Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በዳሂ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ማይምነ – ጸብጻብ ብግዱሳት ካብ መንደፈራ

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኤፍሬም ገ/ክርስቶስ ብዕለት 10.12.13 ምስ ወከልቲ ምምሕዳርን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ከተማ ማይምነ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ አኼባ ብምሕዳር ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ኮይኑ አብዚ ኣኼባ ዝተዓደማ ዓድታት ኣብ ኣከባቢ ማይምነ፤ ከባቢ ደብረስላሰ፡ ከባቢ ዓዲ

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኤፍሬም ገ/ክርስቶስ ብዕለት 10.12.13 ምስ ወከልቲ ምምሕዳርን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ከተማ ማይምነ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ አኼባ ብምሕዳር ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ኮይኑ አብዚ ኣኼባ ዝተዓደማ ዓድታት ኣብ ኣከባቢ ማይምነ፤ ከባቢ ደብረስላሰ፡ ከባቢ ዓዲ ዃላ ዝርከባ ዓበይትን ንኣሽቱ ዓድታት ክኾና ከለዋ፣ ብሓፈሻ ካብ አስታት 25 ዓድታት ዝመጹ ተሳተፍቲ ተረኺቦም።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ብዙሓት ነበርቲ ናይ’ዘን ዓድታት ዶብ እናቋረጹ ናብ ኢትዮጵያ ይኸዱ ብምህላዎም፣ እሞ ኸኣ እቲ ቁጽሪ ናብ ኣዝዩ ዘሻቕል ደረጃ ብምጽሑ እዩ። አብዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ብዓሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ነታ ዝፈትዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ነቲ ኣብ ምልዕዓል ኣንጻር ህግደፍ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ዘይፍለጥ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ተኪኡ ስልጣን ዝተረከበ እኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኤፍሬም ገ/ክርስቶስ ከም መእተዊ ነቲ ስርዓት ህግደፍ አብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ኤርትራ አብ ዓለም ብቑጠባ ብተመዝግቦ ዘላ ዓወት አብ ዓለም ከም ኣኣኣኣብነት ትጥቀስ ሃገር ኮይና ኣላ ክብል መዲሩ። ንሱ ኣስዒቡ ነቲ ሕጂ ኣኣኣጋጢሙ ዝብሎ ጸገም ክገልጽ ከሎ፤ “ዋላ ‘ኳ መንግስቲ እቲ ኣድላዪ ጻዕሪ እንተገበረ እቲ ኣንጻር ኤርትራ ብዝተወደበ መንገዲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ከቢድ ጽልዋ ብምሕዳሩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሃገሮም ገዲፎም ይኸዱ ኣለው። እቲ ዝኸፍኣ ተርእዮ ድማ መንግስቲ ከባቢኦም ንኽሕልው ዕጥቂ ዘዕጠቖም ከይተረፉ ነቲ ዘዕጠቕናዮም ብረት ተሰኪሞሞ ይስልሙ ምህላዎም ኢዩ” ኢሉ። ቀጺሉ፣ “ንስኹም ከም ወከልትን ሽማግለታት ዓድን ክትገብሮዎ ዝግብኣኩም ነገር ክትገብሩ ብዘይምኽኣልኩም፤ ሕጂ ኣብዚ ከባቢኹም ብዙሓት ዓድታት ባዲመን ብዘይነበርቲ ተሪፈን ኣለዋ። ንሕና ብቐጻሊ ዝመጸና ጸብጻብ ከምዘርእዮ ድማ ብዙሓት ዓድታት ነበርተን በቲ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ብምትላል ዓዶም ገዲፎም ብምኻዶም ዝተዓጽው ገዛውቲ ማእለያ የብሎምን። መንግስቲ ነዚ ጸገም ንምፍትሑ ምሳኹም ንኽንመያየጥን ነቲ ጸገም ንምፍታሕን ከኣ ከእኢና መጺእና ዘለና፣” ድማ በለ።

ነባሪ ማይምነ ዝኾኑ ሓደ አቦ ነቲ አማሓዳሪ፣ “ዋላ እኳ ዶንጊኹም እንተመጻኹምና ካብ ዘይምርኻብ ግን ይሓይሽ” ኢሎም ዘረባ ብምጅማር፣ እቲ ክትብሎ ዝጸናሕካ ከሉ ዳርጋ ካብ ድምጺ ሓፋሽ ክክንሰምዖ ድጸናሕና ኢዩ። ሓድሽ ነገር የብሉን። እቲ ሓድሽ ነገር እንተሎ ነዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ቦታና ብኣካል ምምጻኹም ኢዩ። እዚ ድማ ሰናይ ኢዩ። ኣነ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ካብ ምጽብጻብ ናይቲ ጉዳይ ጠንቂ ምፍላጥ ኢዩ ዝሓይሽ ይብል። ምኽንያቱስ ንስኻ ብወገን መንግስቲ ዝስምዖ ገሊጽካ ፤ ብዛዕባ ኣብ ህዝቢ ደብጽሖ ጉድኣት ግን ኣይገለጽካን። ንሕና ብዕድመ ዝደፋእና ኢና። አብዚ ጸኒሕናካ ዘለና እቶም መሬት ክሓርሱልና ዝኽእሉ ዝነበሩ ደቅና ንሃ/አገልግሎት ካብ ትወሰድዎም ናይ ሓደ መንእሰይ ዕድመ ኮይኑ ብዘይጠዋሪ ተሪፍና። ንሶም’ውን ብዘይውላድ ተሪፎም። እቶም ሓዳር ዘለዎም ደቆም ብድኽነት ከርዲዶም ኣኣኣኣለው። ኣንስቶም ድማ ተስፋን ሓገዝን ካብ መንግስቲ ስኢነን ሃገር ረሕሪሐን ውላደን አኪበን ብጸልማት ለይቲ ተጎልቢበን ንኢትዮጵያ ዝኣተዋ አለዋ። ገለ ‘ውን ህይወተን ድስኣና ከምዘለዋ አብዚ አዳራሽ ዘለና ዋላ እዞም ኣማሓደርቲ ዓድን ንኡስ ዞባን ዝፍልጥዎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ‘የ ዝዝዝዝነግረካ ዘለኹ። ነቲ ሓቂ ብምንጋረይ ድማ አብ ጭቡጥ ነገር እምበር አብ ዘይከውን ሃለውለው ከይንብል ይላበውካ አለኹ።” በሉዎ።

ብድሕሪ እዚ እቲ መድረኽን እቲ ሓቅን በዞም አቦ ብምኽፋቱ ተሳተፍቲ ኩሎም ኢድ ከልዕሉ ጀሚሮም። ነቲ ጉዳይ ኣንፈት ንምትሓዝ እቲ አማሓደሪ “ኣብ ፍታሕ ኣቶኪርና ክንዛርብ ይሓይሽ” በለ።

ካብዚ ብምቕጻል ሓንቲ አደ፣ “ንሕና አብዚ ከባቢ ንርከብ ሰባት ካብቲ መንግስቲ አመዝጊብዎ ዝበልካዮ ልምዓት ተጠቀምቲ ዝኾና አይመስለንን። ኣነ ሙሉእ ዕድመይ አብዚ ተቐማጢት ‘የ። አብዚ ዞባ እዚ መንግስቲ ናይ ባህሊ ደረፍቲ ንበዓላት ዝኾንዎ ከናዲ እንተዘይኮይኑ ዝመጽእ አብዚ ቦታ ተሰሪሑ ትብሎ እንተሎ ሓብረና። እዛ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ አብ ማይምነ ዘላ ድማ ከምቲ ዝገለጽካዮ ዓዲ ብዓዳ ዳርጋ ጊዒዛ እያ። ሕክምና ህንጻ ብዘይ ሓኪምን መድሃኔትን ንግደፎ ድሓን። ኣነ ሃገር ትምዕብል አላ ክብል ዝኽእል ሰባት ሰለስተ ግዜ አብ መዓልቲ ክምገቡ እንተኽኢሎም ኢዩ። ወለዲ ምስ ውላዶም ብሰላም ምንባር ምስ ዝኽእሉ ጥራሕ ኢዩ። ካብቲ ዓንተዎ ዝገለጽካዮ ዝተረዳእኽዎ ነገር እንተሎ ሎሚ ዝመጻእክሙሉ ምኽንያት ኮይኑ ዝርኣየኒ እቶም ብረት ዘዕጠቕኩሞም ሰባት ነቲ ብረት ሒዞሞ ስለዝልሙ ዘለው ኢዩ። አብዚ ክንደይ ጸዋሪ ዝስኣና ኣንስትን ስንኩላንን ኣረጋውያንን ኣኣኣለው። ብዛዕብኦም ዝዛረብ የለን። ነዚኦም ሓገዝ ንምግባር እንታይ ክትገብሩ ሓሲብኩም አለኹም?” እቲ ስግረ ዶብ ጠጠው ዝብል እቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ጸገም ምስ ዝፍታሕ ኢዩ። ንሕና አብ ዓድና መጺዩ ወያነ ድዩ አሜሪካ ትብልዎ ጎስጕሱ ዝወሰዶ ሰብ የለን። ንሕና ደቂ መሬት ኢና አብዚ ቦታ ነበርቲ ኩላትና ድማ ንፋለጥ ሰባት ኢና። ፍረ ዘለዎ ዘረባ እንተንዛረብ ምሓሸ” በላ።

