Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀንዲ በዳሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን

ብ14 ሕዳር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ ምስተባህለ፡ ሓደ ኣብ ምቅባል ስደተኛታት ዝነጥፍ ብቀረባ ዝፈልጦ ኣመሪካዊ ዜጋ ተለፎን ደዊሉ፡ “እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ሃገርካ እገዳ ተላዒሉላ፡ ደጊም ኣብ

ብ14 ሕዳር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ ምስተባህለ፡ ሓደ ኣብ ምቅባል ስደተኛታት ዝነጥፍ ብቀረባ ዝፈልጦ ኣመሪካዊ ዜጋ ተለፎን ደዊሉ፡ “እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ሃገርካ እገዳ ተላዒሉላ፡ ደጊም ኣብ ሃገርኩም ጥሜት የለን” ኢሉ ጽቡቅ ትምኒቱን ሰብኣዊ ርህራሀኡን ገሊጹለይ። ነቲ እንቋዕ ሓጎሰካ ደጊም ኣብ ሃገርኩም ጥሜት የለን ዝበለኒ ኣመሪካዊ፡ ንስለ ቀልዓለምን ስለቲ ተገዳስነቱን፡ “የቀንየለይ” (Thank You) ብምባል ጥራይ ክሓልፎ ኣይመረጽኩን። የግዳስ እቲ እገዳ እንታይ ከምዝነበረ፡ መበገሲኡን፡ ምልዓል ናይቲ እገዳ ንሕሰም ህዝብና ዘጋድድ ምዃኑን ኣብ ኤርትራ መሰል ዜጋታቱ ዝረግጽን ምልካዊ ስርዓት ከምዘሎ ሓበርክዎ። ድሕሪ’ዚ እቲ ኣመሪካዊ’፡ “ I am sorry (ኣይትሓዘለይ) እቲ ሓቂ እዚ እንተኾይኑ ድኣ፡ ብምልዓል እገዳ ክትሕጎሱ ዘይኮንኩም፡ ነቲ ቀንዲ ጸገም ኮይንኩም ዘሎ ኣካል ደገፍ ይህቦ ስለዘሎ ክትሓዝኑ ይግብኣኩምን ንዓለም ኣይፋል ክትብልዋ ኣለኩምን” በለኒ። ብልበይ “ከመይ እንጀራ ዓለም ብላዕ፡ ልቦናኻ ናብቶም ተረርቲ ልቢ ኤርትራውያን ይልሓም” በልኩ። ኣብ ታሕሳስ 2009፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማልያ ዝነጥፍ ኣልሸባብ ዝተባህለ ዕጡቕ ምንቅስቃስ ብምሕጋዙን ምስ ጅቡቲ ካብ ዘካትዕ ቦታ ሰራዊቱ ምስሓብ ስለዝኣብየን ብዝብል ሰበብ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ወሲኑ። እቲ እገዳ ብቀንዱ ናብ ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ እምበር ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ቁጠባዊ ትካላትን ዝቀንዑ ኣይነበረን። ትሕዝቶ ናይቲ እገዳ ድማ፡ ምኽልካል ምሽማት ኣጽዋር፡ ምእጋድ መገሻ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሰራዊትን ከምኡ’ውን ምድስካል ቀዋምን ተንቀሳቃስን ሃብቲ ናይዞም ዝተጠቅሱ ሰብ መዚ ዘጠቃለለ’ዩ ነይሩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ፡ ብ14 ሕዳር ከምዘልዓሎ ገሊጹ። ድሕሪ’ቲ እገዳ ምልዓሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ናብ 50ታት ተመሊሱ፡ ነዚ ናይ ሎሚ እገዳ ምስ እዋን ፈደረሽን ብምትእስሳርን ንዓመታት ኣብ ከብሒ ተደርብዩ ዝነበረ ናይ እዋን ሰውራ ደርፍታት ብምግዋሕን ብቅልጽሙን ጽንዓቱን ንማሕበረሰብ ዓለምን ሓያላን ሃገራትን ከምዝስዓረን ዓወት ከምዝጨበጠን ብዝቁጸልጽል መግለጺታት፡ ኣዋጃትን ዳንኬራን፡ “ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ መጎሰካ” ክብል ተሰሚዑ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብ14 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ፡ “ትሕዝቶ ናይቲ ዝተስገደደ እገዳ ናይ ኣጽዋር ከምኡ’ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መገዲ ንቁጠባ ኤርትራ ንምድኻም ዝሃቀነ ውሳኔታት ዘጠቃለለ’ዩ” ብምባል ነቲ ምድስካል ሃብቲ ሰበስልጣን ህግደፍን እገዳ ጉዕዞን ክትንክፎ ኣይደለየን። ጠንቅን ትሕዝቶን ብዝግባእ ከይሓበረ፡ እቲ እገዳን ዝተኻየደ ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ሃንዳሲቱ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝኾነት ዳግም ዘሊፉ። ስርዓት ህግደፍ፡ ሓንሳብ ዓለም ዘርያትና ኢሉ ከስተማስልን ክቁዝምን ካልእ እዋን ድማ “ተጻብኦታት ዓለምን ኣመሪካን ሰዓብታን በዲህናዮ” ኢሉ ከም ነፋሒቶ ብትዕቢት ጠባያቱ ክቀያይር ኣመሉ’ዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነታ ከዳሚት ኣመሪካን ጠንቂ ኩሉ ተጻብኦን እናተባህለት ንዓመታት ክትክሰስ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ስማ ብሕማቅ ወይ ብጽቡቅ ብግሁድ ኣይተጠቅሰትን፡፡ ኣብ ምልዓል’ቲ እገዳ ክውን ንምግባር ዝጸዓሩ ፈተውቲ ኤርትራ ነምስግን ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቲ ኣብ ምጥጃእን ምንዋሕን እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበረ ሕጂ ምስ ጠላምን ሸያጢ ሃገርን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ናይ በለጽ ፍቅሪ ሒዝዎ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ዓቢዪ ኣሕመድ ከምዝኾነ ምስጢር ኣይኮነን። ብቀደሙ ኣበጋሲት ናይቲ እገዳን ንዓመታት ኣብ ምቅጻልን ንዞባዊ ውድባት፡ ንሕብረት ኣፍሪቃን ብምዕራባውያን ሃገራት (ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን) ዝዝወር ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ምሽሓርን ምጽላውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ፡ ዝተሰወረ ኣይነበረን።

ኣብ 2000፡ ብሰሪ ሓላፍነት ዝጎዶሎ ኣመራርሓ ውልቀመላኺ ህግደፍ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቀዋሚ ዕርድታት ሰራዊት ኤርትራ ኣፍሪሱ፡ ኣብ ከባቢ ዓዲኳላ፡ ዓዲቀይሕ፡ ኣቁርደትን ኣብ ቅርዓት ዓሰብን ምስ በጽሐን ኣስመራ ኣብ ጽላሎት ሻምብቆ ከቢድ ብረትን ደብዳብ ነፈርትን ኢትዮጵያ ምስ ኣተወት፡ እተን ኣሓሞ ተዘሚተን’የን እንተጸርፊሞ ዝገደፍና የብልናን ዝዓይነቱ መግለጺ፡ በታ ዘይትመውትን መጣቆሲትን መልሓሱ ንወራራት ኢትዮጵያ መኪትናዮ” ኢሉ ግዒሩ። እቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣልሸባብ ሓጊዙ ድዩ፡ እቲ እገዳ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ነይሩ፡ ስለምንታይ’ከ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ እገዳ ክለዓል ተወሲኑ፡ ምልዓል’ዚ እገዳ’ኸ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትርጉምን መኽሰብን ኣለዎ ዝብሉ ሕቶታት፡ ብዙሕ መልስታትን ትንታነታትን ክወሃቦ ይኽእል’ዩ። ብውልቀ ሃገራት ወይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት፡ ውድባት፡ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን በብዓይነቱ እገዳታት ይውስን’ዩ። ገለ ካብቲ እገዳታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስዝኽሰት፡ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ምስዘጋጥም ክጥቀስ ይኽእል። እቲ ዝውሰድ እገዳ፡ ሓደ ሓደ እዋን ምኽኑይ፡ ኣብ ተግባር ዝውዕልን ውጽኢታውን’ኳ እንተኾነ፡ ካልእ ግዜ ድማ ብድሌት ጸለውቲ ሃገራትን፡ ሃገራዊ ረብሓታት ብምቅዳምን ብዓሎቅን ዝፍጸም እገዳ ስለዝኾነ ፍትሒ ዝጎደሎን ንሓደ ወገን ዝሃስን ይኸውን። እቲ ኣብ 2009 ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተወሰነ እገዳ ድማ ብመንጽር’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ኣምራትን ጭብጥታትን’ዩ ክምዘን ዘለዎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ስርዓት ወያነ ብዝነበሮ ህልኽን ዝኽሓነ ጽልእን፡ ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ብዝብል ፖሊሲ፡ ዘድምዑን ዘየድምዑን ተቃወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕብሓብ፡ ብምዕጣቅን ኣብ ልኡላዊ መሬትና መሕብኢ ቦታ ብምሃብን ከምኡ’ውን ንወያነ ብኩሊት ንምጉጣይ ኣብ ሶማል ንኣልሸባብ ናይ ኣጽዋርን ስልጠናን ደገፍ ኣብ ምሃብ ከይተሓጽረ ኣካላዊ ምትእትታው ፈጺሙ’ዩ። ዋላ’ኳ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ጲላጦስ ኣእዳወይ ሕጹባት’የን ኢሉ ኣብ ሶማልያ ኣካላዊ ጦብሎቅታ ከምዘይፈጸመ ይኽሓድ፡ ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ጋዜጣኛታት፡ ኣብ ታሕሳስ 2006፡ ኢትዮጵያ ንኣልሸባብ ንምጥቃዕ ንሶማልያ ምስወረረት ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማልያን ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተታሕዙ ድማ ሰንካማት ኣእዳው ህግደፍ ኣብ ሶማል ኣትየን ከምዝነበራ ጭቡጥን ቀሊልን መርትዖ’ዩ። ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን፡ ህግደፍ ንውልቃዊ ረብሓታቱ ክብልን ወያነ ንምጥቃዕን ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ክጥበሱ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ሶማል ዝተላእኩን ዝተጠልሙን እምበር፡ ኣብ መመረቅታ ቤት ትምህርቲ ወይ ሓጽቢ ክሳተፉ ኣይኮኑን ኣብ ጸበባ ኣትዮምን ብዘይ ተጣባቂ ንዓመታት ተኣሲሮምን። መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ናይ መንነት ቅልውላው ስለዘለዎን፡ ነቶም ብቀረባ ዝፈልጥዎን ቤተሰቡን ትግራዎት፡ ዋላ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀደሞም ወሳኒ ስልጣን ኣይሃልዎም፡ ሕጂ’ውን ኣንጻር ወያነ ሕኒን ምባልን ናይ ሕነ ምፍዳይ ተጻብኦን ኣየቋረጸን። ነቶም ምስ ትግራዎት ኣብ ምፍጣጥ ዝርከቡ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ብምዕዳምን ናብ ክልላቶም ተደጋጋሚ ዑደት ብምፍጻምን፡ “እንቋዕ ካባኹም ተፈጠርኩ፡ ንዓኹም ምስረኸብኩ ከም ሎሚ ተደሲተ ኣይፈልጥን’የ” ኢሉ ሃተፍተፍን ኑዛዜን ምዝውታሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምጥላም ጥራይ ዘይኮነ ሰንካም ሕልምታት ከምዘለዎ’ዩ ዘነጽረልና ዘሎ።

ብዓይኒ ፍትሕን ሓቅን፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ልዕሊ ንኣልሸባብ ምሕጋዙን ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታ ሰራዊቱ ምስሓብ ምእባዩን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ባርባራዊ ኣተሓሕዛን ይዓቢ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ብዘካይዶ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክኽሰስ ጭቡጥ መርትዖታት ቀሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ ረብሓታት ምሕላው እምበር ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘየገድሶን ጸለውቲ ሃገራት ፍትሓዊ መርገጺ ስለዘይወሰዳን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን ንግዚኡ ካብ ተሓታትነት ኣምሊጦም። ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ንምብትታንን ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይእዉጅ ኩናትን ምግባት ሃብትን ጎሲኻ፡ ነቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን መቀናቅንተን ህግደፍ ንምቅጻዕ ዝተመወለን ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ሃገራት ዝተባረኸን እገዳ ምልዓሉን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝባ ኣብ ሲኦል እናነበረ እንከሎ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ምምራጻን፡ ካልኣይ ገበን ምፍጻም’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ “እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብሃል እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ኣርዑት ስቃይ ምስዝወርድ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ምስዝኽበር፡ ጥሙይ ምስዝዕንገል፡ ዕሩቅ ምስዝኽደን፡ ምብትታን ኤርትራዊ ምስዘብቅዕ፡ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰል ምዝረጋገጽ’ዩ። ኤርትራ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ካብ ህዝባ፡ ኣብ ስደት ከርተት እናበለ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተሳቀዩ፡ ከይዛረብን ወከልቱ ከይመርጽን ተሓሪሙ እንከሎ፡ ብትዕቢት ዝተሰንጠቀ ኢሳያስ ብዋጋ ሃገራዊ ረብሓናን ልኡላውነትናን ምስ ስዑድያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢማራትን ዘይቅዱስ ውዕላት እናፈጸመ እንከሎ፡ ኤርትራዊ፡ ባንዴራታት እናኣንበልበለ፡ ክስዕስዕ፡ ንሓራዲኡ ካራ ከቀብልን ክጭድርን ኣይግባእን። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣቀዲሙ ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን ኢሉ ብኢደዋኒኑ ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም ሕጂ ድማ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተበይኑ ዝነበረ እገዳ “ብጽንዓትና ስዒርናዮ” እናበለ ስልጣኑ ንምቅጻልን ዓለም ንምድንጋርን፡ ንፖለቲካዊ ሃልክን ድራማታት የካይድ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኤርትራዊ ክስደድ፡ ኣብ ገጠራት ኤርትራ፡ ንጥፈታት ሕርሻ ከይካየድ፡ ናውቲ ማሕረስ ከይዕደል፡ ኣብ ከተማታት ሰብ ከይነግድን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረክብን ኣይከልከለን፡፡ እቲ ተላዒሉ ዝብሃል ዘሎ እገዳ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ኤርትራ ዘንብዑን ናብ ስደት ክበታተን ጠንቂ ዝኾኑ ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ዝቀንዐ ስለዝኾነ፡ ነቲ ተራ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ዝትንክፍ ኣይኮነን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምዕራባውያን ሃገራት ወትሩ ምስ ረብሓታተን ስለዝጓዓዛ፡ ፍትሒ ኣለወን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ዓለም ፍትሒ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ነዚ ን27 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፍርዲ ከቅርቦ ምተገብአ። ስለዚ እቲ ክውንነትን ህዝቢ ኤርትራ ከስተውዕለሉን ክቃለሰሉን ዝግብኦን፡ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን መበቆል ሕሰምናን፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ኤርትራውያን፡ ፈታሕቲ ጸገምናን ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ንሕና ኤርትራውያን እምበር፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ዶክተር ዓብዪ ኣሕመድ ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝራብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 17 ሕዳር 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hagherawi November 17, 2018

    The economic blockade imposed by the regime on its own people is still in place.
    As long as we Eritreans continue to endure the suffering in silence as if God sent, it will continue as it’s.
    Iseyas is not the issue anymore.
    Let’s take the blame for failing to defend our dignity and freedom.
    The Ethiopians know very well that the tyrant is isolated. They know that he is a monster. Despite that, the Amhara need him to isolate Tigreyans, Dr. Abey needs him to be seen as peace maker. The Weyane need him to open markets for their own people who now cannot do business is other parts of Ethiopia. They are all after their own interests and none of them cares how much Eritreans are suffering.
    It scares me to think how much this devil can damage Eritrea, as he continue to play a very dangerous game at the expense of Eritrea’s hard won sovereignty.

  • kaled November 18, 2018

    There are unconfirmed reports coming from Eritrea that the regime is trying to disband EDF a small group at a time. They are told something like “hand over your weapons and start working”. I know it’s very very hard to believe. But you never know. We are dealing with an enemy posing as a national government.
    If it happens to be true. This is a serious issue, it may be the end of Eritrea as a nation.
    It may be followed by inviting the Ethiopian Army crossing into Eritrea giving any excuse.
    Please call anyone you know and ask whether this story is true.
    We don’t trust the regime anymore. It may even invite Ethiopia to reoccupy us.
    You may find this unbelievable but given the current situation in Eritrea it’s possible.

    • k.tewolde November 18, 2018

      kaled,the process of disbanding was done a long time ago for 30+ rounds and still going in SAWA mentally,remember people use guns not the other way around.The undoing of our nation started decades ago one by one systematically, me being one of the victims disbanded,expunged,purged….and so many like me who are still crossing the border. “This is a serious issue, it may be the end of Eritrea as a nation.” Eritrea lost its characterstics as a nation the day it treated its citizens as second class and denied them the freedom of speech,movement and life, what we see today is the icing on the cake.For decades we watched silently while this erosion of a nation was happening and many of us actively participated in it.We can still reverse it if we mean it,but blame no one.

POST A COMMENT