Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብመንፈስ ቅሳነት ዘይተዓደለ ህዝቢ

ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

  ኣብ ስደት ንነዊሕ እዋን እተቀመጡ ኣሕዋት ንእሽቶ ሓዎም ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ስለ ዝወደቆም እንተ ተፈወሰ ኢሎም ናብ ዓዲ(ኣስመራ) ይልእክዎ፡፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ እንዳከበዶ ምስ መጸ ወለዱ ተቀቓላጢፎም ናብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም የእትውዎ፡፡ ናብ ኣሕዋቱ ደዊሎም ድማ፣ “እንታይ ድኣ  ከይገደዶ እንከሎ ክጀማምሮ እንከሎ ዘይሰደድክሞ’’ኢሎም ይሓትዎም:: ወዮ የሕዋቱ ድማ ንወለዶም፣ “ምጅማር ድኣ ንኣናውን ጀማሚሩና እንድዩ ግናኸ ናብ ሆስፒታል ዘብጽሕ ኣይኮነን” ኢሎም መለስሎም፡፡

ስደት ኣብ ሃገርና ካብ ክፉእ ምሕደራ ደርጊ ጀሚሩ ከሳዕ መንግስቲ ህግደፍ 40 ዓመት ዝገበረ፣ ንህዝብና ኣብ ከቢድ  ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዘብጸሐ ኣብ ናብራን ቤተሰብን ናይ ነዊሕ ዓመታት ምሕዝነትን ሓድነትን ዘብረሰ ፈውሲ እተሳእነሉ ዓቢ ሕማም ኮይኑ ይርከብ፡፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ባእስን ጥልመትን ኣብ ታሪኽ ወለድና ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህልን ልምድን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣቐዲምና ድማ ፈውሲ እንተ ዘይተረኸብናሉ ንነዊሕ ዓመታት ከሳቕየና ዝኽእል ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝኸይድ ክፉእ ሕማም እዩ፡፡

ሓደ እዋን ሓንቲ ሓዳር ዘይፈተነት ወረጃ ሓብቲ ኣብ ኒዮርክ ነባሪት ዝኾነት ሙሉእ ዘመና ንወለዳ፣ ኣሕዋታን ኣዝማዳን እትሕግዝ ዝነበረት ንዓዲ ምስ ኣተወት መዕረፊኣ እትኾና ሓንቲ ጽብቕቲ ቪላ ብስም ወላዲኣ ኣብ ኣስመራ ተስርሕ፡፡ ወላዲ ክኣ ንንእሸቶ ወዶም ምስ በልቲ ቤቱ የውርስዎም፡፡ ድሕሪ ገለ እዋን እዛ ሓብቲ ንዓዲ ጠቕሊላ ትኣቱ፡፡ ገዝኣ ክትርኢ ናብ ቤታ ምስ ኣምርሐት ድማ ደቂ ሓዋ ብእምኒ ኰርቢቦም ምእታው ይኸልእዋ፡፡ ብሕጊ ከሲሳ ክትረትዕ ብዘይ ምኽኣላ ድማ ንብዓታ ደሪዛ  ናብቲ ይኣኽለኒ ዝበለቶ ምድሪ ስደታ ትምለስ፡፡ ኣብኣ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሑ ብጓሂ ካብዛ ዓለም ብሞት ይፍለዩ፡፡ ኣነ ድማ ኣብ ከተማ ኒዮርክ “ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ኣብ ኤርትራውያን” ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕቲ ጽሑፍ ምስ ኣቕረብኩ  እዛ ሓብቲ ኣብ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ምህላዋን ብ ናይ (Depression) ኣፋውስ ከም እትነብር ትነገረኒ፤ ኣዝየ ከኣ ይሓዝን፡፡ ከምዛ ሓብቲ ዝኣመሰሉ ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዝወደቑ፣ሓዳሮም ዝተበተነ፣ኣብ ፍቕዳ ጎደናታት ናብርኦም ዝገበሩ፣ዘርሙ ዘርሞ ዝተረፉን ነብሶም ዘጥፍኡ ኤርትራውያን ሓያሎ እዮም፡፡

ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ሰብ ካብ መሬት ተላዒሉ ስምካ ከጠቅሮ ፣ ኣብ ኣሜሪካ ድማ እቲ ዝተጸልአ ሰብ ክገብረካ እየ ብምባል “ ምስግና ክልተ ቆልዑ ወሰን ኣለውዎ ”ብምባል ነዛ እተኣልመት ጠላዕ ሓሶት የላብዓ:: ብዙሓት ፈተውተይን ቤተሰበይን ከይተረፉ ድማ ከየጻረዩ ወይውን ንኣይ ብቀጥታ ከይሓተቱ ኪሓምዩኒን ኣእዳዎም ከወጣውጡለይ ይጅምሩ፡፡ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመታት ድማ ሓንቲ ወረጃ ሓብቲ እቲ ዝብሃል ኩሉ ትነገረኒ፡፡ ቦኽሪ እዝነይ ብምንባሩን፣ናይ ደቅና ኣብርሃምን ሳራን ደቂ ደቂ ክንርኢ ሃረር ኣብ እንብለሉ ዕድመ ክልተ ቆልዑ ወሰን ወሊዱ ሓቢኡዎም ተባሂሉ ክውረ ክሰምዕ እንከለኩ ክጻወሮ ኣይክኣልኩን፡፡ዋላኳ ኣቐዲሙ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ ዳዊት ናይ ራብዓይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ እንከሎ ብሞት ተጐዲኡናን ካሊእ አተሓላለኸ ናይ ቤተሰብ ግድላት ሓሊፈን እቲ ንእዮብ  ዘጸናንዐ ኣምላኽ ኣጸናኒዑና  እንተነበረኳ ነዚ ምስ ሰማዕኩ ግና ምጽዋሩ ስኢነ ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ይወድቕ፡፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ከኣ ይሳቐ፡፡ ግናኸ ሕጅውን ሳላ ኣምላኽ ምጽንናዕ ይረክብ፡፡  እቲ ሓሶት ዝነዝሐ ሰብ ኣብ መወዳእታ ይጥዓስ፡፡እቲ ዝተዘርአ ሕማቕ ዘርኢ ግና ክምለስ ኣይተኻእለን፡፡ካብ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ሓራ ወጺኤ ከኣ ነዛ “ ናይ መንፈስ ቅሳነት” እትብል መጽሓፍ ክጽሕፍ በቒዐ፡፡

ነዛ ንእሽቶ ኣበርክቶይ ድማ ንደቂ ህዝበይ ባህ ኢሉኒ የወፍያ፡፡ ቀጺለ ድማ ገለ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ ዛንታ ብዛዕባ ኣቶ ከበደን ካልኦት ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ዘሕለፍዎ ግድላት ንኸተንብቡ ይዕድም፡፡

7 COMMENTS
  • gebre March 12, 2014

    ስደት ኣብ ሃገርና ካብ ክፉእ ምሕደራ ደርጊ ጀሚሩ ከሳዕ መንግስቲ ህግደፍ 40 ዓመት ዝገበረ፣ ንህዝብና ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዘብጸሐ ኣብ ናብራን ቤተሰብን ናይ ነዊሕ ዓመታት ምሕዝነትን ሓድነትን ዘብረሰ ፈውሲ እተሳእነሉ ዓቢ ሕማም ኮይኑ ይርከብ፡፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ባእስን ጥልመትን ኣብ ታሪኽ ወለድና ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህልን ልምድን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣቐዲምና ድማ ፈውሲ እንተ ዘይተረኸብናሉ ንነዊሕ ዓመታት ከሳቕየና ዝኽእል ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝኸይድ ክፉእ ሕማም እዩ፡፡

  • Tesfu Kbrom March 12, 2014

    MOST OF THOSE WHO DU SUCH NEFARIOUS CONSCPIRACIES ARE PFDJ STOOGES BECAUSE THE REGIME TRAINS THEM ABOUT SUCH EVIL IDEAS.

  • Daniel March 12, 2014

    Hi, very interesting article, where can I find the book.
    I wont to buy it.

  • haile March 12, 2014

    ETI ZTEZERIA HMAK ZERIE GN KMLES AYTEKAELEN. AHHHHAAA AHHHHHAA. tshufka equa btaemi entemesetetni dr msgna. kemzia kal gera gn nlbey ztenkefeto yelan.??(ETI ZTEZERIA HMAK ZERIE KAL GN KMLES AYTEKAELEN)ezi leyti ms mealti zizrae zelo hmak kal dia mo amasiu abeyenay hadega eyu kewdkena ezgyo eyu zebl. amlak baelika netiom tsruy lbi zelewom tslal kunom tray ena knbl nkiel.ztezeria hmak kal kmles aykieln eyu. bsenki hmak mhdera hagerna gn eritrawi abfekediu bhmak zerie kal geru kmenachet ywieln yhadrn alo.HZBI KIA ZIZERIO EYU ZIATSD eti ztezeria kfue zerie kia mbkualu ayterfon eyu. eta hanti mrchana.neti tenki zkone hgdef mielayu tray eyu. kembihadsh tsbuk zerie knzerie endhr koyna.

  • ERITRAWIT March 12, 2014

    Dear Dr,
    I pray for God to give you strength to pass the hard time as a Mother I can imagine how hard is too loose Son or Daughter.
    But the rest you have to ignore this is what they do Betrey hakes thakek enber aytsbern. stay strong we need you I hope they will disappear with the master!!!!!!!
    Where can we get the book in Europe?

  • wedimeriet March 12, 2014

    Two things in your article i want to emphasize. 1Culture2Depression. This evil regime the first thing he did was to destroy our culture,because then it is easy to create thievies,killers, prostitution. …….Depression not only in the population it is worst in tegadelti.My people the future looks bleak.

  • Haqqi Nezareb March 15, 2014

    Here you go again? You have yet not stopped to be liar? Your lecture in the article similar to someone who is an expert in making wives to be depressed yet give good advice to other people how to make their wives happy so that they will be a victim of depression. As the kids out side your marriage in the article does not hold water. Not a long time ago your hatching babies in Eritrea while your wife was fighting for her life against cancer in her home in La Mirada, California. Aye hasot natka!!!!

POST A COMMENT