Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህልን ምዕባለን

ኣማኑኤል ሳህለ ደቂሰብ ተኣኻኺቦም እንዳታት ምስ ኣቖሙ፡ ነቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኪቕጽል ዝነበሮ ማሕበራዊ ልምድን ወግዕን ከማዕብሉ ጀሚሮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ውሱን ክልል ሓባራዊ ባህርይ ከጥርዩ ክኢሎም። ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ደቂሰብ ተኣኻኺቦም እንዳታት ምስ ኣቖሙ፡ ነቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኪቕጽል ዝነበሮ ማሕበራዊ ልምድን ወግዕን ከማዕብሉ ጀሚሮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ውሱን ክልል ሓባራዊ ባህርይ ከጥርዩ ክኢሎም።

ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ ወግዕታት ኣለዎም። ሰብ ኪሞቶም ከሎ እንታይ ይገብሩ? ከመይ ጌሮምከ ይቐብሩዎ። ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኪወርዶም ከሎኸ? ኪሰትዩን ኪበልዑን ከለዉ እንታይ ኣቕሓ ይጥቀሙ? ክዳን ሰብኣይን ክዳን ሰበይትን ፍልልይ ኣለዎዶ? ሓንቲዶ ወይስ ብዙሓት ኣንስቲ እዮም ዘእትዉ? ንሓሶትን ስርቅን ቅትለትን ብኸመይ መገዲ ይርእዩዎ? ነውሪ ዝብሉዎኸ ከመይ ዝበለ እዩ? ነየናይ ናይ ሰብ ተግባር ኢዮምከ ከም ጅግንነት ወይ ከም ፍርሂ ወይ ከም ልቦና ዝመልኦ ወይ ከም ዕሽነት ገይሮም ዚወስዱዎ ወዘተ.?

ባህሊ ነቲ ማሕበራዊ ህይወት ብኹሉ መዳዩ ከም ዘይቲ ኾይኑ ብዘይ ምግርጫው ኪሰርሕ ዝገብሮ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሓላለፍ ረቂቕን ግዙፍን ገጻት ዘለዎ ልምዲ እዩ። ብኹሉ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣባል ቅቡል ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ንኣኡ ዘይክተል ኣባል ሕብረተሰብ ተነጽሎ ይጓነፎ። ወይ ንኣና ምሰል ወይ ካባና ርሓቕ ከም ምባል እዩ።

እንስሳታት ባህሊ የብሎምን፡ ግን ኣብ ክንድኡ፡ ንኹሉ ንጥፈታቶም መምርሒ ዝኾኖም ደመነፍሲ (instinct)  ኣለዎም። ወድሰብ ግን፡ ነቲ ምስ እንስሳታት ብሓደ እተዋህቦ ደመነፍሲ፡ ናይ ኣእምሮኡ ግዙእ ብምግባር፡ ኣብ ናይ ኣከባቢኡ ጽልዋን ኣብ ናይ ምሕሳብ ክእለቱን እተመስረተ ባህሊ ኪፈጥር ክኢሉ።

ባህሊ ቀስ እናበለ ዚዓቢ ናይ ዘመናት እኩብ ተመክሮን ውርሻን ብምዃኑን ከም ልምዲ ኾይኑ ድማ ናብ ሓውሲ ደመነፍሲ ስለ ዚልወጥን፡ ብሓድሓደ ምኽንያት ብሓንሳእ ክትልውጦ ምፍታን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ኮምዩኒስት ቻይና ብግዜ ማዎ ተራእዩ እዩ።

ሓድሓደ ሰባት፡ እዚ ባህልና እዩ ስለዚ ክንልውጦ ይጽገመና እዩ ዚብሉ ኣለዉ። ብሓደ ወገን ሓቃቶም እዮም፡ ከመይሲ ሓደ ካብቲ ንሓደ ህዝቢ ከም መንነት ኮይኑ ዘገልግሎ ማሕበራዊ ውጽኢት፡ ባህሊ እዩ። ህዝቢ ባህሉ ምስ ዘጥፍእ፡ መንነቱ ድማ የጥፍእ ኣሎ ማለት እዩ። ይኹንምበር፡ ንባህላዊ ለውጢ ምጽራር ማለት ነቲ ናይ ባህሊ ዘገምታዊ ምዕባለ ምርሳዕ ከም ማለት እዩ።

