Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃላትና ንክውንነት ከንጸባርቕ ኣለዎ

ሰባት ኣብ ጉዳያት ዝተፈላለየ ኣጠማምታን መርገጽን ክህልዎም ንቡር’ዩ። እቲ ዘይቅቡል ባህርያት ግን፡  ምስ ሓሳባትካን እምነትካን ዘይሰማማዕን ዘይቃዶን ሰብ ወይ ኣካል ምስዘጋጥመካ ክትጻወሮ ዘይምኽኣልን መሰል ካልኦት ምግሃስን ምዝንጣልን’ዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘይትሰማምዓሉ ጉዳይ ካብ ስምዒት ተናጊፍካ

ሰባት ኣብ ጉዳያት ዝተፈላለየ ኣጠማምታን መርገጽን ክህልዎም ንቡር’ዩ። እቲ ዘይቅቡል ባህርያት ግን፡  ምስ ሓሳባትካን እምነትካን ዘይሰማማዕን ዘይቃዶን ሰብ ወይ ኣካል ምስዘጋጥመካ ክትጻወሮ ዘይምኽኣልን መሰል ካልኦት ምግሃስን ምዝንጣልን’ዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘይትሰማምዓሉ ጉዳይ ካብ ስምዒት ተናጊፍካ መልሲ ምሃብን ርእይቶ ካልኦት ምጽዋርን፡ ደረቱ ዝሓለፈ ዘለፋን ሚዛናውነት ዝጎደሎ ቃላትን ሓረጋትን ምጥቃም ጉድለት ልቦና’ዩ ። ኣብ ስደት ንነብር ኤርትራውያን፡ ርእይቶናን ሓሳባትናን ብነጻ ናይ ምግላጽ ዕድላት ስለዘሎና፡ ኣብዘን ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ንጥፈታተን ዘሰላስላ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓን ንኣብነት ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ መስከረም፡ ኣዝማሪኖ፡ ዓዋተ፡ መድረኽ፡ ደሃይን ካልኦትን ኣቢልና ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራውን ኩነታት ከምኡ’ውን ናብራ ስደትን ካልእ ንጥፈታትን ንምንጽብራቕ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ። ኤርትራውያን ነዚ ዕድላት’ዚ ተጠቂምና፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቅልውላውን መፍትሒኡን ንምዝታይ፡ ንኤርትራውያን ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንምቅላሕን ኣፍልጦ ዓለም ንምዕባይን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕን ማሕበረ ሰብ ዓለም ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድ ምምሕጻንን ካልኦት ጉዳያት ብምልዓልን ንኡድ ኣበርክቶ ይካየድ ኣሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባ ጸገማቱን ጉድለታት ህግደፍን ከይዛረብ ኣፉ ዝተለጉመን ከይጽሕፍ ኣእዳዉ ዝተኣስረን ኤርትራዊ ግን፡ እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ መሰላት ስለዘይብሉ ወናኒ ህዋሳቱ’ዩ ክብሃል ኣጸጋሚ’ዩ።

ሕቶ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ግን ብስለ ናጽነትን ዲሞክራስን ቃሕ ዝበለካ ክትድርጉሕን ክብሪ ካልኦት ሰባትን ሕግታትን ጥሒስካ ቀይዲ በተኽ ክትክውንን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መርበባት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ካብ ኣፍካ ዝወጽእን ኣብ ወረቀት ዝጸሓፍን ቃላትን ሓሳባትን ሓላፍነት ዘሰክምን መለክዒ ሚዛንካን መንነትካን ምዃኑ ምግንዛብ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ብትዕዝብተይ ኣብዘን ዝተጠቅሳ መርበባት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ዝርአ ቀንዲ ጉድለታትን ድኻማትን ድማ፡ ሚዛናውነትን ርጉጽነትን ዘይምንጽብራቅ፡ ንተጸራሪ ሓሳባት ተጻዋርነት ዘይምህላውን ብጭብጢ ዘይምምካትን፡ ናይ ንዕቀትን ምግናንን ሓረጋት ምጥቃም’’ዮም። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ህግደፍን ዘሎና ጽልኣት ንምግላጽ፡ ‘’ኢሳያስ ወዲ መድህን በራድ፡ ወዲ ጸማቑት ስዋ’’ ዝብሉ ሓረጋት ብገለ ሰባት ዝውርወሩቃላት ኣለዉ። ጨካን ባህርያት ኢሳያስ ግን ምስ ሞያ ወላዲቱ ምትእስሳር ትርጉም የብሉን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ምግናን፡ ምቁንጻብ፡ ትዕቢትን ኣሉ ምባልን ሓደ ካብ መለለዪ ግናይ ባህርያቱ ኢዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን፡ ኢሳያስ ንዝጸልኦ፡ ዝቀናቀኖን ኣበሩ ዝፈልጥን ሰብን መንግስትን፡ ከኽፍኦን ዘይሚዛኑ ክህቦን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ኣብ 1996 ስርዓት ካርቱም(ዑመር ኣልበሽር) ኣብ ቀረባ መጻኢ ክወድቅ’ዩ፡ እቲ ስርዓት ዕድመ እንተሂብዎ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ’ዩ ክጸንሕ ዝኽእል ኢሉ ብእዉጅ ገሊጹ። ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሱዳን ኣልበሽር ግን ከምቲ ሓላምን  ኣብ ዘይጉዳዩ ጠብሎቅ ዝኣመሉን ኢሳያስ ዝበሎ ኣይኮነን። ስርዓት ኣልበሽር እንተ ብፍቶት ህዝቢ እንተ ብሓይሉ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን (1998-2000) ኢሳያስ “ፈኸራ ጭፍራ ወያነ ቀዳድ ገረወይና’ዩ” ብምባል ንዓቅሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከስተናዕቆ ፈቲኑ። ኣብ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን መን ተዓዊቱ መን ተሳዒሩ ንጎድኒ ገድፍና፡ እቲ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝተራእየ ክውንነት ብኣንጻር’ቲ ኢሳያስ ዝሃቦ ሚዛን ዝጎደሎ መደረ’ዩ ነይሩ።

ሕሱር ሓረጋትን ናይ ጎደና ቃላትን ምጥቃም ንእተልዕሎም ዕቱባትን ኣገደስትን ጉዳያት ሚዛኖም የትሕቶን ኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ የህድምን። ንኣብነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ምምዳብ፡ ምስጓግ፡ ምቅይያርን ምድስካልን ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ካልእ ኣገዳሲ ንሃገርን ህዝብን ዝምልከት ብውልቁ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ “ ዓሶ ናይ ርእሲ ጀሚራቶ ኣላ ማለት’ዩ’’ ኢልካ መግለጺ ምሃብ፡ ብተዘዋዋሪ ነቲ ኢሳያስ ሰባት ተወዲቦም ኣንጻሩ ምልዕዓል ከይገብሩን ፈላሊኻ ንይ ምግዛእ ሜላታቱን ተንኮልን ህዝቢ ብዕቱብነት ከይፈልጦን ተመኽንየሉ ኣለኻን ማለት’ዩ። እቲ እንዛረቦን ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንዝርግሖን ሓበሬታ፡ እናሓደረ ሚዛኑ ዘየጉድልን፡ ንፍቅርን ስኒትን ዝዕድም፡ ሓቂ ዘንጸባርቅን ክኸውን እምበር፡ ዓጽምኻ ዝሰብር ቃላት ዘይምጥቃም፡ ብቅርሕንትን ባዕላውነትን ዝዕብለል፡ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእን ንግዝያዊ መኽሰብን ክኸውን የብሉን። ልዕሊ ኹሉ መምዘኒ ብቅዓትናን ብስለትናን ምስ ዝምጉሱና ምሕጓስ ዘይኮነ፡ ኣንጻርና ርእይቶ ዝህቡ ሰባት ብኣኽብሮትን ብትዕግስትን ምብዳህ፡ ሕጊ ምምእዛዝን’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1 ሕዳር 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde November 5, 2015

    Great ethics to abide by, the choice of words reflects who we are.I concur.

POST A COMMENT