Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቋንቁኛ ንደመር፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቅ’ዩ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃንደበታዊ መስርሕ ሰላም ከምዝጀመረ ዝዝከር’ዩ። ስዒቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ብምፍጻም፡ ከም በኹሪ ፍቅሮም ንኸይቅጽሉ ተኸልኪሎም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃንደበታዊ መስርሕ ሰላም ከምዝጀመረ ዝዝከር’ዩ። ስዒቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ብምፍጻም፡ ከም በኹሪ ፍቅሮም ንኸይቅጽሉ ተኸልኪሎም ዝነበሩ መንእሰያት ብዝመስል ምትሕቁቋፍን መጠኑ ዝሓለፈ ክምስምስን፡ እቲ ን20 ዓመታት ብጸርፍን ጽልእን ተባሒቱ ዝነበረ ልሳናትን መራኸቢ ብዙሓንን ብ “ደመር፡ ንፋቀር፡ ሓደ ኢና” ዝብል ማይ ዘይጠዓመ ፍልስፍና ተተኪኡ፡፡ እቲ ብዘይ ግሉጽነትን ነቲ ብሰበብ ዶብ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናትን ብሳዕቤኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ሰብ ዘጥፍአ፡ ማሕበራዊ ትካላትን ትሕተ ቅርጽን ዘዕነወ፡ ብብልዮናት ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘባኸነን ምብትታን ስድራቤታት ዘስዓበን ጠንቂ ዕሽሽ ብምባልን ውሽጣዊ ቁስልኻ ከይፈወስካን፡ ንደመር ትብል ቃል’ያ ወግሐ ጸብሐ ትዝመር ዘላ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝንን ዘደንጹን ድማ፡ ገለ ገለ ኤርትራውያን፡ ኣሕዋቶም፡ መዛንኦምን ቤተሰቦምን፡ ኣብ ስደት ተበታቲኖም ሕሰም እናኣሕለፉ፡ ኣብ ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ እናተሳቀዩን ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፉን እንከለዉ፡ ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ጠጂእዎ ዘሎ ንእዋናዊ ጉዳይና ኣረሲዑ ኣብ ጓል መንገዲ ዘሀውትት ንደመር ዝብል ሰሚናራትን ኣኼባታትን፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰኪሞምን ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ስእሊ ዘለዎ ካናቲራ ለቢሶምን ክዕንድሩን ክጭርሑን ምዕዛብ’ዩ። ኣንቱም ሰባት፡ ንመሰልኩምን ንሃገርኩምን ብጩቅ ኢልኩም ዘይተዛረብኩምን ብዛዕባ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝርገጽ ዘሎ ህዝብኹም ዘይተማጎትኩምን፡ “ንደመር፡ ንፋቀርን ሰላም ሰፊኑን” ክትብሉ እንከለኹም እምበር’ዶ ኣይዓበድኩምን? ክሳብ መኣስ ኢኹም ንምብጽዓ ስውኣት ረጊጽኩም ኣብ መጻወድያ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣቲኹም ኣንጻር መሰልኩም፡ ህዝብኹምን ብዕድል ደቅኹም ክትጻወቱን? ዓገብ። ቅድሚ’ቲ “ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌርና ተፋቂርና ሓደ ኢና” ኢልከም ንመንነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዝብሕጉግ ተንኮል ምእታውኩም፡ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትኩም ተደሚርኩም ኣብ ሓደ ዳስ ወይ ኣዳራሽ መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ስውኣት፡ ሓድሽ ዓመትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ብሓባር ኢህን ምሂን በሉ።

 

