Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሸፈነ ዝሰኣነ ጉዳይ መንእሰያት ህግደፍ

ክቡራት በጻሕቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ “ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ደገን ውሽጥን ልዕሊ 600 መንእሰያት ኣኪቡ ኣብ ናቕፋ ንሓደ ሰሙን ዘካየዶ ‘ዋዕላ መንእሰያት’ ከምዘይሰለጦ ተፈሊጡ።”ብምባል ኣብ ዘቕረብናዮ ዜና፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ ብሰፊሑ

ክቡራት በጻሕቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ “ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ደገን ውሽጥን ልዕሊ 600 መንእሰያት ኣኪቡ ኣብ ናቕፋ ንሓደ ሰሙን ዘካየዶ ‘ዋዕላ መንእሰያት’ ከምዘይሰለጦ ተፈሊጡ።”ብምባል ኣብ ዘቕረብናዮ ዜና፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ ብሰፊሑ ዘብርህ ትሕዝቶ ምስ በጽሓና ከነቕርበልኩም ምዃና ሓቢርናኩም ኔርና። እንሆ ድማ፡ እቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ኣሕዋት ካብ ኣስመራ ዝተላእክልና ሓበሬታ። ሰናይ ንባብ።

 

ሸፈነ ዝሰኣነ ጉዳይ መንእሰያት ህግደፍ

ህግደፋውያን ከምስሉን ህዝቢ ከጋግዩን፡ ገንዘብ ከፊሎም፡ ሺሒሮም ሸሓሒሮም፡ ኣቀባጢሮም፡ ከም ሞቕሽሽ ናይ ጁባ ገንዘብ (Pocket money) ሂቦም፡ ናይ ነፋሪት ቲኬት ከይተረፈ ከፊሎም ‘ንመንእሰያት ትውክሉ ኢኹም’ ኢሎም ዝያዳ 200 መንእሰያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ዝተረፉ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ዳርጋ 400 ዝኾኑ መንእሰያት፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 600 ዝኾኑ መንእሰያት ዝተሳተፉዎ ጉባኤ ( ኣብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2011) ኣብ ናቕፋ ወዲቦም። መዳመቒ ጉባኤኦም ድማ፡ ‘ሽልማት ዛግረ’ ዝሽለሙ መንእሰያት ናብኡ ወሲዶም ጉባኤ ከምዝጅመር ገይሮም።

 

ጉባኤ ኣብ ምጅማሩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓጺር መደረ ኣስመዐ። ድሕሪ መደረ ሽልማት ዛግረ ንዝሽለሙ ተማሃሮ ሽልማት ዓደለ’ሞ፡ ሕቶን መልስን ምስ ፕረዚደንት ተጀመረ።  እቲ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ብቕዓት ዘይብሉ ፕረዚደንት ክምልሶ ዘይክእል ከበድቲ ሕቶታት ምስ ቀረቦ ኸኣ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ሻሂ፡ ሂሊኮፕተሩ ኣልዒሉ ናብ ኣስመራኡ ባው ኢሉ ተጸርገፈ።


በዚ መንእሰያት ገረሞምን ደንጸዎምን

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኤርትራ ከም ጸሓፍትን ኣውቲስታታትን ዝሰርሑ እሙናት ዝብሃሉ መንእሰያትን፡ ደቆም ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ሓለፍቲ ህግደፍ ኮይኖም ዝሰርሑን፡ ኮታ ህግደፍ ‘ናትና እዮም’ ኢሎም ኣብ ኣዳራሽ ናቕፋ ዝኣከቡዎም መንእሰያት፡ ደይናቶም ኮይኖም ደኣ ተረኽቡ።

 

ኣብቲ ፕረዚደንት ከይከደ ኸሎ ዝተሓተተ ሕቶ፡ ህግደፋውያን ክምልሱዎ ዘይክእሉ ሰፍ ደይብል ከበድትን ተረርትን ሕቶታት’ዩ ቀሪቡ።

 

በቶም መንእሰያት ካብ ዝቐረበ ሓደ ሓደ ንምጥቃስ፡-

 

1ይ – ፖለቲካዊ መስመርናን ፕሮግራምናን እንታይ እዩ? ምኽንያቱ፡ ኣብ ደደለናዮ ሃገር ደው ኢልና፡ ምምላስ ስኢንና።

 

2ይ – ኤርትራ ኣብ ሶማል እንታይ ተራ ኣለዋ? ተራ ወይ ረብሓ እንተለዋ ንገሩና ክንፈልጥን ክንምልስን። ተራ እንተደይብላ ግን ስለምንታይ ኣብኡ ኣቲና? ኣብ ሶማል እንተደየሊና ‘ውን ንገሩና ‘ሞ፡ ኣብ ደለናዮ ሃገራት ሕቶታት ክመጽኣና ከሎ፡ ‘ኣይኣተናን’ ኢልና ክንምልስ።
3ይ – ምርጫ መዓስ እዩ ክካየድ?

