Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅዋም ዓዲ እንግሊዝ፡ ድግማ ፓፓጋሎን፡ ምህውታት ተቃወምቲ ኣብ ጓል መንገዲን

ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ምርጫ እንታይ ሙዃኑ ዘይፈልጣን፡ ቅዋም ዘይነበረንን እንከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 26 መጋቢት 1952ን ሃገራዊ ምርጫ ወከልቲ (ባይቶ) ከመዝገበረን፡ 10 ሓምለ 1952 ድማ ቅዋሙ ከም ዘጽደቀን፡ ነፍሲ ወከፍና ክንዝክሮ ኣለና። ቅዋም ዓዲ እንግሊዝ፡

ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ምርጫ እንታይ ሙዃኑ ዘይፈልጣን፡ ቅዋም ዘይነበረንን እንከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 26 መጋቢት 1952ን ሃገራዊ ምርጫ ወከልቲ (ባይቶ) ከመዝገበረን፡ 10 ሓምለ 1952 ድማ ቅዋሙ ከም ዘጽደቀን፡ ነፍሲ ወከፍና ክንዝክሮ ኣለና። ቅዋም ዓዲ እንግሊዝ፡ ሱዕድያ ዶ ምርጫ ኬንያ ዶ ዚምቡዋበ ዘይኮነስ፡ ቅድም ቀዳድም ክንሕበነሉ፡ ክንምሃረሉን፡ ኣብ ክትዓትናን ሰሚናራትናን ከንዛረበሉን ዝግባኣና እዚ’ዩ።

ምርጫ ባይቶ ኤርትራ ሓምለ 1952፣ መንደፈራ።

ዋዛ ምስ ቁዉም-ነገር

ናይ ለንቅነ ላግጺ’ያ፡ ማይ ዘይጠዓመት። ምስ ሰማዕኩዋ፡ ኣየ ሰብ ተረካብ ዘረባ ኢለ። ቁሩብ እዉን ስሒቀ። ሲሒቀ ምስ ወዳእኩ ግዳስ፡ ግደ ሓቂ፡ ያእ ነዞም ደገፍቲ የሕዋትናስ አኽቢድኩሙሎም ኢለ። ብዝኾነ ገለ ቁሩብ ፍሽኽ ተበለትኩም ንመእተዊ ብኣኣ ክጅምር።

ብልክዕ እቲ መዓልቱ ኣይሓዝክዎን፡ ግን ነዊሕ ኣይገበረን።  ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ሕንጻያት (ፓፓጋሎታት) ኣኼባ ጸዊዖም ነይሮም። ብዘሎ ሕንጻይ፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ሆጭ በለ። ኣብ’ቲ ዝዓበየ መካነ-እንስሳ ዓለምና’ዩ ተጋቢኦም። ቀንዲ ምኽንያት መጋቢእኦም ድማ፡ንኣቦ-ወንበር ማሕበር ሕቡራት እንስሳታት (ሕ.እ)፡ ኣቤቱትኦም ከቅርቡ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣቤቱታ እመበኣር፡ ‘ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብተፈጥሮ ዝተዋህበና ዕማምን ተራን- ተራ ዘረባ ምድጋም- ይቃጸጹና’ለዉ፡’ እዩ ዝብል ዝነበረ።

«ነዚ ተግባር’ዚ፡  ካባና ብዝተዓጻጸፈ ክእለትን፡ ንምርድኡ ብዘጸግም መንፍዓትን፡ ይፍጽምዎ ስለ ዘለዉ፡ ናትና ተራን ምህላውን፡ ኣድላይነት ዘይብሉ እናኾነ ይመጽእ ስለዘሎን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ናብ ‘ኤክስቲነክሽን’ ወይ ምጽናት ገጽና ነምርሕ ስለ ዘሎና፡ ሕ.እ. ስጉምቲ ይውሰድ፡» ክብል ኣቦ-ወንበር PFMJ (Parrots Front for Mimicry of Justice- ሕንጻያዊ ግንባር፡ ንልግጻ ፍትሒ) ልቢ ዝበልዕ ምሕጽንታ ኣስሚዑ።

ሕ.እ. ድማ ብሓደ ሻራ ዘይብሉ እንስሳ ዝምራሕ አካል መዚዙ፡ መጽናዕቲ ክገብርን ምሰቶም ደገፍቲ ተራኺቡ ክዝትን፡ ሓላፍነት ድሕሪ ምስካሙ፡ እቲ ዝተመዘዘ ኣካል፡ ድሕሪ’ቲ ዝገበሮ ሓጺር መጽናዕቲ፡ ነዘን ዝስዕባ እንስሳዊ ሓልዮት ዝተሓወሰን፡ ክልተ ኣማራጺ ለበዋታት ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ከምዚ ድማ ይብል። ደገፍቲ ህግደፍ ስራሕ ፍጥረታት ሕንጻይ ኣግዲፎም ባዕሎም ካብ ተታሓሓዝዎ፡ ምእጋዶም  ድማ ካብ ዘይተኻእለ፡ ወይ፣

ለበዋ ቁ.1. ሕንጻያት፡ ከም ካልኦት የዕዋፍ፡ ምፍጻይን ምዝማርን ጥራይ ከም ቀንዲ ስርሖም ክተሓሓዝዎ፤ ወይ ድማ፡

ለበዋ ቁ.2. ሕንጻያት ክትንትኑ፡ ነገራት ኣዚሮምን ኣመዛዚኖምን ክርእዩ፡፤ኣብ ክንዲ ዘረባ ዋናታቶምን መራሕቶምን ጥራይ ሰሚዖም ከም ዘለዎ ዝደግሙ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባን ርድኢትን ከገብሩን፡ ነገራት ብኹሉ መኣዝኖም ንምርኣይ ዝሕግዞም ክእለት ከጥርዩ፡ መሰል ክዋሃቦም።  

ንደገፍቲ ህግደፍ ንዝምለከት ድማ፡ ንመንነቶም ዝፈታተንን፡ ንህልውንኦም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስራሕ ድግማ ደው ከብሉን፡ ነገራት ብደንቢ ተመራሚሮምን ሓቲቶምን ሓቂ ንምፍላጥ ከኽእሎም፡ ናይ ኣዚርካ ምሕሳብ ስልጠና (ተረይኒን) ክወስዱ፡ ሕቡራት ሃገራት ደቂ-ስባት ክቅስቦም።

እቶም ደገፍቲ ግን ነዚ ብምቁዋም፡ ሰለማዊ ሰለፊ ጌሮም። ኣብቲ ጭርሖታቶም ድማ፡ ልክዕ ከምቲ 2%፡ ንሃገርና ኤርትራ (ንንሱ ማለቶም’ዩ)፡ ዘረባ ምድጋም ከማን ክውሕዳ ኢሎም። «ዕረ ዝጠዓሞ ይጥዓሞ እመበሪ፡ ዘረባ ሓለፍትና፡ ዘረባ ኢሰያስ፡ የማነ ማንኪን ዓሊ ዓብዱን ክንደግሞ ኢና፡» ኢሉ፡ ኣብቲ ሰለፊ መደረ ዘስመዓ ዶር. ጊዶዎን ኣባይ (ናይ ኤርትራ ኣባይ ወሓዚ እዩ፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ከይተሓዋወሰኩም’ሞ ምስ ግብጺ ከኣ ከይተባእሱና)። ሰዓብቱ፡ ብህግደፋዊ ቅብጠሮት፡ ንስሙ፡ ብዶር. ጊደ ደውን ኣህባይ ዘርዚሮም ይጽሕፍዎ ወይ ‘ስፐል’ ይግበርዎ’ዩም። ዓሊ ዓብዱ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕዎ ድዩ ወይስ ኣሎ ክሳብ ዘይፈለጠን፡ ብሐለፍቱ ክሳብ ዘይተነግሮን፡ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ነቲ ቀደም፡ እንኮላይ ብዓሊ ዝተዋህቦም ሓበሬታ፡ ክደግሞ ዝሓሸ ከምዝኾነ፡ ወሮ/ሪት ሶፍያ ከም ዝመኸረቶ ይንገር።

ሕንጻያት ኣብ ቀረባ እዋን ዉሳነ ክዋሃቦም ይጽበዩ ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ብሓባር ክንጽበ’ኢና፡ እንታይ ደኣ።

እስከ በሉ ናብ ቅዉም-ነገር ክንኣቱ።

ሰሚናር ዲሲ የማነ ማነኪ

ቅድሚ ዝኣገረ፡ ከም ወዩ ብዙሓት የሕዋት ዝኣመትዎ፡ ብተሳተፍቲ ቀሪቡ ዝበልዎ ሕቶታት ንሓለፊ ፖለቲካዉን ሓሶትን ህግደፍ ኣብ ሰሚናር ዲሲ፡ ከም ወትሩ፡ ተጻሒፉ ዝተዋህቦምን ኣስተዋስኦ ከምዝነበረን:  ዳግም ከዘኻኽር ኣፍቁዱለይ። ንዕላል ክጥዕመና ግን፡ ከም ሻሙ፡ ነቲ ሓዉና፡ ጥዑይ መልሲ ዝተጸበየ፡ ግሩህ ሓታቲ ጌርና ክንወስዶ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ረብሓ ደሪኽዎ ዝጸመመ ተዘይኮይኑ፡ ንምሽክዕላልን ላግጽን ሓለፍቲ ህግደፍ ዘየለለየ፡ የዋህ ዜጋ ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢለካ ክሕሰብ ኣይካኣልን። ስለዝኾነ ድማ፡  ጃንዳ ህግደፍ፡ ስርዓተ-ሕጊን  መሰል ዜጋታትን ከኽብርለና ካብ ምጽባይ፡ ሰይጣን፡ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ክዕድል’ዩ ኢልካ ምህራር ብሓቒ ይቐልል። ነዚ መሰረታዊ መበገሲ ርድኢት ዘይብሉ ዜጋ እምበኣር፡ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ሃገርና ዘይተረድኦን፡ ኣመጻጽኣ ኢሰያስን ዓሻኽሩን ብደንቢ ዘየንበበን ዘይተገንዘበን ጥራይ’ዩ ክኸዉን ዝኽእል። ብዝኾነ፡ ነዚኣ ንእሽቶ  ነጥቢ ኣዘኻኺረ፡ ናብ ዕላለይ ክመልሰኩም።

ለንቅነ ምስ ክልተ ዝፈትዎም ደገፍቲ ህግደፍ መሓዙተይ ተራኺብና፡ ከም ኩሉ ግዜ፡ ፖለቲካ ሃገርና ብሓፈሻ: ዘረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ሰሚናር ሕ.ኣመሪካ ድማ ብፍላይ: ማእከል ዕላልና ጌርና ሻሂ ሰቲና። ማለት’ሲ…ሓደ ሓደ ኢልና ማለተይ እየ።

ሓዲኦም ኩሉ ተሓዋዊስዎ፡ ብዙሕ ኣይተዛረበን። የግዳስ ከምቲ ኩልግዜ ዝብሎ፡ ቁሩብ ግዜ እንተ ድኣ ሂብናዮ፡ እዚ መንግስቲ ዝሰርሖ ዘሎ፡ ሓደ መዓልቲ ፍረ ክንርእየሉ ሙዃንና ጠቀሰለይ። ተጻብኦታት ናይ ደገን ናይ ዉሽጥን ከም ዘሎ ክንርስዖ ከምዘይብልና፡ ከዘኻኽረኒ ፈተነ። ጌጋ ይኽለኣለይ እምበሪ፡ ነዚኣ ንዳረጋ 46 ግዚኡ ይደግመለይ ኣሎ። ካብቶም ንሕንጻይ ኣወጻጺኦሞም ዘለዉ ሓደ ሙዃኑ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ዝዳረጎ የብሉን። ነተን የማነ ማንኪ ኣብ ዲሲ ዝበለን፡ ሓንቲ ከየጉደለ፡ ኩለን ደገመለይ። ዝብሎ ዝነበረ ክሳብ ክንደይ ተረዲእዎ ንምፍላጥ፡ ዓይኑ-ዓይኑ እናጠመትኩ ሰማዕኩዎ። ኣይሓመቀን። ወሃቢ-ቃል ህግደፍ ዝበሎ፡ ከም ዘለዎ ተንተነለይ፤ መልዓል መኣዲ፡ ገለ’ኳ ከየትረፈ፤ ከምዛ ፎቶ-ኮፒ መንኪና’የ ዝብለኩም። ሓቂ ‘ሓይሸ ከየስተንከረኒ’ዉን ኣይተረፈን። ንቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን ዝምልከት፡ ብርክት ዝበለ ግዜ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣልዒልና ተዘራሪብናሉ ስለ እንፈልጥ፡ ሕቶታት እናምጻእኩ ከዋጥሮ ኣይደለኹን፡ ምኽንያቱ ነቲ ዝሞተ-እንጌራ ዘረባታት የማነ እናደጋገመ ከሕጉለኒ ሙዃኑ ስለዝፈልጥ።

ከምዝብልዎ፡ እዚ ሕማም-ምቅዳሕ ወይ ሕማም-ድግማ፡ ካብ ሜዳ’ዩ ጀሚሩ። ብዙሓት፡ ንቃቅስቲ ኢሰያስ ንምምሳል፡ ለይትን መዓልትን ዝሃልኩ ኔሮም ይብሃል። እምበር’ኳ ኣበይ ርእየዮም ኢልኩምኒ። ገሊኦም ሸነቦም ወይ ናይ ትሕቲ ኣፍንጭኦም ጭሕሚ፡ ካብ ስታሊንን ሳዳምን ከም ዝቀድሖ ከይፈለጡ፡ ጭሕሞም ከምናይ ‘ንሱ’ ክኹሙሩ ህርድግ ዝብሉ ነይሮም። ሓደ ብዓል ሓሙሽተ ጽሩራ ሕሉፍ ደጋፊ፡ ሓደ እዋን፡ ኢሰያስ ዘይኮነስ፡ ስታሊንን ሳዳምን እዮም ካብኡ ቀዲሖም ክብለኒ ይዝክር። ዘይካኣል ኣይኮነን። እቲ፡ «ሕጻን ነዲኣ፡ ሕርሲ ኣላሚዳታ» ዝብል ምስላ ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጥንቅልዒት ዘረባ መጺኡ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ብዝኾነ፡ ኣዘራርብኦም ከምናይ ‘ንሱ’ ከምስሉ ኣብ ጎቦታትን ሰናጭሮን ሳሕል ብዙሕ ልምምድ ዝገበሩ ነይሮም’ውን ይበሃል፤ ብብፍላይ ብፍላይ ልምምድ ሒልጎቦ ዘረባን ምሕብላቅን።

ከም ዝባሃል… (ከምዝባሃል ዶ ኣብዚሐልኩም፤ ምስናይ ይቅረትኡ፡ ስለ ዘይነበርኩ’ዩ።)…ብዚኾነ፡ ከምቲ ዝብልዎ፡ ነቲ ‘ንንሱ’ ምምሳልን፡ ዘረብኡ ምድጋምን ሕማም፡ ብዘደንጽዉ ክእለትን ቅልጣፈን ዝሓመሙዎ ወይ ዝዓመሙዎ፡ ዓሊ ዓቢዱን የማነ ማንኺን’ዮም ይብሃል፤ እቲ ቀዳማይ በሸነብን ብጎታት ኣዘራርባን፡ እቲ ካልኣይ ብጎታት ኣዘራርባ፡ ሕብለቃን ሒልጎቦን። እዚ ሕማም-ድግማ ንኽልቲኦም ቁልጡፍ ዕድል ናይ ምድያብ ናብ ስልጣን ከምዚኸፈተሎም’ዉን ይሕበር’ዩ።

ኣብ ሜዳ፡ የማነ ብዙሕ እዋን ሒሖትን፡ ሓለንጊ-ህበይን ብሓደ ጎዲኡ፡ ኣብ መንጎ ኣፍንጭኡን ላዕላይ ከነፈሩ ዝነበረ ቃድራ ወላኻ፡ ለኺይዎ ይውዕል ከም ዝነበረ ገሊኦም ኣብ’ንዳ ጨንፈር ክፍሊ ጎስጓስን ሓበሬታን ዝነበሩ ተጋደልቲ ይትርኹ። እዚ ድማ ኩሙራ ሸነብ ንምውጻእ ይገብሮ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ …ኤእ…..ኣይፍለጥን’ዩ… እንታይ ደኣ…። እታ ህበይ ትብል ሳጓ፡ ካብቲ ብዝሒ ምጥቃም ቆጽሊ ተኽሊ ሓለንጊ-ህበይ ድያ ዋላስ ንመልክዑ ንምግላጽ’ያ ወጺኣ ዝፈለጥ ሰብ ኣይረኸብኩን። ንጠባዩ ንምግላጽ ዝደርበይሉ ኣብክንዲ ስም’ውን ክትኸዉን ትኽእል’ያ።

ሓደ ሓደ ከም በዓል የማነን ዓልን፡ ቀልጢፎም መሳልል ስልጣን ዝሓኹሩ ኣለዉ። ካልኦት ከዓ ብመንጽር እዚኦም፡ መዋእል ሎኽሊኾም ቁራስ መግደፍ ስልጣን ዘይረኸቡ መሊኦም’ዮም፤ እቲ ዘሕዝን ብርክት ዝበሉ ካብዚኣቶም በለጸኛታት ቀለም ጸገብ ሙዃኖም’ዩ። ታሪኽ ድማ ውርደት ንሃገርን ንህዝብን ግሩ ክምዝግቦም ሙዃኑ ኣየጣራጥርን።

ዶር. ጊደ ደውን ንኣብነት፡ ገለ ናይ ኣምበሳደርነት ወይ ካለእ ማዕርግ ተረኸበ ነዊሕ ሃሊኹ’ዩ። ነዚ ከይረክብ ኣጊሞምዎ ካብ ዘለዉ ነገራት፡ ድምጽን፡ ኣዘራርባን ‘ንሱ’ ክቀድሕን፡ ከም ናይ ‘ንሱ’ ኡኹል ኩሙራ ጭሕሚ ከቡቁል ዘይምኽኣሉን’ዩ ይብሉ። ኣማኻሪቱ ወይዘሪት ሶፍያ (ካልእ ስማ፡ ሰፍኣያ ወይ ሰፍኢ ‘ያ፤ ከም ሰፍኢ ስለትገማጠል’ዩ መስለኒ ከምኡ ‘ሎማ) ‘ሙስታሽ ተራንስፕላንት’ ክገብር ትደፋፍኦ ከም ዘላ ይንገር። ብፍላይ ድማ ምስ ወረ ምክሓድ፡ ወይ ምኻድ ጦፍ ከሚካል ዓሊ፡ ንወሃብ-ቃል ወይ ሚኒስተር ዜና ክሕጸ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ ሙኻኑ ትነግር። ኣበይ’ሞ እዘን ጭሕሚ ከለዋ’ዶ…። ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ዓሊ ክሒዱ ድዩ ወይስ ንጦፍ ተላኢኹ ክፍለጥ ዝተኻእለ ነገር የለን። ምናልባት ሰብ ዓዋተ ኮም፡ ‘ሞኖፓሊ’ ወይ ዝተባሕተ ዋንነት ናይዚ ሓበሬታ ክህልዎም ስለ ዝኽእል፡ ተካፈሉናስ ምጸደቁ መስለኒ። ብዝኾነ ኣብቲ ዘለዎ ጕብጥሽ፡ ከም ወዲ 16 ዓመት፡ ኣብ ብርኩ እናስተንፈሰ፡ ካብ 300% ንላዕሊ ብጥዕንኡ ክህሉ ንትምነየሉ።

ብወገነይ፡ ዓሊ ከዲዑ ድዩ ወላ ተላኢኹ ንምፍላጥ ብክልተ ነገራት ክፍለጥ ይካኣል’ዩ። ቀዳማይ፡እዋናዊት ንእሽቶ ‘ፓስፓርት-ሳይዝ’ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ክዝርግሕ ምሕታቱ። እተን ኩሙራ ጭሕሙ፡ ላጽይወን ‘ተኾይኑ፡ ነይኡ ከዲዕዎ’ዩ ማለት’ዩ። እታ ካልኣይቲ ድማ ንእሽቶ ቃለ-መሕትት ብምግባር  ነቲ ስርዓት ጠንጢንዎ ድዩ’ስ ዋላ ላእ! ምፍላጥ ይካኣል’ዩ (ዋላ ሳልሕ ሓዉ፡ ካብቲ ንግዚኡ ድዩ ወላ ንኹሉሳዕ ተሓቢኡሉ ዘሎ ቦታ፡ ቃለ-መጠይቅ ከግብሮ ይኽእል’ዩ)። ኣብ ኣዘራርብኡ፡ ሕጂ’ውን ‘ንንሱ’ ይቀድሖ እንተሎ፡…ዋእ…ንሕምቶ ዶ ሕቶ፡ ባዕልኹም ወስኹሉ። መሓዙቱ ከም ዘዕልልዎ፡ ብዘይካ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታትን፡ ወግዓዊ ቃለ-መጠይቃትን፡ ኣብ መዓልታዊ ዕላላቱ ‘ንንሱ’ ከምዘይመስል’ዩም ዝገለጹ። ‘ሓሶት፡ ሓሶት፡ ….ላይ፡ላይ፡ላይ… ፋብሪኬትድ ባይ ላንግሊ፡’ ክብል ዶ ተራእይኩም፤ ናይ መን ደኣ ክወስድ።

ነዊሕ ሃለውለው ዶ ኢለ፧ ‘መዓለሽ!’። ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ።

ወያ ዓርከይ ዝበልኩኹም፡ ኩለን የማነ ብዛዕባ ቅዋም ዘቅረበን ነጥብታትን ምኽንያታትን፡ ሓደ ብሓደ ዘርዘረለይ። ኣስዒበ እመበኣር የማነ ዝበሎ፡ ዘረባ ማይ-ዘንጋዳ ከምዝኾነን፡ ዘዝተባህለ ከምዘለዎ ኣሚኑ፡ ጓሪቱዎ ክኸይድ ከምዘይበሉን ንኸብርሃሉ፡ ንዓርከተይ ዘቅረብኩወን ርእይቶታት፡ ምሳኹም’ውን ከምዘለወኣን ክካፈለን። ከም መጠንቀቅታ ግን፡ ነዚ ርእይቶይ ከምዘለዎ ወሲድካ፡ ምድጋም ብሕጊ የሕትት ሙዃኑ’ስ ኣቀዲመ ክሕብር። ማለትሲ… ቁሩብ ቅይር ኣቢልኩም ተጠቀሙሉ ማለተይ’የ።

ዓዲ እንግሊዝ፡ ቅዋም የብላን

ስለምንታይ ቅዋም ዘይትግበር ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ወዮ ኣማኻሪ ፕረሲደንት፡ ከም ኣመሉ ዕነክሊል’ዩ ኢሉ። ብንጹርን ብሓጺርን መንገዲ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ብዘየድሊ ሓረጋትን ምሳሌታትን፡ ነቲ ሕመረት ሕቶ ከምዝጅላሕ፡ እቲ ነጥቢ ከም ዝሃስስን፡ ነቲ ሰማዒ ኣሰልቺኻ፡ ከም ዝደናገር ኣብ ምግባር ስልቲ’ዩ ኣትዩ። ልሙድ ኣመላልሳ ኢሰያስን ልኡኻቱን ድማ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ዝበሎ ነገር፡ ዓዲ እንግሊዝ ጽሑፍ ቁዋም የብላን’ዩ። ዓርከተይ ከኣ ከምዘላታ ኣቅረበለይ። ብዛዕባ ቅዋም ዓዲ እንግሊዝ ምዝራብ ብዘይካ ነቲ ሰማዓይ ንፈልጥ ኢና ንምባልን፡ ሕቶ ወይ ኣርእስቲ ምጥምዛዙ ካልእ ምኽንያት  ኣይነበሮን። እንታይ’ዮም ዝብሉ ኣቦታት… ዋጭልሲ፡ ጋውና ከኸውን’የ ኢላስ ተነፊሓ’ሞተት፡ ድዩ …ገለ…(ዶስ ዑንቁሮኦብ’ያ ኔራ፧)። ጠሪጣ ተትሓንከለይ’ዶ ጸሊእኩም፡ ይዉስኹኹም ከምዚ’ዩ። ኣረ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ፡ ወይ ካልኦት ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት ከ ዘይጽውዕ፧

ዓለም ብዓለማ ከም እትፈልጦ፡ ዓዲ እንግሊዝ ቁዋም ዘይኮነ ዘይብላስ፡ ከም ናይ ካልኦት ኤውሮፓዉያን ሃገራት፡ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ወይ ዝተጻሕፈ ቅዋም’ዩ ዘይብላ። ይኹን እምበር፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ኣማኢት ዓመታት ዝተወቀረ፡ ኩሉ ዝዓይነቱ መሰልን ሓርነትነ ህዝባ ዝሕሉ፡ ዝተፈላለየ ሕግታት ዘለዋ ሃገር ሙዃና፤ ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ኣይጠርነፍ እመበር፡ ቅዋም ዘራጋግጾን ዝሕልዎን መሰላት ዘውሕሱ ሕጋጋት ከም ፡ common law, case law, historical documents, Acts of Parliament and European legislation, magna carta, Representation of the People’s Act etc… ከምዘለዋ፡ ከም የማነ ዝኣመነሉ ዓለም ዝፈልጦ’ዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንስለ ምህላው ሕጊ ከም ናይ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባይታ መሰል ህዝቢ ዘረጋግጽ ሕግታት ዘለዋ ሃገር ሙዃና ይፈልጦ’ዩ። ብተዛማዲ፡ ኣብ ሃገርና ዘየለ፡ ሃገረ እንግሊዝ፡ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ፡ ተጸዋዕነቱ ንህዝቢ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ትካላትን፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ከም ዘለዋ’ን፡ ንሱ ድማ እቲ ቀንዲ መዕቆቢ መሰላት ዜጋታታ ከምዝኮነን፡ የማነ ኣይስሕቶን’ዩ። እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ድማ፡ ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ካብተን ንመሰል ዜጋታተን ኣብ ምጥባቅን፡ መሰላቶም ኣብ ምሕላውን ከም ኣብነት ዝጠቀሳ ሃገራት ይገብራ። እዚ ግን ንስለ ምፍላጡ ደኣ’ምበር፡ እንግሊዝ ከምኡ ኮይናን ኣይኮይናንስ ንኤርትራዊ  ኣይንታዩን’ዩ።

ስዑዲ ከማን የብላን

ቀጺሉ፡ ነቲ ድሮ ቐሪብዎ ዝመጸ መደምደምታ፡ ከራጉደሉ ወይ ምርኩስ ክኾኖ፡ ንግስነት ስዑድን፡ ብዙሓት ኣብ ማእከላይ ምብራቅ  ዘለዋ ሃገራትን፡  ቅዋም የብለንን ኢሉ። ደሓር’ውን ኣመሪካ፡ ቅድሚ ትሕቲ ሚእቲ ዓመታት፡ ቅዋም ኔርዋ ክንሱ፡ መሰል ጸለምትን ካልኦት ውሑዳት ደቀ-ባት ዜጋታታን ኣይሓለወትን፡ ዝቃንኡ ዘረባ ወሲኹ። ስለምንታይ ‘የን ግን ንዓና ጥራይ ከም ወረጦ ፈልየን ዝዛረባናን ዝዛረባልናን፡ ኣስተማሲሉ።

ኣብዚ’ኣስ ባዕልኹም ሓግዙኒ ክቡራት ኣንበብቲ። እቲ ሓታቲ፡ ኤርትራዊ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ጉሩህ ሓታቲ ሓውና፡ «ስለምንታይ’ዩ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ዘይትግበር፧» ኢሉ’ዩ ሓቲቱ። ኣመሪካ ወይ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኢለናኹም፡ ወይ ከምኡ በል ኢለናኒ ኣይበለን። ብምንታይ ገበጥ ወይ ቀመር’ያ ኣመሪካ አብዚ ምዕሪት (ኢኩወሽን) ትመጸእ፡ መልሲ ኣይረኸብኩላን። ቅሩብ ኣስተንትን ኣስተዉዕልን ‘ተበልካ ግን፡ መልሲ የማነ፡ ተላኢኽኩም ኢኹም እምበርሲ፡በየናይ ርእስኹም ከምኡ ክትሓስቡ፡ እዩ ዝጥዕም።

ኣመሪካ ትበል ኣይትበል፡ እንግሊዝን ሱዑድን ቅዋም ይሃልወን ኣይሃልወን፡ ‘ቅዋም ክትግበር ድዩ ኣይትግበርን፡’ እዩ ‘ቲ ሕቶ። እተን መልሲ ድማ ካብ «ኣይንትግብሮን ኢና፤ ከም መግደፍ ጨራሪምና ክንትግብሮ ኢና፤ ወይ ድማ ክንትግብሮ ኢና፡» ዝሐልፋ ኣይነበራን። ጢጥ ቅሚጥ ዘረባ ኣምበይ መድለየን።

ንድሕሪት ክመልሰኩም። ሓነቲ ካብተን ኣዝየን ዘስሕቃኒ ብዙሓት ቃለ-ምልልስ ኢሰያስ፡ ምስ ኣልጀዚራ፡ ኣብ ግንቦት 22፣ 2008፡ ምስ ሪዝ ካን ፕሮግራም ዝገበራ’ዩ። ምርጫ ማዓስ ኢኹም ትገብሩ ኢሉ ምስ ተሓተ፡ ከምዚሉ መሊሱ፡ ‘ናይ ምንታይ ምርጫ፧ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ እንታይ ከም ዘፍሪ ቅድም ክንርእዮ ኢና። ሰለስተ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ክንጸበ ኢና…። ቅድም እንታይ ማለትካ ኢዩ ምርጫ ማለት፧ ከምዚ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ፡ ዚምብዋቤ፡ ሞሮኮ፡ ሊባኖስ፡ኩወይት፡ ኢራቅ፡አፈጋኒስታን፡ ….እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ፡ ከይተገብረ’ውን ክተርፍ ይኽእል’ዩ…ብላብላብላብላ።’

ምናልባት ናይ ዘመንና ዝበለጸት ሕልጊቦ ዘረባ ክትከውን ትኽእልያ። ሓቂ ይሓይሽ፡ እቶም ሓታቶ’ውን ክእለት የብሎምን ክብል ምደፈርኩ። ማለትሲ…ቁሩብ ተመኩሮ ናይ ከሙኡ ስለ ዘለኒ’የ። ሓላፊኦም ‘ንተዝነብር፡ ነቲ ሕቶ ብዛዕባ ምርጫ፡ ምርጫ ክገብሩሉ’ይለ ምስ ኣዘዝኩ ነይረ። ‘ምርጫ ትገብሩ ዲኹም ኣይትገብሩን፧ ሀ. ክንገብር ኢና፤ ለ. ኣይንገብርን ኢና።’ ፊኒቶ!። ካብ ዕንክሊል ትድሕን።

ብዝኾነ፡ ሓንቲ ዕዮ ገዛ ክህበኩም፤ ኣብ ሞንጎ’ዛ ቃለ-መጠይቅ ኢሰያስን፡ መልሲ የማነ ንሕቶ ቅዋም ኣብ ሰሚናር ዲሲን ፡ ተመሳሳሊ ነገር ርኸቡ። ኣስዕብ ኣቢለ ድማ፡ ነቶም ደገፍቲ፡ ካብ የማነን ካብ ባባ ኢሱን ሲ፡ ንመኖም ኢና ሓቀኛ ጌርና ክንወስዶ፡ ኢለ ክሓቶም ምስ ደለኹ። ምኽንያቱ፡ እቲ፡ ምርጫ ጥራይ’ያ ተሪፋ፡ ንዓዓ ከነተግብራ ከኣ ንሰርሓሉ’ለና ኢሉ፡ እቲ ከኣ፡ ናይ ምንታይ ምርጫ፡ ቢሂወተይ ክሳብ ዘለኹ፡ ምርጫ ዝባሃል የለን ኢሉና። ብዘኾነ ናባኹም ፍርዲ።

በዚ ኾይኑ በቲ፡ ጉዳይ ቅዋምን፡ መሰል ዜጋታት ኤርትራን፡ ምስ ቁዋም እንግሊዝ ዶ ምሰ ሱዑዲ ምንም ዘተሓሕዝ የብሉን። ኣመሪካ ንእንግሊዝ ስለምንታይ ዝተጻሕፈ ቅዋም  ዘይብልኪ፡ ኢላታን ኣይበለታን፡ ምስ ዘይምትግባር ቅዋም ኤርትራ ምንም ዘራኽብ የብሉን። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሓለፍቶም ስለምንታይ ሕማቅ ኣብነት ጥራይ ከምዚጠቅሱ ከዋጥርዎም ምተገብኣ። ኣብ ኤውሮፓ፡ ዝያዳ 97% ሃገራት ቅዋም ኣለወን። የማነ፡ ነዚኤን ጎስዩ፡ ነታ ዝተጻሕፈ ቅዋም ዘይብላ ሃገር መዝሒቁ ከም ኣብነት ንምንታይ ዕላማ  ከም ዘምጽኣ ከም ንግሆ በጣዕጣዕ ኢሉ ዝበርሀ ነገር’ዩ።…ንለባም ኣምተሉ፡ ንዓሻ ደርጕሓሉ’ዩ። መብራህቲ የለን ተበልካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን እኮ ጸላም’ዩ ዘሎ፤ ምርጫ እንተልዓልካ፡ ኬንያ ኡጋንዳ ብሰንኪ ምርጫ’ዮም እኮ ተዋዲኦም፤ ነጻ ፕረስ ተሓተትካ፡ ቀቢላታትን ሃይማኖታትን ናይጀሪያ ሓድሕደን ዝተሃናኾታ’ኮ ብነጻ ፕረስ’ዩ፡ ዝብል መልሲ ኢኻ ትረክብ። ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ስለምንታይ’ዮም ነተን ብተዛማዲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት፡ ጽቡቅ ግስጋሰ ዘርኣያ ሃገራት፡ ከም ኣብነት ምግላጽ ዘሸግሮም፧ ቅዋማዊ መንግስቲ ስለ ዝተኸላ፡ ዝነኣድ ኣካይዳ ዝኸዳ ዘለዋ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፡ ስለ ዘይፈልጡ ድዮም፧ ንዓይ እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ። ወይ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ምልቃም ሕማቅ ተረክቦታት ዓለምና ኣለዎም፡ ወይ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊን ዘይወግዓዊን ምብሓት ኮረሻ ስልጣንን፡ ዝገብርዎ ዘለው ግህሰት መሰልን ሓርነትን ህዝብና መመኽንየታ ክኾኖም ስለ ዝደለ’ዩ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ድማ ስነ-ሞገታዊ ይመስል። ኣምሓሩ፡ «ኣቦይ ዝብኢ፡ ክትበልዓኒ ዘይተርፍ ካብ ኮነስ፡ ከየማኻነኻ ድኣ ብልዓኒ፡» ቢሎም ምመሰልሎም።

እቲ ዘረባ እምበኣር፡ ኣብ ፈላሚ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ግንቦት 1992፡ ደሞክራሲ ዘረጋግጽ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ድሕሪ 4 ዓመት ንኽትከል፡ በቲ ሽዑ ዝተመርጸ ኣቦ-ወንበር እቲ ባይቶ፡ ተጋዳለይ ኢሰያስ፡ ዝተዋህበ መብጽዓ ስለምንታይ ዘይተተግበረ ክሳብ ሕጂ’ዩ። ብ1997 ዝጸደቀ ቅዋም፡ ስለምንታይ ዘይተተግበረ ክሳብ ሕጂ’ዩ እቲ ነገር። ሱዑዲ፡ ኢትዮጵያ፡ ዚምቡዋበ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ነፓል፡ እስራኤል፡ ኒዉ-ዚላንድ፡ ማርስ፡ ጁፒተር፡ ወርሒ፡ ጸሓይ…. ቅዋም ሃሊወን ኣይሃሊወን፡ ቅዋማተን የተግብረኦ ኣየተግብርኦ፡ ንኤርትራዊ ዝምልከት ኣይኮነን። ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ ተሓቲትካ፡ ብዛዕባ ቅዋም እንግሊዝ ምዝራብ፡ ከም ወዩ ‘በቅሊ መን ኣቦኺ ተበልዋስ፡ ፈረስ ኣኮይ’ ምባል ጥራይ’ዩ።

ሱዕዲያ ቅዋም ክሳብ ትገብር ክንጽበያ’ድዩ እቲ ዘረባ። ብሕጂ 200 ዓመት ቅዋም ተዘይገበረት’ከ፧

ደሓር ከኣ፡ እቲ ካልእ መታለሊ ግን ከኣ መስሓቅ ዘረባ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ቁዋም ተተግቢሩ፡ እቲ ምርጫ ግን ዓቅምታት ስለዝሓትት ንሰርሓሉ’ለና፡ ዘስምዕ እዩ ነይሩ። ንታሪኽ ተመሊስና እንተተወከስና፡ እቲ ዝነበረ ሕጽረታትን ውጽኢትን ብዘየገድስ፡ህዝቢ ኤርትራ ናይ መጀመርያ ቅዋሙ ከጽድቀሉ ዝኽእል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምምራጽ፡ ብመንጽር እቲ ዝነበረ ሃዋሁን እዋንን፡ ኣብ መጋቢት 1952 ጉሩምን ሙዕቡልን ምርጫ ከምዘካየደ ንፈልጥ። ክንሕበነሉን ክንምሃረሉን ዝግባኣና ፍጻመ ከኣ እዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ፓለቲካዊ መስርሕን፡ ቅዋማት ካልኦት ሃገራትን ንዛረብ፡ ጽቡቁን ሕጽረታቱን ኣልዒልና፡ ነዚ ታሪኽ እዚ ኢና ክንውከስ ዝግባእ ነይሩ። መንግስቲ ህግደፍ ግን ኣይደልን’ዩ፡ ሓደ መዓልቲ’ዉን ትኹን ብጌጋ ብጭቅ ኢሉ ኣልዒልዋ ኣይፈልጥን። ንሓደ ህዝቢ ታሪኹ ከምዘየፈልጥ ግበሮ’ሞ፡ ከም ድላይካ ትገዝኦ፡ ዝብል ኣምር ንምትገባር ይመስል።

ብሓፈሻ እዚ ንዕቀት ህዝቢ ጥራይ’ዩ ዘርእይ። ዝነገርናዮም ሰሚዖም፡ ዝበልናዮ ኣሚኖም፡ ኣጣቂዖም ክኸዱ’ዩም፤ ደድሕርዚ፡ ከም ሕንጻይ ክደግምዎ’ዩም፡ ካብ ዝብል ክዕበት ዝመንጨወ ድማ’ዩ።

እዚ ሕቶ’ዚ፡ ሕቶ ዝበዝሐ ኤርትራዊ’ዩ። ህዝቢ ንስለምሕታት ኣይኮነን ዝሓቶ፡ ወይ’ውን ከምቲ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝብልዎ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ስለዝደፋፍኦኦ ኣይኮነን። ኤርትራ፡ ሰላም ዝሰፈራ፡ ፍትሒ-ዝነገሳ፡ ስርዓተ-ሕጊ ዝገዝኣ፡ ምርጫ ህዝባ ዝስምዓላን፡ ብህዝቢ እተመርጸ መንግስቲ ዘለዋ ሃገርን ነይራ እንተትነብር፡ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ይኹን፡ ዘይተጻሕፈ ቅዋም ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣይምስገደሰን። እቲ ሽግር፡ ህዝቢ ድልየቱ ከይተሓተ ብውሳነ ሓደ ዉልቀ-መላኺ ኣብ ዝተፈላለይ ዘየድልዩን አዕነውትን ኩናታት ስለዝተሸምመ፡ ንቁጠባን ማናን ሃገር ዉሑዳት ጥራይ ስለ ዝተቋጻጸርዎ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብመስኮት ስለ ዝተጓሕፋ፡ ሓለፍትን ኣዘዝትን ንዜጋታት ከም ድሌቶም ክሞቑሑን ከሕቑቑን ስለዝጀመሩን፡ መሰል ዜጋታት ዝግህስ መዓልታዊ ተግባራት ሓለፍቲ ህግደፍ ከም ቃንጥሻ ክረምቲ ስለ ዝበዝሐን’ዩ፡ ህዝቢ ቅዋም ይተግበር ኢሉ ዝሓተተ።

ቅዋማዊ መንግስቲ እንተተኽለስ፡ ኮን ዶ ኾን፡ ነዚ፡ ዓለምና ዳር-ምስ-ትርኢት ርኢና ኢላ ዝመስከረትሉ፡ ምሻጥ ናውቲ-ከብዲ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣስዒቡ ዘሎ፡ ጻኦተ-ስደት ህዝብና፡ ተገዲሱ ደው የብሎ ብዝብል ተስፋ’ዩ። ኮን ዶ ኾን፡ እቲ ሽዑ ዝትከል መንግስቲ፡ ‘ንፒክኒክ  እዮም ከይዶም’ ብዝብል ዘረባ-ንዕልቲን ኣቃጫጭን ዘይኮነስ፡ ስደት፡ናይ ብሓቂ  ጽንታ ህዝብን፡ ብርሰት ሕብረተስባት ኤርትራን ሙዃኑ ገሊጹ፡ ደው ንምባሉ ድማ፡ለይትን መዓልትን ዝጽዕት፡ መንግስቲ ብዙሓት እንተ ኾነልና ኢሉ’ዩ።

እቲ ዘጸይፍ፡ ተረሲዑ ከኣ ክሕለፍ ዘይብሉ ነገር፡ ኣብቲ ሰሚናር፡ ገለ ክፋል ዘረባ የማነ፡ ከምዘለዎ፡ ሚኒስተር ሃየለ ድሩዕ ብዛዕባ ገምጋም ኩናት-ዶብን ቅዋምን፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ጀርመንን፡ ኣብ 2001 ንኤርትራዉያን ካብ ዝገበሮ መደረ ዝተወስደ ሙዃኑ’ዩ። ነዚ’ውን ደገፍቲ ክንደየናይ ከየቅልብሉ ኢሉ’ዩ ዝኸውን። እንሓንሳብ’ሲ ኣብ ክንዲ ደገፍቲ ይጭነቅ፡ ብኡነት’የ ዝብለኩም። ኢሰያስ ምርጫ ዝባሃል የለን ክብሎም’ሞ ይጸንሕ፡…እንታይ ዝኸውን ምርጫ እናበሉ ክደግሙ ይቅንዩ፤ ደሓር ድማ ከምዚ ናይ ትማል፡ ቅዋም ክልተ-ስልሲት ተተግቢሩ’ዩ፡ ተሪፉ ዘሎ ሓደ-ስልሲት፡ ምርጫ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ ንሰርሓሉ’ለና ምስተባህሉ ድማ፡ ‘ቅዋመይ ጸደቀትለይ፡ ብምልእታ ተተግበረትለየ…ላሎየ…’፡ እናበሉ የኹድዱ። ኣንታ ብቀዳማይ ዶ ደኣ ምርጫ ኣየድልን ኣይበልኩምን ተበልካዮም፡…ዋእ….ኖ…ምርጫ ኣብ ሜዳ ከለና፡ ዓለም ከይፈለጠቶ ከማን ንገብሮ ኔርና’ኢና….ማለትሲ… ‘ኣኮይ ፈረስ ማለት’ዩ’። ምሕረት የውርድ ጥራይ ኢኻ ትብል።

ቀንዲ ኣቶኩሮና ኣንጻር ምልኪ

ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ፡ እዚ’ውን ኣቶኩሮ ናይ ህዝቢ ጠምዚዝካ፡ ኣብ ሊቂ-ጭፍሊቂ ነገራት ዕነክሊል ንምባሉን፡ ግዜ ንምዕዳግን ዝግበር ሜላ ሙዃኑ ምዝካር ከድልየና’ዩ። ምናልባት ንኸም በዓል መስከረም ነት፡ ‘ኣሰየ ኣሰየ፡…ቅዋመይ መጺኣትለየ፡…ክልተ-ስልሲታ ተተግቢራትለየ’ የብሎምን፡ መዓስ ከምዝትግበር እትቆጽር ሰዓት፡ ኣብ ዌብ ሳይቶም፡ ከምዚሰቅሉ ይገብሮምን ይኸዉን። ነቲ ደላይ ፍትሒ ግን ካብ መንገዲ ሓዲድ ቃልሲ፡ ክኣልዮ የብሉን።

