Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ስዉእ ተዛሪቡ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ዝተዳለወት ፊልም ብወግዒ ተመሪቓ።

‘ስዉእ ተዛሪቡ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ዝተዳለወት ፊልም፣ ብ 28 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተመሪቓ። ኣብቲ ድሙቕን ምዕሩግን ኣጋጣሚ መኽፈቲ፣ ኣብታ ፊልም ኣበርክቶ ዝገበሩ ስነጠበኛታት ከኣ ምስክር ወረቐት ተዋሂቦም። እታ ፊልም ንምርኢት ቅድሚ ምቅራባ ኸኣ፣ ዕዱማት

‘ስዉእ ተዛሪቡ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ዝተዳለወት ፊልም፣ ብ 28 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ተመሪቓ።

ኣብቲ ድሙቕን ምዕሩግን ኣጋጣሚ መኽፈቲ፣ ኣብታ ፊልም ኣበርክቶ ዝገበሩ ስነጠበኛታት ከኣ ምስክር ወረቐት ተዋሂቦም።

እታ ፊልም ንምርኢት ቅድሚ ምቅራባ ኸኣ፣ ዕዱማት ኣጋይሽ ድራማዊ ሙዚቃ ተዓዚቦም።

እዚ ዝስዕብ ቃል ናይታ ጉጅለ ስነጥበበ ከኣ ተነቢቡ።

Eri_film

 

                          ቃል ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት

ብመጀመርያ ዕድመና ኣኽቢርኩም ግዜኹም ወፊኹም ኣብዚ ቦኽሪ ጽንብል መመረቕታ ስራሓትና  ተኻፈልቲ ኮይንኩም ብምርካብኩም፡ ብስም ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ዓሚቕ ልባዊ ምስጋናና ይብጻሕኩም፡፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን…………..

ህልው ኩነታት ሃገርና ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ኣጽናቲ ስርዓትን ዓማጺ ምሕደርኡን ንሕና፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ናይ ጥፍኣት ጎደና ንርከብ ኣለና፡፡ እዚ ኣብ ሃገርና በትረ ምልኪ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡ በዚ ዝኸዶ ዘሎ፡ ናይ ለኻኺምካ ጥፋእ ሓደገኛ መገዲ፡ ክኸይድ ቁሩብ ዕድል እንተ ሂብናዮ ድማ፡ ህላውነትና  ነበረያ ነበረ ከይከውን ብዘይ ቀልዓለም ዘስግእ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ፡ ንሕና ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት፡ ምስቲ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብማዕበል ተበጋጊሱ ዘሎ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብሞያ ስነ-ጥበብ መሪሕ ተራና ክንጻወት፡ ደፋእትን ቀለስትን ክንከውን ኣርኣያ ኮይና፡ ንዓቢ ስራሕ ኣሃዱ ኢልና ንጅምር ዘለና፡፡ ንሕና ኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ተበጊስናሉ ዘለና ዕላማ፡ ዋሕዚ ቀጻልነቱ ቀጻሊ ምዃኑ ድማ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡፡

ኣብ ሃገርና ስልጣን ብሓይሊ ገቢቱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንዓና ንኤርትራውያን ልዕሊ ብጠበንጃን ብጥይትን ብሞያ ስነ-ጥበብ ኢዩ ተዋጊኡና፡፡ ኣብታ ኩሉ መሰላት ዝተሓረመላ ሃገርና  ኤርትራ፡ ትንፋስ ዘለዎ ፍጡር ወዲ ኣዳም ጥራይ ዘይኮነ፡ ሞያ ስነ-ጥበብ እውን ብስርዓት ህግደፍ ተሓይሩን ጅሆ ተታሒዙን ኢዩ፡፡ ዛጊት ንስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕን ዘሞግስን እምበር፡ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ጭካነ ዝመለኦ ግፍዒ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት፡ ብሞያ ስነ-ጥበብ ኣይተተንከፈን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣይተደፍረን እውን ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ሎሚ ግን እቲ ዋንነት ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዝነበረ ሕዛእቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሩ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ፡ ንሕና ኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ብድሩት ዓቕምና፡  ነቲ ብሰንኪ ከቢድ ፍርሒ ተሸፋፊኑ ዝኸይድ ዘሎ ኣውያትን ስቅያትን ህዝብና ኣለና ብምባል ኣብ መድረኽ ወጺእና ዘለና፡፡ ኣብዛ ቦኽሪ ስራሕና  « ስዉእ ተዛሪቡ » ዘርእስታ ፊልም ነቲ ክዉንን ህልውን ሓቂ  ከም ዘለዎ ኢና ናብ ፍርዲ ህዝቢ ነቕርቦ  ዘለና እሞ ብሩኽ ምጅማር፡፡

ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ ስረሓት ጉጅለ ስነ- ጥበብ ንሓርነት ጅማሮ እምበር መወዳእታ ኣይኮነን፡፡  ድሮ እውን  ናይዛ ቦኽሪ ስራሕና « ስዉእ ተዛሪቡ » ዘርእስታ ፊልም መቐጸልታ ካልኣይ ክፋል ቅድመ ምድላው ኣብ ምጽፋፍ ንርከብ ኣለና፡፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ…………………

ሞያ ስነ-ጥበብ ኣዝዩ ከቢድ ወጻኢታትን ድኻምን ጻዕርን ዝሓትት ስራሕ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ሞያʼዚ ምሉእ ግዜኻ ሂብካ፡ እቲ ዝግባእ ጥበብን ክእለትን ሓዊስካ፡ ምዕቡል ዘመናዊ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ፡ ብሉጽ ስራሕ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡  ኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ግን፡ ነዚ ኣሽሓት ኣፍሲስካ እውን ክትሰርሖ ኣዝዩ ከቢድ ስራሕ ንኽንሰርሕ፡ ምስ ኩሉ ውልቃዊ ሽግራትና ባዶ ኢድና ኢና ተበጊስና፡፡  ኣብዚ ስራሕ እዚ ከፋልን ተኸፋልን ኣይነበረናን፡፡  ኣብዚ ከይገለጽናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፡ ንኹሉ ብኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ክዕመም ዝግበኦ እኳ እንተዓመምናዮ፡ ንመስኣሊ ካሜራ፡ ንዝተሳእለ ስእሊ ኤዲት ንምግባር፡ ኣብ ስትድዮ ኣቲኻ ደርፍታት ንምስራሕን ካልእ ወጻኢታት ግን፡ ግድን ገንዘብ ክህልወና ነይርዎ፡፡ ነዚ ወጻኢታት እዚ ብምትሕብባር ኣባላት  ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት  ደገፍ ዝገበረልና ኣብ ኣመሪካ ዝነብር  ደላይ ፍትሒ ኣቶ ለማ ኣድሓኖም ኢዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ቦኽሪ ስራሕና ክዉን ንምግባር፡ ኣብ ፈጽሚ ንምብጻሕ፡ ብገንዘብን ንዋትን ሞያዊ ክእለቶምን ከምኡ እውን ሞራላዊ ምትብባዕ ንዝገበሩልና ኩሎም ልባዊ ምስጋናና ይብጸሓዮም፡፡ ብፍሉይ ድማ ኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣቶ ለማ ኣድሓኖም፡ ኣሕዋት ትዕግስቲ ተሰማን ኣለም ተሰማን  ሰኣላይ ኣቢሰሎም ኣርኣያ (REC FILM PRODUCTION) ኤዲተር ዮናስ ኪሮስ ብልቢ ነመስግኖም፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ግን፡ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ  ከም ኣሕዋት ኣዕቊቦምና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዓድና ዝሰኣናዮ ሕልናና ዝቐስነሉ፡ ነጻ ኮይና ኣብ ሞያ ስነ-ጥበብ ንኽንሰርሕ ንዘጣጡሑልና ባይታ ብስም ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ዲሞክራስያዊ ፍትሒ ልባዊ ምስጋናና  ይብጸሓዮም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ሓድነት ሓይሊʼዩ! ዝብል እምነትን ዕላማን ሒዝና ኢና ንብገስ ዘለና፡፡ ስለ ዝኾነ ነባርን ሓባራውን ፍታሕ ከነምጽእን ከነረጋግጽን ንዘየፈላልዩና መፈላለይታት ወጊድ ኢልና ብሓባር ንመርሽ፡፡ ቃንዝኡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቁስሊ ኣለናʼሞ፡ ኣብ ጽላል ሓድነት ተጠርኒፍና ሽግርና ብሓባር ንፍታሓዮ ንብል፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኣብ ሞያ ስነ-ጥበብ ተዋፊሩ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ መሪር ኣውያት ወገናቱ ክሰምዕን ኣብ ጎድኒ እቲ ደበና ጥፍኣት ኣንጸላልይዎ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውንን ኣባላት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት ብዓውታ ንጽውዕ፡፡ ሞያ ስነ-ጥበብ ጸግዒ ውጹዓትን ጭቑናትን እምበር፡ መጋበርያ መለኽትን ቀተልትን ክኸውን ኣይግባእን ዝብል ጽኑዕ መልእኽትና ደጊምና ነስምረሉ፡፡

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት

ዕለት 28 – 02 – 2014

ኣዲስ ኣበባ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • eritrawi March 5, 2014

    Well done !!! Together we will win the dictator

  • Bereket Asghedom March 5, 2014

    ኩሉ ሰብ ይርስዕ’ሞ ግን ኣይከማናን። ጀሚርኩሞ ዘሎኹም ዓቢ መዘኻኸሪ ስዉኣትናን ሽግርናን እዩ። ብፍላይ ነቶም ርኢና ትም፡ ሰሚዕና ትም፡ ኣብ ገገዛና ተሓቢእና ነዛ በኹሪ ፍልምኹም ከምእንርእያ ኣየጠራጥርን። ዓቢ ውጽኢት ከምዘለዎ ድማ ርግጸኛ እየ።

    ኣጆኹም

  • jemal Abdu March 5, 2014

    Alena, Alena, Eritrawian Alena. Berhan yehabkum Geganu yehwatey. Haye Hayet, Haye Hayet kenewet Ena.
    I am so proud of every Eritrean who say no to the Dictator and fight for him self and Eritrea. We will not run away, we will fight. NB: I hope the Leaders of the oppositions will learn from you, to work for Eritrea instead they fight for no risen.
    AWET N ERITRAWIAN

    • Abduselam Abdu March 5, 2014

      It is a great work brothers & sisters . You are the voice of the voiceless keep it up.

  • Amanuel March 5, 2014

    great job!

  • Ghizie-3 March 5, 2014

    ዝኸበርኩም ተባዓት ጉጅለ ስነ-ጥበብ ንሓርነት፡ እንቛዕ ኣብዚ ዓወት’ዚ ኣብጽሓኩም፤ ካብ ጀመርኩምስ፡ ምስ ህዝብኹም ብዓወት ከም እትቕጽሉ’ውን ጥርጥር የብለይን፡ ከመይ ነቲ ዝኸበደ ምፍላም ስለዝበቓዕኩም። ሓይሊ ስነ-ጥበብ፡ ንልብን ኣእምሮን ደቂ-ሰባት ዝትንክፍ፡ ሓያል ስምዒታትን መትከላውነትን ሰብኣውነትን ዘሕድረልካን ዘላዓዕለልካን፡ ናይ ተረድኦኻ ዓቅሚ’ውን ከይተርፈ ዘሐይልን ስለዝኾነ፡ ተራኡ ኣብ ኅብረተ-ሰብ፡ ብፍላይ ኣብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ንሓርነትን ኣንጻር ጭቆናን፡ ኣዝዩ ልዕልን መዘና ዘይርከቦን ምዃኑ ንኹልና ብሩህ እምሰልኒ። ብጉጅለ መልክዕ ተጠርኒፍኩም፡ ምእንቲ ሓርነት ቃልስኹም ምጅማርኩም ድማ፡ ተሓጊሰን ተስፋይ ክብ ኢሉን። ኣጆኹም ኣጆና፤ ሓቢርና ንጉጅለ ጠላማትን ሸፋቱን ህግደፍ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጸሪግና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተበደል ህዝብና፡ ግብረ-ኢዶም ከምዝቕበሉ ክንገብር ኢና። ኣሳልጦን ጥዕናን፤ ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ።
    ክ. ይሥሓቕ

  • KB ASMRA March 5, 2014

    amkilkail absrawit klo flto alo flme kmzsrhkom agokom aythmako kb blza mkilkail

  • Sorobeti March 5, 2014

    ሞያ ስነ-ጥበብ ጸግዒ ውጹዓትን ጭቑናትን እምበር፡ መጋበርያ መለኽትን ቀተልትን ክኸውን ኣይግባእን ዝብል ጽኑዕ መልእኽትና ደጊምና ነስምረሉ፡፡

    ናይ መጨረሻ ዕርዲ ህግደፍ ሰባቢርኩማ ብሩኻት ደቂ ውጹዕ ህዝቢ።

  • Jeganu.. March 5, 2014

    Good Job my fellow Eritreans, keep up the good work, it is going to pay off soon.
    Peace…

  • Gebez March 5, 2014

    I am very happy to see so many Eritreans in Addis. Welcome home all. Feel that you are at home. You are not foreigners.

  • Tsbuk-wedi March 5, 2014

    ዝኸበርኩም ጉጅለ ስነ-ጥበብ
    ዝሰራሕኩማ ፊልም ከይራኣኹዋ ሕማቕን ጽቡቕን ኢለ ፍርዲ ምሃብ ኣሸጋሪ አካ አንተኾነ፡ ብትብዓትኩምን ስነምግባርኩም ኣዝየ ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኩርዓትን ሓበንን ይስማዓኒ። ኣብ መጻኢ ታሪኽና ካኣ ዓቢ ቦታን ክብርን ከምዘለኩም ኣይትዘንግዑ። መንግስቲ ነባሪ ኣይኮነን ህዝብን ሃገርን ግን ንዘልኣለም ነበርት አዮም። ምስ ህዝብኹም ምውጋንኩም ካኣ ንመጻኢ ጽቡቕ ዛንታን ኩርዓትን ስለ ዝኾነ እንቃዕ መጎሰኩም።

    ኣማኑአል

POST A COMMENT