Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በትሪ ሃቂ ኣይትስበርን ኢያ!

ከሳብ ሎሚ ኣብቲ “ለውጢ“ ዝብል ባሕሪ ኣርእስትና ኢና ዘለና ክቡራት ተኸታተልቲ። ኣብ ውሽጢ ለውጢ ድማ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ተኸታቲሎም ቀሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ “መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን“ ዝብል ዝጀመርናዮ ትረኻ ንምቕጻል ኣብ ዝተበገስኩሉ እዋን ከኣ ንገለ

ከሳብ ሎሚ ኣብቲ “ለውጢ“ ዝብል ባሕሪ ኣርእስትና ኢና ዘለና ክቡራት ተኸታተልቲ። ኣብ ውሽጢ ለውጢ ድማ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ተኸታቲሎም ቀሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ “መንእሰያትን መድረኽ ጃላነትን“ ዝብል ዝጀመርናዮ ትረኻ ንምቕጻል ኣብ ዝተበገስኩሉ እዋን ከኣ ንገለ ካብቲ ዘዳለኹዎ መደብ ማለት ነቲመድረኽ ዝምልከት ቃለ-መሕትት ሰሚዐ። ከምቲ ደጋጊሙ ዝግለጽ ዓቕሚ ህግደፍ ኣጋኒንካ ብምርኣይ ንንጥፈት መንእሰያት ዝሓሚ ገለ ግሩህ፡ ገለ ከኣ ኮነ ኢልካ ወኒ መንእሰያት ንምስባር ደቂ ሎሚ ሓሞቶም ዝፈሰሰን ስረ ዘየምሕረሎምን መፍሮቕቲ ኣምሲልካ ዝላኻዕ ወረታት ይስምዑ ኢዮም። በሃሊኦም ባልጃኡ ዝጠራነፈ ሸዃል ጭራኡ ብምዃኑ ንግዚኡ ኣይክንግደሰሉን ኢና። ዘገድሰናስ ብዛዕባ ተበግሶ መንእሰያት እንታይ ይመስል ከምዘሎ ጥራይ ኢዩ።

ዝሓለፈ ኣርእስትና ብፍላይ ኣሰና እንተላይ ብድምጺ ስለዘሕለፎ ንምክትታሉ ዝቐለለሎም መንእሰት ከምዝነበሩ ሰሚዕናዮ። እዚ ከኣ ተራ ናይተን መራኸቢ ብዙሃን ማዕረ ክንደይ ዕዙዝ ምዃኑ ዘብርህ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ካልእ ኣካል ቃልሲ መንእሰያት ክሳብ ክንደይ ሓይሉ ከምዘሎ ኢዩ ዘነጽር።

ብዛዕባ ጋዜጠኛ ስሌማን ዓበ ዘቕረበን ሕቶታትን ጽልዋአንን እናተዘርበሉ፡ ብወገን ወጻኢ ድማ ራድዮ ኤረና ብመገዲ መንእሰይ የውሃንስ ተስፋማርያም  ምስ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ዝገበረቶ ዘኹርዕ ቃለ-መሕትት ኣርኪቡና እንሆ። ንእግረ ሓሳበይሲ፡ እዞም መንእሰያትና እንታይ ዝኣመሰለ ክርክር ገጢምዎም ከምዘሎን፡ ተወፋይነቶምን ከይሓሰብኩሉ ኣይሓልፍን። ቕርስና ከይጠፍእ ብመገዲ ሌላ ቱሪዝም ዘዳልዉን ዘቕርቡን፡ ስፖርት ሃገርና ክስ

ጉም ክሳብ ነቲ ማሕለከኻ ምሕደራ ብጋህዲ ዝነቕፉን ዝዳፈሩን፡ ኣለባብሳኦም ኣመላልሳኦም ከሳብ ክንደይ ንስፖርት ሃገርና ከምዝሓገዘ ብምቕላብ፡ እቲ ኤርትራዊ ዓወት ውድድር ብሽክለታ ብሳላኦም ከምእተረኽበ ጌርና ከምዝቖጸርናዮ ኣተንቢህናዮ ኢና። ብዓንተቦኡ’ውን እኮ መንእሰይ መንኮርኮር ለውጢ፡ ዓታር ዓወት’ውን ኢዩ “መንእሰይ ኣ ይሳለም፡ ዝራብዕ ኣይለምልም“ ድማ’ኮ ተባሂሉ ኢዩ። መንእሰይን ጋዜጠኛን ምዃን ድማ ድርብ ሓላፍነት ምስካም ኢዩ። ኣብ ወገን ፖለቲካ ኣብቲ ኩዕታ ናይታ ዝተቐበረት፡ ዝተጠልመትን ዝተደፍነትን ሓቂ፡ ክንደይ ብሉጻትን ዜጋታትና ከምዝሰኣንና ንጹር ኮይኑ፡ ነዚ ዝዋረድ ዝህደድ ዘሎ ምዑት ተጋዳላይ ጋዜጠኛና ብምርኣይና ግን ከምዘይከሰርና ንጸናናዕ ኣለና።

ስለምንታይ መድረኽ ጃላነት ከምዝበልኩ ርእሰ-ግሉጽ’ዃ እንተኾነ፡ ክምለሶ ስለዝኾንኩ፡ ንሎሚ ግን ብዛዕባ እቲ ንመስፍን ዘራትዐ ሕቶታት ዕግበት ስለዘይፈጠረን፡ ኣካል ኣርእስተይ’ውን ብምዃኑን ገለ ክብል። መንእሰይ መሸም ብዓንተቦኡ ንለውጢ ብጉስ ኢዩ። እንተኾነ ውፉይ መሪሕነት ከምዘድልዮ ግዳ ኣየማትእን። ከምዝፍለጥ ናብራ ሃገርና ምስመረረ፡ መንእሰይ ከኣ ሓጹር ጠጥሒሱ ክነፍጽ ኣብዝጀመረሉ እዋን ብወገን ህግደፍ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ስ

ራሕ ተወጠነ። ገለካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ድማ ነቲ ስራሕ ንምዕማም ተመዚዞም ክስዕቡ ተራኣዩ። ጸኒሖም ነብሶም ከምተቓወምቲ ህግደፍ ጠሚቖም ብወግዒ ከምዝቃለሱ ብምእዋጅ ተቓለስቲ ክስዕብዎም ምስተቓልሐ፡ መንእሰያት ኣብዘዝነበሩዎ ኣውራዃ ኣብ ሱዳን ቅሩብነቶም ብጽቕጥቅጥ ተሰሪዖም ከምዝገለጹ ናይ ትማሊ ታሪኽኢዩ፡

ሓደ ካብቶም ተስፋ ዝተገብረሎም መራሕቲ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ነበረ። ኣስማተን’ዃ እንተዘይሓዝኩወን ንሱ ቅድም ምስመሳርሕቱ ነበር፡ ድሓር ንበይኑ ኣብዝነጠፈሉ ሰልፋዊ ዕማማቱ’ውን መንእሰያት ቀዳሞት ተሰለፍቲ ምንባሮም ተወርዩ ኢዩ። ትጽቢት ለውጢ ከም ሕርሲ በዃር ዝተጸበዮ ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳ ካብ ክቡር መራሒኡ ኣቶ መ

ስፍን ሓጎስ ዘይተጸበዮ ኮነ፡፡ ንሱ ቅድም ምስቶም ከምቲ ከምኡ ላዕለዎት መራሕቲ ነበር ክሰናበት እንከሎ ድሒሩ እውን ካብቶም መንእሰያት ተነጺሉ ምስቲ ናይ ቀደም ገለ ክፋል ተሓኤ ተጸጊዑ ከምዘሎ እናተረዳእኩን እየ ምስ ራድዮ ኤረና ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ክፍኖ ሰሚዐዮ። ቃለ-መሕትት ምግባሩ ሓድሽ ኣይኮነን። ከምቲ ዝሓለፈ፡ ሎሚ ድማ ብመልስታቱ ዘይዓገበ ጋዜተኛ መንእሰይ የውሃንስ ተስፋማርያም፡ ሰማዕቲ ርኢቶ ክህቡ ብዝሃቦ ሓደራ ብዙሕ ክጸሓፍ ከም ዝከኣል ርዱእ ኢዩ።

ኣቐዲመ ኣብ ልበይ ማዕረ ፕረሲደንት ኢሰይያስን ካልኦት ኣጥፊአሞም ዘለዉ ንጹሃት ሓርበኛታትን ገይረ ከምዘኽብሮ ክገልጸልኩም እፈቱ። እንተኾነስ ክብሮም ብምትንካፈይ ምስድፍረትን ምልኻዕን ክመስል ይኽእል ኢዩ’ሞ ከምኡ ከይትሓስብዎ እላቦ። ኣይለመዶምን ማለት እንተዘይኮይኑ ንኩላህና ከምዝተጋደሉ መጠን ብገዛእቲ ዝተሎጉመ ኣፍና ክፈትሑልና እንተዝረኣዩ ዝበለጸ ምኾነ’ንዶ። አእ፡ ኣይከኣሉን። ኣብ ታኼላ ገዛእቲ ተሸሚሞም ከምቅቡል ክንወስዶ ክጉስጉሱና፡ ብክቱር ልውሃት ልብና ደንጊጻ ከነዋደወቖን ከልዝቡናን፡እዚ ምስዘይኸውን ድማ ከተፈራርሃና ዝሓለነት እኪት ሕልና ብጽሕፈትና እንተኣንጸርጺራ፡ ብትሕዞ ከድኣ እንታይ ኢያ ክትፈድየና? ንኺድ በሉ፡-

ዕድመን ኩነታት ኣሰላልፋን መስፍን፡ ከምቲ በቢመድረኹ ዝነበረ ናይ ኩላህና ደቂኤርትራ“ዃ እንተኾነ ’ብምቅርራ ብ’ ምስላፍን ካልእን ከምዝፈላለዩና ድሒርና ብሓርኮትኮትና በጺሕናዮ ኢና። ዝኾነ ኮይኑ ዕድመና ምስኦም ከምዝ

በለየ መጠን  ጸገማትና እንታይ ይመስል ነይሩ? ናብዚ ሓድሸ ወለዶ ክሰጋገሩ ዘይብሎም ሕማቕ ስራሓትከ እንታይ ዝኣመሰሉ ኢዮም? ኣብ ዝብሉ ክምለሱ ዘለዎም ፈተንቲ ሕቶታት ከነተኩር ይግባእ። ምስቲ ኣርእስተይ ዝዋሰብ ገለ ካብቲ ብዝተፈላለየ ጥበብ ሓበሬታ ብምኽላእ ክስማዕ ዘይደልይዎ ቅቡር ድምጺ ካብተሰምዐ፡ ናይ ምግባር ዓቕሙ ከምክኑ ኣብዝቃለስሉ እዋን፡ቀራሪመ ለቓቒመ ዘይኮነስ፡ ጨላሊፈ ቀናጪበ፡ ካብቲ ባዕሉ ዝመለሰሉ ጥራይ ከብርህ ከምዘይጸልእዎ እናተረዳእና ከነቕርብ እና። ርግጽ ዓርኪ መሰታኦም ብዘይምዃንና ከይግደሰሉ ይኽእል። ከሕምሞም’ውን ኣይኮነን። ዓርኪመሰታ መሸም ኣብ ንቡር ህይወት ጥዑም ኢዩ። ሰብ ዘይንሱ ክመስል፡ ከደናግር፡ ክግብት ክፍትን እንከሎ፡ ዋላ ኣብ ርሑቕ ዓዲ እንተኾነ’ውን ኣቀላላዕ ስለዘሎ ከባድምዎ ኣለዎም ንዓርኪ መሰታ። እንተ ብተጽዕኖ እንተ ብፍጥረት ኣብቲ ኩነት’ቲ ኢዩ ዘሎ መስፍን። ዝኾነ ኮይኑ ግዜ ብምንውሑ ብዛዕባ ወነንቱ ዝበረሱ ዛንታ እንተኣጠራጢርና እስከ ብዛዕባ ህሉዋት፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ መድረ ክንዛረብ።

ሓደ ካብ መሪሕነት ዘርከብኩሉ መስፍን ሓጎስ፡ ገንዘብና ወርቅና፡ ሕሩድና ሙቱርና ኣብታ ሳንጣኡ ኢያ ዝነበረት። ንሱ ብዝነበሮ ልምዲ ቃልሲ ሳንጣኡ ኣብ ቱሽቱሹ ተኾልዂሉ በይኑ ካብ ሳሕል ተበጊሱ ብዘይዕረፍትን ንኩሉ ተጻብኦ ተሓኤን ባህርን ተጻዊሩን ባሕሪባራ ዝድርገም ሙዑት ተጋዳላይ ስለዝነበረ ምስ ገመል ምድረበዳ ነዳርጎ ነበርና እቲ ዝና ሓንሳብ ኣብ ኣእምሮና ስለዘስረጽናዮ፡ ብኣስማቱ ናይቶም ሰብ ቻይና ነገር ዓዚዝና ክንወርሶም ክንደይ ዘይተነፋፋሕና!! ተመላኺዑ ድዩ ሓቅነት ነይርዎ ከይተመራመርና’ውን ኢሰይያስ ካብ ዙርያኡ ብፖለቲካ ቀዳማይ፡ ብውትህድርና ካልኣይ፡፡ መስፍን ከኣ ከምኡ ካብ ዙርያኡ ብውትህድርና ቀዳማይ ብፖለቲካ ካልኣይ ደረጃ ከምዝነበሮም ስለዝተወረየ፡ ብዓንተቦኡ ነቲ ድሓር ክቆጻጸርዎ ዝነበሮም ስልጣን ተሓዚእሎም ኢዩ ዝነበረ። ከምኡ ኢሉ እንበኣር ወዮ ግሩህ መድረክ ሓለፈ።

ነገራት ክስትብሃለሎም ዝጀመረ ድሕሪ ምዝላቕ ኢዩ። መስፍን ሓላፊ ክፍሊ ቁጠባ ነይሩ። ኢብራሂም ድማ ሓላፊ ወተሃደራውን ታዕሊም። ክልቲኦም ከኣ ኣባላት ናይታ ብኢብራሂም እትምእከል ወተሃደራዊ ኮሚተ ነይሮም። ዋላእዃ ኮነ ኢልካ መስፍን ትኽትንፋስ ኢብራሂም ምዃኑ ይወረ’ምበር፡ ኣብቲ ሞያ ዘድሃበን ኣውራ ከኣ መስፍን ኣብ   ቀዳማይ ወገን መሪሕነት ተመሪጹ ክንሱ፡ ምስጢር ናይታ ገዛእ ውድቡ ኣሕሊፉ ንካልኣይ ወገን ማለት ናብ ኢሰይያስ የቐብል ጸኒሑ ድሒሩ ከኣ ብኣካል ከዲዕዎም ናብ ካልኣዩ ስለዝተሻሕሽሐ ብዝፈጠሮ ሕዱር ቅርሕንቲ ናይ ትሕቲ ጣውላ ናይ ኩርንዒት ጉስጢ ከምዝነበረስ ይሰሉኽ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ኣመሰራርታን ጸብለልትነትን ስልጣን ሰልፊ መን ዓብለለ፡ መሰረት ቅዝፈት ኣሸሓት ንጹሃት ከምዝነበረ መስፍን ናበይ ክዓብጦ ይደሊ ኣሎ ሎሚ?

ኣብ 1985 መስዋእቲ ናይቲ ከም ትሕጃ ጽባሕ ዝተጸበናዮ ሓርበኛ ተወረየ’ሞ ከምቲ ናይ ሽዑስ ንሙሉእ ዕምርና ከ ምዘይንእበድ ብግልጺ ተጋህደልና።ንሱን ከምኡን ዝመሰረቱ ኢዩ ድማ ጆን ሕቶ ዘሕተቶ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ከምእኒ ናይ ኪዳነ፡ ወልዳይ፡ ትኩእ፡ ኢብራሂምን ካልኦትን ቅነጸላ ከምዝነበረ’ሞ መስፍን ብዝነበሮ መዝነት ሓቂ እንተኾይኑ ዝፈለጦ ክገልጸሉ ተሓቲቱ፡ ነቲ ቅዱም ብዘይ ምዕጥጣይ ክገልጽ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዳሕረዎት፡ናይ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ዝተፈጸመ ከም ናይ ትኩእን ኢብራሂምን ቅንጸላ ግና፡ በቲሓደ ደላይ ጭብጢ እናመሰለ ንትኩእ ተሓኤ ከምዝቐተለቶ ከምዝኣመነ፡ በቲካልእ ንሱ ኣብዘይነበረሉ መስዋእቲ ኢብራሂም ብዝሰምዖ ወረ ከምጭብጢ ከብርህ ፈቲኑ። ቅድም ቀዳድም መስዋእቲ ትኩእ ክምስክር ዘይከኣለ ብሂወት ዝተረፈ መዋዕልቱ ጣቛ ኣለዎዶ ትብልዎ? ሕራይ እንዶ ንሱ ከይርሕቀና፡ በሉ’ስከ መስዋእቲ ዓፋ ከመይ ነበረ?

“ኢብራሂም ዝሓዛ መስርዕ ኣብ ጎቦ ዓጋመት ብዘይመላስ ኣውያት ብሱልዃ ስለያ ተደምሲሳ“ ኢዩ ነይሩ እቲ ሽዑ ዘስደመመ ዜና። ኣስደሚሙ ምኽንያቱስ እታ ናይ ስለያ መስርዕ ከመይ ኢላ ነቲ ሓጺናዊ ሰንሰለታዊ ዕርዲ ተጋደልትን ክፍልታት ሰራዊትን ሰጊራቶ? ጸላኢ ካብ ዕርድታቱ ድሒሩ ስለዝነበረ ከመይ ኢላኸ መስርዕ ስለያ ከይተራእየት ክሳብ ጎቦ ዓጋመት ክትበጽሕ ክኢላ? ንመስርዕ ሓርበኛታት ከተላእም ውግእ ከፊታ ክንሳ ከመይ ኢላኸ ብዘይ ዝተራእየ ክሳራ ተሰዊራ ቦታኣ ተመሊሳ?…….. ።

መልሱ ሎሚ ካብቲ ቀንዲ ዓርኩ፡ ካብ ኣፍ መስፍን ተሰምዑዎ ኣለኹም። “ጸላኢ ንዝገደፎ መሬት ክምለሶ ብጋንጽ ላ/ፓራሾት/ ገይሩ ካብ ዝወረደ ሓይሊዝጠፍአት መስርዕ ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ጎቦ ደይባስ፡ንመስርዕ ሓርበኛታት ደምሲሳ“ ኢዩ ዝብል ዘሎ። መሸም ወተሃደራዊ ዛንታ ንወተሃደራዊ ክዉንነት ዝገልጽ እንተዘይኮይኑ ተኣማኒ ኣይኮነን። ብዙሓት ተዛመድቲ ሓቅታት ኢዮም ድማ ነቲ ሙሉእ ስእሊ ዝህቡ። ንበል ሓደ ሰብ “ተባሪቓትኒ“ ኢሉ ብጥይት ሰብ ቀተለ። ሓቂ ድዩ፡ ናይ ቂም ድዩ፡ ተላኢኹ ድዩ ፈጺምዎ…..ብኸመይ ነረጋግጾ? ማለተይሲ መስፍን ኣብእተድ ምዖ ጉዳይ “ ኣይፈለጥኩን፡ ኣይረኣኹን፡ ኣይሰማዕኩን…….“ ዝብል ሓንዃል መልሲ እናኣዘውተረ፡ ንሱ ኣብዘይነበረሉ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ቅትለት ከመይ ኢሉ ብርግጸኛነት ተዋሰአ? ብተወሳኺ ሽዑ ዝወረደ በዓል ጋንጽላ ነይሩ ዲዩ? “ከርክበካ ኢየ ኢለዮ ነይረ“ ማለት ምስ ምፍልላይ ትማሊ ብኸመይ ይዋሰብ? እምበርከ ካብ በዓል ኢብራሂ ም ውጻእ መዓት ዝበሃል ከዘንቱ ዕድል ዝረኸበ ሰብ ነይሩ ድዩ?………

ሎሚ ግን ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝነበረ ሰሪሑ ቀሪብልና ኣሎ መስፍን። ጽባሕ ድማ ነታ ዘይደፈሩዋ ምስምስ ማለት ሎሚ ሓድሽ ዜና ምድማሳስ ናይታ ሽዑ ንሓርበኟታትና ዝደምሰሰት መስርዕ  ከበስሩና ኢዮም፡፡ኣስተውዕሉ ሽዑ ንሓገዝ ዝተበገሳ ኣሃዱታት ባዕሉ መስፍን ከምዝመለሰን ተገሊጹ ነበረ። በትሪ ሓቂ ቀላሊዓ ኮይና እምበር ሽዑ ኣብ ቅድሚ ቀተልቲ ክልተ ዕድላት ከምዝተገተራ ተተንቲኑ ነይሩ ኢዩ። ቅንጸላ ሓርበኛታት ብዘይድምጺ ስለዝተሳለጠ፡ ሓደ ኣፉ ሽታ ማይ ክትከውን ምጽቃጥ ዝብል ኣማራጺ ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ። ከምዘየዋጽእ ምስተገምገመ “ስለያ ኣትያ ፈጺማቶ“ ተባሂሉ።

ዓገብ!! ባዕሉ እቲ ዝተኻዕወ ንጹህ ደም “ተጋለጹ“ኢልዎም ኢዩ በሉ ብድምጺ ኣልቦ ዛሕዚሐሞም ክንሶም ከምስሉ ዕምብረ ጠያይቲ ዝሻሕሽሕዎ። እንተኾነ ንሱ’ው ኣየዋጸአን። ኩነታት ነይሩ ካብበሉና ለይቲ ዋርድያ ከየውጽአት ትሓድር ኣሃዱ ኣይነበረትን። “ቀትሪ እምበር“፡ ካብበሉ ድማ መስርዕ ዓይና እናረኣየ፡ እዝና እናሰምዕ፡ ራድዮ እናሃለ ዋ ብዘይ ናይርድኡና ጻውዒት ጠፊኣ ምባል’ውን ኣየዋጽአን’ሞ ብዛዕባ’ቲ ነገር ዘተንፈሰ ዘበለ ኣብኣ ትደዮ ኮነ ድሓ ርሲ። ዝኾነ ኮይኑ ኣንጊሁ ነቒሉ ንኢብራሂም ዝወሓጠ ዝብኢ ኣይነቁ’እምበር ሓደ መዓልቲ ክህደን ምዃኑስ ኣይተ ጠራጠርናን። ድሓን ድማ እዛ ናይ ሎሚ ንእሽቶ ነኻል ጽባሕ በዞም መንእሰያት ሓቃ ክትበጽሕ ኢያ’ሞ ከምቲ የውሃንስ ዝበሎ ትጽናሓልና ጥራይ።

ጋዜጠኛ ጨኪንልካ መስፍን፡ ንሱስ ቅንዕናኡ ጥራይ ኣቐዲሙ’ምበር ንሓደ ሰብ ኣብ ጻልጣ ጎልጎል ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡“ ሰባት ዶ ሃንዂትካ ኢኻ“? ኢልካ እንክሕተት፡ ብገዛእ ተግባራቱ ዘየለፋልፍ መዓስ ኮይኑ።እንተኾነስ ዋላ እንተገበሮ መን ከምዘይሓቶ ኢዩ ፈኺሩ።እቲ ፍላይ ማንታኡ’ውን “ኤርትራ ንምግዛእ መንዶ ኩንትራት ሂብኒ ኢዩ“ እንድዩ ኢሉ። ንሓዋሩ የቕልሎ ድኣ ንበል እምበር ካብቶም ኣመሪካውያን ኮኑ ጠፋንቕ ኣጋንንቲ ቻይና ዝለኽዕዎም ክልቲኦም መስረትቲ ናይቲ ሰልፍን ብሂወት ዘለዉ ቀተልትንከ እንታይ ዝኣመሰለ ሓቂ ትጽበዩ?

ገለ እንተወሰኽና ኣይትጽልእዎ። ግዳይ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢሰይያስ ዝኾኑ ንጹሃት ተጋደልቲ መሸም ኣባላት ናይታ ከምትነብር ወይ ከይትምስረት ዘስግአቶም ሰልፊ ኢብራሂምን ኣድነቕቱን፡ ወይ ከኣ ጽባሕ ነጻ ህላወ ክውንኑ ከምዝኽእሉ ተሰጊኦም ዝተቐዝፉ ኢዮም። ሕብእቲ ሰልፊ እናወነኑ ኣብቅድሜና ኣድላይነት ሰልፊ ዝኸሓዱ በዓል መስፍን፡ ሎሚ ግዜ ሓሊፉስ ዒራ መን ከይነግረሉ፡ ሰልፊ፡ናይቲ ግዜ ፋሽን ስለዝነበረ ምስ ከምኦም ሓለፍቲ ተረዳዲኦም ከምዘቖሙዋ ከረድኣና ፈቲኑ። ሽዑ ብጭብጢ ንዘቃልዕዎም ከምብዓል ብጻይ ጎይትኦም ዝኣመሰሉ ብመገዲ  ሓለዋ ሰውራ ወጊነሞም እንድዮም። ወገናቶም ኣይነጸረን እናተባህለ ብጸኒሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝበለዩ፡ ዛዕጊፎም ምስ ወጹ ዘጓነፎም ተነጽሎን ዘይግቡእ ሞትን ይርሳዕ ድዩ? መስፍን ሎሚ ብ“ኣይፈለጥኩን“ ከምዝምልሶም ዘየጠራጥሩ ማእለያ ዘይብሎም መስዋእትታት ንፈልጥ’ኮኢና፡

ኣብነት፡- መስዋእቲ ናይቲ ምስ ሙሉኣት ኣባላቱ ዝተሰውአ ኢሰይያስ ተወልደ/ ወዲፍላንሳ። ንሱ ኣብ ዓላ ዝተሰለፈ ዝነኣሰ ኣባል ኮይኑ፡ ክሳብ መስዋእቲ ኣብራሃም ከይተረፈ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ዝመከተን ብምንባሩ ካብታ ሰልፎም ጓንየሞ ነይሮም። ምስጢሮም ምስኣጋለጾም ድማ ክሳብ ግዜ ዝረኽቡ ብዘይፍታዎም ንማለቱ ብሓለዋ ጸንቢረሞ ነይሮም ተዓዊቶሙሉ ከኣ።ኣብ ሰሙኑ’ውን ብዓልቲ ቤቱ “ተሰዊኣ“ ተባሂሉ ምስ ዝረኣየቶን ዝፈለጠቶን ምስጢራት ተደፊና።ሎሚ ከምቲ ናይሽዑ ሃበስቀደስ እንተተወርየ ንመን የእምን?

“ልቢ-ተጋዳላይ“ ብእትብል ልቢሰባት ዝሰለበት ጽሕፍቲ እተሰነየ መስዋእቲ ዓሊ ኢብራሂም ምስ ስለምንታይነቱ ን ዝክሮ ኢና። መስዋእቲ ናይቲ ኣብ ድቕድቕ ኢትዮጵያ ፈንጂ ጠቑሊባቶ ዝበሉና መኮነን ጉብጣን፡ ከምኡድማ ኣብ ኵናት ኣጋጢሙ ካብ ዝተባህለ ናይ ወዲሓምቢር ብፍሉይነቱ ክጥቀስ ይከኣል። ኣበሳኡ ድማ ኣብድሮ ናጽነት ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ክኸውን ዕድመ ቀሪብሉስ፡ ንሱ ከኣ ባህጋ ኣይነበሮን ስለዝኾነ ከምዝነጸጎ፡ ስለዚ ብሕጊ ሕቡኣን፡ ምስጢር ዝፈለጠን ዝገበረን ዘቃልዖም ምውጋኑ ስለዝኾነ ኣብ ድሮ ፍጻመ ኵናት ናጽነት ኣብእዝኑ ጣልጋ /ጥይት/ ከምዝሮኩዑሉ ተወረየ።………

ቅንጸላ ጸረ-ሰልፍነት ሕጋውነቱ ምስኣልበሱ፡ ጸኒሑስ ሳዕሪሩ ናብ ዘየሕትትን ተራ ዝመስል መርሸንቲ ወሪዱ ነበረ። ክልተ ኣእዳዉ ብእሱሩ፡ መንደቕ ማእሰርቲ ኲዒቱ ብምውጻእ ድቁሳት ዋርድያ ከይረኣይዎ ወጺኡ ክንሱ፡ኣቤቱታኡ ከቕርብ ብሰላም ናብቤቶም ንዝመጾም ሰለሙን ወልደማርያም ዘስምዕ ባህጊ ኣይነበሮምን’ሞ ብኡ ንብኡ ከምዘካረጅዎ ሰሚዕና። ምክራጁ ዘይሰማዕና ናይቲ ብተመሳሳሊ ካብ ማእሰርቲ ካልኣይ መደበር ኣስመራ ወጺኡ ክንሱ ህድማ ዘየብሃጎ ቢተወደድ ኣብርሃ’ውን ስለዘይተርፍ ንጽበዮ ኣለና።

ቅንጸላ ብዙሕ ዓይነትን ምኽንያትን ኢዩ ነይሩዎ። እቲ ርዱእ ኣብ ማእሰርቲ ዝርአ ከም ንጉጅለ 15 ዘጓነፎም ጥራይ“ዃ ንክስስ ኣኻሊ ነይሩ። ብዙሕ እዋን ዝተራእየ ድማ፡ ዝሓየሎም ሰብ ብድኽመቱ ከሰንፍዎ እንተኽኢሎም፡ ወይ ክሃድም፡ ወይ ከኣ ነብሱ ክቐትል ከምዘለዎ ዝሽሕጡ መስሓትያን የዋፍሩ ነይሮም። እዚ፡ ውራሻ  ሰልፊ ናዚምዃኑ ኢዩ። ኣሽዓል ወዲዘርአ ሓደ ኣብነት ካብ ነብሰ-ቅትለት ክጥቀስ ይከኣል። ከምርዱእ ኣሽዓል ንኢሰይያስ ሓንቲ መዓ ልቲ ሓደጋ ከይወድቆ ይፈርህ ምንባሩ ይፍለጥ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ብተነጽሎ ኣዕሩኽ ኣልኮል ገይሩ ዝተዓወተሎም ከምዘለዉ ንፈልጦ ኢና።“ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ“ ይብል ከምዝነበረ ኢያ ነዚሓ ራድዮ ኣስመራ። ወዲናውድ ግ ን እንታይ ከምዘጋጠሞ ዝፈለጠ ይፈልጦ ኢዩ። ካብቶም ቀዳሞት መራሕቲ ሓይልታት ዝነበረ ስምረት ወዲግራዝምች፡ ገረዝጊሄር ቀሽን ካልኦትን፡ ሰኽራማት ወይ ዝንቡላትን ዕቡዳትን እናተወርየሎም ክሳብ ህይወቶም ምምራሕ ስኢኖም ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም።ኣብ ውሽጢ ህሉዋት ኣርካናት ዘሎ ፈተና ድማ ግዜ ባዕሉ ክገልጾ ኢዩ። ብረቂቕ ብልሓት ጉዳይ ውልቂ እናመሰለ ብኢድ ሰብ ዝተቐትሉ ብጾት’ውን ኣለዉና። ልቡ ሰቲዃቶ፡ካብ ኣስካላ ሸተት ኢሉ ብመአከብ ሓመዱ ፈጠቕ ስለዝበለ ተኻርጁ፡ ካብ ጽርግያ ምስማኪናኡ ተዓንቂፉ ንገደሉ ተነቝቱ…………

ኣቱም ሰባት፡ ከሳብ ለይቲ ሎሚ’ቲ ዝርዝርን ጭብጥን ማእለያ የብሉን። እንተኾነ ንሳቶም ክትፈትዉዎ ክትጸልእዎ ዝገበሩ ገይሮም ሳላ ከምኡ ዝገበሩ ዓወት ከምዘምጽኡ እዩ ዛንታኦም። እሞ ብዓንተቦኦም ነዚዘሎ ብሕትውና ከምእ ተቓለሱስ ብድፈኖ ዕበጦ ዝዕበጥ ኣይኮነን። መስፍን ተሓኤ ንዝገበረቶ ገበናት ክምርምር ስልጣን እንተነይርዎ፡ ገበናት መስፍን እትምርምርን፡ ነቲ ካልእ ቃል፡ ነቲ ዕቡስ ድምጺ እትሰምዕን ኮሚተ መንስሰያት ድማ ተድልየና ኣላ። ዘረባ መስፍን ነጥቢ ብነጥቢ ኣደናጋርን ተነጻግን ይኹን’ምበር፡ ንሳቶምዃ ንክገብርዎ ዘይተጸገሙስ፡ ንሕና ንከነዘንቱ ጸገም ስለዘይብሉ፡ ክንብሎም እንኽእል ውሑዳት ጥራይ ሒዝና ክሳብ ንምለሰኩም ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Cambo February 1, 2012

    I want thank prof Yemane and his friends for the demonstration they held infront of the Egyptian Arab Republic council in NY last month, regarding the Eritreans enslaved by the Arab Beduines in Sinai and the human organ harvesting theft by Egyptian doctors.
    However, this was not followed up by other Eritreans living in Australia, London, Canada, Germany, sweden ….
    Look below how Ethiopians are acting regarding the crimes being committed on Ethiopian christians by Saudi Arabia. Do you wonder, why all these crimes are taking place in Arab nations against Africans but not in other nations such as uganda, Angola, Kenya …?
    “Representatives of concerned Ethiopians in the Washington DC Metro Area have hand-delivered a letter to the Saudi Arabia ambassador in Washington DC, Adel A. Al-Jubeir, today requesting his government’s urgent attention to the plight of 35 Ethiopian Christians in Saudi Arabia who have recently been rounded up and thrown in jail.
    The representatives also requested a face-to-face meeting with Ambassador Al-Jubeir to express their concerns.
    Concerned Ethiopians are also planning vigils and protest demonstrations at the Saudi Arabia embassy unless the Saudi government releases them.”

POST A COMMENT