Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሶፊ!

ሶፊ! ዕልልቲ ኣገልጋሊት ምልኪ፡ ወይዘሮ ሶፍያ ተ/ማሪያም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪባ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ከም ዘሎ፣ ሃገር ብምዕባለ ትውንጨፍ ከም ዘላ፣ ሰባት ካብ ሃገሮም ዝወጹ ዘለዉ ድማ ብሰሪ ምልኪ ዘይኮኑስ ብሲ ኣይ ኤን

ሶፊ!
ልልቲ ኣገልጋሊት ምልኪ፡ ወይዘሮ ሶፍያ ተ/ማሪያም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪባ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ከም ዘሎ፣ ሃገር ብምዕባለ ትውንጨፍ ከም ዘላ፣ ሰባት ካብ ሃገሮም ዝወጹ ዘለዉ ድማ ብሰሪ ምልኪ ዘይኮኑስ ብሲ ኣይ ኤን (CIA) ወያነን ተጨውዮም ከም ዝኾኑ፣ እዘን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝብሃላ፡ ከም ብዓል ሜሮን እስቲፋኖስን ኤልሳ ጭሩምን ድማ ተሓባበርቲ ነገድቲ ሰብ ከም ዝኾና ጭብጢ ከም ዘሎዋ፣ እቲ እንኮ ወካሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ደገ ከኣ ኣምባሲ ህግደፍን ንሳን ጥራይ ምዃኖም። ወዘተ. ብምጥቃስ፡ ዳዊት ጉጅለ ምልኪ ክትደግም ስለ ዝሰማዕኩዋ’የ ብዛዕባኣ ገለ ክብል ተቐሲበ።
ሶፊ!
ኣንቲ ሶፊ *ላዳ እንታይ ወሪዱኪ            *ትጠቡ ዕየት
መገዲ ሓርነት ምስ ህዝቢ ከለኪ
መገዲ ባርነት ምስ ህግደፍ መሪጽኪ
ሓለፋ ቋንቋኺ እንግሊዝ ምኽኣልኪ
ካብ መግዛእቲ ምልኪ ኣብ ማዕዶ ሰፊርኪ
ኣብ ቅድሚ ጸዓዱ ፍሽኽሽኽ ተበልኪ
መሲሉኪ’ምባኣር ዓለም ዝወነንኪ!
ሶፊ፥              ኣይኮነን ንስኺ እዛ ናይ ሎሚ ዕሸል
እቶም ገዳይም’ኳ መሳርሕቲ ገበል
ገና ኣይፈለጡዎን ናይ መላኺ ተንኰል
ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ ከየጽድፋ ናብ ገደል
ይጽውዑ ኣለዉ ህዝባ ንኽምህለል!
እንታይ ትፈልጢ ሶፊ በጊዐይ ሓሻኺ
ኣየናይ ኢልክዮ ተንኰል ናይ መላኺ
ሰብድዩ መሲሉኪ ቆርበቱ ርእይኺ
ወትሩ ዘብዘብ ትብሊ ንኽትላኣኺ!
ኣየ ሶፊ ዓዋን ልባ ኣብ ግንባራ
ተማሂራ ድያኸ ፊደላት ቈጺራ
ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣበይ እያኸ ኔራ
ሓርነቱ ክምንዛዕ ህዝቢ ናይ ኤርትራ
ኣባ ጓይላ ኮይና ናይ ምልኪ ዳንኬራ!
መላኽን ማንከይን መልክዕኪ ርእዮም
ተዋሳኢት ፊልም ኣክተር ክትኮንዮም
እንተ ሓረዩኺ ክትላኣኽዮም
ህዝብና እናጥፍኡ ወትሩ ክትንእድዮም
ግዝያዊት ጠበቓ ኣጆኹም ኢልክዮም!
ሶፊ፥              ሲ ኣይ ኤን ወያነን ሰባት ንኽነግዱ
ነዚ ኹሉ ጎበዝ ከውጽኡ ካብ ዓዱ
መንግስትኺ ደኣ ከመይ ተዓኒዱ
ህዝቡ እናጠፍአ ኮፍ ኢሉ ዘማዕዱ!?
ጀነራላት መላኺ ህዝብና እናሸጡ
ኣሻሓት ዶላራት ብዓመጽ ክግሕጡ
ዕውራት ደገፍቱ ምንም ዘይትፈልጡ
ክፋኦም ከይስተር እኳ ከይተጽቅጡ
መላኺ ኪገዝእ ክብርና ቀንጢጡ
ወያነ እናበልኩም ብሓሶት ክትሽሕጡ
ዳዊቱ ክትደግሙ ልቢ ሰብ ተሕብጡ!
ሶፊ፥              ካብ ቤቱ ዝወጸ ሽግር ምስ መረሮ
እዚ ኹሉ ጎበዝ ሑጻ ዝቐበሮ
እዚ ኹሉ ውጹዕ’ወ ዓሳ ዝተደሮ
ብሰባት ዝውጠጥ ገመድ ዝተኣስሮ
እንስሳ’ዩ ኢልክዮ ዘይብሉ ኣእምሮ!
ሎሚ ግን ደሓነይ ህዝቢ ጎሪሑ እዩ
ካብ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ፈላልዩ
ጸላእን ፈታውን ብግብሪ ኣለልዩ
ክርዳድ ካብቲ እኽሊ ብሚሐ ነፊዩ
ንሃገርን ህዝብን ህይወቱ ወፊዩ
ሓርነቱን ፍትሑን እኖሆ *ዳርዩ!     *ቀሪቡ
ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 30/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
180 COMMENTS
  • hadnet February 1, 2014

    sofi donqoro neten jeganu bal meron elsa hiwet buzahat ashahat eritrawiyan zedhanas izi kulu xerfi men keysemaki kem qedem ymeslekn wuhij ywesdekn baki zqshesh eritrawi yelen dhri hji. iti zbelkiyo kulu wanatatu hgdef sheyetti kullit iyom wrdetenga konki danber baelatom itom kab sqiyat ssinay zedhaneom ymskrulen allewu kbrete wusha aytkuni afki akbi izi guhila hgdef ms kede ke intay eqi ktblli

  • wedi senita February 1, 2014

    Why hit the bush around.
    Ofcourse its weyanes containment strategy coupled with PFDJ ill advised policies that is squeezing the youth out of hagere eritrea. To unwind, first change policy , then normalize relations with Ethiopia. CIA gelemele enabelka shifting the blame to something beyond your capacity is nothing other than repeatedly expossing your inherent weakness – unrealistic and enflatted ego.

  • MightyEmbasoyra February 1, 2014

    Take a look at Jeberti.com, about Andeberhan’s partial history. Interesting.

  • mesel February 2, 2014

    ክቡራት አሕዋተይን ኣሓተይን

    ብዛዕባ ሶፍያን ኣብ ወጻኢ ኮይና ትሕስዎን ብዙሕ ተዛራሪብኩም ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን እቶም ግዳያት ሓሶታን ዓገብ በሃልትን ሓውሲ ናብ ጸርፊ ገጽኩም ከይድኩም። ክሳብ ንክትሕሱ መሰል ኣብ ዝህብ ዓዲ ኮይና፥ ኣብ ሃገርና ሓቂ ከም ቆርበት ነቲሕ እናተቐልጠት ገና ናይ ምሕሳው መሰላ ክትጥቀም ክትርእያ እንከለኻ ዘሕዝንን ሕልናኻ ቅፍፍ ዘብልል’ዩ።
    ብዛዕባ ሶፍያ ከዕልለኩም፡
    ሓደ ግዜ ንኤርትራ ክትዛወርን ጥረ ነገራት ሓሶት ክትኣኻኽብን ኢላ መጺኣ ኔራ። ዘገርም’ዩ፥፡ ነቶም ኣብ ሰልስተ ወራራት መልሓሶም ዘይኮነስ ደሞምን መተካእታ ዘይብላ ህይወቶምን ክውፍዩ ኣብ ዶባት ተዘርጊሖም ኔሮም ስንክልና ተሰኪሞም፥ መማህርቶምን ደቂ-ሩባኦምን ቀቢሮም ዝተመልሱ ሃገራውነት እናበለት ከተስተምህር መጺኣ። ዕድሚኦም ብህግደፍ ንዝተበልዐ፥ ሕልሚታቶም ከም ንቑጽ ሳዕሪ መስከረም በኒኑ ንዝተዘርዎም መንእሰያት ድሕሪ ሞት ኣብ ኤርትራ ትንሳአ ኣሎ እናበለት ከተስተምህር መጺኣ። ሕስብ’ሞ ኣብሉዎ፡ ክልተ አሕዋቱ ተሰዊኦም፥ ክልተ እግሮም ሰንኪሎም፥ ብሓሙሽተ ሚእቲ ናይ ጁባ ንደቂ ስዉኣት አሕዋቶም፥ ንብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ክጥውሩ ናጽነት ዝተኸልኦም፥ ሎሚ ዶ ጽባሕ ናብታ ሶፍያ ትነብሮ ዓዲ ከይድና ስድራና ንጥውር ኢሎም ንዝሓልሙ፥ ብኣካል’ምበር ብመንፈስ ኣብ ጥቓኣ ንዘይነበሩ ፥ ሕልሞም ዝተጎርሸ መንእሰያትሲ ሶፍያ ናይ ፖለቲካ ኣመንዝራ እንታይ ኢያ ክትብሎም? እዝከረኒ ኩላትና ተገዲድና ኣብቲ ትፋእ ምዉት ሕልናኣ ትነዝሓሉ ዝነበረት ኣኼባ ተገዲድና ክንኣቱ፥ ብዝሒ ሓሶታን ኣብ ክውንነት ኤርትራ ዝነበራ ድንቁሩናኣን ብዝሒ ደምና ከለዓዕለልና። ብልብና ንብላ ዝነበርና እንተትሰምዖ ሕልናኣ ዳኣ ድሮ ሞይቱ ኔሩ’ምበር ሕማቕ ኣማውታ ምሞተት። ሽጋራ መን ኣትኪኽዎ’ዩ መቸም። ገለ ዓይነት ናይ ወጻኢ ሽጋራ’ያ ተትክኽ። ደሞዝ ናይ ሓደ ኣገልግሎት ኣብ’ታ ኣብ ጁባኣ ዝነበረት ፓኮ ክም ዘላ ኣይትፈልጥን’ያ። ደንቆሮ ናይቲ ንነብሮ ናብራ እንድያ። ንሳ ዓስቢ ሓሶታ ኣበይ ከይትስእን። ዕድመ ነቲ ዓሳቢኣ። እንተ እቲ ህይወቱን ዕድሚኡን ዝለገሰ ኣብ ቅድሚኣ ኮይኑ ክሰምዕ ዝተገደድ መንእሰይ ግን ዓስቡ ፍርሕን ተግሳጽን’ዩ። ከምኡ እንተኾነ ድማ ነቲ ክሕልዎ ደሙ ዘፍሰሰሉ ዶባት ቆራሪጹ ናብቲ ሶፍያ ተሓቢኣ ትሕስወሉ ዓዲ ምእማት’ዩ። ጉዕዞ ሞትን ሕየትን። ኣሸበሸብ ኣብ ባሕሪ እንተጠሓለ ሶፍያ ውስኪን ማርልቦሮን ሒዛ ”ግዳይ ሲ ኣይ ኤ” ክትብሎ’ያ። ናይ ፖለቲካ ምንዝርና ዝብሉኹም ከምዚ’ዩ። ምንዝርና ኣብ ስጋ ዳኣ ደሓን እንድዩ። ንውልቅኻ’ዩ እቲ ሕስረት። ኣብ ሕልና ምንዝርና እንተኣትዩ ግን ለካሚ’ዩ። ሶፍያ ዝሓሰኸ መንፈስ፥ ዝጨነወ ሕልና፥ ዝብደነ ሃገራውነት። በድኒ

    • kidane February 2, 2014

      Hadami hasawi shiani.

      • meskney hzbi eritrea February 5, 2014

        ክቡር መሰል፣ እዚ ኪዳነ ዝተባህለ ሃውና ዝተረደዎ ስለዘይመሰለኒ እዬ copy ጌረሉ

    እንታይ’ሞ ግበር ፥ ሃገር ማለት ኢሳይሳስ ዝመስሎም፥ ሃገር ማለት ሻዕብያ ዝምሰሎም፡ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ባንዴራ ተዓጢቕካ ምስዕሳዕ ሃገራዊ ኣበርክቶም ዝመስሎም፥ ንኢሳይያስ ዝጸልእ ንኤርትራ ዝጸልእ ዝመስሎም፥ ግዳያት ፕሮፓጋንዳ ምህላዎም ገና ጸገምና ከም ዝህሉ ጌሩዎ።
    -ወዲ ጀነራል ናይ ደርጊ ፥ ወዲ ኢሰፓ፥ ሕልና ዘይብሉ ባህልን ክብርን ኤርትራዊ ዘይፈልጥ ወዲ ኮማሪት፥ ወላዲኡ ንዝፈጸሞ ታሪኻዊ በደል ዘዐሪ ዘሎ መሲልዎ ብጌጋ ”ቱታ” ዝብል፥ ኣብ ኣስመራ ከም ሓለፋ ገዛ ዝተመጠወ፥ ኣብ ወጻኢ ገለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝተዋህበ፥ ኣብ ግዜ ገድሊ ገበን ዝፈጸመ’ሞ ”ሕጊ” ክሰምዕ ከሎ ዝብህርር ጸላኢ ለውጢ፥ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ክእለቶም ዓዲ ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ መወዳድርቱ ከም ዝጠፍእሉ ጌሩ ዝርዳእ ደንቆሮ፥ ጀነራል ዘመድ ዘለዎ፥ ምስ እንዳ ሓለፍቲ መውስቦ ዝገበረ፥ ብሰንኪ ኣብ ስደት ተወዳዳሪ ዘይምካኑ ኣብ ኤርትራ ከከይዱ ከዕርፍ ዝደሊ ጽጉም፥ ነዚ ዘሎ ኩነታት ከም ምንጪ ኣታዊ ዝወስዶ ሸቃጢ ኤሕዋቱ፥ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ተኣኪቦም ተኣኻኺቦም ክብሪ፥ ባይቶ፥ ጣዕሚ፥ ባህሊ፥ ሰላም ዓደቦና ጀሊሖሞ።
    ንሓሳብ ብሓሳብ ንግጠሞ አሕዋት

  • halengi February 2, 2014

    mesel ajaf nemen keterssen ika delika eti zeabeye mesweti eyu nezi gin kem beal sofia geganu thiefen nealem tezeglitheno waga yeblun temahar eritrea tibahl adi zeifeltu sebat kem zelew teseweka tirah aiknkan tenegrom thhefka eyu

    • meskney hzbi eritrea February 5, 2014

      እንታይ’ሞ ግበር ፥ ሃገር ማለት ኢሳይሳስ ዝመስሎም፥ ሃገር ማለት ሻዕብያ ዝምሰሎም፡ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ባንዴራ ተዓጢቕካ ምስዕሳዕ ሃገራዊ ኣበርክቶም ዝመስሎም፥ ንኢሳይያስ ዝጸልእ ንኤርትራ ዝጸልእ ዝመስሎም፥ ግዳያት ፕሮፓጋንዳ ምህላዎም ገና ጸገምና ከም ዝህሉ ጌሩዎ።
      -ወዲ ጀነራል ናይ ደርጊ ፥ ወዲ ኢሰፓ፥ ሕልና ዘይብሉ ባህልን ክብርን ኤርትራዊ ዘይፈልጥ ወዲ ኮማሪት፥ ወላዲኡ ንዝፈጸሞ ታሪኻዊ በደል ዘዐሪ ዘሎ መሲልዎ ብጌጋ ”ቱታ” ዝብል፥ ኣብ ኣስመራ ከም ሓለፋ ገዛ ዝተመጠወ፥ ኣብ ወጻኢ ገለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝተዋህበ፥ ኣብ ግዜ ገድሊ ገበን ዝፈጸመ’ሞ ”ሕጊ” ክሰምዕ ከሎ ዝብህርር ጸላኢ ለውጢ፥ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ክእለቶም ዓዲ ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ መወዳድርቱ ከም ዝጠፍእሉ ጌሩ ዝርዳእ ደንቆሮ፥ ጀነራል ዘመድ ዘለዎ፥ ምስ እንዳ ሓለፍቲ መውስቦ ዝገበረ፥ ብሰንኪ ኣብ ስደት ተወዳዳሪ ዘይምካኑ ኣብ ኤርትራ ከከይዱ ከዕርፍ ዝደሊ ጽጉም፥ ነዚ ዘሎ ኩነታት ከም ምንጪ ኣታዊ ዝወስዶ ሸቃጢ ኤሕዋቱ፥ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ተኣኪቦም ተኣኻኺቦም ክብሪ፥ ባይቶ፥ ጣዕሚ፥ ባህሊ፥ ሰላም ዓደቦና ጀሊሖሞ።
      ንሓሳብ ብሓሳብ ንግጠሞ አሕዋት

  • mesel February 2, 2014

    ሓለንጊ (ብሶፍያ ዝቃነ ኣረጊት ክራር)
    ግደ ሓቂ ክዛረብ፥ ጽሑፍካ ኣይርዳኣንን’ዩ። ”ኣይስብቆ ኣይገዓት ኣይጋል ኣይመርዓት” ይብሉ ዓድና። ”ኤርትራ ትበሃል ዓዲ ከም ዘላ ዘይፈልጡ ኣለዉ’ሞ ብጽሑፋት ሶፍያ ክፈልጥዋ’ዮም” ድማ ትብል ኣለኻ። ኣየ ወ ኣብ ኣስመራ ብሰንኪ ከምዚ ናትካ ዓይነት ጥረ-ምረ መኺነን ዘለዋ ኣራእስ እንተትፈልጠን። ንዝወዓለኦ ሃገራዊ ታሪኽ ከመይ ጌረን ምገለጸኦ መስለካ። ብዝኾነ ካብዞም ክረምቲ ክረምቲ ብገንዘብ ዌል ፌር ጌሮም ዝረግጹና ዝነበሩ ጽሩይ ክዳን እምበር ጽሩይ ርእሲ ዘይብሎም ፥ ጥሙያት ሕልና ኢኻ። እቲ ኣብ ኤርትራ ትርእዮ መንእሰይ ግን ስቕ እንተበለ ከምኡ ከይመስለካ ልዕሊ’ቶም ኣብ ስደት ወሲደ ኣምሂረዮም ትብሎም ደቅኻ ግን ከኣ ዘይናትካ፥ ብሱል’ዩ። ኣድብዩ ግዜ ዝጽበ ዘሎ መምህርካ’ዩ። ካብ ኤርትራ ክትምለስ ከለኻ ዓካስ ካሜራ ገዲፈሉ ኢልካ ልዕሊኡ ዝኾንካ ከይመስለካ። ዕምቆት ኣለዎ። ጋሂ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ’ቲ ብገንዘብ ዌል ፌር ጌርካ ብቦንዳ ዘስራሕካዮ ገዛ ሚኒዋለ ክሰርሕ ከሎ ፥ ስቕ ኢሉ ጥራይ ዝርህጽ ኣድጊ ከይመስለካ። ድሕሪ ቀረባ ግዜ ዝትኮስ ተፈንጃሪ ኣብ’ቲ መሰረት ኣቐሚጡልካ ኣሎ። ቦምባ ባሩድን ሓጺንን ግን ኣይኮነን። ሓቂ ሒዙ ዝፍንጀር ረቂቕ ቡምባ’ዩ። ድንቁሩናኻ ኣብኡ ክቕበር’ዩ። እተን ኮምፕላስዮኒ ጌረን ኣብ ገዛኻ ሚኒዋለ እናሰርሓ ደቂ ስዉኣት ዘዕብያ ዘለዋ ግዜን ከም’ዚ ናትካ ዓይነት ተበለጽትን ተሻሪኾም መንፈሰን ዘህደሙዎ ኣዴታት በቲ ዝሰርሓሉ ፓዴላ ጌረን ከም ጉዚ ክመቕላኻ’የን። ስጋኻ ስጋ ቃኤል ስለ ዝኾነ ድማ ኣርሒቐን ክቐብራኻ’የን።

    • MightyEmbasoyra February 2, 2014

      መሰል, ሕጂ ግርም። ን ሶፍያ ጽብቕቲ ሽም ሂብካያ – በድኒ, ናይ ብሓቂ በድኒ።

      • kidane February 2, 2014

        Mightyembasoyra
        anta temlas guhaf adi zeyeblu hawsi agame zerie adigrat.kid adi aboka bi igrika 10 km iya kabti adey tiblo.

        • MightyEmbasoyra February 3, 2014

          Very funny, Kidane ignorant.
          Didn’t you say I was Agame, few hrs ago? Now, I am now 10Km away from Agame? I am travelling almost at the speed of light? In case you don’t know what that means, it is very fast 🙂
          What a loser, Mehaym.

          • Tes February 3, 2014

            Kidane

            Ede ( idiot ) take notice from Mesel advise even though you are born retarded.

  • haben February 2, 2014

    sofi i proud of you you really sacrificed for our country. sofi you are my hero u motivated to know my home. may God bless you. keeping working dear sister.

  • berhe February 2, 2014

    to mesinas
    Ane hade kabtom ab gizie sereat dergi aboy ESEPA zenebere seb eye ,dehri natsenet nezegebero neger bemengesti eritrea nezetebeyenelu meksaeti wesidu nab nebur serehu temelisu zesereh zelo seb eyu ,ane wen kem kulu menesey eritrawi neleeli 10 amet ab wetehedrena dehri metsenah nab sedet zemrahku seb eye,entay kebel sele zedeleku mesleka ab tsehufka ወዲ ኢሰፓ፥ ….ተኣኪቦም ተኣኻኺቦም ክብሪ፥ ባይቶ፥ ጣዕሚ፥ ባህሊ፥ ሰላም ዓደቦና ጀሊሖሞ።elka emo kem wedi esepa mukaney ..aboy nzenebero abal parti nay zehalefe sereat neayn kemzi kemay nezekonu deki esepa nezeneberna entay selezegeberna ena selam adebo gelihna?

  • nakfa February 2, 2014

    atum degefti sofi wedi berad sofi cia elu ms kezena karshely entay kitblu ekum kkkkk ysterena

    • MightyEmbasoyra February 3, 2014

      They will pretend that they don’t know this bitch (politically bitch that is).

POST A COMMENT