Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅድሚ ጨፈቕ’ፈቕ ሕጂ ልቐቕ፡ ብኢዱ!!!!

ኣብ ዩ’ኤን ክትምጕት ከምዘለካ ሓቂ ሶማል ክትረማምስ፡ ብኣውያት ክትበኪ ቃዛፊ ክጋገ ምደለየ ዓርኪ።   ስልጣን መደበሩ ዝመስለካ ርስቲ ቃዛፊ ክወድቕ ክጉሰስ ኣብ ሰርቲ ኣበይ ደኣ ኔርካ ኣንታ መቛርስቲ።   ጥልም ኣቢልካዮ ኣብታ ጸልማት እዋን ርሻን ተተረፈስ ትኹል ድንኳን ባጽዕ ዘይበልካዮ ንዓ ደሓን።   ካብዛ ኩላ ሰሜን እንታይ

ኣብ ዩ’ኤን ክትምጕት ከምዘለካ ሓቂ

ሶማል ክትረማምስ፡ ብኣውያት ክትበኪ

ቃዛፊ ክጋገ ምደለየ ዓርኪ።

 

ስልጣን መደበሩ ዝመስለካ ርስቲ

ቃዛፊ ክወድቕ ክጉሰስ ኣብ ሰርቲ

ኣበይ ደኣ ኔርካ ኣንታ መቛርስቲ።

 

ጥልም ኣቢልካዮ ኣብታ ጸልማት እዋን

ርሻን ተተረፈስ ትኹል ድንኳን

ባጽዕ ዘይበልካዮ ንዓ ደሓን።

 

ካብዛ ኩላ ሰሜን እንታይ ተመሃርካ

ቆርበት ከይተመልጠ ጨፈቕፈቕ ከይበልካ

ሰላሕ ኢልካ ውጻእ ደጊም ይኣኽለካ።

 

ፍርዲ ፈሪሕካዮ ተመትካ ቅድሜና

ገኒዝና ክንቀብር መብጽዓ ዅነና

 

ሬሳ ነይንጕስስ ከቶ ዘይባህልና።

 

ኣይንደልዮን ከቶ ደም’ራኢ ብደቅና

ፍትሒ ክነግስ’ዩ ኣብ መላእ ሃገርና

ሰላሕ ኢልካ ውጻእ ሓዲግካ ዓድና።

 

ቆርበት ብልግቡ ጸጉሪ ከይተነጽየ

ኣእዳው ብዝርግሑ ኣብራኽ ከይተቝጽየ

ገለ ግበር ቀልጥፍ ምኽረይ ኣብዚ ዓጽየ !!!!!!!

 

 

ኣተወብርሃን ደብሩ

ጥቅምቲ 24, 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • abrehet October 31, 2011

    medeb asena ykatatel eye btaomi des zbl eu kestlwo bertiokum kestlwa

Post a Reply to abrehet Cancel Reply