Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ሰዓብቱን ዘይኮነስ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ’ዩ ዚዕወት!

ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ሰዓብቱን ዘይኮነስ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ'ዩ ዚዕወት!   መበገሲ ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባትን መርበብ ሓበሬታታትን ዘሎ ንሓድሕድካ ዘይምስናይን ብሓባር ኴንካ ዘይምስራሕን፡ ከምኡውን ነቶም ብጋህዲ ይኹን ብሕቡእ፡ 'ኣንጻር ምልኪ ንቃለስ ኣለና' ንብል፡ ውልቀ ሰባትን'ዩ

ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ሰዓብቱን ዘይኮነስ፡
ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ’ዩ ዚዕወት!
 
መበገሲ ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባትን መርበብ ሓበሬታታትን ዘሎ ንሓድሕድካ ዘይምስናይን ብሓባር ኴንካ ዘይምስራሕን፡ ከምኡውን ነቶም ብጋህዲ ይኹን ብሕቡእ፡ ‘ኣንጻር ምልኪ ንቃለስ ኣለና’ ንብል፡ ውልቀ ሰባትን’ዩ ዚምልከት። እቲ ቀዳማይ ጸገምና ከኣ እንታይ ንደልን ንምንታይ ንቃለስን ከም ዘለና፡ ንነብስና ይኹን ንኻልኦት ሰባት ግልጺ ከይኮንና፡ ብጽልእን ቅርሕንትን ጥራይ፡ ኣንጻር ህግደፍ ንምድርን ንቋየቚን ስለ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢናውን፡ “ሃሪምና ዘይነድምዕ፡ ጸዊዕና ዘይነስምዕ!” ኴንና ዘለና!
 
“ሃሪምና እነድምዕ፡ ጸዊዕናውን እነስምዕ” ንኽንከውን ግን እንታይ ክንገብር ኣለና? መጀመርያ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ንኣይ ኮነ ነቲ ከማይ ፍትሒ ዝጎደሎ ሓወይ ወይ ሓብተይ እንታይ እዩ ጸገምና? ጸገምና ንምፍታሕከ እንታይ ክንገብር ኣለና? ናይ ሓባር ጸገምና ብሓባር ንምፍታሕከ እንታይ እዩ ዚዕንቅጸና ዘሎ? ጸገምና ከይተፈትሐኸ ውልቃውን ሓባራውን ድሌታትና ክንረክብ ንኽእል ዲና? ወዘተ.’ ብምባል፡ ንቕድም ንነብስና ክንሓትት ይግባእ። ነብስና እትህቦ መልሲ ኸኣ ‘ብዘይ ሓድት ንቃልሲ ሓርነት ከነዐውቶ ኣይንኽእልን ኢና! ሓርነት ከይረኸብና ከኣ ድሌታትናውን ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና!’ እዩ ዚብል።
 
እምብኣርከስ ጸገምና ከይተኣልየ ትምኒትና ክንረክብ ካብዘይ ንኽእል፡ ቅድም ቀዳድም ኢና ጸገምና ንምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕ ዘለና! እወ፡ ጸገምና ንምፍታሕ ግድን ክንሰምር ኣለና! በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ኩሉ ዘሎና ውልቃውን ውድባውን ባህግታትናን ጥቕምታትናን ንግዜኡ ኣወንዚፍና፡ ከምቲ፥ “ጎበዝ ኣብ ዘሎዎ ከብቲ ኣይስረቕ፡ ሽማግለ ኣብ ዘሎዎ ነገር ኣይጽየቕ!” ዚብሃል፡ ከይንድፈርን ከይንጋገን ምእንቲ፡ ዓቢና ንእሽቶና ከይተፈላለና ብምትሕንፋጽ፡ ንቕድም ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ዝኾነ ጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ ብሓባር ንምስራሕ ንሰማማዕ። ብድሕሪኡ፡ ነናይ ውድብናን ውልቅናን ባህግን ድሌትን ንምርካብ፡ በብመገድና ንሰርሕ። ሕጂ ግን ከምቲ፥ “ገዚፍ በትሪ እንተዘይ ወቓዕካሉ ተፈራራሓሉ!” ዚብሃል፡ ዋላውን ኩልና ከምቲ ዚግባእ ኣበርቲዕና ኣይንስራሕ፡ ኩልና ግን ኣብ ሓደ ክንጥርነፍ ኣለና! ንዝሰርሑ ሰባት ኣብ ጎድኖም ኴንካ ‘ኣጆኹም!’ ምባልውን ንባዕሉ ስራሕ’ዩ።
 
እወ፡ ነዚ ብኹሉምሉ ማለት፡ ብኣታሓሳስባኡን ተግባሩን ድሑር ዝኾነ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ዝነብር ዘሎ ስርዓት ዓምበርበብ ንምእላይ፡ ክንሰምር ጥራይ እዩ ዘለና! ህግደፍ ከይተኣልየ ውልቃውን ሓበራውን ድሌታትና ከምዘይንረክብ ኣረጋጊጽና ኣለና! ስለዚ፡ ኩሉ ጸገማትና ፈቲሕና፡ ድሌትና ክንረክብ እንተ ደኣ ኴንና፡ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኢና ክንገብር ዘለና። ንሳ ኸኣ ንፋኖ (ንቀይዲ በተኽ) ህግደፍ ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ንምትካል፡ ኣበርቲዕካ ብጥምረት ምስራሕ’ያ። ነዚኣ ንምዕዋት ከኣ ሓንቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላትና! ንሳ ከኣ ሓድት’ያ። ከምቲ፥ “ፈታው ነብሱ ኣየሰንኻ፡ ፈታው ከብዱ ኣይፍቶኻ!” ዚብሃል ግን ኣብዚ ምስ መን ሓደ ክንከውን ከም ዘለና ምስትውዓል ከድልየና’ዩ። ምስ ኩሉ ‘ኣንጻር ህግደፍ’የ ዝቃለስ ዘለኹ’ ዝብለና’ሞ ኣብ ግብሪ ግን ካልእ ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ ይኹን ውድብ ከይንማሓዞ ጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ።
 
ስምረት ንምምስራት ከኣ ቅድም ቀዳድም ባጊርነት (ፍጹም ድሕረት) ቀቢርና፡ ጭውነት ከነዘውትር ኣለና። ቀንዲ መለለይ ጭውነት ከኣ ስነ ምግባራዊ ሙዃን’ዩ። ማለት፡ ጥዑምን እሩምን ጠባይ ምውናን፡ ኣበር ዘይምህላው፡ ብልቦና ዓብዪ ሰብ ሙዃን፡ ውርዙይ፡ ምዕቡል፡ ሓዳግ፡ ንቑሕ፡ ብሓጺሩ፡ ወረጃ ሰብ ሙዃን ማለት’ዩ። “ወዲ ጭዋ እናሓደረ ይውርዚ፡ ወዲ ብዓለገ እናሓደረ ይግዕዚ!” ዚብሃልውን ጭውነት፡ ትውፊት (ውርሻ ወለዲ) ሙዃኑ ንምግላጽ እውን’ዩ። ባጊርነት ማለት ከኣ ፍጹም ድሕረት ማለት’ዩ! ፍጹም ድሕረት ማለት ከኣ፡ ብወገነይ ወገንካ፡ ብሃይማኖተይ ሃይማኖትካ፡ ብዓደይ ዓድኻ፡ ብዓሌተይ ዓሌትካ፡ ብብሄረይ ብሄርካ፡ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ትሕቲ ሃገራውነትን ፍጹም ድሕረትን ዝኾኑ ተግባራት ምፍልላይ ማለት’ዩ። እዚ ሕማም’ዚ እንተልዩና ከኣ ንኣና ኣይንኸውን ንኻልእ ኣይንኸውን! ድሌትናን ባህግናንውን ሎሚ ኣይንረኽቦ ጽባሕ ኣይንረኽቦ! ብዘይ ንቕሓትን ሓድትን ዓወት ኣይርከብን’ዩ! ኣብ መበል 21 ዘመን እናነበርካ፡ ብኣተሓሳስባን ኣጽዋርን መበል 16 ክፍለ ዘመን  ዚኾነ ይኹን ነገር ከተዕውት ዚከኣል ኣይኮነን።
 
ኣብዚ እቲ ዘገርም ነገር ከኣ፡ ከምቲ፥ “ዘለላ ወይንስ ብጾታ ክሓማ ምስ ረኣየት ትሓምም!” ዚብሃል፡ ዳርጋ ኩለን እዘን ብዓሰርተታት ዝቚጸራ ውድባት፡ ንሓድሕደን ብሕማም ዝላባብዓ ሙዃነን’ዩ። ምኽንያቱ፡ በብብሄረንን በብሃይማኖተንን ሰልፊ ዘቖማ፡ ነቲ ናተይ ዝብልኦ ወገን ጥራይ ኣናድየን ዝጠርንፋ፡ ‘ውድባት ኢና’ በሃልቲ ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ፡ ካብ ምጉሃይን ምሕዛንን ሓሊፉ፡ ከም መበይ (ዓበቕ) ቆርበትካ’ዩ ዘሳሓየካ! ብሄራውን ወገናውን’ምበር ሃገራዊ ኣጀንዳ ከምዘይብለን ይበርሃልካ። ጎረባብትናን ዓለምንውን እዘን ብዘውጊን (ብወገንን) ብሃይማኖትን ዝተፈላለያ ውድባት፡ ዘይረብሓ ሙዃነን ምስ ፈለጡን ንህግደፍ ዚብድህ ተስፋ ምስ ሰኣኑለንን’ዮም መብዛሕትኦም፡ ከምቲ፥ “ዘእተወስ ይፈትሓኪ፡ ወይልኡ ደኣ ዝወለደኪ!” ዚብሃል ምስላ ወለድና፡ ካብ ሱዳን ጀሚርካ፡ ዳርጋ ኩላቶም ያዕ ኢሎመን ዘለዉ። እቲ ዝወለደ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቶም ጓኖት ጨኪኑ ምስ ደቁ ክባተኽ ኣይደለየን። ነዚ ጨኪኑ ዘይጨከነ፡ ብተስፋ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓድት ከመጉስኦ’ዩ ዝግባእ’ሞ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ሓድት ዝገብራሉ ህጹጽ እዋን፡ ህጹጹነቱ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ ክስወጠን ይግባእ!
 
ሓድት ከኣ መሰረታ ኣብ ንሓድሕድካ ብምፍቓር፡ ብምክብባር፡ ብምጽውዋርን ብምትሕልላይን’ዩ ዚስረት። እዘን ዝተፈላለያ ውድባት ይኹና መርበብ ሓበሬታታት ከኣ ሓደ ናይ ሓባር ጸላኢ ከለወን፡ ብዱላትን ውጹዓትን ክንሰን ንሓድሕደን ዘሰሓሕበን ነገር ደኣ’ሞ እንታይ እዩ? “ኣኽላባት ዝበኣሱ፡ ጸላኢኦም ሰጒጎም ምስ ተመልሱ!” እኳ ዚብሃል። ረኣዩ’ሞ፥ እቶም ብሓንቲ ዓጽሚ ስጋ፡ ሕኒን ክበሃሃሉን ክማናጨቱን ዝጸንሑ ኣኽላባት ዓዲስ፡ ብሃንደበት ድምጺ ሓራድል (ዝብኢ) እንተ ሰሚዖም፡  ከምዛ ፍቑራት ኣሕዋት፡ ብሓደ ሰሚሮም፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ክምክቱ ይጎዩ። ክሳዕ ጸላኢኦም ዘባርሩውን ንሓድሕዶም ብዘይካ ክተሓጋገዙ ብፍጹም ኣይበኣሱን’ዮም። ስለዚ፡ እዞም እንስሳታት’ኳ ንናይ ሓባር ጸላኢኻ ብሓባር ኴንካ ምጥቃዕ ካብ ፈለጡስ፡ እዘን ውድባት ዝበሃላ ኮነ እዘን መርበብ ሓበሬታታት ከደኣ’ሞ ዋላ ንግዜኡ ሰሚረን፡ ኣንጻር እቲ ናይ ሓባር ጸላኢአን ዝኾነ ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ ዘይምክታ ስለ ምንታይ!? እወ፡ ስለምንታይ እየን ዘይሰማምዓ!? ምስምማዕ ማለት’ኮ ነቲ ዘይሰማምዓካ ምስምማዕ ማለት’ዩ!
 
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ማለት፡ እዘን ኣስታት ሰላሳ፡ ኣርባዓ ዝኾና ‘ተቓወምቲ’ ዝጽውዓ ውድባት እዚኣተንከ፡ ነዚ ንግስነት ፍትሒ ዘቃላጥፍ ሓድት’ዚ ዘይሰርሓ እንተ ኮይነንስ ደለይቲ ፍትሒ’የን ክንብለን ንኽእልዶ? ፍትሒ ብኸምዚ ዝኸድኦ ዘለዋ ብጨናፍር ብምጒዓዝ ከምጽኣ ከምዘይክእላ ኩላተን ይፈልጣ’የን። ስለምንታይ እየን ደኣ’ሞ ፍትሒ ኣብ ዚሓጸረ ግዜ ንኸምጽኣ ኢለን ዘይሰማምዓ!? ዚብል ሕቶ’ምበኣር እዋናዊ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ከኣ ንኹሎም፡ ነቶም መራሕተን ኢና ዝብሉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምጺእካ፡ ብኽፉት መንፈስ ክሕተቱን ክምልሱን ኣለዎም። እወ፡ ነዞም ኩሎም መራሕቲ ኢና ዝብሉ ኣብ ሓደ ሰሚሮም ዓወት ከመዝግቡ ዘይከኣሉ ዉልቀ ሰባት፡ ህዝቢ ሓቲቱ፡ ሓቀኛ መርገጺኦም ግድን ክፈልጥ ኣለዎ።
 
በቃ፡ ሓላፍቲ ውድባት ወይ ጉጅለታት ኢና ኢሎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኣብ ቅድሚት ብምቕማጥ፡ ከም መስፍን (ወዲ ንጉስ) ኣዘዝቲ ጥራይ ክኾኑ የብሎምን። “ሓላዊት ዑፍ እንተ ገበሩዋስ፡ ኣራይ እምኒ ቈጸረት!” ከም ዚብሃል፡ ሓደ ሓላፊ ‘ከገልግለና ይኽእል’ዩ’ ኢሎም እኩባት ሰባት እንተ መረጹዎስ ንሱውን ካብቲ ኣደራሽ ከይወጸ፡ ዘገልግሉዎ ዝተፈላለዩ ሰባት ይመርጽ። ብኸምዚ ቃልሲ ህዝቢ ከተዕውት ዚከኣል ኣይመስለንን! ከምቲ፥ “ውሕጅ ኪወስድ እናኣስሓቐ፡ ተንኮለኛ ከጥፍእ እናተራቐቐ!” ዚብሃልውን ብዙሓት ገበርቲ እከይ ስለ ዘለዉ፡ ካብ መቓፍራት (ክፉኣት ግብሪ)  ነብስኻን ውድብካን ንምሕላው፡ ባዕልኻ መሪሕ ግደ ብምጽዋት፡ ውድብካ ምምራሕን ምቁጽጻርን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
 
ካልእ፡ ከምቲ ካብ ዕረ፡ ንህቢ ዚቕልብ መዓር ምዚወጽእ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍውን ህዝቡ ዝኣሊ ህዝባዊ መንግስቲ ክወጽእ ከም ዚኽእል ክንኣምን ኣለና። ኩሉ’ዚ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተጸቒጡ ዝኸይድ ዝነበረን ዘሎን ኤርትራዊ ከኣ ለውጢ ኣይደልን’ዩ ወይ ድማ ብእኩይ ስነ ሓሳብ ህግደፍ ምሩዝ’ዩ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና! ስለዚ፡ ‘እዚ ናይ ህግደፍ ወይ ናይ ጀብሃ እንድዩ፡ ገበነኛ እንድዩ! ከምዚ እንድዩ፡ ምስኡ ኣይንሰርሕን ኢና! ወዘተ.’ እናበልካ ሰባት ምናይን ምግላልን ክተርፍ ኣለዎ። እዚ ባህልን ልምድን ህግደፍ’ዩ!
 
ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣይትፍረድ ከይፍረደካ’ ዝብሎ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዚኾነ ይኹን ዜጋ፡ ናይ ባዕልና ውሳነ ክንህብን ክንፈርድን ኣይግብኣናን’ዩ። ንገበነኛ ገበነኛ ክንብል ግን ዘስክፍ የብልናን! ምኽንያቱ፡ ፍርዲ ገበነኛ ክንህብ ዳእዩ ስልጣንን መሰልን ዘይብላና’ምበር ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ክንዛረብስ ናጻ ኢና! ናጻ ጥራይ ዘይኮነስ ንገበነኛ ዘየቃልዐ ንጹህ ሰብ፡ ብሕጊ ገበነኛ ሙዃኑውን ክንግንዘብ ኣለና። ገበን ዝፈጸመ ሰብ እንተደኣ ንፈልጥ ኴንና ከኣ ገበናቱ ናብቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሃገርና ዝትከል ናይ መጀምርያ ህዝባዊ መንግስቲ፡ ጥርዓንና ምስ ጭብጥታቱ ከነቕርብ ጥራይ እዩ ዘለና።
 
ሃገራውን ሓያልን ውድብ ዘይምህላዉ፡ ምኽንያት ዘይመቃለሲና ኪኸውን የብሉን። ብዘይተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብከ ሓያልን ሃገራውን ውድብ ክፍጠር ይከኣልድዩ!? ስለዚ፡ ተሳትፎ  ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ዩ ሓያልን ሃገራውን ውድብ ከቕዉም ዚኽእል! እቲ ትማሊ ብሓያል ተሳትፎ ህዝቢ ሓይሉ ዘመስከረ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤን እዚ ሕጂ ብእከይ ተግባራቱ ካብ ህዝቢ  ብምንጻሉ፡ ነቕነቕ ዚብል ዘሎ ሰልፊ ህግደፍን ከኣ ናይ ዓወትን ውድቀትን ህያው መሰኻክር’ዮም። ኣብዚ ግን ከስምረሉ ዝደሊ ነገር ኣሎ። እዘን ንነብሰን ‘ውድባት’ ኢለን ዝጸውዓ ተቓወምቲ ጉጅለታት ይኹና እዘን ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ንኸቃልሓ ኢለን ብማዕበል ምስ ህዝቢ ዝራኸባ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራውያን፡ ብቐጻሊ ዘዘውትረኦ፡ ኪእረም ዚግብኦ ሓደ ግጉይ ቃል ኣሎ። ንሱ ከኣ ንፈያት (ንሸፋቱ) ህግደፍ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ኢልካ ምጽዋዕ’ዩ!
 
ብርግጽ ኤርትራውያን ናይ ዘመናት ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ናይ ምውናንን ምቛምን ጽምኣትን ባህግን ስለ ዘለና፡ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ኢልና ክንጽውዕ ባህ’ዩ ዝብለና። እዚ ኸኣ ካብቲ ኤርትራዊ መንግስቲ ናይ ሙቛም ዘሎና ባህግን ትምኒትን ስለ ዚነቅል፡ ነዚ ብኣተሓስስባኡን ተግባሩን ፍጹም ሽፍታ ዝኾነ ጉጅለ፡ ብሓይሊ መንግስቲ ክንገብሮ ምፍታንና ርዱእ’ዩ። እንተ ኾነ ንስለ ባህግና ኢልና ንተዅላ በጊዕ እናበልና ንዘይተወሰነ ግዜ ክንከይድ ግቡእ ኣይመስለንን። ስለዚ፡ ጃንዳ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ! ብሕጂውን መንግስቲ ክኸውን ከምዘይክእል ተገንዚብና፡ ናይ ብሓቂ ንሕበነሉን ንኾርዓሉን፡ ኣፍና መሊእናውን ብሓበን ‘መንግስትና’ እንብሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኸነቕውም፡ ኣበርቲዕና ብሓባር ክንሰርሕ’ዩ ዘለና። ኣቐዲምናውን ብዛዕባ ጅር (ጉጅለ) ህግደፍ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኔርና ኢና፥
 
“መንግስቲ እንተ ኢልኩሞ ንጉጅለ ማፍያ
እዚኣ ንባዕላ ናይ ገበን፡ ገበን እያ!
ላህመት መንግስትነት ንኣሰር ዘይብሉ
ከመይ ጌርኩም ኢኹም መንግስቲ እትብሉ!?” ብምባል፡ ጅር ህግደፍ ጃንዳ’ምበር መንግስቲ ክብሃል ከምዘይብሉ ኣሚትና ኔርና።
 
ንሙዃኑ መንግስቲ ማለት እንታይ ማለትድዩ? ታንክን ወታሃድርን ዝውንን ዘበለ ሓይሊ ኩሉ መንግስቲድዩ ዝጽዋዕ!? ባሕርን መሬትን ብሓይሉ ዝተቆጻጸረ ጉጅለኸ መንግስቲድዩ ዝብሃል!? ህዝቢ ከይመረጾ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝሓኰረ ሓይሊኸ መንግስቲድዩ ዝስመ!? ብዘይሕግን ፍርድን ንዘይተወሰነ ግዜ ንጹህ ይኹን ገበነኛ ከየጻረየ ዝሕዪር ሓይሊኸ መንግስቲዲና ንብሎ!? እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ 1993 ‘ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ’ ኢሉ እኮ’ዩ ንነብሱ ኣጠሚቑዋ። መዓስ ደ’ኣሞ ቀዋሚ፡ ንሕልፈት ዘይቅየር መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ!? እቲ ሕቶታት ብዙሕ’ዩ። ጃንዳ ህግደፍ ግን ካብ ኣተሓሳስባኡ ጀሚሩ መንግስትስ ይትረፍ ኣንፈት መንግስትነትውን ስለ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ኢልካ ክጽዋዕ ንእኡ ዘይኮነስ ንጸዋዒኡ’ዩ ዘሕፍር!
 
ብሓቂ’የ ዝብለኩም፡ ንህግደፍ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ኢልካ ምጽዋዕ፡ ዘለፋ ንህዝብን ሰማእታትን ኤርትራ ስለ ዚኾነ፡ ሓደራ ንስርዓት ንጉሰ ወዲ እልፉ፡መንግስቲ ኢልኩም ከይትጽውዑዎ። ከምቲ “ሓጺር ሰብኣይሲ ኣቱም ከይተባህለ ይኣርግ!” ዚብሃል ከኣ ፈንጊ ህግደፍውን መንግስቲ ከይኮነ ካብቲ ብኢደ ወነኑ ዘጽልለሉ ዘሎ ዝፋን ህዝቢ ክእለ ቀሪቡ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ መንግስትነት ህግደፍ ምዝራብ ሕጂ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብዓንተቡኡውን መበገሲ ጽሑፈይ መንግስትነት ህግደፍ ዘይኮነስ ሓድት ደለይቲ ፍትሒ’ዩ ነይሩ። ደለይቲ ፍትሒ ክንብል ከለና ከኣ ዋላ ነቶም ተሃሚሎም ምስቲ ከላኢ ፍትሒ ዝደዝናገጹ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን’ዩ ዝምልከት። ከምቲ ወለድና ክምስሉ፥ “ብወረ ኣይንገሱ፡ ብኢዶም ኣይከሓሱ!” ዝበሉዎ፡ እዚ ብዝተጋነነ ወረኡ ጥራይ እንፈልጦ ኣኼስ ሰብ ስለ ዝነገሰ’ዩ፡ እዚ ኹሉ ኣደራዕ ንኹልና ኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ። ነዚ ኣደራዕ’ዚ ንምቕንጣጥ ከኣ እታ እንኮ ዘላትና ብቕዕቲ መሳርሒት፡ ሓድት ጥራይ እያ! ስለዚ፡ ናይ ኩልና ሕሰም ንምእላይ፡ ኩልና ኣጽዋር ሓድት ንምዕጣቕ ድሉዋት ንኹን!
 
ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል…
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!  
       
ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-10-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • mahta October 15, 2014

    Nay behaki ybel zebl meleekty kulu seb bkemu krdo kea tesfa ygebr. Hzbi eritra bsenki htsret fltetun temekroun kulu tehasiu tsenihun alon slezi wala abal hgdef ytsnah ms hzbun hagerun nabta kuwamawit hager khabrn nhgdef kea fetsimu fo kublon halaln fthawn eu.

  • tegerime October 16, 2014

    መሲናስ
    አነ ኩሉ ጊዜ ጹሑፋትካን ግጥምታትካን የንብብ እዩ ብሐቂ እንታይ ክወጾ እዛ ሀገር እባ ተስፋ አለዋ እዩ ዘብለካ ንዓይ ቂር ዝብለኒ ግን ከማካ ዘአመሰሉ መሪሕ ቦታ ሕጆም ንሐፋሽ ክመርሑ እግባእ እንተወሐደ ድማ አብ ሚድያ ነብስካ ከተላሊ እግባአካ አነሰ አብ አሰና እንተርቢው ክትገብር ቡዙሕ ትጽቢት ኔርኒ ምክንያቱ ንስካ ሐያል ሰብ ኢካ ክንደይ አለው ሃጠውቀጠው ዝጸሕፉ ከማካ ዘአመሰለ ልቦና ዘለዎም ኤርትራዊያን ብዝወሐደ አብ ሚድየሰ ነብሶም ከላልዪ አለዎም።

  • anedo October 16, 2014

    Dear Mesinas,
    May God bless your courage & knowledge. You have mentioned what is missing. I hope now all Eritreans sat together & find any means that will overthrow the criminal party of Isaias. I hope we get something from the 2nd part. Good job mesinas

POST A COMMENT