Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በዓል 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ካሰል ጀርመን

ብምኽንያት በዓል 8 መጋቢት ንዕለት 09.03.2013 ኣብ ከተማ ካሰል ሃገረ ጀርመን ከነብዕል ስለ ዝመደብና: ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብተገዳስነት ኣብዚ እንገብሮ በዓል ሓቢርኩም ምሳና ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። መደባትና መጀመርያ ብቓል ኣደ ወንበር ነጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ

ብምኽንያት በዓል 8 መጋቢት ንዕለት 09.03.2013 ኣብ ከተማ ካሰል ሃገረ ጀርመን ከነብዕል ስለ ዝመደብና: ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብተገዳስነት ኣብዚ እንገብሮ በዓል ሓቢርኩም ምሳና ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መደባትና መጀመርያ ብቓል ኣደ ወንበር ነጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን – ጨንፈር ጀርመን፡ ወይዘሮ ምልእተ ተስፋጋብር ዝኽፈት ኮይኑ፡ ኣስዒቡ መደረ ኣደ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ፡ ወይዘሮ ሂወት ዮሃንስን ይቐርብ። ኮምኡ ውን ብሕጽር ዝበለ ቃል ዝተፈላለያ ንጡፋት ደቂ ኣንስትዮ ይዕምር።

ኣጋይሽና

ኣቦ ወንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስ ደረስ፡ ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር ወይዘሮ ፍረወይኒ ሃብተማርያም፡ ኮምኡ ውን ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ደስበለ መሓርን፡ ዕድሜና ኣኽቢሮም ምሳና ክውዕሉ ሙኻኖም ስለ ዘረጋገጹልና ሓጎስና ወሰን የብሉን፡በዚ ኣጋጣሚ ውጽኢት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ኣዕሚቖም ክገልጹልናን፡ ዘሎ ሓደስቲ መደባት ባይቶ ንህዝቢ ከብርሁን ሙኻኖም ንሕብር።

ምስ: ድምጽውያን ደረፍቲ

ኑረዲን ማሕሙድ: ተኽለ(ሻኩር)

ወጋሕ ትበል ለይቲ ::

ዝጅመረሉ ሳዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ::

ኣድራሻና

Bürgerräumme Wehlheiden e.V.

Kohlenstraße 16

34121 Kassel

 

ብደሓን ምጹ!

ፍትሕን ሙሉእ መሰልን ንደቂ ኣንስትዮ!

ነጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን – ጨንፈር ጀርመን

ዝያዳ  ሓበረታ በዚ ዝስዕብ ተለፎን ተወከሱ : Tel. 015779271102:   01717525036

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ahmed saleh February 24, 2013

    In revolution time Eritrean women were active on their issue for equality . Now you have to
    take advantage on this movement stage to have ground for your cause . Do not hesitate because
    you have good brothers who care out of there .
    Women’s equality question was part our struggle but not accomplished because of betrayers . Our
    sisters who sacrificed their life will not be forgotten too .

POST A COMMENT