Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስና ኣድጊ ገዲፍካ ዝሓበጠ ጕላ ተኵስ ይኸውን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ካብ ዝስእን ኣማእት ዓመታት’ኳ እንተ ሓለፎ፡ ንኹሉ’ቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ግፍዕታት ድሕሪ ምጽዋርን ምምካትን ኣብታ ከም ብርኽቲ መዓልቲ ዝወሰዳ 24 ግንቦት ፈላሚ ናጽነቱ ኣስተማቒሩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎ፡ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ

ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ካብ ዝስእን ኣማእት ዓመታት’ኳ እንተ ሓለፎ፡ ንኹሉ’ቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ግፍዕታት ድሕሪ ምጽዋርን ምምካትን ኣብታ ከም ብርኽቲ መዓልቲ ዝወሰዳ 24 ግንቦት ፈላሚ ናጽነቱ ኣስተማቒሩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብሉዎ፡ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ከም ዝብሃል ግን እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸለ ህይወቱ ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ ኮይኑ ኣሎ። ናቱ ሕመቕ ድዩ ናይቶም መን ከማኻ ዝብሉዎ ዝነበሩ ደቀይ ዝበሎም ተቓለስቲ ጥልመት ንታሪኽ ዝሕደግ ኮይኑ፡ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስዉኣት ዝተኸፍሎን ዓለም ብዝመስከረሉን ጅግንነትን ዝተረኽበ ናጽነት፡ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ጨው ሓቒቑ ተሪፉ። ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽን ክትርድኦን ክትሓስቦን ዘጸግም ጸሊም ታሪኽ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ክልተ ግዜ ተደናጊሩ፡ ክልተ ግዜ ቍማር ተበሊዑ። ሕጂ ግን ብኸመይ ናብ ከምኡ ከምርሕ ክኢሉ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ወይ ንምትንታን ዘይኮነ፡ ከም ተቓለስቲ ይኹን ሃገራውያን መጠን ክንገብሮ ኣብ ዘለና ነገር እየ ክዛረብ።

ኣብዚ ዘበንዚ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ቍምነገር ክንሰርሕ ክንምድርን ርእይቶ ኣብ ምሃብ ወጠምጠም ምባልን ነንሓድሕድና ምንቛትን ይቐለና እንተ በልኩ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ባህል’ዚ ካብ ኢጣልያውያን ዝወረስናዮ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ምኽንያቱ ኢታልያውያን ንዘረባ ቀዳሞት እዮም ብብዝሒ ሰልፍታት ድማ ኣብ መጀመርያ ይስርዑ። ቀዳሞት ኣቦታትና፡ ምስቲ ዝነበረ ግዕዙይ መስፍናዊ ጭቈና ከይተረፈ፡ ወላ’ኳ ንደሞክራሲ (ምብራቓዊ ይኹን ምዕራባዊ) ብግቡእ እንተ ዘይተማህሩዎ ብግብሪ ግን ብደረጃ ዓዲ ወይ እንዳ ይሰርሑሉ ከም ዝነበሩ ብኣካል ዘርከብናሉ ሰባት እንምስክሮ ሓቂ እዩ። እቶም ነዚ ዘየርከብኩምሉ ንኡሳን ኣሕዋትና ድማ ባይቶ ዓዲ ከመይ ዝበለ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከም ዝነበረ ንኽትፈልጡ ንዓበይቲ ሕተቱ። እዚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣፍሪቃ ዘይተራእየ ምዕቡል ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለ ዝኾነ ንወለዶታት መታን ክተርፍ ከም ታሪኽ ክጸሓፍ ዝግብኦ ዘዅርዕ ባህሊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ፋሺስታዊ ስርዓት ጥልያን ንኤርትራ ወሪሩ ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ናይቲ ዓዳዊ ምምሕዳር ኣገባብ ምስ ተዓዘበ ናጻ ክሓድጐ ዝመረጸ። ደርጊ’ውን ኣይተንከፎን። እቲ ጸገም ናይዚ ኣሰራርሓ’ዚ፡ ናብ ደረጃ ኣውራጃ ወይ ሃገር ክድይብ ዘይምኽኣሉ ጥራይ ነይሩ። እዚ ድማ ምስቲ ዝነበረ ኵነታት መግዛእትን ወራርን ዝከኣል ኣይነበረን። ናብ ኣርእስትና ግን ንመለስ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ዘዅርዕ ባህሊ ዝነበሮ ህዝቢ፡ ዕስራ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እሞ ኸኣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ከይተተንከፈ ዝጸንሐ ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተመርኰሰ ኣሰራርሓኡ፡ ብሰላሕታ ተባሕጊጕ ክተርፍ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዳርጋ ናብ ካልኣይ ዜጋ ክቕየር ከሎ ደም ዘንብዕ ፍጻሜ እዩ። ነቶም ንህዝቢ ከም ዋልታ ክከላኸሉሉ ዝመሓሉ ደቁ ድማ ኣብ ሕሜታ ዘእትዎም ጸሊም ታሪኽ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ዝኾነ ሃገራዊ እየ ወይ ብጕዳይ ሃገረይ ዝብል ሰብ ብዛዕባዚ ጕዳይ’ዚ ብዕቱብ ክሓስብን ከስተንትንን ከም ዘለዎ ክግንዘብ ክኽእል ኣለዎ። ንድሕሪት እናተመልሰ ንፍጻሜታት ክምርምርን ንሕልናኡ ክፍትሽን ከሎ እዩ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ክስቈሮ ዝኽእል። ካብኡ በለ ውድቀት ንህግደፍ ኢልካ ስለ ዝጨራሕካ፡ ኣብ መዓልቲ ስዉኣት ሽምዓ ሒዝካ ኰለል ናይ ዝበልካ ወይ ናይ እግሪ ጕዕዞ ስለ ዝፈጸምካ ንጕዳይ ሃገር ኣሰጕምካዮ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘሎ ኵነታት ቃልሲ ምስ እንዕዘቦ ብዙሕ ክግበር ዘይግብኦ ንቓልሲ ዝጐትት ተግባራት ክፍጸም፡ ብዙሕ ክዕመም ዝግብኦ ሃናጺ ነገራት ድማ ከይተተግበረ ይተርፍ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ሳዕቤኑ ድማ ንረብሓ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ኣይወሃቦን።

እስኪ ‘ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት እንታይ ኣፍሪና?’ ኢልና ንሕተት። 22 ዓመት ገዲፍና ድማ ካብቲ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ውሽጦ ሃገር ብወግዒ ዝተጀመረሉ 2000 ጀሚርና ክሳብ ሎሚ ማለት 12 ዓመታትከ እንታይ ኣፍሪና? ኢልና ንነፍስና ንሕተት። ምናልባት “ተቓወምቲ ውድባት ቍጽረን ወሲኹ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት በርኪተን፡ ሰላማዊ ሰልፍታት በዚሑ፡ ኣብ ፈቐዶ ሃገር ኣኼባታትን ሰሚናራትን ይካየድ ኣሎ፡ ናይ ፓልቶክ ሩማት በዚሐን፡ ኣብ ኢንተርኔት ዝጸሓፍ ዓንቀጻት ኣዝዩ ብዚሑ. . .” ዝብል መልስታት ንረክብ ንኸውን። ምስዚ’ውን ቃልሲ ካብ ዝነበሮ ዝያዳ ማዕቢሉ ኣሎ ምኽንያቱ ጭፍራ ህግደፍ እናተነጸለን ህዝቢ እናፈንፈኖን ይኸይድ ኣሎ ዝብል ተደራቢ መልሲ ክንረክብ ግድን እዩ። ርግጽ’ዩ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ዝያዳ ከም ዝተነጸለን፡ ቍጠባዊ ዓቕሙ  ከም ዝተዳኸመን ዘዛርብ ኣይኮነን። ነዚ ዅሉ ዝፈጠረ ግን ኣይተ ኢሳያስ ባዕሉ ስለ ዝኾነ፡ ተቓወምቲ ውድባት ወይ ኣብ ቃልሲ ንነጥፍ ዘለና ሰባት ኣገናዕ! ንበሃለሉ ጕዳይ ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ዛጊት ናይ ባዕሉ ጸላኢ ብምዃን ዕድመኡ ዘሕጽር ተግባራት ጥራይ እዩ ዝፍጽም ዘሎ። በንጻሩ ንሕና ነዚ ናቱ ድኽመታት ብምምዝማዝ እሂን ምሂን እናተባሃሃልና ቃልስና ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ክነዕርጐ ኣብ ክንዲ ንጽዕር፡ ልክዕ ከምቲ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋታት ብምፍጻም ኣብ ነንሓድሕድና እናተወናጀልና ነቲ ቃልሲ ኣብ ደልሃመት ወይ ኣብ ዓዘቕቲ ክነእትዎ ንቃለስ ኣለና። እዚ ሓደ ሓሙሻይ መስርዐኛ ካብ ዝገብሮ ዘይፍለ ተግባር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኤርትራዊ መንነት ዝድውን በለጻዊ ባህሪ እዩ። እዚ ባህርዚ ድማ፡ ሰባት ነቲ ቃልሲ ከም ሓደ ናይ ኣገባብ መነባብሮኦም ክወስዱዎ እንተ ጀሚሮምን ንነብሶም ከቐድሙ እንተ ጀሚሮምን ዝገሃድ ተርእዮ ምዃኑ ምፍላጥ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ቃልሲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጽልግልግ ኵነታት ካብ ዝኣትው ነዊሕ ስለ ዝገበረ እቲ ትሃን ናይ ቃልሲ ዝነበሮ መንእሰይ፡ ገለ ፍናኑ ተተንኪፉ ውራይ ውልቃዊ መነባብሮኡ ክገብር ብምሕሳብ ናብ ቤትጽሕፈታት ህግደፍ ለዅለዅ ክብል ከሎ፡ ገለ ክፋሉ ድማ ነቲ ቃልሲ ከም ሓደ ናይ ዘበንና ፋሽን ብምውሳድ፡ እንታይ ይብሃል ኣሎ እናበለ ዘዝተነግሮ ክጭርሕ ጥራይ እዩ ዝስማዕ። ከም ሳዕቤን ድማ እቲ ብሕልና ዝቃለስ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ኮይኑ ንረኽቦ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ኣብ ፓልቶክ ይኹን ኣብ ናይ ሳይበር መደረ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ እናተረኽበ፡ (እዚ’ውን ምስ ክንደይ ውርደቱን ጸርፉን) ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባታት ወይ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝወሓደ ሰብ ዝርአ። እዚ ቀቀሊሉ እዩ። ኣብ ፓልቶክ ብናይ ብርዒ ስም ከቢድ ነገር ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ሰባት፡ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከቦ ኣጋጣሚ ግን ኣንጻር ህግደፍ ሓንቲ ቃል’ኳ ዘየምልቝ ቍጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ድማ ቃልስና ገና ኣዝዩ ነዊሕ ጕዕዞ ከም ዘጽበዮ የግህደልና። እሞ እንታይ ይገበር? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ።

–       ብቐዳምነት ነፍስወከፍ ሰብ ወይ ጕጅለ ኣብ ክንዲ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ወይ ጕጅለ፡ ንስኻ ከምዚ ኢኻ፡ እንታይ ኣበርኪትካ? ስለምንታይ ከምዚ ዘይፈጸምካ? ወይ ድማ ንዓይ ከይሓተትካ ከምዚ ጌርካ ኢሉ ዝሓትት ወይ ዝውንጅል፡ ወይ ውልቃዊ ጕዳይ ምስ ጕዳይ ቃልሲ ዝሓዋውስ፡ ንነፍሱ ኣነ እንታይ ኣበርኪተ? ክገብሮ ዝነበረኒ እዚ ጥራይ ድዩ? ኢሉ ክሓትት ኣለዎ።

–       ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ግፍዒ፡ ሕሰም፡ መከራ ኮታ ኵሉ ብኣሉታ ዝግለጽ ነገራት ንኹላትና ዝምልከት ጕዳይ`ይምበር ንፍሉያት ሰባት ዝምልከት ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ኣለና። ገለ ሰባት ንፍሉያት መራሕቲ፡ ወይ ንተጋደልቲ ተሓተትቲ ክገብሩ ይፍትኑ፡ ገለ ድማ ንመንእሰያት፡ ገለ’ውን ነቲ ሓላፍነት ናብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ተግፋዒ ህዝቢ ከላግቡዎ ይፍትኑ። ኢሳያስ፡ ምሉእ ስልጣን ሒዙ ጨፍሊቑ ክሳብ ዝገዝኣና ትም ኢልና ዝረኣና ኩላትና ስለ ዝኾንና፡ ሕጂ’ውን ቅልጽምና ብምሕባር ካብ ምቅላስ ወጻኢ ክንገብሮ ንኽእል ኣማራጺ የሎን። ካብዚ ኣማራጺ እዚ ወጻኢ ክንሰርሕ ምስ እንፍትን ኣብ ነንሓድሕድና ብምውንጃል ንቓልስና ንድሕሪት ክንመልሶ እንተ ዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ነዚ ምስ ሕልናናን ብምምብጻዕ ብስም ስዉኣት ምሒልና ወጊድ ክንብሎ ኣለና።

–       ህግደፍ እግሩ ኣብ ኤርትራ ሕቘኡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ስለ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ቀስ ኢልካ ዝብጻሕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ቃልሲ ብምምጥጣር፡ “ከምዚ ክግብር ኣለዎ፡ ከምዚ ክደግም ከኣ ኣለዎ” ብምባል ክንውሕልል ንፍትን፡ ኣብ ዘለናዮ ቦታ ክንገብሮ ዝግብኣና ዕማማት ንፈጽም። መጀመርያ ንህግደፍ ይኹን ወይጦታቱ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ኣመሪካ መርገጺ እግሪ ንኽልኣዮም። ከም ኣብነት፡ ሀ. 2% ደው ዝብለሉ መንገዲ ንምፍጣር ኣበርቲዕና ምቅላስ፡ ለ. ወይጦታት  ህግደፍ ነቲ ብስም ብድሆ እናበሉ ዝገብሩዎ ጓይላታት ደው ዝብለሉ መንገድታት ምፍጣር፡ ሐ. ነቶም ብህግደፍ ተገፊዕና ኢሎም ከብቅዑ ወረቐቶም ምስ ሓዙ ናብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈታት ህግደፍ ላህመም ዝብሉን ኣብ ጓይላታት ዝሳተፉን ኣድላዪ ተግሳጽ ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣይንስመዓኩምን ምስ ዝብሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምቅላዖም። እዚ ኣብ ገለ ቦታታት ተጀሚሩስ ጽቡቕ ውጽኢ’ውን ኣምጺኡ ኣሎ። መ. ኣብ ነፍስወከፍ እንነብሮ ኮሙነ፡ ካንቶን፡ ኼመንት፡ ሙኒሲፓሊቲ ወዘተ ብዝከኣለና መጠን ጐስጓሳት ብምክያድ ጕዳይና ከም ዝፍለጥን ህግደፍ ከም ዝንጸልን ኣብ ምግባር ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድ። ንወይጦታት ህግደፍ ድማ ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓታት እናነበሩ ንዲክታተር ዝድግፉ እዮም ብምባል ከም ሕሱም ምንጻሎምን ምቅላዖምን።

–       ኣብ ነፍስወከፍ ንነብረሉ ከተማ ብደረጃ ከተማ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ለውጢ ጥርናፈ ወይ ማሕበራት ምፍጣር። ድሕር’ዚ ምስተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ከተማታት ብምውህሃድ ናይ ፊልከ ወይ ኣውራጃ፡ ስተት ኣወሃሃዲ ኮሚተ ብምፍጣር፡ ብመንገደን ድማ ንዞባ ወይ ሃገር ምሉእ ዘወሃህድ ሽማግለ ከም ዝምዕብል ብምግባር፡ ተጨባጢ ዝኾነ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምሕንጻጽ። እዚ ኣብ ኖርወይ ድሮ ተጀሚሩስ ጽቡቕ ውጽኢት’ውን ሂቡ ኣሎ። ምውህሃድ ዘይብሉ ቃልሲ ብሓደ ከለኻ ሕቘን ከብድን ዝኾንካ ከምስለካ ይኽእል እዩ። ብሓጺሩ ዛግራ ናብዚ መሸንጐጋ ናብቲ ስለ ዝኸውን ከድምዕ ኣይክእልን። ብግብሪ’ውን ይርአ ኣሎ።

–       ቃልሲ ክብሃል ከሎ ንዕግበት ሕልናኻን ዕዳ ስዉኣት ንምኽፋል ዝፍጸም ዕማም ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ክጥቅወሉ፡ ክዕበየሉ ወይ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ጸብለል ኢሉ ክርአ ዝኽእለሉ ኵነታት ዘይምፍጣር። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ገለ ሰባት፡ እንተስ ኮነ ኢሎም፡ እንተስ ብግርህነት፡ ንውሱናት ሰባት ከም ፍሉያት ተቓለስቲ ብምቝጻር ከም ላህመት ጸምብለል ኣቢሎም ከቕርቡዎን ኣብ ፈቐዶ ፓልቶክ ይኹን ኣኼባታት ክውድሱዎም ይረኣዩን ይስምዑን እዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ጨሪሹ ክውገድ ዘለዎ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጌጋ ስለ ዝፈጸምና ኢና ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕለና ቸይ ቸይ ዝብል ዘሎ። ናይ ውልቀሰብ ተራ ምግናን ቀደም ኣብቂዑስ ንኢሳያስውን ንቃወሞ ኣለና። ስለዚ፡ ናይ መራሕቲ ቦታ ግቡእ ቦታኡ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ካብ ውዳሴ ማርማይም ብዘይፍለ፡ እከለኮ! እናበልካ ንሰባት ከም ፍሕኛ ምግታር ንዮ! ንበሎ። ንቃልስና ድሕሪት ካብ ምምላስ ሓሊፉ ድማ ኣየሰጕመናን እዩ።

–       ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንድምጺ ህዝቢ ጽን ዝብልን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሕሉን ምስ ዝኸውን’ዩ ዝዕወት። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ዘይቲ ጸምበለል ክብልን ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጥ ዝብል እንተ ኾይኑን ግን እቲ ቃልሲ ይትረፍ ክዕወት ህላዌኡ ከረጋገጽ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ንዘልኣለም ድማ ጋም! ማን! ክብል ይነብር። ህግሓኤ ምስቲ ዅሉ እከይ ተግባራቱን ጨካን ባህርያቱን ብኸመይ መንገዲ ከም ዝዕወት ይፈልጥ ነይሩ። ስለ ዝኾነ፡ ወላ’ኳ ምስሉይነት ይሕወሰሉ እንተ ነበረ ህዝቢ ከይነጽጐ ኣመና ይጥንቀቕ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝገበረ ድማ ክዕወት ክኢሉ። ሕጂ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዕዘቦ ዘለና ድማ ካብ ኣገባብ ቃልሲ ኣዝዩ ዝረሓቐን ዳርጋ ናብ ኣንጻሩ ዝቐንዐን ኵነታት እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ንቃልሱ ናብ ኢዱ ከእትዎ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ በብከተማኡን ኣውራጃን ሃገርን ክውደብን ቃልሱ ከወሃህድን ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ክገብር እንተ ዘይክኢሉ ይትረፍ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እታ ዝዀርዓላ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ብኣካላ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካርታ ዓለም ከይንስእና’ውን ዘስግእ እዩ። ነቲ ሳዕቤን ናብ ዝኾነ ባዕዳዊ ክነላግቦ ዘይኮነ ድማ ተሓተትቲ ንሕና ኤርትራውያን ከም ንኸውን ክንግንዘብ ይግብኣና። ቼችንያ ሓንቲ ቀሊል ኣብነት ናይዚ እያ።

 

–       መደምደምታ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዙሓት ኣብቲ ቃልሲ ዘለዉ እናመሰሉ ንቓልሲ ዝዕንቅፉ ሃሱሳት ተጸፊዮሞ ከም ዘለዉ ክንዝንግዕ የብልና። ህግደፍ’ውን ዋዛ ኣይኮነን ብኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ መንገዲ ሃሱሳቱ ምውፋር ስርሐይ ኢሉ ከም ዝሕዞ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ እከይ ተግባር’ዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሩሉ እዩ። ነዚታት ንምፍጻም ማዕረ ቃልኪዳን ምፍራስ ዝኣክል ገበን ይፍጽም ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ይግባእ። ስለዚ፡ እቶም ብሕልናና ክንቃለስ እንደሊ ሰባት ንቝሓት፡ በላሕትን ከም ክርቢት እንነጥፍን ክንከውን ይግብኣና። ቃልሲ ክብሃል ከሎ፡ ላህመም እናበልካ ወይ ድራርካ እናወድኡልካ ትም ኢልካ ብምርኣይ ክቕጽል ኣይክእልን እዩ። ተቓለስቲ ኢና እናበሉ ንቃልሲ ንድሕሪት ክመልሱ ንዝፍትኑ መራሕቲ ኢና ኔርና በሃልቲ ክተቀናጅው ትፍትን እንተ ዄንካ፡ ወላ ኢሰያስ ደሞዝ ኣይኽፈልካ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክቱብ (ዓስከር) ናይ ኢሳያስ ወይ ጕጅለ ህግደፍ ኴንካ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ፡ መን’ዩ ብዘየገድስ ዝኾነ ንቃልሲ ዝዕንቅፍ ሰብ ምስ ዘጋጥመና ድሕረባይታኡ ብዘየገድስ ክንምክቶን ክንቃወሞን ክንክእል ኣለና። ልዕሊ ሃገር ዝስራዕ ሰብ ወይ ጕጅለ ክህሉ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሜላታት ወይጦታት ህግደፍ ኣዝዩ ረቂቕ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ናይ ተቓውሞ ታቤላ ኸኣ ኵሉ ሰብ ሒዙዎ ስለ ዘሎ፡ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ ተቓላሲ ኣየናይከ እቲ ለዅመኛን መታለልን ካብ ዘረባኡን ተግባራቱን ክነለልዮ ክንክእል ኣለና። ኤርትራውያን መስሓቕ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ምዃን ድሒንና ኣብ ቃልሲ ክንዕወት እንተ ዄንና ቃልስና ክነወሃህዶ ኣለና። ውልቃውነትን ጕጅለይ ጕጅለኻ፡ ሰልፈይ ሰልፍኻ ገዲፍና እሂን ምሂን ነማዕብል፡ ሃገራዊ ጕዳይ ነቐድም! ኣብ በዓል ናጽነት ድማ ክንስዕስዕን ክንጭፍርን ዘይኮነ ሕልናና ክንምርምርን ቃልስና ዝድንፍዓሉ መንገዲ ሃሰስ ክንብልን እላቦ።

ዓወት ንህዝቢ! ውድቀት ንጭፍራ ህግደፍ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Aladin May 16, 2013

    i agree on many points!!

    • semie belay May 17, 2013

      hasawi luk weyane zeytkey dea bealka abzi konka werega kitmesil hager bimelhasn teoryn aykonetn terekiba bi kadrat weyane zidenager eritrewi kea yelen
      widket ni korakur weyane!!!!!!!!!!! awet nihzbn mengstn Eritrea

      • semaynesh May 17, 2013

        Ata adgi day ngotaka issias eka moo tsref zelka . You are just insult your master issias

        • Salim May 17, 2013

          Semaynesh,

          ngotaKa? ‘ntay de’a gena chicheto tTqemi zeloKi tmesli?

          • semaynesh May 18, 2013

            ata sahabi gemel entay eka tebl zelka.

          • Salim May 19, 2013

            sahabi gemel? semanynesh, gual Ugum, aytSarefi::

          • semaynesh May 20, 2013

            Ewa Santa sahabin komuwun gotati Gimale . Eskasi Santa mhame ; denkoro politics entay aflituka ; sukelka tsba gimelka zeytitobib ( just suck camels milk).

          • semaynesh May 20, 2013

            Zalem(Salemlem Abeluyewsadka) for your information I am chento per chento beday hanti terter dip down from grass root an Erigfean unlike u ; we don’t recognaze u as Eritren ; you come from Sudan and some of you from Nigeria. So; please learn your ancesters where they come from and also there is no one in Eritrea by the neme Salim.

  • NEW HOPE ERITREA May 16, 2013

    PARTIAL QUOTE,
    ¨ኣብታ ከም ብርኽቲ መዓልቲ ዝወሰዳ 24 ግንቦት ፈላሚ ናጽነቱ ኣስተማቒሩ።…….¨
    ሓንጎሉ ዝተማዛበለ ሰብ ¨ጥዕምቶን ሽኮርያን¨እንተ ተተምነየ___ክደንቀና የብሉን።ድሓር ግን ጥዕምቶ ጥዕምቲ ከምዘይኮነት__ሽኮርያ ድማ ከም ዘዔውር ምስ በጽሖ እዩ ዝርድኦ። ቅድሚ ሕማቕ ትምኒት ምትምናዩ ከይሓትት ድማ ሓንጎልን ዓቕሊን ይጎድሎ።ህዝቢ ኤርትራ ብመልክዕ ኣፍሪቃ ዘይትሃስየ ህዝቢ __ካብ ተዛማዲ ነጻነቱ ኣውጺኦም ሸፋቱ ናብ ባርነትን ዝኸፍኤን ከእትዉዎ ከለዉ__ዓገብ ክብል ኔርዎ__ምሩጻት ደቁ እልል ኢሉ ናብ ማቸላዮ ምልኣኹ።ሕጂ ኽኣ ብኳደረን ሸፋቱን ተገዲድና ዝውሓጥናያ ኤርትራ ዋጋ ከም ዘይብላ ተረዲእና ዝርሚ ዘርሞ ተሪፍና ኣለና።እዞም ተጋደልቲ ዝነበርኩም እሞ ብጾትኩም ኣብ በረኻ ዝሞቱኹም__ነቲ ዝነበረኩም ናይ ሞት ብጻይነት__ሮማንቲካዊ ዝኾነ ት ዝታ ኣለኩም፥፥ዝተረፍና ግን ሕድሪ ዝሞቱ ዝኾነ ዝዓጅበና ዘሎ__እቶም በዚ ሽፍታ እንቅስቃሴ ምኽንያት ዝቕዘፉን ዝዕመጹን ዘለዉ ኣዝማድና እዩ። ንዓና ቅድሚ ኩሉ ቤተሰብና እምበር ቅድሚ ኩሉ ሃገር ዝብሃል ዓጀውጀው ኣይሰርሕን እዩ።
    ሕጂ ኤርትራ ዳርጋ ሃገር ኮይና እያ__ስለዚ ሓቢርና ንስሓና።ኣብ ርእሲ ነገርና__ኣብ ኢትዮጵያ ዝመሰረቶም ኩናማ__ተጋሩ__ዓፋር ይኹን ኣምሓሩ__ናይ ደም ኣሕዋትና እምበር ጸላእትና ኮይኖም ኣይፈልጡን እዮም።ጽውጽዋይ ሸፋቱ ፈጠራ ዛንታ ተረዲኡና እዩ።

    • ማሊሻ May 16, 2013

      ኣበይ እሞ !
      እቲ ቐደም ” ዘስተውዕል ልቢ ይሃብኩም፤ ” ድዮም ዝበሉ ?

    • Salim May 19, 2013

      ” እንቅስቃሴ ”

      Ugum, Ertrawi koynka ktqerb ‘nda fetenka melHaska tefedHaka ala!!!

  • NEW HOPE ERITREA May 16, 2013

    ¨ንኸልቢ ባህልቢ ስለ ዝሰየምካዮ ናብ ሰብ ኣይቅየርን¨

    መስተውዓልን ወዲ ሃብታምን ምኳን ጥዑም እንድዩ__ካብቲ ገዛታትና ሓደ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ እዩ ኔሩ__ድሓር ንምሳሕ ኣብቲ ኣልፋሮመዮ ዘላ ገዛና ንኸይድ እሞ ኣብቲ ቲራቮሎ ዘላ ገዛውትና ንድቅስ ነበርና።
    ዕዳጋ ሓሙስ ከሎ ገዛውትና፣ ኣቦይ ነቲ ካብ እስራኤል ዝመጸ ከልብና_፡¨ኪድ ወዲ ኸልቢ ክብሎ እንከሎ¨___ንእሽተይ ሓፍተይ ድማ ¨ከልቢ እንድዩ፣ወዲኻልቢ ይኸውን እምበር ወዲ መን ድኣ ክኸውን ኢላ ት ስሕቕ ነበረት፣
    __ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ጠልቀፍቀፍ ክብል ምስ ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከልቢ ተባኢሱ ሞይቱ (ተሰዊኡ)።እቲ ኸልቢ እስራኤላውያን ስለ ዘሰልጠንዎ ነደይ እንጣጢዕ ከይተረፈ ይወቕጠላ ኔሩ።ግን ግበር ምስ ተባህለ ጥራይ እዩ ዝፍጽሞ ነቲ ነገር። ሓንቲ ዘይገብራ ግን ሽቓቕ ኬድካ ደገ ምውጻእ እዩ ኔሩ__ከልቢ ስለ ዝኾነ እቲ ኩሉ ዝገብሮ ነገራት ተዓሊሙ ድኣምበር ኣእምሮ በሊሕ ኮይኑ ኣይኮነን።ንሕና ዓጽሚ ጥራይ ውን እንተሃብናዮ__እንተገረፍናዮ__ንዓና ገዲፉ ነቲ ጮማ ሰው ዘብለሉ ዝነበረ ጎረቤትና እዩ ኔሩ ዝነክስ።ክንደይ ቅያ ዝሰርሔ ከልቢ እዩ ።ግን ከልቢ ስለ ዝኾነ ነተን ኣንስትዮ ኣኽላባት ናብ ላተርያ ወይ ቺነማ ኣይወስደንን እዩ ኔሩ።መቐመጭኤን እዩ ዘሽትት__እሞ ዳርጋ ብሓይሊ እዩ ዝጋሰሰን ኔሩ።
    ዝተወልደሉ ዕለት ሓምለ ፬ ስለ ዝነበረ እናዘከርኵዎ ዳንኬራ ክገብርየ__ወይ ከልቅስ እየ__ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ።ምሽክናይ ባህልቢ ከልብና።

  • ማሊሻ May 16, 2013

    Here is our not-so-good history under Italian fascism.

    This is an interesting Italian made documentary history of the Italians in Abyssinia, i.e. Eritrea and Ethiopia. It is mainly about the Fascist Italian wars, such Keren, Mai Chew …
    It is my hope that someone will translate this into Tigrinya and Amharic. As you know, my Italian is very limited but I tried my best to understand it with my rudimentary Italiano.

    http://www.youtube.com/watch?v=v_bKrCqlajo&feature=player_embedded#!

    This is a documnetary by Massimo Sani

    La Battaglia di Cheren si riferisce ad uno scontro tra le truppe italiane e le forze britanniche e del Commonwealth, avvenuto durante la seconda guerra mondiale nella zona di Cheren, in Eritrea. Nonostante un’organizzata ed eroica resistenza, le forze italiane vennero sconfitte sancendo così l’inizio dello sgretolamento del giovane impero coloniale italiano, iniziato con l’annessione dell’Etiopia durante la guerra d’Etiopia nel 1935 alle altre colonie e la creazione dell’Impero dell’Africa Orientale Italiana.

    • 2AY Amr May 17, 2013

      He is telling you that Italy annexed Ethiopia. So, Eritrea is the mother of Ethiopia.

  • NEW HOPE ERITREA May 16, 2013

    ¨FAKE HEROISM ,FAKE HATRED , ,FAKE STRUGGLE ,FAKE INDEPENDENCE..FAKE IDENTITY ..FAKE COUNTRY….,FAKE SHOULD BE EVERY ERITREAN LAST NAME¨

    ኤርትራዊት ኣደ__እቲ ኣብ ካይሮ ተማሂዙ፣ ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ዝዓበየ__ሓሳዊ ታሪኽን፣ሓሳዊ ቃልስን፣ሓሳዊ መንነትን፣ሓሳዊ ነጻነትን ድኣ ኣብዛ ናይ ሓሶት ሃገር ምስ በጽሔ ዶ ደስኪሉ።ወይሲ እቲ ጂግንነት ዝሽሙ ኣጉል ኣካኪ ዘራፍ__ኤርትራዊት ኣደ ካብ ባርነትን መግዛእትን ኣውጺእና ዘላቒ ሰላምን ህድኣትን ክንፈጥረልኪ ኢና ድኣ እንታይ ሒዝዎ ፧ ወይሲ EXPIRY DATE May 1991 ኔርዎ እዩ???
    ኤርትራዊት ኣደ__እቲ ኣብ ካይሮ ተማሂዙ፣ ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ዝዓበየ__ሓሳዊ ታሪኽን፣ሓሳዊ ቃልስን፣ሓሳዊ መንነትን፣ሓሳዊ ነጻነትን ድኣ ኣብዛ ናይ ሓሶት ሃገር ምስ በጽሔ ዶ ደስኪሉ።ወይሲ እቲ ጂግንነት ዝሽሙ ኣጉል ኣካኪ ዘራፍ__ኤርትራዊት ኣደ ካብ ባርነትን መግዛእትን ኣውጺእና ዘላቒ ሰላምን ህድኣትን ክንፈጥረልኪ ኢና ድኣ እንታይ ሒዝዎ ፧ ወይሲ ***** ኔርዎ እዩ
    እቶም ከም ኣሞራ ነፊሮም ንታንኪ ብእምኒ ዝማርኹ፣ ኣብ ግምባሮም ዝውቅዑ ድኣ እንታይ ረኸቦም።ኣብ ባድመስ እባ ንዋርሳይ ኣቃሊዖም መዓኮሮም እዮም ተሃሪሞም ፧ ወይሲ እቲ ግምባሮም ናብ ምዓኮሮም ተቐይሩ፧ንዋርሳይ ከይስቀል ብሰለፍ ጠበንጃ እንዳውረዱ ንበይኖም በተን ካብኦም ዝጋሕተና ኣይፋ ማካይኖም ተሰቒሎም ዓትዓዚሮም።ሸፋቱ ከለዉ እውን ብዕልግና ስለ ዘይበትከሎም ዝነበረ ኣብ በትኽስያንን መስጊድን ሓሪኦም ወያነ ጌሮሞ ኢሎም ከጸልሙ ዋርሳያት ርእዮሞም እኮ እዮም።ንሞራሉ ዝወደቐን ብመንግስቱ ሃይለማርያም ተቐቲሉን ተዳሂሉን ሬሳ ዝኾነ የማናይ እግሩ ካብታ ጸጋመይቲ ዘይፈሊ ከምባታን ኦሮሞን ቀቲሎም፣ነቶም ብሓይሊ ዝወሰድዎም ምስ ኣሕረድዎም__ዳሕራይ ናደው ይመስክር ዶ ኣብ ግብሪ ደቀምሓረ ብቐትሪ ዝብል ባዶ ጭርሖታት__ንኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ ብዝሰኸረ ህበይ ዝግጠም ሽጣርኦም__ነቶም ስዉኣት (ኣብቲ ጁቡኦም ግዲ ተሰዊኦም)__ካብቲ ኣዝማዱ ዝሓረድዎን ዘሕረድዎን ዕደ ህዝቢ ዶላራትን ብርን ይእክቡ።
    ኤርትራዊት ኣደ እቲ ቃልሲ __ብ ኢሳያስ ብድሕሪ ናጽነት(ባርነት) እዩ ተጨውዩ እንተበሉኺ__ከይትኣምኒ።ነቲ ሀገረ ሰብ ዝቕመጥ ህዝብና ትርኢቱ እናርኣዩ፣ብለይቲ እናጨወዩ__እናሓረዱ እዮም መጺኦም።ደርጊ ዓሻ ግን ድርባይ ስለ ዝነበረ ተጻዊቶሙሉ__ኣሽኪዖሞ።
    ኤርትራዊት ኣደ ብደም ደቅሒ ዝነግዱ ወረበላታት__ነቲ ውላድኪ ዝገበርዎ ቅያ ንሶም ኣብ ድሕሪ ዓቢ እምኒ እናተሓብኡ ነብሶም ኣውጺኦም__ነቲ ብግርህና ሃገራዊ ሕቶ ዝሓተተ ግን ሳሕል ውረድ ኢሎም ኣብ መገዲ ጸኒሖም ዝረሸንዎ___ተመሊሶም __ጅግና ወድኺ እናበሉ ክንደይ ሳዕ ከላግጹልኪ እዮም።ኢሳያስ ጥራይ እዩ እቲ ሽግር ኢሎም ተቓወምቲ እንተታለሉኺ ኣይትእመንዮም። ናይ ሕማም ኤይድስ ጸገሙ ስለ ዘቕጥነካ ጥራይ ኣይኮነን__ብኹሉ ሸነኻቱ ቀታሊ እዩ። እዞም ማይ ሰትዮም ዘይዋግኡ__ኣብ ሜዳ ሰራየ ክልተ ወርሒ ወት ሃደራት ኢትዮጵያ ጠጠው ኣቢሉ ብዘዳኸመሎም___ከም ኣየር ዝውርወሩ ኮማንድስን_፡ብትር ኢቶም ጥራይ ዘሕርኡኻ ጦርሰራዊት__ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅጫን ማይን ሰትያ ዘጥፍኣቶ ሓይሊ፣ውግእ ክ ውዳእ ዓሰርተ ደቒቕ ክተርፎ ከሎ ዝ ሃደመ ታንክ እናዓገቱ ጅግንነት ናይ ሰብ መምርሒ __ንሶም ከም ዝውዓልዎ ጌሮም ዕዋላ ዝኾነ ጠባያት ንህዝቢ ኣታሊሎም እዮም ።ማይ ሰትዮም፣ጠጠው ዝበለት ሰስሓ እኳ ከም ዘይጭምቱ___በረኻ ምዓልዲ ትመስክር።
    ንህዝብና ኣስላማይን ክርስትያንን__ቶርዓን ጸንዓድግለን__ካርነሽመታይን ድምበዛናይን___ወዲ ባሕርን ወዲ ምድርን እንዳበሉ _፡__መርዚ እናተፍኡ ዝመጹ ምድሓን ኣይትጸበ። ጅግንነት ኣብ ገጾም እንተዝሃርሞም እውን ኣይመለለይዎን ።ነቶም ሓደ በላዕቲ እንቋቝሖ እናበሉ ንሶም ግን በላዕቲ ቆለውዕን_፡ክብረት ኣቦን___ልቢ ወላዲትን ዝሰርቁ ሸፋቱ__ተሰዊእናልካ ኢሎም ኢከየታልሉኻ።ማንም ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ በርቲዕዎን__እንጀራ ገዛ ውሒድዎን፣ ካብ ሓረስታይ መንዚዑ ዝበልዔ ወራዳ__ሕድሪ ስዉኣት ኢሉ ከየታልለካ።ሕድሪ ሕሩዳት እንተበሎም ይሓይሽ።ንዝተማህረ ሓይሊ ኮነ ኢልካ ንሓደ ብርጌድ ደርጊ ዓሰርተ ምሁራት ጥራይ እናህደምካ ደንቆሮ ጨጓር ዳንጋ ሒዞም ዝኣተዉ፣ ሕጂ´ውን ላዕላይ ዩኒቨርሲቲ ከይምሃር__ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ምዕባለ ዛባ ሒዞም የደንቍርዎ ኣለዉ። ክሳዕ ምዓስ እዮም እዞም ደቀይ ዝበልካዮም ግን ደቂሕድርትና ዝኾኑ ወረበላታት ሸፋቱ ከታልሉኻ፧ ክሳዕ ምዓስ እዮም ኣብ ክንዲ ብርእስኻ ብልብኻ (ብስምዒት) ጥራይ እናሓሰብካ ክጻወቱልካ ተፍቅደሎም።እቶም ዝጠፍኡ ደቅኻ ንብላሽ ጠፊኦም ኣለዉ፣ ነዚ ዘልኣለማዊ ስቓይ ከብቅዕ እንድሕር ኮይኑ__ከምቲ ኣምሓሩ ዘልዎ ¨መልከ ጥፉ በስም ይደግፉ¨__ነቲ ግሃነም እሳት ከም ሰማይ ጌሮም እናቕረቡ __ነቲ ንብላሽ ምማት ምስዋእ እንዳበሉ ኣብ ሬሳ ደቅኻ ክሸኑ ከተፍቅደሎም።
    እዚኦም ኣየድሕኑኻን እዮም።ንስኻ ኣብቲ ኣጄንድኦም ኣይነበርካን___ንሽፍታ ፣ሽፍታ ከይበልካዮ__ቀዳማይ ጸላእትኻ ከየለለኻ__መፍትሒ ኣይክትረክብን ኢኻ።
    እዚ ወድሓንካ___ልቢ ይሃብካ።እምበር ኣነስ ኣሜሪካ እየ ዘለኹ።ኣጄንዳይ ንዓኻ ንምድሓን እዩ።ቆንጠጠፈ እናሓቖፍካ ግን ብሰላም ምድቃስ የለን።

    ሸፋቱ ሽሕ ሞት ይሙቱ።
    ህዝቢ ኤርትራ ንዘል ኣለም ብታሕጓስ ይንበር ።

    • 2AY Amr May 17, 2013

      You are a very strange person. I don’t know why Emmanuel Iyassu is allowing you to insult Eritrea and Eritreans.

      • NEW HOPE ERITREA May 18, 2013

        2AY Amir ,

        I believe it is because AMANUEL IYASSU fought with principle …not only to liberate the land…HE FOUGHT SO THAT RUDE PEOPLE LIKE ME CAN EXPRESS THEIR OUTRAGEOUS TRUTHFUL OPINION.
        Yes I am very strange person..thank you..I guess one sane operson among 99 lunatics who believe rape ,murder,extreme imprisonement is worth fighting for.
        I believe Amanuel Iyassu did not see openely happenning in his time as a hero..HE IS A HERO because he fights for peope.
        Amanuel can differentiate crime from decent living.
        Hawka

        • Salim May 19, 2013

          Tigray is gradually turning into yedebub hzboch. Too many Tigrayan women ( Tigray is the country of agew people ) are getting illegitimate children from soldiers based in Tigray.

    • Salim May 17, 2013

      “ኤርትራዊት ኣደ__እቲ ኣብ ካይሮ ተማሂዙ፣ ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ዝዓበየ__ሓሳዊ ታሪኽን፣ሓሳዊ ቃልስን፣ሓሳዊ መንነትን፣ሓሳዊ ነጻነት ”

      Why don’t you kill yourself Mr Tigraway?

  • Truly truly i say to you May 17, 2013

    To be honest NEW HOPE ERITREA, despite i know him when writing in countless different names and despite i know somehow he has a Tigray sentiment and because of that his motives it threatens me somehow, i would say i never hate his writings, oppositely even i enjoy it and most time even it makes me laugh the way he articulating matter. Specially when i read his comment above,¨ንኸልቢ ባህልቢ ስለ ዝሰየምካዮ ናብ ሰብ ኣይቅየርን¨ from joy when i laughing my tear was dropping. This guy has a good humor!

    • NEW HOPE ERITREA May 17, 2013

      Truly Truly,

      If Tigrai sentiment is to save Eritrean lives & pointing him out his enemies so that he/she can live peacefully as opposed to piecefully guilty as charged.
      I believe Eritrea is a country ,No more going back to ¨backward¨Ethiopia &Eritrean people need to live peacefully along side their neighbours..and think of production than destruction…I guess you are right I sound like Tigrai.
      God ,let me come back to my Eritrean roots.
      ነዘን ዓጋመ ኢደን ጠዊና እኮ ኢና ነጻነትና ኣፈሪምናየን።ወጋሕ ትበል ለይቲ__እምባሕ በል ወዲ ኤረ____ኣብርሃን ኣጽብሃን_፡ዘርኣይደረስን ኩሎም ኣምሓሩ እዮም ኔሮም።
      እዋይ ሕጂ እኳ ናብ ልበይ ተመሊሰ__ስቕ ኢልካ ዘየድሊ ሓቅነት እናምጻእኩ ትግራዋይ ምዃን ክ።ገድፎ ኣለኒ።

    • Salim May 17, 2013

      Truly=New Hope= nnebsu baElu ne’adi

  • ahmed saleh May 17, 2013

    NEW HOPE ERITREA
    Disguising in names makes us confuse to figure out your intention . By know I believe I know who you are .
    And I wish if you can control your emotions and proceed as you used to be to teach others especially the
    youngsters .
    Our struggle never been FAKE . In fact it was based in principle and belief to safeguard Eritrean people
    from outsiders . The ones who hijacked the purpose of Eritreans are higher up individuals . They betray
    their own martyred , disabled and those survived comrades . My point is do not let our people’s heroic
    past history get diminished because of our bad apple evils . Stay strong and proud .

    • NEW HOPE ERITREA May 17, 2013

      Respected Ahmed,

      When the struggle started ..it had a legitimate right´s cause ..I supported it & as I have stated in my past ¨lessons¨ until about 1978 the ELF stand & Policy has been just..because people voluntarily joined it…While EPLF has always been a bandit since inception ELF turned in to bandit by starting forcible conscript because Eritreans said enough..we do not need this crap.Saw the destructive Jebha ShaIbiya mantra & surrendered in drones to the govt. in Asmara.
      After that almost all recruits have been snatched from their mother´s lap & farming areas..they never volunteered to be murdered in the bandit´s war.
      I am teaching the new generation the true history..that should not make them look for another identity..but know they have been dupped by war lords & need to know the truth of the nature of the beast.
      I completely & politely disagree with the ¨it is only small bad apples¨reasonning.
      Men who fought for ¨freedom¨need to free the men & women being raped in the trenches & sinai…Those of us who never wanted war ..but just wanted to live in our land & get married & raise our children have always been intelligent ¨cowards¨but even a 60 year old ex tegadalay needs to go finish what he /she started.I have always informed when I chanfged my unpleasant pen names & my message has been the same.¨The incovenient truth.¨

      I teach what I believe.

      peace

      • Tamrat Tamrat May 18, 2013

        Since 1978 upto now the war turned to serv the big elephants the west and their rivals. The worst what happened at that time the elit Eritrean children both derg members and eplf/elf children used to send their children to russia for higer education. Guess what the majority of eritreans suffered by the guns pouring to derg while the elits got eritrean Passport in russia. Anybody who said he or she was an eritrean got the Passport. How come russia did this dobule standard? The answer is why not. In russia Parliament they discuss how to make hospitals and roads for russia and how to feed those gigantic Project With enough resorces.

        The russian were asked how did they do such irrsponsible act? You support derg (derg was boycotted by the west so it had to buy weapons only from russia) by all sorts of weapon. Their answer both shabia/woyane and derg are socialist and we the russians have a duty to support all socialists regardless the situation is.

    • Salim May 17, 2013

      Stay strong and proud !!!!

      • Salim May 17, 2013

        ” Stay strong and proud ” is an evidence that Ahmed Saleh,Truly and New Hope are the same person.

        • ahmed saleh May 18, 2013

          Yes , we have been in this forum for so long . And we agree to disagree with respect on each other .
          Do not forget , we are victims of distress because of the evils inside the country .

  • kemal May 17, 2013

    Good points Ustaz Estifanos Temelso.Keep the good inspirational and educational works. Thank you.

  • The candid true May 17, 2013

    To New Hope Eritrea
    Boy what can I say! You’re a fearless brilliant guy. Some of your comments which is loaded with very important message reminded me one of the songs in Mengestu era which started with Zeraf…Zraf..Yematireba fiel zetegn tewoldalech Ensom Yalkalu Esuam Temotalech. A useless goat gives birth to nine offsprings they all perish including the mother. It really describes what these mafias have brought to the nation Eritrea. It’s amazing how the artist of the Zeraf was far visioned a knew the plague that the shifta in Sahell were upto. Thank you New Hope Eritrea

    • NEW HOPE ERITREA May 18, 2013

      The candid true,

      I lost my uncles & aunties from dimbezan ,on my father side….and lost countless on my mom side from guHChAA.I do not want anymore death for nothing…the Afar & Kunama..I may consider him faceless (due to minor exposure to their culture) is a million to his mom & dad.
      The candid true…when people think I am Ethiopian from Meqele or Adwa…I feel insulted like Eritrean..not because I am ashamed of our ancestors to the south..,far from that..but for Eritrean to be farsighted & brilliant like me has to be from Tigray..is to consider us, Eritreans as having “HERD MENTALITY”…Thank you for standing up for our people…Let 1000 bandits die for one Eritrean.

      -Long Live eritrean People
      – Death to bandits & oppressors of the Eritrean people

  • semie belay May 17, 2013

    nhzbawi ginbar ganhoy mis mirabawian, dergi mis sovetawian,weyane kea mis leaktun weytotat korakurun fetinu alash ilu kea tesearu eyu .hiji woytotat weyane teakibkum kea=0 hamema intebzhus mekombiya ney keftu?

POST A COMMENT