Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዑደት ባራክ ኦባማ፡ንገለ የሕመማ፡ ንገለ ረብሓ ሃደማ፡ንገለ ጠቐማ! ብዘሰኒታ

ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ከባቢናን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምን፡መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቐኒዩ ኣሎ።ኦባማ፡ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገበር ምዃኑ፡ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ዓቢይ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝነበረ ናይ ቐረባ ተዘኽሮ’ዩ። ኦባማ፡ናይታ ዓባይን

ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ከባቢናን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምን፡መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቐኒዩ ኣሎ።ኦባማ፡ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገበር ምዃኑ፡ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ዓቢይ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝነበረ ናይ ቐረባ ተዘኽሮ’ዩ።

ኦባማ፡ናይታ ዓባይን ሓያልን ሃገር ዝኮነት ኣሜሪካ፡መራሒ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምስ ዝተፈላልዩ ዛዕባታትን ጉዳይ ጸጥታን ካልእን ተኣሳሲሩ መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ንቡር’ዩ።

ኦባማ፡ከም መራሒ ሃገር፡ንፈለማ ናብ ቐርኒ ኣፍሪቓ፡ ዝገበሮ ዑደት’ዩ።ኣብዘን ሃገራት ሓደ መራሒ ኣፍሪቃ፡ ከም መራሒ ዑደት ስራሕ ክገብር፡እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ርኽብ ምስተን ሃገራት ከምዘሎ ማህደራት ዝገልጹ ተኮኑዃ፡ስጋብ ሕጂ፡ ብወግዓዊ መንገዲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘይምግባሩ፡ ብዙሕ ክትዛረበሉ ዝገብር ጉዳይዃ ተኮነ፡ኣመሪካ ንሃገራዊ ጸጥታኣን ድሕነታን፡ ልዕሊ ኹሉ ቐዳምነት ሰሪዓ፡ከይደቀሰት ከም ትሰርሕ፡ማንም ዝፈልጦ’ዩ፡ነዚ ከኣ፡ ኣብቲ ንዓዓ ዝመሽኣ ‘ኣማእማኣ’ ህሞት እቲ ዑደት ትገብሮ ኣላ።

በዚ ኮነ በቲ፡ኣመሪካ ኣብ ዝደለየቶ ግዜ፡ ቦታን ሃዋሁን ንጥቅምን ሃገራዊ ረብሓኣን ንምውሓስ፡ነቲ ዑደት ፈጺማቶ ኣላ።እተን ሃገራት ከኣ ዝርብሖ ነገራት ከምዝህሉ ብቐሊሉ ትግምቶ እዩ።ሚዛኑን ርትዓውነቱን ግዜን ተንተንትን ዝምልስዎ’ዩ።

ኦባማ ኬንያዊ መበቆል ኣለዎ።ኦባማ፡ጸሊም ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ እዩ።ነዘን ነጥብታት ጉዝጓዝ ገይሩ ብዙሕ ሰብ፡ኦባማ ፍሉይ ስራሕ ክሰርሕ ዝተጸበዮ፡ኣዲኡ ትቑጸሮ’ዩ ዝበሃል።

ኦባማ፡ናብ ኮረሻ ስልጣን ንምምጽእ፡እልቢ ዘይብሉ መብጻዓታት ኣትዩ’ዩ።ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣመሪካን’ውን፡ ነቲ ኣብ ግዜ ምርጫ ዝግበሩ ዝነበሩ ጎስጓሳትን ሃልኽን፡ርእዮም ኣብ ልዕሊ ኦባማ ዓቐን ዘይብሉ ተስፋን እምንቶን ኣንቢሮምሉ እዮም።ሓቂ ከኣ ከተንብረሉ ዝገብር ሃዋሁን ኩነታትን ምንባሩ ፍሉጥ’ዩ።

እንተኮነ፡ ከምቲ “ኣዴካ ከምዝለ’ኣትካ ዘይኮነስ፡ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ።” ከምዝበሃል፡ንኹሉ ዝ’ኣተዎ መብጻዓ ክገብር ተዘይከኣ፡ግን ንዝተወሰኑ ዝፈጸሞምን ዝዓመሞምን ነገራት ኣለው እዮም።

ካብቶም ገሊኦም ከኣ፡ርኽብ ኩባን ኣመሪካን፡ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመት፡ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ዘሎ፡ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቆራጽ ዕማማት ተጠቓሲ’ዩ።ብተወሳኺ፡ምስ ኢራን ዝነበረ፡ ኣዚዩ ሓርፋፍን ዝሓሽከረን ርኽብ፡ ካብ ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማትን ነገር ምጽሕታርትን ዘድሕን ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ኣብ ሓደ መዕለቢ ምዕራፍ በጺሑ ኣሎ።ገና’ውን ናብ ዝለዓለ በርኺ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ፡ጻዕርታት ንብዙሓት ዘደነቀ፡ ን’ኡድ ተግባር መሪሕነት ኦባማ እዩ።

እዚ’ኦም ገለ ሒደትን ዓበይትን ጉዳያት እዮም።ኣብዚ ዘይተጠቅሱ ብዙሓት ኸኣ ኣለዉ።ዘይተፈትሑ’ውን እልቢ የብሎምን።ን’ኣብነት፡ ዶባዊ ጎንጺ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ኣብ ምፍታሕ ታተ ከማን ኣይተብሃለን።

ኤርትራ ምስ ጁብቲ ዘለዋ ዶባዊ ተኮነ መዕለቢ ኣይተገብረሉን።ኤርትራ፡ኣብ ሶማሊያ ትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ብዓይኒ ሕግን ፖሎቲካን ተራእዩን ተመዚኑን ኮነ ንግብረ ሽበራዊ ስርሓውቲ ትገብሮ’ያ ተባሂሉ ወግሐ ጸብሐ ዝዝረብ ዝነበረ፡ኣብ ግብሪ ብዘይሰርሕ ማዕቐብ ዝጀመረ ወፍሪ፡ከይሰጎመ ላንጋ-ላንጋ ኮይኑ ክተርፍ ተገይሩ ዝብሉን።

ኤርትራ፡ ኣብ የመን ምስ ኢራን ብምምስጣር ትገብር ኣላ፡ ዝብል ሽርሕታት ምሕማስ መዕለቢ ከይተገብረሉ።እንሆ ዘመን ዕምሪ ስልጣኑ ባራክ ኦባማ ብሰላም ይንገባገብ ኣሎ።

ካብዞም ተጠቂሶም ዘለዉ ሒደት ነጥብታት ተበጊስና፡ዕዮ-ገዛ ኣመሪካ፡ብፍላይ ኣብ ዘመነ ባራክ ኦባማ፡ ፍሕት ከምዘይበለ ንጹር ጉዳይ እዩ።እዚ ክበሃል ከሎ ግን ብስቱር ወይ ብዓርከይ ዓርክካን ካልእን ዝተአብረ የለን ማለት ዘይክኸውን ይክእል እዩ።ብጭቡጥ ግን ዝረኣይ ዝድህሰስ፡ እዚ ዝበሃል ጥብ ዝብል ፍረ ኣይተር’ኣየን።ኣይተሰምዐን ይብሉ ብዙሓት ተዓዘብቲ።

እሞ ደኣ፡ዕማም ኦባማ፡ ከምቲ ዝተወጠነ፡ከምቲ ዝተሓስበን ዝተጎስጎሰን ኩሉ፡ኣብ ባይታ ከምዘይተፈጸመ፡ገለ ገለ ነጥብታት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብምድህሳስ ክንዕዘቦ ክ’ኢልና  ኣለና።

ኦባማ፡ንመራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሃቦ መደረ “ንሳልሳይ ግዜ እንተዝወዳደር፡ከም ዝስዕር ይተኣማመን እየ።ግን ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ንክልተ ዙሪያ ጥራይ እዩ ክንወዳደርን ክንምረጽን ዘፍቕደልና።በዚ ከኣ፡ ዕምሪ ስልጣነይ፡በዚ ኣብቒዑ’ዩ።” ክብል ዝሃቦ ሓሳብ፡ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓቢ መልእኽቲ እዩ ዝብሉ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ነዚ ቁንጩል መልእኽቲ ባራክ ኦባማ፡ደሓር ንምለሶ ጉዳይ ኮይኑ፡ንሕጂ ግን ኦባማ ዕምሪ ዘመነ ስልጣኑ የብቕዕ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ነቶም ወሰንቲ ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዕቱብ ክፈትሖን መዕለቢ ክገብረሉን ታሪካዊ ሓላፍነት ኣለዎ።ግዜኡ’ዉን ገና ማይ ኣይሓለፎን ዝብል ርእይቶ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ፡ባራክ ኦባማ እናተዘከረን እናከበረን ክነበር መታን፡ጽቡቕ ስራሕ ዓሚሙ ክኸይድ ኣለዎ።ብፍላይ ከኣ፡እተን መንግስቲ ኣመሪካ ኢዱ ብኸፊሉን ብምሉኡን፡ ኮነ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፈለን ጉዳያት፣ ልዑል ጠመተ ሂቡ ክፈትሖ ታሪኻዊ ግዴታ፡ ኣብ ዝባኑ ኣሎ።

ባራክ ኦባማ፡ኣብ ኮረሻ ስልጣን እናሃለወ፡ጉዳይ ሱዳን መፍትሒ ክረኽብ፡እቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘሎ ማዕቐብ ተኣልዩ ርኽባት ክልቲኡ ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስ ክሰርሕ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ጎንጽን ፖለቲካዊ ቁርቁስን ከቢድ ዘይምርግጋእን ብቕልጡፍ ፍታሕ ኽረክብን፣ኣብ ልዕሊ መራሒ ኬኒያ፡ ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ሱዳን፡ ዑመር ኣልበሽርን ብዓለምለኻዊ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ትእዛዝ ማእሰርቲ ደው ክብልን፡ ጉሁድ ስራሕ ክትሰርሕ ትጽቢት ማእለያ ዘይብሎም እዩ።

/ፍሉይ ቤት ፍርዲ ሄግ ን’ኣምሪካውያን ከምዘይከስስን ኣብ ቐይዲ ከምዘየእትውን ከም ፀሓይ ቐትሪ ትፈልጦ ሓቂ እዩ።እዚ ዘይምዛናውን ዘይርትዓውን ንዝደለካዮን ብቐንዱ ከኣ ን’ኣፍሪቃውያን ዝዐለመን ዘተኾረን ምዃኑ ኣይትስሕቶን ኢካ ዝብል እምንቶ ኣሎ።/

ስለዚ፡ ነዚውን ብህጹጽ መዕለቢ ክትገብረሉ እዋኑ ይጠልበካ ኣሎ ዝከበርካ መራሒ ኣመሪካ ባራክ ኦባማ።

ኣብ ዶባዊ ጉዳያት፡ ኤርትራ ተልዕሎ ዛዕባታት፡እቶም ብዓይኒ ሕጊ ክውድኡ ብያነ ዝተውሃቦም ነጥባታት፡በቲ ሓደ ብያነ ቤት ፍርዲ ከም ምዃኑ መጠን ዕቱብ ዳግመ ግምትን ተበግሶን ይሃበሉ።ብተወሳኺ’ውን፡ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩሉመዳያዊ ግህሰት ጭቆናን ባርነትን፡ ከም ሓደ ዓቢ ምኽንያት ኮይኑ፡ንስቕያት፡ሕሰምን መኸራን ህዝቢ ኤርትራ፡የናውሖን መመሊሱ የዕምቆን ስለዘሎ፡መዕለቢ ክረኽብ ተራን ሓላፍነትን ኣመሪካ ኩሉ ዘይስሕቶ’ዩ።ግደ መሪሕነት ኦባማ ኸኣ፡ብዓንደርእሱ ዝዓዘዘ እዩ።

ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ብሓፈሻ፡ እልቢ ዘይብሉ ማሕበራዊ፡ቑጠባዊ፡ፖለቲካዊ፡ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ሽግራት ከምዘለዉ ፍሉጥ’ዩ።ናይዚ መር’ኣያ ከኣ፡እቲ ዞባ ዘለዎ ሃዋሁን ወድዓውን ኩነታት ግሉጽ መነጸር እዩ።ማሕበረቑጠባዊ ህይወት እቲ ህዝቢ፡ኣብ ዓለም ብጥሜት፡ድሕረት፡ኩናትን ድርቕን ዝልለልይን ዝተዳህከን’ዩ።

ሕምብቲ፡ቐርኒ ግብረሽበራን ጸጥታዊ ስግ’ኣትን ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ጸኒሑን ኣሎን።

እዚ ዞባ’ዚ፡ ካብ ዕቤትን ተጠቓምነትን ቴክኖሎጅን ስነ ፍልጠትን ብብዙሕ ጎንታቱ ዘይተረብሐ፡ጉሱይ ከባቢ እዩ።ብልምዓትን ዲሞክራስን ተኮነ ብጭቡጥ ዝነኣድ ስጉምቲ ዘይከደ፡ኣዚዩ ድሑር ዞባ እዩ።ኣብዝሓ ህዝቢ እዚ ዞባ፡ኣብ ዘይርጉእን መጠነ ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነትን ዝተሳጥሐ ብምዃኑ ፡እቲ ዝደለ ምዕባለ፡ሰላም፡ጸጥታን ዲሞክራስን ሽሻይ ዓንድታቱ ክሕፈስ ኣይተኽ’ኣለን።

ኣብ ታኼላ ናይ ‘ጸላእየይ ጸላኢ፡ፈታውየይ’ ዝብል ፖለቲካዊ ጸወታ ተሸኪሉን ተሸሚሙን ምስ ዓለም ክስጉም ፈጺሙ ኣይከኣለን።ኣብ ኽንዲ ንቕድሚት፡ ንድሕሪት እተን ሃገራት ክስድራ ምጽንሐንን ምህላወንን፡ዓለም ብዓለሙ ዓይኑ ኣንቒሑ ዕለታዊ ዝዕዘቦ ነባራዊ ተርእዮ እዩ።

ይቕጽል…

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Amdemariam Berhane August 1, 2015

    ዘስኒታ።

    ጽሑፍካ እንታይ ንምባል ሙኻኑ ብሩህ ኣይኮነን።ሽግር ሃገራት ብዜጋታት ናይተን ሃገራት ኢዩ ዝፍታሕ።ኦባማ ፕረስደንት ኣሜሪካ ኢዩ።ብቐዳምነት ሽግር ሃገሩ ይፈትሕ ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝበለጸ ስራሕ ኦባማ ኬር ኢዩ።ንሽግራት ናይ ዓለም መሲሕ ኮይኑ ክፈትሕ ምጽባይ ዘይክውንነት ኢዩሞ እቲ ዝቕጽል ጽሑፍካ ከምዚ ቀዳማይ ከከውንሲ ጊዜኻ እንተዘይስዋእካሉ ምመረጽኩ።

    • haile August 1, 2015

      Likie aleka amdemariam eti tihzto bruh aykonen emqot zelewo wun aykonen.

  • who cares August 1, 2015

    Too long with unclear content. Please make it precise and to the point in the next part

    Thank you

  • hara August 1, 2015

    nkulu shigrat africa n america mhabn kab america
    meftihi mitsbayn AYGIDN…nmerahti africa zigenehom trah
    tebaE iyu zeblo …enteterediomo

  • GIRMAY August 2, 2015

    HE IS AN AMERICAN PRESIDENT AND THE AMERICAN PPL VOTED FOR HIM AND HE IS DOING GREAT JOB FOR AMERICA.SO I CAN NOT UNDERSTAND WHAT UR POINT IS. SO IT IS NOT FAIR TO BLAME OBAMA, WHAT YOUR LEDERS HAVE FAILED TO DO FOR U.LET AMERICANS SAY THISE AND THAT.

  • abraham August 2, 2015

    Make it clear please,what is your pt?

  • ngusse August 4, 2015

    obama mmtsau zesekfenan ntsbeyo htsuts rebhan yele

Post a Reply to haile Cancel Reply