Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህልን ምዕባለን

ኣማኑኤል ሳህለ ደቂሰብ ተኣኻኺቦም እንዳታት ምስ ኣቖሙ፡ ነቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኪቕጽል ዝነበሮ ማሕበራዊ ልምድን ወግዕን ከማዕብሉ ጀሚሮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ውሱን ክልል ሓባራዊ ባህርይ ከጥርዩ ክኢሎም። ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ደቂሰብ ተኣኻኺቦም እንዳታት ምስ ኣቖሙ፡ ነቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኪቕጽል ዝነበሮ ማሕበራዊ ልምድን ወግዕን ከማዕብሉ ጀሚሮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ውሱን ክልል ሓባራዊ ባህርይ ከጥርዩ ክኢሎም።

ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ ወግዕታት ኣለዎም። ሰብ ኪሞቶም ከሎ እንታይ ይገብሩ? ከመይ ጌሮምከ ይቐብሩዎ። ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኪወርዶም ከሎኸ? ኪሰትዩን ኪበልዑን ከለዉ እንታይ ኣቕሓ ይጥቀሙ? ክዳን ሰብኣይን ክዳን ሰበይትን ፍልልይ ኣለዎዶ? ሓንቲዶ ወይስ ብዙሓት ኣንስቲ እዮም ዘእትዉ? ንሓሶትን ስርቅን ቅትለትን ብኸመይ መገዲ ይርእዩዎ? ነውሪ ዝብሉዎኸ ከመይ ዝበለ እዩ? ነየናይ ናይ ሰብ ተግባር ኢዮምከ ከም ጅግንነት ወይ ከም ፍርሂ ወይ ከም ልቦና ዝመልኦ ወይ ከም ዕሽነት ገይሮም ዚወስዱዎ ወዘተ.?

ባህሊ ነቲ ማሕበራዊ ህይወት ብኹሉ መዳዩ ከም ዘይቲ ኾይኑ ብዘይ ምግርጫው ኪሰርሕ ዝገብሮ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሓላለፍ ረቂቕን ግዙፍን ገጻት ዘለዎ ልምዲ እዩ። ብኹሉ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣባል ቅቡል ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ንኣኡ ዘይክተል ኣባል ሕብረተሰብ ተነጽሎ ይጓነፎ። ወይ ንኣና ምሰል ወይ ካባና ርሓቕ ከም ምባል እዩ።

እንስሳታት ባህሊ የብሎምን፡ ግን ኣብ ክንድኡ፡ ንኹሉ ንጥፈታቶም መምርሒ ዝኾኖም ደመነፍሲ (instinct)  ኣለዎም። ወድሰብ ግን፡ ነቲ ምስ እንስሳታት ብሓደ እተዋህቦ ደመነፍሲ፡ ናይ ኣእምሮኡ ግዙእ ብምግባር፡ ኣብ ናይ ኣከባቢኡ ጽልዋን ኣብ ናይ ምሕሳብ ክእለቱን እተመስረተ ባህሊ ኪፈጥር ክኢሉ።

ባህሊ ቀስ እናበለ ዚዓቢ ናይ ዘመናት እኩብ ተመክሮን ውርሻን ብምዃኑን ከም ልምዲ ኾይኑ ድማ ናብ ሓውሲ ደመነፍሲ ስለ ዚልወጥን፡ ብሓድሓደ ምኽንያት ብሓንሳእ ክትልውጦ ምፍታን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ኮምዩኒስት ቻይና ብግዜ ማዎ ተራእዩ እዩ።

ሓድሓደ ሰባት፡ እዚ ባህልና እዩ ስለዚ ክንልውጦ ይጽገመና እዩ ዚብሉ ኣለዉ። ብሓደ ወገን ሓቃቶም እዮም፡ ከመይሲ ሓደ ካብቲ ንሓደ ህዝቢ ከም መንነት ኮይኑ ዘገልግሎ ማሕበራዊ ውጽኢት፡ ባህሊ እዩ። ህዝቢ ባህሉ ምስ ዘጥፍእ፡ መንነቱ ድማ የጥፍእ ኣሎ ማለት እዩ። ይኹንምበር፡ ንባህላዊ ለውጢ ምጽራር ማለት ነቲ ናይ ባህሊ ዘገምታዊ ምዕባለ ምርሳዕ ከም ማለት እዩ።

ኣብ ሃገርና ኣብዚ ግዜዚ ዚዝውተር ዘሎ ባህልን ቅድሚ 500 ዓመት ዝነበረ ባህልን ሓደ ኪኸውን ኣይክእልን፡ ከመይሲ እቲ ባህልና ንዘመናት ብወራር ይኹን ብመግዛእቲ፡ ብስደት ይኹን ብምፍንቓል፡ ሓደስቲ ባህልታትን ወግዕታትን ከተኣታቱን ኪርዕምን ጸኒሑ እዩ። ቋንቋ፡ ክፋል ባህሊ ብምዃኑ ድማ፡ ካብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ከምልጥ ኣይክእልን።

ጣልያን ኣብ  ሃገርና ንልዕሊ 50 ዓመታት ኪቕመጡ ኸለዉ፡ እቲ ባህልና በቲ ባህሎም ኪጽሎ ግድን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ከተማታት ምስ ተሰርሐ፡ መኻይንን ራድዮን ምስ ተኣታተወ፡ ክዳውንቲ ፈረንጂ ኪዝውተር ምስ ጀመረ፡ ናይ ምዕራባውያን ኣገባብ ምሕደራ ምስ ሰፈነ ወዘተ. እቲ ባህልና ብገለ ሸነኹ ኪልወጥ ክኢሉ። ኣብዚ ግዜዚ እንተ ረኣናኳ ቀደም ብዓታሩ ገይረን ማይ ዚወርዳ ዝነበራ ኣዋልድ፡ ሎሚ ብጀሪካን እየን ማይ ዚወርዳ ወይውን ሳላ ቡምባ ማይ ምውራድ ገዲፈንኦ እየን። ስለዚ፡ ብቛንቋ ሸነኽ ኪረአ ከሎውን፡ እቲ ማይ ምውራድ ዚብል ሓረግ ቀስ እናበለ ዚጠፍእ ዘሎ ይመስል።

ባህሊ ሽሕኳ ናይ ሓደ ህዝቢ መንነት እንተ ኾነ፡ ከይተለወጠ ንዘልኣለም ኪነብር ግን ኣይክእልን። ከምቲ ሓደ ህዝቢ ከም ሓደ ዓሌት ወይ ከም ሓደ ሃገር መጠን ንዘልኣለም ኪቕጽል ዘይክእል፡ ባህልውን ከምኡ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ሓድሓደ ግዜ፡ ንባህሊ ከም ዘይልወጥ ናይ ህዝቢ መንነት ጌርካ ምውሳዱ፡ ንቝጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እቲ ንምዕባለ መሰናኽል ኮይኑዎ ዝነበረን ኣንጻር ሳየንስ ዚቃለስ ዝነበረን ሓይሊ፡ ባህልን ኣጉል እምነትን እዩ። ሓደ ህዝቢ እቲ ንብዙሕ ዘመናት ዘኻዕበቶ ባህልን እምነትን፡ ብሓድሽ ናይ ሳየንስ ርኽበታትን ኣተሓሳስባን ኪብዳህ ከሎ፡ ስቕ ኢሉ ኣይርእን፡ ብኹሉ ሓይሉ እዩ ዚቃለስ። እዚ ባህርያዊ እዩ፡ ግን ለውጢ ኸኣ ግድን እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ በጺሕናዮ ዘሎና ተክኖሎጂካውን ማሕበራውን ስልጣነ፡ ነቲ ብባህልን ኣጉል እምነትን እተኣወጀሉ ኲናት ስዒሩ እዩ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ።

ኣስታት 200 ዓመት ይገብር፡ በንጃሚን ፍራንክሊን እተባህለ ኣመሪካዊ ንበርቂ ስሒቡ ኣብ መሬት ዝቐብር ሓጺናዊ ዘንጊ ምስ መሃዘ፡ ገለ ኣባላት ቤተክህነት ኣመሪካ፡ ናይ በንጃሚን ፍራንክሊን ምህዞ ኣንጻር እምነትን ኣንጻር ኣምላኽን እዩ፡ ከመይ ገይሩ ደኣ ኣምላኽ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ብበርቂ ገይሩ ዝቐጽዖ ዝነበረ ሓጥያተኛ ኪቐጽዖ እዩ ብማለት ኣብ ኣብያተክርስትያን ሰቢኾም። ግን ኣይቀንዖምን።

ኣብ ሃገርና ምስ እንምልከት፡ ብግዜ ጣልያን ብሽግለታ ክትተኣታቶ ከላ፡ ዓረብያ ሸይጣን ተባሂላ ሰብ ከይውጥሓ ትኽልከል ከም ዝነበረት ይዝከር። ከምኡውን መግቢ ምሻጥ፡ ሓሰማ ምብላዕ፡ በዓልቲቤትካ ኣብ ስራሕ ወፊራ ምእታው፡ ሰበይቲ ክዳን ወዲ ምልባስ፡ ምሒር ምምርማር ወዘተ.. ብባህልና ነውሪ እዩ ነይሩ።

ምዕባለ ክንዮ ባህሊ ስለ ዝርኢ፡ ነቲ ባህልን መንነትን ህዝቢ ብገለ መገድስ የህስሶ እዩ። ንኣብነት ቀደም ብበቕሊ ዝጎዓዝ ዝነበረ ሰብ፡ ማኪና ምስ ተማህዘትን ጽርግያ ምስ ተሰርሐን፡ ንኺቕልጥፎ ኢሉ ማኪና የዘውትር። እቲ ምስ በቕሊ ዝዛመድ ቃላትን ሓረጋትን ምስላታትን ድማ ከልግስ ይግደድ። ሰበይቲ ክዳን ወዲ ዘይትኽደን ዝነበረት፡ ኣብ ገለ ፋብሪካታት ኮምፕላስዮነ ክትለብስ ትግደድ። ናይ መርዓታት ዳስ፡ ናብ ቡፌ ይልወጥ። ክዳውንትን ናይ ጸጕሪ ርእሲ ቅዲ/ፋሽን ብናይቶም ዝማዕበሉ ህዝቢ ቅዲ ይትካእ ወዘተ.. ነዚ ሓድሽ ልምድታትዚ፡ ባህልኻ ዓቂብካ ከተዘውትሮ ኣይከኣልን።

እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ባህልኻን መንነትካን ዓቂብካ ንምዕባለ ደው ምባልን፡ ባህልኻን መንነትካን ኣህሲስካ ምዕባለ ምቕባልን ይመስል።

ሓድሓደ ህዝቢ ወይ ቀቢላ ግን ንባህልን ምዕባለን ብሓደ ክዕቅቡዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግን ብኹሉ ሸነኹ ዚከኣል ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ጃፓናውያን ምስዚ ኹሉ ምዕባለኦም ገለ ካብቲ ናይ ጥንቲ ባህሎም ኣየጥፍኡዎን። እዚ ድማ ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ሻሂ ምስታይ ወግዕን፡ ኣብ ናይ ሰላምታ ምውህሃብ ዚገብሩዎ ተደጋጋሚ ምስጋድን ከም ኣብነት ኪጥቀስ ይክኣል።

ባህለይ ክዕቅቦ እየ ብምባል ዊስኪ ብዋንጫ ጌርካ ምስታይ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን። እዝስ ነቲ ጽሩይ ባህሊ ምብልሻው ጥራይ እዩ። ንዋንጫስ ስዋ እንተሰተኻሉ እዩ ዘኽብሮ።

ሽሕኳ ባህሊ ንምዕባለ ገለ ዕንቅፋት ዘንብረሉ እንተ ኾነ፡ ገሊኡ ግን ንድሕሪትውን ይመልሶ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ምስላታትና ምስ እንርእይ ኣንጻር ምዕባለ ዝኾኑ ኣብነታት ክንጠቕስ ንኽእል። ምስላታት ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቑ ብምዃኖም፡ ንኸምዚኦም ዝበሉ ምስላታት ንምህሳስ፡ ኣቐዲምካ ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ምልዋጥ የድሊ፤

  1. ካብ ብጾታ ዝነውሐት ማሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ = እዚ ምስላዚ ነቲ ሓድሽ ሓሳብ ኣምጺእካ ነቲ ዘሎ ምጽራር ወይ እምቢታ ምርኣይ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ እዩ ዚገልጽ። ከምዚ ዓይነት ምስላ፡ ነቲ ብሓድሓደ ምኩራት ሰባት ዚመጽእ ናይ ምዕባለ ለውጢ የዳኽሞ እዩ።
  2. ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት = ንበይንኻ ደኣ ኣይትገፋዕ እምበር ኩሉ ምሳኻ እንተ ተገፍዐ ኣይእንታይካን ከም ማለት እዩ። እዚ ድማ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ትም ኢልና ክንጾሮ ዚምዕድ ኣዕናዊ ምስላ እዩ።
  3. ዝበረቐ ጸሓይና፡ ዝነገሰ ንጉስና = እዚ ምስላዚ፡ ወላ ጣልያን ወላ እንግሊዝን ወላ ደርጊ ወላ ህግደፍ ተሰሪዖም ይምጽኡ ስቕ ኢልካ ተገዛኣዮም ከም ማለት እዩ።
  4. ንጉስ ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ = ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንጀነቫ ምኻድ ኣየድልን እዩ ከም ማለት እዩ።

ስለዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ባህሊ መንነት ሓደ ህዝቢ ብምዃኑሞ ብምዕባለ ኪሃስስ ከሎ ድማ ነቲ መንነት ዘህስሶ ስለ ዝኾነ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ነቲ ባህልኻ ክትሕልዎ ምግዳል እዩ፡ ግን ከኣ ውዒሉ ሓዲሩስ ባህልኻ ብምዕባለ ኪሃስስ ወይ ኪጠፍእ ብተፈጥሮኣዊ/ማሕበራዊ ሕጊ ግድን ምዃኑ ብኣጋኡ ፈሊጥካ እንተ ጸናሕካ ይሓይሽ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Saba Kidane July 10, 2015

    Wonderful article. My favorite line is : ባህለይ ክዕቅቦ እየ ብምባል ዊስኪ ብዋንጫ ጌርካ ምስታይ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን። I say Amen to see line. I hope my husband is reading this …

    Saba

  • Stefanos Temolso July 11, 2015

    ክቡር መምህር ኣማኒኤል፡ እዚ ተቕርቦ ዘለኻ መሃሪ ዓንቀጻት ንብዙሓት መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ፡ ብሓደ ሃናጽን ኣዘናጋዕን ኣገባብ ብዙሕ ትምህርቲ ዘቕስም፡ ንኣእምሮ ዘበራብርን ዘንጥፍን ስለ ዝኾነ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ብምዱብ እንተ ተቕርቦ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣስመራ ከለኻ ተቕርቦ ካብ ዝነበርካ ዓንቀጻት’ውን ምስ ናይ ሕጂ ኵነታት ኣዛሚድካ ደጊምካ እንተ ተቕርቦ ጽቡቕ ነይሩ እብል። ካብኡ በለ፡ ስለ’ቲ ኣበርክቶኻ ልባዊ ምስጋና ይብጻሕካ። መንእሰያት ድማ ነዚ ኣዘናጋዕን መሃርን ጽሑፋት መምህር ኣማኒኤል ብግቡእ ክትጥቀሙሉ እላበወኩም። ናይ መምህር ኣማኒኤል ጽሑፋት ክተንብቡ ከለኹም ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ትቐትሉ ከም ዘለኹም ተረድኡ።

  • rafu July 11, 2015

    Thank you teacher AMANUEL.please we expect more timely advice from you.I like this article because in our culture we have many things that don’t encourage positive Chang’s

  • Wedi nega July 12, 2015

    ኣዝዩ ሃናጽ ጽሑፍ እዩ መም ኣማኔኤል ሳህለ፡ ባህልና ኩፉእካ ኣይትጽላእ ካብኡ ዝከፋእ ከይመጸካ እንዳበሉ ወለድና ንከይንሓስብ ሓጺሮምና እዮም፡፡ እዝከረኒ፡ሓደ እዋን እዩ፡ኣብ(2009)ምስ ስድራና ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እንዳ ኣዕለልና ኮለና፡እዚ መንግስቲ ጽቡቅ እዩ ዘሎ ስለምንታይ ተማርሩ ኣብ ሶማልን ካልእን እንዶ ጠሙቱ፡ካብኡ ዝገድድ ከይተምጽኡልናስ ተዓጉሱ፡ብምባል ነቲ ሽግር ናብ ባህሊ ኣጸጊዖም ንከይትሓስብ ብሎክ ይገብሩካ፡፡

  • Wedi Bahta July 12, 2015

    Ato Fetsum Abraham,
    In Eritrea the nationalism is based mainly (and almost exclusively) on the three decade
    independence war and also on anti-Ethiopian sentiments, while in Ethiopia the nationalism
    is mainly based on not being colonized by the white man with a long history of kingdom & expansionism.
    However, what the ordinary people of Eritrea and Ethiopia really want is to live in peace and harmony for once and for ever.

  • Liya Mengisteab July 12, 2015

    As usual great article from the great man himself Menher Amanuel Sahle.
    Almost all the ills that have been stoking the Eritrean masses can be traced to one tragic confluence : that of the culture of abuse of ghedli with that of the culture of conformity of the masses.
    And if there is no will to get out of the inverse culture what is the guarantee we may not put in power the same brute system when the present is gone? Sadly there is no guarantee.

    Wedi nega, many thanks for great laugh and well said brother. You are absolutely right that to some extent we have been victims of our parents and environments superstitious.

    • Selamawi July 13, 2015

      Compatriot, I have a different view regarding what you called ‘culture of conformity…’

      The Eritrean people are law abiding and respectful but in the sense of mutuality. Unfortunately for us, during the years of armed struggle, too many violent atrocities took place e.g. widespread arbitrary killings and widespread disappearances. Not to mention the forced conscription of the youth dragged from the hands of their parents.

      The Eritrean public is traumatized by the regime starting from its Gheli era. If given the opportunity the public would not conform. You know so many brave and bright citizens have paid with their lives, some are languishing in detention/prison in harsh conditions, and so many are voting with their feet.

      Respectfully

  • teshamo nfthy July 12, 2015

    this is very interest explanation i liked it thanks a lot teacher

  • kibrom July 13, 2015

    Memher Amaniel

    I learn a lot from you thank you so much we expect more from you because you have more and constructive .

  • Selamawi July 13, 2015

    . ዘይተወቕረ ኣየድሕን፡ ዘይተማህረ ኣየጥሕን።
    . ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምድሓዝ።
    . ባይቶ ዘይብሉ ዓዲ ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ።
    . ንተኣከብ ፍታሕ ክርከብ።
    . በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን።
    . ሓቂ ግበር ኣብ መገዲ ባቡር ደቅስ።

    ቁሩብ ነቲ ሚዛን እንተመዓራረዮ፥ ዝዝከራኒ እወንታውያን ምስላታት ጠቒሰሎኹ።

  • bereket segid July 13, 2015

    I am one who admired your articls.not now from “hanti alem” upto now. I wish one day in free Eritrea to be philosophy lecturer. You explanations are simple,and your exampls are funny and practical wthi in the society. Generally you are perfect writer, simpleand clear article.

POST A COMMENT