ኣብ ሃገርና ኣብዚ ግዜዚ ዚዝውተር ዘሎ ባህልን ቅድሚ 500 ዓመት ዝነበረ ባህልን ሓደ ኪኸውን ኣይክእልን፡ ከመይሲ እቲ ባህልና ንዘመናት ብወራር ይኹን ብመግዛእቲ፡ ብስደት ይኹን ብምፍንቓል፡ ሓደስቲ ባህልታትን ወግዕታትን ከተኣታቱን ኪርዕምን ጸኒሑ እዩ። ቋንቋ፡ ክፋል ባህሊ ብምዃኑ ድማ፡ ካብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ከምልጥ ኣይክእልን።

ጣልያን ኣብ  ሃገርና ንልዕሊ 50 ዓመታት ኪቕመጡ ኸለዉ፡ እቲ ባህልና በቲ ባህሎም ኪጽሎ ግድን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ከተማታት ምስ ተሰርሐ፡ መኻይንን ራድዮን ምስ ተኣታተወ፡ ክዳውንቲ ፈረንጂ ኪዝውተር ምስ ጀመረ፡ ናይ ምዕራባውያን ኣገባብ ምሕደራ ምስ ሰፈነ ወዘተ. እቲ ባህልና ብገለ ሸነኹ ኪልወጥ ክኢሉ። ኣብዚ ግዜዚ እንተ ረኣናኳ ቀደም ብዓታሩ ገይረን ማይ ዚወርዳ ዝነበራ ኣዋልድ፡ ሎሚ ብጀሪካን እየን ማይ ዚወርዳ ወይውን ሳላ ቡምባ ማይ ምውራድ ገዲፈንኦ እየን። ስለዚ፡ ብቛንቋ ሸነኽ ኪረአ ከሎውን፡ እቲ ማይ ምውራድ ዚብል ሓረግ ቀስ እናበለ ዚጠፍእ ዘሎ ይመስል።

ባህሊ ሽሕኳ ናይ ሓደ ህዝቢ መንነት እንተ ኾነ፡ ከይተለወጠ ንዘልኣለም ኪነብር ግን ኣይክእልን። ከምቲ ሓደ ህዝቢ ከም ሓደ ዓሌት ወይ ከም ሓደ ሃገር መጠን ንዘልኣለም ኪቕጽል ዘይክእል፡ ባህልውን ከምኡ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ሓድሓደ ግዜ፡ ንባህሊ ከም ዘይልወጥ ናይ ህዝቢ መንነት ጌርካ ምውሳዱ፡ ንቝጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እቲ ንምዕባለ መሰናኽል ኮይኑዎ ዝነበረን ኣንጻር ሳየንስ ዚቃለስ ዝነበረን ሓይሊ፡ ባህልን ኣጉል እምነትን እዩ። ሓደ ህዝቢ እቲ ንብዙሕ ዘመናት ዘኻዕበቶ ባህልን እምነትን፡ ብሓድሽ ናይ ሳየንስ ርኽበታትን ኣተሓሳስባን ኪብዳህ ከሎ፡ ስቕ ኢሉ ኣይርእን፡ ብኹሉ ሓይሉ እዩ ዚቃለስ። እዚ ባህርያዊ እዩ፡ ግን ለውጢ ኸኣ ግድን እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ በጺሕናዮ ዘሎና ተክኖሎጂካውን ማሕበራውን ስልጣነ፡ ነቲ ብባህልን ኣጉል እምነትን እተኣወጀሉ ኲናት ስዒሩ እዩ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ።

ኣስታት 200 ዓመት ይገብር፡ በንጃሚን ፍራንክሊን እተባህለ ኣመሪካዊ ንበርቂ ስሒቡ ኣብ መሬት ዝቐብር ሓጺናዊ ዘንጊ ምስ መሃዘ፡ ገለ ኣባላት ቤተክህነት ኣመሪካ፡ ናይ በንጃሚን ፍራንክሊን ምህዞ ኣንጻር እምነትን ኣንጻር ኣምላኽን እዩ፡ ከመይ ገይሩ ደኣ ኣምላኽ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ብበርቂ ገይሩ ዝቐጽዖ ዝነበረ ሓጥያተኛ ኪቐጽዖ እዩ ብማለት ኣብ ኣብያተክርስትያን ሰቢኾም። ግን ኣይቀንዖምን።

ኣብ ሃገርና ምስ እንምልከት፡ ብግዜ ጣልያን ብሽግለታ ክትተኣታቶ ከላ፡ ዓረብያ ሸይጣን ተባሂላ ሰብ ከይውጥሓ ትኽልከል ከም ዝነበረት ይዝከር። ከምኡውን መግቢ ምሻጥ፡ ሓሰማ ምብላዕ፡ በዓልቲቤትካ ኣብ ስራሕ ወፊራ ምእታው፡ ሰበይቲ ክዳን ወዲ ምልባስ፡ ምሒር ምምርማር ወዘተ.. ብባህልና ነውሪ እዩ ነይሩ።

ምዕባለ ክንዮ ባህሊ ስለ ዝርኢ፡ ነቲ ባህልን መንነትን ህዝቢ ብገለ መገድስ የህስሶ እዩ። ንኣብነት ቀደም ብበቕሊ ዝጎዓዝ ዝነበረ ሰብ፡ ማኪና ምስ ተማህዘትን ጽርግያ ምስ ተሰርሐን፡ ንኺቕልጥፎ ኢሉ ማኪና የዘውትር። እቲ ምስ በቕሊ ዝዛመድ ቃላትን ሓረጋትን ምስላታትን ድማ ከልግስ ይግደድ። ሰበይቲ ክዳን ወዲ ዘይትኽደን ዝነበረት፡ ኣብ ገለ ፋብሪካታት ኮምፕላስዮነ ክትለብስ ትግደድ። ናይ መርዓታት ዳስ፡ ናብ ቡፌ ይልወጥ። ክዳውንትን ናይ ጸጕሪ ርእሲ ቅዲ/ፋሽን ብናይቶም ዝማዕበሉ ህዝቢ ቅዲ ይትካእ ወዘተ.. ነዚ ሓድሽ ልምድታትዚ፡ ባህልኻ ዓቂብካ ከተዘውትሮ ኣይከኣልን።

እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ባህልኻን መንነትካን ዓቂብካ ንምዕባለ ደው ምባልን፡ ባህልኻን መንነትካን ኣህሲስካ ምዕባለ ምቕባልን ይመስል።

ሓድሓደ ህዝቢ ወይ ቀቢላ ግን ንባህልን ምዕባለን ብሓደ ክዕቅቡዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግን ብኹሉ ሸነኹ ዚከኣል ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ጃፓናውያን ምስዚ ኹሉ ምዕባለኦም ገለ ካብቲ ናይ ጥንቲ ባህሎም ኣየጥፍኡዎን። እዚ ድማ ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ሻሂ ምስታይ ወግዕን፡ ኣብ ናይ ሰላምታ ምውህሃብ ዚገብሩዎ ተደጋጋሚ ምስጋድን ከም ኣብነት ኪጥቀስ ይክኣል።

ባህለይ ክዕቅቦ እየ ብምባል ዊስኪ ብዋንጫ ጌርካ ምስታይ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን። እዝስ ነቲ ጽሩይ ባህሊ ምብልሻው ጥራይ እዩ። ንዋንጫስ ስዋ እንተሰተኻሉ እዩ ዘኽብሮ።

ሽሕኳ ባህሊ ንምዕባለ ገለ ዕንቅፋት ዘንብረሉ እንተ ኾነ፡ ገሊኡ ግን ንድሕሪትውን ይመልሶ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ምስላታትና ምስ እንርእይ ኣንጻር ምዕባለ ዝኾኑ ኣብነታት ክንጠቕስ ንኽእል። ምስላታት ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቑ ብምዃኖም፡ ንኸምዚኦም ዝበሉ ምስላታት ንምህሳስ፡ ኣቐዲምካ ናይቲ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ምልዋጥ የድሊ፤

  1. ካብ ብጾታ ዝነውሐት ማሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ = እዚ ምስላዚ ነቲ ሓድሽ ሓሳብ ኣምጺእካ ነቲ ዘሎ ምጽራር ወይ እምቢታ ምርኣይ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ እዩ ዚገልጽ። ከምዚ ዓይነት ምስላ፡ ነቲ ብሓድሓደ ምኩራት ሰባት ዚመጽእ ናይ ምዕባለ ለውጢ የዳኽሞ እዩ።
  2. ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት = ንበይንኻ ደኣ ኣይትገፋዕ እምበር ኩሉ ምሳኻ እንተ ተገፍዐ ኣይእንታይካን ከም ማለት እዩ። እዚ ድማ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ትም ኢልና ክንጾሮ ዚምዕድ ኣዕናዊ ምስላ እዩ።
  3. ዝበረቐ ጸሓይና፡ ዝነገሰ ንጉስና = እዚ ምስላዚ፡ ወላ ጣልያን ወላ እንግሊዝን ወላ ደርጊ ወላ ህግደፍ ተሰሪዖም ይምጽኡ ስቕ ኢልካ ተገዛኣዮም ከም ማለት እዩ።
  4. ንጉስ ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ = ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንጀነቫ ምኻድ ኣየድልን እዩ ከም ማለት እዩ።

ስለዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ባህሊ መንነት ሓደ ህዝቢ ብምዃኑሞ ብምዕባለ ኪሃስስ ከሎ ድማ ነቲ መንነት ዘህስሶ ስለ ዝኾነ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ነቲ ባህልኻ ክትሕልዎ ምግዳል እዩ፡ ግን ከኣ ውዒሉ ሓዲሩስ ባህልኻ ብምዕባለ ኪሃስስ ወይ ኪጠፍእ ብተፈጥሮኣዊ/ማሕበራዊ ሕጊ ግድን ምዃኑ ብኣጋኡ ፈሊጥካ እንተ ጸናሕካ ይሓይሽ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ኣርዓዶም July 13, 2015

    ዕድመ ይሃብካ ኣማኒኤል ሳሀለ፡ ኩሉ ዝበልካዮ ሓቒ ኢዩ።
    ካልእ ክንብሎ ንኽእል የለን፡ ባህሊ ብሕጊ ክስዓር ከም ዝኽእል ግን ብመርትዖ ክንርድኦ ይግባእ። ከም ኣብነት ምኽንሻብ ብፍላይ ንደቒ ኣንስትዮ፡ ብባህሊ ቅቡል ክኸውን ዝገበሮ ግን ውጽኢት ጎድኣቱ ተራእዩ ብሕጊ ክልኩል ይገብሮ። ካልእ`ውን ከምኡኢታት ከም`ዚ ዝጠቐስካዮ፡ ድሑር ጎስጕስን ጸረ-ምዕባለ ዝኾኑ ምስላታትን፡ ክውገዱ ዘለዎም ኢዮም።

  • Aman July 13, 2015

    Hi Amanuel,
    I am impressed by the way you put things together to express the relationship and interaction between culture and civilization or development. Your rationale is powerful in its objectivity. However, should your time allows, it would be very helpful if you could help us understand our current situation within this context. We are at a time where we are unable to listen to each other, unable to lead or led, unable to think normal. Consequently, we are faced with unpresented dismays somewhat beyond belief. While the role of leaders, thinkers and innovators are crucial at this point of time, we are still unwilling to give them chance.
    Aman

  • Simon G. July 13, 2015

    ሽም ይመርሕ ዝብልዎ ከምዚ’ዩ! ክገርመኩም ስጋብ ሕጂ: ሕማቕ ኣማኑኤል ኣይረኸብኩን። ሓንሳብ ሓንሳብሲ: ካብ ስምኦን ዝብሉኒስ ኣማኑአል ተዝብሉኒ ዶ ምቐየረልይ ኔሩ መስለኩም? ስድራይ ተጋግዮም ከይኮኑ ይጠራጠር።

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply