Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ህቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውጽኣቶ መግለጺ።

ጀኔቫ (2 ግንቦት 2018) - ዓለም ሎሚ 3 ግንቦት ምዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2018 ኣብ እትዝክረሉ ዘላ ኣጋጣሚ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪታሩት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስ

ጀኔቫ (2 ግንቦት 2018) – ዓለም ሎሚ 3 ግንቦት ምዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2018 ኣብ እትዝክረሉ ዘላ ኣጋጣሚ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሺላ ኪታሩት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስ ዘዘትሮ ዘሎ ነቲ ዓፋኒ ቀይድታት ደው ከብሎ ትጽውዕ።

ንጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ እቲ ስርዓት ንኸፈራርሖምን ክቆጻጸሮምን ምእንቲ፡ ግዳይ ቀጻሊ ማእሰርቲ፡ ማሕዩርን ቃጻዊ ጭውያን ገይሩዎም ኣሎ። እዚ ጅምላዊ ምግሃስ ድማ፡ ሓሳቦም ብነጻ ንምግላጽ ንዘለዎም ንሞያውን ብሕታውን ናጽነት ብምዕምጻጽ ዝካየድ ዘሎ እዩ።

ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ብ ኣፋዊ መንገዲ ይኹን ካልእ ሜላታት ርክብ፡ መሰል ምድላይን ምቕባልን ሓበሬታ፡ ከምኡ `ውን ሓሳባትካ ናብ ካልኦት ናይ ምስራጽ መሰል ዘጠቓልል  ብማንም ክእገድ ዘይግብኦ መባእታዊ መሰል እዩ።

ይኹን`ምበር ምንቅስቓሳት ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ዋላ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከናት ጥራይ ዘለዋ ኤርትራ ከም ስልቲ ዕብለላ ስልጣንን ምትእትታው ራዕድን ናይቲ ዓማጺ ስርዓት እዩ ዘገልግል ዘሎ። ጅምላዊ ማእሰርቲ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምርዓድን ነብሰ- ግትኣት ከምዘዘውትሩ ንምግባርን ዘገልግል ሜላ ክኸውን ከሎ። ምእንቲ`ዚ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ነቐፌታዊ ትንተናን ርእይቶን ኣይፍቀድን እዩ።

ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2018፡ ደድሕሪ ቀብሪ እቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተኻየደ ማእሰርቲ ክልተ ጋዜጠኛታት፡ መርኣያ ናይቲ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝነብሩሉ ዘለዉ ተጻባኢ ኩነታት እዩ። እቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም ካ እንተኾኑ፡ ማእሰርቶም ግን ዘጒሂ እዩ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ  መሰላት ኤርትራ፡ ካብ 1997 ክሳብ ዚ እዋን`ዚ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 90 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ሰኒዳ ኣላ። እቲ ኣሃዝ ፍጹም ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ተርእዮ፡ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ኣብ ሓደገኛ ሃዋህው ይሰርሑ ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ከም መርኣያ ትብዓቱን ተወፋይነቱ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ኣብ 2017 ብዩኔስኮ ናይ ናጽነት ፕረስ ሽማት ዝተሸለመ ዳዊት ኢሳቕ ከምኡ `ውን ነጻ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ኣብ 2001 ኣብ ዝተዓጽዋሉ እዋን ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ ሓያለ ጋዚጠኛታት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ። ስነኣእሙሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኦም ድማ ዘሻቕል እዩ።

እቶም ብመንስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስ ዝፍጸም ዘሎ ዕምጸጻ፡ ሚዛን ዘለዎ ኣይኮነን። ን ረብሓታት ሃገራዊ ጸጥታን ስርዓትን ሓድነት ህዝብን ዘገልግል `ውን ኣይኮነን። በንጻሩ፡ ንኹሉ `ቲ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ዘፍቅዶ ሓርነታት ዝዕፍን ተጻባኢ ስጉምቲ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT