Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ: ብርሰት ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን – 3ይ ክፋል

ስርዓት ህግደፍ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ ብርሰት ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን 3ይ ክፋል ታደሰ ኪዳነ                   በርሚንግሃም         10/02/2017   ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ኣምር፡ ምስ ምቛም ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን ዝጀመረ እመስለኒ። ሓርበኝነት ግን ቅድሚ ምቋም ሃገራትን መግዛእትን ዝነበረ ተርእዮ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ

ብርሰት ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን

3 ክፋል

ታደሰ ኪዳነ                   በርሚንግሃም         10/02/2017

 

ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ኣምር፡ ምስ ምቛም ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን ዝጀመረ እመስለኒ። ሓርበኝነት ግን ቅድሚ ምቋም ሃገራትን መግዛእትን ዝነበረ ተርእዮ ኢዩ። ዝኾነ ሕ/ሰብ ኣብቲ ብደረጃ ቀቢላ፡ ብሀር፡ ከባቢ ወይ ዓሌት ኣብ ልዕሊኡ ንዝወርድ ወራርን ዝምታን፡ ከምኡ`ውን ነቲ እጀታይ ዝብሎ መሬት ኣብ ምክልኻል ንዝሞቱ ኣጓብዝ፡ ብፍሉይ ክብርን ጅግንነትን ክዝክሮም ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ሓርበኛ ዝብል ኣምር ድማ፡ ነቶም ምእንቲ`ቲ ናትና ዝብልዎ ወገን ወይ መሬት፡ ሰቦም ጠርኒፎም ብምምካት ዓወት ዝተጎናጸፉ ሰብ ቆጽሊ ወይ ታሪኽ ሰሪሖም ብጅግንነት ንዝሞቱ ውልቀ-ሰባት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ስም ኢዩ።

ብዙሕ እዋን `ታሪኽ ናይ ሓፋሽ ኢዩ` ክበሃል ይስማዕ ኢዩ። እዚ ታሪኽ`ዚ ግን፡ እኩብ ድምር ታሪኽ ውልቀ-ሰባት ምኳኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣበርክቶ ውልቀ-ሰባት ኣብ ታሪኽ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣበርክቶ ውልቀ-ሰባት ኣብቲ ዝግበር መኸተ ስለ ዝፈላለ ድማ ሕ/ሰብ ነቶም ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ወይ ፍሉይ ጅግንነት ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባት፡ ብፍሉይ ይዝክሮምን ይደርፈሎምን ኢዩ። ከከም ደረጃን ምዕባለን ናይቲ ህዝቢ ድማ ማዕረግን መዳልያን ክዕድሎምን – ክብ ዝበለ ኒሻን ክሽልሞምን ጸኒሑ ኢዩ። ሕ/ሰብ ኤርትራ ድማ ቅድምን ድሕርን መግዛእቲ፡ ብሓባርን በብከባቢኡን ዝዝክሮም ጀጋኑን ዓበይቲ ሰብ ታሪኽን ኣለዉዎ። ኣብዚ ብንጹር ከነጽሮ ዝደሊ ዘለኹ እምበኣር፡ ሓርበኝነት ቅድሚ ምምጻእ ሓይልታት መግዛእትን ምኽላል ዶባትን ዝነበረ፡ ንጅግንነትን ሰብ ጽቡቕ ታሪኽን ዝወሃብ ኣምር ክኸውን ከሎ፡ ሃገራውነት ግን ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ምስ ምቕልቃል ሃገራትን ፖለቲካዊ ዶባትን ዝመጸ ኣምር ምዃኑ ኢዩ። እዚ ግን ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ዝምልከት እምበር፡ ብግብሪ ሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ ክትርእዮ ዘጸግም እመስለኒ።

ሓርበኝነት ምእንቲ ገንዘብን ሹመትን ዘይኮነ፡ ምእንቲ`ቲ እጀታይ እትብሎ መሬትን ናተይ እትብሎ ወገንን ብባህሪያዊ ድፍኢት (instinctively) ኢዩ ዝፍጸም። ስለዚ ኣብ ኲናትን መኸተን – ጅግናን ሓያል ተዋጋኣይን ምዃን ንበይኑ፡ ሓርበኛ ዘብለካ ኣይኮነን። ጅግንነትካ ኣንጻር`ቲ ናተይ ትብሎ ህዝብን ወገንን ኮይኑ፡ ንረብሓ ዓመጽትን ዘረፍትን እንተኾይኑ; ሕ/ሰብ ብጥልመትን ክድዓትን እምበር፡ ሓርበኛዊ ስም ዝዕድለካ ኣይኮነን። ሓርበኝነትን ሃገራውነትን እምበኣር ክልቲኦም ካብ ፖለቲካዊ ኣምራት ነጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን።

እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ፡ ንኤርትራ ነጻ ዝገበረ ተጋዳላይ`ውን ንሓርበኛዊ ታሪኽ ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን ወሪሱ፡ ነቲ ኣብ ኣርባዓታትን ሓሙሳታትን፡ ቅድሚኡን ዝነበረ ርሱን ሃገራዊ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ ቀጺሉዎን ኣዐዊቱዎን እምበር፡ ሓርበኝነትን ሃገራውነትን ምስ ምምጻእ ገድሊ ዝጀመረ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ክብደት ናይቲ 30 ዓመት ዝወሰደ ብረታዊ ረጽሚ ነዊሕ ምስ ምዃኑን፡ ምረት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ መኸተን – ቊጽሪ ናይቶም ፍሉይ ታሪኽን ጅግንነትን ፈጺሞም ዝሓለፉ ተጋደልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ክኸውን ግድን ኢዩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን፡ እቶም ድሕሪ ናጽነት በትረ ስልጣን ዝዓተሩ ሰብ ጽሩራ፡ እንተስ ዘሕፍር ታሪኽ ሃልዩዎም ወይ ብውልቆም ዝንየትሉ – ሕ/ሰብ ዝሕጎሰሉ ታሪኽ ዘይብሎም ኮይኖም፡ ኣስማት ናይቶም በብእዋኑ ገድሊ ኤርትራ ዘፍረዮም ሓርበኛታትን ዝፈጸምዎ ዘኹርዕ ታሪኽን ናብ ህዝቢ ንኸይቀርብን ከይዝከርን፡ ብዓቢኡ ድማ ከይስነድ ከልኪሎምዎ ኣለዉ።

ሓርበኛነት ናይ ደቂ ሰባት ታሪኽ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ድማ ድኹምን ሓያልን ጎድንታት ኣለዎ። ሰብ ብባህሪኡ ህዉኽ፡ ሓራቕ፡ ህዱእ፡ ውዑይ፡ ዝሑል ወዘተ ክኸውን ግድን ኢዩ። ሓርበኝነት ግን ነቲ ዝፍጽምዎ ጽቡቕ ታሪኽ እምበር፡ ንዝነበሮም ውልቃዊ ባህርይ ዝዕደል ኣይኮነን። ህግደፍ ድማ ጀጋኑን ሓርበኛታትን ንዝፈጸምዎ ታሪኽ ዓቢጡ፡ ንውልቃዊ ባህርያቶም እናኣልዓለ “ክላእ . . ንሱ ድኣ . .!!” እናበልካ ሰባት ምንሻው ጥራይ ኢዩ ምሂሩና። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ገለ እዋን ጽቡቕ ዝናን ተቐባልነትን ዝነበሮም ተጋደልቲ፡ እቲ መራሒ ብውልቁ ስለ ዝጸልኦም ጥራይ፡ ይትረፍ ዝነበሮም ኣበርክቶን ጅግንነትን፡ ኣስማቶም ንምሕካኽን ኣብቲ ናይ ገድሊ ጉዕዞ`ውን ከም ዘይነበሩ ተረሲዖም ከም ዝተርፉ ንምግባሮም ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይቀብኦም ጸለሎን የለን። ነዚ ሎሚ ዘልዕሎ ዘለኹ ብርሰት ሓርበኝነትን ሃገራውነትን ድማ መንቀሊኡ ንሱ ኢዩ።

ህግደፍ ኣብ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን ናይ ዝነበሩ ሓርበኛታት ታሪኽን ዝናን ከይንገር ኣይከልከለን። ግን ብኣዝዩ ውሱንን ጥንቁቕን መንገዲ። ኣብቲ ናይ 30 ዓመት ረጽሚ ግን ብሓፈሻ `ከምዚ ገይርና` እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ ኣበርክቶን ጅግንነትን ውልቀ-ሰባት ኣትዩ ክዛረብ ትብዓት የብሉን። ንድሕሪት ተመሊስና`ሞ ታሪኽ ንዘክር!! ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ዓ.ም ኣብ ኩሉ`ቲ ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ቅዲ-ኲናት፡ ጸላኢ ኣብ ምድኻም መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ ተጋደልትን ሓለፍትን በዓል መን ኢዮም? ኣብቲ ሰውራ ኤርትራ ፋሕ-ፋሕ ኢሉሉ ዝነበረ ዘመነ-ክፍልታት፡ ሓይልታት ሰውራ ንኽሰምር መሪሕ ተራ ብዛዕባ ዝተጻወቱን፡ ንጀብሃ ናብ ሓደ ዓርሞሸሽ ሓይሊ ዝቐየሩ ተጋደልትን መራሕትን ህዝቢ ዝፈልጦ ኣለዎ`ዶ? ንህዝባዊ ሓይልታት (ዳሕራይ ህዝባዊ ግምባር) ካብ መንቀራቕሮ ጀብሃን ተጻብኦታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ብክልተ ብልሒ እናተዋግኡ – ብክልተ እግራ ደው ከም ትብል ብዛዕባ ዝገበሩ ተጋደልትን መራሕትን መን ተዛሪቡ ይፈልጥ!!! ኣብ 1977 ዓ.ም ብዙሓት ከተማታት ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰውራ ክኣትዋ ከለዋ – መን፡ ኣበይ፡ እንታይ ተራ ነይሩዎ? ካብ 1978 ዓ. ም ጀሚሩ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግምባራት ሰፋሕቲ መጥቃዕቲታት ኣካይዱን ፈሺሉን ኢዩ። ኣብቲ ጽንኩር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን እዋን`ቲ ብውልቆም ብታሪኽ ክዝከር ዘለዎ ፍሉይ ጅግንነት ዝፈጸሙ ተጋደልቲ ወይ መራሕቲ ይህልዉ ዶ`ኾን ይኾኑ?

እዞም ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ በዚ ጠላም ጉጅለ ብቓጻ ዝጠፍኡ ተጋደልቲ፡ ንህዝቢ ዘኹርዕ ዝፈጸሙዎ ታሪኽ ይህልው ዶ`ኾን ይኸውን? ዝፈጸምዎ ክድዓት እንተ-ነይሩ`ኸ እንታይ ኢዩ? ህዝብን ሃገርን እንተበዲሎም ስለምንታይ ኣስማቶም ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ተታሒዙ ከምዛ ዘይነበሩ ካብ ታሪኽ ንምሕካኾም ተጻዒሩሉ? ዶ ወይስ ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ መለኮታዊ ሓይሊ ሃልዩዎ ኣብ ኩሉ ግንባራትን ሓይልታትን፡ ኣብ ኩሉ ውግኣት ተረኺቡ ይዋጋእን የዋግእን ነይሩ!!! ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ`ውን ንታሪኹን ናይ ውልቁ ጅግንነትን መታን ክምስክሩ፡ ከም ተሓጋገዝቲ ጅግና ኮይኖም ታሪኽ ዝንገረሎም ሰባት ምረኣና። ስለምንታይ ኢዮም መራሕቲ ህግደፍ ታሪኽ ውልቀ-ሰባትን ታሪኽ ሰውራ ብሓፈሻን ብልክዕ ክንገር ዘይደልዩ? እዚ ሕቶታት`ዚ ጥራይ ንበይኑ፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ መንነት ናይዞም ህዝቢ ዝብትኑ ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ገለ ኣምር ከትሕዘና ይኽእል ኢዩ።

ብኣንጻር`ዚ ክብ ኢለ ዘልዓልኩዎ ሓቅታት፡ እዞም ድሕሪ ናጽነት ነቲ ክቡር ባህሊ ክወርሱ ዝግበኦም መንእሰያት፡ ህግደፍ ነታ ሐሕማቓ ጥራይ ኢዩ ከስንቖም ፈቲኑ። ገለ ካብኡ – ኣብ ገድሊ ስለ ዝጠመና – ጥመዩ፡ ስለ ዝዓረቕና – ዕረቑ፡ ስለ ዝደኸምና – ድኸሙ ወዘተ ዝብላ ቃላት ጥራይ ኢዩ ደጋጊሙሎም። ኣብ ዘረባ ከይተሓጽረ ድማ ነቲ ኣብ ገድሊ ዝሓለፍናዮ ጥሜት፡ ዕርቃን፡ ድኻምን ከርፋሕ ህይወትን፡ ኣብ እዋን ሰላምን ድሕሪ ናጽነትን ክደግምዎ ኣገዲዱዎም። ኩሎም`ቶም ካብ ቀዳማይ ዙርያ ኣትሒዞም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገር ክከላኸሉ ዝተመልመሉ መንእሰያት ዝተገብረሎም ኣተሓሕዛ፡ ዝተባህሎም ዝገብሩ፡ ልኡማትን ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎምን ንምግባሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ገድልን ተጋዳላይን ፍጹም ጽልኢ ከም ዘሕድሩ ንምግባሮም ኢዩ ተጻዒሩሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብመደብ ኣብ ልዕሊ`ቶም ንሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ `ጽልኢ ከም ዘሕድሩ ገይሩዎም ኢየ` ዝብል ዘለኹ። ንጹር ኣብነት ናቱ ድማ ነቲ ኣብ 1991 ዓ.ም ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝነበሮ ክብርን ትጽቢትን ምስዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኩነታት ብምንጽጻር ክረአ ይከኣል ኢዩ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ`ቲ ዝሓለፈ 30 ናይ ቃልሲ ዓመታት ኮነ፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ 25 ዓመታት ሕ/ሰብ ኤርትራ `ዝምክሓሎምን ዝኾርዓሎምን ጀጋኑን ሓርበኛታትን ኣየፍረየን – እንተ ነይሮም`ውን ኣበርክቶኦም ክንገር ኣይተደልየን` ኢዩ ዘስምዕ። ከም ኣብነት ዘቐምጦም መራሕቲ (role model) ዘይብሉ ወለዶ ድማ ዝወርሶን ዝኾርዓሉን ታሪኽ የብሉን። ሕ/ሰብ ኤርትራ ግን፡ ካብ ኩለን ናይ ከባቢና ሃገራት ንላዕሊ ኣሽሓት ሓርበኛታት ዘፍረየ፡ መስተንክር ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ዝኾርዓሉን ዝንየተሉን ድልዱል መሰረት ዘለዎ ክቡር ሃገራዊ ባህሊ ዘንጸፈ ህዝቢ ኢዩ። ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ጉጅለ ድማ ኣብ ብርሰትን ዕንወትን ናይቲ ክቡር ባህሊ ተዋፊሩ ንርእዩ ኣለና።

ካብዚ ቀጺለ ድማ ነቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሕጻናት፡ መንእሰያትን ዓበይትን ዝተራእየ ብርሰት ሓርበኝነትን ዕንወት ሃገራውነትን ምስ ገለ ብውልቀይ ዝተዓዘብኩዎ ኣብነታት እናኣዛመድኩ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ደቂ ሰብ ኣብታ ዝነብሩላ ሃገር ወይ መሬት ዘሎ ምምሕዳር ምሒር ከፊኡ ወይ ብኻልእ ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ኩሉ ነገር ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ተስፋ ምስ ቆረጹ፡ ትጽቢቶም ኣብቲ ድሕሪ ሞት ኣሎ ዝበሃል ናይ ጽድቂ ህይወት ኢዮም ዝገብሩ። ኣብ ዓለም ከለዉ ብጨካናት መራሕቲ ዝተነፍጎም ጸጋን ጥዑም ህይወትን፡ ድሕሪ ሞት ካብ ፈጣሪ ክረኽብዎ ዝጽበዩ። ኣብዚ`ውን ሓንቲ ኣብነት ከቕርብ ኢየ።

ኣብ 1998 /99 ዓ.ም ኣቢሉ ኢዩ። ካብቲ ብኣዜንዳ ዝፍለጥ ኣብ መንደፈራ ዝነበረ መንበሪ ገዛይ፡ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝርከብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቤት – ጽሕፈት ገጸይ ኢየ ዝኸይድ ዝነበርኩ። ዕንባባ ሆተል ሕልፍ ምስ በልኩ፡ ክልተ ናይ ትምህርቲ ቦርሳ ዝተሓንገጡ ቆልዑ፡ ብሸነኽ ጸጋም ካብ ዝነብረ መንበሪ ገዛውቲ ወጺኦም ጽንብር በሉኒ። በቲ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ዲቪዛ – ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ዓዲ ወግሪ (ሳንጆርጆ) ምዃኖም ኣይሰሓትኩዎምን። ብዕድሜኦም ምንኣስ ድማ ተማሃሮ 8ይ ወይ 9ይ ክፍሊ ምዃኖም ኢየ ገምጊመ። ኣንፈት ጉዕዞኦም ከማይ ንከተማ ገጹ ስለ ዝነበረ፡ ሰላምታ ምስ ተለዋዊጥና ኢየ፡ እቲ ዝነበርዎ ገዛ ተኣኪቦም ጸሎቶም ዘዕርጉሉ ቤት ምዃኑ ዝፈለጥኩ። ብእኡ ንብኡ ድማ ኣብ ምዉቕ ዕላል ኣተና።

“እሞ ጸሎት ክትገብሩ ኢኹም ጸኒሕኩም?” ምስ በልኩዎም “እወ! ንዓኻ`ውን እኮ ጽቡቕ ኢዩ፡ ምሳና ግዳ ዘይትመጽእ!” በሉኒ። ብወገነይ ተኻፋሊ ጸሎቶም ክኸውን ጸገም ከም ዘይብለይ ሓቢረ “ግን ንስኻትኩም ናይ 2ይ ደረጃ ተማሃሮ ኢኹም። እዚ ኣብዚ ብጸሎት ትመሃርዎ ፍልጠት፡ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትማሃርዎ መጻሕፍቲ ብኸመይ ተዛምድዎ? . . ንኣብነት . . .!” ኢለ ገለ ካብቲ ኣብ ባህርያዊ ስነ-ፍልጠት (ሳይንስ) ዝመሃርዎ ኣርእስታት ጠቒሰ ሓተትኩዎም። ብእኡ ንብኡ ድማ “ኣብ ቤት-ትምህርቲ ድኣ መታን ክንሓልፍ ጥራይ እንዳኣልና ነጽንዕ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕመናን ኢዩ። ቀንዲ ዝጠቕመና እዚ ኣብ ጸሎት እንመሃሮ ኢዩ . . “ ድሕሪ ምባል፡ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ንሓጺር እዋን እንጸንሓላ  ገ ዛ – ኽ ራ ይ  ምዃና፡ እቲ ቀንዲ ዝጽበይዎ ህይወት ድማ ኣብቲ ናይ ጽድቂ ዓለም ምዃኑ ከረድኡኒ ሒዩኽ ኢሎም። ብሓቂ`ውን ተማሂሩ ኣብ ሕጊ ሳዋ ዝበሊ እምበር፡ ንነብሱን ሃገሩን ዘርብሕ ሰብ ኣይረኣዩን።

ኣብዚ – ኣብቲ መንፈሳዊ ትርጉሙ ኣትየ ክዛረብ ኣይደልን ኢየ። ዘድልየኒ`ውን ኣይኮነን። እንተኾነ፡ እትነብረሉ ገዛ ብዋንነት ናትካ እንተ ዘይኮይኑ ጥራይ ኢኻ ክራይ ትኸፍለሉ። እንተ ኣሪጉ ወይ ምስ ድልየታትካ ዘይከይድ እንተኾይኑ ግን፡ ዝያዳ ገንዘብ ወሲኽካ እትነብረሉ ብኻልኦት ናብ ዝውነን ዝጸበቐ ገዛ ሃሰስ ኢልካ ትግዕዝ። እቲ ገዛ ብዋንነት ናትካ እንተኾይኑ ጥራይ ኢኻ እንተ ነቒዑ ትጽግኖ፡ እንተ ኣሪጉ ተሐድሶ፡ እንተ ሃብቲምካን ገንዘብ እንተ ገይርካን ድማ ናብ ቪላን ዝጸበቐ ርሻናትን ትቕይሮ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምእንቲ መሬቱን ርስቱን ዝመውት፡ ርስቱን መሬቱን ዓቂቡን ኣደልዲሉን ናብ ደቁን ደቂ-ደቁን ብዋንነት ዘመሓላልፍ ክቡር ባህሊ ዝውንን ህዝቢ ኢዩ።

ንነብሰይ ኣብቲ ናይቶም ሕጻናት ዓለም ኣእትየ ክርእያ ምስ ፈተንኩ ግን ንባዕይ ሕንቕ-ንቕ ኢሉኒ። ኣነን ኩሎም እቶም ዝሓለፉን ዝኣተዉን መጋድልተይን ምእንቲ`ታ ድሕሪ ሞት ኣላ እትበሃል ናይ ጽድቂ ዓለም ዘይኮናስ፡ ምእንቲ`ታ ንክብራን ልዑላውነታን ዝተዋደቅና፡ ህዝባ እተኽብር፡ ልዕሊ ካልኦት ስልጥንቲ ክትኮነልና እንደልያ ኤርትራና እትርከባ መ ሬ ት  ኢና ተቓሊስና። እነሆ ድማ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ሱር ዝሰድድ ዝነበረ ስርዓት፡ ተስፋ ናይቶም መግዛኣቲ ዘይረኣዩን፡ ሕሰሙ ዘየስተማቐሩን፡ ኣምዑት ዘይቆጸሩ፡ ንዓለም ቅንጣብ ዘየልዓሉላ ህጻናት ከይተረፈ፡ ካብዛ ናይ ወድ ሰብ ዓለም ተስፍኦም ተጸንቂቑ፡ ኣብ ዕሸል ዕድሜኦም ናብ ናይ ጽድቂ ዓለም ጠሚቶም። እቲ ጨካን ስርዓት ግን፡ ናብታ ናይ ጽድቂ ዓለም ክጥምቱ`ውን ኣየፍቀደሎምን። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ እታ ተኣኪቦም ዝጽልዩላ ገዛ ተዓጽያ፡ ገለ ካብ ኣባላታ ድማ ከም ዝተኣስሩ ሰሚዐ። በዚ ድማ እቶም ናይዛ እንነብረላ ዓለም ጥዑም ናብራ ዝተነፍጎም ሰባት፡ ናብታ ኣብ ሰማይ ዝጽበዩዋ ናይ ጽድቂ ዓለም`ውን ካብ ምጥማት ተኸልኪሎም።

ኣብ ኣጋ ምዝዛም ናይቲ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብገለ ኣጋጣሚ – ካብ ገለ ላዕለዎት ካድረታት ናይቲ ውድብ ዝሰማዕኩዎ “ኣብ ፖለቲካ ውልቃውን ሓባራውን ረብሓታት እናኣዛመድካ ክትከይድ ኣለካ!” ክብሉ ሰሚዐ ነይረ። እዚ ዘረባ`ዚ ብልክዕ ካብቶም ነቲ ውድብ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዝብገስ ኢዩ። ንሳቶም ሓንሳብ ነታ ንውልቃዊ ረብሓኦም እትከላኸል በትረ ስልጣን ምስ ጨበጥዋ፡ ከም ብሌን ዓይኖም ሓልዮማ ኢዮም። እቲ ምእንቲ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ብዓረር ዝሓርር፡ ብታንክታት ዝርገጽ፡ ብነፈርቲ ዝቃጸል ዝነበረ ተጋዳላይ ግን፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እምበር፡ “ናብ ውልቃዊ ረብሓ የማዕዱ ነይሩ ኢዩ” ኢልካ ክትዛረብ ፍጹም ዘይከኣል ኢዩ።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ብብዙሓት ካድረታት ዝዝርጋሕ ፡ ብገለ ዘይለባማት ተጋደልቲ ድማ ዝድገም ዝነበረ ዘረባ ድማ፡ “ሎሚ ናጽነት መጺኡ ኢዩ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ነብሲ-ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ነብሱ ጥራይ ክሓስብ ኣለዎ” ዝብል ነይሩ። ኣሰራት ናቱ ድማ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኲናት ተራእዩ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣዝዮም ውሑዳት ንውልቃዊ ረብሓኦም (ስልጣኖም) ልዕሊ ረብሓ ህዝቢ ዝሰርዑ እንተ ነይሮም፡ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ዶብ ኲናት ግን፡ ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ በታ “ናጽነት ስለ ዝመጸ ውልቃዊ ረብሓና ንሓሉ!” ትብል ሕማም ዝተለኽፉ፡ ብዋጋ`ቲ ሚስኪን መንእሰይ፡ ብረሃጹ ክህብትሙን ካብ ከባቢ ሞት ክርሕቁን ተራእዮም ኢዮም። በጺሖምዎ ዝነበሩ ስልጣን`ውን ውጽኢት ክቱር ምእዙዝነቶም እምበር፡ ብዘርኣይዎ ጅግንነትን ሓርበኝነትን ከም ዘይኮነ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዩም። ሽዑ`ውን መንገዲ በለጽን ውልቃዊ ረብሓን ኢዮም መሪጾም። መካይን መንግስቲ፡ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝተገዝአ ኣጽዋርን ቦምባታትን ገዲፈን፡ ናይ ውልቆም ንብረትን ድኳናትን የግዕዛ ምንባረን ተዘሪቡሉ ኢዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ እዝታቶም ኮይኑ ህይወት ዝኸፍል ዝነበረ ንኡስ ወለዶ፡ ካብኣቶም ብኣርኣያነት ዝተማህሮ ድማ ንሱ ኢዩ።  እነሆ ከኣ ንሳቶም ንውልቆም ይነብሩ፡ ሃገርን ህዝብን ግን ይባድሙ ኣለዉ።

ኩሎም ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ተኻፈልቲ ናይቲ ሕማቕ ኣብነት ነይሮም እብል የለኹን። እኳ`ድኣ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልትን ሓለፍትን ቅድሚ ደቆምን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ተወፊዮም ኢዮም። ኣረጋጊጸ ዝዛረበሉ ነገር እንተልዩ ግን፡ እቶም ምስቲ ንኡስ ወለዶ፡ ህይወቶም ከይበቐቑ ዝተዋግኡ ውፉያት ሓለፍቲ፡ ነቲ ሕማቕ ኣሰራርሓ`ውን ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ድሕሪ`ቲ ውግእ – ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም ወይ ደስኪሎም ኢዮም። ነቶም ኣብ ስርቅን ምጥፍፋእን ዝነበሩ ድማ እቲ ምምሕዳር ሓቚፉዎም፡ ንሳቶም ድማ ተኸላኺሎሙ ኢዮም። እቲ ብመንገዲ ሕጊ ሳዋ ዝሓለፈ መንእሰይ ድማ እቶም ውፉያትን ተኻፈልቲ ሽግሩን ዝነበሩ ሓለፍትን ተጋደልትን በቲ ስርዓት ክግለሉ፡ እቶም ኣብ ምጥፍፋእን ስርቅን ዝነበሩ ድማ ክሕቆፉን ስልጣን ክውስኹን ኢዩ ተዓዚቡ። ህግደፍ ነቲ ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ዝመሃሮ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ድማ እዚ ኢዩ።

ሎሚ`ውን ብገለ ናብ ህግደፍ ቅርበት ኣሎና ዝብሉ ኣሕዋት፡ “እዚ ሃገር ንምህናጽ ዝግበር ቃልሲ፡ ካብቲ ናይ ሓባር ሃገር ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ ዝተፈልየ ስለ ዝኾነ፡ ዘዘርብሓና ክንገብር ግድን ኢዩ” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ስልጣን ሒዞም ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለው`ውን ንረብሕኦም እንተ ሰርሑ ዘኽፍእ ኣይኮነን፡ ናጽነት ስለ ዝመጸት ብሓባር ንጓዓዘሉ ምኽንያት የብልናን” ንምባል ዝጉስጎሰሉ ዘሎ ኣብአሃህላ ኢዩ። እዚ ድማ ብነብሲ ወከፍ ናብ ህግድፍ ዝተጸገዐ፡ `ፖለቲካ እፈልጥ ኢየ` ዝብል ሰብ ዝደጋገም ዘሎ ዘረባ ኢዩ። ንዓኣቶም ብዛዕባ`ቲ ብዘይ ገለ ዓስቢ ዝመውት፡ ኣብ ባራካታት ዝበሊ ዘሎ ኣገልጋሊ፡ ኣብታ ኣቦታቱ ዘረከብዎ መሬት ብዛዕባ ክህልዎ ዘለዎ ውልቃዊ ረብሓ ዝግድሶም ኣይኮነን። ኣብቲ ህይወት ዝኽፈሎ፡ ሃገር ንምምጻእ ዝካየድ ቃልሲ ብሓባር እንተ ሞይትና፡ ህላወ ሃገር ምስ ተረጋገጸ`ውን፡ ሓባራዊ ረብሓና ዘረጋግጽ ሕጊ ብምውጻእ፡ ሓባራዊ ጉዕዞ ከም ዘድሊ ይዝንግዕዎ ኢዮም፡ ወይ እናፈለጡ ክዛረብሉ ኣይደልዩን። ኤርትራ ድማ ጨካናትን ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎምን ውሑዳት – ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ዝጋየጹላ፡ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ግን ነዛ ምንባር ስኢኑ፡ ካልእ ናይ ምንባር ኣማራጺ ንምድላይ ገዲፉዋ ዝኸይድ ሃገር ኮይና ኣላ። ሓባራዊ ጉዕዞን ሓባራዊ ረብሓን ጠፊኡ ሰረቕትን ዘረፍትን ከመሓድርዋ ምስ ጀመሩ ከኣ ኢዩ – ብርሰት ሓርበኛዊ ባህልን ዕንወት ሃገራዊ ስምዒትን ዝተጋህደ።

እቲ ትማሊ ውልቃዊ ረብሕኡ ልዕሊ ሓባራዊ ረብሓ ሰሪዑ ዝመርሕ ዝነበረ ንእሽቶ ጉጅለ፡ ሎሚ – ኩላ እታ ሃገር ናቱ፡ ኩሉ`ቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ብምግባር ይገዝእ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ እቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ኣምር፡ ኣብቲ ናብ ሳዋ ዝወርድ መንእሰይ ጥራይ ዝተሓጽረ ገይሩ ይርድኦ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ እቶም ካብ ክሊ ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወጻኢ፡ 60 ወይ 70 ዓመት ዘሕለፉ ሽማግለታት፡ ብዘይ ብቑዕ ታዕሊም ብረት ዓጢቖም ብዘይ ገለ ክፍሊት ናብ ሓለዋ ኣይምተላእኩን። እቶም ኣብ ቃልሲ ዝኣረጉ ተጋደልቲ`ውን ብዘይ ገለ ክፍሊት ዳግማይ ኣብ ታዕሊም ክርከቡን ኣብ ሓለዋ ከም ዝዋፈሩን ኣይምተገብረን። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ ነብሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ብስም ምዕቃብ ልኡላውነት ብዘይ ገለ ክፍሊት ነቲ መንግስቲ (ህግደፍ) ከተገልግል፡ ኣብ ዝተባህለቶ እዋን ንብረታ፡ ሃብታን መሬታን እንተላይ ደቃን ነብሳን ንመንግስቲ (ህግደፍ) ከተረክብ ትግደድ ኢያ። ነዚ ዘይቅበል – ንስለ ሕግን ሃገርን ዝጣበቕ ስድራ ወይ ውልቀ-ሰብ፡ ብትሕተ-ሃገራውነትን ክሕደትን ተኸሲሱ፡ መሰሉ – እንተላይ ህይወቱ ይሕደግ። በዚ ድማ ኢየ `ህግደፍ ኩሉ ሃብትን መሬትን ኤርትራ ናቱ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዝገዝእ ጨካን ስርዓት ኢዩ` ዝብል ዘለኹ።

ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ ውሑዳት ሰበ-ስልጣን (ብፍላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት) ከምድላዮም ገንዘብ ክዘርዉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ናቕፋ ክጣልዑ ከለዉ፡ ኩሉ`ቲ ካልእ ህዝቢ ግን ብጥሙይ ከብዱ፡ ማይን መብራህትን ኣብ ዘይብሉ ገዛ “ኤ ህ!” እናበለ ይነብር ኣሎ። እቲ ንኡስ ወለዶ ድማ፡ ካብቶም ነቲ ክቡር ስም ተጋዳላይ ሒዞም ዘለዉ ጓሓሉ እዚ ኢዩ ተማሂሩ። እነሆ ከኣ – እቲ ትብዓትን ጅግንነትን ኣቦታቱ ክወርስ፡ ነታ ብሕድሪ ዝተረከባ ሃገር ተማሂሩን ተመራሚሩን ክሃንጻን ከበልጽጋን ዝግበኦ መንእሰይ፡ ይትረፍ ሕሉፍ ታሪኽ ኣያታቱን ኣቦታቱን ክወርስ፡ ነዛ ምንባር ስኢኑ፡ ዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ክሃድም ተገዲዱ ኢዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ብርሰት ሓርበኛዊ ባህልን ዕንወት ዉዕዉዕ ሃገራውነትን`ሞ እንታይ ኢዩ ክመጽእ!!

ህዝቢ ኤርትራ፡ እቶም ብደምና ናጽነት ኣምጺእናልካ ዝበልዎ ደቁ፡ ኩሉ`ቲ ተወፋይነቶም፡ ጅግንነቶም፡ ብጻይነቶምን ዘርእይዎ ዝነበሩ ምትሕልላይን፡ ከም ዘለዎ- ናብቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ከሕልፍዎ ኢዩ ተጸቢዩ። እቲ ንኡስ ወለዶ`ውን ነታ ብደምን ኣዕጽምትን ዓበይቲ ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ዝመጸት ሃገር፡ ኩለንተንኡ ክህባ ድሉው ኢዩ ነይሩ። እቲ ህይወቱ ከይበቐቐ፡ ንነብሱ ገለ ከይተጸበየ ንስለ ሃገርን ህዝብን ጥራይ ከርተት ዝበለ ተጋዳላይ`ውን ድልየታቱን ባህግታቱን ንሱ ኢዩ ነይሩ። እቶም ካብ ንጉሁኡ ብደም ዝጨቀዉ፡ ነቲ ውዕዉዕ ሃገራዊ ቃልሲ ጉልባብ ገይሮም፡ ውልቃዊ ረብሕኦም ዘጣጥሑ ዝነበሩ ተጣበቕቲ ውልቃዊ ረብሓ ግን፡ ምስ ምውርራስ ሓርበኛዊ ባህሊ ስልጣኖም ከም ዘብቅዕ ኣይሰሓትዎን። ከምኡ ስለ ዝኾኑ ከኣ ኢዮም ካብ ንጉሁኡ ከዕንዉዎን ከብርስዎን ዝተዓጥቁ። እነሆ ድማ እቲ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ድማ ኣጸቢቑ ዝደልደለ ትብዓትን ተወፋይነትን፡ ሃገራውነትን ጅግንነትን ብዓቢኡ ከኣ ሓርበኛዊ ባህሊ ኣሰራት ከይገደፈ ክበርስ ንርእዮ ኣለና።

ህግደፍ ልዑላውነት ዝዕቅብ፡ ወይ ዶባት ዘየድፍር ስርዓት ድዩ?

መልሲ ናይዚ ሕቶ`ዚ `ብፍጹም ኣይኮነን` ዝብል ኢዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነበረ ኤርትራዊ ወለዶ ሓቢሩን ተወሃሂዱን ስለ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ሃገራውነት ፈጢሩ። ልኡላውነት ሃገር ዝዕቀብ፡ ዶባት ኤርትራ ዘይድፈር ድማ ሓቢሩን ተወሃሂዱን ዝሰርሕ ወለዶ ኣብ ሃገር ምስ ዝህልው ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ ግን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ ዝገለጽኩዎ፡ `ብርሰት ኤርትራዊ ሰብ ዘረጋገጸ ስርዓት’ እምበር፡ ዜጋታት ሓቢሮምን ብታሪኽ ዝሓለፉ ኣሕዋቶም ኮሪዖምን ልኡላውነት ሃገሮም ክዕቅቡ ወይ ዶባት ክሕልዉ ኣየፍቀደሎምን። ብኣንጻሩ ዓይነ-ብርኪ ዘለዎ ሰብ ዝሃድማ፡ ሽማግለን ተስፍኡ ዝጸንቀቐን ሰብ ጥራይ ዝተርፋ፡ ዝባደመት ሃገር ሒዙ ተሪፉ ኣሎ።

ከምቲ እቲ ስርዓት ደጋጊሙ ዝገልጾ፡ ቀንዲ ጸላእቱ ስርዓት ወያኔን ኣመሪካን ኣይኮኑን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ህዝቡ ሓቚፉ፡ ንመንእሰያት ኣዕጊቡን ኣወሃሂዱን `ኣ ለ ኹ!!` ምበሎም። ስርዓት ህግደፍ እምበኣር፡ ከም ቀዳማይ ጸላኢኡን በዓል ደሙን ገይሩ ዘቐመጦ፡ ነቲ ደም እና-ኣንብዐ ዝረግጾ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብቀዳማይ ደረጃ ኣብ ኢድ ህግደፍ ዘላ ስልጣን ክትቅየር ዝደልዩ ወያኔን ኣመሪካን ዘይኮኑስ፡ እቲ ተረጊጹን ናብ ባርያ ተቐይሩን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እዚ ህዝቢ`ዚ ድማ ሓቢሩን ተወሃሂዱን ናብ ስልጣን መታን ከይጥምት – ክጠሚ፡ ክንብርከኽ፡ ክቕተልን ክብተንን ኣለዎ። ህግደፍ ከኣ ምእንቲ ስልጣን ውሑዳት፡ ህዝብን ሃገርን ዝብትን እምበር፡ ልኡላውነት ዝዕቅብን፡ ዶባት ዘየድፍርን ስርዓት ኣይኮነን። እዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ተስፋኣ – ካብ ኣህጉራዊ ስምምዓትን ኣህጉራዊ ውዑላትን እምበር፡ ንውዕዉዕ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ባህሊ ኣቦታቱ ተዓጢቑ ዝዕቅባ መንእሰይ ክትውንን ወይ ክትምልምል ኣይተዓደለትን። በዚ ድማ ኢየ ስርዓት ህግደፍ – ዕንወት ሃገራዊ ስምዒትን ብርሰት ሓርበኛዊ ባህልን ዘረጋገጸ ስርዓት ኢዩ` ዝብል ዘለኹ።

ኩነታት ናይቲ ዶባት ሃገሩ ክዕቅብን፡ ሓርበኛዊ ባህሊ ክወርስን ዝግበኦ ኤርትራዊ መንእሰይ`ከ?

ክብ ኢለ ከም ዝገለጽኩዎ፡ እቲ ናይ ጭውያን ዓፈናን ጉጅለ፡ ምስቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙ ዘይከይድ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ነቲ ሓርበኛዊ ባህልን ዉዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ብምዕናው፡ ብኣንጻሩ ናይ ውልቀ-ሰብ ኣምልኾ ዘደልድል ፖሊሲ ከተኣታቱ ኢዩ ጽዒሩ። ምልኪ ውልቀ-ሰብ ኣብ ምርግጋጽ ከም ቀዳማይ ዕንቅፋት ዝተራእየ ድማ፡ እቲ ውልቃዊ ድልየታቱ ቀቲሉ ኩለንተንኡ ንሃገርን ንህዝብን ዝሃበ ዝበዝሐ ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ። ትካላት ስለያን ጸጥታን ህግደፍ ድማ፡ ነቶም “ሃገርን ህዝብን ይቐድሙ” ዝበሉ ተጋደልቲ ኣብ ምጥፋእን ምስጓግን፡ ነቶም ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድሙ ድማ ኣብ ምእካብን ምውህሃድን ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ፡ እቲ ሃገራውነትን ሓርበኛዊ ባህልን ከውርስ ዝግበኦ ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ክውረስ ዝግበኦ – ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝተጠርየ ክቡር ሓርበኛዊ ባህሊ`ውን፡ ኣብ ምዕቃብን ምክልኻልን ስልጣን ውልቀ-ሰባት ጥራይ ከም ዝውዕል ስለ ዝተገብረ፡ በብቑሩብ እናተሸራረፈ ዓንዩን በሪሱን ኢዩ።

ነዚ ብርሰት`ዚ ክዉን ንምግባር ድማ፡ እቲ ሓርበኛዊ ባህሊ ኣቦታቱ ወሪሱ፡ ሃገር ክዕቅብ ብዙርያታት ናብ ሳዋ ዝወረደ መንእሰይ – ርእሱ ዘድንን፡ ዝተባህሎ ጥራይ ዝፍጽም ንምግባሩ ብጥንቃቀ ተሰሪሑሉ ኢዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ ዘሎ ወታደር ኤርትራ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰሉ ዝሓተሉ ሕግን ዘይብሉ፡ ብኣተሓሳስባን ብመንፈስን ክደክም ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ቀሊል ጉድለት ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን – ተኣሲሩ በባትር ዝቕጥቀጥ፡ ርእሱ ተላጽዩ ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ዝዕጾ ወይ ዝጥጠቕ፡ ኣብ ምሉእ ናይ ገድሊ ዕድሜና ርኢናዮን ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ – ሀሊኮፕተር፡ ቊጽሪ 8 . . ዝበሃሉ ማእሰርትታት ዝእሰር፡ ብገመድ ተኣሲሩ ኣብ ገረብ ጠልጠል ዝብል፡ ኣብ ነብሱ ጸባ ተደፊኡዎ ሃመማ ንኽዓስልዎ ዝድርበ፡ ብፍቕሪ ንዝሓዘን መዛንኡ ዝምንጠል፡ ኣባይቱን ኣባይቲ ስድራ-ቤቱን ገዲፉ – ኣባይቲ ሓለፍቱ ክሰርሕ ዝግደድ፡ ከም ተራ ሰራሕተኛ – ስድራ-ቤት ሓለፍቱ ኣብ ምእላይ ዝዋፈር፡ `ናይ ብርጌድና ወይ ክፍለ-ሰራዊትና` እናበለ ኣብ ሕርሻታትን ድኳናትን ሰሪሑ ዝኣከቦ ገንዘብ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝዝመት፡ ከም ተራ ስደተኛ ኣብ ሸላታት ዝዳጎን፡ ምዉቕ ሓዳር ክገብርን ክወልድን ዘይክእል፡ ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ብዘይ ፍርዲ ዝርሸን፡ ብሓጺሩ ከም ክብሪ ዘለዎ ሰብን ንልኡላውነት ዝከላኸል ወታደርን ዘይኮነ – ከም ዜጋ`ውን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሰብ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ናብዚ ሕሱር ናብራ`ዚ ዝተፈርደ ኣገልጋሊ`ውን “ዋርሳይ ንሓመዱ — ይከኣሎ ንሹመቱ” ብምባል ንኩነታቱ ክገልጽ ፈቲኑ ኢዩ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ እቲ ቀድም እንፈልጦ ትብዓት፡ ቅንዕናን ሓድሕድ ምትሕልላይን መንእሰያት ኤርትራ ጠፊኡ፡ ሎሚ ኣብ ነብሱ ከይመጾ ዝጽልይ፡ ልኡምን – ናይ ካልኦት ጸገምን ስቓይን ከም ዘይናቱ ዝርእን ሰብ ይበዝሕ ኣሎ። እዚ ድማ ኢዩ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ብርሰት ሓርበኛዊ ባህልን፡ ዕንወት ናይቲ ሳላ ጥምረቱ ታሪኽ ዝሰርሐ ዉዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን።

.     .     .     .     .      .     ይቕጽል     .     .     .     .     .     .

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Teclay February 12, 2017

    Elite (ላዕለውይ ጽፍሒ )VS the Mass (ሓፋሽ)
    Let us categorize a society in to two ( i mean any society in the world ) ..Which one of them plays an important role for the failure or success of that society?? A,,elite …B,,the Mass
    In my opinion the mass don’t have any role to play ,except to preform or accomplish what has been programmed by the elite …So,in this context ,you can say the mass = the robot…,,Yes´,if a society has far-sighted elite,it becomes strong and wealthy.If not ( if the elite is superficial),it disintegrates and disappears from the face of the world ,just like the red-Indians .

    ሕቶ
    ታሪኽ ኣቦታቱ።ታሪኽ ዘራይ ደረስ ,ኣሉላ ኣባ ነጋ ጉሒፉ፣ ታሪኽ ኣዂሱም፣መጠራ፣ቖሓይቶ ኒዒቑ፣ ውዕሎ ጀጋኑ ዓድዋ፣ደጎሊ፣ ጉንደት ፣ጉራዕ ረሲዑ፣ ፋርማጆን ስፓጌትን እናበልዓ ፣ካብ ‘ኣሎራ’ ዘይሓልፋ ስብርባር ቛንቛ ጣልያን ከጽንዕ ዝመረጸ elite ((ላዕለውይ ጽፍሒ) ኣበይ ትምድብዎ ???

    • ሃይለ February 13, 2017

      ታሪኽ ኣቦታቱ።ታሪኽ ዘራይ ደረስ ,ኣሉላ ኣባ ነጋ ጉሒፉ፣ ታሪኽ ኣዂሱም፣መጠራ፣ቖሓይቶ ኒዒቑ፣ ውዕሎ ጀጋኑ ዓድዋ፣ደጎሊ፣ ጉንደት ፣ጉራዕ ረሲዑ፣ ፋርማጆን ስፓጌትን እናበልዓ ፣ካብ ‘ኣሎራ’ ዘይሓልፋ ስብርባር ቛንቛ ጣልያን ከጽንዕ ዝመረጸ elite ((ላዕለውይ ጽፍሒ) ኣበይ ትምድብዎ ???

      ኣብ ምብላዕ ፋርማጆን ስፓገቲን ንምድቦ። ታሪኽ ኣኽሱም ንደቂ ኣኽሱም፡ ታሪኽ ዓድዋ ንደቂ ዓድዋ ኢዩ። ብመንጽሩ ከኣ ታሪኽ ደቂ ጉራዕ ንዋናታቱ ኢዩ። ስለዚ ተኽላይ ፡ ንሱ ኢዩ መልስና። ኩሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኣለዎ ንብለካ

      • ስለፍትሒ February 13, 2017

        እሞ ብኣባሃህላኻ ታሪኽ ኣፍዓበት ንደቂ ኣፍዓበት፡ ታሪኽ ናቕፋ ንደቂ ናቕፋ ታሪኽ ጊንዳዕ ንደቂ ጊንዳዕ ኢዩ። ልቢ ግበር ሓው! መታን ክትርሕቕ ክትብል ንቲ ናይ ሓባር ታሪኽ ኣይትኽሓዶ።
        እቲ ብሓባር ከለና ዝተፈጸመ ታሪኽ ናይ ሓባር ኢዩ፡ እቲ ምስተፈላለና ዝተፈጸመ ታሪኽ ከኣ በብውልቅና ንትርኾ።
        ሕጂ ክልተ ሃገራት ኢና፡ ስለምንታይ ትፈርሕ፡ ስለዘየደለና ብመሪር ብረታዊ ቃልሲ እኮ ኢና ተፈሊና፡ ሕጋዊነት ከኣ ለቢሱ ኢዩ። ታሪኽ ክትፈልጥ ኣንብብ፡ ሕተት። ንሓቂ ተኣሚንካ ከኣ መጉት፡ ነቲ ሓቂ ዝቕይሮ ከኣ የለን።

        • AHMED SALEH !!! February 13, 2017

          Tenkol , kihdet , aluta , himak menfes , belex , amex , rugumat fitret …………………………………… lekemeke tetahahizka nab gudguad .
          Formajo – spaghetti kind of foods are available if ayte Teclay
          knows how it does taste or we can invite him for lunch if he only
          saw them in a picture .
          First he must learn some Italian words to say (per favore , grasie,
          ciao ) before he touches them . capitto signore teclay .

        • Simon G. February 14, 2017

          ስለፍትሒ:
          I am with you! We really can’t change history. History is history.
          We can’t change history when we disagree and change it back when relationship normalizes. That’s what the problem with ignorant or/and emotional societies.
          HGDF supporters used to like TPLF when they kick Jebha AABAY and now hate it during the war with Woyane. I see no principle with these kind of people.
          I am not even sure why Haile mentioned about ደቂ ጉራዕ only from Teclay’s statement. What happen to those ደቂ መጠራ፣ቖሓይቶ: ደጎሊ: ጉንደት? This is just one example.
          Now, we have one and only one enemy: HGDF.
          Ethiopians have their own interest. Why are we surprised when they are not working on our interest? It is not their business and we shouldn’t expect it either.
          I don’t mean to sound negative (wish them well) but I have no business how Ethiopians run their country. God, I have more problem on my own country.
          Focus people, focus.

  • hidat February 14, 2017

    NOW we have one and only one enemy:WEYANE.N DEGEFTOMN.

POST A COMMENT