Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅዱስ ሚኪኤል ሳንታ ሮዛ ህግደፍ ገንዘብኩም ከይዘመተኩም ከሎ ሕግኹም ኣጽፍፉ

ብዙሕ ሰብ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም (archive.assenna.com) ብዕለት ሕዳር 25, 2016 “ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ “

ብዙሕ ሰብ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም (archive.assenna.com) ብዕለት ሕዳር 25, 2016 “ ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ (2%) ክልተ ሚእታዊት ፥ ካብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ (15%) ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእታዊት ገይሩ ከእትዎ ምዃኑ ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ትእዛዝ ሂቡ “ ብዝብለ ኣርእስቲ ብዝሑፈን ደምጸን ዝተሰነየ ብዛዕባ ብካድረታት ህግደፍ ዝተለኣኹ ዘምርሕዎ ናይ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያናት ዋዕላ ዝነበረ ሓጺር ጸብጻብ ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፈ ሓደ ደላይ ፍትሒ ዝሃቦ ተኸታቲልናዮ ከንከዉን ተስፋ ይገብር.። እቲ ጉባኤ ኣብ ዶሲ ዝርከብ ቅዱስ ሚካኤል ብዕለት ሕዳር 18-19, 2016 ዝተጋብኤ ኣኼብ ዝመርሕዎ መስቀል ዝተሸኩም ዕሉላት ካድረታት ኣቡነ ሉቃስን ከም’ዉን ቅንጡጥ ዲያቆን ነበር ግርማይ ዝተበሃሉ አዮም ነይሮም። አቲ ኣኼብ ብዘይ ሓደ ፍረ ንኽለተ መዓልቲ ከም’ዉን ድራማ ብዛዕባ ምስ ኣቡነ ዕንጠንዮስ ዕርቂ ዘይተገበረ ከምተገበረ ኣምሲሎም ዝተሰነዔ ድምጺ ዘይብሉ ቪድዮ ብኣቶ ግርማይ ከርእዮ ዝፈተኖ ብእዋኑ ከም ተፈዲሔ ተሓቢሩ አዩ። ድምጺ ግበረሎ አንተበልካስ የብሉን ኩነ መልሲ። ኣብ ቲቪ ኢሬ ዝተለመደ ሰንዓ ናይ ፍልምታት አዩ ኣቶ ገርማይ (ዲያቆን ነበር) ኣደናግሮም ተብሂሉ ዝተውሃቦ ይኹን’በር አቲ መርኢት ግና ፈሺልዎ።

ኣብቲ ኣኼባ ንልዕሊ ዓመት ብቀሺ ሚኪኤልን ኣቶ ቴድሮስን ዝተብሃሉ መራሕቲ አታ ብዘይ ጳጳስ ትምራሕ ዘላ ሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝወሰደ ጎስጓስ ዕዉት ከምዝኾነ ከምስሉ ሸውዓተ ቤተ ከርስቲያናት (ካብ 53) ድሮ

ብሕጊ ቃል ኣዋዲ መሰረት ተማአዚዘን ቀሺ ናይ ሰብኻ ጉባኤ ኣቦ መንበር ገይረን ኣለዋ ሰለዚ አዞም ዝተረፍኩም ዘለኹም ናተን ኣሰር ከትክተሉ ጥብቒ ተእዛዝ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ስለዝኾነ ከትኽብሩ ኣለኩም ኢሎም ካድረ ናይ ህግደፍ ኣቡነ ሉቃስ ንኣኼበኛታት ከፈራርሁ ጀመሩ። ይኹ’በር እቲ ገብረ መልሲ ትም ኮነ። ብኸምዚ መልክዕ ንኽልተ መዓልቲ ብዘይ ሓደ ቁም ነገር አቲ ኣኼባ ተወዲኡ ልኡኻት ቤተ ክርስቲያናት ድኻምን ገንዘብን ከሲሮም ነናብ ቦቶኦም ተመልሱ።ንምኻኑ ንመንታይ እዩ ድሕሪ 20-25 ዓመታት ቤተ ከርቲያናት ኣብ ሰደት ዝርከባ ኣብ 2015-2016 ቀሺ ኣቦ መንበር ክኸዉን ተድልዩ? አቲ መልሲ ህግደፍ ገንዘብ ይኹን ንብረት ክሰርቕ ማዕጾ ክራሓወሉ ተባሂሉ ዝሓንጸጾ መደብ አዩ። ትምሕርቲ ዘይብሎም ኣቕሽሽቲ አንተሒዝና መፍትሕ ናይ ካሳ ቤተ ክርስቲያናት ብቕሊሉ ከንረኽቦ ንኽእል ኢና ዝብለ አዩ አምንቶ ሕግደፍ መንደፍ። አታ ሓንቲ ካብተን ሽውዓተ ቤተ ክርስቲያናት ብቓል ኣዋዲ መስረት ቀሺ እቦ መንበር ብመግባር 15% ካብ እቶቶም ከም’ዉን 10% ካብ ዕሽሪት ከሰዳ ተቕሪበን ዘለዋ ሓንቲ ኣብ ሳንታ ሮዛ ካሊፎርኒያ ትርከብ ብ2014 ዝተመስረተት ናይ ቅዱስ ገብሪኤል ቤተ ከርስቲያን አያ። ኣዛ ቤተ ክርስቲያን አቲ ዝለዓለ ሕጊ “ ሕጊ ቃለ ኣዋዲ” ኢላ ከም መትሓሳሰቢ ኣብ ዓንዲ ሕጋ ኣስፊራ ተርከብ። እቲ ዓንዲ ሕጊ ናብ ሃገረ ሰብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ከምተለኣከ ይፍለጥ አዩ። ሃገረ ሰብከት ከም ኣብነት ንኻልኦት ቤተ ክርስቲያናት (template) ከኸዉን ኢሎም ንካልኦት ንምድንጋር ተብሂሉ ብኣቶ ቴድሮስ ኮነ ኢሉ ከምዝለኣኾ በተወሳኺ ዝፍለጥ ሓቂ አዩ። ኣብቲ ዓንዲ ሕጊ ከምዚ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ “ እዚ ውሽጣዊ ሕጊ አዚ ከም መወሰኽታ ነቲ ኣብ ቃለ-ዓዋዲ ዝርከብ ሕጊ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ከገልግለ አምበር ንቃለ-ኣዋዲ ተኪኡ ከም ዘይወጸአ ንሕብር። ዝኾነ ዓንቀጽ ምስ ቃል ኣዋዲ ምስ ዝጋራጮ በቲ ቃል-ኣዋዲ ዝእዝዞ ይኸይድ።” ኣብዚ ኣለካ ሕሉፍ ቤተ ክርስቲያን ብንነብረሉ ዓዲ ሕግታት( ናይ ፈደራል፡ ካሊፎርኒያ አስቲት፡ ካውንቲ፡ ከተማ) ዘይቅየድ’። እዚ ከኣ በቲ ዘሎ ሓብሬታ ብዙሕ ኣየገርመን አዩ ምኽንያቱ ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝቀመጥ ኣለቃ ጸጋይ (ዕሉል ህግደፋዊ) ዝተበሃለ ምስ ደቁን ካልኣት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ውሑዳት መንእሰያት ኮይኖም ዘውጽእዎ ሕጊ ዝብል ሓበሬታ እዩ ዘሎ። ብሕጊ ቃል- ኣዋዲ ዓንቀጽ 72 ከፍሊ 6 መሰረት ኩሉ ገንዝብ ናይዚ ቤተክርስቲያን ናብ ሒሳብ ቑጽሪ ናብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፓትሪያርክ ከስደድ ኣለዎ። ናይ ቀትሪ ዘመተ ይብልዃ ከምዚ ዓይነት አዩ።

እምበርኣከስ ሓቀኛ ምእመናን ሳንታ ሮዛ ቅዱስ ገብሪኤል ሕግደፍ አቲ ዝለመዶ 2% ካብ ህዝቢ ዝእክቦ ዝነብረ ገንዘብ ስለዝሰእኖ ብሽም ቃለ-ኣዋዲ ከንዘብ ክዘርፍ አከይ ዕላማ ዓንጺጹ ስለዘሎ ምጥንቓቕ ከድልየኩም አዩ። በመስረት ቤተ ክርስቲያንኩም ኣብ 2015 ስመልኦ ናይ ኣይ.ኣር.ኤስ 990 ( IRS 990) መሰረት ኣብ ሒሳብኩም ከሳብ $320, 000 (ሰለስቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ) ዝኸዉን ኣለኩም። ከንዲዚ ገንዘብ ርኡ ህግደፍ ብባህሪኡ ደቂሱ ከምዘይሓድር ፍልጡ እዩ።

እዚ ሰለዝኾነ ብሓደ ሽነኽ መቐስኩም ኣብሊሕኩም ናብ ካዝናኹም ከሰርቓ ዝፈትና ኣጻብዕቲ ከትቖርጹ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ገንዘብ ናይ ኤርትራዊያን ቤተ ክርስቲያናት ዶብ ኣሜሪካ ስጊሩ ንኤርትራ ክኸይድ ሕጊ ስለዘኽልከል ክሉ እንጻር ህግደፍ ጠጠው ዝበለ ደላይ ፍተሒ (ኣባል ቤተ ክርስቲያን ይኹን ዘይኣባል) ከይተሓለለ ብሕጋዊ መገዲ’ውን ክቃለስ ኣለዎ። ንህግደፍ ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ከንቃለሶ እዋናዊ ጠለብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ አዩ።

ፎ ህግደፍ ኣብ ዓድና ሰላም ከሊእካናስ ናብ ሰደት ከኣ አግሪ አግርና ስዒብካና ኣብ ቤተ ክርስቲያናትና ሓዊ ኣጉድካልና አምበኣር!!

ካብ ግዱስ ወዲ ቤተ ክርስቲያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Anti false December 8, 2016

    Amazing…by the way check your facts firsts there is no Kidus Gebriel church in santa rosa.
    Anta kifue menfes Egziabher yigesixka. Real Judas 1

    • Haqqi Nezareb December 9, 2016

      Dear Anti false,

      Are you on some kind of Medication? The article above that initiated this discussion is about Kudus Michael not Kudus Gebriel…Read the title of the article above and double check your facts…..peace..

  • Birana December 10, 2016

    Haqqi Nezareb Please double check this ሓንቲ ኣብ ሳንታ ሮዛ ካሊፎርኒያ ትርከብ ብ2014 ዝተመስረተት ናይ ቅዱስ ገብሪኤል ቤተ ከርስቲያን አያ(line 21-21) and እምበርኣከስ ሓቀኛ ምእመናን ሳንታ ሮዛ ቅዱስ ገብሪኤል ሕግደፍ አቲ ዝለመዶ 2% (line 31-32). It seems the writer doesn’t have concrete evidence what he wants to prove .In addition to that the are dozens spelling and grammar errors with in the article. you can make typo error but it has to have limit. peace and grace

  • Birana December 10, 2016

    Haqqi Nezareb Please double check this ሓንቲ ኣብ ሳንታ ሮዛ ካሊፎርኒያ ትርከብ ብ2014 ዝተመስረተት ናይ ቅዱስ ገብሪኤል ቤተ ከርስቲያን አያ(line 21-21) and እምበርኣከስ ሓቀኛ ምእመናን ሳንታ ሮዛ ቅዱስ ገብሪኤል ሕግደፍ አቲ ዝለመዶ 2% (line 31-32). It seems the writer doesn’t have concrete evidence what he wants to prove .In addition to that there are dozens spelling and grammar errors with in the article. you can make typo error but it has to have limit. peace and grace

  • Haqqi Nezareb December 10, 2016

    Dear Birana,

    Honestly I did not read the article meticulously, just over glossed it.. So blame the author for the errors you mentioned. Good catch for name error in the article Hope you stay vigilant about the payment of the 15% the church has to pay yearly as ORDERED BY HEGDEF (do not say SYNODOS) from Eritrea. Peace…

POST A COMMENT