Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስድራቤት ስዉእ ጅግና ወዲ ዓሊ ንምሕብሓብ ብድምጺ ኣሰና ንሓደ ወርሒ ተኸፊቱ ዝጸንሐ ማዕከን ህጹጽ ሓገዝ $27, 382.09 (ዶላር ኣመሪካ) ብምውጻእ ተዛዚሙ።

ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክግበር ብምጥላብ ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ ከምኡ’ውን ንምምላጥ ስድራቤት ስዉእ ናይቲ ስርሒት ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ኮለኔል ወዲ ዓሊ) ንምሕጋዝ ብድምጺ ኣሰና ንሓደ ወርሒ፣ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ

ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክግበር ብምጥላብ ዝተኻየደ ስርሒት ፎርቶ ከምኡ’ውን ንምምላጥ ስድራቤት ስዉእ ናይቲ ስርሒት ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ኮለኔል ወዲ ዓሊ) ንምሕጋዝ ብድምጺ ኣሰና ንሓደ ወርሒ፣ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ 31 ጥሪ ተኸፊቱ ዝጸንሐ ማዕከን ህጹጽ ሓገዝ $27, 382.09 (ዶላር ኣመሪካ) ብምውጻእ ከምዝተዛዘመ ድምጺ ኣሰና ኣፍሊጣ።

ምእላይ ስድራቤት ናይቲ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ሃገንራ ኤርትራ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ዝተሰወእ ጅግና ኮለኔል ወዲ ዓሊ ሓላፍነት ኤርትራውያን ምዃኑ ብምምልካት ድምጺ ኣሰና ንዘቕረበቶ ጻውዒት ብኣውንታ ተቐቢሎም፣ በብውልቅን ብእኩብ ብከተማታትን ምቕሉል ወፈያ ንዝገበሩ ትጉሃት ኤርትራውያን፣ ድምጺ ኣሰና ብስም ስድራቤት ወዲ ዓሊ ብልቢ ተመስግኖም።

ድምጺ ኣሰና፣ እዚ ምእንቲ ሃገራዊ ጉዳይ ኣቦ ስድራ ንዝሰኣነት ስድራቤት ንምድባስ ዝተኻየደ ህጹጽ ሓገዝ፣ መቐጸልታ ናይቲ ሓድጊ ጀጋኑ ንምሕብሓብን ጀጋኑ ንምትብባዕን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሰናይ ያታ ምዃኑ ብምምልካት፣  ስድራ ወዲ ዓሊ ቅሱን ህይወት ናብ እትመርሓሉ ቦታ ናይ ምጥያሳን እግሪ ናይ ምትካላን ህዝባዊ ሓላፍነት ኪኖኡ ክቕጽል ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ፣

ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ እቲ ድሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብዝርዝር ተሓቲሙ ዘሎ ኣስማት ናይቶም ህጹጽ ደገፍ ዝገበሩ ዜጋታት ኣብ ፍሉይ መደብ ራድዮ ኣሰና ብዝርዝር ክንበብ፣ ብዛዕባ ምርካቡ ‘ውን መግለጺ ክወሃብ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፣ እቲ ንስድራቤት ስዉእ ወዲ ዓሊ ንምሕጋዝ ብመንገዲ ድምጺ ኣሰና ተኸፊቱ ዝነበረ መደብ፣ ከምቲ ኣብ ፈለማ ‘ውን ኣዊጃቶ ዝነበረት ብወግዒ ተዛዚሙ ስለዘሎ፣ ንስድራቤት ወዲ ዓሊ ክሕግዙ ዝደልዩ ግዱሳት ብመንገዶም ክገብሩዎ እናዘኻኸረት ካብዚ ንደሓር ሓላፍነት ከምዘይትወስድ ተፍልጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Genet February 5, 2014

    Dear Ammanuel,
    Thank you so much for the act of kindness you showed to the Wedi Ali’s family. That set you apart from others. proud of you brother. God bless you.
    Genet

POST A COMMENT