Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስውእ ዘይኾነ ሞይቱስ ንሕና ኢና ሞይትና።

ስውእ ዘይኾነ ሞይቱስ  ንሕና ኢና ሞይትና።    ዕስራ ሰነ መዓልቲ ሰማእታት  ዕስራ ሰነ ቅድሚ ኽልተ ዓመት እቶም ደገፍቲ በይኖም: እቶም ደለይቲ ፍትሒ ድማ በይንና እና ሰማእታትና ንዝኽር ዝነበርና።እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነቶም ደገፍቲ ንስኩም ንዝጠለምኩሞም ሰማእታት ክትዝክሩ

ስውእ ዘይኾነ ሞይቱስ  ንሕና ኢና ሞይትና።
   ዕስራ ሰነ መዓልቲ ሰማእታት  ዕስራ ሰነ ቅድሚ ኽልተ ዓመት እቶም ደገፍቲ በይኖም: እቶም ደለይቲ ፍትሒ ድማ በይንና እና ሰማእታትና ንዝኽር ዝነበርና።እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነቶም ደገፍቲ ንስኩም ንዝጠለምኩሞም ሰማእታት ክትዝክሩ ሕልናዊ ብቅዓት የብልኩምን:  ምኽንያቱ ደቂ ስውኣት ኣብ ባሕሪ እንዳሃለቁ ስድራ ስውኣት ዝናብዬም ዘይብሎም እንደተሳቀዩ እንከለው ሕድርካ ተተግቢሩ ኢልኩም እንተቆዘምኩም ትርጉም ስለዘይብሉ: እቲ ዝክሪ ነቶም ፍትሒ የለን :ሰማእታትና ተጠለሞም እዬም :ንብል ዘለና ደለይቲ ፍትሒ ‘ዩ ዝምልከት ብምባል ሰማእታትና ክንዝክር ጸኒሕና : እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ኣብዘን ኽልተ ዓመት ግን ሓዱሽ ፍልስፍናታት ንክትሰምዖም ዘሕፍሩ:  ንስውእ ምጽራፍ : ምንእኣስ: ስውእ ምውት ‘ዩ  እንታይ ገይሩልና : እዚ መዓልቲ ናይ ኢሰያስ እዩ ኣይምልከተናን ዝብሉ ይርከብዎም።
    ኣብ ባህልና ኣይኮነን ስውእ ሙውት እውን ኣይኽሰስን’ዩ: እይኮነን እንዳፈለጠ ኣነ ክስዋእ ‘ዩ  ንስኩም ግን ሰለም ርከቡ ኢሉ ህይወቱ ዝሃበካ ሰብ እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሞት ዝፍለየካ እውን ብሕማቅ ኣይተልዕሎን ኢካ ናይ ለብዘበን ፈላስፋታት ፖለቲካ ግን ንክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል ነውሪ :ካብ ባህልና ወጻኢ ምስ ስውእ ምብኣስ’ዩ።ዓቅሚ ምስ ሰኣንካ ወይ እቲ ብህይወት ዘሎ ዝቀትለካ ስደት ዘስፈረካ ገዲፍካ ምስቲ ጉቡኡ ገይሩ ዝሓለፈ ምቊያቅ ሕመቅካ ምሽፍን ካብ ምኻን ሓሊፍ ካልእ መግለጺ ኣይወሃቦን’ዩ።እቶም ኮነ ኢሎም ጓል መንገዲ እንዳምጽኡ ዝበታትኑና ሰብ ዕላማ ስለዝኮኑ ኣይታሓዞምን’ዩ: እቶም ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰዓብቲ ግን ዘሕዝኑ እዬም ሓደ ኣባሃህላ ኣሎ “ንኹሉ እንዛረቦ ክንሓስበሉ ኣለና: ንኹሉ እንሓስቦ ግን ኽንዛረበሉ ኣይግበኣናን” ።ሓደ ዘሕዝን ነገር ኣሎ ስነ ሓሳብ ናይ ህግደፍ ክንክተል የብልናን ይብሉ’ሞ ኣየናይ እዩ ስነ ሓሳብ ናይ ህግደፍ እንተበልካዬም መዓልቲ ስውኣት ነጻነት ዘይምኽባር ይምሉስልካ: ፍልልይ ክህልው ንቡሩን ቅቡሉን’ዩ  ምስ ስውእ ምብኣስ ግን ድፍረት ወይ ብልሒ ዘይኮነ ኣጉል ብዕሽነት ዝተሸፈነ ፍልስፍና’ዩ  ።ምኽባር እዘን መዓልታት’ዩ  ዘሰድደና ዘሎ: ዘእስረና ዘሎ: ንድሕሪት ዝመልሰና ዘሎ እንተኮይኑ እቲ ፍልስፍና ሕመቅካ ምግሃድ’ዩ።ነዞም ስውኣት የሕዋትና ነናኣእሶም ዘለና ሓቂ ክንዛረብ እንተኮይንና ንስደት ዘይኮኑ ከማና ሃዲሞምስ ገሊኦም ኣምሓሩ ቂቲሎም ንበረካ ወጺኦም ጊሊኦም ካብ ስደት ከይዶም ተጋዲሎም ተሰዊኦም ሃገር ነጻ ኣውጺኦም ስራሖኦም ወዲኦም :ንሕናከ እንታይ  ኢና ገይርና እስከ ንነብስና ንሕተት፣ንደርጊ ኣሳጉጐምልናስ ሕጂ ከኣ ካብ መቃብር ወጺኦም ንኢሰያስ ክኣሉይልና ዲና ንጽበ ዘለና፣ ቁሩብከ ኣይሕፍረናን ድዩ !!፣
   እስከ እቲ መንእሰይ እየ ዝብል ዘሎ ነብሱ ይሕተት ንዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ንኢሰያስ ገጹ እንደረኣዬ: ድምጹ እንደሰምዖ :ኣብ ቅድሚኡ የሕዋቱ እንዳኣሰረሉ:  እዚ ኩሉ እንዳፈለጠ እሞ ኣብ ዘበነ ምዑቡል ተክኖሎጂ እንታይ ኢዩ ገይሩ ካብዘን ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት እኮ ፍርቀን ንኢሰያስ ዘየመጉስ ኣይነበረን ሕጂ ግን ወጽዓ ምስ ሓየለ ኩሉ እዚ ሕጂ ዝጻረፍ ዘሎ ተረዲእዎ ተቃውሞ ጀሚሩ: እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ዳኣ በየናይ መለክዒ’ዩ ስውእ ዝኽሰሰሉ ንሶም ተንኮል ኢሰያስ በከመይ እዩ ክፈልጥዎ ዝደለ ዘሎ መላእክቲ ድዬም፣ከማና ሰባት የሕዋትና ደይኮኑን፣ ፣እቶም ንጸርፎም ዘለና ሰማእታት እኮ ዝበዝሑ ነቲ ዕላማ ሃገር ካብ ባዕዲ ሓራ ምውጻእ እንበር ንኢሰያስ ገጹን ተግባሩን እካ ይፈልጥዎ ኣይነበሩን።
 ኣብ መወዳእታ ከምቲ “በርበረ ኣይከውን ዕጣን :ዘረባ ኣይከውን ስልጣን” ዝበሃል ብዘረባ ብጸርፊ ዝመጽእ ለውጢ የለን ደላይ ፍትሒ ተባሃጊ ዳኣንበር ተፈራሂ ክከውን የብሉን ታሪክና ይሕመቅ ይጸብቅ ናትና እዩ:  ንተሓሳሰበሉ ግዜ ድማ ክመጽእ’ዩ ብኣልማማ ጸርፊ ግን መዘናግዒ ካብ ምኻን ሓሊፍ ዘምጾኦ ለውጢ የለን።ሰማእታትና ድማ” ንሶም ዘይኮኑ ሞይቶም ንሕና ኢና ሞይትና” ሓይልታት ምኽልካል እዬም ብደዎም ሞይቶም:  ኣይኮነን ንደቆም: ንስድራኦም : ኤርትራውያን ንነብስና እካ ክንከላከል ኣይከኣልናን: ምስ ዕጥቅና ምስ ቅልጽምና ከለና ብሓደ ሰብ ንዋረድ ኣለና ።ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ድማ ነቲ ደቁ ሲኢኑስ ብህግደፍ ዝዋረድ ዘሎ ህዝብና ነጸናናዓዬ ዳኣንበር ቁስሉ ኣይንጉዳኣዬ ካብና ተስፋን ሓለፋ ምጽንናዕን እዩ ዘድልዬ ዘሎ ።
   ሕጂውን ንሰማእታትና ትሒትና ሕመቅና :ፍርህና: እንደካማሳዕና ክንዝኽሮም ኢና ንኩሎም ነቶም ፍትሒ ደልዬም ተኣሲሮም ዝተሰውኡ ንዓና ኩሎም ማዕረ እዬም  ።ምኽንያቱ ንዕኦም ዝዳረግ ጅግንነት ስለዘይብልና ንሕና ብህይወት እንከለና ዓድና ዝሸጥና: ፈሪህና ስደት ዝሰፈርና: ብቁንጣሮ ሰባት ንዋረድ :ብዘይካ ፍልልይ ካልእ ዘይነፈልጥ ዝሞትና ወለዶ ስለዝኮና ንሕና ኢና ዘይንዝከር።ስለዚ ስውእ ዘይኮነ ሞይቱ ንሕና ኢና ሞይትና: ኩልና ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘለና ኤርትራውያን ንኢሰያስ እንተኣሊናን ሕጊ እንተንጊስናን  ጥራሕ ኢና ህልዋት ንኸውን።።ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትነብር መንእሰይ ብፍላይ ሓይልታት ምኽልካል ኤርትራ ድማ ብስም ሰማእታት ኤርትራ ነባሪ ታሪኽ ስራሕ።
                ክብርን መጐስን ንሰማእታትና:  ይኩኖ ባህታ ላስቬጋስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT