Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስና ሰኣን ሓድሽ ደም ሓንከስከስ ይብል ኣሎ!

ህግደፍ በቲ መደናገርን ልዑል ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎን ኢሳያስ እናተመርሐ፡ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ማፊያዊ ጕጅለ ካብ ዝቕየር ንነጀው፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባሽ ክሳብ 1997 ናብ መንግስቲ ገጹ

ህግደፍ በቲ መደናገርን ልዑል ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎን ኢሳያስ እናተመርሐ፡ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ማፊያዊ ጕጅለ ካብ ዝቕየር ንነጀው፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባሽ ክሳብ 1997 ናብ መንግስቲ ገጹ ክሰጋገር ዝኽእል ውድብ ነይሩ ክንብሎ የምሕረልና ይኸውን። ኢሳያስን ጕጅለኡን ግን ነዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉን ክንዮኡን ክኸዱ ድሮ ኣቐዲሞም ወዲኦሞ’ዮም ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኢዶም ብምእታው ንህዝቢ ኤርትራ ከም ድላዮም ክጠውዩዎን ቸይ ቸይ ክብሉሉን ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ህዝቢ ፈትዩ ዘይኮነ ኣብ ዝኣትዎ ስለ ዝጨነቖ ትም ክብል ተገዲዱ ኣሎ። ደፊሩ እንተ ተባህለ ካብ ምሕማይ ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን። ህዝቢ እቶም ዝኣመኖም ደቁ እንተ ጠሊሞሞ እንታይ ክገብር ይኽእል። ገለ ሰባት፡ እኳ ደኣ ካድራት ዝብሃሉ፡ “ህዝቢ ሰኒፉ” ክብሉ ክሰምዕ ከለኹ ኣመና’ዩ ዝድንጽወኒ። ህዝቢ ደኣ’ሞ መን ምስ ወደቦን ምስ ኣዕጠቖን’ዩ ክቃለስ? እቲ ክቃለስ ዝኽእል መንእሰይ’ዩ ነይሩ። ግንከ፡ እቶም ክውድቡን ክመርሑን ዝኽእሉ ካድራት ደድሕሪ ውልቃዊ ጥቕሞም ክጐዓዙ እናረኣዮም ከሎ ብኸመይ መንገዲ ክቃለስ ይኽእል? ኣሰሩ ብምኽታል ውልቃዊ ጥቕሞም ከናድዩ ግድነት ይኾኖም። ሃገር ሓራ ከውጽእ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ኣዒንቱ እናረኣየ፡ ኣእዛኑ እናሰምዐ፡ “ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ፡ ድምጺ ሓፋሽ ከምዚ ደጊማ፡ ኣብ ቲቪ ዘወጽአ መግለጺ ርኢኻዮዶ?” ክብል ዝውዕል እንተ ኾይኑ፡ ኣቲ ክቃለስ ዝኽእል ሰብ ቅስሙ ይስበር። ኣብ ከምዚ ኵነታት ይትረፍ ንሓደ ሓያል ጭፍራ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ውልቀምልካዊ፡ ንሓደ ተራ ማሕበር ዕቍብ ክትብድሆ’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ድማ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ንበይኑ ዘይኮነ ኵሉ ሰብ ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎ ክፍለጥ ይግብኦ። ምኽንያቱ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ቀቢርካ፡ “ኣነ’ሞ እንታይ እፈልጥ?” ዝብሃል ዘረባ ቦታ የብሉን። ነዚ ገዲፍና ግን ሕጂ እንታይ ይገበር? ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝሓሸ’ዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ ጸገም ኣለዎ እስኪ ንበል። ምኽንያቱ ነቕ እንተ ኢሉ ኣጫፈርቲ ኢሳያስ ብጥይት ስለ ዝኣትዉዎ። ንስንኵላን ዘየናሕሰየ ስርዓት ንመን ከናሕስየሉ ንጽበ! ናይ ቃልሲ ምስ እነልዕል፡ “ህግሓኤ እንታይ ኣዕዊቱዎ?” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ቀሊል መልሲ ንረክብ። እተን ዝቃወማኦ ዝነበራ ውድባት ጀብሃ ኣብ ክንዲ ዝሓብራ ኣብ ነንሕድሕደን ክናቘታ ከለዋ፡ ህግሓኤ ግን ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላእን ኣንጻረንን ብምቅላስ ክዕወትን ክኢሉ። ሽዑ ህግሓኤ ንደርግ ዝኣክል ሓይሊዩ ዝምክት ነይሩ። እዚ ድማ ውሕልነት ብዝጐድሎ ቃልሲ ዝከኣል ኣይነበረን። ሽዑ ተቓወምቲ ውድባት ክዕወታሉ ኣይከኣላን። ናይ ሽዑስ ደሓን ሃገር ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ስለ ዝነበረት ኣየጕህን ይኸውን። ሕጂ ግን ስለምንታይ ታሪኽ ክድገም ነፍቅድ ኣለና? ህግደፍ ከም ናይ ህግሓኤ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣመና ብውሽጣዊ ግርጭት ቦኽቢዅ  ዘሎ ስርዓት’ዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳይ ኣዝዩ ተዳኺሙ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ፡ ወላ እቶም ናተይ ዝብሎም ደገፍቱ ክጠልሙዎ ይረኣዩ ኣለዉ። ኢሳያስ ይኹን ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ዓበይቲ ጌጋታት፡ ነቲ ስርዓት መመሊሱ ናብ ዓዘቕቲ የእትዎን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይንጽሎን ከም ዘሎ ብጋህዲ ንዕዘብ ኣሎና። መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ግን ይትረፍ ተበግሶ ወሲዶም ብንጥፈት ክቃለሱ ከም መልሰ ተግባር’ውን ነዚ ድኽመቱ እዚ ክምዝምዙዎ ብቕዓት ኣየርኣዩን። ብኸመይ ከርክቡሉ! ዝሕሰብ ኣይኮነን! በንጻሩ ኢሳያስ ነቲ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓበይቲ ናይ ቃልሲ ጕድለታት ብምዕዛብ ብዀራርምቱ ይስሕቕ ኣሎ።

ብሰንኪ ጕድለት (ሰውራውያን) መራሕትና፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ከድምዕ ዝኽእል ክነሱ፡ ሰኣን ግቡእ ውዳቤ ከም ማኣዶ ኣብ ፈቐዶኡ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ካብ ብዛዕባ ሃገር፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ናብራኡ ክናቘት ይውዕል ኣሎ። እቲ ነፊዑ ብዛዕባ ሃገር ይነጥፍዩ ዝብሃል ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ዝጽመድ፡ “እከለ ውድብ ከምዚ ገበረ፡ ከምዚ ፈጠረ” እናበለ ንቐዳማይ ጽላኢኡ ረሲዑ ኣብ ካልኣዊ ወይ ሳልሳይ ዝስራዕ ቀንጠመንጢ ሌፍ ክብል ይውዕል። ኣብዚ ግዜዚ ልዕሊ 13 ውድባትን ካብኣተን ዝተዓጻጸፋ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣለዋ። እንታይ እየን ዝሰርሓ ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል ግን “ኣብ ነንሕድሕደን ይተሓናፈጣ” ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። ብወገነይ፡ “መራሕቲ ናይዘን ውድባት’ዚኣተን ንሃገር ነጻ ናይ ምውጻእ ዕላማ ዘለዎምን፡ ብህዝብን ሃገርን ዝግደሱን እንተ ዝኾኑ፡ ኣብ ክንዲ ነንበይኖም ተፈናጪሎም ክቃለሱ ዝፍትኑ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱን፡ ኣነ እበልጽ ኣነባ እበልጽ ብምባል እናተፈኻኸሩን ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ኰለል ክብሉ ዝነብሩ፡ ብሓደ ስሙር ግንባር ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ተጠርኒፎም ኣብ ሓጺር ግዜ ኣድማዒ ውጽኢት ምተጐናጸፉ ነይሮም፡” ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ምኽንያቱ እዚ ንሰምዖ ዘለና ወግዓውን ዘይወግዓውን ዜናታት ልክዕ ከምዚ ናይ ዘበነ ክፍልታት ዝነበረ መን ዝያዳ መናብር ወይ ድምጺ ሓዘ ዝዓይነቱ ኵነታት’ዩ። ኣብ ወጻኢ ነዊሕ ምንባር መጋገዪ ስለ ዝኾነ፡ መራሕቲ ናይ ደምበ ተቓውሞ፡ ጕዳይ ቃልሲ ረሲዖም ኣብ ጕዳይ ስልጣንን ገንዘብን፡ ስሞም ምዕባይን ዘድሃቡ ይመስሉ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ብሰንኪ ሽምግልናኦም፡ ይትረፍ ሃገር ክመርሑ፡ ንምስክርነት’ውን ዘይበቕዑ ኮይኖም ኣለዉ። ምናልባሽ ንዝተባኣሱ ሰብኣይን ሰበይትን ክዓርቁ ይኽእሉ ይኾኑ።

ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ንኢሳያስ፡ “ነዊሕ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፡ ዲክታተር ኮይኑ፡ ቅዋም ኣይተግበረን፡ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኣብዩ፡”  ወዘተ ኢሎም ዝኸሱዎ፡ መጀመርያ ንሳቶም ብሕግን ብደሞክራስን ይመርሑ፡ ስልጣን ድማ ናብ ህዝቢ የረክቡ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ሃገር ክዛረቡን ምኽሮም ክልግሱን ምኸኣሉ። ብሰንኪ ግጉይ ኣመራርሓኦም ድማ ብዙሕ ሰብ ክውደብን ክቃለስን ጸጊሙዎ ኣሎ። ሎሚ ሃገር ሓድሽ ደም የድልያ ኣሎ። ኣዞም መንእሰያት ዝገብሩዎ ዘለዉ ምውድዳባት ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ምስ ኵነታት ኤውሮጳ ዝጋጮ ጐነጽ ክጥቀሙ ኸለዉ ክጥንቀቑ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ካብኡ በለ ግን መዋእል ጀብሃን ሻዕብያን ኣብቂዑ ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም ብናይ ትማሊ ዝሓስቡ፡ ነይረ ጥራይ ዝብሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ስልጣን ምምጥጣር፡ ስልጣን ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዝሓስብ መንእሰይ ኣረኪቦም ከም ኣቦታት ወይ ዓበይቲ ዓዲ መጠን ኣማኸርቲ ክኾኑ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ሓድሽ እንጌራ ከሎ ዝዓሰወ እንጌራ ደጊም ዘድሊ ኣይመስለንን። ኤርትራ ሃገርና ዕድለኛ እንተ ኾይና፡ እቶም ምሁራትን እቶም ዓበይቲ ዓድን ኢድን ጓንትን ብምኻን ነዞም መንእሰያት ከተባብዑዎምን፡ ሃገር ክመርሑ ክምርቑዎምንዮም ኣለዎም። ኣይፋልና በዚ ዘለናዮ ኣገባብ ኢና ንቕጽል እንተ በሉ ግን ኢሳያስ ገና ቈርበትና ቀሊጡ ከም ሳእኒ እግሩ ክረግጸና ምዃኑን፡ ነዚ ሕጂ ነሕልፎ ዘለና ህይወት ድማ “ቀደም ጥዑም ነይሩ” ብምባል ከም ንንእዶ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና

ዘመን ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • habrom koreda February 13, 2012

    Good job brother ,that is right hundred thousand time.becouse those people the same like issayas nothing d/nt .the only thing they did not got a chance to maniplute us.we tired off them.

  • Justice February 13, 2012

    Zemen:
    Keep writiing your nice points. Ab godinika alona

Post a Reply to Justice Cancel Reply