Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባርነት ዘይጸግብ ህዝቢ

“Who does not remember yesterday will not Know about tomorrow even though he/she thinks today a hero” ባርነት ዘይጸግብ ህዝቢ ዝነገሰ ንጉስና - ዝበረቐ ፀሓይና ካብ ኮነ እምነት - መብዛሕቲኡ ህዝብና ማዕርነት ፍትሒ - ተደቑሱ ኣብ ዓድና ምጽቃጥ ካብ መረጽና

Who does not remember yesterday will not Know about tomorrow even though he/she thinks today a hero”

ባርነት ዘይጸግብ ህዝቢ

ዝነገሰ ንጉስና – ዝበረቐ ፀሓይና

ካብ ኮነ እምነት – መብዛሕቲኡ ህዝብና

ማዕርነት ፍትሒ – ተደቑሱ ኣብ ዓድና

ምጽቃጥ ካብ መረጽና – ብዘይ ሕጊ ተገዚእና

ስውኣት ሰማእታት – ተረሶዖም ስንኩላትና

ዓገብ ዝብል ተሳኢኑ – ብጠጠውና ተገኒዝና

ኣፍ መቓብር ንጽበ – ክንኣትዮ ተዓሚትና

ብዘይ ህዝቢ – ካብ ኮነት ዓድና

ናይ ትማሊ ኣናብስ – አበይ አለኹም ኣሕዋትና

ህግደፍ ምስ ሰዓብቱ – ከጽንት ከሎ ዓድና

ባርነት ዘይጸግብ -ህዝቢ እንዲዩ ተቖጺርና።

 

ብደም ብዓጽምቲ – ዝመጸ ወደባትና

ብዋርሳይ ይከኣሎ – ዝተኸበረ ወደባትና

ሎሚ ተረሲዖም – ኤርትራውያን ጀጋኑና

ውልቀ መላኺ – ክሽንሽና ሕድሪ መብጽዓና

እንዳረኣኻ ምጽቃጥ – እንታይ ይኸውን ጉድና

እንታይ ኢዩ መርገም- እንታይ ኢዩ ወሪዱና

ነብስና ዘይንሓትት – ብጥልመት ተሰዊርና

ሃገር እንዳ ዓንየት – እንዳ ተሳቐየ ህዝብና

ንህድገፍ ንሰግድ – ብጥልመት ተዓሚትና

ንኸብድኻ ምንባር – ካብ ኮነ ምርጫና

ከም ኣኻልብ ተረፍረፍ – ምእካብዶ ይሕሸና

ውርደት ምውራስ – ንወለዶ ወለድና

ይኣክል ዘይንብሎ – ንባርነት ህዝብና

ታሪኽ እኮ አሎ – ጽባሕ ኣብ ቅድሜና።

 

ተበገስ ህዝበይ – ብሓድነት ፍቕሪ

ጸሪግካ ክትጉሕፎ – ንስርዓት ኣነዋሪ

ሃውልቲ ክትተክል – ንጀጋኑ ሕድሪ

ወደባትካ ክክበር – ብባሕሪ ብምድሪ

ምህላውካ ከም ህዝቢ – እንተዘከሮ ፈጣሪ

ንፍርሒ ቀንጢጥካ – ኣፍሽሎ ንሽርሒ

ሕብረትካ ኢዩ ወሳናይ – ክትምልሶ ክብሪ

ንህግደፍ ዓጺድካ – ክትኩሙሮ ከም ሳዕሪ

ህዝበይ ተበራበር – ኣይትደቅስ – እምበሪ።

 

ስደት ዘይመረሮ – ይህሉውዶ ይኸውን

ባርነት ዘይመረሮ – ይህሉውዶ ይኸውን

ግፍዒ ዘይመረሮ – ይህሉውዶ ይኸውን

ብፍትሒ ሕጊ ዝዓገበ – ይህሉውዶ ይኸውን

ኤርትራ ተቐይራ – ናብ ህልዋት መቓብር

ወዲ ሃገር ክጠሚ – ጓና ክዕንድር

ስኣን ሕብረት ፍቕሪ – ተበታቲንካ ክትነብር

ኣይፋል ምባሊዩ – ቂም ቅርሕንታ ከይሓድር

ይተንስእ መንእሰይ – ኣኻልብ ኢሳያስ ከባርር።

 

ዓበይቲ ይምከሩ – መገዲ ይሓብሩ

ከንቱ ከይከውን – ጉዕዞ ተጠንበርቢሩ

ዓይቢ ምስ ንእሽቶ – ብሓደ  ይጠመሩ

ንህዝቢ ራህዋ – ኩሎም ይጸንበሩ

ጣዕሳ ዋጋ የብሉን – ምስ ኮነ ነገሩ

ኤርትራ ጸኒታ – ከምዘይነበረት ሃገሩ።

 

ኣሽሓት ኣሰዊእኻ – ከም ዘይተኸልካ ሓጹር

ንውርደት ተቓሊዕኻ – ከም ዘይትፈልጦ ንቡር

ጓኖት ክዕንድሩ – ገዛኢኻ ከዕገርግር

ብሰንኪ ዲክታተር – ብህርፋን ዝፍክር

 ሃጸይ ኢትዮጵያ ክኸውን – ብደቅኻ ዝቃመር

ናይ በለጽ ሊቅ – ናይ ድሑራት መምህር

ምስሰዓብቱ ጉሓፎ ጽረጎ – ሪሒቑ ይሳገር

ካብ ብደም ጀጋኑ – ዝተሓጽረት ሃገር።

ኣውራጃ ሃይማኖት – ተጠቒሙ መከፋፈሊ

ብጸቢብ ኣተሓሳስባ – መንነትካ ከይተለሊ

ሓሶት እንዳ ነዝሐ – ጊዛዊ መታለሊ

ሓቂ ተረዲእኻ – ካብ ሓሶት ከይትፈሊ

ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ – ገይሩካ ክትበሊ

ይኣክል ከይትብሎ – ንተመን መንዳሊ

ሃገርካ እንዳሸጠ – ገይሩካ መዕለሊ

ኣጽቂጥካ ክትርእዮ – ረሲዕኻ ናይ ትማሊ።

 

ባርነት ዘይጸግብ – ህዝቢ ተቖጺርካ

ዘዝመጸ ይዕንድር – ረጊጹ ክብርኻ

ስኣን ስኒት ፍቕሪ – ምትእምማን ኣጉዲልካ

ጎሓላሉ ክዕንድሩ – ንጹሃን ኣጽቂጥካ

ታሪኽዩ ጽባሕ – ባዕሉ ይፍረደካ።

 

እቲ ኩርዓት ጽንዓት – ናይ ትማሊ ክብሪ

እቲ ተወፋይነት – ሕውነትን ፍቕሪ

መለልይ ኤርትራዊነት – ዝነበረ ሕብሪ

ኣበይ ተሸጉጡ – ናይ ስውኣትና ሕድሪ

ባርነት ተመሪጹ – ተሳኢኑ መኻሪ

ምፍፍልላይ ኮይኑ – ቀንዲ ኣማሓዳሪ

ውልቀ መላኺ ክጥዕሞ – ተዘሪኡ ከምዘይፍሪ

ኤርትራ ብኸይይ – ዓው ኢልኪ ነድሪ

ሞትኮ ናይ ኣዳምዩ – የሎን ዘለኣለም ነባሪ

ባርነት ዘይጸግብ ህዝቢ – ሃብዮ ንፈጣሪ

ንሱ ይፍረደና – በብናትና ግብሪ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 09 – 29 – 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Osman A.Nasser October 21, 2018

    Weddy Sengal, all I can say is: WELLDONE.

  • ውዲ በላይ August 4, 2019

    ኣቱም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም ኩሉኹም ብፍላይ ኣመንቲ ንክርስቶስ ኢትብሉ ከምኡ ከኣ ኣገልገልቲ ዘመርቲ ግብርኹም ይምስክረኩም ኣሎ ኣብቲ ሒቂ ከምዘየሎኹም። ኣመንቲ ዶ ኣይኮኑን ዝእሰሩ ዘሎዎ። መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሓቂ ኣሎ ይቅተሎም ይእሰሮም ንኤርትራውን ፋሕ የብሎም ንሕና ኢና ተጋጊና ማሌት ዶ ኣይኮኑን ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም። ክንደይ ትደፍሩ ንሳቶም ንሞት ይፍርዱ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንስኻትኩም ከኣ ትዘሉ ኣብ ልዕሊኦም ኮንኩም። ጸጋኻ በዚሑለይ ትብሉ ንሳቶም ከ ጸጋ ኣምላኽ ጎዲልዎም ማሌት ድዪ ዝእሰሩን ዝቅተሉን ዘሎው። እዚ ኩሉ መከራ ክሓልፍ ኢዪ ኣይምሰልኩም። ሂትለር የለን ደርግ የልን ሳዳም የለን ህግደፍ ውን ኣይክህሉን ምኽንያቱ ንዝልኣለም ዝነብር መንግስቲ ስለዘየለ። እቲ ክፉእ ዛንትኦም ግና ኣሎ። ንስኻትኩም ውን ከምኡ።

    Weldone

  • Berhe Tensea January 6, 2020

    Excellent poem.

Post a Reply to Osman A.Nasser Cancel Reply