Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባጊርነት!

ባጊርነት! ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ

ባጊርነት!
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣቐድም ኣቢለ ማለት፡ ብዕለት 28-05-2013 ኣብ ትሕቲ “ግርማ ኣስመሮም” ዝብል ኣርእስቲ፡ እንታይነትን መንነትን ናይቲ ኣርፓፔ (ሊቀ ጳጳሳት) ዕሱባት መላኺ ብምዃን፡ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዚፍጽም ዘሎ እልልድኩ (ሓኽሊ ድሙ) ኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ክንጸረለይ ሓቲተ ኔረ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብእወታን ኣሉታን መልሲ ንዝሃብኩምንን ናይ ገዛእ ርእስኹም ዓለቕ (ርእይቶ) ንዝለገስኩሙለይን ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ከመስግን እፈቱ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ካብ መልስታትኩም ከም ዝተረዳእኩዎ፡ መብዛሕትኹም ሕቶይ ክፈልጥ’ምበር ክፈላሊ ከም ዘይደለኹ ዝበራሃልኩም’ኳ እንተኾነ ገሌኹም ግን እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ነቲ ሕቶ ባጊርነት ከተልብስዎ ከም ዝፈተንኩም ተገንዚበ። ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ቅድም ቀዳድም ከነጽረልኩም ዝደሊ ነገር፡ ኣነ ብዕድል ካብቶም ዓይኒ ኣንቊሖምን ምስ ግዜ ተጓዒዞምን ድሕረት ዝቐበሩ፡ ኣብ ሓንቲ ኤርትራን ምልኣት ህዝባን ዝኣምኑን ዕላማ ስውኣት ብግቡእ ዝርድኡን ብዙሓት ዜጋታት’ዛ ሃገር ሓደ ምዃነይ እዩ። ንኣይ ከምቲ ገሌኹም ዝተረዳእኩሞ መንነት’ዚ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንዋሕ ተራኡ ዝጻወት ዘሎ ጊላ ህግደፍ ኣይኮነን ኣገዲሱኒ! እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘሎዎ ሕሉፍ ጽልኢን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒትን ካብምንታይ ከም ዝነቐለ ንኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ሰብ’ዚ ኩሉ ንጥፈታቱ እንተ ደኣ ኣስተብሂልኩሙሉ፡ ፍጹም ኣስሓኮ ዘይብሉ! ነዚ ለዋህ ህዝቢ’ዚ ንምጉዳእ፡ ሓለፋ ካልኦት ኣባባት (ሰብ ውዕለት) ደማሒ (መላኺ) ድልውነቱ ዘረጋገጸ ዕሉል ብዓል ጋራ (ተጻይ)  ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ስለ ዝተረኣየኒ’የ። ካልኦት ዕሉላት መጸይቲ ደም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕበር ህግደፍ የለውን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ናይ ግርማ ኣስመሮም ዕሱብነት ግን ንእመት ስድሪ ኣላታ ብምዃኑ’የ እንታይነቱ ክሓትት ተገዲደ።
ቀደም ኣብ ሃገርና ብትሕተ ሃገራውነት ንዝሕመ ሰብ፡ ባጊር (ኣዝዩ ድሑር፡ ዘይስልጡን) እዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ። ሎሚ፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ሃገሪትን (መበቈል ዓድን) ዚፈላሊ ሰብ ግን ባጊር ዘይኮነስ እንስሳ’ዩ ዚበሃል። እዚ ግን ንኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ጽላል ሓንቲ ርያ (ባንዴራ) ዝማሓደሩ ኣህዛብ ጥራይ እዩ ዝምልከት’ምበር ሃገር ምስ ሃገር ኣይነጻጸላን’የን ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ ዓለምና ሎሚ ኣይኮነንዶ ንከም ከማና ዝኣመሰሉ ደቂ ሓደ ዘርኢን እንዳን ማለት ደቂ ቤጃን ሴምን ዝኾንና ኣህዛብስ ይትረፍ፡ ነቶም ብዝኾነ ይኹን መራኸቢ ዘይብሎም፡ ዝተፈላለየ ዝንዳኦም ኣህዛብ ኣመሪካን ኤውሮጳንውን እንተኾነ ከም ሓደ ስድራቤት ጠርኒፋ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ቀሪባቶም ኣላ! እዚ ስምረት ወይ ሓድነት ዝብሃል ዘይክማህ ኣጽዋር’ዚ ከኣ ንኹሉ ዘርብሕን ዘሐይልን ጸዳል (ብርሃን) ምዃኑ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዓድን ዓውድን መኘኽ ዝብሉ ሰባት እንተልዮም ከኣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ባጊራት ዘይኮኑስ ኣስዋር (ኣብዑር) እዮም ክጽውዑ ዘለዎም ማለት’ዩ።
ፍቑራት ኣሕዋት፡ ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ቃልስና፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝሰረቱ፡ ሓድነት ዝዕጥቁ፡ ክብርን ምትሕልላይን ዝስንቁ ኮይኑ፡ መብራና (ዓላማና) ሓርነታዊት፡ ፍትሓዊት፡ ደሞክርያስያዊት፡ ማእገት (ፈታሽ፡ ኬላ) ዘይብላ፡ ብግብሪ ናጻ ዝኾነት፡ ብልጽግትን ክብርትን ኤርትራ ንምህናጽ ይኹን! እዚ ግን ንግዕዙይን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራን ኣካይዳን ምልኪ እናወደስካ ዝርከብ ነገር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓገራ (ራኢ፡ ትልሚ፡ ውጥን) ስውኣትና ክፍጽም ድሌትን ተወፋይነትን እንተርእዩ ክንድግፎ፡ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን መገዲ እንተ ቐጺሉ ኸኣ ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ቀውፍና (ተቓውሞና) ኣብቲ ንሃገርና ናብ ጥፍኣት ዚሸማ ዘሎ ፖሊሲኡ እምበር ኣብ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ። ስለዚ፡ ውልቃዊ ጽልእን ቅርሕንትን ኣወጊድና፡ ብቕንዕና ገባር ኩፉእ እናወገዝና፡ ንገባር ጽቡቕ እናመጐስና፡ ንሰብ ልባብ (ፈረስ ንየማነ ጸጋም መታን ከይርኢ ኣብ ገጹ ዚውደ መጣምር) ኣስፊሖም ንኽርእዩ ዓቕምና እናበርከትና፡ ሃይዶ (መራሕ ዕውር) ብምዃን ክሳዕ ምሉእ ሓርነት ክንቃለስ ኣለና! ወዮ ደኣ ሰባት ብሙዃንና ብጹኡነት ይጐድለና ኮይኑ’ምበር ንዚተጋገየ ሰብ’ኮ ካብ ብምጽራፍን ብምድሃልንሲ ብሰደይ (ብጥዑም ዘረባ) ክንመኽሮ ከለና’ዩ ዝያዳ ዚርደኣና።
ሓላላት፡ ንእግረ መገደይ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ ሓደ ነግርውን ኣሎ፡ ቃልስና ኪኖ ምእላይ ምልኪ ኪኸይድ ኣለዎ። ነቲ ውርዙይን ክቡርን ባህልና ዝብልል ዘሎ፡ ፋልሉነት ህግደፍ ክንኩንኖ ኣለና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕልያን (ብላዕ፡ ጉቦ)፣ ኣያ በያ፣ ግበረለይ ክገብረልካ፣ ስርቕን ምጥፍፋእን፣ ምድፋር ዓበይቲ ሰባት፡ ማለት ምዝንጣል፣ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ምዕቃብ ጽፉፍ ባህልናን ቋንቋናን ዝጠመተ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቲኹም ርእይቶኹም ክትህቡ ከለኹም፡ ብዝተኻእለ መጠን ጽሑፋትኩም ብቛንቋኹም ማለት፡ ብትግርኛ ከም ዚኸውን ግበሩ። ምኽንያቱ ቋንቋ፡ ብምዝራብ፡ ብምጽሓፍን ብምንባብን’ዩ ዚምዕብል። ምምዕባል ቋንቋ ኸኣ መሰረት ምምዕባል ሃገር ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ምሁራት ዝገልጹ። እቶም ኣብ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘሎዎም፡ ፍልጠቶም ንዘይፈልጡ ብምክፋል፡ እቶም ኣፍልጦ ዘይብሎም ድማ መሲናስ (ብሃብቱ ንስነ ጥበብ ዝድግፍ ለጋስ ሰብ) ብምዃን፡ ኩልና ቋንቋና ኣብ ምምዕባል እጃምና ከነበርክት ይግባእ። ስለዚ ብዝከኣለኩም መጠን ኣብ ክንዲ ቋንቋ እንግሊዝ ቋንቋኹም ተጠቐሙ። ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጻት፡ እንግሊዝኛ እንተተጠቐምኩም ግን ነውሪ የብሉን። ብትግርኛ ንዝጸሓፈ ጸሓፊ ብእንግሊዝኛ ክትምልሱሉ ግን ንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክንዲ ቋንቋ ኣደኹም ቋንቋ ባዕዲ ተማዕብሉ ስለ ዘለኹም።
ህግደፍ ንቋንቋናን ባህልናን ካብቶም ብቕድሚኡ ዝሓለፉ ዘለምቲ (ረገጽቲ፡ ጨቆንቲ) ስርዓታት ንላዕሊ፡ ከመይ ጌሩ ይቐትሎ ከም ዘሎ፡ ነቶም ናይ ቋንቋ ኣምር ዘሎዎም ሰባት ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ። እቶም ውድቀቱ ዘይበራሃልኩም ወይ ድማ ዘየስተውዓልኩሙሉ ሰባትውን ርሑቕ ከይከድኩም ነዚ ዘረድእ ክልተ ቀለልቲ ኣብነት ክጠቕሰልኩም ፍቐዱለይ፥ 1ይ፥ ነቶም ህግደፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽንብላቱ ግዜ ናይ መጽናዕቶም ብምሽማው ብግዴታ፡ ዝተፈላለየ ኣልባሳት ከዲኑ፡ ኣብ መድረኽ ዘላህዮም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንሳዕስዒቶም ምዕዛብ፣ 2ይ፥ ነቶም ምስ ህዝቦም ንኽላለዩን ብቕዓቶም ከመስክሩን ኢሎም ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ድምጻውያን ሃገርና፡ ዝደርፍዎ ግጥምታት ብጽሞና ተኸታቲልካ ናይ ቋንቋ ብስለቱን ሰዋስዋዊ ኣሰራርዕኡን ብምስትውዓል፡ ሃስያ ቋንቋና ንምርዳእ ዚከኣል ይመስለኒ። ከምቲ ግቡእ ግን ድምጻዊ ዚደርፍ ወይ ናብ መድረኽ ዚድይብ ሰለስተ ነገራት ንምፍጻም’ዩ። ንሳተን ከኣ ቀዳማይ፥ ትምህርትን ማዕዳን ንምሃብ፣ ካልኣይ፥ ህዝቢ ንምዝንጋዕ፣ ሳልሳይ፥ ቋንቋን ባህልን ንምምዕባል’ዩ። ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብዚ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ኣሎ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሜዳ ከሎ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ፡ ደሓን ዝኾነ ናይ ቋንቋ ኣንፈት ሒዙ ናብ ዓዲ ከም ዝኣተወ ዝከሓድ ከምዘይኮነ’ዩ። እቲ ብልሽት ቋንቋን ባህልን ድሕሪ ናጽነት’ዩ ጀሚሩ።
ገለ ሰባት ‘ሎሚ ከም ድላይና ብቋንቋና እናተዛረብናን እናጸሓፍናንሲ ከመይ ጌሩ’ዩ ቋንቋን ባህልን ተሃስዩ ዝብለና ዘሎ?’ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ኣቐዲመ ግን ሓንቲ ነገር ክብሎም እደሊ፥ እተን ሓደ ደራሲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ኪሰርሓለን ዘለዎ ነገራት ክልተ ምዃነን’ዩ። ንሳተን ከኣ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ግን ከኣ ገለጽቲ ዚኾኑ ቃላት ምልላይን እየን። ስለዚ፡ ካብዘን ድሕሪ ናጽነት ተደሪሰን ትብሉወን ትዑላት (መጻሕፍቲ) ይኹና ግጥምታት ደርፊ፡ እታ ብብስለት ቃላታ ኮነ ስርዓተ ሰዋስው ኣጠቓቕማኣ ብልጽቲ’ያ ትብሉዋ’ሞ ጥቐሱለይ፡ ሽዑ ኣነ እቲ ዘሎዋ ናይ ቃላት ድኽነትን ናይ ስርዓተ ሰዋስውን ስርዓተ ነጥብን ዕርቃንን ዘርዚረ ክገልጸልኩም ክፍትን’የ። ሰላም።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 31-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
99 COMMENTS
  • Salim May 31, 2013

