Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኪኤል እምባየ (ኣራንቺ) ዝተደርሰት መጽሓፍ “ድርሳነ-ደም” ዘርእስታ መጽሓፍ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ።

ሎሚ ቀዳም 18 ግንቦት 2013 ኣብ ሰዓትት ቅድሚ ቀትሪ ብሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ) ዝተጻሕፈት   መመረቕታ  መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብምዕሩግ ኣገባብ ተዛዚሙ፡፡ ኣብ ጽንብል መመረቕታ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ርእሲ ምርካቦም ድምጻዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤልን ወዲማማን

ሎሚ ቀዳም 18 ግንቦት 2013 ኣብ ሰዓትት ቅድሚ ቀትሪ ብሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ) ዝተጻሕፈት   መመረቕታ  መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብምዕሩግ ኣገባብ ተዛዚሙ፡፡

ኣብ ጽንብል መመረቕታ መጽሓፍ ድርሳነ ደም ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ርእሲ ምርካቦም ድምጻዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤልን ወዲማማን ከምኡ ውን ገጣማይ መድሃኔ ነቲ ስነ ስርዓት ድምቀት  ዝወሰኹሉ ከዋኽብቲ እውን ኣብ ተሳተፍቲ እቲ ስነ ስርዓት ጦብላሕታ ዝገድፍ መሳጢ ስነጥበባዊ ስራሓት ንተሳተፍቲ ኣቕሪቦም ኢዮም፡፡

ንመጽሓፍ ድርሳነ ደም ብዝግባእ ኣንቢቡ ንተሳተፍቲ ትሕዝቶኣ እንታይ ከም ዝመስል ብሓጺርን ገላጽን ኣገባብ ንተሳተፍቲ ዘላለለየ ዶክተር በረኸት ብርሃነ ኢዩ፡፡ ብዜኩኡ ሓጺር ናይ ደገፍን ምትብባዕን መግለጺታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብስምረት መናእሰያት ንድሕነት ሃገር ተዋሂቡ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ድማ ቃል ጸሐፊ ድርሳነ ደም ብሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ) ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ፡፡ 

ምኪኤል ኣብ መግለጺኡ፡ ነቶም ዕድሚኡ ኣኽቢሮም ኣብቲ መመረቕታ ዝተረኽቡ ግዱሳትን መጽሓፍ ኣብ ምሕታም ብገንዘብን ሞራልን ዝተሓባበሩዎን ተሓባበርቱ ኣመስጊኑ።

ቀጺሉ፡ “  መጽሓፍ ክትጽሕፍ  ብፍላይ ድማ ኣብ ከምዚ ኣነ ዘለኹዎ ናይ ስደት ሃዋሁ፡ ማሕለኻ ኮይኑ ኣእዳውካ ዝሓልከካ ፋይናንሳዊ መዳይ ኢዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰናይ ድሌት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ጽላል  UNHCR ብሓገዝ እናነበርካ፡ መሕተሚ መጽሓፍ ዝኸውን ገንዘብ  ክትረክብ  ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ እቶም ንዘለኒ ፋይናንስያዊ ሽግራት ተገንዚቦም ጽሑፍካ ኣብ መፈጸምትኡ ጥራይ ይብጻሕ እምበር ሓገዛትና ኣይክፍለየካን ኢዩ ብምባል ቃሎም ኣኽቢሮም ሓገዞም ዝለገሱለይ ኣዕሩኽተይ ድማ ልባዊ ምስጋና ይብጸሓዮም፡፡” ኢሉ።

ኣብ መጠረሽታ ኸኣ፡ “ነዚ ኣብ ሓቀኛ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰ ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ክልቲኡ ኣእጋረይ ኣብ ዘንድድ ረመጽ ረጊጸ፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ኣብ ንፍተነሉ ተኣፋፊ መድረኽ ምህላውና ብምእማን እየ፡፡ ደጋጊመ ዘዘኻኽሮ ግን ጽሑፈይ ንባህርያትን ኣነዳድቓን ጽዩቕ ተግባራትን  ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ፍጻሜታት ብምስናይ ዘቃልዕ እምበር ታሪኽ ኣይኮነን፡፡ ታሪኽ ብውልቀ ተበግሶን በይንኣውን ብዝኾነ መገዲ ክጸሓፍ ተኽእሎ ስለ ዘየለ፡፡” ክብል ጠቒሱ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • ahmed saleh May 19, 2013

    Congratulation ARANCHI
    You made it at the end . I have confidence to be a great book to read regarding your past articles
    in this forum . I wish success to prevail on your first book and do not worry it will happen because
    you are not stranger to most of us . GOOD LUCK .

  • wedi segen May 19, 2013

    COngratulations

  • senay May 19, 2013

    I am very happy for your efforts. I hope we will get the book in Europe soon.

  • Daniel Teclegiorgis May 19, 2013

    ኣገናዕ!! ምክኤለ። ንኻልኦት ኣርኣያ ዝኸውን ዓቢ ኣበርክቶ’ዩ። ምስ ሰላምታ!

  • Tes May 19, 2013

    Well done and good job.

  • samuel May 19, 2013

    Well done, Aranchi!
    please tell me where I can buy the book in Addis.
    Thank you

  • yonas kidane May 19, 2013

    BRAVO ARANCHI
    ETA MEFTH AB DELEYIE FTHI ATIYA ALA HJIE. BEQA MOT HGDEF AKILU CHAWWWWW

  • gebela May 19, 2013

    Congratulations Aranchi.

    Indeed you are tested through fire and you succeeded to be a pure gold. I hope to get your book through order. Can you let me know who is the publisher. If not I will try to ask friends in Addis.

    May your elbows be strengthened.

  • aba_chegora May 19, 2013

    what is the book all about and where can it be purchased?

  • kemal May 19, 2013

    Well done Aranshi,hope it will motivate others to take part in unfolding the atrocities and conspiracies done by the brutal Isayas led PFDJ gangs up on our innocent people. May the Almighty bless our people and our land.

1 2 3

POST A COMMENT