Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቁስሉ ካብ ፈለጥና ፈውሱ ንድለ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ኣብ ስደትን ዘሎኻ ህዝቢ ኤርትራ ሆይ!!! ካብ ጽባሕ ነጻነት ማለት ካብ 1991 ዝጀመረ ሃገርካ ብውህሉል ቁስሊ፡ኣካላታ ተበኪሉ በቲ ረኽሲ ቁስሊ መሽሚሹ ኣብ ሓውሲ ምቁርራጽ በጺሑ ከም በዓል ሊብያ፡ዒራቕ ፣ሶማልያ ሶርያ ናብቲ ውልቀመላኺ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ኣብ ስደትን ዘሎኻ ህዝቢ ኤርትራ ሆይ!!!
ካብ ጽባሕ ነጻነት ማለት ካብ 1991 ዝጀመረ ሃገርካ ብውህሉል ቁስሊ፡ኣካላታ ተበኪሉ በቲ ረኽሲ ቁስሊ መሽሚሹ ኣብ ሓውሲ ምቁርራጽ በጺሑ ከም በዓል ሊብያ፡ዒራቕ ፣ሶማልያ ሶርያ ናብቲ ውልቀመላኺ ዝኾዓቶ ጉድጓድ (መቓብር) ክትኣቱ ትቃራረብ ኣላ።እቲ ኣብ ረኽሲ በጺሑ ዘሎ ቁስሊ ጠንቁ ንኹሉ ኤርትራዊ ርዱእ ከም ዝኾነ፣ብሰንክ’ቲ እከይ ተግባራት ናይዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ምዃኑ ብዘይካ እቶም እናሰምዑ ዘጽቀጡን ኣእዛኖም ዘጽመሙን፣ ካልእ ዘይፈልጥን ዘይርዳእን የለን።ንምዝኽኻር ዝኣክል ግን ነዛ ሓጻር ጽሑፈይ ተኸታተሉ።
1. ሕገ ኣልቦነት ኢዩ።
ኤርትራ ሕገ-መንግስቲ የብላን።እታ ብምሁራት ዝተነድፈት ሕገ መንግስቲ ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ናይ ጉሓፍ ሰኪዔቱ ከም ዝደርበያ ብቃሉ ገሊጹዎ’ዩ።
ብድሕሪ ምልጋስ ውልቀ መላኺ ንቦትኡ ዝትክእ ምክትል ፕረሲደንት የብላን።ኣብ መጀመርታ 3-4 ዓመታት ናይ ነጻነት ዝቖመት ስማዊ ፓርሊያመንት ሓቒቓ’ያ።ሓጋጊ፣ፈጻሚ፣ፈራዲ ዝበሃሉ ኣካላት የልቦን። ኩሉ ባዕሉ ኢዩ።
2. ሕጊ ብዘይምህላው ኣብ ህዝብና እንታይ ወሪዱ፣
ህዝብና ካብ ደቂ 15 ዓመት ጀሚሮም፣መንእሰያት፣ጎራዙ፣ኣጉባዝ፣ሰብኣይ፡ሰበይቲ፣ሽማግለታት፡ ሊቃውንቲ ምሁራት፣መራሕቲ ሃይማኖታት ፓትሪያርክ ከይተረፉ፣ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ገበን ብንጹር ከይተፈልጠ፡ኣበየናይ ቤት ማእሰርቲ ወይ ጉድጓድ ከም ዘለዉ ኣብ ዘይፍለጥ፣ብስቅያት ዝሓለፉ ሓሊፎም፣እቶም ኣይ ምዉታት ኣይ ስሩራት ኣለዉ ዝበሃሉ’ውን ዝዓውር ዓዊሩ፣ዝለመሰ ለሚሱ ኣእምሮአኡ ዝሰሓተ ስሒቱ ካብዚ ኩሉ ስቅያት ዝተላዕለ ኣብ ነብሰ ቅትለት ይርከቡ ኣለዉ።
ሕጊ ብዘይምህላዉ ኤርትራዊ ናይ ምዝራብ፣ምጽሓፍ፣ሓሳባቱ ምግላጽ ወይ ናይ እምነት መሰላቱ ተገፊፉ’ዩ።
3. ኣዕናዊ ሳዕቤናት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣
ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ከምቲ ስሙ መንእሰያትና ብስሩዕ ኣገባብ ሃገሮም ዘገልግሉሉ ዘይኮነ፣ንምልካዊ ስርዓትን ንደገፍቱ መኮንናትን ብጊላነት ዘገልግሉሉ ትካል’ዩ።ኣገልግሎቶም ንናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ናይ ጨቊንካ ምግዛእ ዕድመ ንምንዋሕ ናይ እቶት ሚንጪ ብምዃን ኣብ ናይ ሃብታማት ሕርሻታትን ኣብ ናይ መኮንናት ኣባይቲ ምህናጽን ጉልበቶም የህልኹ ኣለዉ።
ካብዚ ጊላነት ንምልቓቕ ከኣ መንእሰያትና ዝወሓጠ ይውሓጠኒ ብማለት(ዝድገፍ’ኳ ኣይኮነን) ካብ ዝፈትውዎም ወለዶምን ደቆምን በዓልቲ ቤቶምን ሃገሮምን ራሕሪሖም ናብ ስደት ብምውሓዝ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ብበደዊን ምስ ገለ መኮንናት ኤርትራዊያን ብምሽራኽ እናተሸጡ ኮላሊቶም ኣብ ሆስፒታላት ምስሪ ይሽየጥ ኣሎ።ገለ ውሱናት መንእሰያት ካብኡ ምስ ሓለፉ’ውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ኣሻሓት ደቅና ቀለብ ዓሳታት ይኾኑ ከም ዘለዉ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓዲሽ ኣይኮነን።እቶም ነዚ ኩሉ መሰናኽላት ሓሊፎም ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዓለም ዝበጽሑ’ውን ከምቲ ዝተጸበይዎ ናይ ሰሪሕካ ምንባር ዕድል ስለ ዘይጸንሖም ዕለታዊ መግብን መዕቆቢ ገዛን ምስ ሰኣኑ ካብ ጭንቀት ዝተላዕለ ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ኤትራዊያን ውሑዳት ኣይኮኑን።እምበኣር ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ጸገማት ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘይኮነ
ክብሪ ዕሸላት መንእሰያት ኣውልድና ዘድፈረ፣መላምል ኣዋልድና ካብ ትምህርተንን፣ሓዳረንን ኣታኣጓጕሎም ናይ ጾታዊ ስምዒቶም መርወዪ ዝገበርዎ ናይ ሕሊና ዘይብሎም ኤርትራዊያን ገበነኛታት መደበር’ዩ።
4. ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው፣
እቶም ናብ ሃገርና እትመላለሱ ናይ ዓይኒ ምስክር እትገልጽዎን ከምኡ’ውን ብስልኪ ካብ ቤተ-ሰብ ሓቲትና እነራጋግጾን ሃገርና ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኤኮኖሚ ምድሪ ዘቢጣ ኣላ።ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣደታት ከይፍለጣ ገጸን ከዊለን ፈቆዶ ጎደናታት ክልምና ይውዕላ ኣለዋ።(ንኤርትራዊ ልመና ሞት’ዩ) ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብፍላይ ናይ መግቢ ዓይነት ሰማይ በጺሑ።ሓንቲ ክፋል ኣስመራ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ መብራህቲ እንተ ረኺባ ዕድለኛ’ያ።ህዝቢ ብዋሕዲ ማይ ይሳቐ፣ኣቶ ኢሳይያስ ድማ ብህዝቡ ተገዳሲ’ዩ ክበሃል፡ ካልእ ናይ ምእሳርን ምጭዋይን ስርሑ ኣወንዚፉ ኣብ ዲጋታት ተሰጢሑ ይውዕል ኣሎ።
“ኣነን ሓጺሩኒ እብል፡ንሳ ከኣ ተደቢራ ትስዕስዕ” ከም ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ መዕቆቢ ስኢኑ ብዋሕዲ ኣባይቲ ይሳቐ፣ኣቶ ኢሳይያስ ድማ ብሚልዮናት ዝተሃንጹ ኣባይቲ ብቡልዶዞራት የዕኑ።”ኣየ ግፍዒ ኣንታ ኣምላኽ ክሳብ መዓስ ኢኻ ነዚ እከይ ተግባራት ናይዚ ውልቀ መላኺን ስርዓቱን ክትዕገሶ?”
እቲ “ሲንጋፖር” ዝብል ሕልሚ ኣቶ አሳይያስ፣ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ’ኳ እንተ ተረፈ፣እቲ ዝሕፈስ ዘሎ ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ሃገርና፣ ናይ ህዝቢ ረሃብ፣ሽግር ማይ፣መብራህቲ፣ሽግር መዕቆቢ ገዛ ዘይፈትሕ፣ብጽሒት ውልቀ መላኺ ጥራይ ኮይኑ ምትራፉ ህዝብና ኣይተዓደለን። ኢሳይያስ ሕሊና ዘይብሉ ስሱዕ ምዃኑ ከዛኻኽረና ዝኽእል “ታሪኽ ናይ 9 ኣዛብእን ሓደ ኣንበሳን’ዩ” ሓደ ግዜ ሓደ ኣንበሳ ን9 ኣዛብእ ኪዱ’ሞ ከብቲ ዘሚትኩም ምጹ ኢሉ ምስ ኣዘዞም፣ሕራይ ጎይታይ ኢሎም ከይዶም 10 ከብቲ ዘሚቶም መጺኦም።በል ጎይታይ ከምቲ ዝኣዘዝካና ፈጺምና፡ንስኻ ንጉስ ስለ ዝኾንካ ምቐለና ምስ በልዎ፣እቲ ስሱዕ ኣንበሳ እምበኣር ፍርደይ ሓደ ከብቲ ን9 ኣዛብእ፣9 ከብቲ ድማ ንሓደ ኣንበሳ ክኸውን ፈሪደ ኣሎኹ ምስ በሎም እቶም ፈራሓት ኣዛብእ እሺ ጎይታይ ኢሎም ነቲ ሓደ ከብቲ ተቐቢሎም ምስ ተበገሱ እቲ ሓለቖኦም ጎይትኡ ክፈትወሉ፣ምልስ ኢሉ ጎይታይ ሓደ ከብቲ ንዓና ብዙሕ’ዩ እዚ ብዕራይ ተቐበለና፣ንዓና ዛንጣ መዓንጣ ይኣኽለና ብማለት ነቲ ሓደ ብዕራይ መሊሶሙሉ።ካብዚ ሰለስተ ነገራት ንመሃር፣ቀዳማይ ኢሳይያስ ስሱዕ ምዃኑ።2. እቲ ሓለቓ ኣዛብእ ከምዞም ሽግር ህዝቢ ከይዓጠጦም ጎይቶኦም ኢሳይያስ ክፈትወሎም ጭራኦም እናዘረጉ ዝነብሩ ዘለዉ ሰበ ስልጣን፣3. እቶም ፈራሓት 9 ኣዛብእ ንሓደ ኣንበሳ ምዃን ስኢኖም ጥራሕ ኢዶም ክኸዱ ከለዉ፣ናህና ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ፍርሕን ድኽመትን ዝእምት ክኸውን ከሎ፣ብተወሳኺ በቶም ናይዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ተዳናገጽቲ ኤርትራዊያን ዝፍጸም ዘሎ ተግባር’ዩ።ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ መዓድናትና እናጓሕጎሐ ናብ ወጻኢ ባንክታት ዘሳግሮ ዘሎ ከይኣክል፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቱ
ብስም ፈስቲቫላትን ካልእ በዓላትን ኣብ መቓብር መንእሰያትና ብሳዕሳዒትን ጓይላን ዳንኬራን ዝኣከብዎ ገንዘብ ማዕከኑ ይድልቡሉ ኣለዉ።
ኣንቱም ብዝተፋለለዩ ምኽንያታት ናይ’ዚ ስርዓት ተዳናገጽቲ ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራዊያን፣ነዘን ካብ ቁጽሪ 1-4
ገሊጸየን ዘለኹ ሓቅታት ኣይተፈጸመን ብማለት ናይ ሓሶት ምስክርኩም ትህቡለን እንተድኣ ኮንኩም፣ጸሓይ ምስ በረቐት ህዝቢ ኤርትራ ክፋረደኩም’ዩ። “ነታ ብሓሶት ኣይትመስክር እትብል ኣምላኻዊ ትእዛዝ’ውን ትጥሕሱዋ ስለ ዘለኹም፣ ሰማያዊ ኣምላኽ ክፋረደኩም’ዩ፣ከምዚ ሕጂ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንክኹም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐይዎ ዘለዉ፣ንስኻትኩም’ውን ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ብናይ ሕሊና ጣዕሳ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ወጊድ ኢልኩም ምስ ህዝብኹም እንተ ዘይወጊንኩም ናብ ናይ ዘልኣለማዊ ስቅያት ቦታ ትጓዓዙ ከም ዘለኹም ከዛኻኽረኩም እደሊ።
እምበኣር ንህዝብና ኣብ’ዚ ኩሉ ወጥሪ ሸሚምዎ ዘሎ ኩነታት ካብ ፈለጥና፣ሃገርና ኣብ ካልእ ዝኸፍኤ ስቅያት ከይወደቐት ከላ
እዚ ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ይእለ፣ብከመይ’ከ ይትካእ ብህዝብና ዝተዳለወ መደብ ወይ መፍትሒ እንታይ ኣሎ?
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሓው ዶ/ር ተስፋ ገብረመድህን ዝተመሓላለፈት ኣዚያ ኣገዳሲት መልእኽቲ ኣንቢበ ነይረ፣ከም ዝተረዳእኩዎ ብዶ/ር ተስፋ ዝተመሓላለፈት መልእኽቲ ንደለይቲ ለውጥን ንደገፍቲ ነቲ ዘሎ ስርዓትን ቅር ብዘየብል ማእከላይ መርገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፣እዚ ዘሎ ስርዓት ከብቅዕ ከሎ፣ንህዝቢ ዘመሓድር ዝተዳለወ መተካእታ ብዘይምህላዉ ሃገርና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከይትወድቕ ዘለዎ ስክፍታን ሓልዮት’ዩ ገሊጹ።ትሕዝቶ መልእኽቱ ነቲ ዘሎ ቁስሊን ብድሕሪ ሕጂ ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ድሕሪ ምግላጽ፣ነቲ ዘሎ ስርዓት ብሰላማዊ መንገዲ ምእላይን ምትካእን፣ነቲ ዘሎ ቁስሊ ዘሕዊ መድሃኒት ምንዳይ ምዃኑ ዘለዎ ጽቡቕ ትምኒት ካብ ምግላጽ፣ነቲ ቁስሊ ዘሕዊ ዓይነት መድሃኒት ኣይሓበረን።
ንሽግርና ከም መፍትሒ ክትከውን ርእይቶኡ ዝሃበላ ንዓይ ድማ ዘዕገበትኒ፣ብዶ/ር ደበሳይ ኣርኣያ ዝወጸት መልእኽቲ ኢያ።ካብ ጽሑፉ እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ዝወሰድኩዋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ ቦታ ብጥርኑፍ ተወዲቡ ሓድነት ክፈጥርን ዝውክልዎ ዓለም ለካዊ መራሕቱ(GLOBAL LEADERSHIP) ናይ ምምራጽ ኣድላይነትን እትገልጽ’ያ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ብዘሎ ህዝብና ብውልቂ ይኹን ብውድባዊ ደረጃ ለውጢ ንምምጻእ ዘይተፈተነን ዘይተኣደነን ቅስቀሳን ዘረባን የለን።እቶም ፖሊቲከኛታት ዝበሃሉ ውልቀ-ሰባት ምስ ጀመርዎ ዝተፈላለየ ወቐሳታት ምስ መጾም፣ነቲ ዝመጾም ወቐሳታት ተጻዊሮም ኣብ ክንዲ ቃልሶም ዝቕጽልዎ ተስፋ ብምቑራጽ ካብ ቃልሲ ዘንሳሓቡ ውሑዳት ኣይኮኑን።እተን ተቓወምቲ ውድባት ዝበሃላ ንሓደ ርብዒ መዋእል ዝኣክል ንቃለስ ኣሎና ይብላ፣ንህዝቢ ዝጠቅም ናይ ምስማር ይኹን ናይ ሓድነት ውጽኢት ግን ኣይተራእየን።ስለዚ ካብዘን ውድባት ነጻ ዝኾነ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል፣ከም መፍትሒ ዝህቦ ርእይቶ፣
ሀ. ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ህዝብና ኣብ በብቦታኡ እንተ ዝምዝገብ(ብሓቀኛ ወይ ብናይ ብርዒ ስሞም)
ለ. ካብ ነብሲ ወከፍ ቦታ ብመጠን ዘለዉ ብዝሒ ኣባላት ወከልቲ እንተዝመረጹ
ሐ. እቶም ካብ ነብሲ ወከፍ ቦታ ዝተወከሉ ኣባላት ምስቶም ካልኦት ዞባታት ብቀጻሊ ምርኻብ
መ. ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ብኣካል ብምርኻብ ወይ ተሌ-ኮንፈረንስ ብምግባር ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
ሰ. ነብሲ ወከፍ ዝተመዝገበ ኣባል ንመንቀሳቐሲ ስራሕ ወርሓዊ ክፍሊት ካብ $10 ዘይውሕድ ምምዳብ።
ረ. እቲ ስራሕ ውጽኢታዊ እንተድኣ ኮይኑ፣ኩሎም ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ-ዓለማት ዝተወከሉ ኣባላት፣ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ሓፈሻዊ ዓለም-ለኻዊ ጉባኤ ብምግባር ዓለም-ለኻዊ ኤርትራዊያን መራሕቲ ብምምራጽ፣
ሸ. ስራሖም እዚ ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ይእለ፣ብከመይ ይትካእ፣መጻኢ ኣመራርሓ ናይ ሃገርና ከመይ ይኸውን
ነዲፎም ንምይይጥ ናብ ህዝቢ ይዝርግሑ።
ዓወት ነቲ ኣብ ስቅያት ዘሎ ህዝቢ
መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT