Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽሞን ፐረዝ ካበይ ናበይ፤ ነሓሰ 1923 – መስከረም 2016

ሽሞን ፐረዝ፤ እዛ ሎሚ ብሰንኪ ረጋጺ ስርዓት ግህደፍ፤ ካብ ሃገረይ ተባሪረ፤ ብግዝያዊ ታዓቂበላ (ዋላ’ካ እቲ ኣታሓሕዛ ስደተኛ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ዝማረር አንተኾነ) ዘለኹ፤ ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለምና ናይ ተክኖሎጂን ኣጽዋርን ተርናዓት፤ ወናኒት ኒኪሎራዊ ኣጽዋር፤ ኣዝያ

ሽሞን ፐረዝ፤ እዛ ሎሚ ብሰንኪ ረጋጺ ስርዓት ግህደፍ፤ ካብ ሃገረይ ተባሪረ፤ ብግዝያዊ ታዓቂበላ (ዋላ’ካ እቲ ኣታሓሕዛ ስደተኛ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ዝማረር አንተኾነ) ዘለኹ፤ ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለምና ናይ ተክኖሎጂን ኣጽዋርን ተርናዓት፤ ወናኒት ኒኪሎራዊ ኣጽዋር፤ ኣዝያ ሞዕብልቲን ደሞክራሲ ናይ ማአከላይ ምብራቅ ካብ ዝመስረቱ ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት እዩ። ምስቶም ዳሕረዎት ከኣ እስራኤል ብፍላይ ኣብ ምክልኻልን ኣብ ጸጥታን ብዝላዓለ ካብ ዘበርከቱ ባዓል ራኢ ናይ ፖሎቲካ ባዓል ሞያ (Statesman) እዩ። ባራክ ኦባማ መበል ዓሳራይ ፕረዚደንት ናይ ኣመሪካ ምስ ፐረዝ ክሰርሕ ክትርኢ ከለኻ ንውሓት ህላወ ፐረዝ ኣብ ፖሎቲካ ትግረም። ፐረዝ ኣዝዩ ሃገራዊ፤ ውፍይ፤ ተባዕ፤ ወሳኒ፤ ከይተሓለል ዝሰርሕ፤ ብጸገም ዘይስበር፤ እካዳአ መፍትሒ ዝናዲ በሊሕ መራሒ እዩ። ብኹሉ አንተናኡ ኣይህዳው፤ ስለ ህዝቢ ኣይሁድ ካኣ ከይተሓለለ ስጋብ ዕለተ ሞቱ ዝሰርሐ ሓያል ጽዮናዊ። ብሕጽር ዝበለ ስለ ሃገሩ፤ ናይ ጽባሕ ዝሓስብ፤ ኣብ ሎሚ ካኣ ዝውስን፤ ናይ ባሓቂ ጅግና። ፐረዝ በቲ ሓደ ስለ’ቲ ንሃገሩ ዘገበሮ ኩሉ፤ ሃገረይ እንታይ ገይረላ እምበር እንታይ ገይራትለይ ኣይትበል ዝብል ሕልናኡ ኣቅኒኡኒ፡ በት ካልእ ካልኦት ህዝቢ ንመወዳእታ ዘይብሉ ክተገዝእ ኣይትኽእልን ዝብል ናይ ሰላም መርገጺኡ ከኣ ኣብነት ኮይኑኒ። ዓብይ መርኣያ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ሓጻር ታሪኽ ፐረዝ ክጽሕፍ ተገዲደ።

ካብ ስደተኛ ስዝይሞን ናብ ፕረዝደንት ፐረዝ፤ ቀዳማይ ዜጋ

ኣቦ ሓጎኡ ካብ ግዳያት ሆሎካስት ዝኾነ ሽሞን ፐረዝ። ስዝይሞን ፐርስኪ ብዝብል ስም ኣብ ቪስህነቫ፣ ዳሓር ፖላንድ፤ ሕጂ ካአ ቤላሩስ እትባሃል ዓዲ ኣብ ነሓሰ 1923 ተወሊዱ።  ፐረዝ ኣብ 1934 ናብ እስራኤል ግዒዙ። ኣብ ናይ ሕርሻ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ። ኣብ ብሕርሻ ብሓባር ዝነብሩ ብኪቡጽ ዝፍለጥ ዓዲ ድሕሪ ምንባርን ምስራሕን፤ ተገዳስነቱ ኣብ ናይ ሰልፍ ዕዮ ናይ ጽዮናውያን ምንቅስቃስ ኣዝዩ ዓሚቁ። ፐረዝ ናይ ቁልዑነት ኣፍቃሪቱ ሶንያ ገልማን ኣብ ሰነ 1945 ተመርዕዮ:: ዋላ’ካ ኣብ መወዳአታ ናይ ሂወቶም እዞም ሰብ ሓዳር ተራሓሒቆም አንተነበሩ፤ ን 67 ዓመት ክሳብ ዕለተ ሞት ሶንያ ኣብ 2011 ኣብ ቃልኪዳን ጸኒሖም።ሰለስተ ቆልዑት ከዓ ወሊዶም።

ኣብ 1947 ፐረዝ ንቤን-ጉርዮን፤ ቀዳማይ፤ ቀዳማይ ሚንስተር ሃገረ እስራኢል ኣብ ሃጋና ዝባሃል ቦታ ድሕሪ ምርኻቡ፤ ናይ ምክልኻል ናይ ዕድጊ ፐርሶነል ናይ ቀዳማይ ሚንስትረ ኮይኑ ብሓላፍነት ተመዚዙ። ኣብ 1953፤ ወዲ 29 ዓመት ከሎ ዳይረክተር ጀነራል ናይ ምክልኻል ኮይኑ ድሕሪ ምምዛዙ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ንከምዚ ዓይነት ሓላፍነት በቂዑ፤ ዝዓቢ ክኾብ ምኻኑ ኣረጋጊጹ። አብ 1959 ፐረዝ ንመጀመርያ ግዜ ናብ  ፓርላማ (ክነሰት) ኣባል  ድሕሪ ምምራጹ፤ እቲ ን48 ዓመት ዝቀጸለ ነዊሕ ሞያ ናይ ፖሎቲካ ጀሚርዎ።

ፐረዝ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዓይነት ጽፍሒ ናይ መንግስቲ ከም ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር፤ ሚንስተር ምክልኻል፤ ቀዳማይ ሚንስተርን ከም ፕረዝደንቲ ኮይን ንሃገሩ ዘገልገለ ኣዝዩ ሃገርዊ እዩ። ኣብ 1974 ፐረዝ ናይ ኢሳቅ ራቢን ምክልኻል ሚንስትር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ኣዝዩ መሪር ስዒረት ናይ ኩናት፤ ነቲ ናይ ምስሓብ ወተሃዳራት እስራኤል ካብ ግብጺ ተቃጻጺሩ። እምነ መሰረት ናይ’ቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ናይ ሰላም ስምምዕ ግብጽን እስራኤልን ካአ አንቢሩ። ኣብ ግንቦት 1977 ካአ ንሰልፍ ዕዮ መሪሑ ናብ ምርጫ ድሕሪ ምአታው፣ ብምርጫ ብሚናኼም በጌን ናይ ሰልፊ ሊኩድ (እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ) ተሳዒሩ። ካብ 1984-1986 ፐረዝ  ድሕሪ ምርጫ ዝላዓለ ድምጺ ናይ ፓርላም (ክነሰት) ክረክብ ሰል ዘይካኣለ፤ ኣብ ናይ ዘወሪት ቀዳማይ ሚንስትረንት ምስ ናይ ሊኩድ መራሒ ይስሓቅ ሻሚር ክአቱ ተገዲዱ። ንክለተ ዓመት ከም ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ብሻሚር ተተኪኡ ከም ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ኮይኑ ኣገሊጊሉ። ፐረዝ ዳሕራይውን ንሰልፍ ዕዮ መሪሑ ምስ ኤረክ ሻሮን ናይ ሓባር መንግስቲ ብምቃም ከም ወጻኢ ጉዳይን ከም ምክትል ቀዳይማይ ሚንስተርን ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣብ ሰነ 1996 ካአ ብናታንያሁ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ጸቢብ ተሳዒሩ። ኣብ ሓምለ 2000 እውን ኣብ ምርጫ ናይ ፕረዝደንት ተሳዒሩ። አብ ሕዳር 2005 ካአ ብአሚር ፐረዝ ናይ ሰልፊ መሪሕነት ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ሰልፊ ዕዮ ወጺኡ ምስ ሰልፊ ቀዲማ ተጸንቢሩ። ኣብ ሰነ 2007 ዝበዝሐ ድምጽ ናይ ፓርላማ ብምጥንቃቅ፤ ከም ታሻዓይ ፕረዝደንቲ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፣ ቀዳማይ ዜጋ ናይ እስራኢለ ክኸውን በቂዑ። ስጋብ 2014 ከም ፕረዝደንቲ ብምግልጋል ከኣ ረዩቨን ሪቭሊን ተተኪኡ ናብ ትራ ዜጋ ተመሊሱ።

ብርቱዕ ሃገራውነት፤ ተዋፋይነት

ፐረዝ ንሃገሩ ዝገበሮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ምክልኻልን ኣብ ጸጥታን። ገላ ካብኡ ብሕጽር ዝበለ ክዝርዝር፡ ኣብ 1950 ኣመሪካውያን ኣጽውር ክሸጥሉ ከእምን ስለ ዘይካኣለን ካብ ምዕዳግ ምስ ፈሸለን፡ ካብ ፈረንሳውያን ኣጽዋር ድሕሪ ምዕዳግ፤ ንቤን-ጉርዮን ፈረንሳ እምንቲ ማሓዛ እስራኤል እያ ኢሉ ብምአምን፤ ምስ ፈረንሳውያን ብዝነበሮ ኣዝዩ ጽቡቅ ዝምድና፤ ፐረዝ ኣብ አስራኤል ናይ ኑክሌር መልሰ ገባሪ (reactor) ኣብ ዲሞና ክትምስርት ኣኽኢልዋ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከኣ ወናኒት ኒክለር ብምኻን ኣዝያ ተፈራሒት ሃገር እያ። ኣብ 1953 ናይ ኢስራኤል ናይ ነፈርቲ ኢንድስቱሪ ብምምስራት፤ ሎሚ እስራኤል ኣብ ስነ-ፍልጠት ድሮንስ (ሰብ ኣልቦ ነፈቲ) ብቀዳምነት ካብ ዝስራዓ ሃገረአት እያ። ኣጽዋር ካብ ዝነኣሰ  ስጋብ ልዓበየ ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ቀረብ ሓሊፉ፤ መሸጣ ኣጽዋር ሓደ ዓቢ ክፋል ናይ ቑጠባ ኣታዊታታ እዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 1987 ስርሒት ኢንተበ ዝኣዘዘ፡ ኣብ 1985 ንስራኤል ካብ ኣዝይ ሓደገኛ ዝቅባብ ናይ ገንዘብ ዘድሓነ፤ ኣብ 1985 ወተሃደራት እስራኤል ካብ ሊባኖንስ ክወጽእ ዝመርሐ፤ ኣብ አስራኤል ናይ ናኖ ቴክኖሎጂ ዝሓለመ። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ወተሃደራዊ፤ ጸጥታ፤ ቁጠባን ድፕማሲያዊ ዝምድናን እታ ሃገር ዓቢ ተራ ጽተጻወተ ዘይሕለል መራሒ።

ፉጹም ሰብ የለን፤ ደባን ሸነኻት ታሪኹ

ታሪኽ ፐረዝ ዓወታትን ጽቡቅን ጥራይ ዘይኮን፤ ዘይጽቡቅ ሸነኽውን ነይርዎ እዩ። ገለ ካብቶም ዘይጽቡቃት ሸነኻት፤ ብ ብሺን-ቤት ዝፍለጡ ናይ ጸጠታ ኣባላት ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ክልተ ፍልስጠማውያን ጨወይቲ ኣብ ናይ 1984 ባስ-300 ዝፍለጥ ጉዳይ ምሽፋኑ።  ናይ 1956 መጥቃዕቲ ስዊጽ ካናል፤ ብአንግሊዝ፤ ፈረንሳን ኢስራኤልን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝነበሮ ኢድ ። ም ኡውን፤ አዝዩ ጨካን ፈተና ምዕላው ቀዳማይ ሚንስተር ለቪ-ኢሽኮን ካብ ስልጣኑ ኣብ ድሮ ኩናት ሹዱሸተ ማዓልቲ።

ብተወሳኺ ሚንስተር ምክልኻል ኮይኑ፤ አብ’ዚ ሎሚ ብሰፈራታት አይሁድ ዝፍለጥ ንሰላም ዓንቂጹ ካብ ዝሓዙ ዝባሃል፤ ንሰፈርቲ ንምሕጋስ ኣብ ሰፈራታት ሰባስቲያ፤ ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ኣንጻር ኢሳቅ ራቢን ንኽብል ሰፈራታት ደጊፉ። ብስርሒት ፍረ-ወይኒ ቁጠዐ (operation grapes of wrath) ዝፍለጠ ኲናት ኣዊጁን ኣካይዱን። ብዋጋ ኩሉ ነገር ከኣ፤ አብ ስልጣን ምድያብን ኣገዳሲ ኮይንካ ክትጸንሕ ምድላይን። ከም ኡውን ንጻዓዱ ገበነኛታትን (white collar criminals) ናይ ደገፍ ደብዳቤ ምጽሓፍን፤ ምስ ወነንቲ ቡዙሕ ሃብት ብዝነበሮ ምትአስሳርን ገለ ካብ’ቲ ብጽቡቅ ዘይላዓል ታሪኹ እዩ። ፍጹም ሰብ የለን።

ዘይተወደአ መስርሕ ሰላም

ፐረዝ ኩሉ ስለ ሃገር ዝገብሮ ንድሕነት ወይ ጽጥታ ሃገሩ ዘቀድም አዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ መጀመርያ ሰፈራታት ከተባብዕ ከሎ ንጸጣታ ሃገር ተባሂሉ አዩ። ኣብ’ቲ ዳሕራይ ናይ ሰላም ተበግሶኡውን ካብ ጸጥታ ሃገሩ አዩ ዝብገስ። ሰፈራትታ ንሃገሩ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ምኻኖም ብምርዳኡ እዩ። ክልተ ሃገራት ንኽልተ ህዝቢ ዝብል ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ፍልስጠማውያን ስጋብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ጽዒሩ። በዚ ካኣ ኣብ ሚያዝያ 1987 ፐረዝ ምስ ንጉስ ሑሰን ናይ ጆርዳን ናይ ሎንዶን ስምምዕ ተፈራሪሙ። ዓለምለኻዊ ምዝርራብ መጻኢ ናይ ምዕራባዊ ወሽመጥ (West Bank) ንድፊ ዕዮ ተዳልዩ። አዚ ኩሉ ኣብ ውሽቲ አዝዩ ናይ ፖሎቲካ ውድድርን ተቃውሞ ናይ ተዋዳዳሪ ሰልፍ ሊኩድን እዩ። ብተወሳኺ መስርሕ ምልቃቅ ካብ ቃዛ ደጊፉ።

ኣብ ሰነ 1992 ካኣ ካብ መሪሕነት ናይ ሰልፊ ዕዮ ብይስሓቅ ራቢን ተሳዒሩ። ራቢን ካአ ንሰልፊ ዕዮ ናብ ዘደንቅ ዓወት ብምምራሕ ንፐረዝ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንሰር ሰምይዎ። ኣብ መስከረም 1993 ፐረዝ ካአ ናይ ምስጢር ዝርርብ ምስ ያሰር ዓራፋት መራሒ ናይ ግንባር ሓርነት ፍልስጢም (PLO) ብምክያድ፣ ናብ ናይ ኦስሎ ስምምዕ ተፈራሪም፤ ነዚ ዘሎ ናይ ፍልስጤማውያን መሪሕነት ከኣ ልቀውም ኪኢሉ። አብ 1994 ካአ ናይ ናብል ናይ ሰላም ሽልማት ተሸላሚ ምስ ዓራፍትን ራቢንን ክኸውን በቂዑ። አብ 1995 ካአ ራቢን በአኽረርቲ ይህዳውያን ተቀንጺሉ። ብድሕሪ’ዚ ፕረዝ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ስልጣን ከም ቀዳምይ ሚንሰተር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ነቲ ናይ ኦስሎ ስምምዕ ካአ ምስ ኩሉ ዝነበር ናይ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ቀጺልዎ።

ምቅንጻል ራቢን አዝዩ ዘደንቅ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ፤ ዘገርም ግብረ መልሲ ካብ ህዝቢ እስራኤል፤ አዕራብን ዩሁድን፡ ንአሽቱን ዓበይቲን፤ ሃይማኖታውን ዓለማውን፤ ህዝቢ ካአ ኣዝዩ ጉህዩ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ህዝቢ ፈጢሩ። ክሳብ ሎሚ ከኣ ገለ ፐሬዝ አብ’ታ ግዜ ቲኣ ናብ ምርጫ ከይዱ እንተዝኸውን ኣብ ምርጫ ምታዓወተ’ሞ እቲ ናይ ሰላም ተስፋ ምቐጸለ ናይሩ ክብሉ ከለዉ። ካልኦት ካኣ ኣብ ክንዲ ናይ ራቢን ስልጣን ዝቅጽል፤ ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ንምዕዋት፤ ብስሪሒት ፍረ-ወይኒ ቁጠዐ (operation grapes of wrath) ዝፍለጥ ኩናት ናይ ሊባኖስ ምስ ሑዝቡ ኣላህ ወሊዑ፤ ብዙሓት እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ንቅድሚት ክደፍኡ ዝደልዩ፤ በዚ ዝተቆጠዑ ናብ ሰላም ደገፍቲ ዩህድን ዓረብን፤ ነዚ ብምቅዋም፤  ጻዕዳ ወረቀት ኣብ ምርጫ ብምአታዉ፡ ፐረዝ አዝዩ ወሳኒ ምርጫ ብናትናያሁ ተሳዒሩ። ኦስሎ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ሰልም ናይ ወረቀት ስምምዕ ኮይኑ፤ እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና ክኸውን ካአ ኪኢሉ። በዚ ካአ ፐረዝ እታ ወሳኒት ናይ 1996 ምርጫ ብሰንኪ እዛ ንእሽቶይ ናይ ኩናት ኣድቨንቸር ክብል ተሳዒሩ። ገለውን ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ናይ’ታ ሃገር ሰላም ምስፋን አዩ እቲ ኲናት ምስ ሑዝብ ላህ ወሊዑ ዝብሉ ኣይሳኣኑንን።

ፐርዝ ኣብ 1996፤ ብፐረዝ ናይ ሰላም ማአከል ዝፍለጥ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ንምፍጣር ዝሰርሕ፤ ፖሎቲካዊ ጸግዒ ዝይብሉ፤ ዘይመንግስታዊ ማሕበር፤ ብምቃም ንሰላም ከይተሓለለ ጻዕሩ ቀጺሉ። ናይ ዓለም መራሕቲ ከኣ ስለ’ቲ ዘይሕለል ጻዕሩ ንሰላም የድንቅዎ። ኣብ ሰላም ብዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ካአ ፐረዝ ኣብ 2010 ተሸላሚ ንጉሳዊ ክብሪ ካብ ንግስቲ ኤልሳቤት ካልይቲ፤ አብ ሎንዶን ተሳላሚ ኮይኑ። ኣብ 2014 ከኣ ናይ አመሪካ ፕርሰድንታዊ መዳልያ ናጽነት ካብ ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ተሸላሚ ክኸውን በቂዑ። በዚ ከኣ ንነብሱ ካኣ ካብ ኣካራኻሪ ፖሎቲከኛ ንብ ኣዝዩ ፍትዊ ፖሎቲከናኛ ክⷅይር በቂዑ።

ተራ ዜጋ፤ ናይ መወዳእታ ዕረፍቲ

ፐረዝ ኣብ 2014 ካብ ፕረዝደንቲነት ወሪዱ ከም ተራ ዜጋ እንዳነበረ፡ ብመጥቃዕቲ ልቢ፤ ኣብ ሸባ ዝባሃል ማእከል ጥዕና ንኽልተ ሰሙን ኣቢሉ ናይ ጥዕና ክንክን እንዳተገበረሉ ካብ’ዛ ዓለም ኣብ መስከረም 28 2016 ኣብ 93 ዓመቱ ብሞት ተፈልዩ። እዚ ብሂወት ከሎ ካብ ክልቲኡ ፖሎቲካዊ ጽንፊታት ማለት ጸጋምን የማንን ርትዓዊ ዝኾነ ፍቅርን ኣኽብሮን ዘይረኸበ ዝመስሎ ፐረዝ፤ ድሕሪ ሞቱ እዩ ብኹሎም ፍቅሪ ተገሊጹሉ። በቶም የማን ንሰፈራታት ኣይሁድ ምቅዋሙን፤ ንስላም ዝነበሮ መርገጺን ክኸውን ከሎ፤ በቶም ጸጋም ከኣ፤ ነዚ ሎሚ ፐረዝ ንሃገር ኣይሁድ ሓደጋ እዩ ብምባል ዝቃወሞ ዘሎ ሰፈርታት ከብቶም ጀመርቲ ምኻንኑ፤ ሰልፊ ሊኩድ ስልጣን ካብ ሰልፊ ዕዮ ዝወሰደሉ ኣብ መሪሕነት ፐረዝ ምኻንኑ። ጋዜጠኛ ዳቭድ ባራክ፤ ቀብሪ ፐረዝ፤ ካብ ምስንባት ፐረዝ ሓሊፉ፤ ብኹሎም መራሕቲ ሃገራት ተፈቲኑ ዘይቀነዐ ቀዳማይ ሚንስተር ናታንያሁን ፕረዝደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ዘራኸበ፤ ንናይ ዓለም ምራሕቲ ኣብ ሓደ ዝኣከበ፡ ዓቢ ምርኢት አዩ ነይሩ ክብል ገሊጾዎ።  ዋላ’ካ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ንኽብሪ ፐረዝ ካብ ምሉአ አለም እንተመጹ፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ፤ እቲ ካልእ ሸነኽ ታሪኽ ናይ ፐረዝ ኣብ ግምት ብምእታዉ ኣብ ቀብሪ ፐረዝ ዘይተሳተፉ ፖሎቲከኛታትውን ኣይተሳእኑኑ። ብፍላይ ከኣ መራሕቲ እታ ብናይ ሓባር ዝርዝር (Joint List) እትፍለጥ ብኣርባዕተ ብዝበዝሑ ብዓረብ ዝቆማ ሰልፍታት ዝተመስረተት ሰልፊ። በዚ ከኣ ህዝቢ እስራኤል ሓደ ካብቶም መስረቲን ባዓል ራኢን ዝኾነ፤ እታ ሀገር ዘፍረየቶም ብሉጻት መራሕቲ ተማሊ ዓርቢ ተሰናቢቱ።

ሽሞን፤ ንሃገርካ ብዘደንቅ ብዘይገደብ ኣገሊግልካ፤ ከመ ሰብ ጌጋታት ነይሩካ፤ ስለ ሰለም ከይተሓለልካ ጺዒርካ፤ ኣብ መወዳእታ ንዓለምካ ኬድካ፤ ሰላም ኩን! መንግሰተ ሳማይ የዋርስካ!

ሃብቶም መሓሪ

ኣበርካቲ ኣሰና

habtom

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Wedi Hagher October 2, 2016

    When Shimon Peres was an 11 years old kid in Poland, the branch of Zion Workers in his country was mobilizing Polish Jews with the slogan: “Palestine a land with no people, for a people with no land”.
    All those who thought Palestine was an empty land dreamed to move there and have their own Nation. That was the Zionist movement’s ultimate goal. Shimon Peres’ family and many like them from Poland, Ukraine, Germany, moved to Palestine, replaced its indigenous people, butchered people in more than 520 villages and created a Jews Nation on someone else’s land. The Ashkenazim who now make 80% of Israeli population (of Slavic descent) came mostly from Eastern Europe and displaced more than one million Palestinians from their land. The latter live cornered in less than 20% percent of their land, 70 years on still live in camps, with keys of their homes in historical Palestine that became Israel well kept in their hands and passed from generation to generation.
    The legacy of Shimon Peres is a conflict that has no end in near future.

  • AHMED SALEH!!! October 2, 2016

    I followed this great man achievements in Israel politics for the last more than ten years . His strong principle
    to bring peace in middle east earned him great respect from the whole world including his enemies .
    Righteous people judge a person of his deeds , period .
    MAY GOD REST HIM IN PEACE .

  • PH October 2, 2016

    It is logic to give good ward to Who is dead. For instance, if Isayas deay’s tomorrow what will we say? I leave it for his supporters.

  • Setimo October 2, 2016

    He was a great man and a respected statesman who earned respect for himself, his family and his little but strong nation, that is now a refuge to more that 50,000 Eritreans.
    Perez became a great man the hard way, thru his bootstraps, he moved from the bottom to the top like an artisan tradesman. He never waited for any other person to spoon-feed him.
    Is it irony that the densest forest in the Middle East is in Israel? Tiny Israel has two universities ranked in the Top 100 Universities of the world and publishes more peer reviewed research articles in the top ranked academic journals than any nation in Asia, Africa, and South America while many can not build one worthy university with all the bloody crude oil they float on. Talk about leadership, self confidence and worthy men and women. Worse, many in this little earth are ashamed of their own selves, identity, languages, flags and history.

  • k.tewolde October 3, 2016

    He was a good man with all inequities of a human being,relentlessly fought for peace in otherwise the most volatile region of the world,dreamer with a vision one day a Palestinian boy and an Israeli girl or vice versa will hold hand in hand and walk to school in Galilee and that’s what the good Lord who created Abraham and Esau wants to see anyway,He will receive him well.

POST A COMMENT