስ ክብሪ ሰብን ክሳብ መጭወይትን ቅትለትን ካልእ እከይ ተግባራትን ስለዝተፈጸመ፡ መፍትሒኡ ብመድረኽ ዕርቂ፡ ይቅረ ምባል፡ ኣብ ሕጊ ምቅራብን ጥራሕ’ዩ፡፡ ኣፍካ ዝሃበካን ብስምዒትን ስጉምቲ ምውሳድ ግን፡ ንህውከትን ንጥፍኣትን ዝዕድም እምበር ጎደና ሰላም፡ ብልጽግናን ስኒትን ኣይኮነን። ኣሽምባይዶ እቶም ብምትላልን ተገዲዶምን ተራ ጌካ ዝፈጸሙ ኤርትራውያን፡ እቶም ፍሩያትን ዑሉላትን ኣብ ዙርያ መላኺ ኢሳያስ ዝርከቡ ብደምን ዓጽምን ህዝብና ዝሰወዱ ከድዓትን ፈተውቲ ነብሶምን እውን፡ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ብብርሃን ጽሓይ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክሲ ቀሪብዎም ገበኖም ክሕተቱን ክለፋለፉን እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ሰባት ጨዊኻ ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉድን ገለርያታትን ምስቃይ ኣይክድገምን ኢዩ። ስለዚ ሒደት ጥቅሞም ዝጎደሎምን ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወን ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናቶም ስለዘይኮነት፡ ብሞትን ሕማምን ኢሳያስ ክጭነቁን ክርዕዱን ይኽእሉ ኢዮም። ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብስንፍንኡ ድሕሪ ሞት መላኺ ኢሳያስ፡ ስልጣን ብዘይምልከቶም ወገናት ከይምንጠልን ካልእ ምስሊ ኢሳያስ ከይመጽእን ጥራሕ’ዩ ክሻቀል ዘለዎ። ምስ ሞት ወይ ሕማም መላኺ ኢሳያስ፡ ህላወ ሃገር ክረጋገጽን መጻወቲ ጓኖት ከይትኸውን ሴፍን ዋልታን ምዃን’ዩ። “መለሳ ጥጥቆስ ሃንዛ” ከምዝብሃል፡ እቲ ኣብ 1991፡ ኣብ ሃገርና ማዕርነት፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ክብረትን ልምዓትን ክሰፍን ዝተመነናዮ ናጽነት፡ ተጨውዩ ንስደት፡ ንሞት፡ ማእሰርትን ሓሳረ መከራን ዝፈረደና ሕማቕ ኩነታት፡ ሕጂ’ውን ዳግማይ ወርቃዊ ዕድል ካብ ኢድና ከምልጠና የብሉን። መላኺ ኢሳያስ ካብ ብጊሓቱ፡ ናትና ስለዘይኮነን ካብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝወጸን፡ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ጥራይ ነጽንዕ፡፡ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ምሽቃል ግቡእ’ኳ እንተኾነ፡ ብስም እዋናዊ ወይ ህጹጽ ዜና(Breaking News) ግን ተቀበልትን ዘርጋሕትን ቤላበለውን ህውተታን ኣይንኹን ኣይንታለል። ሕጂ’ውን፡ ኤርትራ፡ ካባና ብኣና ንዓና ትኹን። እቶም ዘይናትና፡ ስውኣትና ዝጠለሙ፡ ንብረትና ዝዘመቱ፡ ህዝብና ዘሳቀዩ ክርዳድን ጨካናትን ዘርኢ ንፍለዮም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚያዝያ 29, 2020

yakobe@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT