Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልስናን ታሪኽናን በርኔንተ ኮይኑ ከይተርፍ (Lest Our Labour Come to Naught)

ቃልስናን ታሪኽናን በርኔንተ ኮይኑ ከይተርፍ (Lest Our Labour Come to Naught) ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣቦታትና ቀደም፡ ኩሉ እቲ ዝጸዓሩሉን ዝደኸሙሉን ተስፋ ዘንበሩሉን ዕማም ይኹን ዕላማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ትኪ ኪበንን ከሎ ኪርእዩ ከለዉ፡ ዓሕ! በርኔንተ፡ ማለት

ቃልስናን ታሪኽናን በርኔንተ ኮይኑ ከይተርፍ

(Lest Our Labour Come to Naught)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣቦታትና ቀደም፡ ኩሉ እቲ ዝጸዓሩሉን ዝደኸሙሉን ተስፋ ዘንበሩሉን ዕማም ይኹን ዕላማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ትኪ ኪበንን ከሎ ኪርእዩ ከለዉ፡ ዓሕ! በርኔንተ፡ ማለት ንብላሽ ደኺመ ይብሉ ነይሮም። እዛ በርኔንተ እትብል ቃል፡ ሽሕኳ ናይ ጣልያን ቃል እንተ ነበረት፡ በርኔንተ! ኪብሉ ኸለዉ ግን፡ እቲ ኣበሃህላ ነቲ ንብላሽ! ዚብል ቃል፡ ፍሉይ ሓይልን ስፍሓትን ትርጉምን ይህቦ ነይሩ አዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ማለት ሃገርና፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታውን ደማውን ቃልሲ፡ ናብቲ ቅድመ-ገድሊ ዝነበረ ግዜ ክትምለስ ቀሪባ ኣብ ዘላትሉ ኩነታት፡ ነቲ ኣሕ በርኔንተ ዚብል ናይ ብርቱዕ ጓህን ቅብጸትን ቃል ክንደግሞ ንግደድ ኣሎና። ነቶም ነዚ ቃልዚ ከይደገሙ ዝሓለፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ሰላም ይኹኖም!!

ኣብቲ ግዜቲ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ክትጽምበር ዝኸኣለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሚቝ ምትእስሳር ኣለዎ ብዚብል ርድኢትን፡ ኤርትራ ብቑጠባውን ፖለቲካውን መዳይ ርእሳ ከተመሓድር ኣይትኽእል እያ ብዚብል ግጉይ ግንዛበን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜዚ ድማ እቲ ፊልም ከም ብሓድሽ ብፍሉያት ተዋነይትን ሰብ ድራማን ኦርከስትራን ኣብ ናይ ህግደፍ ስቱድዮ ተሰሪሑን ተሰኒዑን ቀሪቡስ ርኢናዮ ድማ። ህዝቢ ንደመር ዚብል መዝሙር ከም ዚዝምር ተገይሩ፡ እታ ብመደብ ናብ ዑና እተቐየረት ኤርትራ ድማ ብቑጠባ ርእሳ ባዕላ ከተመሓድር ከም ዘይትኽእል ኮይና ቀሪባ። ካብዚ ዚዓብን ዝደምቕን ናይ ዕዳጋ ረክላም የልቦን!!

ሓደ እዋን፡ ብግዜ ጣልያን፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዕራዩን ካልእ ጥሪቱን ሸይጡ ንወዱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኺምሃር ይሰዶ። እቲ ውላድ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ኮይኑ ትምህርቱ ምስ ኣጠናቐቐ፡ ናብ ኣቦኡ ደብዳበ ይጽሕፍ፡ ከምዚ ዚብል፥ ከመይ ኣሎኻ ኣቦይ መዓረይ፡ ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ ወዘተ ወዘተ። ድሕሪ ገለ ናይ ሰላምታን ናፍቖትን ቃላት፡ እቲ ጽሑፍ ይቕጽል፥ ከምዚ ዚብል፥ ኣታ’ቦ፡ ኣነ ካብ ኩሉ ዝገረመንስ፡ እዛ ወርሒ ናይ ዓዲ ጣልያን እባ  ልክዕ ነታ ወርሒ ናይ ዓድና እያ እትመስል። ሽዑ ኣቦኡ ነዚ ምስ ኣንበበ፥ ኣሕ በርኔንተ! ቅርሸይ ንብላሽ፡ በለ ይብሃል።

ሓደ መራሒ፡ ናብቲ ንሰላሳ ዓመት እተቓለሶን ሃገሩ ዘብረሶን ምኩሕ ጸላኢን ደመኛን ዝቕመጠሉ ሃገር ብምኻድ፡ ኣብቲ ኣደራሽ መራሕቲ ብምእታው፥ ኣንቱም! ብርሑቕ ኢኹም ጸላእትና ትመስሉ ኔርኩም እምበር፡ ብቐረባስ እባ ከማና ኢኹም፡ ኢሉ ኪዛረብ ከሎ፡ ቀዳማይ ነዚ ዝንቡዕ ትዕዝብቲ ንኽርዳእ ሰላሳ ዓመታት ስለ ዝወሰደሉ፡ ካልኣይ ድማ ደም ኣማኢት ኣሽሓትን ብርሰት ሃገርን ሰለ ዘይገደሶ፡ ገለ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ለባማት ሰዓብቱ ብልቦም፡ ኣሕ! በርኔንተ ኢሎም ይኾኑ እዮም። ከምቲ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣቦ፡ ቅርሸይ ንብላሽ ዝበለ፡ ኣብዚ ግዜዚ ድማ፡ እቶም ለባማትን መስተውዓልትን ሓለይቲ ህዝቦምን ፈተውቲ ሃገሮምን፡ ቃልስናን ደምናን ደም ደቅናን ንብላሽ ከይዱ ከይበሉ ዚተርፉ ኣይመስለንን።

ኤርትራ፡ ናጻ ንኸውጽኣን ዶባታ ንኸረጋግጸላን ብማለት ደቃን ንብረታን ስድራቤታን ንመስዋእቲ ኣዳልያ ዝለኣኸቶ “ውላዳ”፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ቃልስን መስዋእትን ተመሊሱ፡ ”ወዮ ዶብ ደኣ ኣብ ካርታ እዩ ዚረኣየካ እምበር ለካ ኣብ ምድርስ ኩሉ ሓደ እዩ፡ ደሓር ከኣ ኩልና እባ ሓደ ኢና ወዘተ” ዚብል ዘስደምም ሓበሬታ ከቃልሕ ከሎ፡ ኤርትራ፡ ሓንቲ ክትብሎ እንተሎዋ ” በርኔንተ! መስዋእተይ ንብላሽ” ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ እትብሎ የብላን። ግን ከኣ፡ እዚ ጉዳይዚ በርኔንተ ኢልካ ጥራይ ዚሕለፍ ኣይኮነን። ነቲ ከቢድ መሰዋእትን ብርሰት ሃገርን እተኸፍሎ ቃልሲ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ናይ ሞት ሞት እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ንዕቀትን ሕስራንን፡ መጸናንዒ ዘይርከቦ ታሪኻዊ ውርደትን እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ንህልውና ሃገሩ ብዘለዎ ዓቕሚ ኪቃለስ ይግባእ።

እቲ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ፡ እቲ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንኤርትራ ዘድመየን ዘብረሰን ግን ከኣ ብዓወት እተዛዘመ ህዝባዊ ሰውራ፡ ተዋስኦ ወይ ድራማ ድዩ ነይሩ? ኣብ ምባል ትበጽሕ።  ዕላማኡ ደኣ እንታይ እዩ ነይሩ? ህዝቢ ድዩ ተዓሽዩ ወይ ተገሪሁ? እዚ ኹሉ ”ሽገይ ሃቡኒ” እዚ ኹሉ ”እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ” ”ወደባት ዓደይ ይረኣየኒሎ” ”እዛ ጉማየ …… ትመጽእ ኣላ ብለይቶ ከም ቀደማ”፡ እዚ ኹሉ ስደት፡ እዚ ኹሉ መስዋእቲ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ምድረበዳታት ምንክርታትን ኣብ ባሕርታት ምጥሓልን ወዘተ ኪርሳዕ ድዩ ተደልዩ? ህግደፍ ኩሉ ዚከኣሎ ስለ ዚመስሎ፡ ናይ ህዝባዊ ምርሳዕ ወይ ሓባራዊ ምርሳዕ (cultural or colletive dementia) መደብ ከይሃለዎ ኣይተርፍን እዩ።

ናይ ይሁዳ ምስዓም ብዚመስል ኣገባብ (kiss of death)፡ መራሒና ብምስዓምን ክምስምስ ብምባልን ኣፍልቡ ብምህራምን ነታ ደማ ዝጸንቀቐላን ዘብረሳን ሃገር ናብ ዕዳጋ ከውርዳ ዚዋገ ዘሎ ይመስል ኣሎ። ኤርትራ ነዚ መዓልት’ዚ ክትርእይ ኢላ ተፈጢራ እንተ ነይራ፡ ከይተፈጥረት ተሪፋ እንተ ትኸውን ምሓሻ ነይሩ!!

ወድሰብ ንነብሱ ባዕሉ ናጻ እንተ ዘይኣውጺኡዋ፡ ካልእ ሰብ ናጻ ከውጽኣ ኪጽበ የብሉን፡ ከመይሲ እቲ ናጻ ዘውጽእ ባዕሉ ናጻ ስለ ዘይወጸ፡ ናጽነት እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ። ንርእሱ ናጻ ዘይወጸ ”ተቓላሳይ” ድማ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተ ዘይሃሊዩዎ ንናጽነት ኪቃለስ ኢሉ ኣይብገስን እዩ። ሕሙም ሓኪም ኣብ መጥባሕቲ ኪቐትለካ ዘሎዎ ተኽእሎታት ብዙሕ እዩ። ንርእሱ ዘይሓወየ ሓኪም፡ ከመይ ገይሩ ንኻልእ ከሕዊ ይኽእል?

ሽሕኳ እቶም ሃንደስቲ ሻዕብያ ብሓፈሻ ጥዑያት እንተ ነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ተንኮለኛ ተሓቢኡ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ግን ብኣጋኡ ኪፈልጡ ኣይከኣሉን። ዕላማኦም ናጽነትን ራህዋን ሃገሮም ንምርግጋጽ ብምንባሩ፡ ነቲ ፍልይ ዝበለን ብርቅን ሕቡእን ባህርያት ሰባት ከስተብህሉሉን ኪጥንቀቑሉን እዋኑ ኾይኑ ኣይተሰመዖምን።

ሌባ ሌባ እናበልካ ንሓደ ሰራቒ ክትጎዮ ከሎኻ፡ ሓድ ሓደ ግዜ እቲ ሰራቒ ባዕሉ ብኻልእ መገዲ ተጠውዩ ወይ ኣሽኪዑ፡ ምሳኻ ተሓዊሱ፡ ሌባ ሌባ እናበለ ምሳኻ ይጎዪ እዩ። በቲ ጫውጫውታን ዕግርግርን ከተስተብህለሉ ስለ ዘይትኽእል ድማ፡ ሌባ ሌባ እናበለ ብምጭዳር ጥዑይ መሲሉ ምሳኻ ተጎዝጒዙ ከም ዘይተለልዮ ይገብር። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሰራቒ ኣበይ ከም ዝኣተወ ይጠፍኣካሞ፡ ነንሕድሕድካ ትጠማመት። እቲ ተንኮለኛ ሰራቒ ግን ኣብ መንጎኻ እዩ ዘሎ። ኪሰርቀካን ከጋግየካን ናብ ገደል ኪመርሓካን ድማ ስርሑን ሞያኡን እዩ።

ሓደሓደ ሰብ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደገኛ ተርእዮ ኣቕሊሉ ይርእዮ እዩ። ኣብ ታሪኽና ምልስ ኢልና ምስ እንርእይ ግን፡ ሃገርና ኤርትራ ዋና ከም ዘይብሉ ንብረት ካብ ገዛእቲ ናብ ገዛእቲ ክትሰጋገር ዘመናት ሓሊፉ እዩ። ቱርኪ ቅር እናበሎ ንጣልያን የቐብሎ፡ መነሊክ ንጣልያን ባሪኹ የቐብሎ፡ ጣልያን ደስ ከይበሎ ንእንግሊዝ የቐብሎ፡ እንግሊዝ ተቐቢሉ ብሽጣራ ንሃይለስላሴ የቐብሎ፡ ሃይለስላሴ ንደርጊ ገዲፉሉ ይኸይድ፡ ደርጊ ንህግደፍ ገዲፉሉ ይሃድም፡ ህግደፍ ድማ ተቐቢሉ ቲሮ ብምውቃዕ ነዛ መከረኛ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ጎል ከእትዋ ይፈታትን ኣሎ። ከምዚ ክትርእይ ከሎኻ፡ ስምዒት ሃገራውነትካ ብሓደ መዳይ ይመክኽ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ ይፈልሕን ይግንፍልን።

ስለዚ ንሃገርና ካብቶም ከም ኵዕሶ እተጻወቱላን፡ ኪጻወቱላ ዚደልዩን ጎረባብቲ ሃገራትን ባዕዳውያን ገዛእትን ከነድሕና እንተ ኾንና፡ ክንበራበር ይግበኣና። ነቲ ናብ ጀነቫ ምኻድ ተበግሶ፡ ከምቲ ኣብ 60ታት ናብ ሜዳ ዝኽየድ ዝነበረ ጌርና ክንቆጽሮ ይግበኣና። ሃገርና ካብ ጸወታ ቁማር ማፍያታትን ጠለምትን እነድሕነላ ግዜ ሕጂ እዩ (It is now or never)!!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Ginda August 22, 2018

    ካብ ከብሒ መዘክራት ኣሰና እተጠቅዑ ሓደ ርኢቶ፣ ”
    ነዚ ናይ ሎሚ ናይ መንእሰያት ኩነታት ካለኦት ክገልጽዎ እገድፎ:” ይብል። ስለዚ ኣብቲ ናይ ቀደም ሃጸይ ሃይለሰላሴን ናይ ሎምን ኩነታት እቲ ዓቢ ነጥቢ፥ እቲ ናይ በዓል ኣብ ናይ በዓል ተጋደልቲ ወለዶ ናይ ሱሳታትን ሰብዓታትን፣ ብተዛማዲ ዝለዓለ ናጽነት ኔርዎም። እዚ ናይ ምእካብ፣ ምንባብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምውጻእ፣ ፖሊስ ኤርትራ ድማ ኣብ ርእሲኡ፣ ተዳናጋጺ ኔሩ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ከምድላይካ ብዘይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ትዘውር። ኣብቲ ግዜቲ: ቀበሌ ምምሕዳር፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ከምዚ ናይ ገድልን ህግደፍን ጽዑቕ ስለያ፣ ሃገራዊ ግፋ፣ ቀለብ ብኩቦን፣ ሳዋ፣ ክረምታዊ ፣ማእቶት ኣይነበረን። ብመንጽር ስርዓት ናይ በዓል ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕብያን ህግደፍን፤ ምምሕዳር ሃጸይ ሃይለስላሴ ምስ ኩሉ ድኻማቱ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ዳርጋ “መንግስተ ሰማያት እዩ ኔሩ” እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብቲ ግዜ ኤለትሪክ፣ ማይ፣ ስራሕ ፋብሪካ ናይ መንግስቲ ብብዝሒ ኔሩ። ሎሚ ማይ፣ ኤለትሪክ ነዛ መብራህቲ ሉቸ የለን። ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ዝሰርሕን ዘስርሕን ፋብሪካ ወይ ኢንዳስትሪ ውን የልቦን፤ ብጀካ ባሮት ጊላ ሃገራዊ ባርነት። ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ኤርትራ መግቢ ፍረታት ናይ ጸባን ስጋን ውጽኢት ኤክስፖርት ትገብር ኔራ። ኤርትርውያን ደቀንስትዮ ብሃይሊ ባሮት ዓቢድ ናይ እስላማዊ ጂሃድ ኮይነን ኣይተሸጣን። ኤርትርውያን መንእሰያት ክርስትያን ስለዝኾኑ ብእስላማዊ ጂሃድ ኣብ ሊብያ ክሳዶም ኣይትቖርጸን፣ ኣይተሓርደን። ብተወሳኺ፣ ኣብ ምምሕዳር ሃጸይ ሃይለስላሴ፣ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራኒያ ወይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠለቐት ጃልባ ትኹን መርከብ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይበረትን። ኩሊቱ ጸላም ከብዱ ዓይኒ ብሌኑ ብሳሕሳሕ ዓረብ በድዊን ራሻይዳ እተመንዘዔ ኣይነበረን። ኤርትርዋያን ደቀንስትዮ ብደናቑር ዓረብ ሊብያ ግብጺ ሱዳን ኣይተደፍራን፤ ብወሲብ ኣይተገሳን። ኤርትራ ኣብ ፈቀድኡ እንትርፎ ውሑዳት ኣብ ሱዳን፣ “ፋብሪካ ስደተኛታት” ኣይነበረትን። ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዕስራን ሓሙሽተን ኣብይተ ማእሰርቲ ኔረን፣ ኣብ ናይ በዓል ተጋደልቲ ጅብሃን ሻዕብያ ህግደፍ ልዕሊ ሰለተ ሚእቲ ኣብያተ ማእሰርቲ መስሪቶም፣ ኣማኢት ኣሸሓት ኣሲሮም፣ ኣሰዲዶምን። ስለዚ ምምሕዳር ሃጸይ ሃይለስላሴ ምስ ኩሉ ድኻማቱ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ውጹዕን ጭፍሉቕን ወለዶ፣ ዳርጋ መንግስተ ሰማያት እዩ ኔሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።”

    • AHMED SALEH !!! August 22, 2018

      Mr ten nicknames
      Keep preaching for ANDNET .
      Sweet tongue but
      bitter heart .

      • Lilo August 23, 2018

        Keep bending for your garbage Arabic UNION and garbage Arabic flag day dreams. But, make sure while you keep bending you also keep washing your poor/nasty backside.

  • Habte August 23, 2018

    The Gedli generation have achieved a mission that the world thought was lmpossible_against all odds. With grit and termination they defeated the sly emperor and the fascist Mengistu despite the unimaginable material and moral support they got from their sponsors _ the Americans Germans, Cubans, Yemenis, Russians,just name it

    The bitter truth is they stood up to the occasion instead of finger pointing the generation before them and made Eritrea a reality hoping the next generation ,our youth, will safe guard it As they say the rest is history. It is not excusable to play victim and blame those who paid the ultimate price.

    • Dawit August 23, 2018

      Habte,
      Please enlighten us with your tremendous knowledge and past “quality Ghedli bush experience” what exactly your Ghedli generation supposedly have achieved a mission that the world thought was impossible – against all odds??? But make sure you are NOT hallucinating from your backsides!!! Furthermore, was it the Mars world that thought it was impossible, can’t you bloody achieve another miracle to save the poor sinking “independent nation” now then and so urgently???? Once you save the poor sick nation then your Mars history will always be intact/remembered, but please act fast!!!!

  • Habte August 23, 2018

    Pls. re_read termination as determination.

    Thanks.

  • Hagherawi August 23, 2018

    Dear Amanuel
    It’s indeed strange that you are not even trying to block the individuals who are using your website to insult visitors. When will you stop a guy called Tsehaye whose only activity is insulting people, their religion, ethnicity, culture ..etc.
    Is it because you think insulting, Saho, Arabs, Muslims, Jeberti ..is inconsequential ?
    If are unable to stop him, others will do, just get his IP number from the logs.
    The IP number will be used to identify where he is located and eventually, which some additional help from that country’s Internet Service Providers, he will be exposed.
    Isn’t a shame that we cannot stop a small shifta who works for a BIG shifta to keep people busy replying to his insults instead of discussing something that can be beneficial to them and their country ?
    If you cannot solve this problem please, at least block the comment section of the website.

    • AHMED SALEH !!! August 23, 2018

      Selam hagherawi
      It seems assenna fell in
      your enemy is my enemy kind of theory .
      HGDF does not mean
      a nation of Eritrea . We
      know the campaigners of anti- Eritrean and the
      intentions behind it .
      Even Ethiopians statrt realize their crooked
      reputation . Their game
      is over . Leave them bark alone in bushes .

      • Dawit August 23, 2018

        I heard you recently got a brain transplant and the brain rejected you!!! What a waste!
        Deki Halima ROOTLESS CANCEROUS savage evil muslim Arab slave dogs, mushmushat goHafat HAREDTI TEGOMBEHITI LEKHIBATAT KURDITAT fucking foreign mercenaries, poor assenna has REPEATEDLY told you to fucking get lost to your barbaric vicious Islamic websites where you could fucking congregate with your other jihadist taliban terrorist killers/HAREDTI like yourselves. ASSENNA DON’T BABY SIT evil muslim talibans.

  • Degoli August 23, 2018

    I urge everyone to discuss any issue without insulting anyone. There is nothing to the freedom of speech. Though assenna sometimes deletes some of our honest messages, thanks to Assenna, this website is great gift to the freedom of speech to educate and inspire Eritreans. Other websites may try to hide facts, white wash history or deny current events in Sinai or Libya and hide the suffering under their carpets.
    People like Fitsum are given full rights to express their views, be it informed, uninformed or biased.
    assenna should continue to be a reflection of all views in Eritrea,
    even the Hgdefites, Arabists, self hating Deniers, Tigre language and book burners,
    Agazians, Shaebias, Teref Meref Jebhas, Islamist Jihadists,
    Pentecostals, men and women with only one kidney left, regionalists,
    Wahabists, Omerites – “Omer was a great man” creative writers of fiction,
    Shifta Janjawids cattle rustlers, Issaiasists, Camp or Gujle – “we are Arabs”,
    Dreamers -“there was a spark and al Sawra” second hand creative writers,
    Camp deniers – “there is no language called Tigre”,
    Ras Teferians … Tesfazionaits …. all should be free to express their views,
    even the ISIS Jihadi and Arab Bedouin dogs and kidney snatchers.

    This is what makes Assenna the best and greatest website – no bars held to freedom of expression on Eritrea

    • Degoli August 23, 2018

      Read: as “There is nothing comparing to the freedom of speech.”

    • Sol August 24, 2018

      Tekhlay, you are the only socially sick person who represents all that you listed above. You are assigned by the mafia regime of IA to pollute and turn assenna to platform of insults based on religion, region and ethnicity. When you insult Muslims it is obvious you are waiting for some one to insult Christians and when you call some commentators hatelaguzay your mission becomes more clear it is promoting the divide and rule policy of DIA. Tekhlay, changing your name frequently is not working and no one is falling on your poisonous trap.

  • k.tewolde August 24, 2018

    ‘assenna should continue to be a reflection of all views in Eritrea’,…indeed,with views like yours included,freedom of expression has reached new heights to infinity and beyond.That is the paradoxical reaction of extreme protracted repression,it molds characters like you.

  • k.tewolde August 25, 2018

    I can curse back at you in ways you can’t imagine and put you to shame,however my ego and soul is not nurtured by the filth which comes from the mouth like yours.You repeated the f word 4 times in 2 sentences,that means you are empty,you have nothing to say or you have preoccupation with the word,seek help.

  • meretse August 25, 2018

    ኣብ ዝባን ዓራት ዝሰራሰራ
    ሓሙሽተ ኣህባይ ብሓደ ነበራ
    ካብ ዓራት ወዲቀን እናተሰበራ
    ናብ ዶክተረን በጽሓ ኩለን በብተራ
    ነገረን ገሪምዎ እቲ ሓኪም ሳሓ
    ኣብ ደመ ነብሰን ክርዳድ ዘስፋሕፋሓ
    ምዕድ ውዒልካየን ምንም ዘይስክሓ
    ኣንታ እዚኣተን ከመይ ኣይብዝሓ
    ኢሉ ምስ ረገመን ሓንሳብ ኣማሪሩ
    ዘይሮ ተሪፈን ሓሙሽተ ተሰይሩ

  • Kidane August 26, 2018

    It’s surprising to see some of the participants in this forum, like Hagherawi and Ahmed, respond to the mercenaries or blame assenna for allowing the to post naughty messages. As regular participants, you should know why they post such messages; to demoralize and divide Eritreans. The solution is simply to never engage them. We do not have to waste time or energy to eradicate flees. Let’s focus on our pressing issues to show them, just like in the past, no one can derail our just struggle.

  • ተከለ August 31, 2018

    Ammanuel is a hero and a contribute for free eritrea. It is expression a freedom speak and trying to reach Eritrean’s ..I wish you God give you strength and long live ( one day Eritrean people repay back) .. It is time the dictor will fall soon..The God of Abraham will not forgot us.. God bless Eritrea !!ናይ አቦታትና አምላክ አይገድፈናን እዩ፥

Post a Reply to Dawit Cancel Reply