Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሰንዓፈ ብነታጕ ዝሞቱ ሲቭል ኤርትራውያን ዜጋታትና ናብ ሸውዓተ ክብ ኢሉ።

ቁጽሪ ናይቶም ብ19 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ብነታጕ ዝሞቱ ሲቭል ኤርትራውያን ናብ ሸውዓተ ክብ ከም ዝበለ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከም እተገልጸ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ናብ ቀብሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብነታጕ ድሕሪ

ቁጽሪ ናይቶም ብ19 መስከረም ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ብነታጕ ዝሞቱ ሲቭል ኤርትራውያን ናብ ሸውዓተ ክብ ከም ዝበለ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣቐዲሙ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ከም እተገልጸ፡ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ናብ ቀብሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብነታጕ ድሕሪ ምህራማ ብኡንብኡ 5 ሰባት ክሞቱ ከለዉ እቶም ድሕሮም ዝሰዓቡ ክልተ ካብቶም ብኸቢድ ቆጺሎም ንሕክምናዊ ረዲኤት  ናብ ኣስመራ ተላኢኾም ዝነበሩ 21 ዜጋታትና እዮም። 13 ካልኦት ብፈኵስ ከምዝቖሰሉ ‘ውን ይፍለጥ።
ሽዑ ካብ ሰንዓፈ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልከቶ ነቲ ነታጕ መን ከምዘጻወዶ ኣይተፈልጠን። ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ‘ውን የልቦን።
ደድሕሪ’ዚ ፍጻሜ፡ ስርዓት ህግደፍ ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ብምልኣኽ ምንቅስቓስ ከምዝገበረን ጽዑቕ ተፍትሽ ከምዝተኻየደን ድሒሩ ዝምበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ፈለማ ካብ ሰንዓፈ ዝበጽሓና መልእኽቲ፡ ‘ስርዓት ህግደፍ ንፖለቲካዊ ምኽንያት ክብል ባዕሉ ገይሩዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ዝብል ጥርጥራ ምስፋሩ፡ ህዝቢ ንስርዓት ህግደፍ ፈጺሙ ምእማን ስኢኑዎ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ ነቲ ፍርቂ መዓልቲ 19 መስከረም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ከቢድ ጉድኣት ዘብጽሐ ዘሕዝን ፍጻሜ ከም ኣመሉ ኣጽቂጡ ከሕልፎ ኳ እንተፈተነ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምውጽኡ ፡ ኣብ ራብዓይ ምዓልቲ ናይቲ ፍጻሜ ትማሊ 22 መስከረም ኣብ ተሌቪዥን ከምጽኦ ተገዲዱ። እዚ ድማ እቲ ትካል ብዘይካ ምሕላው ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራን ከምዘይብሉ ዘመልክት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Yonathan September 24, 2011

    That was a land mine installed by PFDJ just to make terror btw ppl.If it was from any one else from outside the ppl would easilly could know and engaged but this is dias trick just to paranoid eritreans “we are still in war” it is laugheable war with out enemy!!!kkkkkkkkkk

  • kamal sead September 24, 2011

    ajakom hayeilo assena mesakom ailana

  • kamal sead September 24, 2011

    ajakom hayeilo ete hake yewtsae

  • shame on you Isseyas. September 24, 2011

    My condolence to those who passed away through these terrific tragedy.May their soul rest in peace. Innocent People should not be a target politicians.It should be condemned totally to attack innocent people for the seek of political gain .And according to my best understanding this action has been taken by PFDJ because it was even not mentioned as a big sad news by the regimes media ERI TV immediately .It shows the ignorance of PFDJ to the people of Eritrea.

  • henok September 26, 2011

    kemey tikinyu selamin rahwan yemtsalna

Post a Reply to kamal sead Cancel Reply