Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ! – 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ ሓማሴን ኣብ ዝዳወባ ዓድታት ሰራየ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣብ ጎደቦኡ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሓማሴን ንዝርከብ ዜጋ ሕቖኡ ሂቡ ኣብ ቋሓይን ምስ ዝርከብ ወዲ ሰራየ ዘራኸቦ ዝተፈልየ ፖለቲካ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወዲ ካርኔሽም ካብ ወዲ ሰንዓፈ ንላዕሊ ዝረኸቦ ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ኣይረኣየንን። እዚ ዕሽነት’ዚ፣ ክልተ እሱራት፣ ሓቢሮም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ዝወጽኡሉ ብልሓት ኣብ ክንዲ ዝምህዙ ኣብ ውሽጢ ናይ ማሕዩር ሸላኦም “መንጸፍካ ካብ ናተይ ዝያዳ ኣላታ” ተበሃሂሎም ብምትህልላኾም፣ ዋርድያኦም ነቶም ባዕሎም ዝተሓላለዉ ዘለዉ እሱራት ገዲፉ ካልኦት እሱራት ክምእርር ክወፍር ዕድል ከም ምሃብ እዩ ዝቝጸር። ተወሰኽቲ ግዳያት ምስ ዝርከቡ ድማ፣ ዝጸልኣሎም እሱራት ሸላኦም ትጸቦም! ንርእሶም ይገዶም። ሓርነት ከመይ ኣቢልካ ከም እትርከብ ዘይኮነስ ኣብ ባርነት ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ዘገድሶ ዝጸልኣሉ እሱር ደኣ ‘ሞ መን ይድንግጸሉ፣ ባዕሉ ዶ ይኮነን ንሕልፈት ተኾኒኑ! እዚ ድኹም ኤርትራዊ ኣእምሮ ወዲቑሉ ዘሎ ደረጃ ኣውራጃዊ ምትፍናንን ካብዚ ናይ እሱራት ህልኽ’ዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ኢዋኣኻ ነዚ ዝረኣኻ!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዘመን፣ ኣብ ወረን ሕሜታን ዝተመስረተ ኣውራጃዊ ክልሰሓሳብ ክፈልስ፣ ኣብቲ ዘይጽኑዕ ክልሰሓሳብ ዝተመስረተ ስምዒታዊ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ከምዘድሊ ከይተረፈ ብድፍረት ክስማዕ ከሎ፣ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ ከይኮነና” ሸለል ክብሃል ስለዘይብሉ፣ ዘርኢ መርዚ ከይተተኽለ ክንቀል ከምዘልዎ ንምዝኽካር ከኣ ‘የ ርእይቶይ ወስ ዘብል ዘለኹ።

በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፣ እቲ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ኣብ ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ተመርኵሶም ዝብጽሑ ክልሰሓሳባዊ መደምደምታታት ስነፍልጠታዊ ምርኩስ የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት ክጠቅስ፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ለውጢ ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ኣዳኺሙ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዝራግ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ከረድእ ምዃነይ ኣሚተ ስለዝነበርኩ ብቐጥታ ናብ መብጽዓይ ክሰግር።

ሓው ታደሰ ኣብ ልዕልና ሕጊ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ተገዲሱ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቦ ክሲ፣ ምስቲ ንሳቶም ዝተወልዱሉ ከባቢ ሓናፊጹ፣ ክሳብ ሕጂ ሓደ ከባቢ ንኻልኦት ከባቢታት ወጺዑ፣ ሓደ ከባቢ ካብ ካልኦት ከባቢታት ረቢሑ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ፣ ዘጋለብካዮ ፈረስ ጎልጎል ወዲኡ ቀዳሞት ኣእጋሩ ናብ ጸድፊ ወስ ምስ በላ ልጓም ከምምሓዝ ዝዓይነቱ ኣቀራርባኡ ምእራም ዘድልዮ እዩ። ቁስሊ ምንባሩ ዘረጋገጽ ጭብጢ ከይሓዝካ በሰላ ምህላዉ ውሁብ ዘምስል ኣመት ምሃብ ኣብቲ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸወታ ንዘይወዓለ ህዝቢ ዝያዳ ከምዝጠራጠርን ከምዘይተኣማመንን ስለዝገብር፣ ንታሪኽ ብጎቦ ዓይንኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ብኽልተ ኣዒንትኻ ንመጻኢ ብምጥማት፣ ኣብ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ምርግጋጽ መትከል ብዘይ ነግፈረግ ክትኮረሉ ኣለዎ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሓው ታደሰ ከቕርቦ ዝቐነየ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ንኣብነት፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ብምባል፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ ምምዳራዊ ቅርጺ፣ ነዞም ወገናት እዚኣቶም ብሓለፋ ንምርባሕ ከምዝተኣታተወ ከረድእ ዝገበሮ ፈተነ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል “ቀንዲ ቁጠባዊ ማእከል (ጸጋታት ሃገር) ብጉልባብ ዞባዊ ምምሕዳር፣ ብኸመይ ኣብ ውሱን ከባቢታት ከምዝጸዓቐን ብኡ ኣቢሉ ድማ ከባቢታት ዝማእከሉ፣ ኣብ ህዝብና ዝተኣልመ ነባሪ ቁጠባዊ ምዝንባል ዝፈጥር ውዲት ክንርኢ ኢና” ብምባል ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት ተገይሩሎም ኢሉ ኣብ 2ይ ክፋል ዘቕረቦ ኣብነታት ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ሀ – ኣብቲ ፈለማ ዘምጽኦ ኣብነት፣ “እቲ ኣብ ዞባ ማእከል ንሰሜን ክሳብ ከባቢ ወኪ (34 ኪ.ሜ)፣ ብደቡባዊ ምዕራብ ክሳብ ከባቢታት ሕምብርቲ (34 ኪ.ሜ) ዝዝርጋሕ፣ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝርከብ ገጠራት ዞባ ማእከል፣ ብኸፊል ብኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ከምዝምወል ተገይሩ፣ ኣብ ከባቢ ወኪን ሕምብርትን ዝርከብ ሓረስታይ በተን ንኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝተዳለዋ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብውሑድ ወጻኢ፣ ኣስመራ ስራሕ ውዒሉ ገዝኡ ክሓድር ዕድል ይወሃቦ፣ እቲ 20 ኪሎሜተር ንደቡብ (ከባቢ ሽከቲ) ዝነበር ሓረስታይ ግን፣ እዚ ዕድል ‘ዚ የብሉን” ክብል ይጠቅስ።

ቅድሚ ኹሉ፣ ተቐማጦ ናይዞም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት፣ መጠኑ ደኣ ይትሕት እምበር ንሳቶም ‘ውን ግብሪ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝነበር ድኻ ብሰንኪ እቶቶም ካብ ግብሪ ነጻ እንተኾይኖም ከኣ፣ ካብ “ሃብታማት” ከፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን። እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኩርናዓት ኤርትራ መጺኡ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ህዝቢ ‘ውን ተጠቃሚ ናይዚ ዕድል ‘ዚ እዩ። ብቐንዱ ግን፣ ካብ ወኪ ይኹን ካብ ሕምብርቲ ናብ ኣስመራ ክወፍሩ ከለዉ፣ ንሳቶም ከም ሸቃሎ ቀረብ ጉልበት፣ ወይ ከኣ ደርሆ-እንቋቍሖ፣ ድንሽ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ሒዞም እዮም ንኣስመራ ዝገሹዋ ዘለው። ኣብ ኣስመራ ምሉእ መዓልቲ ክውዕሉ ኸለዉ ‘ውን ብውሑዱ እንተ ስዋ እንተ ፋታ ምሕሻሾም ኣይተርፍን። ስለዚ ብድጎማ ኣውቶቡስ ከተማ ካብ ዝረኽቡዎ መኽሰብ፣ ንኣስመራ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

 

ብዓቢኡ ካብዚ ንኣውራጃዊ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ኣድልዎ ንምግላጽ ዘይበቅዕ ጽልቓ ኣብነት’ዚ ክብ ኢልና ክንርእዮ ዘለና፣ ምናልባት እቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ዓቢ ከተማ ብምድኳኖም ወጽዓ ከምዝህልዎም ‘ውን በቲ ሓደ ገጽ ምርኣዩ የድሊ። ጎዶቦ ከተማ ምዃን መኽሰብን ክሳራን እዩ ዘለዎ። ብዘይካ ተጠቃሚነት ኣገልግሎታት ከተማ፣ ዕድል ስራሕን፣ ካብ ክብሪ መሬት ዝርከብ መኽሰብን፣ ከከም ርሕቀቱ፣ እተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት፣ ምስ ምስፋሕ ከተማ፣ ግራውተን ኣብ ክንዲ እኽሊ ገዛውቲ ኣብቍሉ፣ ብኸተማ ተዋሒጠን መንነተን የጥፍኣ እየን። ብመስረት ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ ካብቲ ንጤሳ ተባሂሉ ንስድራቤታተን ዝግደፈለን ቃጽዖ ሓሊፈን ካብ መሬት ዝረኽባኦ ሓለፋ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ። ካብ ከተማ ርሒቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ካብ መሬት ቀጻልነት ዘለዎ ድርብ ኣገልግሎት ክረኽባ ከለዋ፣ ናይ ከባቢ ከተማ ዓድታት ረብሓ እናጸበበ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዝርከባ ዓድታት ህዝቢ ምስቲ ስርዓት ብቐጥታ ክጋጮን ክኸራኸርን፣ ክእሰርን ክፍታሕን ዝተራእየ።

 

ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ናይተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓድታት ዝወረደ ወጽዓ፣ እቲ ስርዓት፣ “ጤሳኹም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት እንተዘየስሪሕኩሞ መንግስቲ ከሕድገኩም እዩ” ኢሉ ስለዘፈራርሖም፣ እቶም ገንዘብ ዘይብሎም ዝበዝሑ ድኻታት ነቲ 500 ትርብዒት ሜትሮ ጤሳኦም፣ ብታህዋኽ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ምስ ዝመጸ ብዓል ገንዘብ ንፍርቂ ተዋዓዒሎም ከምዘስራሕ ብምግባር ኣብ 250 ትርብዒት ሜትሮ ዝተሃንጸ ቤት ሒዞም ምትራፎም እዩ።

 

ንመሬት ኣባይቲ (ጤሳ) ብዝምልከት፣ ነበርቲ ኣስመራ ዝጸንሑዎ ዓመታት ብዘየገድስ ተቐማጦ ደኣምበር ደቂ ዓዲ ክብሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ብገንዘቦም ክካረዩ፣ መሬት ወይ ገዛ ክገዝኡ ደኣ እዮም ዝኽእሉ እምበር ከምቶም ዓዶም ብኣስመራ ዝተዋሕጠ (ከም ብዓል ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ጎዳይፍ፣ ወይ ድማ ናብ ኣስመራ ጠቢቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ከም ቁሸት፣ ዓዲ ኣቤቶን ጻዕዳ ክርስትያንን) ደቂ ዓዲ ተባሂሎም ጤሳ ክወሃቦም ክጽበዩ ኣይክእሉን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝተዓደለ ኣባይትን ተጠቅምትን ዝገልጽ ጭቡጥ ኣሃዛዊ ሓበሬታ (Statstics) ክሳብ ዘይተረኽበ ብፖለቲካዊ መልክዕ ዝግለጽ ወገናዊ ኣተዓዳድላ ነይሩዎ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ብብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ተዓዲሉ ዝብሃል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ብዝምልከት፣ ንናይ ህግደፍ ጽምኢ ዶላር ዘርውዩ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍሉ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ንህግደፍ ዘይቃወሙዎ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት ዝውለዱ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉጅለ ከምዘለዉ ኩሉ ሰብ በብወገኑ ዝፈልጦ እዩ። ሌላ ምስ ሓለፍቲ ኮነ ግቦ ኣብዚ ኣባይቲ ይኹን ትካላት ናይ ምርካብ ቅድድም ግደ ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ብልሽውና እቶም ፍሉያት ከባቢ ኣይኮኑን ዝሕመዩ። ብልሽውና ናይ ኩሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወገን ሕማም እዩ።

 

ካልእ ንእግረ መንገድና ክንጠቕሶ ዘድሊ ተገራጫውነት ናይቲ ሓው ታደሰ ወስ ዘበሎ ሓሳብ ዝእምት ጭቡጥ ነጥቢ፣ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ብዙሓት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከቡዎ ከባቢታት ሓማሴን ብጉልባብ ምሕደራዊ ቅርጺ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ ተጠቃሚ ስልጣኔን ረብሓታትን ኣስመራ ክኸውን ከምዝተገብረ እዩ ዘረድእ። እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከብ ሕብርቲ ኸ ደኣ ስለምንታይ እዩ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ?

 

ህግደፍ ነቶም ካብ ኣስመራ ንሰሜን ዘለዉ ዓድታት ሓማሴን ብሓለፋ ናይ ምርብሖም ውዲት እንተደኣ ሃልዩዎ፣ ነቲ ንቡር ባሕሪ ናይ ምውራድ ልማዶም ስለምንታይ ኣጊዱዎም? ምምሕዳሮም ምስ ኣስመራ ካብ ምዃን ንላዕሊ ባሕሪ ምውራድ ዶ ኣይምበለጾምን? ዞባዊ ወይ ኣውራጃዊ ዶባተን ብዘየገድስ ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ናይተን ዓድታት ስለዘይቅየር፣ ካብ ቅርበት ከተማ ኣስመራ ዝረኽባኦ ሓለፋ ኣይምሰኣነኦን።

 

ብሓጺሩ፣ እተን ብተዛማዲ ብዓሰርተታት ኪሎሜተራት ካብ ኣስመራ ርሒቐን ዘለዋ ዓዲ ዃላ ወይ ሰንዓፈ ማዕረ ወክን ሕምብርትን ካብ ኣስመራ ዘይረብሓ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅርበት ናብ ዓቢ ከተማ ዘለዎ ረብሓን ክሳራን፣ ርሕቀት ካብ ዓቢ ከተማ ‘ውን ረብሓን ክሳራን ከምዘለዎ ኣድማሳዊ ሓቅነቱ ክንቅበሎ እምበር ከነማርረሉ ኣይግባእን።

 

ለ – ንዞባ ጋሽ ባርካ ብዝምልከት “ብቐዳማይ ደረጃ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝወሃቦም እቶም ዝሓሸ ቁጠባን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝውንኑ፣ ናብዚ ዞባ’ዚ ዝተጸንበሩ ደቂ ኸበሳ፣ (ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን) እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትሑት ማሕበራዊ ምዕባለ ዘለዎ ህዝቢ ኩናማ ኣብ ገዛእ ዓዱን መረበቱን ወሪዱዎ ዘሎ በደል ድማ ናይዚ ዘይምዕሩይ ፖሊሲ ህግደፍ ንጹር መርኣያ እዩ። ኩናማ፣ ‘ናይ ኤርትራ ኣቦርጁንስ እዮም’ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን” ይብል ሓው ታደሰ።

 

ናይ ብሄረ ኩናማ ሕቶ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍታሕ ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ናይ ሓው ታደሰ ዓንቀጽ ከም ተወሳኺ ናይ ሓደ ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ዝቐርብ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ወጽዓኦም ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ ናብ ዞባዊ ምስ ተቐየረ ዝጀመረ ኣይኮነን።

 

ምስ ዋሕዲ ቁጽሮምን ጽበት ዝነበሩሉ ከባብን ብሄረ ኩናማ፣ ዓምጽን ጭፍለቓን ህግደፍ ዝያዳ ካልእ ኤርትራዊ ክፍለጦምን ክውጽዖምን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ ጸቕጥን ዓመጽን ህግደፍ 1000 ደቂ ከበሳን 1000 ኣባላት ብሄረ ኩናማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ፣ ሃስያኡ ኣብ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ውሑዳን መጠን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ምድንጋጽን ኣቓልቦን የድልዮም። ይኹን’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኣቦርጁንስ ኮይኑ ይጸንት ስለዘሎ፣ እዚ ዝጠቐስናዮ ኣቓልቦን ደገፍን ክረኽቡ ዝኽእሉ ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ምስ ዝፍታሕ እዩ። ጠንቂ ምድኻምን ወጽዓን ብሄረ ኩናማ ምስ’ዚ ናይ ምክፍፋል ዞባታት ሓናፊጽካ ምግላጹ እምብኣር ነቲ ኣውራጃዊ ምጕት ንምምቃር ተባሂሉ ይቐርብ ምህላዉ እዩ ዘርኢ።

 

ብጂኦግራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብህዝቢ ‘ውን እንተርኢናዮ፣ ብፍላይ እቲ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝነበር ህዝቢ፣ ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ምክፍፋል ዞባታት ኣይኮነን ኣብ ጋሽ ባርካ ክጣይስ ጀሚሩ። ብዕድመ ክርአ ኸሎ እተን ኣብ ዞባ ጋሽ ዝርከባ ዝበዝሑ ካብ ከበሳ፣ ብሕልፊ ድማ ካብ ምዕራብ ሓማሴን ዝፈለሱ ህዝቢ ዝርከቡወን ዓድታት ካብ ህዝባዊ ግንባር ኣጸቢቐን ይዓብያ። ህዝቢ ምዕራብ ሓማሴን በዚ ሓዱሽ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባ ጋሽ ስለዝተጸንበረ ሓዱሽ ዋሕዚ ኣይተፈጥረን። ግደ ሓቂ፣ በቲ ግዱድ ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ህግደፍ፣ ብዙሓት ተቐማጦ ዞባ ደቡብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሰፈሩ ይፍለጥ። ልክዕ ከምቲ ኣስመራ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ተጎቢኣ ዘላ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ‘ውን ብተመሳሳሊ ካብ መላእ ከባቢታት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ወይ ኣውፋሪ መሊኣ ‘ላ። እቲ ምርጫ መነባብሮ (Lifestyle) ውልቀሰባት ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ክሓርስ፣ ክነግድ ዝደለየ ናብ ጋሽ ባርካ ይወፍር፣ ናብራ ከተማ ዘብህጎ ከኣ ኣስመራ ይእከብ።

 

ኣባላት ብሄረ ኩናማ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝውለድ ህዝቢ ጤሳ ክረክብ ዝግብኦ፣ ንሳቶም ‘ውን ኣብ ዓድታቶም ጤሳ ክወሃቦም፣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ጸጋታት ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ፣ ያታዊ ኣገባብ መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ህይወቶም ብዝበለጸ ክመርሑ ትምህርትን ስልጠናን ክረኽቡ ትዅረት ክወሃቦም ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ነዚ ናይ ማዕርነት ፍታሕ ዘጽንዖ ኸኣ ግዝኣተ ሕጊ ምትካል እዩ።

 

ተወሳኺ ተገራጫውነት ምጕት ሓው ታደሰ፣ ኣብ ህዝባዊ ግምባር…ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”…ዝበሎ፣ ኣብዚ ክፋል’ዚ ዘይሰርሕ ምዃኑ እዩ። ከምዝርድኣኒ፣ እቶም ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከቡ ከባቢታት ሓማሴን፣ ከም ባርካን ዝበዝሐ ክፋላት ሰራየን ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ቅዱም ሌላኦምን ተሳታፍነቶምን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለዝነበረ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግደፍ ብዙሓት የለዉን። ስለምንታይ ደኣ’ዮም ከም ኣበሃህላ ሓው ታደሰ ላህመት ቁጠባዊ ረብሓታት ጋሽ ባርካ ክገፉ ሓለፋ ተዋሂቡዎም?

 

ምስዚ ጥቕስ ዘበልናዮ ሕጡበጽሑፍ ንኣውራጃ ብዝምልከት ኣብ ዝልዓል ምጕት ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሕጂ ኸኣ ኣብ ህግደፍ ካብ ከባቢ ካርኔሽም ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብሕልፊ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምህላዎም እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ግን ንበይኑ ከም መበገሲ ኣውራጃዊ ፍልልይን ፖለቲካዊ ዕብለላን ክቐውም ዝኽእል ኣይኮነን።

 

ፈለማ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ዕብየትን ምንቅስቓስን ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ መጀመርያን መፋርቕን ሰብዓታት ህዝባዊ ግንባር ንሰሜናዊ ባሕሪ ከም መበገሲ ገይሩ ዝተቐልቀለሎምን ብጻዕቂ ዝተንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት ካርኔሽም፣ ኣብቲ ንባሕርን ከበሳን ዳርጋ ብማዕረ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ርኡይ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገድፍን ብዝሒ ተሳታፍነት ክዕድምን ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዘይኮነ፣ ግድምና (ቅዱም ተሳታፍነትን ተመክሮን) ቀንዲ ረቛሒ መምዘንን መምዘዝንን ሓላፍነት ዝነበረሉ መድረኽ ቃልሲ፣ ዝመጸአ ክኸውን ይኽእል። ብተመሳሳሊ ንዓላ መበገሲ ብምግባር ናብ ከበሳታት ኣከለጉዛይ (ብፍላይ ከባቢ ሰገነይትን ድግሳን ጽንዓደግለን) ዝቀላቀል ዝነበረ ምንቅስቓስን ውደባን ህዝባዊ ግንባር ‘ውን ብመጠን ጻዕቂ ናይቲ ንጥፈታት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ሰምሃርን ሳሕልን ‘ውን ከምኡ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ‘ውን ኣብቲ ቀንዲ መስረታ ዝነበረ ባርካ፣ ካብ ባርካ ተበጊሳ ትበጽሖ ዝነበረት ከባቢታት ሰንሒት፣ ብቖላ ሰራየ ዝኣተወቶ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሰራየ፣ ከምኡ ‘ውን ክፋላት ዓንሰባ ናይ ሓማሴን፣ ከከም ጽልዋኡን መጠኑን ጻዕቂ ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከምዝነበራ ይፍለጥ።

 

ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፉ (ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን) ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፣ ሓው ማሕሙድ ሳልሕ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣቕሪቡዎ ምስ ዝነበረ መረዳእታ እሰማማዕ እየ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓው ታደሰ፣ ንምጕቱ ዘገልግል ምሩጽ ኣብነታት ጥራይ እዩ ጠቒሱ ሓሊፉ። ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሎት ዘለዉ ካብ ሓማሴን ዝበዝሑዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክረቍሕ ከሎ፣ ነቶም ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝርከቡዎም ነቲ ስርዓት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዘገልግሉዎ ዘለዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ኢሉዎም እዩ ሓሊፉ። (ብዝኾነ፣ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ ጉዳይ፣ እቶም ዝወዓሉዎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ክህቡ ዝኽእሉ ይመስለኒ)።

 

ዋላ ኳ ታሪኻዊ ድሕረባይታ እንተለዎ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምዝንባል፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ማለት ድሕሪ ናጽነት (ወዮ ደኣ ንቡር ኣይተረኽበን እምበር) ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተወከሉ ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ከምዝሳተፉ ብምግባር፣ ነቲ ኣብ ግድምና ዝምርኮስ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ዝተመስረተ ከምዝኸውን ብምግባር ንጸጥታ ሃገር ብዘይጎድእ መንገዲ በብቑሩብ እናመዛዘንካ ምቕያሩ ኣገዳሲ እዩ።

 

ነዚ ከም ድሕረ ባይታ ጥቕስ ኣቢለ፣ ብኣውርኡ ከተኵረሉ ዝደሊ ቀንዲ ጉዳይ ውጽኢት ናይቲ ዞባዊ ምክፍፋል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ብሰፊሑ ዝረኣናዮ፣ በዚ ሓዱሽ ቅርጺ’ዚ ህዝቢ ካርነሽም ከም ህዝቡ ካብ ምጕዳእ ሓሊፉ ካብ ህዝቡ ንላዕሊ ዝረኸቦ ፍሉይ ቁጠባዊ ሓለፋ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣይረኣየንን። እቶም ካብቲ ከባቢ ዝውለዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኢሳይያስ ክሕልዉዎ መታን ብዝሃቦም ሓለፋታትን፣ ከከም ውልቃዊ ባህርያቶምን ሕልናኦምን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዝገብሩዎ ሽምጠጣን ብልሽውናን፣ ከም ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ሓለፍቲ፣ ንነብሶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ይጠቕሙ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብሕታዊ ረብሓ ናይዞም ውልቀሰባት ናይ ህዝቢ ረብሓ ተመሲሉ፣ መበገሲ ኣልማማዊ ወቐሳ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውጹዕ ንውጹዕ ክካሰስ ከሎ ዝርሳዕ እቲ ቀንዲ ወጻዒ እዩ።  

 

ካብቶም ሰበስልጣን ብቐጥታ ዝጥቀሙ፣ ገለ ናይ ቀረባ ቤተሰብ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ከም ናቶም ርእዮም ረብሓኦምን ምንጪ በለጽ ንዝኾኑዎም ቤተሰቦምን ክከላኸሉሎም ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ፣ ገለ ደቂ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን፣ እቲ ህዝቢ ከም ሃገሩ ይጕዳእ ከምዘሎ ርኡይ ክንሱ፣ በቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተገሪዞም፣ “መንግስትና” እናበሉ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምድጋፍ ሆይሆይታ ከስምዑ ከለዉ ‘ውን ዘደንጹ እዩ። እዚ ንረብሓን ተጠቃምነትን ህዝቢ መዐቀኒ ፖለቲካዊ መርገጺ ካብ ምግባር ዘይኮነ፣ ከም ተጻራሪ ግብረመልሲ ናይቲ ንሓደ ውሱን ከባቢ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ካልእ ከኣ ተቓዋሚ እናተበልካ ዝዝርጋሕ ሕሜታ ዝመጽእ ህልኽ እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ወገናዊ ፖለቲካ።

 

እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ነቲ ስርዓት ሓደ ወገን ስለዝደገፎ ወይ ስለዝተቓወሞ ዝመጸ ዘይኮነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብሕትውና ስልጣን ንምርግጋጽ ብዝተኸተሎ ገባቲ ፖሊሲ ዝሰዓበ ውድቀት እዩ። እምበር ህዝቢ ሓማሴን ብምሉኡ እንተዝድግፎ ክንድዚ ኣይምወደቐን፣ እቲ ኻልእ ህዝቢ ብምሉኡ እንተዝቃለሶ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን። ስለዝኾነ፣ ኣተኵሮና፣ ኣብ ነንሕድሕድና ዘይኮነ ኣንጻር እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክኸውን ኣለዎ።     

 

ነዚ ኣብነታት ከም መበገሲ ወሲድና፣ ነቲ ጉዳይ ዕብይ ብዝበለ ስእሊ ክንምልከቶ ምስ እንፍትን፣ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ፣ ነዊሕ እዋን ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ፣ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝነበረ ክንሱ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ ተኣፋፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣለዓዒሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ካብ ምምዕባል ኮነ ንሃገራዊ ናጽነቱ ብቐዳምነት ሰሪዑ ካብ ምቅላስ ዘይምዕጋቱ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ከኣ፣ “ርእስና ዝኸኣልና ሃገር እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ኣይኮነን” ኢልና ምእንቲ ሃገር ተቓሊስና ምስ ተዓወትና ዝኽሰት ዘሎ ንድሕሪት ናብ ኣውራጃ ገጽካ ናይ ምጥማት ተርእዮ መርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ዝጠቐስኩዎ ኣምራት ንቡር ህላወ ኣውራጃን ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጠንቂ ፍልልይ ኮይኖም ዘለዉ ምኽንያታት ንግዚኡ ክልተ ረቛሕቲ ምጥቃስ ይከኣል።

 

1ይ – ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት

 

ሳላ’ቲ ምጽውዋርን ልቦናን ሕብረተሰብና፣ ንኣውራጃዊ ፍልልይ ባዕዳውያን  ሓይልታት ብፍላይ ድማ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ‘ኳ እንተዘይከኣሉ፣ ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ ጠንቂ ናይዚ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ዝንባለ’ዚ ኮይኑ ፈኸም ከብሉዎ ካብ ዝጸንሑ ረቛሒታት ሓደ፣ ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት (Political Elites) ሃገርና እዩ።

 

ኣብ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ኣብቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመራሕቲ ጀብሃ ብዝያዳ ሃይማኖትን ቀቢላን መከራኸሪ ዕብለላ ስልጣን ኮይኑ ዘገልግሎም እንተነይሩ፣ ኣብቲ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄርን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ (ከበሳ) ኣሃዛዊ ዓብላልነቱ እናተራእየ ዝኸደሉ ዝነበረ ሻዕብያ ብፍላይ ንኢሳይያስ ስልጣኑ ክዕቅብ ዝተረፎ እንኮ መጣልዒ ካርታ ኣውራጃ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነዚ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ‘ዚ ብግሁድ ናብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከስርጾ እንተፈቲኑ ኩሉ ገዲፉዎ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ኣብ መወዳእትኡ ዝምራሕ ‘ውን ክረክብ ስለዘይኮነ ብጠበብ እዩ ኣካይዱዎ። ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ከጋጥሞ ኸሎ ካብ መጻብቦ መውጽኢ ዝኾኑዎ ደገፍቲ ንኽኸስብ ወይ ንተቓወምቱ ንኽንጽል ተጠቒሙሉ። ኢሳይያስ ኮነ እቶም ብቐጥታን ተዘዋዋርን ዝተሓባበሩዎ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ድሮ ብናይ ስልጣን ህልኽን ውድድርን ላድዮም ስለዝነበሩ፣ ነቲ ሽዑ ካብ’ቲ ያታዊ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ዝስለፍ ዝነበረ ጋሻ ተጋዳላይ ከደናግሩዎ፣ ነቲ ዝፈለጦም ሒደት ከኣ ከፈራርሑዎ ዝቐለለ እዩ ነይሩ።

 

ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሕ ዝነበሮም ኢሳይያስን መሻርኽቱን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሕቶ ዲሞክራስን ሕጋውነትን ክለዓል ከሎ፣ ነቲ ኣብ ስልጣኖም ስግኣት ዝፈጥረሎም ሕቶ ንምቅላልን ንምድኻምን ምስቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ዘፍርሖ ከም ኣውራጃዊ ምፍልላይ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣተኣሳሲሮም ብምግላጽ ነቲ ናይ መትከል ሕቶ ብፕሮፖጋንዳ ይሰብሩዎ፣ ስልጣኖም ድማ የድሕኑ ከምዝነበሩ ኢና እንርዳእ። ምኽንያቱ ነዚ ኣመል’ዚ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሉዎ ስለዘለዉ።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ግብረመልሲ ናይቲ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ሕቶታት ዘልዓለ ወገን ወሳኒ እዩ። ፕሮፖጋንዳዊ ማሺንን ሓይልን ዘይምህላው ክፈጥረሎም ዝኽእል ብድሆ ቀሊል ኳ እንተዘይኮነ፣ እቶም ዓቀብቲ ስልጣን “ደቂ ‘ዚ ኣውራጃ’ዚ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ነዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕሉ፣ ዝቃወሙና ዘለዉ” ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ሓተቲ ብወገኖም፣ “ደቂ እቲ ኣውራጃ ‘ቲ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ንሕቶና ዝነጽጉዎ፣ ዝከላኸሉ ዘለዉ” ክብሉ እንተመሊሶምሎም፣ ወዮ ፖለቲካዊ ጉዳይ ካብቲ ቀንዲ መትከላዊ ሕቶታት ወጺኡ ማለት እዩ። ካብዚ ምዝባል’ዚ ዝኸስብ ከኣ እቲ ከፋፋሊ ስልቲ ብምዝውታር ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ውዲት ዝኣለመ እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ከኣ ሜላ ምዃኑ እዩ።

 

ነዚ ኩነታት’ዚ ምስ’ቲ ብወረወረ እንሰምዖ ናይ 73 ምንቅስቓስ ኣተኣሳሲርና እንተተመልከትናዮ፣ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፣ ሓደ ኣውራጃ (ሓማሴን) ቀንጻሊ ሓደ ካልእ ኣውራጃ (ኣከለጉዛይ) ተቐንጻሊ ከምዝነበረ ዘስምዕ ዛንታ ክደጋገም ይስማዕ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ፣ ብፍላይ ንሕቶ ኣውራጃ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስዚ ዛንታ’ዚ ተኣሳሲሮም ክረኣዩ ‘ውን ትዕዘብ።

 

ፈለማ ኣብቲ ኢሳይያስን ደገፍቱን “መንካዕ” ኢሎም ዝጠቐሱዎ ምንቅስቓስ፣ ናይ ዝኣሰሩን ዝተኣስሩን፣ ዝቐንጸሉን ዝተቐንጸሉን፣ ኣፋዊ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ፣ ምሉእ ቁጽርን መንነትን ኣውራጃዊ ዝንባለን ዝገልጽ፣ ጭቡጥ መወከሲ ዘለዎ ውዱዕ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ፣ ኣብ 1976 ‘ውን (እዚ ኸኣ ብተመሳሳሊ ብዘይውዱዕ ሓበሬታ) ብዛንታ እንሰምዖ፣ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሑዎ፣ ናይ “የሚን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግዳይ ከምዝነበረ ይዝረብ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ‘ጉጅለ 15’ ኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይፍለየሉ ዘመተ ማእሰርቲ ምንባሩ ኩላትና ዝረኣናዮ እዩ። ነቶም ፖለቲካዊ ሕቶ ዘልዓሉ ተንቀሳቐስቲ፣ ዋላ ኢሳይያስ ነቲ ኣረጊት ኣውራጃዊ ሜላ ምፍልላይ ምጥቃም ስለዘጸገሞ፣ “ተምበርከኽቲ፣ መሳርሒ ወያነ ሲ ኣይ ኤ” ብምባል እዩ ከጸልሞም ፈቲኑ። ካብዚ ውሩይ ተርእዮታት ወጻኢ፣ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን በብውልቂ ይኹን በብጉጅለ ተኣሲሮም ኣብ ምቑሕ ዝበልዩን ዝሓቁን ብዙሓት ኤርትራዉያን ምህላዎም ‘ውን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንኻልኦት ዛንታታት ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ሓደ ዝተመርጸ ዛንታ (Selcted Naration) ብምትኳር ናብ መደምደምታታት ምብጻሕ ‘ውን ቅኑዕ ኣይኮነን።

 

ካብዚ ተረእዮታት’ዚ ክንግንዘቦ እንኽእል ነገር፣ ኢሳይያስ፣ ነቲ ስልጣን ናይ ምግባት ጥሙሑ ንምርዋይ፣ ካብ ኣየናይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ብስልጣን ዝቕሸሹ ምእዙዛት ኣገልገልቲ እናኣለለየ፣ ኩሉ ዓይነት ሜላታት፣ እንተላይ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ሓይልን ዝጥቀም፣ ኣብ ድሕረትና ዞሪቝ ን40 ዓመታት ዝተጻወተልና መራሒ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ብዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ተጸይኑ፣ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ስግኣቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓብዩሉ ዘሎ እዋን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ክስቀልን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሓጊዞምኒ ዝብሎም ኣረግቶት ሜላታት ብዝለዓለ ይጥቀመሎም ምህላዉ ኸኣ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

 

እቶም ደለይቲ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እምብኣር፣ ከም’ቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ንኢሳይያስ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ ምክፍፋል ኣውራጃ ኸኣ ሜላ ካብ ኮነ፣ ካብዚ ሓቂ ‘ዚ ሸተት ኢልና፣ ኣብቲ ዘዳለወልና መጻወድያ ብምውዳቕ ንኣውራጃ ከም ዕላማ ርኢና ከይነዛንዮ ክንጎርሓሉ ይግባእ። ተገሪህና ወይ ጎሪሕና ኣብ’ዚ ፈላላዪ ጸወታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ተሳተፍቲ እንተዄንና፣ ተጻወቲ ዘይኮና ኵዕሶ ኢና እንኸውን። ኣብራኹ ተሰይሩ ካብ ሜዳ ክወጽእ ኣብ ቃሬዛ ብዝተሰቕለ ስዑር ተጻዋታይ ከም ኩዕሶ እንቕላዕ ተጻወቲ። ንሱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ልዳታት ዝኣትዋ ጎላት ዝሕሰባውሉ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኮይኑ ዝስዕር ዕድለኛ ተጻዋታይ።

 

ብሓጺር ኣዘራርባ፣ እዚ ዝንቡዕ መንገዲ’ዚ፣ ቀንዲ ጸላኢና ኣብ ምልላይን ዕላማና ኣብ ምንጻርን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዝጸንሐ ድኻም መሊሱ ዘዕቢ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ተመሳሳሊ ምድንጋር (Confusion) ‘ውን ብዝያዳ ዘጋድድ እዩ።

 

ኢሳይያስ ብሓደ ክገጥሞ ንዝኽእል ሓይሊ ብኣውራጃዊ ሜላ ከፋፊሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ፣ ንሕና በንጻሩ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘፍርሖ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ምሕያል፣ ናብቲ ዝፈጥረልና ዘሎ ጓል መንገዲ ተኣሊና፣ ካብ ቀንዲ ዕላማ ለውጢ ተገሪዝና ክንተርፍ ከለና ንዝህብና ውርደት ጥራይ ኢና ንውስኸሉ፣ ብተዘዋዋሪ ንዕላምኡ ኢና ነገልግል ዘለና። ስለዚ፣ ዕላማና ንመኸተ ውልቀምልኪ ኣጽኒዕና ብምሓዝ፣ ካብቲ ቀንዲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ስትራተጂ ለውጢ ከይንወጽእ ናይ ቃልሲ ኣሳእንና መሳምር ክንሸኽለሉ ይግባእ።

 

ከምቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘውካእኩዎ፣ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቍስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ቀጻላታት ብመትከል ክሰዓሩ ኸለዉ፣ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ተዓቝሩ ዝጸንሕ ዝንባለታት (ንኣብነት ኣውራጃዊ ፍልልይ) ናብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣፍሊሶም እንተኾይኑሎም ሓይሎም ኣጽኒዖም ስልጣን ክዕቅቡ፣ እንተዘይኮይኑሎም ከኣ ዕግርግር ፈጢሮም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ክፍትኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቶም በዅቢኾም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ መስቀላዊ መንገዲ እዮም ዝርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልይ ምእንጋድ ከኣ ድዅዕን ማይን ምዃኖም እዩ።

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ግጭት ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ሪክ ማሻርን ናይ ስልጣን ቁርቍስ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ምስ ኣብጽሖም፣ ነቲ ግጭት ናይ ዲንቃን ንውየርን ዓሌታዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዙ ዳርጋ ተዓዊቶም ክብሃል ይከኣል። እቲ ዝሞተን ዝተመዛበለን ኣሽሓት ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ውጹዕ ህዝቢ እዩ። ናይ ስልጣን ክርክሮም ብዝወልዖ ሕድሕድ ውግእ ህዝቢ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዓሌታዊ ግንባራት ሒዙ እናተጣፍአ፣ እቶም መንቀኛታት መራሕቲ፣ ኣብ ርእሰ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ሰላምታ ዝለዋወጡ ኸኣ፣ እቲ ዓሌታዊ ስምዒት ወገናቶም ፍታሕ ስለዝረኸበ ዘይኮነስ ናይ ስልጣንን ስስዐኦም ብምምቕራሕ ስልጣን እንተ ብኸፊል እንተ ብምሉእ ረውዩ ልቦም ምስ ረግአ እዩ። እቲ “ጠፋእካ፣ ንርእስኻን ወገንካን ተኸላኸል” ተባሂሉ ዝተለዓዓለ ምስኪናይ ምልሻ ኸኣ፣ ቡቝሊ ጸልኢ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ፣ ከይተኣማመነ ብረቱ ኣውሪዱ ከም ቀደሙ ድኽነቱን ወጽዕኡን ይቕጽል።

 

2ይ – ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ሞራላዊ ውድቀትን ሕብረተሰብና 

 

እቲ ካልኣይ ነዚ ኣውራጃዊ ስምዒትን (ከም ብሄራውን ሃይማኖታውን ዝኣመሰሉ ፍልልያትን) ዘጓሃህር ዘሎ ኩነታት፣ ሞራላዊ ወድቀት ሕበረተሰብናን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይ ኣማራጺ ባዶሽ ተፈጢሩ ምህላዉን እዩ። እቲ ብዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጺዑ ዘሎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ናይ ሓባር ራእይ ኣማዕቢሉን ንጹር ስትራተጂ ስኢሉን ነቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ክምክት ዘኽእሎ መሪሕነት ስለዘይረኸበ፣ ኣብ ድንግርግር (Confusion) ይርከብ ምህላዉ እዩ እቲ ጸገም።

 

ሰለ’ዚ፣ እቲ ብተስፋ ምቝራጽ ተሰኒፉ ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ፊትንፊት ናይ ምግጣም ርእሰምትእምማን ዘጥፍአ ክፋል ሕብረተሰብና፣ ኣብ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ወሪዱ ካልኦት ናእሽቱ ሓሳባዊ ጸላእቲ (Imaginary Foes) ይፈጥር ‘ሞ፣ ከይተፈለጦ ሰራዊት ምልኪ ኮይኑ ክንሱ “ይቃለስ ኣለኹ” እናበለ ነብሱ የደዓዓስ፣ ብግብሪ ግን ኣብ ዕንወት ይጽመድ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ከለኻ ብሕልሚ ትኸይድ ዘለኻ ዝመስለካ፣ ኣካይዳ ሕልሚ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ብሕልሚ ዓራት ዘይስበር ምዃኑ፣ እንተ በዚ ዓያሹ ክተኽሉዎ ዝፍትኑ ፍልልይ ግን፣ ንሓዋሩ ሃገር ናይ ምዕናው ግደ ዘለዎ ስምብራት ክተርፍ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ዓገብ ካብ ምባል ስለዘድሓርሕር፣ ውሑዳት ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ስምዒታውያን ጥሩፋት ነቲ ባዶሽ ክመልኡዎ ይቀላቐሉ። ኣብ መንጎ’ቲ ሓቀኛ ናይ ለውጢ መስርሕን ዕላማን፣ ጥሙሕ ውልቀምልካዊ ስርዓትን ዘሎ ጋግ መሊሱ ይርሕብ። እዚ ፖለቲካዊ ምንቍልቋል’ዚ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ቅብጸት የውርዶ። ነቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ይልቅበሉ። ስቓይ ህዝቢ ድማ ይናዋሕ።

 

ምስ ሓፈሻዊ ባህርይ ደቂ ሰብ ብምንጽጻር ዝያዳ ንምርድኡ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምዕራብ ዓለም ከይተረፈ ብሰንኪ ውድቀት ቁጠባዊ ስርዓት እቲ ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከብ ህዝቢ፣ ገንዘብ ክሓጽሮ፣ መነባብሮ ክጽግሞ፣ ስራሕ ክስእን ከሎ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቶም ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ዝርከቡ ስደተኛታት ክዅንን ክጻባእን እዩ ዝስማዕ። እቶም ስደተኛታት ካብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ካብ ዝወስዱዎ ነቲ ሃገር ዝህቡዎን ዘገልግሉዎን ከምዝዓቢ ኣሃዛት እናምስከሩ ኸለዉ ከይተረፈ፣ ግዳይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኮይኖም ይሳቐዩ። ነቲ ሓቂ ክገጥሙዎ ዝጸገሞም ውጹዓት ጽውጽዋይ ፈጢሮም ኣንጻር ካልኦት ከምኣቶም ውጹዓት ይሕንሕኑ። ነቲ ካብ መንግስታዊ ጸገማት ዝብገስ ወቐሳታት ናብቶም ዘይጓድኡ ግዳያት (ስደተኛታት) የዝብሉዎ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ንቡር ግዜ ዋጋ ዘይህቦም፣ ነዚ ሃዋህው ‘ዚ ዝጥቀሙሉ ጣቋ ዘይብሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ከኣ ዕድል ረኺቦም የሽካዕልሉ።

 

እቶም ክብል ኢልና ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ቀጸላታት ‘ውን፣ ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ውድቀቶም ዝተፈጥረ ቅልውላው መዝሚዞም እዮም ነቲ ኣውራጃዊ ኮነ ካልእ ስምዒታት ናይ ስልጣን ቍርቍሶም ብዘርብሕ መንገዲ ዝጥቀሙሉ። ዓማጽን ተዓማጽን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሓደ መንገዲ ጥፍኣት ይራኸቡ። ምስኪናይ፣ እቲ ግዳይ ምልኪ ዝኾነ ህዝቢ፣ ዱዅዒ ምልኪ ይኸውን ማለት እዩ።

 

ናብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ኣውራጃ ምስ እንምለስ፣ ልዕሊ ኹሉ፣ ከምቲ እቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምምሕዳር ኣውራጃታት ብስርዓት ህግደፍ ተቐይሩ ብዞባዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዝተተክአ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ምሕዳራዊ ዞባታት፣ ጽባሕ ብኻልእ ክቕየር ወይ ‘ውን ናብቲ ናይ ቀደም ኣውራጃዊ ኣከፋፍላ ክምለስ ከምዝኽእል እንኣምን እንተደኣዄና ኸ እንታይ ኮለል ዘብል ኣለና፣ ናብቲ ዝኸበደ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ብምምጻእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ዕማም ዘይነተኵር። ሕጂ ‘ውን እምብኣር ክብ ኢለ ከምዝጠቐስኩዎ፣ ከምቲ ምስቲ ዝዓበየ ተጻባኢ (ውልቀምልኪ) ክንገጥም ርእሰምትእምማን ስለዘጥፋእና ናእሽቱ ጸላእቲ ኣብ ምንዳይ ዝወደቕና፣ ነዚ ዝዓበየ ዕላማ ለውጢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ጌርና ስለዝረኣናዮ፣ ነቲ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ምፍታሕ ትርጉም ዘይብሎም (እኳ ደኣ መሊሶም ዝሓላልኹዎን ዘናውሑዎን) ናእሽቱ  ዕላማታት ሃሰስ ምባል እዩ ዝኸውን ዘሎ።

 

ኣብዚ ንእግረ መንገድና ካብቲ ህግደፍ ንኣውራጃዊ ብዞባዊ ምሕደራ ኣብ ምትካእ ዝወዓሎ ጌጋ ክንቀስሞ ዝግባእ ተመክሮ ከምዘሎ ምጥቃስ የድሊ። ንሱ ኸኣ፣ ከም ኩሉ ፖሊሲታቱ፣ ነቲ ሓዱሽ ምሕዳራዊ ቅርጺ ምስ ህዝቢ ከይተላዘበን ንህዝቢ ከየእምነን ብሓይሊ ምትእትታዉ ኣዕናዊ ከምዝነበረ እዩ።

 

ማይ ክዖ ከም ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምውሳዱ ሓቂ እንተኾይኑ መስሓቕ እዩ። ምምሕዳር ህዝቢ ብማይ ክዖ ዝውሰነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ርዱእ ኣይኮነን። ሰብ ከም ማይ ዓቐበት ምውጻእ የጸግሞ እዩ ዝበለ  መን እዩ? ቁልቁለት ኣብ ምሕደራ ማይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን፣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከም ምርኩስ ምጥቃሱ ግን መዕጸዊ ኣፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትርጉም የብሉን። እቲ ብህግደፍን ደገፍቱን ብወረወረ ዝነፈሰ፣ “ኣውራጃዊ ፍልልያት ንምህሳስ” ዝብል ምኽንያት ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልያት መሊሱ ከምዝበኣሰ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ካርታ ኣብ መሬት ስለዝደምሰስካ ስምዒታት ካብ ኣእምሮ ይሃስስ ማለት ኣይኮነን።

 

ማዕረ ማዕረ’ቲ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኣሳሲርና ዝረኣናዮ ፍሽለት ፍልስፍና ሓይሊ ህግደፍ እንግንዘቦ ካልእ ሓቂ ‘ውን ኣሎ። ፍተዎ ጽልኣዮ፣ ሓደ ካብቶም ምስ ንጡፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ስልጣኔን ተኣሳሲሩ ዝኽሰት ተርእዮ፣ ምጽባብ ሕብረተሰባዊ ፍልልያት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብና ሕድሕዳዊ ምትእምማን እናጥፍአ ሰበይ ሰብካ ክብል ምርኣዩ ኸኣ፣ ጎኒጎኒ ‘ቲ ፖለቲካዊ ጥፍሽናኡ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባዊ ምዕባለ ይኹን ደረጃ ንቕሓቱ ካብቲ እዋን ናጽነት ንዝበዝሐ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ፣ ናብ ጓል መንገዲ ካብ ምእላይ ተጠንቂቕና ኣብ ኣደ መንገዲ ጸኒዕና፣ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ፍሽለት ሃገርን ፍልልያትን ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓባር ናይ ምቕያር ጻዕሪ ብህጹጽ ክንትግብሮ ተወሳኺ ምኽንያት ይኾነና።