 

4ይ- ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከመይ እዩ? ዝብልን ካልኦትን ነይሮም።

 

ነዚ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ኸኣ’ዩ ፕረዚደንት፡ ብድሕሪኡ ንየማነ ገብረኣብ ኣብ መድረኽ ገዲፉ፡ ብሄሊኮፕተር ሃዲሙ። መድረኽ የማነ ምስ ተረከቦ ‘ውን፡ እቲ ሕቶታት ተሸፊኑ ኣይሓለፈን። ደጊሞም ደኣ ሕቶታቶም ኣቕረቡሉ።

 

የማነ ድማ ከም ኣመሉ ንገሊኡ ‘እዚ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ብቑዕ መልሲ ክህብ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣ ብዛዕባ ምርጫ ምስ ተሓተተ፡ “እዛ ሕቶ እዚኣ ምስ ትሕተት ርእስና ኢና ንሓምም። ኣብ ዝኸድናዮ ሃገር እያ ትጸንሓና። ሕጂ ግን ደሓን ንሓስበላ ኣለና” ኢሉ፡ ክቕሽሾም እዩ ፈቲኑ።

እቲ ተቓውሞ ኣብቶም ናይ ወጻኢ መንእሰያት ጥራይ ኣይተሓጽረን። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽኡ መንእሰያት ‘ውን ሕቶታት ምቕራብ ኣይገደፉን። ሃማመተኤ ‘ውን ኣይሰነፉን። ቀደም ግዜ ኮራርምቲ ዘይብላ ማሕበር ትብሃል ከምዘይነበረት፡ ሎሚ ሎሚ ግን ቀቁሩብ ኣስናን ከተብቍል ጀሚራ’ላ።

 

ሃማመተኤ ዘቕረቡዎ ጽሑፍ ‘ውን ከምዚ ዝብል ነበረ፡-

1ይ- ብመሰረቱ መንእሰያት ሃማመተኤ ከለና መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ንምንታይ ኣድለየ?

 

2ይ – ‘ብድሆታት መንእሰያት ካብ ኣስመራ ክሳብ በረኻታት ሲናይ’ ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምስ ኣቕረቡ ብኣቶ የማነ ዝተዋህቡዎ መብርሂ ድማ ከምዚ ይብል፡-

 

ናይታ ቀዳመይቲ ሕቶ፡ “ደሓን ‘ዩ ‘ዚ፡ ኣብ ሽም ኣይትገደሱ። ኩሉ  ንሃገራዊ ረብሓ እዩ።” ክብሎም ከሎ፡ ነታ ካልኣይቲ ጽሕፍቲ ግን ፈጺሙ ኣይተቐበላን። ኣየሐጎሰቶን።

 

“ድሕሪ ሎሚ መንእሰይ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸደሉን ዝምለሰሉን ግዜ ፍሉጥ ክኸውን እዩ።” ብምባል ከታልል ‘ኳ እንተፈተነ፡ እቶም መንእሰያት ግን ሕቶታቶም ብምቕጻል፡ ንመልስታቱ ከምዘይተቐበሉዎ ኣግሃዱሉ። ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕንቅፋት መንግስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ኸኣ ኣይሓበአን።

ሓደ መንእሰይ ተንሲኡ፡ ንኣቶ የማነ፡ “ኣውራ ኣውራ እዛ ካልኣይቲ ጽሕፍቲ ኣድላይት እያ ምኽንያቱ ነዚ ሽግር’ዚ ቅልጡፍ መፍትሒ እንተዘይተገሩሉ ሓደ ሃንደበታዊ ነትጕ ክትኮስ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ቅልጡፍ ፍታሕ ክድለየሉ ኣለዎ” በሎ ‘ሞ፡ ኣቶ የማነ፡ ነቲ መንእሰይ ጸረፎ። ኣብቲ ኣዳራሽ ድማ ምዕዝምዛም ገነነ። ዓብደላ ጃብር ንየማነ ከዝሕሎ ካብ ኣዳራሽ ከምዘውጽኦ ኮይኑ። ወዮ መንእሰይ ድማ ሽዑ ከምዚ በለ፡ “ሓቅኻ ኢኻ ኣቶ የማነ፡ ኣነ ይፈልጠካ እየ፡ ንሳኻ ግን ኣይትፈልጠንን ኢኻ። በንጻሩ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ መንእሰያት ይፈልጡኻ እዮም፡ ንስኻ ‘ውን ትፈልጦም ኢኻ” በሎ።

 

“እንታይ ማለትካ እዩ?” በለ ኣቶ የማነ። እቲ መንእሰይ “እወ፡ ንዓይ ትፈልጠኒ ዲኻ? ትፈልጠኒ ዶ ንዓይ?” ኢሉ ደጊሙ ሓተቶ። የማነ ድማ፡ “ ኣይፈልጠካን’የ” ኢሉ መለሰሉ።

ቀጺሉ እቲ መንእሰይ፡ “እሞ ነዞም ናይ ወጻኢ መንእሰያት ግን፡ ኣስማቶም ከይተረፈ ኢኻ ትፈልጦም፡ ስለዚ ርክብኩም ምስ ናይ ደገ መንእሰያት እምበር ምስ ናይ ውሽጢ መንእሰያት ኣይጸንሐን። ኣረኣእያኹም ‘ሞ የዐርዩ፡ ሽዑ እቲ ሽግር መንእሰይ ክርድኣኩም” በሎ። በዚ ጉዳይ’ዚ ክታረኹን ክተሃላለኹን ግዜ ሓለፈ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣኼባ፡ የማነ ገብረኣብ ዘዳለዎ ጽሑፍ ሂቡ፡ “ከም መግለጽን ውሳኔታትን ኣኼባኹም ነዚ ኢኹም እንተንብቡዎ” በሎም። እቶም መንእሰያት ብምሉኦም በዚ ተገረሙ። “እዚ ደኣ’ሞ ናትኩም ወረቐት እንድዩ፡ ናትና ወረቐት ድማ ኣለና” ምስ በሉ፡ ምትፍናን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ደየበ።

ኣብ 10 ጉጅለታት ተወዲቦም ርሱን ዘተን ክትዕን ምስ ገበሩ፡ ናትና ዝብሉዎ ወረቐት ምስ ኣቕረቡ። የማነ ነቲ ወረቐት ምስ ረኣዮ ጨጕሩ ክነጺ ቁሩብ ተሪፉዎ፡ ካብ ክቱር ምህንዳድ ኣብ ጸርፍን ዘለፋን ኣተወ።

ካብቲ ብዙሕ ጸርፍን ዘለፋን ግና እታ ተገርም ሓንቲ ቃል ኣላ። ንሳ ድማ፡ “ንስኻትኩም እንኳዕ ንምሉእ መንእሰያት ኤርትራ ትውክሉ ኣይኮንኩም” እትብል እያ። እቶም መንእሰያት ከኣ “ባዕልኻትኩም ወከልቲ ኢኹም ኢልኩም ኣምጺእኩምናሲ፡ ንሕና ደኣ’ሞ እንታይ ፈሊጥና” ኢሎም ተገረሙ።

ብድሕሪ’ዚ እቶም ሰበስልጣን ህግደፍ ገገዲፎሞም ከዱ ‘ሞ፡ እቶም መንእሰያት ኣብኡ ተሪፎም በብውልቆም ጉዳይ ዙረት ናብ ድፋዓት ገይሮም፡ በብጉጅለ እንዳተዛናግዑ ናብ ኣስመራ ተመልሱ። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ታሕሳስ ዝተገብረ ጉባኤ ሸፈነ ስኢኑ ስጋብ ሎሚ ተዘኪሩ ኣይፈለጥን።

 

ግዱሳት ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • weygud! January 16, 2012

    The facts i always think is, why we afraid to the PFDJ officials!! whilist they are not afraid to rule over us, why we go afread to them. They are indvidual small banches of stupid who has identity crisis which made them to be cruel or jealousy of the people of Eritrea. At such point whilit they think that, they will die if people are uprsing, we should not afraid to die for our rights. So by these bunches of cruel indetity crisis officials, we should not suffer every. We should ask for our rights. These are a bunches of indvidual jealousy dogs in our land.

  • dave January 16, 2012

    i would love to see this conference, can u send it in video or audio…, it would be better , and every one would have believed what had happened there…, thanks

  • berihgeb@yahoo.com January 17, 2012

    thats good
    brother &sister

  • Johnavon January 18, 2012

    A proovctvaie insight! Just what we need!

Post a Reply to Gebre Cancel Reply