Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ሓዱሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ብምስናዕ፣ ንልኡላዊ መሬት፣ ክሊ ኣየርን ማያትን ኤርትራ ኣንጻር ተቓወምቲ ሕቱ ኣብ ዘካይዳኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ዘመተ ይጥቀማሉ ከምዘለዋ (Monitoring Group) ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዱሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ብምስናዕ፣ እቲ ብናይ ‘ዓረብ ምሕዝነት’ ዝፍለጥ ሓይሊ ንልኡላዊ መሬት፣ ክሊ ኣየርን ማያትን ኤርትራ ተጠቒሙ ነቶም ኣብ የመን ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሽዓውያን ተቓወምቲ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዱሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ብምስናዕ፣ እቲ ብናይ ‘ዓረብ ምሕዝነት’ ዝፍለጥ ሓይሊ ንልኡላዊ መሬት፣ ክሊ ኣየርን ማያትን ኤርትራ ተጠቒሙ ነቶም ኣብ የመን ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ሕቱ ንምጥቃዕ ወተሃደራዊ ዘመተ ከካይድ ከምዘፍቀደሉ፣ እቲ ብመሰረት ተልእኾ ባይቶ ጸታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ኤርትራን ሶማልን ዝከታተል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ምክትታል (Monitoring Group) ብ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓዱሽ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

Monitoring Group ኣብ ጸብጻቡ፣ ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሳያ ናይቲ ን ‘ዓረባዊ ምሕዝነት’ ዝሃቦ ስትራተጂካዊ ደገፍ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን ገንዘባዊ ሓገዝን ቀረብ ነዳድን ዘጠቓለለ ሓገዝ ይቕበል ከምዘሎ ‘ውን ገንዚቡ።

ሰርዓት ኢሳይያስ ነዚ ካሕሳዊ ደገፍ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዞባዊ ምርግጋእን ሰላምን ኣብ ምዝራግ ኮነ ንሰራዊቱ ንምርባሕ እንተተጠቒሙሉ ምጥሓስ ናይቲ ብ 2009 ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ እገዳ ቁጽሪ 1907 ከምዝኸውን ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ምስ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምውሳብ ኣብ ውሽጢ መሬት የመን ኣብ ውግእ ይሳተፍ ከምዘሎ፣ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኣረዲኡ። እዚ ‘ውን ቀጥታዊ ምጥሓስ ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበየነ እገዳ ከምዝኾነ ‘ውን  ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ዘይእዉጅ ምብጻሕ፣ እታ መራሒት ናይ ሱኒ ሃገራት ዓረብ ኮይና ኣንጻር ‘ቶም ናይ የመን ሽዓውያን ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ዘመተ እተካይድ ዘላ ስዑዲ ዓረብ ንኤርትራዊ ወደብ ዓሰብ መበገሲ ወተሃደራዊ መጥቃዕታ ክትገብሮን ኣምሳያኡ ገንዘባዊ ሓገዛት ክትሕቦን ድሕሪ ምሕታታ፣ ኢሳይያስ ብኡንብኡ ኣብቲ መደብ ተሰማሚዑ ከተግብሮ ከምዝጀመረ ኣብ ዜናታት ኣሰና ብተደጋጋሚ  ምግላጽና ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝገርም፣ ኢሳይያስ ንመሬት ኤርትራ መበገሲ ዞባዊ ግጭት ምግባሩን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብቐጥታ ኣብ ውግእ የመን ከምዝሳተፉ ምግባሩን ብቕሉዕ ምጥሓስ ናይቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተጸዕነ እገዳ እናኾነ፣ እታ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምእጋድ መሪሕ ተራ ዝተጻወተት ኣመሪካ ዋና ወተሃደራዊ ተደጋጋፊት ናይ ስዑዲ ዓረብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ደጋፊት ናይቲ ብስም ‘ምሕዝነት ዓረብ’ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ዘመተ ምዃና እዩ።

ኢሳይያስ፣ ሕጂ ‘ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ግዜ ብዘይሕጋዊ መስርሕን ዘተን ብውልቃዊ ፊንትኡ ዝገበሮ ዞባዊ ዕንደራታት፣ ከም ሃገራዊ ባይቶ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ ትካላት ኣብ ዘይብሉ እዋን፣ ንሰራዊትን መሬትን ኤርትራ ከምድላዩ ከምዚ ኣብ ዝኣመሰለ ሳዕቤናቱ ጽጹይ ሃገራዊ ዘተን መጽናዕትን ዘይተኻየደሉ ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ምውዓሉ  ተወሳኺ ዕንደራ እዩ። እቲ ብዓይኒ ኢሳይያስ ተናዒቑ ዋጋ ስኢኑ ዘሎ፣ ድምጺ ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ፣ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝወረዶ ብሕጂ ‘ውን ተሰካሚ ዕዳ ሳዕቤናት ‘ዚ ስጉምቲ ‘ዚ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ።  

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጸብጻብ ንምምንባብ demo.archive.assenna.com ተወከሱ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • teklit October 23, 2015

    It is all a matter of opprtunity unless we unite and start kicking iseyas by ourseves no solution will come weather we slept at new York or Swiss. It all dependes on our readiness to fight DIA.we should be ready to DIE pay blood.

  • ጎይቶኦም October 23, 2015

    ኣንታ ኤርትራዊ እንታይ ኢና ንኽውን ዘለና ሕጂ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይኣኽለናስ ናብ የመን ሰራዊት ሊኢኽካ መንእሰያት ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ክጠፍኡ ዝግበር ዘሎ ዓገብ ንበል: ሕጂ ኸ ወዲ መን እዩ ክመውት እዋይ ህዝቢ ኤርትራ።

    • jonus Jabar October 23, 2015

      Goitom gena esyas ab mesheta edaga eyu ziwul zelo Hager kisheyt gin mishat abyato
      buzuh nay dem eda alewa Elomo.

  • berhan October 23, 2015

    Assenna you are right. The report has more and more information. …it is shocking….Girma asmerom response is funny…..

  • Akile October 23, 2015

    Essentially Isaias is a mafia boss who uses Eritrea as a convenient store with empty shelf but with a valid license and a charade goes on behind the license with an unlawful activities at the expense of the Eritrean people. My hunch is Isaias’ utter contempt is not towards the opposition who to the very least stand up to him, rather his contempt is towards his pathetic supporters.

  • Gura October 23, 2015

    እዚ ሽፍታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ደናቑር ወሃቢን ናይ ስዑድያን ሃገራት ዓረብን፤ ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ኣትይዎ ዘሎ ውዑል፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ከዳሚ ናይ ዓረብ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ጊላ ወይ ዓቢድ ናይ ሃገራት ዓረብ ምቕባሉ ዘርኢ ጭብጢ እዩ።
    ጊላ ወይ ዓቢድ ናይ ሃገራት ዓረብ ስለዝኾነ ድማ እዩ፤ ነቲ ስቅያት፣ ባርነት፣ ወሲባዊ ግህሰት፣ ስርቂ ኩሊት፣ ማሕረድቲ ኤርትራውያን ኣብ በዓል ሊብያ ግብጺ ሲናይ ስዑድያ ሱዳን ደፊሩ ዘይዛረበሉን ዘይግደሰሉን። ልክዕ ከምዝኾነ ባርያነቱ ወይ ዓቢድነቱ ኣሚኑ ተጎምቢሑ ንሳሕሳሓት ስዑድያ ቐጠርን ኩወይትን ዝሰግድ።
    በዓል ኢሳያስ ተዋሪዶም ህዘቦምን ታሪኾምን መንነቶምን ዘሕሰሩ ገላዩ ዓቢድ ናይ በዓል ስዑድያ እዮም።

    • Yohan Frezghi October 23, 2015

      Well said Gura and please continue with your positive contributions and comments.

      • AHMED SALEH October 23, 2015

        Kilte korakhur ghenzeb tekebilom hizbi selam kem zeyrekb
        fahterter kiblu himak Amel ziweresu hulufat medanegherti
        mukhwanom hadish negher aykonen .
        For materialistic interest they kill their own brothers .

    • Natnael October 24, 2015

      @Gura,

      One thing we Eritreans & Ethiopians don’t consider is, the strategic plan and interests of the USA (CIA) and Israel who are going to dictate the world in the name of New-World-Order (= global Econamy or Neo-Colonialism). In their publication and world-map of this one-sided (western)approach in 1997, the actors had outlined the NEW world map with the possible major politcal entities in the world. One finds in this clasification ‘the coastal area of the Red Sea as from the African side together with the other side of the Red Sea with the Arab countries in a UNIT named as “Middle East”, as an independent intity. In the course of this conspiracy, the black Africans (like Ethiopia) are deprived from any sort of access to the Red Sea.
      The whole Theatre what we are watching now in connection with the exodus of victim Eritreans in the name of dictatorship is in line with their conspiracy. Naturaly DIA cooperates actively and he claims at the same time that CIA is the enemy of Eritreans and his ‘Wonderful Socio-Economic policy’ in order to confuse the mass. We are seeing a real and dirty politics at the cost of victim and clueless Eritreans in the real sense of the word. This is my view !

  • jonus Jabar October 23, 2015

    Esyas hansab tebalashyato eya zelato kigebr eyu wala wun kelbi nay yerab
    kugowun Eye edu resah bdem yehwatu zitehasbe eyu.

  • YiAkl October 24, 2015

    sooner or later Isias will go. How is he going to be remembered ? Please give your geniune view

  • ኣርዓዶም October 24, 2015

    ስዑድ ዓረብ ንዓሰብ ከም ወትሃደራዊ ምዓስከር ትጥቐመሉ ከም ዝነበረት ዝገልጽ ዜናታት ካብ ንሰምዕ ሓያለ ገርና ኢና፡ ይኹን ግን ህዝቢ ብዛዕባ`ዚ ኣብ ኣፍደገታቱ ወጽዩ ተቓውሞኡ ከርኢ ኣይርኣናን። እቶም ንህግደፍ ንቓወም ኣለና ንብል ተኾነ፡ ህዝቢ ኣኪብና ብዛዕብ ኡ ክንላዘብን ህዝቢ ከነነቓቕሕ ኣይሓሰብናሉን። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣበይ ከይበጽሑ ኢሉ፡ ንኹሉ መሬት ኤርትራ ሸይጡ ህዝባ ኣብ ፈቐዶ ኵናት ኣዕራብ እንዳ የእተወ የህልቐና ኣሎ። ስለዚ እቶም ህግደፍ፡ ብሰላማዊ ኢዩ ዝወርድ ትብሉ፡ ልኡኻቱ እንተዘይኮንኩም ህዝብን ሃገርን እንዳበረሰ፡ ብዝኾነ ተጠቒምካ ነዚ ሰራቒ ስርዓት እዚ ምእላይ ኢዩ እቲ ቑኑዕ ነገር። በዚ ይኹን በቲ ግን ሓርነት ህዝቢ ናይ ግድን ኢዩ፡ እቶም መንደልሃቕትን ዓንቐፍትን ክ ኣ ሽዑ የራኽበና።

  • Abel Yowhannes October 24, 2015

    Eway hezbi Eritrea entay ena nekwen zelna Ahhhh beka bezi resah serat kentefe knber akilna

  • koreri October 25, 2015

    ሱሌማን
    መንሽሮ/ካንሰር/ ድአ’ሞ ክእለ አለዎ እንበር እዚ ድአ እንታይ ዘዛርብ አለዎ።

POST A COMMENT