Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢማራት ይዕንድር፡ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ `ዱባይ ሞል` ይሽምት፡ ኤረቲቪ ብስም ኢሳይያስ ልቢወለድ መልእኽቲ ዮሃና ትፍኑ ፡ ሃ/ማርያም ደሳለኝ እሱራት ይፈትሕ፡ ቤትማእሰርቲ ይዓጹ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሓድሽ ዓመት ኣብ ኣቡዛቢ ምስ ኣሚራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ድግስን ዕንደራን ኣሕሊፉዎ ክንሱ: እታ ንመከራን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ዓብዒባ ንውልቀምለኣኽነት ኢሳይያስ እተጸባብቕ መጋበርያ ምልኪ ኤሪ-ቲቪ ብስም `ቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሓድሽ ዓመት ኣብ ኣቡዛቢ ምስ ኣሚራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ድግስን ዕንደራን ኣሕሊፉዎ ክንሱ: እታ ንመከራን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ዓብዒባ ንውልቀምለኣኽነት ኢሳይያስ እተጸባብቕ መጋበርያ ምልኪ ኤሪ-ቲቪ ብስም `ቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይነበረ ኢሳይያስ ናይ ፈጠራ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ብምቕራብ፡ `ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ` ክትብል ናይ ሓሶት መልእኽቲ ብምስናዕ ከምዜና ኣቃሊሓ።

ሓደ ጥዑይ ሓንጎል ዘለዎ ንህዝቡ ሰናይ ትምኒት ዘለዎ መራሒ፡ ከም ንቡር፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ እዩ ንህዝቡ ተስፋን ሞራልን ክህብ `ዩ ዝግብኦ።

ናብ ርሑቕ ከየማዕደና ናብታ ከማና ድኻ ዝኾነት ብፖለቲካዊ መዳይ ውን ኣብ ብድሆ እትርከብ ኤትዮጵያ `ኳ እንተተመልከትና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኮይኑ፡ ብኣጋጣሚ እዚ ሓድሽ ዓመት ንገለ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ከምዝሃበን፡ ነቲ ማእከላዊ ዝብሃል፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣስመራ ካርሸሊ ብ ኽፍኣቱ ዝፍለጥ ናይ ቀደም ቤትማእሰርቲ ክዓጽዎ ከምዝወሰነ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ በንጻሩ፡ እቲ ንኤርትራ ናብ ሲኦል ቀይሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሕሰምን ድኽነትን ዝገበሮ ኢሳይያስ፡ ነቲ ጭንቅን መከራን ኣብ ዓንቀሩ በጺሑ ዓቕሉ ኣጻቢቡሉ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደልሃመት ገዲፉ፡ ኣብቲ ብተምሳል ወርቂ ዘብለጭልጭ ኣቡዛቢ ምስ ኣሚራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክዕንድር ምቕናዩ ብሓቂ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ትምኒት ከምዘይብሉ፡ ዕብዳን ኢሳይያስ መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ዘሕንኽ ውድድር ግን ኣብዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ብሰንኪ`ቲ ኢሳይያስ ኣብ ሃገርና ዝፈጠሮ ቅልውላው ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ምድረበዳን ባሕርን እናሃለቑ ናብ ስደት ኣብ ዝበታተኑሉ ዘለዉ እዋን፡ ወዱ ነቲ ኣብ ኣቡዛቢ ተኣሊኹ ዝቐነየ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብርሃም ኢሳይያስ ቅፈወርቂ `ውን፡ ኣብ ዱባይ ክልተ ሰሙን ዓስኪሩ፡ ኣብቲ ሓደ ካብቶም ብዓለም ደረጃ ኣዝዮም ዝኸበሩ ኣብያተ መሸጣታት ` ዱባይ ሞል` ዶላራት እናኸስከሰ ክሽምት ከምዝቐነየ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኤርትራ ግንጽናን ተሓታትነት ዘለዋ ብሕግን ስርዓትን እትምራሕ ሃገር እንተትኸውን፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዱባይ ይኹን ኣብ ኒውዮርክ ዝገብሮ ሸመታ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይመድለዮን። ይኹን`ምበር እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መሸጣ ወርቂ ቢሻ ዝርከብ ይኹን ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ድኻታት ኤርትራውያን ብስም ክልተ ካብ ሚእቲ ዝጋሓጥ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ምንታይ ይውዕል ከምዘሎ ህዝቢ ክፈልጠሉ ዝኽእል ሕጋውን ግሉጽን ስርዓት ይኹን ኣገባብ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፡ እቲ ኣብ መነባብሮኡ ዋላ ሓንቲ ምዕባለ ዘይረኣየ በንጻሩ ድኽነት ድከት ኣስትዩዎ ንዝሓለፉ ዘበናት ዘድንቕ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት እምነት ኣጥፊኡ ለውጢ ክጠልብ ባህርያዊ እዩ።

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • k.tewolde January 6, 2018

    The man is a realtor on a family vacation,while he is there he will close some real estate deals along the coast line,do his annual check up like colonoscopy and pick up some gifts for his buddies back home. Hizbi Eritra!!!!? you got to be kidding me.He is wishing that real estate is empty by the time he comes back.

  • Sol January 6, 2018

    Yes DIA came to Abu Dhabi to deal with the Emerate’s Crown about the payments of the lease contract of Asab and to conduct his medical check up as K.tewoldr said.

  • ሃብተ January 6, 2018

    ነዚ ጽሑፍ ኣንቢቡ ዝኣምን
    ዶ ይህሉ ይኸውን ጅሉ
    ክኸውን ኣለዎ።

    • habtom January 8, 2018

      የለኻን ብደውካ ሞትካ ኢኻ

  • Kalighe January 6, 2018

    Iseyas, his family and his protectors go to Dubai and other UAE cities for medical treatment and shopping, while Eritrean families go to Tessenei to look for medicine smaggled from Sudan.
    One thing Iseyas has outsmarted almost every one is, recruiting his followers by implicating them in his crimes.
    That way even when he is bleeding the people to slow death, his comrades are always on his side.
    It’s a matter of time before a day comes also for them.

  • Zeregabir January 6, 2018

    Is it Tewekel’s propoganda or Real happening?
    If that is so the President is not NORMAL and needs kilte shew’ate in AbuneTeklehaimant Bahri or to Hassen Berki of Modoshto.

  • ሚኪኤል ዘርኣብሩኽ January 7, 2018

    አየግርምን ኻብ ኢራቅ & ሊብያ ተመኽሮ ተወሲድና ኣኻሊ እዩ , ዘይተወደበ ቕልሲ መፍቶ ኣዛብእ እዩ

  • ሚኪኤል ዘርኣብሩኽ January 7, 2018

    አየግርምን ኻብ ኢራቅ & ሊብያ ተመኽሮ ተወሲድና ኣኻሊ እዩ , ዘይተወደበ ቕልሲ መፍቶ ኣዛብእ እዩ

  • asmellash January 8, 2018

    ኩሉ ጊዜ ሓንቲ መትሮ ሪሒቃ ዘይትስማዕ ወረ ምዝርጋሕ ሓዲግኩም ኣነ ወይ ንሕና ማለት እዞም ፈሊጥኩም ዓሻ እንተተጠራጠረ ክንከስብ ንኽእል ኢና ኢልኩም ወግሀ ጸብሐ ኣጉል ወረ ትነዝሑ ! ክሳብ ክንደይ ኣብ ክሳራ ከምዘለኹም መኣስ ኮን ክስቖረኩም ይኸውን !!?

  • hgdf 0000000 January 9, 2018

    ቲክ ቲክ ትብል ኣላ እታ ናይ ዘሮ ሰዓቱ ቀሪባ ነብሰ ገዳይ ወዲ መድህን በራድ ዝሕነቀላ እታ መሕነቂት ገመዱ እንሆ ተሰቂላ ትጽበዮ ኣላ። “”ኮረሻ ስልጣን እጠዓም እምበር ኣይምኖን”” ስልጣን ንህዝቢ ዝርከበሉ ዝኣኸለ እመስል…

Post a Reply to asmellash Cancel Reply