Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ቃልስና ረብሓ ህዝቢታት ኤርትራ ምውሓስ እዩ” ዶ/ር ጽጋብ ገብረሂወት

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፡ ዶክተር ጽጋብ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ (ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣሜሪካ) ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ከም ንጡፍ ኣባል፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 6 ወርሓት ኸኣ ከም ኣቦ ወንበር  ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ እዩ። ንሱ ስምረት ኤርትራውያን

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፡ ዶክተር ጽጋብ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ (ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣሜሪካ) ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ከም ንጡፍ ኣባል፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 6 ወርሓት ኸኣ ከም ኣቦ ወንበር  ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ እዩ። ንሱ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ዘሳላሰሎም ንጥፈታትን መጻኢ መደባትን ኣመልኪቱ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርና መብራህርሂ ክህበና ተወኪስናዮ ኣሎና። እዚ ትሕዝቶ ቃለመጠይቕ፡ ዶክተር ጽጋብ፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ንዝብል ሕቶ ብዝሃቦ መልሲ ክንፍልሞ ኢና፡ ሰናይ ንባብ፡ –

ብ ቴድሮስ መንግስቱ

ጽጋብ፡  ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ክንግምግም እንተዀይ፡ ዝተበገሰሎም ዕላማ ወቒዕዎም ዶ? ኣብ ጐደና ዓውት ይምርሽ ዶ ኣሎ? ዝወጠኖም መደባት የተግብሮም ዶ ኣሎ? ዝብሉን ካለኦትን ሕቶታት ብወኣውንታ እንተ ተመሊሶም እወ ክንብል ንኽእል። እቲ መልሲ ኣይፋል ዝብል እንተዀይኑ ግና፡ ገና ክስተኻኸሉ ወይ ክስርሑ ዝግብኦም ነገራት ከምዘለዉ የርእየካ።

ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ብቦርድ ደረጃ ኣኼባታት ኣካይድና፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 6 ወርሓት ብምንቅስቓስ ደረጃ ብዙሕ ከምዘየድማዕና ገምጊምና። ናይ’ቲ ድኻምና ቀንዲ ምኽንያት ኸኣ፡ ዘቘምናየን ክፍልታት ብሰንኪ ዋሕዲ ሰብ ከም’ቲ ዝግባእ ኣየድምዓን። ብዘይክኡ፡ ኣብ’ቶም ዝወጠናዮም መደባት ኣተኵርና ዘይምስራሕ’ውን ከምጉድለት ርኢናዮ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብደገ ብዝመጹ ዛዕባታትን ጉዳያትን ክንጽመድ ከም ዝጸናሓን ርኢና። ብደረጃ ምንቅስቓስ ዝጸንሑ ጽምዶታት ኰነ፡ ኣባላትና ብውልቂ ኣብ ከከባቢኦም ኣንጻር ስርዓት ኢሰይያስ ዝካየድ ሃገራዊ ቃልሲ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ገምጊምና። ኣባላትና ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ኣብ ኩሉ ከተማታት ዓለም ዝካይድ ዘሎ፡ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ህዝባዊ ኣኼባትት ኰነ ካልእ ስርሓት ምስ ካለኦት ደለይቲ ፍትሒ ተረዳዲኦም ኣወንታዊ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ይዋጽኡ ኣለዉ። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማታት ዓለም፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ዝምዝገብ ዘሎ ሓፈሻዊ ዓወታት፡ ስርዓት ኢሰይያስ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዘቃልጥፉ ብሙዃኑ ምንቅስቓስና ብዕላማ ዝሰርሓሎም ዕማማት እዮም። ነዚ ኩነታት ዝፈጠሩ ካለኦት ኩነታት ከምዘለዉ’ውን ንኹላትና ግልጺ ይመስለኒ።

ሕቶ: ኣብዚ መፋርቕ ካብ ዘሰላሰልክሞም ቀንዲ ዕማማት እንታይ እዮም?

ጽጋብ፡ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ብዙሕ ኣይኰነን። ብመገዲ ጽሑፋት ፖለቲካዊ ጐስጓስ ኣካይዳና። ኣብ ዝተካየዱ ሃገራዊ ንጥፈታት እጃምና እንዳበርከትና ኢና። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ዝነኣድ ህዝባዊ ተሳታፍነት ንኽህልዎ ብዝከኣለና ጺዒርና ኢና። በዞም ኣብ ላምፓዱሳ ኢጣልያ ዝጠሓሉ ዜጋታትና ኸኣ ጨንፈርናን ኣባላትና ኣብ ዝርከብሉ ከተማታት ዓለም  ምስ ካለኦት ተሓባቢሮም ተበግሶ ወሲዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ክውድቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ክንሰርሓሉ ጸኒሕና። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝወረደ ሓደጋ’ውን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣጻራይት ኮሚተ ክትቀውም፡ ድሕነትን ጸጥታን ዜጋታትና ብዕቱብ ክስርሓሉ ከምኡ’ውን ናይ ሪሰትለመንት ዕድል ብዝሓሸ ክኽፈተሎም ዝጽውዕ ደብዳቤ ሊኢኽና። ክሰርሕሉ ምዃኖም’ውን ሓቢረሙና። ብምኽንያት መበል 12 ዓመት 18 መስከረም፡ ምስ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ኰይና ሓንቲ ዓውደ ኣዋርሕ ኣዳሊና ንህዝቢ ኣቕሪብና። ከም’ቲ ዝድለ ኣይተወዓወዐትን ኣይተዘርገሐትን ክትከውን ትኽእል እያ። ብህዝቢ ጽቡቅ ተቐባልነት ከምዝረኸበት ግና ኣረጋጊጽና ኢና። ብዙሓት ውልቀሰባት፡ ነቲ ተበግሶ ብምንኣድ፡ ዓመት ዓመት ክድገም ዘለዎ ስራሕ ርእይቶ ሂቦም እዮም። ኣብ’ዚ ብዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ከምኡ’ውን ብዮውሃንስን (ወዲ ወዲ ትካቦ) ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሓድነት ኣኼባታት፡ ኣባላትና ኣብ ምውህሃድ ይነጣጠፉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ሕቶ: ዶክቶር ተወልደ ኣብ ዘካየዶ ከተማታት፡ ኣባላትኩም ብዝለዓለ ይዋስኡ ከምዝውለዉ ገሊጽካ። ምስ ዕላማታት ... ሰሜን ኣሜሪካ ብኸመይ ተኣሳሲሩ?

ጽጋብ፡ ቀንዲ ዕላማታት ናይ ሰ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣሜሪካ፡ ስርዓት ህግደፍም ኣብ ውሽጢን ኣብ ግዳምን ምስዓር፡ እሱራት ምፍታሕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕን ንስደተኛታት ንምርዳእን እዩ።

እዚ ኸኣ ንጹር ዕላማ እዩ። ከም ምንቅስቓስ ደሞክራሲ ባህርያት እንዳተኸተልና እንዳዀስኰስናን፡ ቀዳምነት ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብምስራዕ፡ ነዘን ዝጠቐስክወን ዓላማታት ክፍጽሙ ምስ ዝንቀሳቐስ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ፡ ሓይሊ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንሓብርን ቁሩባት ኢና። ኣርማና ምንቅስቓስና ከምዝሕብሮ’ውን ሓድነት ናይ ኣጻብዕትና (ህዝብና ወይ ሓይሊታትና) ሓይሊ ምዃኑ እዩ።

ምስ’ዚ ኣተኣሳሲረ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ከም ምንቅስቓስ እቶም ነዚ ቃልሲ ንቕድሚት ንኸይሱግም ማሕልዀ ዝዀኑ፡ ጽባሕ ንጉሆ’ውን ንጸብኢ ጠንቂ ክዀኑ ዝኽእሉ ናይ ኣውራጃውነትን ሃይማኖትን ፍልልያት ከሎ ገና ክንዛተየሎምን መፍትሒ ከነናድየሎም ይግብኣና እዩ። ምንቅስቓስና ብትግርኛን ክርስትያን ዝተዓብለለ ዘይኰነ ንኩሉ ሕብረተሰብ ዝውክል፡ ዘሳትፍን ጥራይ ዘይኰነ ቃልስና ንረብሓ ህዝቢታት ኤርትራ ዘውሕስ ክኸውን ይግባእ። እዚ ነካይዶ ቓልሲ ክዕወት እንተዀይኑ፡ ህዝቢ ክስዕቦ ኣለዎ። ህዝቢ ክስዕቦ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ንህዝቢ ዝውክል ዕላማን ፍትሓዊን ደሞክራስያዊን ኣሰራርሓ ከነተኣታቱ ይግብኣና እዩ። ስለ’ዚ እዚ ጉዳይ እዚ’ውን ብዕቱብ ርኢና ንሰርሓሉ ጉዳይ እዩ። ዑደት ዶር. ተወልደ ኸኣ ሓድነት ሕዝቢ ንድሕነት ሃገር ዝብል ዕላማ ሒዙ ስለዝነብረን ዘሎን ምስ ዕላማታት ማሕበርና ዘተኣሳስሮዎ ረቋሒታት ኣለው። ዘበገስንዮም ዕላማ ክሳብ ዝዕወት ኸኣ ቃልስና ቀጻሊ እዩ።

ሕቶ: ምስ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዘተ ከምዘካየድኩምውን ይፍለጥ እዩ። ናይ ዘተኹም ቀንዲ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ነይሩ?

ጽጋብ፡ ብመጀመርታ ብወገና ምስ ካለኦት ናይ መንእሰያት ይኹኑ ኻለኦት ተቓለስቲ ሓይሊታት ተሓጋጊዝና ክንሰርሕን ክንሓብርን ብተመትከል ንሰርሓሉ ጉዳይ እዩ። ተጐጃጂልካ ኣብ ነንሕድሕድካ ዘተኰረ ጐናዊ ቃልሲ ምክያድ ንህዝብና ኣየርብሕን እዩ ዝብል እመንት ኣሎና። ምስ’ቶም ካባና ዝተፈልዩ ማለት፡ EYSC-Global: ብዝተተሓሓዘ ምስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ውጥሪ ስለዝነበረ፡ ብዙሕ ሰብ ኽኣ ምሳና (EYSC-NA) ዝቕጽል ዘሎ ይመስሎ ስለዝነበረ ከኽትም ደሊናዮ ነይርና። ስለ’ዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዝተረዳዳእናሉ ብመጀመርታ ኣብሞንጐ ክልቲአን ማሕበራት ሰናይ ዝምድና ምፍጣር እዩ። ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓብሪካ ምቅላስ፡ ዝምድና ንኽድልድል ናይ ሓባር ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ክትምስረት ዝብል እዩ። በዚ መሰረት ኸኣ ካብ ክልቴና ብዝተዋጽኡ ክልተ ጉጀለታት ዘተ ተጀሚሩ።

ሕቶ: ኣብ ኣብ .... ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንኽፍታሕ፡ እንታይ ተተግብረ ይሓይሽ ትብል?

ጽጋብ፡ ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺታት እቲ ሽግር ሕጂ’ውን ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እመነት ኣሎኒ። ብወገና ንኽራኸቡን ክዛተዩ ክንደፍእ ጸኒሕና። እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረ ዘይኰነ፡ ምንቅስቓስና ምስ ስመኤድሃ ኣብ ዝተዛተየሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ሻርሎት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ሰዲድና።

እቲ ንስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ክፍጠር ክዉን ዝገበረ ዕላማን ራኢን ኣኼባ ናይ ደብረዘይቲ ህያው ንምግባር፡ እቲ ብመንእሰያት ዝተዋህበ መደብን ለወባን ተኸቢሩ፡ ነቲ ሓሳብ ዝድግፉ ዛጊት ተጠርኒፎም ዘለዉ ኩሎም ናይ መንእሰያት ማሕበራትን ሓይልታትን ተራኺቦም ዝሰፍሐን ዝሓየለን ጥርናፈ ንኽንፈጥር ናይ ሓባር ጻዕርታት ከነካይድ ።

ህዝብን ሃገርን ከነድሕን እንተኰይና፡ ሓድነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝዓስሎ ሓይሊ ክንፈጥር እንተዀይና ንኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውክል መሪሕነትን ጥርናፈን ክንፈጥር ከምዘሎና ንርዳእ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ዝፍጠር ሓይሊ ነዚ ክውን ዝገብር ሜላ ከነተኣታቱ።

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቅርዓት ወጺኡ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ  ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ ደንበ ቃልሲ መንእሰያት ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ብዑምቈት ብምርዳእ፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ምፍትሑ ተራ ክህልዎ ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።

ስመኤለ-ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነመራሕቲን ወከልቲን ስመኤድሃ ብምዕዳም፡ ኣብ ዘተ ንኽኣትዉ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅስቓስ ዝተፈጥረ ጸገማት ከም ናትና ጸገም ብምርኣይ ንኽፍታሕ ጻዕሪታት ከነካይድ ጸኒሕና ኣሎና።

እዚ፡ ብወገና ኣብ ስመኤድሃ ዘለና ሰናይ ትምኒት ዘረጋግጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቶም ዘሎና ናይ መንእሰያት ማሕበራት፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲን ፍትሒ ዘለዉን ዘየለዉን ካለኦት ውድባት ኩሉና፡ ዓቕሚታትና ኣወሃሂድና፡ ሓይልና ህዝብን ሃገርን ንኸነድሕን እንተዀይና ስምረት ወሳኒ እዩ።

ሕቶ: እዚ ብደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ? እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?

ጽጋብ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ፖለቲካዊ ስርሓት፡ ሰለማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዝሓሸ ደረጃ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ይመስለኒ።

እቲ ኣብ ስደት ኰይንካ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብመጠኑ ኣንፈቱ እንዳ ሓዘ እዩ። ህዝቢ ደንበ  ህግደፍ እንዳ ገደፈ፡ ናብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ እንዳ ተጸንበረ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ዛጊት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ዝነኣድ ህዝባዊ ተሳታፍነትዝነበሮ እዩ። እቲ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዓዲ ጣልያን ዘጓነፈ ልዕሊ 350 ዜጋታትና ዝቐዘፈ ሓደጋ፡ ህዝብና ገና ጓሂኡን ቁጠዐኡን ኣብ ምግላጽ ይርከብ ኣሎ። ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያምን፡ ስነጥበባዊ ዮውያንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ)  ኸኣ፡ ነቲ ስቕታ መሪጹ ዝነበረ ህዝብና ብምብርባርን ብምጽላውን፡ ነዚ ቃልሲ ናህሪ እንዳ ወሰኽሉ እዮም።

ይኹን’ምበር፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝባውነት ለቢሱ ብዝተወደበ መልክዕ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽእናዮ ህዝባዊ መግለጺ ከምዝሓበርናዮ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘዐንብብ፡ ዝተፈላለዩ ዓቕምታት ኣካላት ሕብረተሰብና  ዘዋሃህድ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊጽና ነይርና። ሃገርን ህዝቢን ልዕሊ ኩሉ ብምስራዕ ፡ ብዕላማ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ  ውልቀሰባት፡ ማሕበራት፡ ተቓለስቲ ውድባትን ሓይሊታትን ሃገርና ሓቢርካ ምቅላስ የድሊ። ነዚ ንምትግባር ኸኣ ብሓቂ፡ ቅንዕናን ግልጹነትን እንዳ ተዘራረብካ ንዝነበሩ እንዳፍረስካ ዘይኰነ፡ እንዳሃነጽካ ወይ እንዳ ኣዕበኻ ምኻድ  የድሊ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ዘሎ ናይ ግዳም ሰብኣዊ፡ ቁጠባዊን ንዋታዊን ዓቕሚ ተዋሃሂዱ ናብ ውሽጢ ዝደፍኣሉ ኩነታት ክቀላጠፍ ይግባእ።

ሕቶ: ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርሲን ፍትሒን ዘሎኩም መርገጺ እንታይ እዩ?

ጽጋብ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብቦርድ ደረጃ ኣይተዛተናሉን። ናይ ውልቀይ ርእይቶ ክህብ እንተዀይነ፡ እቲ ኣብ ባይቶ ዝተፈጥረ ጸገም ንኹላትና ሃሳዪ እዩ። ባይቶ ከም’ቲ ዝግባእ ይሰርሕ ከምዘየልቦ ኸኣ ንኹላትና ርዱእ እዩ። ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ግና ዓቢ እዩ። ብፍላይ እቲ ስርዓት ወይ ኢሰይያስ ብናይ ጥዕናዊ ጸገም ገለ እንተዀይኑ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ምርግጋእን ሓድነት ኣብ ምዕቃብን ዓቢ እጃም ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል እመነት ኣሎኒ። እቲ ጉድለት ናይ ባይቶ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ኩሉና ንቃለስ ኣሎና ንብል ኣካላት ኰይኑ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ንነጣጠፍ ብዘይ ምህላውና የሰክፈኒ።

ሕቶ: ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ ከምዝገልጽ ዘይወግዓዊብዛዕባ  ጀመረ እንታይ  ሓበሬታ ኣሎ። ትብል?

ጽጋብ፡ ስርዓት ኢሰይያስ ስልጣን ዘናውሓሉን ረብሓ ዝረኽበሉን እንተዀይኑ ዘተ ከካይድ እዩ። ብደገ ካልእ መሲሉ ክቐርብ እንተፈተነ እዃ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕረቕ ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘይብሉ ግና ብዝተፈላለየ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ። እቲ ማፍያ ስርዓት ዘካይዶ ዝዀነ ይኹን ዘተ ኸኣ ንህዝቢ ኤርትራ የርብሕ እዩ ዝብል እመነት የብለይን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ምውጻእ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዝታይ ኣየድልየካን እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ኣብ ጐዳጉዲ ኣስፊርዎም ዘሎ ዜጋታትና ይፍትሓዮም። ንህዝብና ይሓሊ እንተዀይኑ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ህይወት መንእሰያትና ንዓሰርተ ዓመታት ዘርሞ ዘርሞ ጌርዎም ዘሎ ናብ ቤቶም ይምለሶም። ሓላዪ እንተዀይኑ ነቲ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሓሪምዎ ብሓለንጊ ጥምየትን ስደትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ርሓቦት ይሃቦም። ዝሓሊ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኣፈቐዶ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ ሬሳታቱ ምኣከበ። ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዝዋረዱ ዘለዉ ዜጋታቱ ምስተጣበቐ። እቲ ስርዓት ንረብሓ ህዝቢ ኢሉ ዝገብሮ ነገር የብሉን። ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኩሉ ነገር ካብ ምግባር ኣይክቑጠብን እዩ። ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ዘተ ሰላም ይታለለ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቶም ንፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ንቃለስ፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ዘሎና ዕቃበን ስክፍታን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ክንገልጽ ይግብኣና።

ካልእ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህግደፍ ካባይ ንላዕሊ ይፈልጦ ምዃኑ ይርዳእ እየ። ይኹን’ምበር ምስ ህግደፍ ዘተ ምክያድ፡ ንህዝቢን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘርብሕ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ውልቀመላኺ ኢሰይያስ፡ ንኢትዮጵያ ንኽመቓቕል ከይደቀሰ ዝሓድር እኵይ መራሒ ምዃኑ ተግባሩ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ምስላጥ ኣብይዎም’በር ንደምሂትን ካለኦት ተቓወምቲን ወተሃደራዊ ስልጠናን ዕጥቂን እንዳሃበ የዋፍሮም ኣሎ እዩ። ኣልሸባብ ሊኢኹ ንኣዲስ ኣበባ ሞቛዲሾ ክቕይራ ምህቃኑ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ምስ ሓደ ገበነኛን ግብረሽበራዊ ስርዓት ናይ ሰላም ዘተ ምክያድ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ የርብሕ እዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ሕቶ: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2014 ትብሎ ነገር እንተሎ?

ጽጋብ፡ ህዝብና ብሰንኪ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዚዩ መግለጺ ዘይርከቦ ዝሓመቐ ኩነታት ይርከብ ኣሎ። ብማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገም ይቕሎ፡ ብፖለቲካዊ ጸቕጢ ይንሳሓግ ኣሎ። ውልቀመላኺ ኢሰይያስ፡ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት፡ እንተስ ብሕማም፡ እንተስ ብሓደጋ ካብ’ዛ ዓለም ዝፍለየላ ነዊሕ ኣይኰነን። ቃልስታትና ብኡ መንጽር ክሕይል ይግብኦ።

ኩሉ ንገብሮ ቃልሲ ኣገባብ ኣቀላልሳና ብዘየገድስ ናብቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት እንተቕኒዒናዮ ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ደኣ እምበር ዝተዓናቐፍ ኣይምኾነን ዕምሪ እቲ እከይ ስርዓትውን ምሓጸረ እሞ 2014ን ኩላትና በዚ መንፈስ ክንቅበላ ተስፋ ይገብር። ህዝብና ኸኣ በዚ ዘሎ ኩነታት ሕልንኡ ከየዕርበ፡ ኣብ ኣብያተ ቤተክርስትያናት መሳጊድን ከምኡ’ውን ኣብ ኣዳራሻት ዘካይዶ ዘሎ ጸሎት፡ ዘተን ቃልሲን ክቕጽሎ ይላቦ።

በዚ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝተጠርፉን ዘይተጠርነፉን መንእሰያት ኣብ’ዚ ቃልሲ ክጽንበሩና ጻዉዒተይ የቕርብ። ንኹሉና ርሑስ ሓድሽ ዓመተ 2014 ይግበረልና።

ERITREAN YOUTH SOLIDARITY FOR CHANGE NORTH AMERICA (EYSC-NA)

EYSCNA@GMAIL.COM TEL 240-560-8826

12/31/2013::

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ER ITRAWIT January 9, 2014

    one of u said EYSNS Rocks other one said they are dead our hope is from inside guys to much names.

POST A COMMENT