Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህሊ ሰፊሩኩም – ፍሥሐየ መብራህቱ

ባህሊ ሰፊሩኩም ፍሥሐየ መብራህቱ ጋና ተሰጊሩ ብዕማኾ ሕንሽሮ ሰላም ተባሂጉ ንሕፍንቲ ቆሎ እዋን’ውን ሓሊፉ ዘእተወ ሰሎሎ እንቅዓ ዘርእካ ዘይተሓፍሶ ምዕሮ ዓጺድ ዚሓረሞ መቕድሙ ኣወሮ ንስኳ ሓሊፉ ረሲዕኩሞ ድሮ ኪዒቡኩም ሎሚ ንቡር ዝጐደሎ ንፍቂ ትድረሩ ተረፍ ዘይሓድሮ መስለስ ኣብትርኣስኩም ንቅጫ ሕንኵሮ ዝሓዘለ ሕዝቢ ዝበለ ሕንጉሮ ሓፋሽ ተጠሊሙ ኣመልኩም

ባህሊ ሰፊሩኩም

ፍሥሐየ መብራህቱ

ጋና ተሰጊሩ ብዕማኾ ሕንሽሮ

ሰላም ተባሂጉ ንሕፍንቲ ቆሎ

እዋን’ውን ሓሊፉ ዘእተወ ሰሎሎ

እንቅዓ ዘርእካ ዘይተሓፍሶ ምዕሮ

ዓጺድ ዚሓረሞ መቕድሙ ኣወሮ

ንስኳ ሓሊፉ ረሲዕኩሞ ድሮ

ኪዒቡኩም ሎሚ ንቡር ዝጐደሎ

ንፍቂ ትድረሩ ተረፍ ዘይሓድሮ

መስለስ ኣብትርኣስኩም ንቅጫ ሕንኵሮ

ዝሓዘለ ሕዝቢ ዝበለ ሕንጉሮ

ሓፋሽ ተጠሊሙ ኣመልኩም ዚፆሮ

ብኸብዱ ቅሒሩ በጺሑዎ ኣብ ጐረሮ

ገበታ ተስፋኹም መዓላ ቍንጣሮ

ንኅድሪ ግሂስኩም ደም ዚጸረሮ

ያሒት ተገብሩ ገመል ዘየልዕሎ

ወዮ ማስካ ድኻስ መዓልትኹም ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT