Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባጊርነት!

ባጊርነት! ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ

ባጊርነት!
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ክንጸረለይ ሓቲተ ኔረ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብእወታን ኣሉታን መልሲ ንዝሃብኩምንን ናይ ገዛእ ርእስኹም ዓለቕ (ርእይቶ) ንዝለገስኩሙለይን ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ከመስግን እፈቱ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ካብ መልስታትኩም ከም ዝተረዳእኩዎ፡ መብዛሕትኹም ሕቶይ ክፈልጥ’ምበር ክፈላሊ ከም ዘይደለኹ ዝበራሃልኩም’ኳ እንተኾነ ገሌኹም ግን እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ነቲ ሕቶ ባጊርነት ከተልብስዎ ከም ዝፈተንኩም ተገንዚበ። ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ቅድም ቀዳድም ከነጽረልኩም ዝደሊ ነገር፡ ኣነ ብዕድል ካብቶም ዓይኒ ኣንቊሖምን ምስ ግዜ ተጓዒዞምን ድሕረት ዝቐበሩ፡ ኣብ ሓንቲ ኤርትራን ምልኣት ህዝባን ዝኣምኑን ዕላማ ስውኣት ብግቡእ ዝርድኡን ብዙሓት ዜጋታት’ዛ ሃገር ሓደ ምዃነይ እዩ። ንኣይ ከምቲ ገሌኹም ዝተረዳእኩሞ መንነት’ዚ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ተራኡ ዝጻወት ዘሎ ጊላ ህግደፍ ኣይኮነን ኣገዲሱኒ! እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘሎዎ ሕሉፍ ጽልኢን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒትን ካብምንታይ ከም ዝነቐለ ንኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ሰብ’ዚ ኩሉ ንጥፈታቱ እንተ ደኣ ኣስተብሂልኩሙሉ፡ ፍጹም ኣስሓኮ ዘይብሉ! ነዚ ለዋህ ህዝቢ’ዚ ንምጉዳእ፡ ሓለፋ ካልኦት ኣባባት (ሰብ ውዕለት) ደማሒ (መላኺ) ድልውነቱ ዘረጋገጸ ዕሉል ብዓል ጋራ (ተጻይ)  ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ስለ ዝተረኣየኒ’የ። ካልኦት ዕሉላት መጸይቲ ደም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕበር ህግደፍ የለውን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ናይ ግርማ ኣስመሮም ዕሱብነት ግን ንእመት ስድሪ ኣላታ ብምዃኑ’የ እንታይነቱ ክሓትት ተገዲደ።
ቀደም ኣብ ሃገርና ብትሕተ ሃገራውነት ንዝሕመ ሰብ፡ ባጊር (ኣዝዩ ድሑር፡ ዘይስልጡን) እዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ። ሎሚ፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ሃገሪትን (መበቈል ዓድን) ዚፈላሊ ሰብ ግን ባጊር ዘይኮነስ እንስሳ’ዩ ዚበሃል። እዚ ግን ንኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ጽላል ሓንቲ ርያ (ባንዴራ) ዝማሓደሩ ኣህዛብ ጥራይ እዩ ዝምልከት’ምበር ሃገር ምስ ሃገር ኣይነጻጸላን’የን ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ ዓለምና ሎሚ ኣይኮነንዶ ንከም ከማና ዝኣመሰሉ ደቂ ሓደ ዘርኢን እንዳን ማለት ደቂ ቤጃን ሴምን ዝኾንና ኣህዛብስ ይትረፍ፡ ነቶም ብዝኾነ ይኹን መራኸቢ ዘይብሎም፡ ዝተፈላለየ ዝንዳኦም ኣህዛብ ኣመሪካን ኤውሮጳንውን እንተኾነ ከም ሓደ ስድራቤት