ሓደ ነበሪ ካብ እንዳባሊባኖስ ዝተባህለ ዝተዓዲ ዝመጹ ድማ፣ “ኣነ እቲ ሽግር ንሱኹም ትፈልጥዎ። ንሕና ንፈልጦ። እቲ ፍታሕውን ከምኡ። ቅድመይ ዝተዛረቡ ስለ ዝገለጽዎ አነ አብ ፍታሕ ክዛረብ ይደሊ። እቶም ዓሰርታት አሸሓት ኤርትራውያን ሃገር ገዲፎም ዝኸዱ ንሶም’ውን ዝብልዎ ስለዝህሉ፤ መንግስቲ ግን ከም መንግስቲ ክወስዶ ዘለዎ ስጉምቲ ድስምዓኒ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ቅሉዕ መግለጺ ብምውጻእ ንኹሉም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ፤ ብዘይፍላጥ መንግስቲ ዝወጹ ኩሎም ምሕረት ጌረ ኣለኹ፡ ዳግማይ ኣብ ሃገሮም ንኸጣይሶም ድማ ድልው ምዃኑ ኣዋጅ ይኣውጅ። ንተግባራውነቱ ተረጋግጽ ተጸዋዕነታ ንህዝቢ ዝኾነት ኮሚተ ድማ ይግበር” በሉ። “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ይሓይሽ፣ ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ጉዳይ ሃገራዊ አገልግሎት ዶብ ይገበረሉ። እቶም ዝቐደሙ ምስ ዝምለሱ ኣኣኣብ መንግስቲ ዘለዎ እምነት ናብ ቦትኡ ይምለስ” ድማ ወሰኹ። ካብዚ ብምቕጻል ሓንቲ አደ፣ “ኣነ ናይዚ ክብሃል ዝጸንሐ ናይንቡር አብነት ኢየ። አነ ብዓል ቤተይ ካልኣይ ዙርያ አገልግሎት ካብ ዝኸይድ ልዕሊ 16 ዓመት ኮይኑ። እቶም ዘፍረናዮም ሰለስተ ደቅና ድማ እቲ ሓደ ብሳዋ ትምህርቲ ኣቢሉ ትምህርቲ አይሓለፍካን ተባሂሉ ብኡ አቢሎም ናብ ሃ/አገልግሎት ወሲዶሞ። በዚ ኩነታትን ብድኽነትን ዝማሰኑ እቶም ክልተ ደቀይ ከኣ ከኣተታሒዞም ንኢትዮጵያ ገጾም ሰጊሮም። እዛ ናተይ ስድራ ተዘሚታ ጥራሕ ኢየ ዝብል በለት። ከምዚ ዓይነት ተረኽቦ ድማ ናይ ኩለን ስድራ ቤታት ኮይኑ ‘ኣኣሎ” ኢላ ብንብዓት ነቲ ኣኼባ ናብ ካልእ ስምዒት ዘለዓዕል ኩነታት ወሰደቶ።

ሓንቲ ካልእ ካልኣደ ብወገነን “ብወገናጉዳይ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ደቅና ሬሳ ምምላስ” ኢልምስ በላ። እቲ ኣማሓዳሪ አብ መንጉ አትዩ “ሕቶ እይንቕበልን ኢና ነዚ ዝበልክሞ ኩሉ ብዓይኒ መንግስቲ ከመይ ይርኣይ ክገልጸልኩም ኢየ” ኢሉ ብምዅላፍ፣ “ቅድሚኡ ግን ንኣዛዚ ፖሊስ እቲ ንኡስ ዞባ ዕድል ክህብ ኢየ” በለ።

ኣዛዝ ፖሊስ ንኡስ ዞባ ወዲ መሓሪ፣ “እዚ ኣኺባ ቅድም ኢሉ ክግበር ዝነበሮ ኩይኑ ይስምዓኒ። ከምቲ ክግለጽ ዝጸንሓ ድማ ዳርጋ ማእለያ ዘይብሉ ቁጽሪ ሰብ ካብዚ ከባቢ ከምዝኸደ ይፍለጥ። መንግስቲ ነዚ ንምእራም ኢሉ ድማ ናይ ሓምሳ ሽሕ መቕጻዕቲ ኣታእታትዩ እዚ ግን ነቲ ስግረ ዶብ ክገትኦ አይክአለን። ነዚ ንምትግባሩ ሕጂ ኣሸጋሪ ዝገብሮ ስድራ ቤታት ኢየን ዳርጋ ብጥርኑፍ ዝኸዳ ዘለዋ ስለዚ ክቕጻዕን ሓላፍነት ክስከም ዝኽእልን የለን” በለ። “ስግረ ዶብ ዘይሕጋዊ ተግባርን ክብሪን ድሕነት ሃገርን አብ ሓደጋ ዘውድቕን ብምዃኑ ኩላትና ብሓንሳብ ኮይና ክንዓግቶ ይግባእ። ህዝቢ ድማ እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ ዝሰግሩ ሰባት ንኽህብን፤ ናይ ዝሰገራ ስድራ ቤት ንብረት አብ ትሕቲ መንግስቲ ክትሓዝ ስለዝግኦ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ንመንግስቲ ከማሓላልፉ ኣለዎ” ክብል ተላብዩ።

ብድሕሪ እዚ እቲ አማሓዳሪ ነቲ ንመንግስቲ ገጢምዎ ዝብሎ ብድሆታት ድሕሪ ምጽብጻብ። መንግስቲ ኤርትራ ብዘለዎ መትክል ሓያላት ሃገራት ከም ስግኣት ከምዝጥምትዎ ግን ብዝክኣሎ ድማ ንህዝቡ ከምዝሕግዝ ሓቢሩ። “እቲ ክትብልዎ ዝጸናሕኩም ሽግራት ድማ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝሓትት ጉዳይ ኢዩ።” ድሕሪ ምባል ከኣ፣ እቲ መጠንን ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ዝተጠቐሰ ጸገማት ዝምልከቶም ኣካላት መጽናዕቲ ክገብርሉ ክሕብር ምዃኑ ተላብዮ። ነቲ ካብ ህዝቢ ዝተልዓለ ጸገማት ከኣ ከይተንከፎ ሓሊፉዎ። ንጉዳይ ሃገራዊ አገልግሎት ብዝምልከት ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ስለዝኸነ እዚ ድማ ምስ ዘሎ ሃዋህው ዝርኣ ስለዝኾነ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ። “ጉዳይ ስግረ ዶብ ግን መንግስቲ ከምቲ ዝበልኩሞ ናቱ ኣቓልቦ ክገብረሉ ኢዩ” አሉ።

አብዚ ኣኼባ ዝተግሃደ ነገር እንተሎ ብዘሓት ስድራ ቤታት ብጥርኑፉን ዘይጥርኑፍን ኣገባብ ይጠፍኣ ከምዘለዋ፣ ናብህዝቢ ይግዕዝ ከምዘሎ እዩ። አብ ከባቢ ዶባት ዘለዋ ዓድታት ዳርጋ ጥርሐን ተሪፈን ኣለዋ። ህግደፍ ብስም ሕቶ ዶብ ንመንእሰይ ብስም ሃገራዊ አገልግሎት አብ ምሓውር ናይ ወተሃደራውን ጸጥታዊ ትካላቱን ቁጽጽር የእትዩ ነታ ሃገር ኣብ ዘይውጻእ ሓደጋ የእትይዋ ከምዘሎ ብንጹር ዝርአ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።

ካብ ጉዱሳት

መንደፈራ- ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • habtu December 25, 2013

    Mr luna
    You are maybe from the”lemani” weyane. Again I am not wrong about the comment which I posted. But still now asana or amaniyel eyassu is one of garbage people. He is not working for the eritrean people. He is working for weyane you liked or not upto you. Every article he posted is anti eritrean people. So he is “hari- ekili” of the eritrean people.

    Don’t worry English language just thinking about good future for the great nation of eritrea. …..

    • hagerawi December 25, 2013

      Esub hgdf we are proud of amanuel bikemzi kemaka belaeti seb Eritrean ytefeu alewu dehan gn keribu eyu hgdf kmewt ab kebru yerakbena

  • Sara December 25, 2013

    ካብዚ ብምቕጻል ሓንቲ አደ፣ “ንሕና አብዚ ከባቢ ንርከብ ሰባት ካብቲ መንግስቲ አመዝጊብዎ ዝበልካዮ ልምዓት ተጠቀምቲ ዝኾና አይመስለንን። ኣነ ሙሉእ ዕድመይ አብዚ ተቐማጢት ‘የ። አብዚ ዞባ እዚ መንግስቲ ናይ ባህሊ ደረፍቲ ንበዓላት ዝኾንዎ ከናዲ እንተዘይኮይኑ ዝመጽእ አብዚ ቦታ ተሰሪሑ ትብሎ እንተሎ ሓብረና። እዛ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ አብ ማይምነ ዘላ ድማ ከምቲ ዝገለጽካዮ ዓዲ ብዓዳ ዳርጋ ጊዒዛ እያ። ሕክምና ህንጻ ብዘይ ሓኪምን መድሃኔትን ንግደፎ ድሓን። ኣነ ሃገር ትምዕብል አላ ክብል ዝኽእል ሰባት ሰለስተ ግዜ አብ መዓልቲ ክምገቡ እንተኽኢሎም ኢዩ። ወለዲ ምስ ውላዶም ብሰላም ምንባር ምስ ዝኽእሉ ጥራሕ ኢዩ። ካብቲ ዓንተዎ ዝገለጽካዮ ዝተረዳእኽዎ ነገር እንተሎ ሎሚ ዝመጻእክሙሉ ምኽንያት ኮይኑ ዝርኣየኒ እቶም ብረት ዘዕጠቕኩሞም ሰባት ነቲ ብረት ሒዞሞ ስለዝልሙ ዘለው ኢዩ። አብዚ ክንደይ ጸዋሪ ዝስኣና ኣንስትን ስንኩላንን ኣረጋውያንን ኣኣኣለው። ብዛዕብኦም ዝዛረብ የለን። ነዚኦም ሓገዝ ንምግባር እንታይ ክትገብሩ ሓሲብኩም አለኹም?” እቲ ስግረ ዶብ ጠጠው ዝብል እቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ጸገም ምስ ዝፍታሕ ኢዩ። ንሕና አብ ዓድና መጺዩ ወያነ ድዩ አሜሪካ ትብልዎ ጎስጕሱ ዝወሰዶ ሰብ የለን። ንሕና ደቂ መሬት ኢና አብዚ ቦታ ነበርቲ ኩላትና ድማ ንፋለጥ ሰባት ኢና። ፍረ ዘለዎ ዘረባ እንተንዛረብ ምሓሸ” በላ።

  • Belay Tewlede December 25, 2013

    Ezi Habtu zbhal emberdo hangol alewo iyu? mnalbat chra zeyblu hbey keykewn. Abzi lomi gzie ms hgdef dew zbl seb aemro zeyblu tray iyu kikewn zkiel. Habtu diknet nay atehasasba alewo mnalbat dma sisi’e wey dma belex.

  • Comment December 25, 2013

    Habtu:

    Merry Christmas & happy new year. Let me use this opportunity to give you a piece of advice:

    Before writing your comments, please right things which will be helpful to the benefit and well being of the Eritrean people. The people of Eritrea including you need progress, democracy and all the good things human beings deserve. Please, be alone for some time and think about the people of Eritrea: the war disabled, the mothers who lost their children and husbands, the youth who have been in the army for more than a decade, the prisoners, and many more.

    This is not the time to write meaningless articles and blaspheme any one. Lets look around and see the positive progress of other countries.

    Merry Christmas and happy new year.

    Peace, progress, Unity and prosperity to the people of Eritrea!!!

  • Sorobeti December 25, 2013

    Luna and all others who are responding to the moron Habtu.

    It is obvious this person is a frustrated DIA’S worshiper, who came here to divert the attention of commenters. Please ignore him and focus on the article’s content.

  • Mesinas December 25, 2013

    ርእይቶ፥

    ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሕዋት ኤርትራውያን ብመጀመርያ ርሑስ ልደትን ሊላይ ሓድሽ ዓመትን ክኾነልኩም እምነ። ቀጺለ፡ ካብዚ ዝነበብኩዎ ሓበሬታን ርእይቶታትን ብምብጋስ ክልተ ቃላት ጥራይ ጌጋ ረኺበ ኣለኹ’ሞ ንዓኣተን ክእርም ፍቐዱለይ? እታ ቀዳመይቲ “መንግስቲ” እትብል ቃል’ያ። በጃካትኩም ኣሕዋት፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዋላ ገዛኢ ሓይሊውን ይኹን መንግስቲ ስለ ዘይቆመ፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ከምዘየለ ፍለጡ! ኣይፋል! ህግደፍ መንግስቲ’ዩ። እንተ ኢልኩም ድማ ብኣረኣእያኹም መንግስቲ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት።

    እታ ካልአይቲ ድማ እታ ናብ ሓርበኛን ክቡር ጋዜጠኛን ውፉይ ወዲ ህዝቢ፡ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዝቐነዐት ዘለፋን ጠቐነን’ያ። ኩልና ኤርትራውያን ካባይ ጀሚርካ ብሓባር ከምቲ ሓው ኣማኑኤል ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ንሃገርናን ህዝብናን እንተንገብር ቀደም እታ ጀጋኑ ሰማእታት ዝተሰውኡላ ብደም ዝመጸት ሃገር ዝያዳ ሕልምን ትምኒትን ሰማእታታን ህዝባን ኮይና ምሃለወት! እንተኾነ ንዝኾነ ንለውጥን ዕብየትን፣ ንፍትሕን ደሞክራስን፣ ንቕሳነትን ራህዋን ዝምነ ዜጋ ኩሉ ኣንጻር ደማሒ (መላኺ) ኢሳያስ ኣፈውርቂ ስለ ዝኾነ፡ ኣኽላባቱ ብቐጥታ እናነብሑ ክዓግቱዎ ይፍትኑ። ዓቕሚ እንተሲኢኖም ድማ ኣሎ ዝብሃል ህዝቢ ዝጽየፈሉ ዝኽእል ብዕሉግ ቃላት እናተጠቐሙ፡ ንኣኡ ዘይኮነ ንነብሶም ከዋርዱ ንርእን ንሰምዕን ኣለና። በዚ ኸኣ ነዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ከምቲ ጭርሖና ዝብሎ፥ “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ጓሓፍ ህግደፍ ብሓባር ነጽሪ!” ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብኣጽዋር ሓድነትን ፍትሕን ከነጽርዮም ምዃንና ከበስረኩም እፈቱ።

    መንግስቲ እንተ ኢልኩሞ ንጉጅለ ማፍያ
    እዚኣ ንባዕላ ናይ ገበን ገበን እያ፡
    ላህመት መንግስትነት ንኣሰር ዘይብሉ
    ከመይ ጌርኩም ኢኹም መንግስቲ’ዩ እትብሉ!?

    ህዝቢ’ኮ በሃም’ዩ ዚዛረቦ የብሉን *ዓባስ’ዩ
    መጽዓኛ ህግደፍ’ዩ ከም ኣድግን ከም በቕልን
    ከመይ ኢሉ ኪሓትት ንኽብርን መሰልን
    ኣብ ልዕሊኡ ከሎ ኩርማጅን ሽሞልን
    ግዜ’ዩ ዚጽበ ብተስፋን ብዓቕልን!

    ግዜ’ወ እዚ ግዜ መጻእን ከያድን
    ኩሉ ዘርኣየና ናጽነትን ቀይድን
    እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዓቃልን ጸዋርን
    ሽግር እንተ መሪሩ መከራን ሕሰምን
    ግዜኡ ምቕራቡ እቲ ራህዋን ሰላምን
    ካብ ተመኩሮኡ ንሱ’ዩ ዝኣምን!

    ከምቲ ዝሓለፈ ዕርበት ናይ ገዛእቲ
    ታሪኽ ኪድገም’ዩ ብውድቀት መለኽቲ
    ጩራ ናይ ሓርነት ደሚቑ መብራህቲ
    እኖሆ ይጉልቦ ናይ ዓወት ንዳእቲ
    ኣብ ዓውዲ ኪኣቱ ኪሕፈስ ምህርቲ
    ሰብኡት ይደብሉ ይዓልላ ኣንስቲ
    ናይ ሰላምን ራህዋን ኪትከል’ዩ መንግስቲ!
    ናይ ፍትሕን መሰልን’ወ ኪቐውም’ዩ መንግስቲ!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ርሑስ ብዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 25-12-2013

  • gidus December 25, 2013

    Amanuel anta hasawi,

    Today you are saying . . ኣብ ምልዕዓል ኣንጻር ህግደፍ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ዘይፍለጥ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን . .. .
    Don’t you remember what you said on 23 April 2013 on your breaking news? Let me copy and paste that news for your archive. You wrote:

    ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሕሸን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ። demo.archive.assenna.com/ኣመሓዳሪ-ዞባ-ደቡብ-ኣቶ-ምስጦፋ-ኑርሕሸን/comment-page-4/‎
    Apr 23, 2013
    anata donqoro amanuel hatewtew aquarixka kid cleaner siraH delikh eref

  • Mesinas December 25, 2013

    ክቡር ሓው ግዱስ ቅድም ቀዳድም ነቲ ጽሑፍ ብኣዒንትኻ ዘይኮነስ ብልብኻ ከተንብቦ እላበወካ። ምኽንያቱ፡ እዚ ጽሑፍ ናይ ኣማኑኤል ኣይኮነን። ናይቶም ተገዲዶም ኣብ ውሽጢ ገሃነብ ዝነብሩ ዘለዉ መሳኪን ወገናትና፡ ከምዚ ከማኻ ዝኣመሰሉ ግዱሳት’ዩ። ናትካ ግዳሰ ካብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ሓሊፉ ንምንታይ ምዃኑ ግን ኣይነጸረለይን። ስለዚ፡ ከምቲ መሲሉካ ዘሎ ሕጂ ኣማኑኤል እያሱ ‘ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ብህይወት ኣሎ’ ኣይበለን። ክምኡ ዚብል ቃልውን ኣብዚ ጽሑፍ የሎን። ስለዚ ደጊመ ብልብኻ ኣንብቦ እብለካ። “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ጓሓፍ ህግደፍ ብሓባር ነጽሪ! እቲ ልዑል ፈጣሪ ንድሕነትካን ንድሕነት ህዝብኻን ኢሉ ኣብሪምካ (ልብኻ) ይኽፈት። ንቕሓት ይሃብካ ዝሓወይ። ኣሜን!

    የቐንየለይ።

  • Comment December 25, 2013

    To HABTU & GUDUS

    Merry Christmas & happy new year. Let me use this opportunity to give you a piece of advice:

    Before writing your comments, please Wright things which will be helpful to the benefit and well being of the Eritrean people. The people of Eritrea including you need progress, democracy and all the good things human beings deserve. Please, be alone for some time and think about the people of Eritrea: the war disabled, the mothers who lost their children and husbands, the youth who have been in the army for more than a decade, the prisoners, and many more.

    This is not the time to write meaningless articles and blaspheme any one. Lets look around and see the positive progress of other countries.

    What we say has an implication in our health and the people who listen to us or read our article.

    Merry Christmas and happy new year. Looking forward for the time when all the people of Eritrea unite and work for its progress

    Peace, progress, Unity and prosperity to the people of Eritrea!!!

  • Comment December 25, 2013

    Dear Amanuel (Assenna):

    Please remind the people about the following link? There are so many people who are not aware of such incidents.

    Thanks a lot

    http://www.youtube.com/watch?v=Uquew7ZTDKw

Post a Reply to Genet Cancel Reply