ዝኾነ ሕብረተሰብ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ካብ ህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ፡ ናጽነት ሃይማኖት፡ መሰል ምእካብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ትካላትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ጥዕና ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ መሬቱ፡ ጉዳዩን መሰሉን ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ዩ ንኤርትራን ህዝባን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ይቀትሎ፡ ይሸጦ፡ ይኣስሮን ናብ ስደት ሃጽ ክብል ይግድዶን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ንደመር ብቀንዱ ንኢትዮጵያ ስለዝምልከት፡ ካብ መስመርናን ቀዳምነትናን ወጺና ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትኳርን ብመደረታት ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ምምሳጥን፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንዛረብ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ን20 ዓመታት፡ “ስርዓት ወያነ ጎቢጡዎ ዘሎ መሬትና ከይስሓበ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ዝብሃል የለን” ብምባል ሃገራዊ ቅዋም ከይንደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይተርፍን ከም መመኽነይታ ክጥቀመሉ ከምዘይጸንሐ፡ ድሕሪ ህልቂትን ስደትን “ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን” ክብለና እንከሎ፡ ነቲ ህግደፍ ትማልን ሎምን ዝሃቦ ተጋራጫዊ መግለጺታት ከነዋጥሮ’ዩ ዝግብኣና እምበር ንሱ ኣብ ዝተኸሎ ጓይላ ከነጣቅዕ ዘምሕረልና ኣይኮነን። እዚ፡ “ንደመር፡ ሓደ ኢና፡ ንፋቀር” ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ብዘይካ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምትፍናን ንግዚኡ ምህድኡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ መኽሰብ የብሉን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መርኣያ ጽቡቅ ድሌትን ሰላምን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርብሕ ለውጥታት ብተግባር ከርኢ ንዕዘብ ኣሎና፡፡ እሱራት ምፍታሕ፡ ምስ ተቃወምቲ ምዝታይ፡ መኣዲ ዘተ ምኽፋት፡ ኣብ ስደት ዘለዉ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዕዳም፡ ንህዝቢ ይቅረ ምባልን ጉድለትካ ምቅባልን፡ ኣብ ህዝቢ ሰፊኑ ዝነበረ ቅርሕንትን ምጥርጣርን ምህዳእን ገለ ካብቶም ፍሩያት ኣብነታት’ዮም። ስርዓት ህግደፍ ግን ከም ኣመሉ ብትዕቢት ተዋሑጡ፡ ብኢደ ዋኒኑን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሎሚ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ውዕላትን ይገብር ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይብሉ፡ ብመጻኢ ዕድል ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ልዕሊ 150 ሽሕ ኤርትራውያን’ውን ኣይተዛረበን። ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ዘሎ ዜጋታት ክፈትሕ፡ ንሰብ ርእሰማልን ክኢላታትን ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ኣትዮም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ኣበርክቶ ክገብሩ ኣየተባብዐን፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ስዑድያ፡ ኬንያን ሱዳንን ዑደት ኣብ ዝፈጸመሉ ኣብ ዝጓዓዘላ ዝነበረ ነፋሪት ኣብተን ሃገራት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣፍቲሑ ምስኡ ሒዝዎም ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ፡ ገለ ገለ ኤርትራውያን፡ “መራሒና ኢሳያስ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን እሱራት ሒዙ ክምለስ’ዩ” ኢሎም ከዕሉሉ ጀሚሮም። ሓደ ተዋዛያይ፡ “ኣይፋል፡ ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን እሱራት ዘይኮነ ናጻ ዘውጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ዝእሰሩን ኣብ መዝገብ ከድዓትን ተቃወምቲ መንግስትን ዝሰፈሩ ደለይቲ ፍትሒ ሒዙ’ዩ ዝመጽእ” ኢሉ መለሰ ይብሃል። ብዘይካ’ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ዝተራእየ ንመላኺ ኢሳያስ ዝተዋህበ ናይ ሃጸያት፡ መሳፍንትን ዓቀይቶትን ገጸ በረኸት፡ ካልእ ብግሁድ ዝተራእየ ህያብ’ኳ እንተዘየለ፡ መን ይፈልጥ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝዳጉኖም እሱራት ካብ ኢትዮጵያ ተማሊኡ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሳብ ኣፉ መሊኡ ስለዘሎ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ብምፍትሑ፡ ጽበት ቤት ማእሰርቲ ንምቅላል ኢሳያስ ብጸኒሕ ኤርትራውያን እሱራት ንዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ከረክቦ ጸገም የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ’ቲ፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ዝርዝር ውዕላቱ ዘይተነጸረ ክትጥቀመሉ ከቲምዎ ዘሎ ምስጢራውን ዘይምዕሩይን ውዕል፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንምህዳንን መቃለሲ ቦታ ንምኽላእን፡ ዘይሕጋዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንምክያድን ካብ ተነጽሎ ዓለም ትንፋስ ንምርካብን’ዩ።

ሕሉፍ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ከምዘረጋግጾ፡ ንጉሆ ዝፈረሞ ውዕል ምሸት ክስርዞ ሕፍረት ስለዘይስምዖ፡ ሎሚ ምስ ሓደ ክፋል ኢትዮጵያ ጀሚርዎ ዘሎ ፍቅሪ፡ ካትም ኢድ ከይተገዘአ ፍቅረይ ወዲአ ከምዝብልን ነቲ ኣቀዲሙ ዝፈትሖን ዝተባእሶን ወገን ተገምጢሉ ዳግማይ ቃል ኪዳን ክኣስር ኣይሓንኽን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓጺር ዓመታት፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ጁቡቲ፡ ግብጺ፡ የመን፡ ስዑድያ፡ ቀጠር፡ ኢማራት ዓረብ፡ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ክንደይ ግዜ ተማሓዝዩ፡ ክንደይ ግዜ ተባኢሱን ክንደይ ግዜ ተዓሪቁን፡ ናይ ቀረባ ትዕዝብትና’ዩ። ህግደፍ፡ ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውክልና ኩናት ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጣልቃ ብምእታው፡ ወደባትናን ማያትናን ብምምጣው የመናውያን ይቅዘፉ ኣለዉ። ህዝቢ የመን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀንዲ ሓብሓቢናን ብዓል ጽቡቅ ውዕለትናን’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሱኒን ሽዓን መን ዓብለለን ከምኡ’ውን ኣመሪካ ትመርሐን ሃብቲ ዝግሕጣን ጽልዋታተን ዘስፍሓን ምዕራባውያን ሃገራት ዝምወል’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ካብተን ሰብ ውራይ ገንዘብ ንምግሓጥን በትሪ ካልኦት ብምዃንን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክጠብሶን ከህልቆን ይወጣወጥ ኣሎ።  ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት፡ ካብ ናይ መላኺ ኢሳይስ መግናሕትን ኣረሜናዊ ጠባያትን ዝበለጸ’ዩ። እቲ “ንደመር ንካፈል” ዝብል ቃላት ግን ቀይሕ መስመር ይሰግር ስለዘሎን ጥዑይን ሕሙምን ኮሚደረ ብሓንሳብ ተቀሚጡ ጥዕና ለዘይህሉን፡ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ እንታይነትን ሓቅታትን መላኺ ኢሳያስ ኣብ ምፍላጥ ይደናገር ከይህሉ ወይ ድማ ብፍላጥ ኣብ ደልሃመት ከይኣቱ የጠራጥር’ዩ።

 

ኢትዮጵያ ከም መቀጸልታ ጽቡቅ ድሌትን ንደመርን; ኣብ መንጎ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዘሎ ምፍልላይ ክትሽምግል ከምትሰርሕን ድሌት ከምዘለዋን ሓቢራ፡፡ ከም ዝፍለጥ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ንዓመታት ኣብ ክልተ ተመቂሉ ዝነበረ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ብምውሳድ ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ላዕለዎት ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ጠንቂ ምፍልላይ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ብርግጽ እንታይ ምዃኑ ብዝርዛር ምግላጽ ዘይክኣል’ኳ እንተኾነ፡ ስርዓት ወያነ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲ ምንባሩ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ንዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ክንጸረሉ ዝግባእ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ጸገምን ምፍልላይን የለን። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንዘበናት ንጹር ሕግታታን መንፈሳዊ ንጥፈታታን ከተካይድ ዝጸንሐት ሃይማኖታዊት ትካል’ያ። ይኹን እምበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ኤርትራ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ከምዝኣትዋን ውሽጣዊ ደምብታተን ወጊነን ብሕግታት ህግደፍ ከምዝመሓደራን ንብረተን ከምዝውረስን ገይሩወን። ብዘይካ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንሱ ዝደልዮም ኣብ ትካላት ሃይማኖት ብምሻም፡ ያዕ ንዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ብምእሳርን ትካላት ሃይማኖት ከምዝዕጸዋን ኮይነን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተሓጽረ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና፡ መንፈሳዊ እምነቱ ከካይደሉን ደቁ ክምህረሉን ዘውነኖ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ብዙሕ ሽርሕታት ኣካይዱ። ብሰንኩ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ብህግደፍ ዝምእዘዝን ካብ ኢድ ህግደፍ ናጻ ዝኾነን ኣብ ክልተ ተመቂሉ። እዚ ጉዳይ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝፈጠሮ ዕንቅፋታት እምበር ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ወይ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ስለዘይኮነ፡ ዶክቶር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ንኣባሊጉኡ ኢሳያስ፡ “ጠንቂ ኣብ ክልተ ምምቃል ኦርቶዶክስ ኤርትራ ንስኻ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢድካ ብምእታውካ ስለዝኾነ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ኣድህብ፡ ዝኣሰርካዮም መራሕቲ ሃይማኖት ፍታሕ” ኢሉ ኢሳያስ ንገዛእ ርእሱ ካብ ሓጥያቱ ክናሳሕ ክምዕዶ ኣለዎ።

 

ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ይሃልወናን፡ ንድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ጠጠው ክንብል ሓላፍነት ኣለና። ሃገርና መዐንደሪ ናይቶም ነናቶም ኣጀንዳን ረብሓን ሒዞም ዝመጹ ወጻእተኛታት ክትከውን ከነፍቅድ የብልናን። ኣብ ሃገርና፡ ፍትሒ፡ ግሉጽነት፡ ክብሪ ሰብ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ብቁዕ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዝብላዕን ዝስተን ዘይብልና ክንስና፡ ኣብቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን ዝዋስኡሉ ዘለዉ ድራማ ንደመር ምስታፍ ግን፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቅ’ዩ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 11 ነሓሰ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Haqu August 12, 2018

    እቶም ወራዙት ኩሩዓት ኣባሓጎታትና እንታይ እዮም ዝበሉ፥
    “ዓሚ ንዝሞተ ብተይ ፈኑ ኸኣ ተባሂሉ” ። ታሪኽካ ቋንቋታትካ ኣባሓጎትትካ መንነትካ ዝነዓቕካ ፡ ዓለም ይትረፍ ዝኾነ ደንቆሮ ናይ ዓረብ በደዊን ራሻይዳ ከም ጤል ዝሸጠካ ዝልወጠካ ፡ ኣብ ምድማርን ዘይምድማርን በጺሕካ? በልስከ ከምዚ ከማኻ ተደሚሩ ጎዲሉ ዘምጽኦ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ?
    ምስ መን ደኣ ክትድመር? ምስ ጀበሊ ፡ ጽሩይ ዓረብ ዖመር ኣልባሺር ፡ ምስ ዓረበ በደዊን ራሻይዳ ፡ ምስ እዞም ስልጡናት ምዕቡላት እስላማውያን ወሃቢ ኣል ስዑድያ ፡ ምስ እዞም ቋንቋታቶም ዝፈንፈኑን ብሓዊ ዘንደዱን ፡ ምስ እዞም ሳላፊ ሸሪዓውያን ናይ ሓሶት ዓረብ ፡ ምስ እዞም ልኡል እምነ ልኡላን ናይ ከልጅ ዓረብ?
    “መን ኢኻ?” ዘይበልዎስ “ኣቤት!” ይብል።

    • k.tewolde August 12, 2018

      One more time Haqu,haqi tezareb.I suggest you gurgle with your regurge and swirl it around your mouth and see how it tastes,if it is delicious swallow it,if it is not run to the bathroom,because this is not the place for it,enough already attacking and disparaging citizens who are doing honest to goodness work.

    • ስለፍትሒ ብሓባር ንቑም! August 12, 2018

      Haqu,
      ካብ ጽዩፍ ዝኾነ ቃላት ክትተፍእ ጊዜኻ ተጥፍእ፡ ንዘይትቕበሎ ሓሳብ ብይጠቕም’ዩ ዝበልካዮ ዝሓሸን ዝበለጸን ሓሳብ ክተፍርሶን ንኻልኦት ዝሃንጽ ሓሳብ ክትእርም’ዩ ዝግባእ።
      እዚ ዘንጣሊ ዝኾነ ሕማቕ ቃላት ግን ንማንም ኣይጠቅምን ኢዩ። ስልጡን ሕብረተሰብ ብሓሳብ’ዩ ዝወዳደር። “”መን ኢኻ?” ዘይበልዎስ “ኣቤት!” ይብል” ምባልካ ቅኑዕ ኣይኮነን። “ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ” ከምዝበሃል ነቲ ተዋሲኑ ዘሎ ህዝቢ “መን ኢኻ?” “ኣበይ ኣለኻ?” “እንታይ ክሰምዓካ?” ዝብል ቃንዛ ሕዝቡ ዝሰምዕ መንግስቲ ዘይምህላው ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደልሃመት ደርብዩዎ ዘሎ።

      ስለዚ ክቡር ሓው “Haqu” ምስትውዓል ይጎድለካ ኣሎ፡ ጸርፊ ገዲፍካ ሃናጺ ሓሳብ ክተቕርብ እላበወካ።

POST A COMMENT