 

ኣብዚ ኣሽንባይ ዶ ብኣውራጃታት ተኸፋፊልና፣ ከም ሃገር ደው ምባል ጸጊሙና ረይረይ እንብለሉ ዘለና እዋን፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምሕሳብ ዕንወት ጥራይ እዩ ትርፉ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎን፣ ተስፋና እናጎደለ ብዝኸደን ‘ውን ፣ ፍልልይና ኣብ ኣውራጃ ደው ከብል ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ። ከከም ምጽዕጻዕ ሽግርናን ስንፍናናን፣ ከምቲ ካብ ሃገር ናብ ኣውራጃ ወሪድና ክንዛረብ ጀሚርና ዘለና፣ ካብ ኣውራጃ ናብ ወረዳ፣ ካብ ወረዳ ናብ ዓዲ፣ ካብ ዓዲ ናብ ማይቤት ወሪድና ክንፈላለ፣ ፍልልይና ድማ ፍልሖ ኮይኑ ክበልዓና ክነበር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

 

እምብኣር፣ ነታ ቆለ ስልጣን ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝፈጠራ ናይ ህልቂት ማሽን ዘየአንግድ፣ በዚ ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ዝፈጠሮ ሕንፍሽፍሽ መኣዝኑ ዘየጠፍእ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ይምጻእ፣ ብኣውራጃውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፕሮፖጋንዳታት ከይተታለለ፣ ስምዒቱ ተቖጻጺሩ ነንሕድሕዱ ምጽውዋርን ምክብባርን ከምዘዋጽኦ ዝፈልጥ፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣምን፣ ነዚ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ናይ ምጕናጽፍ ቃልሱ ካብዚ ወገናዊ ጽልዋታት ሓራ ገይሩ ሃገራዊ መትከላት ዘቐድምን ዘጽንዕን ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣድማሳዊ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ኣብ ክንዲ ወገን ክኾኑና እዮም እንብሎም ውልቀሰባት ምንዳይ፣ ንመላእ ህዝቢ ብማዕረ ክናቢ ዝኽእል ልዕልና ሕጊ ዘሳሲ ስርዓት ምትካል ዓንዲ ማእከል ምዃኑ ተገንዚብና፣ ክሳድ ንምሓዝ ናብ መጻኢ ኣተኵርና ክንሰርሕ ይግባእ። ንታሪኽ ክንመሃረሉ እምበር ክንቅምቅሞ (Edit ክንገብሮ) ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፣ እንተስ መሲሉና እንተስ ክዉን ኮይኑ ንዝሓለፈ ፍጻሜታት ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ኣውንታዊ ኣገልግሎት ብዘለዎ ሃናጺ መንገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

 

12 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
148 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra November 18, 2014

    ሰላማት ደቂ ኤረይ!
    ቅድሚ ቁሩብ ሰዓታት, ምስ ሓደ ኣብርሃም ዝበሃል ዓርከይ ብቴልፎን ዕላል ከፊትና። ክገርመካ ካብ ሓደ ሚትንግ ‘የ ሕጂ ወጺአ ኢሉ ይጅምር። ብዛዕባ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውጥን ‘ዩ ኔሩ ትሕዝትኡ ይብል። እታ ካምፓኒ ኣበይ ክትበጽሕ ከምዘለዋ ‘ዩ ኔሩ። ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ ግን እንታይ ከምዝነበረ ጠሪሰ ኣይሰማዕኩን: ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ክሓስብ ይብል። ርግምቲ ስጋ! እምበኣር ናይ ዓድኻ ጌርካያ? ኣንታ ወገናዊ ድማ በልኩዎ። እሞ ንከምዚ ወዲ ከምዚ ኢና ወገናውያን ንብል ኢሉ ድማ መሊሹለይ-እዝርጉም ወገናዊ። ከመይ ደኣ በልኩዎ። እሞ ብዙሕ ጌጋታት እንዲና ደኣ ንፍጽም ዘለና ድማ በለኒ።
    ኣንበብቲ ወገናዊ ከይትብልው ጥንቅቕ ምባል ከድሊ ዩ። ኣነ ግን ዓርከይ ስለዝኾነ ሸለል ኢሉኒ ዩ ሓሊፎ። ስጋብ ኣብ ካል ኣይ ግዜ ንራኸብ።

    • FAILED PEOPLE November 18, 2014

      MightyEmbasoyra aka Simon G;

      ንምንታይ ኣንታ ወገናዊ ኢልካዮ ተጋጊኻ።ኣነ ከም ዝመስለኒ ናይ ዓድና ይሓስብ ኔረ ክብለካ ኸሎ፣መንዩ እቲ ዝቕጽል ፕረሲደንት ካብ ሰገነይቲ ዶ ይኸውን ካብ ሰንዓፈ ኢሉ ይሓስብ ኔሩ ከይከውን ? ካብ ሳላሳ ዓመት ዝፈልጦ ሰረወታይሲ እዚ ትማሊ ዝፈለጥኩዎ ወዲ ሃይካ ስራሕ ከእትዎ ኣለኒ ኢሉ እንተሓሲቡ ኢኻ ወገናዊ ክትብሎ ትኽእል።ወይ ድማ ኩናማን ዓፋርን ክቕተሉ ኣበይ ኔርካ ሕጂ ናይ ዓድና ዘተሓሳስበካ ድሩዕ ካብ ዝእሰር ድዩ ዓድና ኣቢሉካ ኢልካዮ እንተዄንካ ግን ምሳኻ ኣለኹ።ግመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ ኣይክኣልን እዩ።እሞ ኩሎም ኣውራጃን ብሄርን ዝርእይዋ ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ ኣይክኣልን።ውቱዕ ዝብሃል ኣውራጃ ድማ ናይ ኢሳያስ ናይ ደቂ ሓማሴን ወገንነት ተቓዊሙ ማዕርነት ከስፍን ዝደሊ እዩ እምበር ከም ቃኘው ወዲ ድባርዋ ኣውጺ ኡ ወዲ ትኹል ዘይሓዛ ዝጉሂ ፈላላዪ ኣይኮነን።ስለዚ ምሳኻ ኣለኹ።

      • MightyEmbasoyra November 19, 2014

        ትሩፋ ህዝቢ፥
        ‘ዛስጓኻ ኣይጠዓመትን። ውዱቕ ህዝቢ ክትብል ከሎኻ ‘ኳ ውድቕቲ ሃገር ማለትካ ‘ዩ። እዚ ግን ግዝያዊ ‘ዩ: ክሓልፍ’ዩ ድማ: ወዲ ምሕረቱ ሓወይ።
        ኣብ ሕቶኻ ክምለስ ግን: እወ ከምኡ ኢለ ምመለስኩሉ ኔረ ንኣብርሃም ዓርከይ: የግዳስ ወዲ ዓዲ-ተከሌዛን ኮይኑ። ኬፍና ሴርካዮ ሕጂ። በል ናብዛ ናይ ጽሬት ስራሕና ክንከይድ (ቢያንቶኒ ማለተይ ዩ)።

        • Ahmed saleh November 20, 2014

          Waza ms kum Neger , nicely said .

    • Mahta November 19, 2014

      Mighty arkey…don’t worry being wegnawi by itself is not a crime. The problem comes, while it clear is that they learned it at home they try to justify their wegnawenet by blaming others.personally I don’t have a problem if someone decided to fight hgdf With his deqi awraja only. All I can say is eti mengedi cherqi yegbrelekum…Rasta can be merahi ganta, you as a foreign minster,woldu tekle as aboy romadan…..but don’t point fingers at us if you failed!We think unity is the best option but if you believe otherwise it is a free world.

      • MightyEmbasoyra November 19, 2014

        Brother Mahta,
        Do you even read what I wrote? When you see my nickname, you automatically go to your favorite and default mode – blaming. I don’t know Rasta but if he is even as half good as Woldu Tekle, I am very honored you put me in their category. From past writings, Woldu seems very articulate – I am sure you haven’t read them at all. Thank you though. Since your head seem to get hot easily, I will personally design a heatsink for you, just to cool you down, because I still see you as my brother.

  • FAILED PEOPLE November 18, 2014

    Simon G;

    ሓው ምሳኻ ኣለኹ፣ብዛዕባ ቕንኢ ናይ ኣከለጉዛይ ምስ ናይ ይሁዳውያን ዘውሃሃድካዮ።መብዛሕትኡ ወዲ ካልእ ኣውራጃ እውን ናይ ዓድና ኣይሁድ እዩ ዝብሎም….ንባዕሉ ከምቲ ናይ ኣከለጉዘታይ ኣብ ድሩዕን ኮኦኔል ዑቕበ ሃይለን ዘለዎም ፍቕሪ ፣ኣብ ጰጥሮስ ሰለሙንን ስብሓር ኤፍሬምን ዳቂ ዓዱ ስለ ዘይብሉ እዩ።እቲ ካልእ ኣውራጃ ንኣከለጉዛይ ከርክቦም ሓንቲ ኤነትረን ኩንታል ኩዕንትን እያ ትተርፎ ፣እሞ ምሳኻ ኣለኹ።ካልእ ከምቲ ኣከለጉዘታይ ምሁር ስለ ዘይኮነ እዩ ቅንኢ ናይ ሰብ ወሰን የብሉን።ንስኻ ነቲ እንዳሕማኻ ሰራየ እውን ከምኡ ጸላዕላዕ ከም ዘብለካ ኣይጣራጠርን።መፍትሒ ክንረኽበሉ ይትምነ ኣነ።

    • WaEro November 18, 2014

      Cow face
      When are you going to leave us alone. How many names have you used so far?

  • Truly Truly i say to you November 18, 2014

    ኣይተ ዘርባእባእ ከምሽምካ ዘርባእባእ ኣይትበል። ኣነ እቲ ስርዓተ ሕጊ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ሂዘ ክጽሕፍ ብደይምክኣለይ ደይኮነ ዝትቀንዘውካ፣ በቲ ዘቅረብኮዎ ሃሳብ ስልዘቀንጠውካ ምዃኑ ገጢመካ ኣለኹ። ኣነኮ ለይቲን መኣልቲን ድቃስ ዝከልእ ክፉእ ዕድል ሕዝብና ብዘይ ኢዱ ስልዘጛነፎ ብህርቃን ክጽህፍ ተገዲደ እንበር፣ ብቀደምውን ብሰርዓተ ሕጊ ሰነ ጽሑፍን ብቅዓት ኣለኒ ኢለ ኣይኣወጅኩን። ከሞኡውን ንሰባት ክማርኽን ክዋራዘየሎምን ኢለ ኣይኮነን መልዕክተይ ዝልእኽ ዘለኹ። ንምዃኑ ኣብ ክንዳይ ኮይኑ ሓው ብንያም ግርም ገሩ መሊሰልካ ስለዘሎ፣ ከምቁንገር ወሲደ ክምልሰልካ ኣይደለኹን ነረ። ግናስ እቲ ከምዚ ኢልካ ብዛእባይ ዝገልካዮ ሃሳብ፦ “ትሩሊ (Truly) ኣብቲ ህድሞኻ ኬድካ ኣደናግር። ንዓና ንኤርትራውን ኢትዮጵያውን ንምፍላይ ቀሊል እዩ። ከም ኢትዮጵያዊ መጠን ኣብ ገዛ ተጋሩ ኬድካ ድላይካ ክትዛረብ መሰልካ እዩ።” ንዝብል ምስነበብኩ እግረመንገደይ ነቲ ክገልጾ ዝደለኹ ሓሳብ መንገድ ስለዝኸፈተለይ እናመስገንኩ፣ ኣንታ ሓውና ከምዚ ከማይን ከምድከማይን ኤርትራዊ ተመሲሉ ስለዘደናገሮም እንድዩ በዓል ራስታ(Rasta፣)ቱ፡ፓክ(To-pack) ጎርጎርዮስ (Gorgorios)ወዘተ ኣውራጃውያን ስለዝኾኑ ደይኮነ ምእንቲ ካብዞም ኤርትራውያን ተመሲሎም ንዝኾነ ኣኼባ፣ዋዕላ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኤርትራዊ ሃድነት ዝብትኑ ካብዘለዉ ደቂ ብሪ፣ ደቂ ኣርበኣ ተወልጄ፣ ብሃጺሩ ናይ ኤርትራ ነጻነት ካብዘይውሃጠሎም ኤርትራውያን ዜግነት ካብዘለዎም (መበቆል ደቂ ትግራይ) ንምልላይ ከም መፍትሒ ሓሰብ፣ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ምትእምማን፣ ጽኑእ መሰረት ዘለዎ ሕብረትን ስምረትን ምእንቲ ክትከል “ኩሉ በብኣውራጁኡ ተወዲቡ ምሥቀርብ እዩ እናበሉ ኣብ ፓልቶክ ሓሳቦም ዘቅርቡ ዘለዉ። ደይስማእካዮ ተኾይንካ ኣብ መስከረም ኔት እቲ ቪድዮ ተጠቂኡልካ ኣሎ ስምኣዮ። ብፍላይ ግዜ ተዘየብልካ እንተዋሃደ ነታ ማእከለይቲ ቪድዮ ጥራይ
    ስምኣያ። እሞ ሃቂ ተለካ ኣነ ኾነ ንስኻ በዛ ሓሳብ´ዶ ንስምማእ? ኤርትራዊ ተመሲልና ምእንቲ ንካልዖት ከይነደናግሮም?
    ክቡራት የሕዋት ኣነ ከምዚ ኢለ ክጽሕፍ ከለኹ ነቶም ሃደ ተንኮል ንዘየብሎም ካብ ደቂ ትግራይ ንዝውለዱ ጨዋታት ኤርትራውያን የሕዋተይ ንምትንካፍ ከምደይኮነ ክትርዱእለይ እፈቱ። ኣንውን ተኾይነ ምስ ኢትዮጵያውያን ዝተዛመዱ ብዙሓት ናይ ስጋ ኣዝማድ ኣለውኒ´ኮ። ምስኣቶም ዘለኒ ፍቕርን ሕውነትን ኣብቦቱኡ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ግናስ ኣንጻር የሕዋተይ ዝተሰውኡሉ ዕላማ፣ ኣንጻር ሃገረይ ብዝኮነ ወገን ናይደም ዋጋ ዝተከፈለሉ ነጻነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩ ምሥርእይ ግን፣ ኣጽቅጥ ኣቢለ ክርእይ እየ ማለት ኣይኮነን። በዝ ጉዳይ ኣይኮነን ምስ ኣዝማድ ዋላ ምስ ሃወይ ዋጋ እዳጋ ኣይገብርን። ስለዝኾነ ኣይተ ዘርባእባእ ሃቅነት ተለካ ነታ ኢሳያስ ብዛእባ መበቆል ኣድኻ ምዝራብ ከም ነውሪ ኣብ ኣዲ ዘተኣታታዋ ናይ ተንኮል ሓሳብ ስልዝትድግፋ እዩ መስለኒ፣ “ነነፍስኄር ወዲ ቫካሮ መዘከርታ ተገሩ” ኣብታ ትብል ትሒት ኢላ ዝቀረበት ዜና ከምዚ ኢልካ ብምጽሓፍ “መስኪናይ ወዲ ቫካሮ ፤ ዓሪፉ እምበኣር፧ ንኢሰያስ ከየቕተሎ ሞይቱ ~ ኣችደንተ ~ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን።” ኢልካ ብምጽሓፍ ከተባጭወሉ ዝፈተንካ። ምኽንያቱ ነፍስኄር ወዲ ቫካሮ ብዛእባ መንነት ምዝራብ ሓጥያት ኣይኮነን እናበለ ይስብክ ስለዝነበረ። ብካልእ ኣዘራርባ ኣዲ ዘለዎ ብነፍሱ ዝተኣማማን ጥራይ እዩ ነዚኣ ሓሳብ ዝድግፋ ማለቱ እዩ። ነዚኣስ ትድግፋ´ዶ ኣይትድግፋን?

    • ERITRAWIT November 19, 2014

      Truly,
      Zerbaba da beyenay mstwal kmlsa eza tbla zeleka.

      • Ahmed saleh November 20, 2014

        Truly
        I just read his comments about Wedi Vocarro and
        can tell his sinister motives including towards you .
        I hope assenna learn from awate to preserve the quality
        of this forum . Coming with undetected pen names only
        create disturbance among participants .

  • Eritreawit November 19, 2014

    From the beginning of Eritrean fight for freedom, you two power hungry awrajas are responsible for this all mess we Eritreans in right now. You better quite your computations, accusations, and I’m the best I’m the best nonsense

  • oromay November 19, 2014

    ስምዒታውን ኣይንኹን! ስምዒት ነገራት ከይተመዛዝን ዝኽልክ ናይ ዕቕሊ ጽባትን ናይ ትዕግስቲ ሕጽረትን ምልክት እዩ። ን30 ዓመታት መሪሕነት ሻዕብያ ብደጋዊ ስርዓተ ደስነት መንጠሊና ተኸዲኑ ውሽጣውሽጢ ግና ሰባት ነንሕድሕዶም ከይተኣማማኑ ምጥርጣርን ፍርሕን ከምባህሊ ኣብ ኣእምሮ ክምዝሰርጽ ገይሩ’ዩ። ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ቀይሩ ህግደፍ ምስ ኮነ ድማ ብሰፊሑ ኣብ ህዝቢ ራዕድን ምድህልን ከምዝላባዕን ንዝነበረ ስነ ምግባር ብሓሶትን ተንኮልን ብምትካእ ብዙሓት ሕልና ኣልቦ ሰባት ኣፍሪዩ እዩ። ብኸምዚ ኣነዋሪ ተግባር ዝተገዝአ ኣእምሮ ንሓቂ ብግልባጡ እዩ ዘንብብ ዓዲ ጽቡቕ ኣላ መንተ መሊኡ ኣሎ መንግስትና ኣብ ልምዓት እዩ ዘሎ መንግስቲ ኣመሪካ ምስራሕ ከሊኡዎ እምበር። ጅሆ ስለዝኾኑ ድማ ሓቂ ስለዝመስሎ ከም ባባጋሎኒ እዩ ነቲ ዝተባህሎ ዝደግሞ። ተጠንቀቀሎም ፡ ተላዒሎም ከጥፍ ኡኻ እዮም ወዘተ ወዘተርፈ፡፡፡ ሓደ በቲ ጽዩን ተግባራት ህግደፍ ዝሰከሔ ተጋዳላይ ብ2001 ከምዚ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ “ኦ! ኤርትራ ሃገረይ ማህጸንኪ ሓሳውን ሰራቕን ከትወልድ እምሕጸነኪ ኣለኹ” ካብ ምረት ዝተላዕለ። ሓደ ኣቦ ድማ ህግደፍ ዝሰረቖ ኣእምሮን ኤርትራን ህዝባን ከመይ ገይሩ’ሞ ከድሕን ክሓስብ።
    ኣእምሮኡ ዘይውንን ከመይ ገይሩ እዩ ናጻ ክሓስብን ብርእሱ ክተኣማመንን ይትረፍ ንኻልእ ክኣምን። ስለዚ መጀመርያ ሓቒ ክረኣየና ሕጽበተ ኣእምሮ ከድልየና እዩ። ከምቲ ኣብ ቤተክርስትያን ካብ ሕጥያትካ ነጺህካ ቑርባን እትቕበል።

  • Adulis November 19, 2014

    There is a problem though. Those 4th,3rd and 2nd generations of Eritrean Tigray origin including Jeburti have been discriminated by Kebessa for centuries. I know a person who born in Asmara from Tigray parent was deported by Woyane. His brothers advised him to stay in Ethiopia but he chose to be deported to Eritrea leaving behind a paid home, a son and Eritrean wife. The discrimination is not by policy but by the fact that land owned by Adi always stay with dekebat. The first thing the Kebessa’s parent asks when a man wants to marry their daughter is, “where is his mebokol (Adi)?” instead of asking if he is educated or owns a business.

    By the same token, I hear a story currently happening in one of the Adis that a disabled EPLF veteran is being denied residential land simply because his claim is through his mother and still his father is Eritrean. A local court decided in favor of the sinkul tegadlay. However what shocked me is deki Adi and the diaspora hail from Adi started contributing money to appeal and reverse the local court decision. The fighter lost his limbs during the war for independence. The majority of diaspora lived in the West for more than 20 years haven’t changed. They dream of building Merbaa or rural home in their respective Adi as a sign of pride. They haven’t embraced Eritrean nationalism as their first identity yet. Thy wedi adikas ab mehraka yegdefeka yeblu. Our parent did not go beyond Adi mentality.

    Young generation should not entertain backward practices. Great nations allow land to be bought and exchanged among citizens. Why should we keep Adi (the promised land) or religion as our identity? We freed our land from oppressors by paying heavy sacrifices. Let’s free ourselves mind from backward mentality!

    • bielo November 19, 2014

      ኣዱሊስ

      ዝኾነት ሃገር ናታ ፍሉዩነት ኣለዋ። ዝኾነ ሕብረተ ሰብ ነናቱ መፍለጢ ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ዓዲን ምስ ዓዲ ዝተሓሓዝ ስምዒታዊን መንነታውን ቅርርብ ኣብ ሃገርና ድማ ሓደ ካብኡ እዩ። ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንዓዲ ትርጉም ይህቦ እዩ። ኣብ ኤርትራዊት ዓዲ ምስኩር ጤሳ ዘይብሉ ሰብ ብሕጊ መንግስቲ ዜጋ ግበሩዎ ክበሃል ይከኣል እዩ። ኣብ ልቢ’ቶም ደቂ ዓዲ ግን ፈጺሙ ቦታ የብሉን። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ,,,,,,,,,,,,፣ክኸውን ኣይነበሮን,,,,,,,,፣ ኣብ ጀርመን ከምኡ የለን ገለ እናበልካ ብዙሕ ክትዕ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ቅኑዕን ፍትሓውን ድማ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ባህልን ኣቃውማን ኣየፍቅድን እዩ። ኣብ ዓዱ መጺእካ ድማ ንሓደ ሰብ ኣብ መሬትን ዓድን ዘለካ ባህሊ ቀይሮ ምእንቲ ኣነ ወዲ ዓዲ ክኸውን ኣይትብሎን ኢኻ። ድምር ናይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ናይቲ ህዝቢ ንዓዲ በዚ ንስኻ ትሓስቦ ዘለኻ ቅኑዕ ክሳብ ዘይሓሰበ ግን ”ደቂ ዓዲ ክንከውን ደሊናስ፣ ኣብ ዓዲ ዘለኩም ርድኢት እባ ቀይሩዎ” ምባል ኣይግድን። ንምኻኑ እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኣነ ኣይርዳኣንን እዩ,,,,,,,,,,,,,, መበቆል ዓድኻ ዓድዋ ወይ ሽረ እንተኮይኑ ኣብኡ ኬድካ ወዲ ዓዲ ዘይትኸውን,,እንታይ ሽግር ኣለዎ,,, ኣብ ኤርትራ ከምዛ ዝበልካያ ኢያ። ይመሃር፣ ኣብ ኣመሪካ ይስፈር፣ ከጥዕም ኢሉ ደሓን ኢሉ ይቀበልካ,,,,,,,,,,,,ኣብ ውሽጢ ግና ኣላ። ከም ናቱ ኣይቆጽረካን እዩ።

    • Hanti-Eritra November 19, 2014

      “A local court decided in favor of the sinkul tegadlay. However what shocked me is deki Adi and the diaspora hail from Adi started contributing money to appeal and reverse the local court decision. The fighter lost his limbs during the war for independence.”

      Adulis

      An Eritrean who lost his limbs during the war of independence has every right to have a piece of land in lands allocated for cities anywhere with all the necessary support from government. Insisting on Adi or tribal land is unnecessary complication.

  • ahmed saleh November 19, 2014

    DUHUR HIBRETESEB DIHUR ATEHASEBA TENKI SHIGR HAGHERNA MUKHANU
    KULNA KNGHENZEBO ZELEWO GUDAY IYU . GHUDAY HAMASSIEN -AKELE
    ZEYKONES ITU SUR AB KULU ZITEMAHALALEFE IYU . AB ZIHALEFE
    UWAN ZESTEBHALNAYO GUDAYATN IZI NIRIO ZELENA MELELYI BAHRYAT
    DIKHMET ERITRAWIAN IYU . Sorry I am out from the nonsense .
    Our forefathers said ” AB ZEYSEMEAKA DEBRI AYTIMAHLEL ” .
    After 30 years of struggle and 24 years of oppression what
    else needed to open our eyes . I hope we the screwed up are
    the minority .

  • B. Michael November 19, 2014

    ዘርባዕባዕ
    ሓወይ ንስኃ፡ ሞት ይሓይሥ፡ መበቆሎይ ፍሉጥ ኢዩ!
    ሓውካ ከማኃ ደኣ ኣናዲ፡ ንኣኃ ዶ ክንሕዝ ነቲ ከምኡ ክትህውትት ዚፈቕደልካ

  • HGDF November 19, 2014

    ወይ ጉድ፦ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከኣ ኢልኩሞ እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ኣይኮነን፣ ካብኡ ኣዚዩ ዝጽበበ እዩ፣ ሎሚ ብኣውራጃና ይብሉ ኣለዉ ጽባሕ ከኣ ምስ ወረዳ እገለ ኣይተሰማማዕናን ናይ ወረዳና ንግበር ክብሉ እዮም፣ ድሕሪኡ ናብ ዓዲ ካብኡ ናብ እንዳ መውዳእታ ናብ ዉልቅሰብ ክጽርዩ እዮም። ኣብ ከምኡ ምስ ተከፋፈልካ ከኣ ሃገር ኣይኮነን ግራትካ እኳ ካብ ህበይ ከተድሕን ከምዘይትኽእል ምፍላጥ ከድልየኩም እዩ በዓል ኮንትመንቶ። ከይተበገስኩም ኣጋውናኹም ኣጽኒዑ ንዝከዓበኩም ህዝቢ ሕጂ ደስ ዝበለኩም ሺም እንተኣጠመኩሞ መን ከይሰምዓኩም። በንጻሩ ንነብስኹም ካብ ኩሉ ዚተረፈ ሕብረተሰብ ኤርትራ ትንጽልዋ ከምዘለኹም እንተፈለጥኩም ጽቡቅ እዩ። መግለጺ ናይ ድሑራት ድሑራት ምዃንኩም ከኣ ናይ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝነበረ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ገይርኩም ሕብረተሰብ ክትፈላልዩ ምፍታንኩም እዩ። ደቀርብዓ፣ ደቀባት፣ ደቂ ጊላ ደቂ ጎይታ ወዘተ ትብሉ ኣሎኹም። ንምዃኑ ኣብቲ ዘለምኹሞ ምዕቡል ዓለም ነዚ ናትኩም ኣተሓሳስባ ምስ እንታይ ከም ዝምደብ ትፈልጡዶ፣ ብናትኩም ኣተሓሳስባ ኦባማ ወዲ ብሪ ስለዝኾነ ንኣሜሪካ ይትረፍ ንኤርትራ ከማን ክመርሓ ኣይክእልን እዩ። ጸበልኩም ኣይልከየና።

  • "Ghebsi November 19, 2014

    POLITICS IS A SCIENCE OF GOVERNMENTAL STRUCTURE AND ADMINISTRATION OF THE PEOPLE BY THE PEOPLE OF THEIR OWN CONSENT AND INTEREST.I IS NATURAL THAT PEOPLE WOULD ADVANCE THEIR INTEREST AND BASED ON THAT ONE MAY THINK OF HIS FAMILY,VILLAGE, DISTRICT, PROVINCE AND THEN HIS COUNTRY, NOW BASED ON THIS PREMISE I WOULD PRIORITIZE THE BASIC INTEREST BEFORE ANYTHING ELSE.

    • HGDF November 19, 2014

      ሓንጎልኩም ስለዝጸበበ ብዛዕባ ኤርትራ ክትሓስቡ ከሎኩም memory full ይብለኩም ኣሎ። ይመስለኩም ኣሎ እምበር ጽበት ሓንጎልኩም ንኣውራጃ ኣከለጉዛይውን ክጸውር ዝክእል ኣይኮነን፣ ገና memory full ክብለኩም እዩ። ካብ ጸቢብ ማእዝን ተበጊስካ ጸቢብ ረብሓካ ከተተግብር ምፍታን ካብ ጠቅሙ ጉድኣቱ ከም ዘመዝን ምፍላጥ ከድልየኩም እዩ።

      • Simon G. November 19, 2014

        HGDF,
        Like your nickname, you are indeed HGDF. So, by that token, you guys own huge brain. The only thing that you know is to repeat what you have been told. You can’t even perform simple analysis on your own. The bandwidth of your brain is 10Hz, at the best.

POST A COMMENT