ጠርኒፋ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ቀሪባቶም ኣላ! እዚ ስምረት ወይ ሓድነት ዝብሃል ዘይክማህ ኣጽዋር’ዚ ከኣ ንኹሉ ዘርብሕን ዘሐይልን ጸዳል (ብርሃን) ምዃኑ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዓድን ዓውድን መኘኽ ዝብሉ ሰባት እንተልዮም ከኣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ባጊራት ዘይኮኑስ ኣስዋር (ኣብዑር) እዮም ክጽውዑ ዘለዎም ማለት’ዩ።
ፍቑራት ኣሕዋት፡ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ቃልስና፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝሰረቱ፡ ሓድነት ዝዕጥቁ፡ ክብርን ምትሕልላይን ዝስንቁ ኮይኑ፡ መብራና (ዓላማና) ሓርነታዊት፡ ፍትሓዊት፡ ደሞክርያስያዊት፡ ማእገት (ፈታሽ፡ ኬላ) ዘይብላ፡ ብግብሪ ናጻ ዝኾነት፡ ብልጽግትን ክብርትን ኤርትራ ንምህናጽ ይኹን! እዚ ግን ንግዕዙይን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራን ኣካይዳን ምልኪ እናወደስካ ዝርከብ ነገር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓገራ (ራኢ፡ ትልሚ፡ ውጥን) ስውኣትና ክፍጽም ድሌትን ተወፋይነትን እንተርእዩ ክንድግፎ፡ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን መገዲ እንተ ቐጺሉ ኸኣ ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ቀውፍና (ተቓውሞና) ኣብቲ ንሃገርና ናብ ጥፍኣት ዚሸማ ዘሎ ፖሊሲኡ እምበር ኣብ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ። ስለዚ፡ ውልቃዊ ጽልእን ቅርሕንትን ኣወጊድና፡ ብቕንዕና ገባር ኩፉእ እናወገዝና፡ ንገባር ጽቡቕ እናመጐስና፡ ንሰብ ልባብ (ፈረስ ንየማነ ጸጋም መታን ከይርኢ ኣብ ገጹ ዚውደ መጣምር) ኣስፊሖም ንኽርእዩ ዓቕምና እናበርከትና፡ ሃይዶ (መራሕ ዕውር) ብምዃን ክሳዕ ምሉእ ሓርነት ክንቃለስ ኣለና! ወዮ ደኣ ሰባት ብሙዃንና ብጹኡነት ይጐድለና ኮይኑ’ምበር ንዚተጋገየ ሰብ’ኮ ካብ ብምጽራፍን ብምድሃልንሲ ብሰደይ (ብጥዑም ዘረባ) ክንመኽሮ ከለና’ዩ ዝያዳ ዚርደኣና።
ሓላላት፡ ንእግረ መገደይ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ ሓደ ነግርውን ኣሎ፡ ቃልስና ኪኖ ምእላይ ምልኪ ኪኸይድ ኣለዎ። ነቲ ውርዙይን ክቡርን ባህልና ዝብልል ዘሎ፡ ፋልሉነት ህግደፍ ክንኩንኖ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕልያን (ብላዕ፡ ጉቦ)፣ ኣያ በያ፣ ግበረለይ ክገብረልካ፣ ስርቕን ምጥፍፋእን፣ ምድፋር ዓበይቲ ሰባት፡ ማለት ምዝንጣል፣ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ምዕቃብ ጽፉፍ ባህልናን ቋንቋናን ዝጠመተ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቲኹም ርእይቶኹም ክትህቡ ከለኹም፡ ብዝተኻእለ መጠን ጽሑፋትኩም ብቛንቋኹም ማለት፡ ብትግርኛ ከም ዚኸውን ግበሩ። ምኽንያቱ ቋንቋ፡ ብምዝራብ፡ ብምጽሓፍን ብምንባብን’ዩ ዚምዕብል። ምምዕባል ቋንቋ ኸኣ መሰረት ምምዕባል ሃገር ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ምሁራት ዝገልጹ። እቶም ኣብ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘሎዎም፡ ፍልጠቶም ንዘይፈልጡ ብምክፋል፡ እቶም ኣፍልጦ ዘይብሎም ድማ መሲናስ (ብሃብቱ ንስነ ጥበብ ዝድግፍ ለጋስ ሰብ) ብምዃን፡ ኩልና ቋንቋና ኣብ ምምዕባል እጃምና ከነበርክት ይግባእ። ስለዚ ብዝከኣለኩም መጠን ኣብ ክንዲ ቋንቋ እንግሊዝ ቋንቋኹም ተጠቐሙ። ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጻት፡ እንግሊዝኛ እንተተጠቐምኩም ግን ነውሪ የብሉን። ብትግርኛ ንዝጸሓፈ ጸሓፊ ብእንግሊዝኛ ክትምልሱሉ ግን ንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክንዲ ቋንቋ ኣደኹም ቋንቋ ባዕዲ ተማዕብሉ ስለ ዘለኹም።
ህግደፍ ንቋንቋናን ባህልናን ካብቶም ብቕድሚኡ ዝሓለፉ ዘለምቲ (ረገጽቲ፡ ጨቆንቲ) ስርዓታት ንላዕሊ፡ ከመይ ጌሩ ይቐትሎ ከም ዘሎ፡ ነቶም ናይ ቋንቋ ኣምር ዘሎዎም ሰባት ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ። እቶም ውድቀቱ ዘይበራሃልኩም ወይ ድማ ዘየስተውዓልኩሙሉ ሰባትውን ርሑቕ ከይከድኩም ነዚ ዘረድእ ክልተ ቀለልቲ ኣብነት ክጠቕሰልኩም ፍቐዱለይ፥ 1ይ፥ ነቶም ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽንብላቱ ግዜ ናይ መጽናዕቶም ብምሽማው ብግዴታ፡ ዝተፈላለየ ኣልባሳት ከዲኑ፡ ኣብ መድረኽ ዘላህዮም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንሳዕስዒቶም ምዕዛብ፣ 2ይ፥ ነቶም ምስ ህዝቦም ንኽላለዩን ብቕዓቶም ከመስክሩን ኢሎም ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ድምጻውያን ሃገርና፡ ዝደርፍዎ ግጥምታት ብጽሞና ተኸታቲልካ ናይ ቋንቋ ብስለቱን ሰዋስዋዊ ኣሰራርዕኡን ብምስትውዓል፡ ሃስያ ቋንቋና ንምርዳእ ዚከኣል ይመስለኒ። ከምቲ ግቡእ ግን ድምጻዊ ዚደርፍ ወይ ናብ መድረኽ ዚድይብ ሰለስተ ነገራት ንምፍጻም’ዩ። ንሳተን ከኣ ቀዳማይ፥ ትምህርትን ማዕዳን ንምሃብ፣ ካልኣይ፥ ህዝቢ ንምዝንጋዕ፣ ሳልሳይ፥ ቋንቋን ባህልን ንምምዕባል’ዩ። ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብዚ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ኣሎ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሜዳ ከሎ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ፡ ደሓን ዝኾነ ናይ ቋንቋ ኣንፈት ሒዙ ናብ ዓዲ ከም ዝኣተወ ዝከሓድ ከምዘይኮነ’ዩ። እቲ ብልሽት ቋንቋን ባህልን ድሕሪ ናጽነት’ዩ ጀሚሩ።
ገለ ሰባት ‘ሎሚ ከም ድላይና ብቋንቋና እናተዛረብናን እናጸሓፍናንሲ ከመይ ጌሩ’ዩ ቋንቋን ባህልን ተሃስዩ ዝብለና ዘሎ?’ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ኣቐዲመ ግን ሓንቲ ነገር ክብሎም እደሊ፥ እተን ሓደ ደራሲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ኪሰርሓለን ዘለዎ ነገራት ክልተ ምዃነን’ዩ። ንሳተን ከኣ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ግን ከኣ ገለጽቲ ዚኾኑ ቃላት ምልላይን እየን። ስለዚ፡ ካብዘን ድሕሪ ናጽነት ተደሪሰን ትብሉወን ትዑላት (መጻሕፍቲ) ይኹና ግጥምታት ደርፊ፡ እታ ብብስለት ቃላታ ኮነ ስርዓተ ሰዋስው ኣጠቓቕማኣ ብልጽቲ’ያ ትብሉዋ’ሞ ጥቐሱለይ፡ ሽዑ ኣነ እቲ ዘሎዋ ናይ ቃላት ድኽነትን ናይ ስርዓተ ሰዋስውን ስርዓተ ነጥብን ዕርቃንን ዘርዚረ ክገልጸልኩም ክፍትን’የ። ሰላም።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 31-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
99 COMMENTS
  • Semere June 1, 2013

    I have no doubt that Mesinas has good intentions. But his first article was provocative and misleading. Instead of challenging the actions of Girma Asmeron, he inquired his origins. But the second article carries his real thesis which I find constructive and mature.
    But allow me to say that this page is becoming absurd and poisonous at the same time, when we overemphasized divisions on ethnic, regional and religious basis. Our people are suffering untold atrocities at home and we the Diaspora are arguing on obsolete and backward topics that exasperate more our situation. We are after culprits who are playing with the blood of our people. I don’t care about their origin. We don’t have to prove to anybody that we are Eritreans. It is high time we stop this nonsense. As far as we ruminate these useless arguments we shall never build our future; and the suffering of our people will continue. I am sure Isayas is laughing at us, because we are delaying his demise. For me it is question of prioritizing our priorities. What is more urgent to categorize who is from where or to finish the suffering of our people?

    • Daniel Teclegiorgis June 2, 2013

      ሓሳባት ልብኻ ይስመረልካ ክቡር ሰመረ።

      • Semere June 2, 2013

        Thank you my brother!

        • Bahta Hagos June 2, 2013

          You said it right, first thing first not putting a cart before the Horse. The Toys of the dictator are not important issues.

          • Salim June 2, 2013

            baHta Ilu
            zebenka tela’ilu
            Daniel Tekhle-Georigis kdelyeka w’ilu::

  • Salim June 2, 2013

    መሲናስ

    nfuE SeHafay iKa:: ‘mo beliH seb’ay kab konka ab kndi mesarHi nay Woyane koynka gzienan gzieKan teTf’ nmdras meSaHftn mstmharn natey ilka zey tHzo? bkal’ azerarba ab kndi “deresti abey alewu” tbl bnebsKa jemirka “abzi aleKu zeytbl”::

  • ላኣኮን June 2, 2013

    ክቡር ሓው መሲናስ!
    ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍካ እሳማማዕ እየ::ኣብ ትግርኛ ዘለካ ክእለት ወይ ድማ ኣምልኾት ግን ከይተገረምኩ አይተረፍኩን::ስለቲ መሃሪ ዝኾነ አገባብ አጸሓሕፋኻ ከኣ የመስግነካ:ቀጽለሉ::

    ሓደ ካብ ግዱሳት ኣንበብቲ ጽሑፋትካ::

  • yonas kidane June 2, 2013

    ሳሊም
    እንታይ ወሪዱካ ኢኻ ዐጋመ ዐጋመ ጥራይ ትብል ኣታ ሐውና (ሐፍትና) ከምዚ ናይ መምህር ሰለሙን ተዋስኦ ዓርብዐ ዓርብዐ ኣዘኪርካና’ኮ።ኢሰይያስ ዝሰርሖ ዘሎ ክፋእ’ኮ ንዕኡ ዝተላእከሉ ዐላማ ስለ ዝኮነ ስራሕ’ዩ፡ስለዚ ስራሕ ኩፉእን፡ጽቡቅን ክከውን ናይ ግድን ኢዩ፡ነዛ ሐሳብ እዚኣ ናይ ዐጋመ ፍላስፋ ኣቢላትካ ፡ዐጋመ’ኮ ኣውራጃ’ዩ ሰበይ ኣብዚ ግዚየ እዚ ድማ ናይ ኤረትራዊ ኩሊት እምበር ናይ ዐጋመ ኩሊት ኣይኮነን ዝሽየጥ ዘሎ፡ክደግመልካ ዐጋመ በየን ዕድለይ ክረክቦ፡ በሪሁልካ’ዶ።ካልእ ኮመንት ተለካ ጽሐፍ ‘’ሰላጣ’’

    • Semere June 2, 2013

      My brother Yonas and others

      Please forget Salim. It is crystal clear that he is a psychopath, like his boss. He has no consistency and no interest in the topic we discuss. He is paid to distract our constructive sharing. I said several times he does not deserve our attention. If you react to him, he feels emboldened, because that is exactly what he wants. Let us treat him like garbage. It is not correct to give names, but he has become a pest to this page. We are serious people who are determined to stop the suffering of our people. But that is not his intention. He is vulgar and mentally ill.

  • MightyEmbasoyra,
    Not only “WRONG” but dangerously wrong. It is NOT only Messinas but many narrowminded Eritreans the like of Daniel TecleGiorgis the writer of “ኣዲስ ከምብሓድሽ!” reflect this non-sensical diluted reasoning. One doesn’t need to be born in Eritrea to be truly Eritrean.

    For instance, many of us Addis born were at the DC demonstration with our over 2000 Eritreans brothers & sisters. Now these 2000 Eritreans came from all over the States and canada and even Europe (Amanuel Iyassu, Ato Tesfay Temenwo..). And tell me are there ONLY 2000 of us who are painfully worried and showing in actions that we care about our people. We the amiches, as before in Gedli times, joined our brothers & sisters with conscious. we don’t talk, we act! daniel could have come from across the states & joined. Has he? Now is he Eritrean or us the Amiches? There is even a young lady with a baby in crib showing to the world that she is crying for the oppressed people of Eritrea. Now, where were you all? is your Eritreanism ONLY to fill the vacuum of your ego, your identityless life? is that it?

    While at it let me add mycomments to Mr. Daniel TecleGiorgis as he is in here reading as I had always wanted to respond to his non-sense Addis keBehaddish!

  • ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራን መጻኢኣን ክትሓስብ ከለኻ –
    (When one thinks about the circumstance that Eritrea is bogged down) –
    እሞ ከአ ካብቶም ንፍልጠትን ፥ ብዛዕባ እዛ ሕልኽልኽ ዝበለት ዓለም – ዝተጋህዱን (ጋህዲ ባዕሉ ዓቢ ፍልጠትዩ) ኤርትራውያን ኣሕዋት ከምዚ ዓይነት
    መሰረታዊ ኣተሓሳስባ (ነነብስኻ ከም ኤርትራዊ ምርኣይን ነቶም ኣብ Ethio ዝነበሩ ስ እቲ ኤርትራውነቶምንን -ንንሕና- ደቖምን ከምዚ ናይመንነት
    ቅልውላው ዘለና ጌርካ – ዘይኤርትራውያን ጌርካ ምቕራብ – ባዕሉ ነብሱ ዝኸአለ ዓቢ ሕቶ – ነቲ ፀሓፋይን ተንታናይን –
    ዕምቖታዊ ኣፍልጦኡ ኣብ ቃልዕ ዘውጽእን እዩ፥ ፥

    እቲ ካብ ኢትዮጵያ ውሒዚም ገድላዊ ኣበርክቶ ብጅግንነት ፈጺሞም ዝሓለፉ የሕዋትና the likes of Aforki Tekle, my relative Seyoum Bahta ታሪኾም ምኽሓድ’ዩ !

    ከም ፀሓፋይ ብሂል ንሕና ኣምቼታት ኣብ ኢትዮ ዝዐበና ኣብ ኤርትራ ባይታን ባይቶን ዘይህልወና – ከምዞም gypsy ኮይና ትዕድልትናስ እታ ሓንቲ ቁሉሕ ምሊሕ ክንብል ዘለናስ ባይታን ባይቶን እንዳማትናን – that Ethiopia is. is that what you have in mind!? Boy, I hope none of you with this sick reasoning lead Eritrea.

    You, the likes of Mesinas, and people like Daniel TesfaGiorgis the writer of “ኣዲስ ከምብሓድሽ! “ define our Eritreanism!? Really!? Heaven mercy!

    ነዚ ኤርትራ ተሸኺላቶ ዘላ ንኽትሽከል ዝገበራ – “ ዝናን ባህታን “ ብኣግኡ ካብቶም ዝተመሃሩ ይኹን ካብቶም ዘይተመሀሩ ግን መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊነት ኣተሓሳስቦኦም ይኹን እቲ ሀገራዊ/ዜግነታዊ ኣረኣእዮኦም ብ”ንሕና” ኢና ኤርትራዊያን ዝተዓብለለ-ዝተበከለ-ዝተጠመረ-ዝተኣስረ ናይ ስነ-ልቦና ጥፉሽነት ብኣድማዒ ንጡፍ ኣተሓሕዛ ስለዝመዝመዞዩ ፥ what you now see what you get!

    ኣብ ኤርትራ ተወሊድካ ዓቢካ ምስቲ ስርዓት ኮንካ ንህዝብና ሓመድ ድፋጭኡ ተስትዬ እንተኾንካ – ሕልና ዘይብልካ ግን ኤርትራዊ ኢኻ !

    ኣብ ኤርትራ ተወሊድካ ዓቢካ – ኣብ ሃፋትም ምዕራባውያን ሀገራት ተሰዲድካ መቐረት ውልቃዊ ናጽነት ፈሊጥካን ወኒንካን – ተሰልቢጥካ ምስቲ ስርዓት ኮንካ ንህዝብና ሓመድ ድፋጭኡ ተስትዬ እንተኾንካ – ሕልና ዘይብልካ ግን ኤርትራዊ ኢኻ !

    ኣብ ኤርትራ ዘይተወልድካ ዘይዓበካ (ብፍላይ “ኣምቼ” እንተኾንካ ) – ኣብ ሃፋትም ምዕራባውያን ሀገራት ኮንካ መቐረት ውልቃዊ ናጽነት ፈሊጥካን ወኒንካን – ተሰልቢጥካ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ኮንካ ንህዝብና ሓመድ ድፋጭኡ ተስትዬ እንተኾንካ – ብዓይኒ እቶም “ሕልና” ኣለና ዝብሉ ወራዙትን ወረጃታትን “ኤርትራውያን” – ጉድለትን ፍሽለትን ሕልና ጥራሕ ዘይኮነ – እቲ ናይ ኤርትራዊነትዉን ስለዘይብልካ/ኪ እዩ !

    What a bankrupt wisdom & reasoning!

    አየናይ ናይ ኤርትራዊነት ፧ ?

    መንዩ’ኸ መዛናይን ወሃባይን ከላአይን ?

    as for us the Addis kids, we will never rest fighting for our oppressed people in honoring our parents love for their country & people. us? we have NOthing at stake in Eritrea. Our soul is in Addis not Ethiopia. Addis is NOT Ethiopia. Addis doesn’t reflect what Ethiopia is all about as Asmara doesn’t reflect & define what the whole Eritrea is about! The whole Eritrea should embrace the entire eritreans (Muslims, Christians, Amichetat, …) That simple!

    Let us think wisely & reasonably!

    • MightyEmbasoyra June 2, 2013

      Since I really can’t talk on others action, I only can say they are wrong.
      If they have made such mistake, they should apologize.
      However, on my side, I agree with your comment.
      I have heard Bill Cosby comment one time as “don’t try to make everyone happy – because it is impossible”. So, my advise to you is keep fighting but don’t get frustrated.
      There is always something good and bad reaction for the same concept.
      Look at Fitsum Abraham for instance, on one of his great articles that he mentioned he is Amiche (unless I am mistaken). He was a fighter and he is still a fighter.
      Keep the good work, Facts-ain’t-Pretenders!

  • Zaul June 3, 2013

    The remnants of ELF were never satisfied that EPLF liberated Eritrea and continues therefore their armed struggle to this day, because they want to implement their Pan-Arabism agenda that Egypt started in the mid 1800’s and reignited by supporting ELM’s and ELF’s agenda. Just to be able to control the source of the Nile and control the entire red sea coast, to make the red sea an Arab Lake. Their Arabic and Tigrinya as official language program is key in this endeavor. They are claiming pseudo-historical evidence of having Arab ancestry and some colonial protocols from Massawa, to support the claim that Arabic should enjoy a higher status than indigenous languages and they have brainwashed the people into believing that if they are against Arabic, they are against Islam. This is not NATIONALISM or PATRIOTISM, this is running the errands of foreign powers .They want to kill 7 Eritrean languages by refusing to give them legal protection under the law. Finally they want to kill Tigrinya by encroachment as a final “coup de grace”. People need to pay attention. Too many Arabic words are already used in everyday life, that we are not aware of, a few examples (keman, yumkin, shaebia, jebha, amma, lakin, Yaekhi, ahlen, ashera, khamseen, manjus, halal seb, haramu, hasad etc..)

  • Zaul June 3, 2013
  • Dehan do? June 4, 2013

    The only what I want to appreciate is your language skill….

  • ተ . ደ . ባ June 5, 2013

    እንዳ ሰማዕኻ ኣስቂጥካ እምኒ ጸቂጡካ
    ኣበይ ድኣ ኔርካ ግርማ ኣስመሮም
    ዘይርኣኻያ ነታ ባና ፍትሒ ፊልም
    ዝተሰርሐት ታንክታት ብምግዳም ክትብል ዝጸነሐት ብልጭ ፈኸም
    ሕጂ ትጉህር ደላ ትላባዕ ትልሕም
    የለኻን እንዲኻ ኣብ ምድሪ ዓለም
    ወይስ ደቂስካ ‘ለኻ ሕልሚ ትሓልም
    ዶስ መሪጽካ ክትዓውር ክትጸምም
    ዘረባኻስ ዝገርም ‘ዩ መስደምም
    እያኣይሲ ካብ ምሕታት ክትሃድም
    ናትካስ ግርም እባ ግርም !!

    ክዓብጥዋ እንተፈተኑ ማእዝና በዚሑ
    ብዉሽጢ ዉሽጢ ዕቤየታ ኣስፋሕፊሑ
    ካብ ከበሳ ጀሚሩ ናብ ቆላ ተዘርጊሑ
    ድሮ እኳ እነሆ መንደፈራ በጺሑ ፣
    ብምልባዓ ኣዚዮም ምስ ፈርሑ
    ራዕዲ ኣቲዎም ምስ ጻሕጽሑ
    ናይ ዓቅሊጽበት ብሎኮታት ኣብዝሑ ፣
    ንሳቶም ተገዲሞም ሓጹር እንዳሰርሑ
    ህዝቢ ዓዲ ዃላ ይኣክል ጨሪሑ ።

    ንሳቶም ብሎኮ ይሰርሑ መኽተሪ
    ንሳ ትጓዓዞ ብታሕቲ ብምድሪ ፣
    ዕጥቅታቶም ከላሽን በትሪ
    ንሳ ውሓዚት ሓዊ ጓህሪ ፣
    ዝዓግቶ የለን ነቲ ናታ ናህሪ ።

    ብማይ ኣይትጠፍእ ብሓመድ
    ኣብ ቀላይ ኣይትኣቱ ኣብ ጉድጓድ ፣
    ብስልኪ ኣይትሕጸር ብ ገመድ
    ትባራዕ ኣላ ትጉህር ትነድድ
    ዝኽልክላ ስኢና ትድይብ ትወርድ
    ልኡኻ ክትፍጽም ትምርሽ ትኸይድ
    ሓይሊ ኣይዓጅባ ቦጦሎኒ ብርጌድ
    ነቶም ጠላማት ፈልያ ከተንድድ
    ትሕንሕን ኣላ ረመጻ ተዋድድ ።

    እቲ ትማል ወዲ ዓሊ እንክፈጥራ
    ደቃቅ ዝነበረት ከምዛ ጩራ
    ዘይትጠፍእ ኮይና ኣዝያ ጒሂራ
    ካብ ማዕዶ ዘንድድ እቲ ነድራ
    ህዝቢ ይሕልዋ ኣሎ የሳዉራ
    ዓቲቡ ሒዝዎ ናይ ጅግና ሓደራ
    ይጻዎቶ ኣሎ ነቲ ናቱ ታራ
    ካብ ሱሩ ክሞሖ ናይ ምልኪ ጭፍራ
    ራህዋ ክትረክብ ሃገርና ኤርትራ
    ህዝባ ካብ ባርነት ክወጽእ ሓራ ።

    እዛ ብዓይነታ ፍልይቲ ሓዊ
    ወዲ ዓሊ ዝሸርጠጣ ‘ዚ መርሃዊ
    ዘይትልክም ዉጹዕ ሰላማዊ
    ፈልያ ተንድድ ን ኣረሜናዊ
    ሓረርኩ ይብል ኣሎ የእዊ
    መንሞ ክድንግጸሉ ነዚ ጨናዊ
    ኩሉ ፈሊጥዎ ምዃኑ ምልካዊ ።

    ትዕዘብ ኣላ ዓለም ደይባ ኣብ ኩርባ
    እንዳበለት ኣብኣ ድኣ ይርከባ
    እታ ሓያል መከራ ይጽገባ
    ኢዱ ይፈደ ይለብለባ
    ምስኡ ትጥፋእ ዘምጸኣ ጸበባ ።

    እሞ ግርማ ኣጸቢቅካ ድኣ ሕሰበላ
    ወዲ ባጽዕ እኳ እዚ ኣረጊት ዕዋላ
    ደም እንዳጥዓሞ ዝኣመነላ
    እታ መልሓሱ ‘ሞ ምሉእ ዘይብላ
    ፈጠጥ እንዳበል እዚ ጒሒላ
    ከናሽዋ ፈቲኑ ከነኣእሳ ከቃልላ
    ከምዘይትሓብአ ሰሙን ትሕቲ ጣውላ
    ቦታ ቀይሩ ክልተ ሰሙን ኣብ ዒላ
    ተወዲኣ ኢሉዋ ኣብቒዓ የእኪላ
    ድሮ እንደሞ ጀሚሩ ካልእይ ክፋላ
    ሎሚ ኣብ መንደፈራ ዓዲ ዃላ
    ጽባሕ ናብ ደቀምሓረ ጋዴን ዓላ
    ድሕሪ ጽባሕ ናብ መላእ ቆላ ።

    በል ግርማ ኣስመሮም ኣርክብ ንጽባሕ
    2ይ ክፋል ብቀጥታ 1ይ ክፋል ቅዳሕ
    ዓለም ትጽበ ‘ላ ብቁልጡፍ ክትዝርጋሕ
    ነታ ፊልም ክትጽበ ገዲፋቱ ስራሕ
    ንውጹዕ ህዝቢ ናይ ዘልኣለማዊ ፍታሕ
    ነቶም ዓመጽቲ ብትንትን ፋሕ ፋሕ ።

    ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ን ሰምኣታትና!!

    ተ. ደ . ባ . ኖርወይ

POST A COMMENT