Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ን ኳዂቶን

ብንኣምን ተኪኤ 12 August 2015 ባይቶ ን ኳዂቶን ውርጹጽ ጽሓፊ ኳ  ኣይኮንኩን ፣ ግን ሕልፍ ሕልፍ ኢለስ ፣ ገለ ሓሳባት ፣ ፈይ የብል የ ። ብቀጻሊ ክጽሕፍ ዘተባብዑኒ ውን ኣይተሳእኑን፣ ጽበት ጊዜ ስለ ዘሎ ግን ኣይ ከምትጽቢቶምን፣፣ ብዕለት 8

ብንኣምን ተኪኤ

12 August 2015

ባይቶ ን ኳዂቶን

ውርጹጽ ጽሓፊ ኳ  ኣይኮንኩን ፣ ግን ሕልፍ ሕልፍ ኢለስ ፣ ገለ ሓሳባት ፣ ፈይ የብል የ ። ብቀጻሊ ክጽሕፍ ዘተባብዑኒ ውን ኣይተሳእኑን፣ ጽበት ጊዜ ስለ ዘሎ ግን ኣይ ከምትጽቢቶምን፣፣

ብዕለት 8 ንሃሰ 2015 ፣ ሓሙሽተ ሃገራውያን ውድባት ኤርትራ፣ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣመልኪተን ዝጸሓፍኦ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ፣ ሎምስ ኣይበዝሔን ዶ ፣ ዝብል ስምዒት ንውሽጠይ ስለ ዝወረሮ፣ ገለ ክሓናጥጥ ወሲነ ።

*ባይቶ ን ኳዂቶን* ኢልካ ኸ ፣ ኣይበዝሔን ዶ ፣ እትብሉኒ ሰባት ከም ዘይትስኣኑ ኣንዳዕዲዔ እግምት የ ። መልሰይ ግን ፣ እንታይ ክበዝሕ ድኣ፣ ኣመና እምበር ውሒዱ  ምበልኩኹም፣፣ ንምንታይ ሲ ብዘይ ምኽንያቱ ስለ ዘይበልኩዎ፣፣ ብዝኾነ፣ *ዝረግኤ ጸባስ ጠስሚ የውጽእ*፣ ከም ዝብሃል ፣ ርግእ ኢልና ሞ ንደማመጽ ፣ ብርግጽ ክኣ ክንረዳዳእ ኢና ።  ብ 2002 ኣቢሉ ዩ ይመስለኒ፣ ፈታው ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ  ኣሜሪካዊ፣ ህቡብ ጋዜጠኛ ዳን ኮኔል፣ ኣብ ቃለ መጠይቑ፣ ** ኢሳያስ እኮ ፍርያት ህዝቢ ኤርትራ ዩ** ክብል ከሎ፣ ምስ ገለ ብጾተይ ኣብቲ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ካርሾሊ ኮይና፣ ነቲ ዝበሎ ምስ ሰማዕናዮ ፣ እቲ ለዋህን ግሩህን ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ምስ እዚ ጨካንን ጎራሕን፣ ኢሳያስ ብከመይ እዩ ኣመሳሲሉዎም ኢልና፣ ንነዊሕ ሰዓታት ክንካታዕ ትዝ ይብለኒ። ነታ * ኣይ ካብ ባይታን ፣ ካብ ባይቶ ድኣ*፣ እትብል ምስላ ኣቦታትና እናጠቐስና ውን እንታይ ዘይበልና።

ሎሚ ድሕሪ እዋን፣ ዘሎናዮ ኩነታትን ፣ዘረባ ዳን ኮኔልን፣ ከነጻጽሮ ከሎኹ ግን ፣ እ ህ ህ ህ ህ ህ ህ ፣ ለካ ንሱስ ኣብ መጽናዕቲ ተሞርኲሱ እዩ ዝበሎ፣ ካብ ምባል ወጻኢ፣ ካልእ ኣማራጺ ኣይረኸብኩሉን ። ካብዚ ተበጊሰየ ክኣ ፣ ንኩልና ዝምልከት ሕቶ ከቕርብ ።  በሉ ስከ ፣ ጸገምናኸ ፣ ካብ ባይቶ ዶ ፣ ካብ ባይታ ፣ ወይስ ካብ ኳዂቶ  ትብሉ ። ካብ መኖም ዩ ይመስለኩም ። እቲ ባይታ ፣ እቲ ነቲ ባይቶ ዝፈረየ *ህዝቢ*  ካብ ኮነ ፣ እቲ *ባይቶ* ድማ ካብቲ ባይታ፣ ማለት ካብቲ ህዝቢ ካብ ፈረየ ፣ ባይቶና፣ ነቲ ህዝቢ ክመስል ናይ ግድን እዩ ይመስለኒ ። ካልእ መራጎዲ፣ ተወሳኺ ምስላ ውን ኣሎ *ሕማቕ ባይቶኻ ይነቕለካ፣ ንፉዕ ባይቶኻ ኸ ይተኽለካ* ይብሉ ዮም እኮ ኣቦታትና ። እሞ እዚ ባይቶና፣ እዚ ንርእዮ ዘሎና ካብ ኮነ ድኣ ሞ ፣ ንሕና ህዝቢ ኸ፣ ንባይቶና ኢና ንመስል ማለት ዶ ኾን ይኸውን ። እዚ ድኣ ሞ ፣ በዚ እንተከድኹም ወድኹም ይሞተኩም ፣ በቲ እንተኸድኩም ድማ ሰይቲ ወድኹም ትሓስመኩም እንዶ ኾይኑና፣፣ እስከ በሉ ድሓን፣ ህዝብን ሃገርን ኣይትተንክፉ እንድዩ ዝብሃል፣ እስኪ እታ ባይታ እትብል ሞ  ንግዝይኡ ትጽንሓልና፣ ኣብታ ባይቶ እትብል  እስኪ ገለ ክንብል ።

መቸም ባይቶና ክብል ከሎኹ ፣ ንኩሎም ኣብ ተመክሮና  ዝረኤናዮም፣ ካብ ኣርብዓታት ጀሚርካ ክሳብ  ባይቶ ኣዋሳ ዘለዉ ፣ ኣብ አእዋኑ ዝተፈተኑ፣ ብስም ሃገራዊ ባይቶ ዝልለዩ ባይቶታትና ማለተይ እንድየ ፣ እስኪ ፍረዱ፣ ባይቶና ንመን ዮም ዝመስሉ ።  ነቶም ዝተኽሉ ፣ ዶስ ፣ ነቶም ዝነቕሉ ፣፣ ኤእ ከይብሉኒ እሞ ትጽንሓልና፣ ንስለ ሓቂ ንመን ዮም ዝመስሉ ፣ ርግእ ኢልና ፣ ንገምግም ። ኣነ ኳ ድሮ ገምጊመስ ፣ ስምን ወርቅን ሓዘል *ባይቶን ኳዂቶን * ዝብል ኣርእስቲ ቀሪብ ኣሎኹ።- እዋኑ፣ እዋን ጸርፍን መረረን  እንድዩ ፣ ገለ ገለ ሰባት ፣ነዛ ኣርእስቲ ምስ ርኤኹም ጥራሕ ፣ እቶም ንባይቶ ዘይትድግፉ፣  ኳዂቶ ኳ ውሒዱዎም፣  ኢልኩም ከም እትሕጎሱ፣ እቶም ደገፍቲ ባይቶ ድማ  ኣታ ዚ ሰብኣይ ፣ መፍቶ ጸላእትና ዝገብረና፣ እንታይ  ወሪዱዎ ፣ ኢልኩም ብሃውሪ እትቕየሙኒ ከም ዘይትስኣኑ እግምትየ ። ክልቲኡ ሸነኽ ፣ ዘዝመስሎ፣ ክግምት ውሁብ መሰሉ ስለ ዝኾነ፣ ጸገም ኣይኮነን ። ከመይ´ሲ ክልቲኡ ሸነኽ ፣ ነናቱ ውዱዕ ምኽንያታት ክህልዎ ስለ ዝኽእል ። እቲ ኮይኑ እቲ ግን ፣ **ርግእ ኢልካ ትሓስቦ ኣይጎድኣካ፣ ኣድቂቕካ ትመትሮ ኸ ነይሓንቀካ** ከም ዝብሃል፣ ከምቲ ዝኾነ መጽሓፍ ፣ ብትሕዝትኡ እምበር ብኣርእስቱ  ዘይምዘን፣  ጽሑፈይ ውን ፣ ብትሕዝትኡ እምበር ፣ ብኣርእስቱ ጥራሕ  ከይትመዝኑዎ ኣቐዲመ ሓደራ ይብል ።

መቸም ፣ ** ባይቶ ን ኳዂቶን ** ክብል ከሎኹ ፣ ብፍላይ እቶም ድሕረ ባይታይ እትፈልጡኒ ሰባት፣ ብቅጽበት ምስ ባይቶ ኣዋሳ ከም እተተሓሕዙኒ እግምት የ ። እስኪ ድሓን ሞ፣ ንሱ ድዩ ካልእ ንኺድ ጥራይ።  ኩልና ሓባራዊ ተረድኦ ምእንቲ ክህልወና ግን፣ ንትርጉም ፣ ባይቶን ን ኳዂቶን ፣ ከብርህ ፍቐዱለይ።  እታ ባይቶ እትብል ቃል ኳ ክንደይ ከይትስሕትዋ፣ ንመዘኻኸሪ ዝኣክል ግን፣ ባይቶ ማለት ፣ ካብ ህዝቢ፣ ንህዝቢ ፣ ብህዝቢ ዝምረጽ፣ ናይ ሃገር ወይ ኣህጉር ፣ሓጋጊ ኣካል ማለተይ እዩ ። ኣብ ጉዳይ ኢርትራና ሞ ፣ ከምሻሙ ፣ ብከመይ ቆይሙ ብዘየገድሽ፣ ብዓል  ፈደራላዊ ባይቶ ኤርትራ ፣ ባይቶ ህዝባዊ ግምባር ኤርትራ፣ ጊዝያዊ መሰጋገሪ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ፣ ከም ማለት ዮም።  እታ ኳዂቶ እትብል ቃል ግን፣ ብዙሕ ዝውትርቲ ቃል ኣይኮነትን ፣ ገለ ገሌኹም  ዋላ ኳ እቲ ልክዕ ትርጉማ እንተ ዘይ ተረዳኣኩም፣ ገለ ተዋሳእቲ ቲቪ ኤረ፣ ንመሰል  ደቀንስትዮ ከነኣእሱ ከለዉ፣ ከም ጸርፊ ክጥቀሙላ  ከም እትሰምዑ ርግጸኛ የ። ነቶም ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝዓቤናን ብገድሊን ብሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሓለፍናን ሰባት ግን፣ ንኳዂቶ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን።  ንምዃኑ መንያ ኳዂቶ ፣ ኣበይ ትርከብ፣ እንታይ ከ ትመስል፣ ንባይቶ ከ ብከመይ ትዛመዳ፣ እስከ ገለ መብርሂ ፈይ ከብል ፍቐዱለይ።

ኳዂቶ ፣ ዓይነት እሾኽ ኮይና ፣ ዳርጋ ንሕማም መንሽሮ እትመሳሰል፣ ብዙሕ ጨናፍር ዘለዋ ፣ ከም ሳዕሪ ሮማዲ ኣስፋሕፊሓ እትቦቅል፣ ኣሸጋሪት ዓይነት እሾኽ ያ። ትርከበሉ ባይታ እንተ ርኢና፣ ኣብ ጭንጫ ዝኾነ መሬት ፣ ማዕድናት ዝወሓዶ ሕርሻ ፣ ብጻህያይ ዝተዋሕጠ ሕማቕ ግራት ያ እትፈሪ ። ኣቦታት ክምስሉ ከለዉ ውን ** ሕማቕ ግራት ኳዂቶ ትፈሪ፣ ሕማቕ ሰብ ከ  ስባር ብርጭቆ  የዔሪ ** ይብሉ ።  እቲ  ኳዂቶ ኣይብላዕ ፣ እቲ ዝተሰብረ ብርጭቆ ኸ ኣይዕረ፣ ትርፉ ድኻም ጥራሕ ዩ ማለቶም ዩ ። ኳዂቶ መብዝሕትኡ ጊዜ፣ ኣብ ሰብ ዝኸደሉ መንገዲ፣ ፋሕ ኢላ ስለ እትበታተን፣ ክትስጉም ኢላ ኣብ መሬት ዝዓለበት እግሪ ፣ብኳዂቶ ከይተለኽፈት ኣይትሓልፍን ያ። ገለ ካብ ዛንታ ኳዂቶ ንምጥቃስ፣ ሓደ እዋን ፣ ሓደ ገባራይ ንስራሕ ተሃዊኹ ተብ ተብ  እናበለ ክስጉም ከሎ፣ ኣብ ከብዲ እግሩ ፣ ኣርባዕተ እሾኽ ኳዂቶ ይወግኦኦ ። ምኻድ ስለ ሰኣነ ድማ ፣ ነተን እሾኽ ካብ እግሩ ከውጽእ ኮፍ ይብለልኩም ። ኣብቲ ኮፍ ዝብለሉ ዘሎ ቦታ ውን ዘየስተብሃለሉ መዓት እሾኽ ኳዂቶ ፋሕ ኢሉ ነበረ ፣፣  መዓት ዝወረዶ ሰብኣይ፣ ኮፍ ክብልን ፣ ገለ ሓሙሽተ ዝኾና ፣እሾኽ ኳዂቶ ብሓንሳብ  ኣብ መዓኮሩ ክወግእኦን  ሓደ ይኾኖ ። ብስምባደ  ብድድ ይብል ሞ ፣ ከይተረድኦ ተጠሊዑ ይቕንዞ ። ሕሱም ቃንዛ ናይዚ ሰብኣይ ዝሰምዔ ፣ ሓላፍ መንገዲ ፣ ናብቲ ሰብኣይ ቀሪቡ፣ ** ተመን ድዩ ነኺሱካ ዝሓወይ ** ኢሉ ብድንጋጸ ይሓቶ ። ወዮ ሰብኣይ፣ ከይሓነኸ፣ እንታይ ተመኑ ወደይ፣ እሾክ ኳዂቶ ባ ተጻዊተናለይ፣ ገለ ኣብ  እግረይ ገለ ክኣ ኣብ መዓኮረይ ፣ ዝገደፋለይ የብለንን፣ ንዓ ድኣ ኣውጽኣለይ በጃኻ ይብሎ ። ወዮ ሓላፍ መንገዲ ፣ ቃንዛ እሾኽ ኳዂቶ ፣ ተፈቲኑላ ዩ፣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጣ፣ ኣይተገረመን። ንዓ በል ፣ ጊዜ የብለይን ህዉኽ የ፣ ዋላ ነተን ናይ እግርኻ ከውጽኣልካ ሞ፣ ዝተረፈ ናይ መዓኮርካ ግን ባዕልኻ ቀስ ኢልካ ትኣርዮ ይብሎ  ።  ብኳዂቶ ዝተለብለበ ሰብኣይ እናተቐንዘወ ፣ ** በል ዝሓወይ፣ ህዉኽ ካብ ኮንካስ፣  እንተኽኢልካ ነዘን ናይ መዓኮረይ  ጥራይ ኣውጽኣለይ እምበር፣  ኮፍ መበሊ ፣ ምስ ረኸብኩ ድኣ ፣ ነተን ናይ እግረይ ባዕለይ ዘየውጽኤን ፣** በሎ ይብሃል ።  ሓቁ ፣ ዘረባ ያ ! ፣ ኣብ ግራት ኳዂቶ ! ኣብ ሃገር ኳኲቶ ! ፣ ኣብ ባይቶ ኳዂቶ !፣ ስኣን ኮፍ መበሊ ! ፣ ኩልና ኣይጥዓመናን  ! ።

መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ትብሉኒ ርግጸኛ የ። ባይቶን  ኳዂቶን ከ  እንታይ ኣራኸበን ውን ትብሉ ትኾኑ ።  መቸም እቲ ኳዂቶ ፍረ ሕማቕ ግራት ዩ ካብ በልናዮ፣ እቲ ባይቶ ውን ፍርያት ሕማቕ ህዝቢ ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ገጹ ከይወስደና እስከፍ የ።  ምስላ እንድዩ ፣ “ እዚ ወዲ` ዝን ፣ ኣብ` ዚ ዓዲ `ዝን” !  ወይ ድማ “ ከሰተን ስዋ ምስ ሰተን ” !  “ ንስኻን ኣምሲኻን “  ወዘተ፣  ዝብል ምስላታት እንተ ድኣ ሃልዩና፣  “ባይቶ ን  ኳዂቶ ን” ! ከ  ከም ምስላ ሕውስ እንተ በለተን እንታይ ጸገሙ ። ብሓቂ ንባይቶና እትበቅዕ ምስላ እንተ ኮይና ፣ ገላጺት ምስላ እምበር ፣ ምስ ጸርፊ ዘራኽብ የብላን በሃላይ እየ ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ከም ጸርፊ ጌሩ ዝተረድኣ ሰብ እንተ ድኣ ሃልዩ ግን ፣ መግለጽየይ ንጸርፊ ከም ዘይኮነ ፣ ክርድኣኒ ይላቦ ። ዝቕየም እንተልዩ ውን ኣቐዲመ ይቕረታ ይሓትት ።

ብዝኾነ ፣ ኣብ  ዋና ጉዳይና ንመለስ ። ተመክሮና ከም ህዝቢ፣ ኣብ ኣቀዋውማ ባይቶና ፣ ይኹን ኣብ ምቁጽጻር ባይቶና ፣ ካብ ኣርብዓታት ክሳብ ሎሚ ከመይ ይመስል ።  ሕጋውነቶምን ኣቀዋውምኦምን  ብዘየገድስ ፣ ነቶም ኣብ ተሞክሮና ዝረኤናዮም፣ ኣብ አእዋኑ ዝነበሩ ባይቶታትና ማለት፣ ባይቶ ሓምሳታትን ፣ ባይቶ ተስዓታትን ፣ ባይቶ ኣዋሳን ፣ ከም ኣብነት ጠቒስና እሞ ንርኣዮም ።  ኣብ ሰለስቲኦም ባይቶታትና ፣ ኣብ ኣቀዋውምኦም ይኹን ኣብ ምቁጽጻሮም፣ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ተማእዛዝነት እንተርኢና፣ ዘገርም ዩ። ህዝቢ ውን ከም ዋና ስልጣን መጠን፣ ወሳኒ ተራ ነይሩዎ ዶ ዝብል  ሕቶ እንተ ድኣ ኣልዒልና ፣ ዝገደደ ዘስደምም ዩ ። እቲ ባይቶ ኸ ፣ ድሌትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ሰሪሑ ዶ ዝብል ሕቶ እንተ ድኣ ኣልዒልና ሞ ፣ ዘርምም ዩ  ክኸውን ። እቲ ሓደ ዝገርም ፣ እቲ ካልእ  ዘስደምም ፣ እቲ  ሳልሳዮም ከ  ዘርምም ፣ ካብ ኮነ ድኣ ሞ፣ ፣ መኖም ዩ እቲ ጸገም ፣ እታ ግራት ድያስ  እታ ኳዂቶ ፣ ወይስ እቲ ባይታ ዩ ፣ ዶስ እቲ  ባይቶ ። ከምቲ ሓንቲ ሓያል መርዓት ኢላቶ ዝብሃል፣ “ ከይትቕየማኒ እምበር ሸርሙጣ ምበልኩኽን “ ዝበለታ ንሓማታ ፣ ንሕና ውን ኩሉ ንዓና ኮይኑና ምበር ፣ እቲ ጸገም ኣብ ኩሎም ዩ ዘሎ ምበልና።  ንምንታይ ሲ፣ ከምቲ  ዳን ኮኔል ፣ **ንሱስ ፍርያትኩም እዩ ** ዝበሎ፣ ካብ ዘይሳነ ህዝቢ ፣ ዘይሳነዩ መራሕቲ ክፈርዩ ፣ ካብ ሕማቕ ግራት ድማ ፣ እሾኽ ኳዂቶ ክፈሪ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ።  መስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምቲ እሾክ ዝተወግኤ ሰብኣይ ዝበሎ ፣ እሾክ እግሩ ዘውጽኣላን ፣ ኡፎይ ኢሉ መጻኢ ዕድሉ ዝቕይሰላን፣ ነጻ ዕድል ገና ኣይረኸበን ።

እስከ  በሉ ፣ ንታሪኽ ባይቶታትና በብሓደ  ምእንቲ ክንመዝኖም ፣ ብባይቶ ሓምሳታት *ባይቶ ኤርትራ*  ክንጀምር ።  ህዝቢ ኤርትራ ፣ ንመጀመርታ ጊዝይኡ ፣ ኣብ እዋን ፈደረሽን ዩ ፣ብሃገር ደረጃ ፣ ባይቶ ከቕውም ዕድል ምስ ረኸበ ፣ ብ 13 መስከረም 1952 ፣ ብምርጫ ህዝቢ ፣ 68 ዝኣባላታ  ሃገራዊት ባይቶ ዘቖመ ። እዛ ባይቶ እዚኣ፣ ከም ሓጋጊ ኣካል መጠን፣ ብደረጃ ፈደረሽን ንሃገር ዝገዝእ ሃገራዊ ሕጊ ድሕሪ ምጽዲቓ  ካብ ውሽጣ  ብ48 ካብ 68 ድምጺ ፣ ንደጀዝማች ተድላ ባይርኡ ፣መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ጌራ ዝመረጸቶም ፣፣ ደጃዝማች ተድላ ውን ፣ ከም ፈጻሚ ኣካል መጠን ፣ መሳርሕቶም ድሕሪ ምሕጻይ ፣ ሕጸኦም ብባይቶ ምስ ጸደቐሎም ፣ ሚኒስተራቶም ኣሰንዮም ሃገር ክመርሑ  ዝጀመሩ ። ካብዚ ዩ ክኣ ፣ እቲ ጸገም ባይቶ ዝጅምር።

ታሪኽ ከም ዝሕብሮ እንተ ድኣ ኾይኑ ፣ ደጀዝማች ተድላ ባይርኡ፣ ድሕሪ ቲ፣ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ፣ ኮይኖም ምምራጾም፣ ትርጉም መንግስትነት ስለ ዝተሰወጦም፣ ስልጣን መንግስትነት ባህ ይብሎም እሞ፣ ካብቲ  ፍጹም ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ፣ ዝብል ዝነበረ ፣ ተሪር ኣንድነታዊ  መርገጾም ፣ ተፋቲሖም፣ ተሪር ተጣባቒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ነይሮም ይብሃል ። እዚ መርገጽ ዚ ዘየሓጎሶም፣ ኣንድነታውያን ኣባላት ባይቶ ግን ፣ ምስ ምክትል እንደራሴ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ፣ ምስ ደጀዝማች ቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል ብምስምማዕ ፣ ንባይቶ ዝመቓቕል ኣጀንዳ ይምህዙ ሞ ፣ ንደጀዝማች ተድላ፣ ኣብ ባይቶኦም እሾኽ ኳዂቶ ይዘርኡሎም ። መራሕ መንግስቲ ደጀዝማች ተድላ፣ ኣብ ማእከል ባይቶኦም ፣ ብኣባላት ባይቶኦም፣ ንፈደርሽን ዘፍርስ  ሓያል  እሾኽ  ኳዂቶ ፣ ስለ ዝተዘርኦም ፣ ኳዂቶ እናተወግኡ፣ ምስራሕ ምስ ጸገሞም ፣ ናይ 4 ዓመት ዕድመ ስልጣኖም ከየእከሉ፣ ኣንጸርጺሮም ፣ ነቲ ዝወከሎም ህዝቢ ፣ ኣብ ሲነማ ካፒቶል  ኣኪቦም ፣ብ 29 ሓምለ 1955 ፣ ስንብታ ሓቲቶም ካብ ስልጣኖም ይወረዱ ። እዚ ንገዛእ ባይትኡ ፣ ባዕሉ ንባይትኡ ዘፍርስ ዓሻ ባይቶ ኤርትራ እዚ፣ መተካእታ ደጀዝማች ተድላ ፣ ንሓደ ኣባል ባይቶ ውን ዘይነበሩ፣ ንቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል  ብምሉእ ድምጺ ይመርጾም።

እታ ፣ ከም ማእከላይ ፍታሕ ተሓሲባ፣ ኩለን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኤርትራ ዝረዓምኣ፣ ብውሑዱ መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ስያመ ዝነበራ ፣ ሸራፍ *ፈደረሽን * እምብኣር ፣ ካብዚ ያ ክትፍሓቚ ትጅምር። ስኣን  ስምምዕ  ባይቶ ዩ ክኣ ፣ ቀስ ብቐስ ፣ ቅድም ብ 1959 ባንዴርኣ ወሪዱ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝትካእ፣ መወዳእትኡ ድማ  ብ 15 ሕዳር 1962 ብ ድምጺ ባይቶ ፣ ፈደረሽን ፈሪሳ፣ ትካሎም ዘፍረሱ ባይቶኸ ፣ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም፣ ኤርትራ ውን  ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ተጸዊዓ ። እቲ ዘገርም፣ ወያ ፈደረሽን ይፍረሰልና ኢላ ዘድመጸት ዓሻ ባይቶ ፣ ትኾርዓሉን ትኸብረሉን ትካላ ስለ ዘፍረሰት ፣ ነየናይ ትካል ወኪላ ፣ እንታይከ ሰሪሓ ክትክፈል፣ ኩላ ካብ ስራሕ ደው ትብል ሞ ፣ ገለ ሓድሽ ስራሕ እንተ ተቶኽበላ ደጅ ኢትዮጵያውያን ክትጥምት ትግደድ ። ሓደ ጥራይ በሉለይ፣  * ኳኹቶ ዝተዘርኦ ባይቶ *

ህዝቢ ኤርትራ ፣ ብሰንኪ ባይቶን ኳዂቶን ዝጠፍኤ ሰብኣዊ  ክብሩን መሰላቱን  ክመልስ እንተኾይኑ እታ ዝተረፈቶ እንኮ ምርጫ ብረት ምልዓል ጥራሕ ያ ነይራ ።  ርትዓዊ ባይቶን ፣ ብሕጊ ዝገዝእ ስርዓትን ፣ዝተኽለላ ነጻ  ሃገር ንምፍጣር  እዩ ድማ፣ ኣማእታት ኣሽሓት ቀያሕቲ ደቂ ህዝቢ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ዘካየደ ። ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል፣ ደም ኤርትራውያን ከም ማይ ኣይሂ ውሒዙ ዩ።  ገሊኡ ንስለ ናጽነት፣ ገሊኡ ድማ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ፣ ደም ኣሕዋት ከም ማይ ኣይሂ ፈሲሱ ዩ ።  ካብ ምጽኣቱ ስ ከም ዝብሃል፣ እዚ ደም ዚ ግን ብከንቱ ኣይተረፈን ። ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብምልኣት ኳ እንተዘይመለሰ፣ ብዉሑዱ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ፣ ክፈጥርስ በቒዑ ዩ ።  መሬታን ባሕራን ሰማያታን  ዘነጸረት ሃገር ተፈጢራ ያ። ሕጋውነቱ ይኹን ኣቃውምኡ  ደስ ዘየብል  ብሓደ ውድብ ዝተረቑሔ 150 ዝኣባላቱ ባይቶ ውን ፣ ቆይሙ ተባሂሉ። እዚ ውን ከምቲ ወራዙት ክምስሉ * ተኽላይ እንትጠፍኤስ ፣ ዝገደደ ወልዳይ ተተኽለ * ዝብልዎ ፣ ንህዝቢ ኤርትራስ  ኣይጠዓሞን፣ ኣይከም ትጽቢቱን ፣ ካብ ቀዳማዩ ፣ ዳሕራዩ ይገድድ ። እዚ  ብሕርያ ህዝባዊ ግምባር ዝቖመ ባይቶ ዚ ውን እንተኾነ፣ ባይቶ ኢኻ ምስ በልዎስ ፣ ካብ ታ ሰራም እሾኽ  ኳዂቶ  ኣይደሓነን ።  ነንሓድሕዱ ክወናጀልን  ክካሰስን ውን ጊዜ ኣይወሰደሉን፣። መብጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ምትግባርስ ይትረፍ፣ ህልውንኡ ከረጋግጽ ውን ኣይከኣለን። በዚ መጸ ዘይበሎ ፣ እሾኽ ኳዂቶ ተዘሪኡዎ፣ ገሊኡ ኣሳሪ  ገሊኡ ክኣ ተኣሳሪ ኮይኑ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩዎ ፣፣  እቲ ዘሕዝን፣ እቲ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ተረሲዑ፣ መወዳእትኡ ኸ እቲ ዝተኣስረ ኣይወጸ ፣ ይሙት ይሃሉ መረጋገጺ የለን፣ እቲ ኣሳሪ ኮይኑ ዝተረፈ ክፋል ውን ፣ ከምቲ ቀዳማዩ፣ ጌጋ ባይቶ ኣርባዓታት ደጊሙ፣ ትካሉ ስለ ዘፍረሰ፣  ካብ ስራሕ ደስኪሉ ፣ ህልውንኡን ሕጋውነቱን  ኣጥፊኡ ይርከብ ። ተካል ባይቶ ። ክልተ ጥራሕ ሞ በሉለይ ። ኳዂቶ ዝተዘርኣ ባይቶ ።

ካብዚ ቀጺሉ ፣ እቲ ድሕሪ 2001 ዝሰዓበ ፣ ብሕም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ናይ ጫካ ሕጊ ዩ  ።  መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ጸቢባ ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ፣ ብኣፍስ ይትረፍ፣ ብመቐመጫ ውን ምትንፋስ፣ ከም ገበን ዝተቖጽረሉ መዋእል ኢና በጺሕና ። ሰብ ከም ተራ ኣቕሓ ፣ብይጽንሓለይ ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበሊ ተዓዚብና። ባይቶስ ይትረፍ ፣ ቅዋም ዝብሃል ዘይብላ ሃገር ውን ርኢና። ሕሉፍ ሓሊፍና ፣ ሰብ ክቡር፣ ከም ጤለ በጊዕ ሜእ እናበለ ክሕረድን ፣ ኮላሊቱ ተጎርጒሩ ንዕዳጋታት ክወርዱን ፣ ዋጋታቶም ኣብ ኣስመራ ከም ዝኽፈሉን ውን ሰሚዕና ። ዘይተነግረ እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘይተገብረ ገበን የለን ይብሃል ዩ ። ነበርቲ ኣስመራ ምትንፋስ ምስ ጨነቖም ዮም ይመስለኒ ፣ ነቲ ኩነታት ዝገልጽ ዋዛ ፈጢሮም ይብሃል ዩ። ወይዘሮ ሳባ ፣ብዓልቲ ቤቶም ንፕረሲደንት ኢሳያስ ፣ ንወደን ጫማ ክገዝኣሉ ብማለት ፣ ናብ ሓደ ኩሉ ጊዜ ጫማ እትገዝኣሎም ኣቦይ ሰሎሙን ዝተባህሉ ዓሚላ ይኸዳልኩም ።  ምስ ብዓል ድኳን ፣ ምዉቕ ሰላምታ  ድሕሪ ምልውዋጠን፣ ሓድሽ ሞዳ ዝመጸ ጫማ እንተሎ ይሓቶኦም እሞ፣ ወያ ኣቦይ ሰሎሙን ፣ ኣሎና እወ ይብሉ። ካብቲ ላዕለዋይ ከብሒ ጫማታት ፣ ጫማ ከውርዱ ኣስካላ ዘርጊሖም እናደየቡ ከለዉ፣ ጥራጥ መሊቛቶም ቋቚ የብሉ ሞ፣ ወዮ ወይዘሮ ሳባ፣ ስሓቕ መሊቑወን፣ * ኣቱም ኣቦይ ሰሎሙን ፣ የዋርድኩም፣ የውርድኩም* እናበላ ደጋጊመን ይስሕቃሎም ። ኣቦይ ሰሎሙን ግን ኣይሰነፉን፣ ከም ዋዛ ኣምሲሎም ** ዋእ ሳባ ጓለይ፣ ጉድ ኮ ረኺብና፣ ሰብኣይኪ ብኣፍና ከይነተንፍስ ሒዙናስ ፣ ንስኺ ክኣ ብመዓኮርና ምትንፋስ ክትከልእና፣** ኢሎም ኣስሓቕወን ክብሃል ንሰምዕ ። ሓቂ ድዩ ሓሶት እዝግሄር ዋንኦም፣ ትንፋስ ግን ከሊኦሙና እወ ።

ብድሕርዚ ዩ ክኣ ፣ ስታቲስቲክስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፣ ክሳብ ሕጂ ፣ ዳርጋ ሓደ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ማለት ዩ፣ ንስደት ዘምርሔ ። እዚ ህዝቢ ዚ፣ ኣብ ስደት ውን እንተኾነ ፣ በብዝመስሎ ኣገባብ፣ ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓለን። ይኹን እምበር እቲ ተቓውምኡ ፣ ኣየድምዔን፣  ንምንታይሲ ፣ንሱ ውን ከምቶም ቀዳሞት ኣሕዋቱ ፣ መብዝሕትኡ ኣብ ሓድሕዳዊ ቅርሕንቲ ተጸሚዱ ፣ ውሁድ ሓይሉ ናብ ጸላኢኡ ከቕንዕ  ስለ ዘይ በቕዔ ።  ዓቕምታቱ ንምውህሃድ ካብ ምፍታን ግን ዓዲ ኣይወዓለን ። ሓንሳብ ብስም ምሕዝነት ውድባት ፣ ቀጺሉ ብስም ኪዳን ፣ ተፈቲኑ ግን ኣይተዓወተን ። ኣብ መወዳእትኡ ፣ እስኪ መን ይፈልጥ፣ ስርዓት ህግደፍ ዋላ ብሃንደበታዊ ሕማም ኣንቅጺ ፣ ክወድቕወ ውን ስለ ዝኽእል፣  ብባይቶ ተሰሪዕና ንጽናሕ ዝብል ሓሳብ ብ 2010 ተቐልቂሉ ። ናይ ብዙሓት ንጹሃትን ትጉሃትን ተቓለስቲ ዓቕምን ጉልበትን ዝፈሰሶ  ስራሕ ፣ ዳርጋ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝውክል ዘደንቕ ዋዕላ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ። ድሕሪ ዚ ንመብዝሕትኤን ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ተወከልቲ ህዝብ  ዝሓቖፈ  ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ኣዋሳ ተኻይዱ፣ ምስናይ ጉድለታቱ፣ 127 ዝኣባላቱ ባይቶ ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝብሃል ፣ ዘወናውን ስም ዝሓዘ፣ መሰጋገሪ ባይቶ  ውን ቆይሙ ።

እዚ ብ 2012፣ ንክልተ ዓመት ጥራሕ  ዝተመርጸ  ባይቶ እዚ፣  ውን ከምቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ባይቶታት ኤርትራ፣ **ቁዱሳን ጥራሕ ልሳን**  ኮይኑ ዩ ተሪፉ ። ካብ ሕማም ኳዂቶ  ውን ኣየምለጠን፣ ብግስ ከይበለ ዩ ብእሾኽ ኳዂቶ ክልብለብ ተራእዩ ። ቅድም ኣብ ሞንጎ መርሒነት ባይቶን ፣ ፈጻሚት ኣካልን ፣ ቀጺሉ ክኣ ኣብ ሞንጎ እተን ነቲ ባይቶ ዘቖማ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምትሕንዃላት ተጋሂዱ። እቲ  ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ ፣ ባይቶ መበል 21 ክፍለ ዘመን ተባሂሉ ከብቅዕ ፣ ነቲ ባዕሉ ዘቖሞ ሕጊ ፣ ባዕሉ ክጥሕሶን ፣ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ ዘይሕጋዊ ውሳኔታት ከሕልፍን ክበታተንን ዩ ተራእዩ። ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ክስሕቡ ወሲኖም፣ እቲ ሽግር ካብ ባይቶ ሓሊፉ ፣ ናብ ኪዳን ክልሕም ጀሚሩ፣ ኪዳን ውን ክሸራረፍ ተራእዩ ። መራኺ ብዝሃን ኤርትራውያን፣ ዛዕብኤን ፣ባይቶ ጥራሕ ዝነበረሉ ቅንያት ይዝከረኒ ። ገለ ገለ ብቐደሙ ኢልና እንዲና ክብሉ ከለዉ፣ ገለ ገለ ግን ፣ ካብ ጓሂ ተበጊሶም ፣ ባይቶ ሞይቱ ዩ ረስዕዎ ይብሉ ፣ ገለ ክኣ  ሞትስ ኣይሞተን ግን ይስተሮ እምበር ከቢድሓሚሙ ኣሎ ይብሉ፣  ዝመረሮም ድማ ፣ ኣይሓመመን እባ ድኣ፣ ፈሽ ኢሉ ጨርቁ ደርብዩ፣ ተጸሊሉ ዩ ክብሉ ተሰሚዖም እዮም ። ንምዃኑ ኣብ ዘየሎ ስልጣን ንዝዋጠጥ ባይቶ፣ ሞይቱ፣ ወይ ሓሚሙ ወይ ውን ተጸሊሉ ምባል ጌጋ ድዩ ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ብባህሪኡ፣ ካብ ቃልሲ ወጻኢ ካልእ ሂወት ስለ ዘይብሉ፣ ዋላ ዓለም ከም ኣፍ ዕንቊ ትጽበብ ፣ ተስፋ ስለ ዘይቆርጽ ፣ ንኩልና ዝእክብ ባይቶ ከየቖምና ኣይክሓልፈልናን ዩ ፣ካብ ዝብል ስነ ሞገት ተበጊሱ ፣ ነታ ንእሽቶይ ስድሪ ፣ ናብ ዓባይ ስጒሚ ንምምዕባላ ፣ ዳግማይ ፈተነ ዩ ኣካይዱ ። ሽግራት ባይቶ ዝቕረፈሉን፣ ናብ ጉባኤ እንሰጋገረሉን ጉባኤ  ውን ጸዊዑ፣ ገለ ጽገናታት ክገብር ክኣ ተፈቲኑ። ከም ፈተነ፣ እቲ ሕማም ናይ ውሱናት ሰባት ሕማም መሲሉዎ፣ ነተን ዝነበራ መርሒነታት ባይቶን ፈጻሚት ኣካልን ብምልኣት ኣውሪዱ፣ ናብ 2ይ ጉባኤ ዘሰጋግር፣ መርሒነታት ባይቶን ፈጻሚትን፣ ከምኡ ውን ንጉባኤ እተሰናዱ ኣዳላዊት ሽማገለ መዚዙ ። እዚኤን ውን  ኣይሰመረን ፣ ኣብ ስራሕ ውን ኣይወፈረን።  ከምቲ **ከይተበገሳ ቋቚ ኣበላ* ዝብልዎ፣ መርሒነታት ፣ ገና ኣብ ስራሕ ከይኣተዋ እንከለዋ፣ ቅድም ኣሰናዳኢትን ፈጻሚትን ኣብ ሕቶ ስልጣንን ኣብ ኣተረጓጉማ ሕጊን ተናቚተን፣ እቲ ክኣሊ ዝግብኦ መርሒነት ባይቶ ውን ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ሽግር ኮይኑ።

ታሪኽ ባይቶታትናን ፣ኣብ ባይቶ ዘሎና ተመክሮን፣ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም  ካብ ኮኑ ፣ ድኣ ሞ ፣ እቲ ጸገምና ፣ ካብ ባይቶ ድዩ ወይስ ካብ ባይታ ። መቸም ብተዛማዲ፣ መን ካብ መን ይሓይሽ እንተርኢና፣ ኣብ ባይቶ ሓምሳታት ዝነበረ ሕጋዊን ዲሞክራስያዊን ባህርያታት ፣ ምስ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ከነነጻጽሮ ከሎና ፣ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ብዘይካታ ስምን ሓይልን ካልእ ባዶ ዩ ክብሃል ይክኣል። ብኣንጻሩ ባይቶ ህዝባዊ ግንባርን ባይቶ ኣዋሳን ከነነጻጽሮም ከሎና ውን ፣ ባይቶ ኣዋሳ፣ ኣይ ካብ ሓይሊ ኣይ ካብ ሕጋውነት ንዜሮ ተደመሮ ዜሮ እዩ ክመስል። ስለ ዚ ፣ ካብ ሓምሳታት ክሳብ ሕጂ ኣብዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ስሳ ዓመታት ፣ ብፍላይ ኣብ ሕግን ኣብ ሕጋውነትን ዘለና መረዳእታ፣ ንቑልቁል እና ኣንከራሮና ስለ ዝመጻእና፣ ናብ ሕጊ ዝመልሰና ኣንፈት ክንቅይስ ጊዜ ይጠልበና ኣሎ። እዚ ተመክሮታት እዚ ነብስና ንክንፍትሽን ንከነመዓራርን የገድደና ዩ ። ክሳብ መዓስ ኢና ኸ ፣ ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ከየውጻእና፣ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ብዘሎ በሰር፣ ክንወረዛ ክንነብር ። እቲ ባይቶና፣ ፍርያትናን ንዓና ዝመስልን፣ ከም ዝኸውን ፣ ከመይ ግን ንስሕቶ። እቶም ኣብ ምቛም ባይቶታትና እነርእዮም ሽርሕታትን ሸፈጣትን፣ ምስቶም ካብ ባይቶ እንጽበዮም ፍርያታት፣ እንተ ድኣ ኣነጻጺርናዮም፣ ኢድ ጸናሒት፣ ሸናሒት ምዃና ከመይ ንዝንግዕ ፣ ዘይ ዘራእናዮ ክንዓጽድ ኣይክኣልን እዩ። ስለዚ ንፍቶ ንጽላእ፣ ብሕጊ ዝግዛእ ባይቶ ክንሃንጽ እንተኰና፣ ቅድም ቀዳድም ብሕጊ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ክንፈጥር ኣሎና። ንሕና ከም ህዝቢ መጠን፣ ነቲ ብሕጊ እንመርጾ ባይቶ፣ ብሕጊ ከነውርዶ ከም እንኽእል ፣ እኹል ኣፍልጦ ክሳብ ዘይወነንና፣ ብዛዕባ ባይቶታት ምሕሳብና ምስ ንፋስ ከም ምቅድዳም ዩ ክኸውን ። ቅድም ኣብ ባይታ ንመለስ፣ ስጒምና ንዓቅን፣ ካብኡ ክኣ ንንጠር ። እንተዘየሎ ዓመት ዓመት ፣ ከም ቆልዑ ተኣኪብና፣ ኣብ ሑጻ ክንሰርሕን ፣ኣብ ሳልስቱ ተመሊስና ፣ በቲ ብዘይ ሰረት ዝሰራሕናዮ ቤት ክንቁዝምን ምንባር ፣  ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ካብ ጌጋና ንምሃር፣ ካብ ሓድሕዳዊ ቅርሕንቲ ንውጻእ፣ መምዘኒ ዓቕምና፣ ውጽኢት ስራሕና እምበር ፣ ብዝሒ ዓመታት ኣብቲ ስራሕ ጌርና ኣይንውሰዶ ። ካብ ምፍታን ግን፣ ክሳብ ንዕወት ከይነቋርጽ።

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ

ልዕልና ሕጊ ይንገስ

ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • k.tewolde August 14, 2015

    From somebody who has been around , who has seen it all. It is true ‘garbage in , garbage out’. What you saw is what you reap. Yes! the tyrant is a mirror image of us. There is a little bit of him in all of us.He is our product.We made him to what he is today.He didn’t come from planet Zubron. He knows what makes us tick,and uses it against us.Like brother Niaamen said, let’s do self inventory, rid our self of his characteristics, learn from our past mistakes,and we can be a lean , mean, fighting machine like we use to. This time, the enemy is different, it morphed itself to look like us, it is from within. Beautifully done, Niaamen.

  • ዩራኔም-235 August 14, 2015

    We have talking about our problem for so long but no concrete action taken so far. What do we do is what’s left.

  • atwe shum August 14, 2015

    You got it what is in my heart for so long. Thank you and God bless you.

  • bahta August 14, 2015

    WEY GUUUUD

  • genuine justice August 14, 2015

    With all due respect, the article lacks any value added in sight to help address the underlying bottle necks of our struggle for justice. Blaming the failures, corrupt and patrimonial nature of the Eritrean elite social class to the Eritrean masses is not only distorted and unfair analysis, but also a disservice to the national cause of democracy. Politics as an art of possibility is primarily dependent on the character and capacity of the elite for good or worse The past and present Eritrean politics is not exception to this basic, but inconvenient fact. Neamin’s attempt to equate the political character and code of conduct of the elite to that of the masses is therefore fundamentally a self serving assumption that is void of any sociological and cultural basis.

  • A H August 15, 2015

    ጸባ ስተ ሓው፡ ንዘላኣለም ንበር(ከም ብሂል)
    ደፊረ ህዝብና ኣብቲ ዝድለ ንቕሓት ኣይበጽሔን ከይንብል ብስክፍታ ተበላዕና፡ ምስቲ ህግደፍ ዝብሎ ከይደራጆ’ውን ፈራሕና(ንፍትሒ ወይ ደሞክራሲ፡ 20-30 ዓመት ክወስድዩ ዝበሎ ኤሱ)፡ እንተኾነ ካብ ንጅምር ኣይሰለጠናን። መሃርቲ ህዝቢ ውሒዶም፡ ጠርነፍቲ ብላምፓዲና ተሳኢኖም፡ መራሕቲ ተሓቢኦም፡ ዕዳጋ ንተበለጽትን ዝተደናገሩን ተገዲፋስ ኣንፈትና ኣጥፉእና ካብ ቃልሲ ናብ ልመና መሪጽናስ እነሆ ምስክርና ሓደ ብሓደ ክስረዝ ንዕዘብ። ከም ዝበልናዮ ግን ተኣኪብና ንኹሉ ሕብረተሰብ ዝውክል ሽማግለ ንምረጽ ካብኣቶም ድማ ብምርጫ ባይቶ ነቑም። ክንመርጽ ከለናውን ንኹሉ ሕብረተሰብ ወከልቲ ብማዕረ ካብ ኣስላም፡ ክርስትያን፡ ደቀንስትዮን ተባዕትዮን፡ ምኩራትን ሙሁራትን፡ ከምኡውን ንኹለን ኣውራጃታት ብማዕረ ዝውክሉ ንምረጽ። ይኣክል ናይ ዝሓለፈ ኣሽካዕላል፡ ክጥዕመካን ብማንካ ክትሽገርን ብኢድካ ወስ የብቅዕ። ክቡር ሓው ደጊመ የመስግነካ፡ ካብ ሕጂ ንንየው፡ ዝውክለኒን ዝመርሓንን ክህሉ ግደታ እዩ፡ ብዝተረፈ ኣውያተይ ከስምዕየ፡ ፍተዉዋ ጽልእዋ ከም መስርሕ ውሰድዋ፡ የቐንየለይ!!!!!!!

  • Yusuf MB August 16, 2015

    ነቢብካ ዘይጽገብ ጽሑፍ ኣቶ ንኣምን !!
    “ውርጹጽ ጸሓፋይ’ኳ ኣይኮንኩን” ኢልካና – ንከማኻን ከምኒ ኣማንኤል ሳህለን ‘ውርጹጻት ጸሓፍቲ’ እንተዘይልና ደኣሞ ንመን ኢና ውርጹጽ-ጸሓፋይ ዝብል መቐጸልታ ክንህብ? ካብ ኣርእስቲ ጀሚርካ ስጋብ መደምደምታ ኣዚዩ ሰሓቢን መሃርን ሑጡበ-ጽሑፍ ኢኻ ኣቕሪብካ – ምስናይ ሓቂ ዝሓዘለ ትንታነ እኳድኣ ፡፡ ወናም ጸሓፋይ ከምዝኾንካ ቅድሚ ዓመታት ተዓዚበ ነይረ፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ንኽትጽሕፍ ዘተባብዑ ዛዕባታት ኣናሃለዉኻ ህልም ኢልካ ጠፊእካ ፡፡
    እሞ ምልስ ምልስ ደኣ በለና ሓደራ፡ ብወገነይ ናይ ኣሰና መዓልታዊ በጻሓይ ስለዝኾንኩ ጽሑፋትካ ከይሓልፈና ናብ ኣሰና ክትሰድድ ደስ መበለኒ ፡፡

  • petros teklu August 17, 2015

    ነብስኻ ሓፍ ከየበልካ፣ ከምቲ ልሙድ እንዳባ፣ —–እኳ ኣይኮንኩን ምባልካ ንልቦናኻ የድንቕ። እንተቲ ጽሑፍግን እንታይክወጾ! ሻነይ’በር! ንኣምን ብርግጽ ግርም ጌርካ ኢኻ ኣቕሪብካዮ ዘሎኻ፡ ይኹን’በር ካብ ስክፍታ ግዲ ኾንካስ ብትኽ! ብትኽ! ኣየበልካዮን። ሕሉፍ መምሃሪና ካብ ኮነ ኳኺቶ ቀደምን ሎሚን ኣመሳሲልካ ነቲ ኳኺቶ ሎሚ ብምስካፍ ይመስለኒ ሸለል ኢልካ ዝሓለፍካዮ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ብዘይ ነሓፍነት ነቲ ዝስመዓካ ቶግ ቶግ ተዘይቢልካዮ ኣየኖት ኮንዮም እቶም ኳኺቶ እቶም ግጉያትዶ እቶም ቅኑዓት፧ ብጻይ ቅኑዓት ምኻን ዝመስልዎ የለን። ንስኻ ነቦኻ ትመስል ንስኻ ነቦኻ ትመስል ግን ማእከላይ መርገጽ ስለዝኾነት በለጽ ትመስል። በሎ እቲ ዝበሃል ግደ ዉፉያት ሰብ ሕልና ተቃለስቲ ደቂ ህዝቢ ብኣኽብሮት ኣሞጉስ ሓብር ኣነጺርካ ዝበሃል በል፡ መተካእታ ክሳብ ዘየቕረብካ ጽሑፋዊ ኣስተዋጽኦኻ ምንኣዱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ግደ ግጉያትን ጉድለታቶምን ካብ ተገልጸ ግደ ብሉጻትን እወንታዊ ፍረቃልሶም ምግላጽ ምተገብአ እብል ኣነስ፡ ከመይሲ ግደ ሓቀኛታት ተቃለስቲን ተወፋይነቶምን ኣበርክቶኦምን ዘጋጥሞም ዝነበረን ዘሎን ከምዘላታ ተተቕርበለይ ምፎኾሰኒ። እንተ ምዝራብሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ ተን ኣሓሞ ወሲዶመን ከይመስልሲ ዋላ ኩሉ ምባሉ እንተኣገመካስ ገለ ፈይፈይ ከተብል ክትግደድ ኢኻ። እዚኹሉ ምሂርካ እንታይ ኣፍረኻ፧ ሕጂኸናበይ፧ እግረመንገኻ ክትምልሶም ኔሩካ፣ ነቲ ዝደናገር ዘሎ “ካብ ኩዱን-ብኣፈስላሴ” ኢልካ ምሕላፉ ክንቁጠብ ይግባእ። ክሳብመዓስሞ ደኣ ትንፈር’በር ጤልያ እንዳበልካ ክንበር፧ ተስፋ ይገብር ኣብ ካዕባዊ ጽሑፍካ ብዛዕባ እሾኽ ጎኖቕ ክትጽሕፍ ከሎኻ መንዮም ብግቡእ ሓብር ሓደራኻ፡ ነግረመንገደይ ነታ ካብ ኣነ ናብ ንሕና ትብል ግጥመይ ከተንብባ ሓጋዚት ኮይና ይርኽባ። ኣብ ርክብ ኩቡርሓው ንኣምን። ፍትሒ ይንገስ! ሰላም ክህሉ! ሸለል ይትረፍ ከይንሓምየሉ! እቶም ዝብሉ ዝበሉ ይበሉ ጎሲናዮም ኣይንሕለፍ ነቶ ዝተበደሉ፡ ከይብሉና ኣምሰላ።

    • Berhane August 18, 2015

      Eritrea has great people like you. Please keep motivating its people by writing this will fight the foul mouth of the dictator Sofia TM and the puppet Gidion a disgrace to their family and to their country!!!!

  • Berhane August 18, 2015

    Well said!!!! But what is the end? People like you should give the youth direction. Dictator Essayas is slowly but surely dying by himeself but who will be the next? Everyone in the Dictator’s regime are scared to death we should not expect anything from them those who abondened his Gov’t are leaving peacefully in exile enjoying the money they looted from poor Eritrea and other like Kisha and Yemane Monkey eventually will be killed by the dictator.

POST A COMMENT