    Mesinas

    opposition ina zblu sebat bzuH nay Agamegna qalat kem zTqemu asteb’hilka do aloKa?

    • Ghenet June 1, 2013

      Salim,
      So what? and by the way there is no ‘agamagna’ language!
      Salim, you really are exposing how knowledgeable you are about things.
      Languages are like living things. They live and die. They live and develop by borrowing coining, and word formation. You thing the Tigrigna in Asmara is pure. do research and you will find how many words come from other languages from as far as Israel and Italy etc.

      So stop with your racist remarks and give us a break.

      • Salim June 1, 2013

        Are you Genet or Ghenet?

        Mesinas is complaining about language use. So my response is perfectly linked to the topic.

        If I had a weapon I would kill any person who uses the word ” ‘na ” while speaking in Tigrigna.

      • Salim June 1, 2013

        ” and by the way there is no ‘agamagna’ language! ”

        Agamegna is a mix of ungrammatical Tigrigna and Amharic loanwords. I am not talking about minor things like Hzi and Lawzi.

        • Ghenet June 2, 2013

          which linguist or linguistic theory says which DIALECT or VARIATION is gramMatical and which is not? according to who? you? a self declared racist and antisocial WHO writes he would kill people who use a language variation or a dalect if he gets the opportunity?

          • Salim June 2, 2013

            For historical reasons ,until recently, educated Tigrayans spoke better Amharic than Tigrigna. Oppression inculcated in them a kind of inferiority complex. Where the educated used Amharic as their language and tried to mix with the ruling class the millions of poor and uneducated peope were left between Tigrigna and Amharic ( lingusitic space of Agamegna) since they coudn’t master any of them. Now the worrying thing ,for Tigrayan nationalists , is as standard Tigrigna wins more space through education and the mass media Agamegna and other Tigrayan awrajawi dialects are in grave danger of disappearing from the linguistic landscape of Tigray.

          • Ghenet June 2, 2013

            Salim,
            you know? you are full of it!!
            you said ‘ungrammatical’ and I asked you who decided a language is ungrammatical version of another. Now you start talking about tigrayans worrying about about them not being able to master whatever……. Where and when do you get off???
            Do not poke your nose where it does not belong. You worry about eritreans not tirgrayans.
            On this forum most of us are worried about what is going on in OUR COUNTRY WHICH IS ERITREA.

    • Fessaha June 1, 2013

      Ayfalkan Salim. The Tigrinia language of Eritreans and that of Tigray is one and the same. I commend Mesinas for discovering so many rich Tigrinia vocabulary. At one point Mesinas quoted a word “Hagain” which he said translates as “deep darkness”.
      The word “hagain” is frequestly said in Tigrayit, and throughout my life, I did not find any body to tell me its meaning, even people well-versed in Tigrayit. Thank you Mesinas!

  • MightyEmbasoyra May 31, 2013

    1) “ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሜዳ ከሎ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ፡ ደሓን ዝኾነ ናይ ቋንቋ ኣንፈት ሒዙ ናብ ዓዲ ከም ዝኣተወ ዝከሓድ ከምዘይኮነ’ዩ። እቲ ብልሽት ቋንቋን ባህልን ድሕሪ ናጽነት’ዩ ጀሚሩ።”
    That tells me the brains of that era either in EiraEiro or in one of those countless prisons – or died – or left the country. The rest, fill in the blank.

    2) What is your background when it comes to linguistic? I am asking this because you have offered to analyse articles/songs/etc

    • Stefanos Temolso June 1, 2013

      ጽቡቕ ኣለኻ ሓው። እንተ ኾነ፡ ኢሳያስ ካብ 1986 ኣትሒዙ ንጽሑፍ ትግርኛ ከም ዘይነበረ ክገብሮ ሓሲቡ ከም ዝነበር ትፈልጥዶ? ብኸመይ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ኢሳያስ ኣብ 1986 ብመንገዲ ሓደ ስዉእ ምሁር ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብላቲን ክጽሓፍ ኩላተን ብሄራት’ውን ኣሰር ትግርኛ ብምስዓብ ብላቲን ክጽሕፋ ወጢኑ ነይሩ። እዚ ድያብሎሳዊ ውጥን’ዚ ግን እቲ ናይ ቋንቋ ክኢላ ብምስውኡ ክደናጐ ክኢሉ። ኢሳያስ ኣይደቀሰን። ኣብ 1994-1995 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ዝነበሩ ናይ ቋንቋ ክኢላታት ኣኼባ ብምድላው ነቲ ውጥን ዳግማይ ኣቕሪቡዎ። ንሳቶም ግን፡ “እዚ ናይ ባሃማት ኣተሓሳስባ እዩ፡ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዝጥቀስ ጽሑፍ ከም ዋዛ ክድምሰስ ከም ዘይክእል፡ እቲ ዅሉ ጥንታዊ ታሪኻዊ ጽሑፋትከ ንሓዋሩ ክጐሓፍ ድዩ? እዚ ብተኣምር ክሕሰብ ዘይግብኦ እዩ። ንሕና ድማ ኢድና ኣይነንብረሉን ኢና” ክብሉ ከም ዘይተሓባበሩዎ ብምግላጽ ከም ስርዓት ተሳሂሎሞ። ብኸምዚ ድማ እቲ ቋንቋናን ባህልናን ናይ ምድምሳስ እከይ ዕላማ ዳግማይ ፈሺሉ። ኢሳያስ ግን ኣይደቀሰን። ብዜሮ ክሰዓር ስለ ዘይደለየ ጥንታዊ ኣስማት ኣውራጃታትና ደምሲሱ ሓንሳብ ብቝጽርታት ሓንሳብ ድማ ሰሜን ደቡብ እናበለ ክጽውዐን ጀሚሩ። እዚ ውሳኔዚ፡ ብናይ ህዝቢ ድሌት ስለ ዘይተተግበረ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ቍጥዐ ከም ዘስዓበ ኩላትና ንዝክሮ ነገር እዩ። ገበን ህግደፍ ግን እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ጥንታዊ ምምሕዳር ባይቶን ሽማግለታትን ዓድታት ደምሲሱ ህዝቢ ኤርትራ ብሰለይቲ ህግደፍ ከም ዝመሓደር ገይሩ ይርከብ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስነምግባር ኤርትራዊ ክትብሎ ይኹን ናይ ኤውሮጳ ወይ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ኣፍሪቃ ክትብሎ ዘይትኽእል፡ ኣብ ዳንኬራን ሆይሆይን ዘድሃበ ናይ ኣርሆ ባህሊ ኢና ንረክብ።

      • Salim June 1, 2013

        “ኢሳያስ ኣብ 1986 ብመንገዲ ሓደ ስዉእ ምሁር ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብላቲን ክጽሓፍ ኩላተን ብሄራት’ውን ኣሰር ትግርኛ ብምስዓብ ብላቲን ክጽሕፋ ወጢኑ ነይሩ።”

        You are telling lies.

        • hawika June 1, 2013

          bullcrap!!!

        • Stefanos Temolso June 1, 2013

          The problem is you are so much hooked With the PFDJ that everything not suitable with the brutal regime is a lie to you! Pooe fellow! ask those whom you trust and they will tell that this is the case. So, open ur eyes and Your ears!

          • Salim June 1, 2013

            Wedi Temelso,

            Idris abaArre zeQrebo Hasab n’kal’ seb aywehabn ‘yu:: You are telling lies ‘nte belkuKa Serfi aykonen, Haqi ‘yu:: neqefietay bt’Htna ktqbelo ygba’::

      • MightyEmbasoyra June 1, 2013

        ኣበይ’ሞ ፈሊጥናዮ ኔርና። ሕጂኳ’ዩ ሚስጥራት ዝውጽእ ዘሎ

      • belay nega June 2, 2013

        Stefanos Temolso

        “ኢሳያስ ኣብ 1986 ብመንገዲ ሓደ ስዉእ ምሁር ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብላቲን ክጽሓፍ ኩላተን ብሄራት’ውን ኣሰር ትግርኛ ብምስዓብ ብላቲን ክጽሕፋ ወጢኑ ነይሩ።”

        If I am not mistaken, those days what Esayas was doing was, writing kunamas’ dictionary in latin,which unfortunatly couldn’t be possible due to the death of the tegadalai in charge.

  • Selino Asmarino May 31, 2013

    ትገድፍ እንተበልክዋስ ትነድፍ ይብሉ ፥ ካብቲ ቀዳማይካ ካልኣይካ ገዲዱ። ንስኻ ፈጺምካ ኤርትራውነት ዘይብልካ ፤ ንኤርትራውያን ከመይ ጌርካ ዓልየትን ኣውራጃን ትፈላሊ ተዓጢቕካ ዝተሰለፍካ ሰብ ምኻንካ ተጋሂዱልና ኣሎሞ ፥ ጽንዓት ይሃብካ።

    • Kabbire May 31, 2013

      ኣስተውዒልና ንላዘብ ፣ ንለብም ፣ መንነትና ነለሊ ፣ ንከባበር ፣ ናትና ነኽብር ክንከብር ፤ናይ ወረጃ እንተተዛረበስ ፤ ንስኻ ድማ ብዳርባ እምኒ ፧
      ኣንታ መኣስ ኢኹም ትውርዝዩ ፧ ባቃ ኣኺላትኩም እዚኣን ጸርፍን እየን ቦለቲካኹም ፧

      • Salim June 1, 2013

        Selino Asmarino=Kabbire

        punctuation marks natka afediHuka::

  • MightyEmbasoyra May 31, 2013

    የሕዋት፡
    ኣኺሉና, ዘረባ ጥራይ ኮይና። ጠመተና ፡ ኣብ “ከመይ ጌርና ጸገምና ንፈትሕ” ነቕናዓዮ።
    ኣይመስለኩምን፧

  • yonas kidane May 31, 2013

    ብራቮ መሲናስ
    ኩሉ ግዚየ ክብለካ ዝደሊ ኣንጻርካ ዝጽሐፍ ጽሑፋት ክበዝሕ ኮሎ ስራሕካ ወይ ድማ መልእክቲ ጽሑፋትካ ሸትኡ ከም ዝወቕዕ(ከምዝሃረመ) ክትፈልጥ ኣለካ።

    • MightyEmbasoyra May 31, 2013

      ኪዳነ,
      እሞ ዝኹሉ ኣንጻር ኢሳያስ ንጽሕፎስ ብላሽ ማለት’ዩ

      • Salim June 1, 2013

        Mighty,

        He is talking about Mesinas specifically. If you take the statement of Yonas Kidane in general ( any intense attack on a message by its opponents equals to the effectiveness of the message in arriving at its target or proving the degree of its correctness) terms then your confusion is understandable.

  • belay nega June 1, 2013

    MESINAS,

    “እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘሎዎ ሕሉፍ ጽልኢን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒትን ካብምንታይ ከም ዝነቐለ ንኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ ጥራይ እዩ።”

    Right question to a wrong person.This was supposed to be posed to Ethiopians and Ethiopia gov.
    Ambassador Ghirma is fighting against the heat which is trying to melt Eritrea and Eritreans.

  • ahmed saleh June 1, 2013

    Mesinas
    Stay put on your principle and stand for the sake of your country and your people . In life either way there
    is obstacles but the most important is to have confidence on yourself . Infact . few people in this world have
    courage to speak up and try to make the world peaceful and fair to everyone . Like some philosophers quoted :
    ” men soul is immortal and righteous men are immortal and divine ” . We maintain our life to satisfy ourselves as independent humans with free spirit for the sake of heaven regardless it’s outcome . LIVE FREE – DIE FREE with pride .

  • yonas kidane June 1, 2013

    might embasoyra
    ewe eti zdeleyo kufue srah eserho sle zelo nska dma gdef tblo aleqa slezi mesinas dma eti zdeleyo meleakti eamehalalf alo anxaru dma exhaf alo slezi wey xbuq wey hmaq eko eyu srah zbhal

  • yonas kidane June 1, 2013

    might embasoyra
    ewe eti zdeleyo kufue srah eserho sle zelo eseyyas nska dma gdef tblo aleqa slezi mesinas dma eti zdeleyo meleakti eamehalalf alo anxaru dma exhaf alo slezi wey xbuq wey hmaq eko eyu srah zbhal

    • Salim June 1, 2013

      “wey xbuq wey hmaq eko eyu srah zbhal”

      kkkkkkk! Abi felasfa!!! Wedajie felasfa!!! nay Adi Ugum felasfa!!

    • MightyEmbasoyra June 1, 2013

      Tsibuk zereba Kidane!

  • ነዚ ክትግዕታስ..! ካብቶም “ኤረትራውያን” who are serving the evil PFDJ, what is it ንግርማ ኣስመሮም ዝፈልዮ
    a)መትከላዊ እምነትን አሰራርሓን (Convictional belief & execution)?

    The backward argument of Mesinas and so many like him is this: Girma Asmerom & many like him who were born in Ethiopia are questionable “Eritreans”, but those who are born in the West (all these diluted kids that have NO knowledge of Eritrean culture & lingua are Eritreans. Give me a break. what a waste of mind you have!

    Therefore: መሠረታዊ ሥነሞጎትካ ፍጹም እቲ ሕማምካ – ኤርትራዊ አነዩ ዝብልዩ ! Eritrea is diverse with so many linuga by the way. why just Tigringa.

    You, the writer of the article “Mesinas” is a reflection of so many diluted, deficient other Eritreans with a deep lack of understanding of HUMANITY! Eritreans, more than anything else, first and foremost, are HUMANS! Then they are Eritreans, second. If reasonable, wise Eritreans see themselves first as HUMANS, then all the mess that they create by back-stabbing eachother would have stopped.

    If Eritreans see themselves beyond Eritreanism, as HUMANS first, all this junk of “who is Eritrean!” non-sense would have not imprisoned and chained them down from fighting the root cause – the destructive PFDJ & its supporters. Girma Asemerom is one of the many evil supporters that is serving the devil, evil PFDJ system. so why picking on Girma Asmerom? is that becasue he was born in Ethiopia? That shows Mesinas and those like him sickness, Ignorance!
    Girma Asmerom is nothing but a evil human being that sold his soul like so many others, the G-15, the B-13, the everyone of you that supported the system until yesterday, until ithe evil system robbed you all. so why picking on Girma Asmerom, hiding your junk. but why? Mesinas may have some personal issue to score!

1 2 3 4

POST A COMMENT