Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅሉዕ መልእኽቲ ኣብ ወጻኢ ንእትነብሩ አሕዋትና ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ

ዝኸበርኩም ኣአሕዋትና ደገፍቲ ህግደፍ! እዚ መልእኽቲ'ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ናይ ዝርከብ ህዝብኹም ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ኢዩ። እዚ ምሕጽንታ እዚ ኣብታ ዕለት መጽአ እናጸበባ፡ መዓልቲ መጽአ እናዓረባ እትኸይድ ዘላ ሃገርና- ሃገረ ኤርትራ፡ ናይ እንርከብ

ዝኸበርኩም ኣአሕዋትና ደገፍቲ ህግደፍ!

  • እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ናይ ዝርከብ ህዝብኹም ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ኢዩ።
  • እዚ ምሕጽንታ እዚ ኣብታ ዕለት መጽአ እናጸበባ፡ መዓልቲ መጽአ እናዓረባ እትኸይድ ዘላ ሃገርና- ሃገረ ኤርትራ፡ ናይ እንርከብ ዘሎና አሕዋትኩም ምሕጽንታ ኢዩ።
  • እዚ ጻውዒት እዚ ናይቶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ተዋፊርና፡ ልዑላዊ መሬትና ኪንከላኸል፡ ብኣዚዩ ድሩት ቀረብ ስንቅን ዕጥቅን፡ ካብ ደቅናን ስድራ-ቤትናን ንዓመታት ተፈሊና እንርከብ ዘሎና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ጻውዒት እዩ።
  • እዚ ምሕጽንታ እዚ ናይተን ቅድምን ድሕርን ናጽነት ምስ ንብዓት ዓይንና እንቃለስ ዘሎና ኤርትራውያን ኣዴታትኩምን አሕዋትኩምን ምሕጽንታ ኢዩ።

ኩላትና ዜጋታት ኤርትራ: ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ፡ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቓልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡን ብሓባር ደጊፍናዮን ሓብሒብናዮን ኢና። እዚ ስርዓት እዚ: ስርዓት አሕዋትናን ደቅናን ከም ሙኻኑ መጠን: ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ በረኻ ብዕጥቂ ብረት ዝቃለስ ዝነበረ ሓይሊ: ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዝነበረ ህዝብና በብዓቕሙን ክእለቱን ኣበርኪቱን ተቓሊሱን እዩ።

እንተኾነ ውሑድ ጉጅለ ካብቲ ናጽነት ዝተጎናጸፈ ሓይሊ፡ ካብ ትጽቢት ብጾቱን ትጽቢትናን  ወጻኢ፡ ካብቲ ኣሚንና ዝተቓለስናሉ ሰውራዊ መትከላት በብቑሩብ እናወጽአ፡ ምስ ግዜ መብጽዕኡ እናረሰዐ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ እናረሓቐ ብምኻድ፡ ናብ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ተቐይሩ፡ ንሃገርና ኪደቚሳን ኪርምሳን ንርእዮ ኣሎና። እቲ ስርዓት አሕዋትናን ደቅናን  ከም ሙዃኑ መጠን “ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይዕረን ይመዓራረን ይኸውን፡ ጽባሕ ዶኾን ካብ ጉድለታቱ ይመሃር ይኸውን፡” ብምባል ነዊሕ ተጸቢና ኢና። እቲ ስርዓት መገዱ ክእርምን ኪእረምን መኺርናን ጸዊዕናን ሰማዒ ምስ ሰኣንና ግን ቐቢጽናዮስ ንቃወሞ ኣሎና።

እትነብሩሉ ጂኦግራፊ፡ ካብዚ እንነብረላ ዘሎና ኤርትራና ዝተፈልየ ስለዝኾነ፡ ብምልካዊ ምሕደራ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም፡  ማዕረና ብቐጥታ ከምዘይትትንከፉ  ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣካልናን ዜጋታትናን ስለዝኾንኩም፡ ኣብ ሲናይ ብብደዌን ንዝተጨውዩ፡ አሕዋትኩም፡ ኣዝማድኩም መቕርብኩም፡ ደቂ ገዛውትኹም መተዓብይትኹም  ከተፍትሑ ኣሻሓት ገንዘብ ትኸፍሉ ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢና። ስለዝኾነ ብተዘዋዋሪ መገድስ ዝያዳና እኳ ንዓኻትኩም እውን ኣረኻኺቡልኩም ከምዘሎ ኣይንስሕቶን ኢና።

እቲ ዕለታዊ ናብራና ከኣ እንተስ ካብ ወለድኹም፡ እንተስ ካብ አሕዋትኩምን ቤተሰብኩምን ስለእትሰምዕዎ፡ ዘለናዮ ሃለዋት ይጠፍኣኩም ኢዩ ኣይንብልን ኢና። ብቐንዱ እውን  እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዘመድን መቕርብን ብሓገዝኩም ስለዝናበር ጸገምኩም ይርድኣና ኢዩ። ግን ከኣ፡ ካብ እመት ስድሪ ከምዝበሃል፡ ዝያዳኹም ናብቲ ገሃነብን ሲኦልን ተጸጊዕና ስለእንርከብ ብሃልሃልታ ግዝኣተ ምልኪ ንሸልበብን ንነድድን ከምዘሎና ኪንሕብረኩም ንደሊ። ህዝብኹም ኣብ ክልተ መንቀራቕሮ ተጨቢጥና፡ ብመጥሓን ስእነትን  ብመዲድን ድኽነትን ንደሃጽ ከምዘሎና ኪንሕብረኩም ግቡእ ኢዩ።

ምኽንያቱ በቲ ነዚ ስርዓት እዚ እትገብሩሉ ዘለኹም ደገፍ ንርገጽን ንጭፍለቕን ከምዘሎና ኪትዝክሩ  ስለዝግባእ። ስለዚ ነዚ ስርዓት እዚ ኣይትደግፉዎ ኢልና ኪንምሕጸነኩም እንከለና – ዝሰምዕ ደኣ ኣይኮነን እምበር ድምጺ ውጹዕ ህዝቡ ሰሚዑ፡ ኣጽፋሩ ኣጽፋር ምልኪ ከልዕለልና ከተስምዑዎ ትኽእሉ እንተኼንኩም ዝከኣለኩም ኪትፍጽሙ ኢዩ ጻውዒትና። ካብኡ ተረፈ እቲ ንዕኡ እትገብሩሉ ናይ ገንዘብን ንዋትን ሞራልን ደገፍ ከተቋርጹ ንምሕጸነኩም ኣሎና።

ዝኸበርኩም ደገፍቲ ህግደፍ አሕዋትና!

አሕዋትናን ዜጋታትና ስለዝኾንኩም ብወጽዓና ከምዘይትቐስኑ ብጸገምና ከምዘይትሕጎሱ ይርደኣና ኢዩ። ግን ከኣ ተቢዕኩም ስጉምቲ ኪትወስዱን ንስኻትኩም እውን፡ ነቶም “ይእከል ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ – ፍትሕን ፍታሕን ይምጻእ፣ ሕግን ስርዓትን ይተኸል፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመስረት!” እንብል ዘሎና ውጹዓት አሕዋትኩም፡ ጎድኑ ኪትኮኑናን ኪትድግፉናን ጻውዒትና ነቕርበልኩ ኣሎና።

ህዝብኹም ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ መሪር ኩነታት ተገንዚብኩም፡ ነዚ ብምልኪ ዝረግጸና ዘሎ ስርዓት፡ ደገፍኩምን ሓልዮትኩምን ከተቋርጹ ምስቲ ተወጺዑ ዘሎ ህዝብኹም ጠጠው ኪትብሉን  ስቓይና ንምሕጻር እጃምኩም ከተበርክቱን ንሓተኩም ኣሎና። ሕቶና ሕውነታዊ ሕቶ እዩ።  ሕቶና ሃገራዊ ሕቶ ኢዩ። ምሕጽንታና ሰላማዊ ምሕጽንታ ኢዩ።

ህዝብኹም፡ ሰብኣዊ ክብሩ ንኺረጋገጽን ዲሞክራሲያዊ መሰላቱ ተሓልዩ ብኽብሩ ንኺነብር ኢዩ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ከቢድ ዋጋ ኸፊሉ። ምእንቲ ሰላምን ልምዓትን ዕቤትን ብልጽግናን፡  መሪር ቃልሲ ኣካይዱን ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ትስሕትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ኩሉ ነገር ካብ ትጽቢትናን ትጽቢትኩምን ካብ ሃንቀውታናን ሃንቀውታኹምን ወጻኢ ከምዝኾነ ኣረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም።

ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ተስፋ ኣፍሪቃ ናብ ገሃነብ ኣፍሪቃ ተቐይራ፡ ምርኣይ ምግጋይ ኮይና ተስፋኣን ምስላን ደቢኑ፣ ብስእነት ማይን መብራህትን ጸሚኣን ጸልሚታን ትርከብ ከምዘላ ምንጋር ዘድልየኩም ኣይመስለንን። ደገፍኩም ንማይን መብራህትን ዘይከውን እንተኾይኑ፣ ሓገዝኩም ንባኒን እኽልን ዘይከውን እንተኾይኑ፣ገንዘብኩም ሽቕለትን ስራሕን ፈጢሩ ናብራ ዜጋታት ዘየመሓይሽ እንተኾይኑ፡ እቲ እትድግፉዎ ስርዓት ብግዝኣትን ሕጊ ዘይግዛእ፣ ብሕግን ስርዓትን ዘየመሓድር፣ ብፍትሕን ርትዕን ዘየነባብር እንተኾይኑ፡ ንመን ኢና ንድግፍ ዘሎና ብምባል ደጊምኩም ኪትሓስቡን ኪትመራመሩን ይግበኣኩም። ስለዚ ሓደራ ድምጽና ድምጺ ውጹዓት ህዝብኹም ኪትስምዑ ንምሕጸን።

ሃገሮም ዝተፍኣቶም አሕዋትኩም ብጃምላ ብኣማኢት ኣብ ባሕሪ እናጠፍኡ፣ መንግስቶም ብኽቱር ጭቊና  ዘንፈጾም ካልኦት ኣማኢት ዜጋታትኩም ኣብ ሲናይ ብሸፋቱ በደዌን ተጨውዮም ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ብሓዊ እናነደዱ፣ ናውቲ ኣካላቶም ተመዝሒቑ እናተሸጠን እናሞቱን ከተጽቅጡ ኣየምሕረልኩምን ኢዩ።

ዝኸበርኩም አሕዋትና ደገፍቲ ህግደፍ!

  • እዚ መልእኽቲ’ዚ ናይቶም ድሕሪ መስዋእቲ ስድረኦም፡ ብድኽነትን ስእነትን ዝሕመሱ ዘለዉ ደቂ ስውኣት መልእኽቲ ኢዩ ።
  • እዚ ምሕጽንታ እዚ ድሕሪ መስዋእቲ ደቆም ኣብ ምጽወታን ትኳቦን ወዲቖም፣ ተጸበይትን ለመንትን ተቐይሮም ናይ ዘለዉ፡ ስድራኹም ስድራ ስውኣት ምሕጽንታ ኢዩ።
  • እዚ ጻውዒት እዚ ናይተን ሰብኡተን ምስተሰውኡወን ደቀን ደቂ ስውኣት ዘዕብያሉ ስራሕን ዕድልን ደገፍን ሃገዝን ሲኢነን ብጓሂ ዝንነዋ ናይ ዘለዋ አሕዋትኩም መልእኽቲ ኢዩ።

ሬሳታት አሕዋትኩም፡ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ፣ ህዝብኹም ብሓደጋ ባሕሪ ላምፖዱሳ ኣብ ከቢድ ሓዘን  እናሃለወ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጊሰን ጀርመን፡ ኣብ ጆርጂያ ኣትላንታን ካልእ ከተማታትን ኣብ ለይታዊ ትልሂት ኪትስዕስዑ ኪትሓድሩ እትረፍ ኪትዛረበሉ ጓና ከይሰምዖ እውን እትሰትሮ ነውሪ ኢዩ። ኣዚዩ ዘሕፍር ነውሪ! እዞም ሕጂ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን  ጠፊኦም ዘለው መንእሰያት፡ ትማሊ ኣብ ሃገር ንዘለኩም ይዕበ ይንኣስ ትካል፡ ኣጉዶ ይኹን ቪላ፡ ርሻን ይኹን ፐላሶ ዝዓቀቡን ልዑላነት ሃገር ዘውሓሱን መንእሰያት ኢዮም።

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ነዛ ኣብ እዋን ዕረፍትኹም እትመላለሱዋ፡ ስድራኹምን ቤተሰብኩምን እትበጽሑላ፣ እትናፈሱላን እትዘናግዑላን ሃገር – ሃገር ዝገበሩ፡ ኣገልግልትኹም ኢዮም።  እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ኪረኽቡዎ ዘይከኣሉ መሰል፡ ልክዕ ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ሃገር ስደትኩም ረኺብኩሞ ዘለኹም መሰል ከናድዩ፣ ኪመሃሩ ብፍልጠት ነብሶም ከማዕብሉ፡ ኪሰርሑ፡ ሰሪሖም ነብሶም ኪጥውሩ፡ ስድራቤቶም ደቆምን ከነባብሩ ንስደት ዘምርሑ አሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ዕሸላት ኢዮም። ስለዚ ሓደራኹም ቃንዛ ህዝብኹም ይሰማዕኩም። ድምጺ ሃቡ፡ ይእከል በሉ። ንመላኽን ሓላኽን ስርዓት ብምድጋፍ ስቓይ ህዝብኹም ኣይተናውሑ፤ ደገፍኩም ኣቋርጹ።

ነቶም ህይወትናን ሃለዋትናን ምስዚ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ኢዩ ዝብሉ፡ ብረብሓን ሽርክነትን ዝተኣሳሰሩ እናሰምዑን እናረኣዩን እንተጽቀጡ ኣይገርመናን ኢዩ። ትማሊ እውን ብረብሓ ዝግዝኡ፡ ብጠቕሚ ዝድለሉ፡ ብዋጋን ህይወትን አሕዋቶም ዝነግዱ፡ ምስሌነታት ባዕዲ   ስለዝረኣና፡ ናብ ልቦምን ቀልቦምን ተመሊሶም ደጊሞም ኪሓስቡን ታሪኾም ከተዓራርዩን ኢና ንምሕጸኖም። ዘይወግሕ ለይቲ ስለዘየሎ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ለይቲ ውጹዓትን ደለይቲ ፍትሕን ምውግሑ ከምዘይተርፎ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። ስለዚ ኣብቲ ወጋሕታ’ቲ ምስ ውጹዕ ህዝቡኹም ብርሃን ከተስተማቕሩ እምበር ኣብ ዕርበተ መለኽቲ ኣብ ጸላም ከይተዕወንውኑ ንምሕጸነኩም ኣሎና።

ዝኸበርኩም ደገፍቲ ህግደፍ አሕዋትና

  • እዚ መልእኽቲ እዚ መልእኽቲ ናይታ ወላድ መኻን ኬይና ዘላ ኤርትራዊት ኣዴኹም ሓፍትኹም ኢዩ።
  • እዚ መልእኽቲ እዚ መልእኽቲ ናይቶም ብቐትሩ ዝጸልመቶም ተስፋ ዝረሓቖም ህዝብኹም ኢዩ። እናጣቓዕኩም፡ ብገንዘብን ንዋትን ብድምጽ እትድግፍዎ ዘለኹም ደቅና ዘህልቕ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ይእከል በሉዎ። ብሓባር ንእከል ንበሎ።

እዚ ህዝቢ’ዚ ነቲ ስርዓት ብእትገብርሉ ዘለኹም ደገፍ ክርገጽን ክጭፍለቕን የብሉን። ስለዚ ጻውዒትና ጻውዒት ህዝቡኹም፡ኪትሰምዑ ይግባእ። ድሕሪዚ ሰለማውን ሕውነታውን ምሕጽንታ’ዚ  ግን ምጽብጻብ ከምዝህሉ ኪትዝክሩ ይግባእ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ

ካብ ውሽጥን ወጻእን

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • hani October 16, 2013

    They aren’t our brothers those pack as supporter

  • Dawit October 16, 2013

    Is not Mustafa
    But the brutal Tekle Manjus the right hand of
    terany Isias the one who was and is doing these.

    Dawit wedi keren

POST A COMMENT