Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምስምስ……

ብምስምስ…… ብ.ኣበባ ኣብራሃ (ቶሮንቶ ካናዳ)15/06/14 ብምስምስ ኣይሰላም ኣይኲናት እንዳረአኻ ዓይንኻ ምዕማት ሕማቕን ጽቡቕን ብዘይምግማት ተነቊትና ጸኒሕና ኣብ ጸልማት፡ መዓሩ ገዲፉ መዓር ክደሊ ሰላሙ ክደሊ ናብ ከውሊ ተዝነብሮ ሰላም ራሕሲ ጠሊ ከመይ ጌሩ ምበላዓዱ ድሓንዓሊ፡ ተመስገን ኣምላኽ ተመስገን ፈጣሪ ጸሎት ውጹዓት ሰሚዕካዮ ብግብሪ ጳጳሳት ሊኢኽካ ጳጳሳት ሰላም ሃገር ከይባደመት

ብምስምስ……

ብ.ኣበባ ኣብራሃ (ቶሮንቶ ካናዳ)15/06/14

ብምስምስ ኣይሰላም ኣይኲናት

እንዳረአኻ ዓይንኻ ምዕማት

ሕማቕን ጽቡቕን ብዘይምግማት

ተነቊትና ጸኒሕና ኣብ ጸልማት፡

መዓሩ ገዲፉ መዓር ክደሊ

ሰላሙ ክደሊ ናብ ከውሊ

ተዝነብሮ ሰላም ራሕሲ ጠሊ

ከመይ ጌሩ ምበላዓዱ ድሓንዓሊ፡

ተመስገን ኣምላኽ ተመስገን ፈጣሪ

ጸሎት ውጹዓት ሰሚዕካዮ ብግብሪ

ጳጳሳት ሊኢኽካ ጳጳሳት ሰላም

ሃገር ከይባደመት በቲ ጠላም፡

    እግዚዮ’ዩ ዘድልዮ እዚ እዋን ተባሂሉ

    እግዚዮ ኢሉ ህዝበይ ጾይሙ ጸሊዩ ሰጊዱ ተማህሊሉ

ሕጂ ሰሚዑና ኣምላኽ ምዓልቱ ኣኺሉ

ሃየስከበሉ ጎሓሉ ጠላማት እንታይ ትብሉ፧

ኣስመራ ባረንቱ ከረን ሰገነይቲ

ነጻነት ከይርኣኺ ንሓንቲ ምዓልቲ

ኩሉ ትጸሚምኪ ጼርኪ ብትዕግስቲ

ሕጂ ግን ጸልማት ተቐንጢጡ ወጊሑ’ኳ ለይቲ፡

 

 

ጽሓይና በሪቓ ወርሒ ቆሎ መሲላ

ሓቂ ተኸሲቱ ዘበነሰላም ተቐልቂላ

ኣቦታት ዝለሉ ኣዴታት ዓልላ

ኣምላኽ ሰሚዑናዩ ንዝለመምንናዮ ብምህለላ፡

መስክሪ ከረን! ኣበይ ኣበላ ብዓል ዓይኒ  ቢለን፧

መስክሪ ባረንቱ! ኣበይ ኣበሉ እቶም ስደት ዘይጥምቱ፧

መስክሪ ኣስመራ! ኣበየበሉ ደቅኺ፧ ኣደ’በር ብንብዓት ዓይና ዒራ

መስክሪ ሰገነይቲ! ኣደ ጀጋኑና ካብጥንቲ “ስልኪዶታ ይብተኽ ናይ መንግስቲ!”

ሰብ ታሪኽ ሰብ ቅያ ስርሒት ዓበይቲ፣ ንምንታይ ጀጋኑኺ ይዳጎኑ ኣብ በዓቲ፧

ኡይበሉሎም! ፍትሒ ተሳኢኑ ዳኛ

ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኤርትራዊያን ሳዕስዒት ቦሎኛ

በል በልዎም ዋላብዝጋምበቲ ዋላብቡኛ

እንበር ጥሪት! ብሓቂ መጽዓኛ፡

ከምሰብ ስኽፍክፍ ዘይብሎም ዓያሹ

ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኤርትራውያን ክስዕስዑ ዝገሹ

ዘይእንዳኹም እንዳመን ፈሪሱ

ተሰከምቲ ገበን=ልክዕ! ንሕና ንሱ፡

ይቕረ ዘይበሃሎ ንንስሓ ቀሪቡ

ምስ ህግደፍ ዝውግን ሕልናኡ የዕሪቡ

ፎእ በልዎም ኩሉኹም ኣጆኹም ዓንትሩ

ሓቂ ሲዒራያ የሕሲራቶ ዕምሩ፡

ልሳን ውጹዓት ኣዳምጽ ብልቦና

    ከምገበነኛ ተሓታቲ ኢኻ ሳዕሳዒ ቦሎኛ። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT