Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሻማ-ሻማ

ጥቅምቲ 18/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)              ሻማ ንበል ’ዛ ግራት ንዕመማ              ጽሓይ ከይዓረበት ንቐድማ ደቂ ሃገር ንበል ሻማ-ሻማ ከምቲ ናይ ብኣምሆይ ናይ ፈለማ ህልም ክብል ጽንጽያ ምሰ ቃርማ     ኣጻብዕና ንዕሞኰን ንኹለን     ከይተፈለጠና ፋሕ-ፋሕ ኢለን     ኣብዛ ዓለም ዘይዝንግዕ ሰብ የለን              ሻማ

ጥቅምቲ 18/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

             ሻማ ንበል ’ዛ ግራት ንዕመማ

             ጽሓይ ከይዓረበት ንቐድማ

ደቂ ሃገር ንበል ሻማ-ሻማ

ከምቲ ናይ ብኣምሆይ ናይ ፈለማ

ህልም ክብል ጽንጽያ ምሰ ቃርማ

    ኣጻብዕና ንዕሞኰን ንኹለን

    ከይተፈለጠና ፋሕ-ፋሕ ኢለን

    ኣብዛ ዓለም ዘይዝንግዕ ሰብ የለን

             ሻማ በል ምንእሰይ ብዓል ሚዶ

             ተፈራሂ ካብ ርሑቕ ካብ ማዕዶ

በሰላና ምእንቲ ከይረክስ

ማህረምትና ምእንቲ ክንፍውስ

ነባርሮም ብዓል ምልስ-ምልስ

    ተወሪርና ከመይ ኢልና ክንጽመም

    ዝተሳዕረ እምቢ ኢሉ ከይእረም

    ብዓል ወልፊ ምዓስ ይጸግብ ደም

             ኤርትራውያን በሉ ሻማ-ሻማ

             ወሕጅ ደም ከፊላ ኣይንጥለማ

ገና ርስሓት ኣሎ ኣይጸረየን

ሓተላን ጽራይን ኣይፈለየን

ምድግጋም ዓመጽ ኣይበለየን

    ባንዴራ ናይ ቃልሲ ነምበልብሎ

    ጻህያይ ሃገር ገና መሊኡ’ሎ

    ቅሚጦና ይመናጨት ኣሎ

             ሻማ በሎም ጽረግ ገፈል-መፈል

             ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ የለን

ዶ/ኣብይ ደራስ መጻሕፍቲ

ኣምሲሉ ዘንብብ ንሰማዕቲ

ፊደል ዝቐያይር ኣብ ሳልስቲ

    ናይዝስ ንበይኑ’ዩ መጋብሩ

    ብድሕሬና ንሜዳ ወፊሩ

    ምዕባይና ክኸውን ጠባቢሩ

             ሻማ ንበል ኩሉ በሪሁ ’ሎ

             ነዚ ግህዶ ምስጢር ኣይንበሎ

ኣመልያ ምስ መግነዝ ነይጠፍኣና

ርእሲ ’ድኒኖም ከምስሉ ትሕንና

መቐስ ሒዞም ዳሕራይ ክቖርጹና

    ዝድቅስ የብልናን የለን ዓራት

    ዝሕረስ’ውን መን ክሓርሶ ግራት

    ሻማ ንበል ናይ ሃገር ኲንትራት

             እወ ሻማ-ሻማ ብዓጀባ

             ውሕጅ ከየርከበ ንስገር ሩባ

ሻማ ንበል ንደይቦ ጎቦ

ነብሪ ጎልጎል እንታዋይ ከርክቦ

ድሕሪ ደጊም ካላእ ትዛረቦ

    ሻማ በሉ ኣንቱም ደቂ ሕድሪ

    እስከ ጽሓይ ይብረቕ ማይ ይዛሪ

    ቀውዒ ሓሊፍካ ’ኮዩ ወርሒ ጥሪ

             ድሕሪ ሻማስ ይበላዕ ይሰተ

             ማሕቱታ ናይ ቆፎ ምስ ተኸፍተ

ወዲ ቦኽሪ ቀዳማይ ዝኸደ

ጋዜጣ ናይ ዓለም ዘንጎድጎደ

ሻማ በል ምንእሰይ ሕሳስ ልደ

    እወ ሻማ ንበል ንሃገርና

    ደይ ትማልሲ ከምኡ ኢና ጌርና

    ሓዲሽ ነገር ኣይኰነን ንዓና

             ሻማ በል ጎቦዛይ ወዲ መስኖ

             ድሕሪ ደጊም ኣይትርገጽ ፍሬኖ

ህዝብና ክጸግብ ከብዲ ምላሽ

ጸላእትና ከም ቀደሞም ኣላሽ

ሕልሚ ወራር ብቐደሙ ብላሽ

    ረሲዖሞ ናይ ተብዓት ቀርኒ

    ኣስናኑ ዝሕርቅም ትሕረመኒ

    ይምለሱ ’ለዉ ብዓል ግኒ

             ከመይ ማለት! በሉ ሻማ-ሻማ

             ምኣዱ ’ይፈልጥን’ዩ ሃንጎሊማ

ኣይዞ ጎበዝ ብጀጋኑ ፈርም

ኣይርሳዕ’ንዩ ነፋሪት ክትሃድም

ዳንጋ ሰውራ ሰምበል ክብል ድርግም

    ዋእ! ሸፋቱ ’ፋኒኻስ ክኣ ሽፍታ

    ከናፍር ጠለምቲ ሕማቕ ዛንታ

    ጠበንጃ ሃደምቲ ብዘይ ቃታ

             ሻማ ንበል ንሃገር ንመርሽ

             ጎበዝ ዶታ ኣሕዋቱ ይሕሽሽ!

ንኤርትራስ ንደመር-ንደመር

ከም ቀደሞም ናፊቖም ጠምበርበር

እግሪ ዘይብሉዶ ’ብሃል መምበር

    ንመምበርሲ ናትና ኢና ንብሎም

    እንተደልዮም ዱኳ እንሃሎም

    ዝተሳዕሩ ኮፈ-ኾፍ ትኣኽሎም

ወድኣይተኸ!   መርዛም ተመን ክምለስ ኢሉኒ

             ጭራ ጥራይ ሃሪመ ’መስለኒ

ኤርትራዊ ሻማ በል ተበገስ

ምምራሽ ኣመሉ ሓያል ፈረስ

ፍረ መሮር በሊዑ ዝቃለስ

    ብዓትን ስንጭሮን መሕደሪኡ

    ሳላሳ ዓመት ዘይፈትሕ ስሪኡ

    ስለምንታይ ዘይረክብ ጻምኡ?

             በሎም ሻማ-ሻማ ውጋእ-ውጋእ!

             ዓወት እንድኣሉ ናትካ ጽዋእ

ንስኻ በል እምብለይ-እምብለይ

ንሶም ክኣ ኣይፋለይ-ኣይፋለይ

ኣማን-ኣማን ኣውጽእኒ እግረይ

    ከምኡ’ኮዩ ነይሩ ትማል-ትማል

    ናይ እንዳ መን ጸኒሕካ ምድህላል

    “ሰላም ፍቕሪ” እንዳልካ ምትላል

             ሻማ በል! ትኽ ኢልካ መክቶም

             ጥውይዋይ መንገዲ ንዓኣቶም

ፍረ ሰውራ ሻማ ድኣ ሻማ

ኤርትራ ’ይናትናን’ያ ተቖርሚማ

ብዓል ገንኢ ኣይቅበልን ሳርማ

    ኤርትራዊ ርግቢተ-ባሪቶ

    ንብረትካ ክወሩ ብዓል ከንቶ

    ጎደና ሓርነት ኮምብሽታቶ

             መርሽ ድኣ መርሽ ብዓል ዛንታ

             ሃገርካስ ናትካ’ያ ብምልእታ

ብናይ ክፍኣት ግብሪ ዝሰኸረ

ጽርግያ ገይርዎ ዝተፋሕረ

ብቦጣት ዝሕጸብ ዝነበረ

    እዚ ከዳዕ ጠላም እከይ ግብሪ

    ኣርጊፉዎ ኩሉ መዛወሪ

    ማረቻ ቤዲ ዕንባባ ፍዮሪ

             መርሹ ’ምበር እንታይ ድኣ ደሊኹም

             ሃገርኩም እኮ ’ያ ምሃያኹም

ኣይናትናን’ዩ ነውራም መጋብሩ

ኣሉ ዝብል ልሳን ቀያይሩ

ነፋሒቶ ዝቐያይር ሕብሩ

    ደጊም ሻማ ንበል ልቢ ንግበር

    ንሕና ንእቶ ውሒጣ ይባረር

    መሶብ ይቕረብ ዝጠመየ ’ደረር

             ሻማ ንበል መቓልሕ ዘለዎ

             ጽቡቕ ንግበር ወድ-ሰብ ዝፈትዎ

ሻማ በሉ ይደወል መደሎ

ዘርኢ መርገም እስር ከነብሎ

ንዕኡ ዝኸውን ገመድ ኣሎ

ንድገም ’ምበር ንሶም ካብ ደገሙ

እዚ ኹሉ ምሂርናስ ደይለበሙ

ደፋር ድሙስ ገረማርያም ሽሙ

             ህድሞና ክወርሱ ምልስ-ምልስ

             እታ ኣጒዶኦም ድኣ ከይትፈርስ

ሻማ በሉ ዋዜማ ቀሪቡ

ብዓል ጽቡቐ ደይ ኢዱ ረኺቡ

ድሕሪ ደጊም የለን ገርሂ ልቡ !!!

    ኩሉ ወዲ ሃገር ተናዲዱ

    ሸኽ ምስ ካህን ተሲኡ ዓሪዱ

    እዝግሄር’ውን መልእኽቲ ሰዲዱ።

       

            ድሕሪ ’ዝጊሄር መንዩ’ሞ ከዕርፍ

            ብስሚላህ ዲዩ ብስመ ኣብ ክተርፍ

            ሻማ ድኣ ጸላእትና ነርግፍ!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Gezae October 20, 2018

    How do I tell the truth without telling a lie?
    Spill my guts and walk away
    Leaving someone else to clean up my mess
    I threw the rock that broke the glass
    Now to kiss and tell and wish you well
    You had the best and I’m left with the rest all
    Just a coward hiding in the fray
    Trying to live up to seeing the sunny day
    Worried that light might shine through the shattered glass
    and find that I was the one who broke my heart in two plus

    • k.tewolde October 20, 2018

      Gezae,try tigrigna you have a better chance reaching your audience.

Post a Reply to assenna Cancel Reply