Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-ኣንስትዮ

ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-ኣንስትዮ 2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) መተሓሳሰቢ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ንዓለም ለኻዊ ብዓል ደቀ’ንስትዮ ሸሞንተ መጋቢ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልካ ክኣ ምስ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዘላቶ ክውንነት ኣዛሚድካ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ

ሸሞንተ መጋቢት

ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-ኣንስትዮ

2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

መተሓሳሰቢ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ንዓለም ለኻዊ ብዓል ደቀ’ንስትዮ ሸሞንተ መጋቢ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልካ ክኣ ምስ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዘላቶ ክውንነት ኣዛሚድካ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታት ብዓል ሸሞንተ መጋቢት ዝካየደሉ ዝቐነየ ንምትሕብባር ዝኣክል ዝተዳለወን ዝተዘርግሐን ኢዩ። እቲ ታሪኻዊ ሰንሰለታዊ ትሕዝቶ ብ 2004 ዓመተ-ምህረት ኣብ ኤርትራዊ ማ/ሰብ ኣብ ቫንኮቨር ብ ገነት ገ/ሂወት ዝቐረበ ኰይኑ እቲ ካልእ መመላእታ ግን ብባሻይ ዝተዳለወ ኢዩ። ምናልባት ንዘይበጽሖ ኣካል ንምዝርጋሕ ዝኣክል ግን ብመጠኑ ከም’ዚ ዝስዕብ ከነቕርቦ ኢና።

ኣግእዞ ደቀ-ኣንስትዮ ውጽኢቱ ንረብሓ ምሉእ ሕብረተሰብ ስለዝዀነ፡ ብሕታዊ ዕማም ኰይኑ ጥራይ ክተርፍ የብሉን። ስልጣኔ ማለት ምዕብልና ሕ/ሰብ ብውልቀ ጾታ ክምዝገብ ስለዘይክኣል ደቂ-ተባዕትዮ ፍንጫሕ መሰንገሎም ክርስዑ ኣይምተገብአን። ታሪኽ ካብ ኣረከበና ግን ደቀ-ኣንስትዮ ንመሰለን ቀላጽመን ከልዕላ ናይ ታሪኽ ግዴታ ስለዝዀነ ንታሪኽ ቃልሲ ደቀ-‘ንስትዮ ሃሰስ ክንብሎ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ሰረት ኢዩ።

እምብኣር ዓለም-ለኻዊ ብዓል ደቀ-ንስትዮ ዝሓለፎ ሰንሰለታዊ ሕልኽልኽ ምእንቲ ክርድኣናን ካበይ ነቒልና ናበይ ከምዝበጻሕና ምእንቲ ክንርዳእ ታሪኽ ሸሞንተ መጋቢት ብሓጺር እንሆ፦

ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-‘ንስትዮ ከም ሓሳብ ዝቐረበሉ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ኢዩ። ብዕለት ሸሞንተ ወርሒ መጋቢት 1857 ደቀ-‘ንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እንዳ ዓለባ ዝሰርሓ ዝነበራ ጸረ-ዘይሰብኣዊ ዝዀነ ኣሰራርሓታትን ትሑት ክፊሊትን ንምቅዋም ተላዕላ። ኣብዚ ምልዕዓል’ዚ ብፖሊስ ተገዲደን ወይ ተጠቒዐን ፋሕ ከም ዝብላን ከም ዝበታተናን ተገብረ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም እንደገና ንዕላምአን ንምዕዋት ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር መስረታ።

ብ 08 መጋቢት 1908 ዓ.ም.ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ (15,000) ዝዀና ደቀ-‘ንስትዮ እንደገና ኣብ ኒው ዮርክ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካየዳ። ኣልዒለንኦ ዝነበራ ጠለብ (demand) ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፦

1) ሓጺር ናይ ስራሕ ስዓታት ክህልወን

2) ዝሓሸ ክፍሊት ማለት ደሞዝ ክረኽባ

3) ናይ ምድማጽ መሰል ክህልወን

4) ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ቆልዑ ኣብ ስራሕ ይዋፈሩ ስለዝነበሩ፡ እዚ ስራሕ እዚ ከኽትም ወይ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ኢዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረን ጭርሖ ክኣ፦ (bread and rose) ማለት ሕብስትን ዕንባባን ዝብል ኰይኑ ትርጒሙ ውሕስነት ናይ ቍጠባን ዝተመሓየሸ መነባብሮን ማለት ኢዩ።

ብ 1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃግን ደን ማርክ መጋብኣያ (conference) ዴሳውያን ማሕበራት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ደሳዊት ጀርመናዊት ጓል ኣንስተይቲ ንመዘከርታ ናይተን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተለዓዓላ ደቀ-‘ንስትዮ፡ ሓደ ኣህጉራዊ ብዓል ክግበር ከም እማመ (proposal) ኣቕረበት። እቲ መጋብኣያ ነቲ ክላራ ዘቕረበቶ ብሓደ ናይ ሓባር ድምጺ ኣጽደቖ።

ሓደ ሚእቲ (100) ዝዀና ደቀ-‘ንስትዮ ካብ ዓሰርተው ሸውዓተ (17) ሃገራት እተሳተፍኦ መጋብኣያ ነቲ ሓሳብ ኣጽዲቑ ከብቅዕ፡ ምዓልቲ ግን ከይተወሰነ ተረፈ። እንተዀነ ግን እቲ ዝተገብረ ኣጋጣሚ ኣብ ሓያለይ ሃገራት ጽልዋታት ስለ ዘሕደረ ብ 1911 ዓመተ-ምህረት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምዃኑ ኢዩ ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-‘ንስትዮ ኣብ ኣውስትርያ (Austria) ፡ ኣብ ጀርመን ከምኡ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ተኸብረ።

እቲ ዝተኸብረሉ ዕለት መጋቢት 19 ኰይኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ኣንስትዮን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ተኻየደ። ሽዕኡ ዝተላዕለ ጭርሖ፡ ናይ ምድማጽ መሰል (The right to vote)፡ኣብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈታት (public offices) ተሳትፎ ደቀ’ንስትዮ ክህሉ፡ ከምኡ ድማ ሌላን ጒሌላን ኣብ መንጎ ደቀ’ንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክውገድ ዝብል ኢዩ።

ከም ኣካል ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ውግእ ዓለም (First World War) ብ 1913 ደቀ-‘ንስትዮ ሩስያ (Russia) ናይ መጀመርያ ኣህጉራዊ ብዓል ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ለካቲት ኣኽበራ። ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ኣብ ሸሞንተ መጋቢት ወይ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ወርሓት ነቲ ውግእ ንምቅዋምን ከምኡ ድማ ኣብ ጎኒ ኣሓተን ደቀ-‘ንስትዮ ደው ንምባልን ተሰለፋን ተለዓዓላን።

ኣብቲ ውግእ ክልተ ሚሊዮን ሩስያውያን ክመቱ ከለዉ፡ እንደገና ኣብ መወዳእታ ለካቲት ዘላ ዕለተ-ሰንበት ናይ 1917 ንመግብን ንሰላምን (For bread and peace) ኢለን ተላዕላ። ፖለቲካውያን መራሕቲ ክቃወሙወን ከለዉ፡ ንሳተን ግን ብእኡ ከይተዓግታ በታ ዕለት ሰልፈን ቀጸላ። ድሕሪ ኣርባዕተ ምዓልቲ ጻር (ሃጸይ) ናይ ሩስያ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ምስ ተኣገደ፡ እቲ ዝቖመ ግዝያዊ መንግሰቲ ንደቀ ኣንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል ፈቐደ። እታ ሰንበት እቲኣ ብኣቆጻጽራ ጁልያን ዓውደ-ኣዋርሕ (Julian Calendar)ናይ ሩስያ ኣቆጻጽራ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ምዃኑ ኢዩ፡ 23 ለካቲት ክትከውን ከላ፡ ምስ ሸሞንተ መጋቢት ብኣቆጻጽራ ግረጎርያን (Gregorian calendar) እዚ ንሕና ዓመተ-ምህረት ፈረንጂ ኢልና ንጽውዖ ወይ ንሰምዮ ምዃኑ ኢዩ፡ ኣብ ሓደ ምዓልቲ ገጠመት።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ከምኡ ድማ ኣብ መጋቢት ዝብዕለሉ ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ምኽንያት ብምግባር፡ ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ሸሞንተ መጋቢት ከም ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-‘ንስትዮ ኣብ ዝማዕበላን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራትን ሓድሽ ምዕራፍን ኣህጉራዊ ምኣዝንን ከም እትኸፍት ኰነት።

እዚ አብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ምዕባሌታት እንዳሃለወ ከሎ ግን፡ ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃገር ደቀ-‘ንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ተመዓራሪና ኣለና ዝበላሉ ዕግበት ኣይተበጽሐን ወይ የለን። ናይ ሕቡራት መንግስታት መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብ 1.3 ቢልዮን ድኻታት ናይ ዓለም ዝበዝሓ ደቀ-‘ንስትዮ ምዃነን ኢዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ቍጽሪ ተቐይሩ ይኸውን’ዩ።

ንደቀ-‘ንስትዮ ዓለም ሸሞንተ መጋቢት ዘመልክቶ ነገር እንተድኣ ኣሊዩ፡ ደቀ-‘ንስትዮ ንሰላምን ማዕርነትን ምዕብልናን ክሳዕ ክንደይ እተጓዕዛ ንምዝኽኻር ኢዩ። ምናልባት ማዕርነት ደቀ-‘ንስትዮ ንደቀ-‘ንስትዮ ጥራይ ዘዐውት ኰይኑ ይስማዕ ይዀውን፡ እንተዀነ ግን እቲ ረብሓ ንምሉእ ሕብረተ ሰብ ኢዩ።

ኣብ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ኩሉ ስርሓትን ምኣድታት ስነፍልጠትን ተሳትፎ ደቀ-‘ንስትዮ ምስ ዝህሉ፡ ንቝጠባ ሓፍ ከም ዘብሎ መጽናዕቲ ሕቡራት መንግስታት ከይተረፈ የመልክት። ደቀ-‘ንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ኰይኖም ንማዕርነትን መሰልን ክሳዕ ዘይተቓለሱ፡ ማሕበራዊ ይኹን ቍጠባዊ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ጸገማት ዝተማልአ ፍታሕ ክረክብ ከምዘይክእል’ውን ኣብ ሰነድ ሕቡራት መንግስታት ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ብዛዕባ ማዕርነት ደቀ’ንስትዮ ብዙሕ ተሰላሲሉ ክበሃል ይክኣል። ብዓለም-ለኸ ደረጃ ክርአ ከሎ፡ ደቀ’ንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ኰነ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘለወን ናይ ተሳትፎ ዕድል ወሲኹ፡ ተሳትፍአን ኣብ ማእቶት ማዕቢሉ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክኣ ክብርን መሰልን ደቀ’ንስትዮ ኣብ ሕጊ ክሰፍርን ክጸድቕን ክኢሉ እኳ እንተዀነ፡ ብገምጋማዊ ኣዘራርባ፡ ደቀ-‘ንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ዓይነት ስራሕ ሰሪሐን ከብቅዓ፡ ብሳላሳ ክሳዕ ኣርብዓ (30%-40%) ጐደሎ ይኽፈላ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣበየ ቦትኡ ደቀ-‘ንስትዮ ኣደዳ ናይ በብዓይነቱ መጥቃዕትን ሓደጋን ብምዃን ማዕረ ሞትን ስንክልናን ዝበጽሓ ውሑዳት ኣይኰናን። ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ታሕሳስ 1977 ዓ.ምህረት ንመሰል ደቀ-‘ንስትዮን ንኣህጉራዊ ሰላምን እተመልክት ናይ ሕቡራት መንግስታት ዝተፈልየት ዕለት ክትህሉ ውሳኔ ኣመሓላለፈ። ኣርባዕተ ተኸታታሊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጒባኤታት ስለ ዝተኻየደ ድማ ንዕብየት መሰል ደቀ’ንስትዮን ንተሳትፍኦንን ኣብ መስርሕ ፖለቲካን ቍጠባን ዓቢ ደገፍ ክኸውን ክኣለ። ኣብ መክሲኮ (Mexico)፡ ኣብ ኮፐንሃገን (Copenhagen)፡ ኣብ ናይሮቢ (Kenya) ከምኡ ድማ ብ 1995 ኣብ በይጂን (China) መጋብኣያታት ተኻየደ።