ከም ዝሓለፈ፡ ሕጅ’ዉን ብዙሕ ናብ ጓል መንገዲ ዘሀውትት ዘረባታትን ኣርእስትታትን ክቅረበልና’ዩ፤ ደጋሞ፡ ዘረባ ኣባ-ጃዊ ህግደፍን፡ ወሃቢ-ቃሉን ክደግሙ ርእስና ከሕቡጥና’ዮም፤ ኣቃልቦናን ኣቶኩሮናን ግን፡ ናብቲ ዓቢ ስእሊ ምቅናዕ ጥራይ ከድልየና’ዩ። ዓሊ ጠፊኡ፤ ኢሰያስ ሓሚሙ፡ሞይቱ፡ ተንሲኡ፤ ወዲ ተምነዎ ታሪኽ ጠምዚዙ ባ አይጠምዘዘን፤ ተቃወምቲ ውድባት ተሰሪሐን ተፈንጢሐን፤ ፎርቶ፤ ‘ዋይፒኤፍዲጀይ’፤ ኳደረ ወዲ ገራህቱ ‘ናደው ፈሪሱ’ ኢሉ ኣብ ስዊዝ፤ ኢትዮጵያ ኢዳ የእተወት፡ ኢዳ ኣውጸኣት፡ ኢልና ክንህውትት ተኾይንና፡ ኣብ ክንዲ ብኣጀንዳና፡ ብኣጀንዳ ህግደፍን ካልኦት ጸላእትን ኢና፡ ንምሳእን ንዝወርን ዘለና ማለት’ዩ። ደምበ ተቃውሞ ኣጀንድኡ ሰሪዑ፡ ሃገራዊ ስትራተጂኡ ሓንጺጹ ክሳብ ዘይከደ ድማ፡ እቲ ዝድለን ዝከኣልን ስዕረት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከውርድ ዘይሕሰብ’ዩ።  እንኮን ዘላቂ ፍታሕን፡ ምእላይ ኢሰያስን ኣሳሰይቱን’ዩ። እዚ ድማ ምስ እንሰምርን፡ ኩሉ ኣቃልቦናን ዓቅምታትናን፡ ኣንጻሩ ምስ ዝቀንዕን ጥራይ’ዩ ዝቀላጠፍ።

ብዛዕባ ኣድላይነት ሃገራዊ ኣጀንዳን ስትራተጂን ኣብ ዝቅጽል። ወድ ሓንኩም።

ካብ ዘይቀሰነ

ሰነ፡ 2013.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Zaul June 17, 2013

    Everyone should be aware what the purpose of the published articles are, who is the author and the identity of the active commenters (renforcers). Don’t turn to infighting between Eritreans.

  • MightyEmbasoyra June 17, 2013

    ዘይቀሰነ,
    ከመይ ጌርካ ክትቀስን – ‘ዚ መዓስ የቕስን። ይበል ጽሑፍ!!!

  • Kalighe June 17, 2013

    It’s very unfortunate that there are still some Eritreans who think Eritrea has a government and Iseyas and his men are serving the country. The last thing in the world these criminals care about is rule of law.

  • humble citzen June 18, 2013

    iten kebti ‘mo wesidomen ,tserfi gn zHadegnalom yeblnan koynu negeratu. weyti gudu

  • Stefanos Temolso June 18, 2013

    Zeyqesene: You represent almost everyone who opposes the brutal regime. You always Write beautisul and constructive articles. Please keep it and as you said we must not beat around the bush but hit the nail while it is hot. You deserve everyone’s admiration.

  • simerrr2012 June 18, 2013

    I really do not take all Eritrean so called officials(Garbage) seriously. I do not even waste time to talk to them for one single minute .Nothing come what make sense from their stinky mouth. When you talk about orange they talk about apple. When you talk about Constitution , they talk about CIA and Ethiopia. When you talk about the Eritrean people ,they talk about Bridges and dams with their damn behavior. I remember when some years ago when the Minister of foreign affairs was asked about arresting Eritrean mothers because of their children leaving the country illegally—he said by doing that we have seen the result- less deserters. Did this action stop the young people from leaving the country? Can you imagine someone support arresting mothers because only Isayas tell them to do so. Have these people ever hold guns in their hands? Do they have pants as a man? I bet they piss in their pants when Isayas talk to them to scare them. So they are not allowed to speak their mind .They just repeat what the European desk and North American desk in the president office tell them to say. You need to look in their ugly higdef face when they speak to the audience they even do not sit comfortably and confidentially , always sit as individuals lost hope and full of fear. Because there is always someone undercover who make a report to the president office all their movement and action.

    • Genet June 18, 2013

      simerrr2012
      Well said, and good observation of PFDJ’s officals and supporters.
      Genet

  • Truly truly i say to you June 18, 2013

    It is very ameasing! What does Monkey means when says England also has no constitution?Does he mean in other word because there is no Constitution in England, the country is ruling without rule of law? there is no freedom of press, no human rights ? What a ridicule!
    Late alone in England even in Saudi and in all nation monkey mentioned as if there is no constitution, everyone knows as there is governmental and parliamentary election every 4, or 5 years once except in Eritrea. Even his best friends Mohammed Gadafi, Mubarak, kim il sung or Un what you call them and alike , all was coming to power through election, weather we be call it their election is fair or un fair. But is there a functional parliament in Eritrea at all? Have any one sees or hears when debating big or little issue in Eritrea´s parliament? Do they have regular meeting ? Has anybody sees this regular meeting since independent time for last 22 years? Didn´t Isayas without consults anybody and hears anyone´s advice because decided alone was the war begun, and at a result we lost 24, 000 innocent citizens life and lost territories, and he humiliated our nation and people?
    Monkey said only election is not implemented constitution but what about right of freedom of speech? Press, other many basical human rights? This guy is really monkey and doing monkey politic.

    • Genet June 18, 2013

      Truly
      I like Your post and your questions are every concerend Eritreans questtions. I agree.
      It is astonishing how PFDJ’s officals try to justify their crime against the Eritrean people. They usually compare their action and why they are doing what they are doing, to the western developed countries. They never compare themeselves to North Korea.
      Their speech is intended to their brain dead followers. Mr silly Monkey is no different.
      Genet

  • TwoWayStreet June 18, 2013

    We should care less about what Issayas, Yemane or the others say, because that is not meant for those who does not accept information as is. It is meant for their supporters, because they know their supporters better than anybody. They know what they are doing, their supporters will accept what they are told, as is, as a bible, not even recognizing that this bible is different from the previous one or from the other one. Just keep all their bibles in your pocket in case you need them for an argument with a naïve PFDJ supporter.

  • Kilite mot. June 19, 2013

    It is one of the interesting articles that I have read ,I hope Emanuel will transmit it in his radio even I wish radio Erena too.I have one thing to add about the name monkey .. there is a rumor saying he got it when he was doing a monkey business with his Wife that he was caught with the under wear by his ex over the valleys of in dazena…Sahil.

POST A COMMENT