Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ንልኡኽ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ድሕሪ ምቕባሉ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ፍልልይ ኣብቂዑ እዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ 26 ሰነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ንዝሓዘ ልኡኽ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ኣብ ዝገበሮ እንግዶት፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ 26 ሰነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ንዝሓዘ ልኡኽ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ኣብ ዝገበሮ እንግዶት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ፍልልይ ኣብቂዑ `ዩ፡ ብምባል ክልቲኤን ሃገራት ኩሉ መዳያዊ ርክባት ክገብራ ምዃነን ኣብ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ካብ ዝተዘርግሐ መደርኡ ተፈሊጡ።

ንሱ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረርኡ ናብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ከምዝጅምር `ውንጠቒሱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዑስማን ሳልሕ ብወገኑ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተገብረሉ ኣቀባብላ ኣመስጊኑ።

ን16 ዓመት ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ከይወጽአ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ኣይንገብርን ኢና ናይ ዝብል ስርዓት ህግደፍ ወኪል ዑስማን ሳልሕ፡ `ዶብ ዝጋርደና ዓይነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ` ፡ እዚ ሎሚ ዝረኣናዮ ኣቀባብላ ፕራይም ሚኒስተር ናይ ብሓቂ ምቕሉል ዝኾነ መራሒ ከምዘለና፡ በቲ ሎሚ ዝገበሮ ኸኣ ዓቢ ምስጋና ኣለና` ክብል ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ትማሊ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ `ከም ወከልቲ ናይ ሃገረ ኤርትራ ዘይኮነ ከም ልኡኻት ናይ ሓደ ክልል ኢትዮጵያ እዮም ከይዶም` ዝበሎ ዘረጋግጽ እዩ።

ብዓቢኡ፡ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ከም ሎቢ ኮይና ኣብ ምስራሕ ዝተዋፈረት ሚስ ብሮንዊን ብራተን ዝተባህለት ኣብቲ ኣትላንቲክ ክውንስል ዝተባህለ ትካል ብሓላፍነት እትሰርሕ ብዓልቲ ሞያ ብ 22 ሰነ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝጸሓፈቶ ምድንጓዩ ዘይጽላእ ሰላም ዝብል ዓንቀጽ፡ ኣማኸርቲ ኢሳይያስ ከምዝነገሩኒ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ምፍታሕ ዘገድሶም ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምዃኑ ምግላጻ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዶብ ኣመኽንዩ ን 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኲናትን ተጻብኦን ሸሚሙዎ፡ ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ቀዚፉ፡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳዩ `ውን ጅሆ ሒዙዎ ጸኒሑ ክንሱ፡ ሕጂ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ውሳኔ ዶብ ከነተግበር ኣብ ዝበለትሉ እዋን፡ ኣይፋልን ቀዳምነትና ንሱ ኣይኮነን ምባሉ፡ እቲ መላገጺ ኢሳይያስ ኮይኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ነቲ ብኹሉ መኣዝን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዝፈጠሮም ጸላእቲ ተኸቢቡ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ወገን ንላዕሊ ሰላም ዘድልዮ `ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ሕጂ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ዕድመ ምልካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ ብዓቕሊጽበታዊ መንገዲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዘይኮነ፡ ማዕርነትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ብዝሕሉ ሚዛናውን ግሉጽን ኣገባብ`ዩ ክፍጸም ዘለዎ።

Subscribe to ASSENNA NEWS channel

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Elyas June 27, 2018

    Hade kabtom key tehalelka bmlue lbkan aemrokan etkales wfuyn harbenan bal metkel eka mo kbrn megosn naka ykun Amaniel !!!!!

  • መፍቀሬ ኢየሱስ June 27, 2018

    ሰላም ሰላም ሰላም ይግበረልና፥ ንኹላትና። ለነሱም ንዓናን!

    ካብ ግጭት ልዝብ፡ ካብ ጽልኢ ፍቕሪ ይበልጽ።

    ኣብ ኤርትራ ድማ ከምዚ የስምዓና፥
    እሱራት ተፈቲሖም
    መናእሰይ ናብ ሓዳሮም ከይዶም
    ታቦት ብመንፈሳውያን ሰባት ተመሓዲሩን ተኸቢሩን
    ኣቡነ እንጦንዮስ ተፈቲሖም
    ዒራዒሮን ትራክ ቢን ኩላተን ቤት ማእሰርትታት አዓጽየን
    ንቡር ተመሊሱ
    ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ተኸፊታ
    ቅዋማዊ መንግሥቲ ተሰሪዑ
    ሕዝቢ ተፋቒሩ
    ስደተኛታት ንዓዶም ኣትዮም
    ሃገርና ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪሓ

    ጠጥዑሙ ተስምዓና ፈጣሪ

POST A COMMENT