ኣብ ራብዓይ መጋብኣያ ናይ በይጅን (China) መሰልን ማዕርነትን ደቀ-‘ንስትዮ ዘይምህላዉ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕብልና ኣዝዩ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘኸትል ተዘትይሉን ተኣሚኑሉን ቃል ብቓሉ እቲ ኮንፈረንስ ዝበሎ እንሆ፦

“ምዕባሌ ደቀ-‘ንስትዮ ከምኡ ድማ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምምዕርራይ ሰብኣዊ መሰልን ጥጡሕ ባይታ ንማሕበራዊ ፍትሕን ድኣ’ምበር፡ ከም ናይ ደቀ-‘ንስትዮ ረብሓ ጥራይ ነጺልካ ዝርአ ኣይኰነን”።

እቲ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሓዘ ሰነድ ክኣ ባይታ ንተግባር (Platform for action) ተባሂሉ ተሰየመ። ብድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ሕቡራት መንግስታት ነቲ ናይ መሰል ሕቶ ኩሉ ሕልኽልኻቱ ኣርቂቑ ብምጽናዕ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ራብዓይ መጋብኣያ ዘመሓላለፎ ውሳኔታት ኣብ (በይጂን+5) ዝተባህለ መጋብኣያ ኣትሪሩ ረገጸሉ።

መደምደምታ፦ እምብኣር ቃልሲ ደቀ ኣንስትዮ ብዓለም ለኻዊ ምኣዝኑ ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ዓበይቲ ብርክታት ብምትኳር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምኻኑ ርኢናዮ ኣለና። ብውልቀ ሃገራዊ ምኣዝኑ ከም ኤርትራውያን መጠን ክንርእዮ ከለና ግን ከም ኣዚዩ ድሑር ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም መጠን ካብኡ ዝመረረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ኣብ ድሑራት ወይ ንምዕብልና ዝቃለሳ ዘለዋ ሃገራት ኣዚዩ መሪር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ድኽመት ንቕሓታ ዓጊቱዋ እንተዘይኰይኑ ንዝወረዳን ዝወርዳ ዘሎ ሓሳረ መከራን ትዝንግዖ ኢያ ክብሃል ኣይክኣልን። እንተ ተቓሊስካ ግን ዘይብተኽ ሰንሰለት ኣይኰነን።

ንመረዳእታ ዝኣክል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገር ህንዲ ዘጋጠመ ክንጠቅስ፡ ዝተበትከ ናይ ጭቆናን ናይ ዘይማዕርነትን ሰንሰለት ኣሎ።

ኣብ ኣንጋዲፑራ (Angadipura) ካናካዱርጋ (Kanakadurga) ዝተባህለት ጓል 39 ዓመት ሓደ ሰንሰለት ናይ ጭቆና ክትበትኽ ክኢላ።

ከም’ቲ ድሑር ባህሎም ዝሕብሮ፡ ሰበይቲ ትብሃል ክህልዋ ዝግባእ ጠባይ፦

1) ንድልየት ሰብኣያ ክትእዘዝ ኣለዋ

2) ንቤተ-ሰብ ሰብኣያ (ኣካያይድኦም ኩሉ) ክትመስል ኣለዋ

3) ኣብቲ ቤት ጸሎት ናይ ሳባሪማላ (Sabarimala) ዝብሃል ሓደ ካብ ናይ ሂንዱዩዝም (Hinduism) ቤተ-መቕደስ ማለት’ዩ፡ ክትከይድ ኢላ ክትሓስቦ የብላን

4) ወርሓዊ ጽገ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ቤት ጸሎት ክትከይድ ኣይፍቀድን (ካብ 40 ንላዕሊ ዓመታት ማለት’ዩ)

ካናጋዱርጋ ነዚ ሰንሰለት እዚ ሓንቲ ምሓዝኣ ደጊፋታ ናብቲ ቤት መቕደስ ከይደን ተቓሊሰን፡ እቲ ቤት መቕደስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንምሉእ ዕድምኤን ከም ድላየን ክኣትዋ ፈቒዱ። እቲ ቤት መቕደስ ወይ (Temple) ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሳባሪማላ ይበሃል።

በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብቲ ከባቢ ዕግርግር ተፈጢሩ፡ ኣብ ግዝኣት ካራላ (Karala State) ማለት’ዩ። ካናጋዱርጋ ካብቲ መቕደስ ምስ ተመልሰት ሓማታ ሃሪማታ፡ ስድርኣ ኰኒኖማ፡ መስ ደቃ ከይትዛረብ ተኸልኪላ ኣብ ሓለዋ ፖሊስ ትርከብ።

ነቲ ውሳኔ ዝተፈርደ ከግምጥልዎ ብርቱዕ ፈተነታት ኣሎ። እቲ ቤት ጸሎት ግን ምስ ደቀ-‘ንስትዮ ደው ኢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ። እዚ ዓቢ ለውጢ ብቖራጽነት ዝተመዝገበ ኢዩ።

ቤተ ሰብ ካናጋዱርጋ ክሳብ ሕጂ ንጓለንስታይቲ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽገኣ ስራሕ ገዛ ከይትትንክፍ ይኽልክሉ። ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ትቕመጥ፡ ኣቝሑት ኣይትትንክፍን። እቲ ምኽንያት ክኣ ከም ንጽህና ዘይብላ (Impurity) ኢሎም ስለዝትርጒምዎ ኢዩ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራን ከልኦት ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራትን ልክዕ ከምኡ እኳ እንተዘይኰነ ኣዚዩ ተመሳሳሊ ከምዘሎ ነፍሲ ወከፍና ብፍላይ ደቀ-ኣንስትዮ ሃሰስ ኢለን ዝስእንኦ ስለዘይኰነ ከምካናጋዱርጋ ብትብዓት ክቃለስኦ ይግባእ።

እዚ ኹሉ ንኸይንገብር ናብ ማዕርነታዊ ምዕባሌ ንኸይነድህብ ግን፡ ንምሉእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጾታ ከይፈለየ ሃገር ዘስኣነና ሰይጣናዊ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ስለዘሎ፡ ኣብዛ ናይ ኣግእዞ ደቀ ኣንስትዮ ዝታአወጀትላ ዕለት ሸሞንተ መጋቢት ደቀ ኣንስትዮ አርትራውያን፡እንታይ ይገበር ኣብ እንብለሉ እዋን፡ ቀዳማይ ዕማምና እንታይ ክኸውን ኢዩ ምስ እንብል፡ መንገዲ ክጠፍኣና የብሉን።

ተመኲሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዝምስክሮ፡ ደቀ ንስትዮ ኤርትራውያን ንማዕርነትና ንቃለስ’ኳ እንተነበርና፡ ቀዳምነትና ከይዘንጋዕና ንነጻነት ሃገርና ኤርትራን ንደሞክራስያዊ መሰል ህዝብናን ንማዕርነት ደቀ-‘ንስትዮን ንዝተማልአ ኣግእዞ ብቕደም ተኸተል ከይዘባረቕና፡ ብተግባር ክሳብ ዝለዓለ ክፍሊት ሂወት መስዋእቲ ከምዝኸፈልና ናይ ቀረባ ታሪኽ ስለዝዀነ ዝርሳዕ ኣይኰነን።

“ዘይሓሰብካዮ ርኸብ” ኣይ መርገም ኣይ ምርቓ ከም ዝብሃል ግን፡ ዘይተሓስበ ጽቡቕ ዘይኰነስ ዘይተሓስበ ግሃነመ-እሳት ረኺብና ሃገርና ኤርትራ ንህዝብና ተሓንጊጣ ኣብ ገምገም ጸድፊ ትርከብ ብምህላዋ፡ እቲ ዝለዓለ ዓቕምና ንሰብኡትናን ንደቅናን ነሕዋትናን ኣለዓዒልና፡ ነዚ ዘጥፍኣና ዘሎ ሰይጣናዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ንመምሓው ናይ ተመራሕቲ ዘይኰነስ ናይ መራሕቲ ግደ ክንጻወት ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ብዓል ደቀ-ኣንስትዮ ክንእውጅ ድሉውነትና ከነርኢ ይግባእ።

ኣነ ንመሰለይ፡ ማለት ኣብ መሰል ሃገረይ ዝሰረቱ ስለ ዝዀነ ኩላትና ኣብዚ ክቡር ዓለም ለኻዊ ዕለት’ዚ ኣነ ንሃገረይ ንመሰለይ ክንብል ንጥለብ።

ኣነ ንሃገረይ ንመሰለይ!

ሸሞንተ መጋቢት ብዓል ደቀ’ንስትዮ

ዓለም ለኻዊት’ያ ውጽኢት ናይ ዕዮ

ናይ ተንኰል ዘይኰነስ ናይ ቅንዕና ዋህዮ

    መጋብኣያ ደቀ’ንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት

    ብስራት ናይ መሰል ሰፋሕ ኣህጉራዊት

    ኣነ ምስኣ’ለኹ ኣነ ኤርትራዊት

ዝተቓለሰ ይዕወት ጽዒሩ ደኺሙ

ሸሞንተ መጋቢት ንሱ’ዩ ትርጉሙ

ንብላሽ ኣይኰነን ዝኸፈለ ደሙ

    ኣብ ጸቢብ ሓሳባት በይነን ከይተዓግታ

    ኣስፊሐን ነቐላ ዓለም ብምልእታ

    ንሕና’ውን ኣሰረን ከምታ መፈለምታ

ንወገን ንቖርበት ፈጺመን ከይበላ

ናይ ሓባር ባንዴራ ሒዘን ኣንበልበላ

ወጽዓ ዘለለየት ስዒባተን ኩላ

    ኣነ ንመሰለይ እንታይ ይጐድለኒ

    ከምቶም ህዋሳትካ ህዋሳት ኣለኒ

    ፍሕት ዘይትፈልጥ ኣይምሰልካ እምኒ

ኣብ ዓለም ይነብር ብጻማ ርሃጸይ

እማንኪ ‘ዛ ሓብተይ ዘይትብለኒ ኸመይ

ከመይ’ሉ ይጥዕመካ ኣነ ምስ ጸገመይ

    ካብ ናይ ኣደ ማህጸን ብሓደ ወጺእና

    ከመይ’ላ እታ መሰል ናትካ ጥራይ ኰይና

    ዘገርም ዳኛ’ዩ ጒድ ኢና ረኺብና

መንዚዕካኒ ድኣ ኣዘንጊዕካኒ’ምበር

እንተተቓሊሰስ መሰለይ ነይቅበር

ድቃስ እንድየ ’ብዚሐ ሎምስ ክበራበር

    ነዊሕ ተጓዒዘን ኣሓት ንመሰለን

    ኩሉ ብቓልሲ’ዩ ብጥራዩ የለን

    እሺ ሕራይ ኰይኑ ዓለም ኣሚኑለን

ሸሞንተ መጋቢት መዘከርታ ጻዕሪ

ብመትከል ሰሚረን ነቒለን ብግብሪ

ጸልማት ዝነበረ ተቐይሩ ቀትሪ

    ንሕና ኤርትራውያን ምእንቲ መሰልና

    ሸሞንተ መጋቢት ንዝክራ’ለና

    ዓወት ውጹዓት’ዩ ዓወት ናይ ኩላትና

ቀላጽምና ኣልዒልና ከንቃለሰሉ

ሃገርና ክትምዕብል ከምቶም ዝማዕበሉ

ክብተኽ’ዩ ምልኪ ገመድ እንድኣሉ

    ኤርትራዊት ጅግና ድንን ኣይትበሊ

    ምናዳ ለብዘበን እንታይ ዝኸውን ዓቕሊ

    ሃገረይ ምባል’ዩ ዋላ ብፍትሊ

ኣብ ገዛ ኣቲኺ ኣይትዂኒ ጋሻ

ኣመስኪርኪ እንዲኺ ኣብ በረኻ ጣሻ

ዘይድምሰስ ብራና ኣለኪ ውርሻ

    ወዲ እንተወለድና ጓል እንተደገምና

    ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ነዕብዮም ኣጥቢና

    ብደይ ሃገር’ሞ ኣይተርፉን ደቅና

ዓሻ እንተዘይኰይኑ ኩሉ ዘይፈለጠ

ኣእምሮ ዘይብሉ ድፉን ዝተዓብጠ

ዓጽሚ ዶታ ይድርበ ኣንጒዕ ዘቐመጠ

    ኣበርከትቲ ኰንና ወፊርና ናብ ማእቶት

    ኣብ መሰል ሂወትና ኣይንደልን ጎይቶት

    ኣብዚ ምዕቡል ግዜስ መዋእል ናይ ባሮት!

ክብረት ዝርድኦ ጾታ ዘይፈላሊ

ጸረ ከዳዕ ስርዓት ጸረ መታለሊ

ንሱ’ዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ፈልፋሊ

    ጽዒርና ደኺምና ሰሪሕና ክንኣቱ

    ደም ንጹሕ ህዝብና ከይተርፍ ንኸንቱ

    ወድኹም ምስ ጓልኩም ሓቢርኩም ክተቱ

ኢለን ተበጊሰን ሸሞንተ መጋቢት

ሽግ ናይ ነጻነተን ወሊዐን ብኽርቢት

ዓወት ብቓልሲ’ዩ ኣይኰነን ብትጽቢት

    ባይቶ ተነፊግና ጎሲዮምና ዕድመ

    ኣእምሮ ሒዝካዶ ኣብ ገዛ ትዂርመ

    ቅልጽምካ ምልዓል’ዩ ኣንጻር ዝጠለመ

ክመርጽ ክምረጽ ደው ኢለ ብማዕረ

ቀረባ ክኸውን ርሑቕ ዝነበረ

ንሰብኣይ ጥራይ ድዩ ’ቲ ዝስፈ ስረ

    መሰል ደቀ’ንስትዮ ንኽብሪ ብዙሓት

    ተባዕታዊ ዓመጽ ወጊድ ጸረ ልምዓት

    ድሑር ባህሊ ይጥፋእ ናይ ሃገር መንድዓት

ክምስክረለን ኢየ፦ (ንጀጋኑ ኤርትራውያን)

ከይደን ዘይርብርባ ዘይብተኽ ጥላመን

ክንደይ ከይጠፍኣክን ነኻሲኽን ተመን

    ክምስክረለን’የ ደይ ሓቂ’ዩ ኹሉ

    ብደም ዝተጻሕፈ መን ከይብል ኣሉ

    ከንዲ ውጹዕ ህዝበን ሂወት ዝሃባሉ

         ረመጽ ዝረገጻ ንወላዲት ሃገር

         ልሳን ዝዐጸፋ ናይ ሓሳዊ ፈገር

         ክሳዕ ነጻነትና ዝንበብ ዝንገር

    ኣብ ድፋዕ ጸላኢ ዕጥቀን ሸጥ ኣቢለን

    ኣብ ጎቦ ስንጭሮ ሕሰም ተደሪረን

    ማዕረ ምስ ብጾተን ግንባረን ከፊለን

         መሪር ጽሓይ ሓጋይ ናይ ክረምቲ ዛሕሊ

         ተኲሰን ዘይስሕታ ዋላ ትኹን ፈትሊ

         ታሪኽ ገዲፈን’የን ዘይኣርግ ዘይበሊ

    ሰብ ክብረት ጽሩራ ኣብ ኲናት ማዕረካ

    ሃህ ኢልካ ተዛረብ ኣብ ጐድነን ነበርካ

    ዝዝከር የብልካን ንዕአን ረሲዕካ

         እዝነን ኳሕ ሰሚዑ ናብ ኲናት ዝጐያ

         ዝነደደ ቆርበት ሓጺበን ዘጽርያ

         ዝተወግአ ብጻይ ሓኪመን ዘሕውያ

ዝሓረቐ ብጻይ ኣቢደን ዘዝሕላ

መተርከስ ጎረሮ ጽዋእ ዘቐብላ

ንዓኽን ዝኸውን ስኢነ ምስላ

    ሸሞንተ መጋቢት ዝጸደቐት ስምረት

    ንመሰል ውጹዓት ዕጥቂ ሸጥ ዘበለት

    ዘልኣለም ትዘከር ታሪኸዊት ዕለት

ተልዓላ በላ ኤርትራውያን ኣሓት

ንዓኻትክን ደሞ ከይጠፍኣክን ብልሓት

ቂም-ቂም ትብል ኣላ ኣኺላ ‘ታ ስዓት

    ንብዓት ናይ ህዝብኽን ተልተል እንዳበለ

    ሃገር ተወሪራ ብሸፋቱ ዕስለ

    ኣልቦ መንእሰያት ኣልቦ ሽማግለ

ከይደን ዘይርብርባ ዘይብተኽ ጥላመን

ክንደይ ከይጠፍኣክን ነኻሲኽን ተመን !!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT